ንቡር ምህሮ እንታይነት ሰብ

Apologetics
Typography

 ‘ንሰብ ከም ቁምነገር እትርእዮ ተጠንቂቅካ እትምልከቶ ኣብ ጸጽባሕ እተቛምቶ በብቕጽበት እዉን እትዕዘቦስ እንታይ እዩ? እዮብ 717~18

"እንሆ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ከምዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፣ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ" ኪብል ተዛሪቡ ነይሩ (መክብብ 729)

ሰብ ኢና ኔርና፡ ሰብ ኢና ዘለና፡ ሰብ ኮይንና ድማ ንዘልኣለም ክንነብር ኢና"! ክብል ኣፍቅዱለይ። እንተኾነ ግና፡ እንታይነት ሰብ ንዘመናት ምሉእ ኣብ ዓለም ይኹን ኣብ ዉሽጢ ቤተክርስትያን፥ ቀንዲ መዘራረቢ ጉዳይ ኮይኑ ከምዘሎ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ ኾይኑ ይስምዓኒ። ካብቶም ንመንነት ሰብ ኣመልኪቶም ዝልዓሉ ሕቶታት ድማ፡ ሰብ መን እዩ? ሰብ እንታይ እዩ? ሰብ መንፈስ ድዩ? ወላስ ሰብ መንፈስ፥ ነፍሲ፥ ስጋ ድዩ? ወላስ ሰብ መንፈስን ስጋን ጥራይ ድዩ? ወዘተ ዝብሉ ይርከብዎም። እዞም ሕቶታት ግና ንምንታይ እዮም ዝልዓሉ? እንታይ እዩ ኣገዳስነቱ? መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሰብ ንጹር ዝኾነ መግለጺ ስለ ዘይሃበ ድዩ? ኢልና ክንሓትት ናይ ብስለት ምልክት እዩ።

ኣነ ብሸነኸይ፥ መጽሓፍ ቅዱስና ብዛዕባ ሰብ ብንጹር ኣዕሚቑ ይምህር እዩ ብሃላይ እየ። ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ከምዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፥ ግናኸ ኣንሕና ደቂ ሰባት፥ ብሕልፊ ኸኣ ኣመንቲ እንብሃል ብዙሕ ብልሓት ብምድላይ፥ ኣብቲ ንጹር ስራሕ ኣእዳዉ እግዚኣብሄር፥ ናይ ገዛእ ርእስና ርእዮቶታት ከነብዝሕ ስለዝፈቶና እዩ። ስለዚ እቲ ሽግር ኾይኑ ዝርኣየኒ፣ መጽሓፍ ቅዱስ መልሲ ስለ ዝስኣነሉ ዘይኮነስ፣ ናይዛ ዓለም እዚኣ ስነ~ሓሳባዊያን ይኹኑ መምህራን ናይ እምነት ምንቅስቃስን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝኾኑ ትምህርትታት ስለዘብዝሑ እዩ። እቲ ዝገርመኒ ወይ ዘፍርሓኒ ነገር እንተሎ ድማ፥ ብዛዕባ መንነትን እንታይነትን ሰብ፣ ዝንቡዕ ዝኾነ ምርዳእ ምሓዝ ማለት፥ ብዛዕባ መንነትን እንታይነትን እግዚኣብሄርን እዉን ዝንቡዕ ዝኾነ ምርዳእ ምሓዝ እዩ እንተበልኩ ምግናን ኣይኮነን።

ኣብ ምህሮ እዛ ዓለም ንእንታይነት ሰብ ዝምልከት ብዙሓት ዓይነት ስነ~ሓሳብ ኣለዉ።

ብቐዳማይ ደረጃ ናይፍልቀት ስነ~ሓሳብ (The Theory of Evolution)” ዝብል ስነ~ሓሳብ አዩ እዚ ስነሓሳብ ንኣፈጣጥራ ሰብ ኣመልኪቱ፥ ሰብ ብዘግምታዊ ምዕባለ ካብ ህበይ እዩ ፈሊቑ ይብል። እዚ ንመንነትን እንታይነትን ሰብ ጥራይ ዘይኮነ ንህልዉና እግዚኣብሄር እዉን እንተኾነ ብኣሉታ ዝጸልዉ ስነ~ሞገት ወይ ሓሳብ ምዃኑ ኣንሕና ክርስትያናት እንረዳድኣሉ ሓቂ እዩ ኢለ ይኣምን።

