እቲ ቅዱስ መጽሓፍ እንታይ ይብል? ዘመናውያን መማህራንከ እንታይ ይብሉ? ንስኻ ኣንታ ሰማዒኸ ንመኖም ትሓሪ?

Apologetics
Typography

እቲ ቅዱስ መጽሓፍ እንታይ ይብል? ዘመናውያን መማህራንከ እንታይ ይብሉ? ንስኻ ኣንታ ሰማዒኸ ንመኖም ትሓሪ?

ኣብ መጋቢት 12, 2017, ኣብቲ ናይ ሰንበት ናይ ትምህርቲ ክፍለ ጊዜ ከም ዝገለጽኩዎ፡ እዞም ዘመናውያን መማህራን፡ብፍላይ ከኣ ''ምንቅስቃስ እምነት'' ኢና በሃልቲ፡ እቶም ኣምላኽ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1፡26-27 ዝፈጠሮም ሰባት መናፍቲ እዮም ይብሉ። ኣምላኽ መናፍስቲ ጥራይ ዝዀኑ ሰባት ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ ድሕሪ ምፍጣሩ፡ ነዞ መናፍስቲ እዚኣቶም ኣብ ዘፍጥረት 2፡7 መሕደሪኦም ዝዀውን ስጋ ኣዳልዩ ፡ ናብቲ ስጋ ኣእትይዎም ይብሉ።

ማይልስ ሙንሮ(Myles Munroe) ዝተባህለ ሓደ ፍሉጥ ምምህር ካብዚ ምንቅስቃስ እዚ፡ ኣብ ሓደ መጽሓፉ፡ ኣብ ዘፍጥረት 1:26-27 ንዘሎ ሰብ ኣመልኪቱ ከምዚ ይብል። መጀምርታ ነተን ጥቅሲታት ኣብዚ ኪጥቀዐን እየ እሞ፡ ነቲ ማይልስ ዝብሎ ቅድሚ ምርኣይና ነንብበን።

''ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።'' (ዘፍጥረት 1፡26-27)

ካብዘን ጥቅስታት እዚኤን ተበጊሱ ማይልስ ከምዚ ዝስዕብ ይብል ኣብ መጽሓፉ፡

''ኣምላኽ ሰብ ፈጢሩ። እዚ ኣብዚ ሰብ ዝብል ዘሎ ቃል ኣገዳሲ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ከም ንተባዕታይ ንጾታት ኣይኰነን ዘመልክት፡ እንታይደኣ፡ ነቶም ካብ መንፈሱ ዝመጹ ዓይነት መናፍስቲ /species of spirits/መናፍስቲ ንዝዀኑ ሰባት/ በቲ ፈጣሪ እተዋህበ ስም እዩ። በቲ እንታይነት መጺኻ፡ ሰብ ዝብል ናይ ብዙሕ ቁጽሪ እዩ፡ እዚ ከኣ እቲ ነቲ መናፍስቲ ዓይነት/spirits species/ እተዋህበ ስም እዩ።ካልእ ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዘሎና ኣገዳሲ ነገር፡ መናፍስቲ ጾታ ከም ዘይብሎም እዩ።ስለዚ ከኣ ሰብ ተባዕታይ ኣይኰነ ወይ ኣንስተይቲ ኣይኰነ፡ እንታይደኣ ጽሩይ መንፈስ/pure spirit/ እዩ።''

ሕራይ፡ እቶም መማህራንስ ከምዚ ይብሉ ኣለዉ፡ እቲ ህያው መጽሓፍ ኣምላኽከ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እንታይ ይብል?

ነቲ መሰረታዊ መንፈሳዊ ሕጊ ዓንቀጽ (The Fundamental Spiritual Principle of Context) ተኸቲልና እቲ መጽሓፍ ብትኽክል እንታይ ከም ዝብል ንመልከት። 
በቶም ጥቅስታትን ምዕራፋትን ከይተገደብና ንዘፍጥረት 1፡26-31 ኪሳዕ ዘፍጥረት 2፡1-25 ብሓንሳእ ነንብቦ።

ናብ ዘፍጥረት ሰለስተ ከይቀጸልና ኣብ ዘፍጥረት ሓደን ክልተን ጥራይ እዚ ''ሰብ'' ዝብል ቃል 17 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ።