ብኻልኣይ ደረጃክሕደትን ዘመናዊነትንስነሓሳባዊያን፡ ንሰብ፡ስጋ እዩኢሎም ገሊጾምዎ ኣለዉ። ሰብ ስጋ ስለ ዝዀነ ኸኣ፡ ተስፋኡ እተን ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዝነብረን ዓመታት ህይወቱ ጥራይ እየን። መለክዒ ዓወት ናይቲሰብ ስጋ እዩኢሉ ዝኣመነ ሰብ ድማ፡ተድላ እዛ ምድሪእዩ ይብል። ካብዚ ድንኳን እዚ ግዒዝካ ካልእ ህይወት ስለ ዘየለ፡ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ከሎኻ ብዘይተሓታትነት ከም ድላይካ ኴንካ ብዘይ ሞራላዊ መወከሲ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክተመላለስ ትኽእል ኢኻ ክብል ወሲኹ ዝዛረብ ስነ~ሓሳብ እዩ።

ብሳልሳይ ደረጃ ንኣቛዉማ ሰብ ንዝምልከት፥ሰብ ብስጋን ነፍስን ጥራይ ዝቆመ ፍጡርእዩ ዝብል ስነ~ሞጎት ኣሎ። እዚ ኽኣ ነቲ ፍጡር ካብ ፈጣሪኡ ዝፈልይ ምህሮ ወይ ስነ~ሓሳብ እዩ።

ብራብዓይ ደረጃድማ፥ናይ ምንቅስቓስ ሓድሽ ዘመን (New Age Movement)” እዩ። እዚ ስነሓሳብ ድማ ንኣፈጣጥራ ሰብ ብዘይገድስ፥ ንመንነት ሰብ ብዝምልከት ግናሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ኣምላኽ እዩ' ዝብል ስነ~ሓሳብ ምዃኑ ካብ ኩላትና ዝተሰወረ ኣይኮነን።

እንተኾነ ግና፥ ኣንሕና ክርስትያንት እዉን ብዛዕባ መንነትን እንታይነት ሰብ ብዝምልከት ብሓንቲ ትኽልቲ ሓቂ እተጠመርና ኢና ኢለ ክሓስብ ኣይክእልን እየ። እቲ ዘመን እኳ በዓሉ ይዛረብ ኣሎ። ገሌና ሰብ ብመንፈስ፥ ነፍስን ስጋን ዝቆመ ፍጡር እዩ ንብል ኣሎና። ገሌና ድማ ኣይፋል ሰብ መንፈስ እዩ፥ ነፍሲ ኣለዎ፥ ኣብ ስጋ ድማ ይሓድር፥ ኢልና፥ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘየሎ ስነ~ሞጎት ሒዝና ኣሎና። እቲ ዓብይ ስክፍታይ እምብኣር ኣብ መንነትን እንታይነትን ሰብ ዝንቡዕ ርድኢት ምሓዝ ማለት፣ ኣብ መንነትን እንታይነትን እግዚኣብሄር እዉን ዝንቡዕ ርድኢት ምሓዝ ምዃኑ ብዙሕ ሰብ ዘድህበሉን ዝርድኦን ኾይኑ ኣይስምዓንን። ምኽንያቱ፥ ሓንሳብ ሰብ መንፈስ እዩ እንተኢልና፥ ድሕሪኡ ዝመጽእ ሰበብ ኣሎ እዩ። ኣምላኽ መንፈስ እዩ፥ ሰብ ድማ መንፈስ እዩ፥ ስለዚ ኣምላኽን ሰብን ካብ ሓደ ዓሌት ወይ ድማ ብእንግሊዘኛ ቃል “God and Man are S/spirit beings and are in the same Category” ኣብ ዝብል መደምደምታ ኢና እንበጽሕ።

ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዘሎኹ፥ ገለ ሰባት "ሰብ መንፈስ እዩ ነፍሲ ኣላቶ ኣብ ስጋ ይሓድር" ኪብሉ ከለዉ፥ ካልኦት ድማ ኣይፋሉንሰብ መንፈስ -ነፍሲ-ስጋ ስለስቲኡ ብሓንሳብ ሓቑፉ ስሉስ ኣቃውማ ዘለዎ ፍጡር እዩይብሉ። እዚ ንገሌና ስቕ ኢልካ ናይ ቃላት ባእሲ እዩ መሲሉ ዝረኣየና፣፣ ክልቲኦም ወገናት ንሰለስቲአን ክፋላት ናይ ሰብ ይጠቅስወን' ኸየለዉን? እንታይ እዩ እቲ ጸገም ኢና ንብል።

ክቡር ኣንባቢ "ሰብ መንፈስ እዩ፣ ነፍሲ ኣላቶ ኣብ ስጋ ይሓድር ዚብል ቃላት ካብቲ ዝመስለና ንላዕሊ ዝያዳ ዝዓሞቖን ዝጸልመተን ትርጉም ዝሓዛለ እዩ። እዞም ነዚ ምህሮ ዝምህሩ ጉጅለታት፣ መንፈስ ሓጢኣት ኣይገብርን ዚብል ርዲኢትን ዘይቕነቕን መትከልን ኣለዎም። ሰለዚ መንፈስ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ሰብ ከኣ መንፈስ እዩ፣ ስለዚ ሰብ ሓጢኣት ዝገብር ብነፍሱ ወይ ብስጋኡ እዩ። ስጋን ደምን ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርስ እዩ ይብሉና፣፣ እሞ እቲ ትኹል ሓቂ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ፣ ንብላዕን ንስተን! ያእ ኣይፋልናን ድኣ እባ!

እዞም ጉጅለ ሰብ መንፈስ እዩ ዚብሉሉ ካልእ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ እዩ። ኣምላኽ መንፈስ እዩ ሰብ ከኣ መንፈስ እዩ ስለዚ "ሰብ ኣምላኽ እዩ" ናብ ዚብል ሶንኮፍን ደፋርን መደምደምታ ኪበጽሑ መታን ኪጥዕም እዩ። ከምቲ ኣቐዲመ ኢለዮ ዘⶀኹ፥ እዚ ሱቅ አልካ ጸለመ ኣይኮነን፣ ማለት እቲ ሰብ መንፈስ እዩ ነፍሲ ኣላቶ ኣብ ስጋ ድማ ይሓድር ዝብል ምህሮ ወይ ሰረተ እምነት ናይ እምነት ምንቅስቋስ፥ ንሰብ መዓረ ክርስቶስ ገይሩ፥ ምስ ኣምላኽ ድማ ዘመዓራርይን ገቦ ዘዝብልን ምህሮ እዩ። ደፊርካ ኣይፋል! ምስ በልካዮም ድኣ ገሊኦምንኣሽቱ ኣማልኽቲ ኢናናብ ዝብል ሓሳብ የላግሱ ኾይኖም እምበር፥ እቲ ምህሮስ ኣዒምቅና እንተፈሊጥናዮ ኣብኡ ደዉ ኣይብልን እዩ! ንሰብ ምስ ኣምላኽ እዩ ዘመዓራርይ። ግናኸ ከም ኣምላኽ ምዃንን ንኣምላኽ ምምሳልን ክልተ ዝተፈላለዩ ሓቅታት እዮም። ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ፥ ኣብ መጽሓቶም ካብ ዘንበብክዎ እየ ዝዛረበኩ ዘሎኹ እምበር ዝተጣበብክዎ ጽዉጽዋይ ኣይኮንኩን ዝነግር ዘሎኹ።

እምብኣር ሕጂ ኣስዒብና፥ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስና፥ ሰብ ብመንፈስ ነፍስን ስጋን ዝቖመ ፍጡር ምዃኑ ክንርእይ ኢና። ሓደ ሓቂ ካብ ሓደ ሓቂ ከብልጽ ኣይክፍትንን ኢየ። ብኣንጻሩ እታ ሓቂ ሓንቲ ምዃና ዓቅመይ ክሳዕ ዝፈቐዶ ከነጽር ክፍትን እየ። ንርእስና ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ሓንቲ ትኽልቲ ሓቂ እግዚኣብሄር ከነግዝእ፥ እግዚኣብሄር ብኹሉ ምኽፋት ልብን ኣእሞሮን ንኹላትና ይደግፈና፣ ኣሜን!