ኣብፍጥረት ምዕራፍ ሓደ ክልተ ጊዜ ጥራይ (ዘፍ.1፡26 ፣1፡27)፡ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ክልተ ድማ 15 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ። ( ኣብ ዘፍ.2፡5 ፣ኣብ 2፡7 ክልተ ጊዜ ፣ ኣብ 2፡8 ፣ ኣብ 2፡15 ፣ ኣብ 2፡16 ፣ ኣብ 2፡18 ፣ኣብ 2፡19 ክልተ ጊዜ ፣ ኣብ 2፡20 ክልተ ጊዜ ፣ ኣብ 2፡22 ክልተ ጊዜ፣ ኣብ 2፡23 ፣ 2፡25)

እዚ ''ሰብ'' ዝብል ቃል እዚ ብእብራይስጢ ''ኣዳም/- 'adam/אָדָם/ እዩ ዝብል። 
ነዚ ከተረጋግጹ ንትደልዩ ሰባት፡ ምስቲ ነዚ ናይ እብራይሽጢ ቃል እዚ ተቀሚጥሉ ዘሎ ስፍራ ምስ ዘመልክት ቁጽሪ ገይረ ነቶም 17 ጥቅስታት ኣብዚ ኣቅሪበልኮም ኣለኹ። 
Strong's H120 - 'adam/אָדָם/

Gen 1:26
And God said, Let us make man H120 in our image, after our likeness: and let them have dominion over the fish of the sea, and over the fowl of the air, and over the cattle, and over all the earth, and over every creeping thing that creepeth upon the earth.

Gen 1:27
So God created man H120 in his own image, in the image of God created he him; male and female created he them.

Gen 2:5
And every plant of the field before it was in the earth, and every herb of the field before it grew: for the LORD God had not caused it to rain upon the earth, and there was not a man H120 to till the ground.

Gen 2:7
And the LORD God formed man H120 of the dust of the ground, and breathed into his nostrils the breath of life; and man H120 became a living soul.

Gen 2:8
And the LORD God planted a garden eastward in Eden; and there he put the man H120 whom he had formed.

Gen 2:15
And the LORD God took the man, H120 and put him into the garden of Eden to dress it and to keep it.

Gen 2:16
And the LORD God commanded the man, H120 saying, Of every tree of the garden thou mayest freely eat:

Gen 2:18
And the LORD God said, It is not good that the man H120 should be alone; I will make him an help meet for him.

Gen 2:19
And out of the ground the LORD God formed every beast of the field, and every fowl of the air; and brought them unto Adam H120 to see what he would call them: and whatsoever Adam H120 called every living creature, that was the name thereof.

Gen 2:20
And Adam H120 gave names to all cattle, and to the fowl of the air, and to every beast of the field; but for Adam H120 there was not found an help meet for him.

Gen 2:22
And the rib, which the LORD God had taken from man, H120 made he a woman, and brought her unto the man. H120

Gen 2:23
And Adam H120 said, This is now bone of my bones, and flesh of my flesh: she shall be called Woman, because she was taken out of Man.

Gen 2:25
And they were both naked, the man H120 and his wife, and were not ashamed.

ነዞም ጥቅስታት እዚኣቶም ተጠንቂቅናን ብኣግባብን ምስ እንምልከቶም ምስቲ ማይልስ ዝብሎ ዘሎ ኣይሰማምዑን ፈጺሞም።

ቀዳማይ ኣገዳሲ ነጥቢ) እዚ ማይልስ ''ሰብ'' ዝብል ቃል መናፍስቲ ጥራይ ንዝዀኑ ሰባት እዩ ዘመልክት ዝበሎ ሓሶት ከም ዝዀነ ባዕሉ እቲ ምዕራፍ ሓደን ምዕራፍ ክልተን ምሉእ ብምሉእ የቃልዖ።

ንዘፍጥረት 1፡27 ደጊምና ነንብቦ እቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም ሰባት መናፍስቲ ኣይኰኑን!

''ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።'' (ዘፍጥረት 1፡26-27)

ኣብዚ ክፍሊ እዚ ብንጹር ከም እንሪኦ፡ እቶም ኣምላኽ ብመልክዑ ዝፈጠሮም ሰባት፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ምዃኖም እዩ ዝገልጽ ዘሎ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ምባሉ ድማ፡ መንፈስ፣ነፍሲ፣ ስጋ፣ ሰለስቲኡ ብሓንሳእ ንዘለዎም ሰባት ኣመልኪቱ ይዛረብ ስለ ዘሎ እዩ።

እዚ ኣብ ምዕራፍ ክልተ 15 ጊዜ ተጠቂሱ ኣሎ ዝበልናዮ፡ ''ሰብ'' ዝብል ቃል እውን ናይ ተባዕታይን ኣንስተይትን ናይ ጾታ ፍልልይ ንዘለዎም ሰባት እዩ ዝዛረብ።

''ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ''(ዘፍጥረት 1፡26)

=> እቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ኣብዛ ጥቅሲ እዚኣ ጥራይ እያ ንብዙሕ እተመልክት! ግናኸኣ ናይ ጾታ ፍልልይ ንዘለዎም ሰባት እዩ ዝዛረብ ዘል፡ ምኽንያቱ ኩሉ ጊዜ ኣብ ሰብ ናይ ጾታ ፍልልይ ኣሎ።

''ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።'' (1፡27)

=>ኣብዚ እታ ሰብ እትብል ቃል ንንጽል ተመልክት (ነቲ ተባዕታይ) ንኽልቲኦም ድማ ተመልክት (ተባዕታይን ኣንስተይትን ስለ ዝብል ዘሎ!)።

''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣየዝነመን ነበረ፡ ንምድሪ ዚዐዪ ሰብውን ኣይነበረን እሞ፡ ገና ገለ ኦም መሮር ኣይነበረን፡ ሳዕሪ መሮር ከኣ ሓንቲኳ ኣይበቘለትን ነበረት።'' (2፡5) =>

'there was no man to cultivate the ground'' (cultivate=work, serve) (ኣብዚ እቲ ግሲ ብንጹር ንጽል እዩ። እቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል ድዩ ዋላስ ብዙሕ ንጹር ኣይኰነን። ንጽል ግና ይመስል።

''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።'' (2፡7)

ኣብዚ እቲ ክልተ ጊዜ ተጠቂሱ ዘሎ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል እዩ፡ ክልቲኡ ድማ ነቲ ተባዕታይ ሰብ እዩ ዘመልክት!

''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ።'' (2፡8)

=> ኣብዚ እቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል እዩ፡ ነቲ ተባዕታይ ሰብ ድማ የመልክት!

''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ።'' (2፡15)

=> ኣብዚ እቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል እዩ፡ ነቲ ተባዕታይ ሰብ ድማ የመልክት!

''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡'' (2፡16)

=> ኣብዚ እቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል እዩ፡ ነቲ ተባዕታይ ሰብ ድማ የመልክት!

''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ።'' (2፡18)

=>ኣብዚ እቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል እዩ፡ ነቲ ተባዕታይ ሰብ ድማ የመልክት!


''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንዅሉ ኣራዊት መሮርን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ገበረ። እንታይ ከም ዚሰምየን ምእንቲ ኺርኢ ኸኣ ናብ ሰብ ኣምጽኤን። ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ዅሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉ፡ ስሙ ንሱ ዀነ።'' (2፡19)

=> ኣብዚ እቲ ክልተ ጊዜ ተጠቂሱ ዘሎ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል እዩ፡ ክልቲኡ ድማ ነቲ ተባዕታይ ሰብ እዩ ዘመልክት!

''ሰብ ድማ ንኹሉ እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኸበትን።'' (2፡20)

=> ኣብዚ እቲ ክልተ ጊዜ ተጠቂሱ ዘሎ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል እዩ፡ ክልቲኡ ድማ ነቲ ተባዕታይ ሰብ እዩ ዘመልክት!

''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ።''(2፡22)

ኣብዚ እቲ ክልተ ጊዜ ተጠቂሱ ዘሎ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል እዩ፡ ክልቲኡ ድማ ነቲ ተባዕታይ ሰብ እዩ ዘመልክት!

''እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሀል፡ በለ።'' (2፡23)

=> ኣብዚ እቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል እዩ፡ ነቲ ተባዕታይ ድማ የመልክት!

''እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ከኣ ነበሩ።'' (2፡25)

=> ኣብዚ እቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል እዩ፡ ነቲ ተባዕታይ ድማ የመልክት!

ካልኣይ ኣገዳሲ ነጥቢ) እቲ ማይልስ ኣብቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ ዝብል ጾታ የለን ዝበሎ፡ ምሉእ ብምሉእ ሓሶት ምዃኑ፡ ባዕሉ ምዕራፍ ሓደን ክልተን የቃልዖ።

ነዚ ሓሳብ እዚ ኣብ ትሕቲ እዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ቀዳመይቲ ነጥቢ ብንጹር ገሊጸዮ ኣለኹ። ኣብ 17ቲኡ እቲ ሰብ ዝብል ቃል ኩሉ ሳዕ ተባዕታይን ኣንስተይትን ዝብል ናይ ጾታ ፍልልይ ኣሎ።

እዚ ማለት ኣብቲ ኣብ ዘፍ.1፡26 ዘሎ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ናይ ጾታ ፍልልይ ኣሎ። ምኽንያቱ ''ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ'' ስለ ዝብል፡ ኣብዚ ''ሰብ'' ዝብልን ''ይግዝኡ'' ዝብል ናይ ብዙሕ ቁጽርን ናይ ግዲን ''ተባዕታይን ኣንስተይትን'' ዝብል ናይ ጾታ ፍልልይ ኣሎ።

ኣብ ዝፍ።1፡27 ዘሎ ''ተባዕታይ ኣንስተይትን'' ዝብል ናይ ጾታ ፍልልይ እዩ።
ኣብቲ ዘፍጥረት ምዕራፍ ክልተ 15 ጊዜ ተጠቂሱ ዘሎውን ልክዕ ከምኡ!

ነኣብነት ኣቀዲመ ኣብ ላዕሊ ከም ዝገለጽኩዎ ኣብ ዘፍጥረት 2፡5 ዘሎ ''ሰብ'' ዝብል ቃል፡ እቲ ግሲ ብንጹር ንጽል እዩ። እቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንጽል ድዩ ዋላስ ብዙሕ ንጹር ኣይኰነን። ንጽል ግና ይመስል። ንብዙሕ ዘመልክት እዩ ዋላ ንበል ብዘየገድስ፡ ኣብቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ ኪሳዕ ምዕራፍ ክልተ ተጠቂሱ ዘሎ ንብዙሕ ዘመልክት ''ሰብ'' ዝብል ቃል ኩሉ ጊዜ ''ተባዕታይን ኣንስተይትን'' ዝብል ናይ ጾታ ፍልልይ ሓቚፉ ዚሓዘ እዩ! እዚ ከኣ እቲ ''ሰብ'' ዝብል ናይ ብዙሕ ቃል፡ መናፍስቲ ጥራይ ንዝዀኑ ሰባት ከም ዘየመልክት ብንጹር ይገልጽ።

ካብ ዘፍጥረት 2፡7 ኪሳዕ 2፡25 ኣብ ዘሎ ስፍራ 14 ጊዜ ተጠቂሱ ዘሎ ሰብ ዝብል ቃል ድማ ነቲ ብጾታ ''ተባዕታይ'' እዩ ዘመልክት ብምልኡ።

ሳልሳይ ኣገዳሲ ነጥቢ) እቲ ''ሰብ'' ዝብል ቃል ንዙሕ እዩ ዘመልክት ዝበሎውን ምሉእ ሓቂ ኣይኰነን። ምኽንያቱ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ማለት ኣብ ዝፍጥረት 1፡26-27፣ ኣብ ዘፍጥረት 2፡5-25፡ ንብዙሕ ኣመልክቱ እተጠሰ ካብቲ 17 ጊዜ ሓንሳእ ወይ ከኣ ካብ ክልተ ሳዕ ዘይበዝሕ እዩ።

ራባዓይ ኣገዳሲ ነጥቢ) ንዘፍጥረት ምዕራፍ ክልተ ከም ዝርዝር ምዕራፍ ሓደ ደኣ እምበር ካብ ምዕራፍ ሓደ እተፈልየ ፍጼሜ ገይሮም ንዝወስዱዎ ሰባት፡ እቶም ኣብ ምዕራፍ 1፡26-27 ተጠቂሶም ዘለዉ ሰባት፡ መናፍስቲ ከም ዘይኰኑ፡ ብቀዳምነት ዘፍጥረት 2፡5 ዘቃሊዖ ዓቢዪ ሓሶት እዩ!