ኩለንትና ሰብ መንፈስ፥ ነፍሲ፥ ስጋ እዩ

መጽሓፍ ቅዱስና ሰብ 3 ክፍልታት ማለት ብመንፈስ ብነፍስን ስጋን ዝቆመ ከምዝኾነ ይምህር እዩ ኢልና ከሲስና ኣሎና። እዚ ድማ ስሉስ ወይ ቲሪፓርቲተ ተብሂሉ ኣብ 1ተሰ 523 “ኣምላኽ ሰላም በዓሉ ንኹለንትናኹም ይቐድሶ፥ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹምን ስጋኹምን ብዘይ መንቅብ ኪርከብ ይተሓሎ፣ብምባል ሰፊሩልና ኣሎ። ኣብዚብኹለንትናኹምዝብል ቃል ነቲ ምልኣተ ሰብ የረድእ፥ ማለት ሰብ ህላወን ምልኣትን እዞም ሰለስተ ኣካላት እዩ። ኣብ እብራዊያን 412 እዉንቃል ኣምላኽ ህያዉን መስለጥን እዩ እሞ፥ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዚበልሕ እዩ፥ ነፍስን፥ መንፈስን፥ መፈላለዩን ኣካላትን ኣንጉዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዚሰጥም፥ ኣብ ምሕላን ሓሳብን ልብን ከኣ ዚፈርድ እዩ፣ይብል። እዚ ናይ እብራዊያን ጽሓፊ፥ እቲ ቃል ጎይታ ናብቲ ዘይኣካላዊ ክፋልና ማለት መንፈስን ነፍስን ከምኡዉን ናብቲ ኣካላዊ ክፋልና ማለት መፈላለዩ ኣካላትን ኣንጉዕን ማለት ስጋና ዝበጽሕ ምዃኑ እዩ ዝምህር። እዚ ዝብሎ ዘሎ ሓሳብ ድማ፥ ነቲ ኣብ ብሉይ ኪዳን እቲ ካህን ብሰይፊ ወይ ካራ ገይሩ ነቲ ናብ መስዋእቲ ሓዊ ዝኸዉን ስጋ እቲ ንመስዋእቲ ዝዀዉን ገንሽል ከምዝመቃቅሎ እሞ ንኹሉ ክፍሊ እቲ ገንሸል ከምዝበጽሖ ገይሩ ነቲ ቃል ይገልጾ ኣሎ። ቐጺልና፥ ነፍሲወከፍ ክፍሊ ሰብ ድማ ነናቱ ዕዮ ወይ ስራሕ ከምዘለዎ ምርዳእ ምእንቲ ክንረክብ፥ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰብ ምርኣይ ከድልየና እዩ።

ኣፈጣጥራ ሰብ

ሰብ ዝብሃልሲ ብሰለስተ ክፍላት ማለት መንፈስ፥ ነፍስን ስጋን ዝቆመ ፍጡር ምዃኑ ጠቂስና ኣሎና። እዚ ድማ ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ክሳዕ ዘልኣለም ናይ ሰብ ዘይልወጥ መንነት እዩ። ዝቅየር ወይ ዝልወጥ ክፍሊ ሰብ እቲ ሓላፊ ስጋ ብዘይሓልፊ ስጋ ምልዋጥ እንተዘይኮይኑ፥ ዝልወጥ ወይ ዝትካእ ክፍሊ ሰብ ኣሎ ክብል ዓሻ ድፍረት ኣይክደፍርን እየ። ብዝበለጸ ሕጂ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ወይ መንነትን እንታይነትን ሰብ፥ ብብሩህ መገዲ ገይረን ዝገልጻልና ጥቅስታት ተጠንቂቅና ክንርእየን ፍቐዱለይ። እታ ቀዳመይቲ ኣብ ዘፍጥረት 127 ክትከዉን እንከላ፥ እታ ነዛ ቐዳመይቲ ኣብርሆት እትኾና ካልኤይታ ድማ ዘፍ 27 እያ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ እታ ቀዳመይቲ "መንነት ሰብ" ክትገልጽ ከላ፣ እታ ካልኣይቲ ድማ "እንታይነት ሰብ" እያ ተንቲና እተብርህ እያ።