there was not a man H120 to till the ground.//there was no man to cultivate the ground'' (cultivate=work, serve) //

''ሰብ'' ዝብል ንዓይነት መናፍስቲ ዘመልክት እንተዳኣ ኰይኑ፡ ኣብ ዘፍጥረት 2፡5 ነቲ ሓደ ዓይነት ናይ እብራይስጢ ቃል ጠቂሱ ሰብ ኣይነበረን ይብል ኣሎ። ኣብ ዘፍጥረት 1፡26-27 ሰብ ተፈጢሩ እንተዳኣ ኢሉ፡እቶም እተፈጥሩ ሰብ ድማ መናፍስቲ እንተዳኣ ኰይኖም፡ እሞ ስለ ምንታይ ደኣ ኣብ 2፡5 ሰብ ኣይነበረን ዝብል ነቲ ሓደ ዓይነት ናይ እብራይስጢ ቃል ተጠቂሙ? ማለት እቲ ኣብ ዘፍጥረት1፡26-27 ዘሎ፡ ''ኣዳም'' (እዚ ማለት ''ሰብ'') ዝብል ናይ እብራይስጢ ቃል!

ንዘፍጥረት ምዕራፍ ክልተ ከም ዝርዝርን መጠቃለሊ ምዕራፍ ሓደ፡ ብፍላይ ድማ፡

⦁ ዘፍጥረት2፡1-25 ዝርዝር ዘፍጥረት 1፡26-31 ከም ዝዀነ፣

⦁ እቶም ኣብ ዘፍጥረት 2፡7-25 ኣምላኽ ዝገበሮም ተባዕታይን ኣንስተይትን ዝርዝር ናይቲ ኣብ ዘፍጥረት 1፡26 ኣምላኽ ''ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንግበር'' ኢሉ ዝገብሮ ሰብ ከም ዝዀነ፣

⦁ እዚ ማለት ዝርዝር ናይቲ ኣብ ዘፍጥረት 1፡27 ኣምላኽ ብመልክዑ ዝፈተሮ ሰብ፡ ማለት ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ዝፈጠሮም ክልተ ሰባት ከም ዝዀነ ፣

⦁ ዘፍጥረት 1፡26-27ን ዘፍጥረት 2፡7-25ን ንሓደ ዓይነት ፍጻሜ ይዛረብ ከም ዘሎ ምስ እንቅበሎ ጥራይ ኢና ፡

ካብዚ ኣምላኽ ቅድም ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ መናፍስቲ ዝዀኑ ሰባት እዩ ፈጢሩ፣ ስለዚ ከኣ ሰብ መንፈስ እዩ፣ ወዘተ ዝብል ጽንጽዋይን ግሉጽ ትምህርቲ ሓሶትን ኪንድሕንን ኬነምልጥን እንኽእል!

ብሓቂ ነቲ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ''ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።'' (1ይ ጢሞቴዎስ 4፡16) ኢሉ ዝኣዘዞ ክርስቶሳዊ ትእዛዝ ክንደይ ኣብሊጽና ኣብዚ ዘመንዚ ኪንዝክሮን ብዘይ ገለ ዋጋ ዕዳጋ ኪንእዘዞ ዘይግባእ!


ምኽንታቱ ሎሚ ኣብ ማእከልና ብግልጺን ብድፍረትን ብትዕቢትን ገዛእ-ርእሶም መማህራን እተፈላለየ ሓሶትን ጽንጽዋያትን ኪነሶም፡ ግናኸ ነቶም ነቲ ጽሩይ ሃዋሪያዊ ትምህርቲ ክርስቶስ ንዝምህሩ ዓየይቲ፡ ''መማህራን ሕጊ፣ መማህራን ኩነኔ፣ ሕጋውያን (ለጋሊስት)፣ ወዘተ...እናበሉ ኣንዳዕዲኦም ዝጻረፉ፣ ዘስተናዕቁ፣ ፈላለይቲ እቲ ድሑን ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ማእከልና ኣለዉ! ካብዞም ከምዚኣቶም ዓይነት ዓየይትን እተፈላለየ ናይ ሓሶት ጽንጽዋያቶምን ድሓን፡ ኣምልጥ ህዝቢ ኣምላኽ!