ኣብ ዘፍ 126 "ኣምላኽ ከኣ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንግበር ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብልን ኩሉ ለመምታን ይግዝኡ በለ፣፣ ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፣፣ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ፣፣ ተባዕታይን ኣንስታይን ገሩ ፈጦሮም" ዘፍ 126 ክብል ጸኒሑ፥ ድሓር ድማ ኣብ ዘፍ 27 “እግዚኣብሄር ድማ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፥ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት (Chay) ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያዉ ነፍሲ ኾነ (Living and self-conscious man) ይብል። መምህራን ናይ እምነት ምንቅስቃስ፣ ኣምላኽ ኣብ ዘፍጥረት 127 "መንፈስ" ሰብ እዩ ፈጢሩ፣ ኣብ ዘፍጥረት 27 ኸኣ ጸኒሑ "ስጋን ነፍስን" ወሲኽሉ ዝብል ግጉይ ትምህርቲ ብዘይ ምስትውዓል ይምህሩ ኣለዉ። እንተኾነ ግና ኣምላኽ ቅድም መንፈስ ፈጢሩ ደሓር ክመልኦ እየ ብምባል ኣብ ካልኣይ ሰሙን ስጋን ነፍስን ድዩ ወሲኹሉ? ያእ ኣይፋልንኣይወሰኸሉን! ከመይሲ ኣምላኽ ፍጥረቱ ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ ከምዝወደአ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና፣ "በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኣምላኽ ካብቲ ዝገበሮ ኩሉ ግብሩ ዓረፈ" እዩ ዝብለና። እቲ ትኹል ቓል (ዘፍ 22) ቃል ኣምላኽ ካብ ዝተኾልዔ ወርቂ ይጸርይ! እወ ኣሜን!

ደሓር ድማ ኣምላኽ ኣብ ዘፍ 127 "ተባዕታይን ኣንስታይን" ገይሩ ፈጠሮም ብምባል ኣግሂዱልና ኣሎ፣ ንመንፈስ ድማ ጾታ የብሉን! ስለዚ እዚ ጥቅሲ ንኹለንትና ናይ ሰብ ማለት ንመንፈስ-ነፍሲ-ስጋ እምበር፣ ንመንፈስ ጥራይ ዘመልክት ጥቕሲ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፥ እዚ ጥቅሲ እዚ ኣምላኽ ሰብ ከምዝፈጠረ እምበር ካብ ምንታይ ከምዝገበሮ ስለዘይሕብር፣ ብዛዕባ ኩለንትናዊ ኣቓውማ ሰብ እኹል መብርሂ ኣይህበናን እዩ። ኣምላኽ ግና መንነት ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ እንታይነቱ ኬፍልጠና ስለዝደለየ እዩ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣፈጣጥራ ሰብ ዘዘንቱ ካልኣይ ምዕራፍ ዝሃበና። ስብሓት ነቲ ዓቢ ስሙ ይኹን!

እሞ ቅድም ቀዳድም፣ ከነነጽሮ ዘለና፣ ኣብ ዘፍጥረት ክልተ ዝተፈጥረ ወይ ዝተመለአ ሓዲሽ ፍጥረት ከምዘየለ እዩ። ጥቕሲ 7 ናይ ካልኣይ ምዕራፍ "በታ እግዚኣብሄር ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ" ብዝብል ሓረግ ንድሕሪት ናብ ምዕራፍ ሓደ እዩ ዝመልሰና። ነዚ ሓቂ እዚ ዝያዳ ንምርጓድ ድማ "ንምድሪ ዝዓዩ ሰብ ኣይነበረን እሞ" ይብለና። ምዕራፍ ክልተ እምበኣር ናብ ድሕሪት ማለት ናብ ዘፍጥረት 127 ተመሊሳ ተወሳኺ መግለጺ እትህበና ምዕራፍ እያ።

እንታይነት መንፈስ ነፍስን ስጋን

ስለዚ ከመዮ እቲ ጽሑፍ ወሲኹ ኣብ እዮብ 18~12 “"ኣእዳውካ ንኩለንትናይ ደኮና ሰርሓኒ'ውን .......ከም መሬት ከምዝፈጠርካኒ ዘክር ቆርበትን ስጋን ኣልበስካኒ ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ ሂወትን ጸጋን ሞገስካኒ ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሓለዎ" ከምዝብሎ፣ እቲ ምሉእ ኩለንትና ሰብ ስላሴያዊ ማለት ብመንፈስ ነፍስን ስጋን ዝቆም ምዃኑ ይሮግደልና ኣሎ። መንፈስና ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበ ስለዝኾነ ምስ ኣምላኽን ምስ መንፈሳዊ ነገራትን የፋልጠና፣ ስጋና ካብ ምድሪ ዝተገብረ ብምዃኑ ምስ ምድርን ኣብ ዙርያኣ ዘሎን የፋልጠና፣ ነፍሲ ከኣ ምስ ገዛእ ርእስና ተፋልጠና። ስለዚ ሰብ ብመንፈሱ ገይሩ ኣብቲ ዙርያ መንፈሳዊ ዓለም ይነጥፍ፣ ብመንገዲ ነፍሱ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ይነጥፍ፣ ስለዚ ሰብ ኣብ ሰለስተ ዓለማት ኪነጥፍ ዝኽእል መስትንክር ፍጥረት እዩ። እምብኣር ሰብ ብመንገዲ መንፈሱ ገይሩ ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ንቑሕ (God conscious) ይኸውን፣ ብመንገዲ ስጋኡ ገይሩ ኣብቲ ግኡዝ ዓለም ንቑሕ (world conscious) ይኸውን፣ ብመንገዲ ነፍሱ ገይሩ ኣብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ንቑሕ (Self concious) ይኸውን።

ኣቛዉማ መንፈስ ነፍስን ስጋን

. ኣቛዉማ መንፈስ

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ነዚ ዝስዕብ ኣገልግሎታት ይሓቁፍ፣ 1. ሕልና (Conscience) 2. ሕብረት (Communion) 3. ተፈ'' (Intuition)

1. ሕልና - ሕልና ቅኑዕን ጌጋን ትፈርደሉ እዩ፣ "ብመንፈሰይ ፈሪደ ኣለኹ" 1ቆረ 5:3, መዝ 51:10, ዘዳ 2:30, መዝ 34:8, ዮሃ 13:21, ግሃ 17:16, ሮሜ 8:16, 1ቆረ 5:3, 2ቆረ 2:13, 2ጢሞ 1:7

2. ተፈ'' - ተፈ'' ሓበሬታ ብምእካብ ብምስማዕ ወይ ብምርኣይ ዘይኮነስ ካብ ውሽጥኻ ዚነቕል ቀጥታዊ ፍልጠት እዩ፣፣ ማለት ብኣእምሮኻ ትፈልጦ ዘይኮነስ፥ ኣብ ውሽጥኻ ዝፍለጠካ እዩ፣ "እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፍስ እንተዘይኮይኑስ ኣብ ሰብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ እዩ?" (1ቆረ211) "ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ኮይኑ ዚምስክር" (ሮሜ 816) ተወሳኺ ጥቅስታት ማቴ 2641, ማር 812, ዮሃ 1113, ግሃ 185, ግሃ1825, ግሃ 2022, 1ቆረ 1618, 2ቆረ 713 ኣለዉና።

3. ሕብረት - ሕብረት ምስ ኣምላኽን ካልእ መንፈሳዊ ዓለምን ዘሕብረና ኣገልግሎት መንፈስ እዩ፣ ክንሰግድ ከነምልክ ይድርኸና፣ "ኣምላኽ መንፈስ እዩ፣ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግባእ" (ዮሃ 423-24) " እቲ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ" (ሮሜ 19) ተወሰኽቲ ጥቕስታት ሉቃ 147, ሮሜ 76, ሮሜ 815-16, 1ቆረ 617, 1ቆረ1415, 1ቆረ1416, ራእይ 2110 ኣለዉና።