ሓወይ ሮቤል ነጸረኣብ ኣብታ ጽሕፍቱ መስፋሕፋሕቲ ''ዘይንቡር ጸጋ'' ከም ዝበሎም፡ ኣነ ብወገነይ፡ መማሕራን እታ ናይ ጥንቲ ናይ ሓሶት ቅዳሕ ጸጋ (Teachers of the Ancient Counterfeit Grace) ኢለዮም ኣለኹ!

''ኣይቲዀንነኒ! ኣይፍረደኒ! ኣምላኽ ንኣይ ሰናይ ጥራይ እዩ! ኣምላኽ ንኣይ ፍቅሪ ጥራይ እዩ! ኣምላኽ ንኣይ፡ ፈራዲ ኣይኰነን! ዝባላዕ ሓዊ ኣይኰነን! መንነተይ መንፈስ እዩ! ኣነ ድማ ሓጢኣት ኣይገብርን እየ! መንፈሰይ ፍጹም ጽድቂ እዩ! መንፈሰይ ኣይረክስን እዩ! ፍጹም ተዓሽጉ ስለ ዝዀነ! ስለዚ ከኣ ኪንሳሕ ኣየድልየንን እዩ! ምናልባት ሓጢኣት እንተዳኣ ተገይሩ ግና ስጋይ ደኣ እምበር ኣነ ሓጢኣት ኣይገብርን እየ። ብስጋይ ንእተገብረ ሓጢኣት ድማ ፡ ናይ ሓሳብ ምልዋጥ ጥራይ እዩ ዘድልየኒ! ስለዚ ከኣ ፍቅሪ ኣምላኽ ደኣ እምበር ፍርዲ ኣምላኽ፣ ቁጣዓ ኣምላኽ ኣይትጥቀሰለይ! ዝገበርኩ እንተገበርኩ ኣምላኽ ኣይቁጣዓንን እዩ፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ ካብ ቁጥዓኡ ዚሒሉ እዩ ንሓዋሩ! ወዘተ,,," እናበሉ ዝምህሩ፡ ከም ድላዮም ዝነብሩ፡ ንሃዋሪያት ሓድሽ ኪዳንን እቲ ፍሉይ ትምህርቶምን ዘቃልሉን ዘነኣእሱን፣ ኣብ ክንዲ ኣብቲ ምሉእ ባህሪያት ኣምላኽ (Whole attributes of God) ዘተኩሩ፡ ኣምላኽሲ ሰናይ ጥራይን ፈቃር ጥራይን ከም ዝዀነ ኣብ እተወሰና ባህሪያት ኣምላኽ ጥራይ ዘተኩሩ፡ እዚኣቶም ካብቲ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሰለስተ፡ 75% ሓቂ ዝመስል እተዛረበ፡ 25% ግና ከቶ ኣይክትሞቱን ኢኹም ኢሉ ኣንዳዕዲዑ ነቶም ናይ መጀመርታ ሰባት ዝሓሰወ ናይ ጥንቲ ኣስተምሃሪ/ለክቸረር (Lecturer) ብምንታይ ይፍለዩ!? እሞ እዚኣቶምሲ መን እዮም? እቲ ''ጸጋ'' እናበሉ ዝምህርዎኸ እንታይ ዚዓይነቱ ጸጋ እዩ? እዚ ካልእ ኣይኩነን ብጀካ እቲ ናይ ጥንቲ ናይ ሓሶት ቅዳሕ ዝዀነ ጸጋ (the ancient Counterfeit Grace)!

ኣታ ብዙሕ ዋጋ ከፊልካ ንክርስቶስ ዚሰዓብካ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ካብቲ ቀልጢፉ ካብ ሰማይ ኪግለጽ ዘለዎ ወዲ ኣምላኽ ምሉእ ዓስቢ ኪትቅበል ዕላማኻ እንተዳኣ ኰይኑ ካብ ከምዚኣቶም ዝበሉ መማህራን ኣምልጥን ደሓንን!

''ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ። እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ።ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ።'' ( 2ይ ዮሃንስ 1፡8-10)