. ኣቛዉማ ነፍሲ

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ነዚ ዝስዕብ ኣገልግሎታት ይሓቁፍ፣፣ 1. ኣእምሮ (Mind) 2. ፍቓድ (Free Will) 3. ስምዒት (Emotion/feeling)

1. ኣእምሮ- ናይ ምሕሳብን ምስትውዓልን ዓቕሚ ዘለዎ መኽዘን ፍልጠት እዩ፣፣ ኣእምሮና ድማ ኣብ ነፍስና እዩ ዘሎ፣ " ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ምዃና ጽቡቕ ኣይኮነን"(ምሳ 192) "ግብርታትካ መስተንክር እዩ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ" (መዝ 13914) "ነፍሰይ ከየባተኸት ትዝክሮ (.ኤር 320) ተወሳኺ ጥቕስታት ምሳ 210, ምሳ 322, ምሳ 2414 ...ኣለዉና።

2. ፍቓድ- ድሌትና ንመርጸሉን ንሓርየሉን ነፍሳዊ ክእለትና ዚገልጽ እዩ፣፣ "ነፍሰይ...ሞት ትሓሪ" (እዮ 715) "ነፍስኹም ንምድላይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምለስዋ" (1ዜና 2219) ተወሰኽቲ ጥቕስታት መዝ 2712, 412, ህዝ 1627, ዘዳ 2114, መዝ 3525, ዘሁ 302, ኤር 4414, እዮ 67, ምእባይ ምምራጽ ምድላይ ወዘተ ዚብሉ ቃላት ነቲ ኣብ ነፍሲ ዘሎ ነጻ ፍቓድ ዚገልጹ ቃላት እዮም።

3. ስምዒት - ዝተሰማዓካ ነገር ክትገልጸሉ እትኽእል ነፍሳዊ ኣገልግሎት እዩ፣እዚ ከም በዓል ፍቅሪ፥ ሓዘን፥ ጓሂ፥ ሓጎስ፥ ጽልኢ፣ ወዘተ የጠቃልል "ነቶም ነፍሲ ዳዊት እትጸልኦም" (2ሳሙ58) "ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ" (መሃ 17) ተወሳኺ ጥቕስታት 1ሳሙ 181, ሉቃ 146, እዮ3320, ዘካ118, ዘዳ65, እዮ101, መዝ10718, .. ኣለውና።

. ኣቛዉማ ስጋ

ስጋ ዝረማሰስ ኣካልና ስለዝኾነ ኩላትና ብቐሊሉ እንርደኦ ደጋዊ ክፋልና እዩ። ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ግና ስጋ "ዓጽሚ፥ ደም፥ ስጋ" የጠቓልል። ስጋና ከምቲ ብዙሓት ብዝልዎ ንሕና ዘለናሉ ቆፎ ዘይኮነስ፣ ንሓና ባዕልና ኢና ከመይሲ ስጋና ዘይንጸል ክፋልና ስለዝኾነ፣ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ንመንፈስና ማሕደር ዝገበሮ ስጋና'ውን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ከምቲ ንመንፈስና ንስጋና'ውን ዋጋ ተኸፊሉሉ እዩ፣ "ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ ስጋኹም ቤት መቅደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልክምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ናይ ርእስኹም'ውን ከምዘይኮንኩም' ኣይትፈልጡን ኢኹም፣ ሰለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ" (1ቆሮ620) መዓስ እዚ ጥራይ መጽሓፍ ቅዱስ ስጋና'ውን ከይትረፈ ኣካል ክርስቶስ ምዃኑ' ኣይትፈልጡን ኢኹም" (1ቆሮ615) ስጋና እምበኣር ክሳብ ክንድዚ ክቡር እዩ። ነዚ ኩሉ ዝበልናዮ መብርሂ ዚኸውን ስእላዊ መግለጺ ድማ እንሆ፣ ብዛዕባ እንታይነት ሰብ ብዘይ ፍልጠት ክንከውን ስለዘይደለየና እዩ እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ ክብርን ኣድላይነትን ስጋና ዝነግረና ዘሎ።

ኣቛዉማ እቲ ቅዱስ መቅደስን ሰብን

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይነት ሰብ ካብ ኣምላኽ ምግላጽ ምስ ተቐበለ፣ ሰብ ልክዕ ከምታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘላ "ቤት መቅደስ" ኣመሳሲሉ እዩ ዚዛረበሉ፣፣ ከምዚ ብምባል ድማ ይጽሕፍ "ቤት መቅደስ ኣምላኽ ምዃንኩም መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላዉን' ኣይትፈጡን ኢኹም" (1 ቆረ 316) እዚ ሓሳብ ካብ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ታቦት ወይ መቅደስ ዝመንጨወ ሓሳብ እዩ። ማለት ጳውሎስ ሰብ "ብኹለንትናዊ ኣቃውምኡ" ንቤት መቅደስ ኣምላኽ ከም ዝመስል እዩ ምግላጽ ተቀቢሉ። ቤት መቅደስ ኣብ ሰለስት ክፋል ከምዝምቀል ኩላትና ንፈልጥ ኢና፣ ንሳቶም ድማ፣ ደጋዊ ኣጸድ፥ ቅድስተ፥ ቅድስተ ቁዱሳን ዝብሃሉ እዮም። እዚኣቶም ልክዕ ተምሳል ናይቶም ሰለስተ ክፋል ናይ ሰብ እዮም ምባል ምምንፋስ ድዩ? ያእ ኣይፋሉን! "ኣጸድ" ናይ ስጋ ተምሳል እዩ፣ "ቅድስተ" ናይ ነፍሲ "ቅድስተ ቅዱሳን" ድማ ናይ መንፈስ፣፣ ኣምላኽ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ይሓድር ከምዝነበረ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ መንፈስና ይሓድር። እቲ ድንቅን መስተንክርን ሰብ እምበኣር ነዚ ክንብሎ ዝዉዓልና ይመስል! ብሓቂንሰብ ከም ቁምነገር እትርእዮ ተጠንቂቅካ እትምልከቶ ኣብ ጸጽባሕ እተቛምቶ በብቕጽበት እዉን እትዕዘቦስ እንታይ እዩ? እዮብ 717~18

መደምደምታ

ኣብ መደምደምታ ኵልንትና ሰብ፡ ብመንፈስን ነፍስን ስጋን ዝቘመ እዩ። ስለዚ መንፈስ ሓደ ካብቶም ኣቘምቲ ኣባላት ትስብእቲ ናይ ሰብ እዩ እምበር ኵልንትና ሰብ ኣይኰነን። ብመንፈስ ዝቘመ መንነት ምውናንን፡ መንፈስ ምዃንን በበይኖም እዮም። ኣምላኽ "ውን ንመንፈሳውነት እምበር ንመንፈስነት ኣይጸውዓናንን ከምኡዉን ኣይፈጠረናን። ጎይታ ምስ ተቀበልና ድማ ሓዲሽ ዝፍጥረቱ ሓዲሽ ሰብ እምበር ካብ ስጋ ግዒዝና ምስቶም ማሕደሮም ምስ ስጋ ዝለበሱ ዘይገበሩ መናፍስቲ ኣይንጽንበርን ኢና፣፣ ጎይታ ከይፈለጥና እንከሎና ሰብ ኢና ኔርና፣ ሕጂ እዉን ንእኡ ምስ ተቐበልናዮ ሰብ ኢና ዘለና፣ ሰብ ኮይንና ድማ ንዘልኣለም ክንነብር ኢና። ኣብቲ ናይ ዘልኣለም ማሕደርናውን ከይተረፈ ስጋኦም ዝተቐንጠጡ መናፍስቲ ዘይኮናስ፥ ሰማያዊ! ዘይሓልፍ! ዘይበርስ! ዘይመውት! ዘይጽምሉ! ስጋ ኢና ለቢስና፣ ከምቲ ንሰብ ሰብ ዘብሎ ማለት መንፈስ ነፍስን ስጋን ሃልዩና ንዘልኣለም ምስ ጎይታ ክንነብር ኢና!!! ኣሜን ጎይታ የሱስ ማራናታ!