ፍሉይ ምልክታት እቶም ናይ ሓቂ ዓየይቲ (The Unique Marks of the true Servants of God)

Apologetics
Typography

እቶም ናይ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ዓየይቲ ፍሉይ ምልክታት ኣለዎም።

⦁ ቀዳማይ) ነቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ እዮም ዝምህሩ።
''ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ፡ ካብ ደም ኲልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎሚ መዓልቲ እምስክረልኩም ኣሎኹ።''/Acts 20:26-27/26 Therefore, I [a]testify to you this day that I am [b]innocent of the blood of all men. 27 For I did not shrink from declaring to you the whole Counsel of God.'' 
ነቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ዘይምህሩ ዓየይቲ ግና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብዛዕባ ደም ብዙሓት ሰባት ተሓተቲ እዮም።

ኣብቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ፡

ሀ) ሓንቲ ዓይነት ባህሪያቱ ንሳ ኸኣ ፈቃር ወይ ሰናይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ እቲ ምሉእ ባህሪያት ኣምላኽ፡ ክልቲኡ እቲ ተዛማዲ(Relative) ባህሪያት ኣምላኽን እቲ ፍሉይ (Unique) ባህሪያት ኣምላኽን ብንጹር ተጻሒፉ ኣሎ! (All the attributes of God! Not just the Relative attributes of God but all the Unique & Relative Attributes of God! We must know and teach all of them!)

ለ) እቲ ኣምላኽ ዝፈጥሮ ፍጥረታት ኩሉ ኣሎ። ብፍላይ ከኣ ሰብ፡ ኣፈጣጥርኡ፣ እተፈጥረሉ ዕላማ፣ ውድቀት ሰብ ምድሓ ኣምላኽ ንሰብ፣ ተግሳጽ ኣምላኽ ንሰብ፣ መግናሕቲ ኣምላኽ ንሰብ፣ መጠንቀቅታ ኣምላኽ ንሰብ፣ ወዘተ... እዚ ኣብ ብሉይን ሓድሽን ኣብቲ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተጻሒፉ ኣሎ!

ነቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ዝምህር ሰብ ነቲ ትንፋስ ኣምላኽ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋት፡ እዚ ማለት ከኣ እቲ ጥዑይ ምህሮ፡ ብትኽክል ዝፈልጥን ንብምልኡ ዝምህርን እዩ።

''እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።'' (2ይ ጢሞቴዎስ 3፡16-17)/All Scripture is God-breathed and is useful for teaching, rebuking, correcting and training in righteousness, 17 so that the servant of God[a] may be thoroughly equipped for every good work./

''ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ ኢየሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ። ንስኻ ግና ብኵሉ ተጠንቀቕ፡ መከራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።'' (2ይ ጢሞቴዎስ 4፡1-8)

⦁ ካልኣይ) ነቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ይምህሩ ጥራይ ዘይኰነስ ኣየሓዋውሱን። እዚ እቲ ካልኣይ ምልክቶም እዩ!

''ብኣምላኽ ተደሪኽና ብገርህነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኴንና ንዛረብ ኣሎና እምበር፡ ከምቶም ብዙሓት ንቓል ኣምላኽ ዚሓዋውሱ ኣይኰንናን።'' (2ይ ቈረንቶስ 2:17)

17 For we are not like many, [acting like merchants] peddling God’s word [shortchanging and adulterating God’s message]; but from pure [uncompromised] motives, as [commissioned and sent] from God, we speak [His message] in Christ in the sight of God. (2 Corinthians 2:17Amplified Bible (AMP)

2 Corinthians 2:17
17 For we are not like the many, 1aadulterating the word of God for profit; but as out of bsincerity, but as out of God, before God we 2speak in Christ.

17.1 The Greek word means retailing, hawking. Originally, it referred to the selling of inferior items at high prices in a tricky way by peddlers who were of low class. Many engaged in this kind of hawking, adulterating the word of God for their profit, but the apostles did not. Out of sincerity and out of God in their ministry, they spoke in Christ the word of God in the sight of God. How sincere and genuine were the apostles in their ministry!

ሳልሳይ) ነቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ይምህሩ፣ ኣየሓዋውሱን ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ምሉእ ሓቂ ኣምላኽ ንጥፍኣት ርእሶምን ንጥፍኣት ሰማዕቶምን ኣይጠዋዊይዎን፡ እዚ እቲ ሳልሳይ ምልክቶም እዩ!

''ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሐፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ። ንሱ ኣብ ኵላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓይሎ ነገር አሎ። እቶም ደናቝርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ አለዉ።'' (2ይ ጰጥሮስ 3፡15-16)/15 Bear in mind that our Lord’s patience means salvation, just as our dear brother Paul also wrote you with the wisdom that God gave him. 16 He writes the same way in all his letters, speaking in them of these matters. His letters contain some things that are hard to understand, which ignorant and unstable people distort, as they do the other Scriptures, to their own destruction./

''ካብዞም ብኣይ ዚእምኑ ናእሽቱ ንሓደ ዜስሕት ግና፡ መጥሓን ኣድጊ ኣብ ክሳዱ ተኣሲሩ ኣብ ዓሚቕ ባሕሪ ኺጥሕል ይሔሾ። መዓንቀፉ ኸይመጸ ኣይተርፍን እዩ እሞ፡ ወይለኣ ንዓለም ብሰሪ መዓንቀፊ። ምናዳ ነቲ ብሰሩ ስሕተት ዚመጽእ ሰብ ወይለኡ። ኢድካ ወይ እግርኻ እንተ ኣስሐተትካ፡ ካባኻ ቘሪጽካ ደርብያ። ክልተ ኢድን ክልተ እግርን ከሎካ ናብ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ወይስ ሓንካስ ኳንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ካባኻ ጐጥጕጥካ ደርብያ። ክልተ ዓይኒ ኸለዋኻ፡ ናብ ገሃነም ሓዊ ኻብ እትድርበስ፡ ነቛር ዃንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ።'' (ማቴዎስ 18፡6-9)

⦁ ራባዓይ) ነቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ይምህሩ፣ ኣየሓዋውሱን፣ ነቲ ምሉእ ሓቂ ኣምላኽ ንጥፍኣት ርእሶምን ሰማዕቶምን ኣይጠዋዊይዎን ጥራይ ዘይኰነ ንርእሶምን ንትምህርቶምን ኣዚዮም እዮም ዚጥንቀቁ።

''ኣነ ኽሳዕ ዝመጽእ፡ ናብ ምንባብን ምምዓድን ምምሃርን ኣቕልብ።,,,,ንርእስኻን ንትምህርትኻን ተጠንቀቕ፡ በዚ ነገርዚ ጽናዕ። እዚ እንተ ገበርካስ፡ ንርእስኻን ነቶም ዚሰሞዑኻን ከተድሕን ኢኻ።'' /Until I come, give attention to the public reading of Scripture, to exhortation and teaching.....Pay close attention to yourself and to your teaching; persevere in these things, for as you do this you will [g]ensure salvation both for yourself and for those who hear you./

''ንኸንቱ ኸም ዘይጐየኹ ወይስ ንኸንቱ ኸም ዘይጸዓርኩ፡ ነቲ ቓል ህይወት ሒዝኩም በታ መዓልቲ ክርስቶስ ንትምክሕተይ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ኣብ ማእከል እዚ ቔናንን ጠዋይን ወለዶ እዚ መንቅብ ዜብሎምን ግሩሃትን ሕፍቲ ዜብሎም ውሉድ ኣምላኽ ኴንኩም፡ ከም ብርሃናት ኣብ ዓለም እትበርሁ ምእንቲ ኽትኰኑ፡ ንዅሉ ብዘይምጕርምራምን ብዘይውልውልን ግበርዎ።'' (ፊሊጲ 2፡14-16)/ Phl 2:16//Holding forth G1907 the word of life; that I may rejoice in the day of Christ, that I have not run in vain, neither laboured in vain./

⦁ ሓሙሻይ) ኪንዮው እቲ ኣብቲ ምሉእ ቅድስ ጽሑፋት ዘሎ ትንፋስ ኣምላኽ ኣይከዱን ፈጺሞም! ናብ ቃሉ ኣይውስኹን! ካብ ቃሉ ኣየጉድሉን፣ ንቃሉ ኣይልውጥዎን!

''ኣሕዋተየ፡ ንጥቕሚ እቲ ሓደ፡ ንጒድኣት እቲ ኻልእ ኢልኩም ከይትንፍሑ፡ ክንየው እቲ ጽሑፍ ከይትሐስቡ፡ ብኣና ምእንቲ ኽትምሃሩ፡ እዚ ብዛዕባኹም ኣብ ርእሰይን ኣብ ኣጵሎስን መሲለዮ ኣሎኹ።/Now, brothers and sisters, I have applied these things to myself and Apollos for your benefit, so that you may learn from us the meaning of the saying, “Do not go beyond what is written.” (1ይ ቈረንቶስ 4፡6)

''ሕጂ ድማ፡ ዎ እስራኤል፡ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩን ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦታትኩም ዚህበኩም ምድሪ ኽትአትዉን ክትወርስዋን፡ ነዚ ኣነ ኽትገብሮ ኢለ ዝምህረካ ዘሎኹ ሕጋጋትን ፍርድታትን ስማዕ።''/''Now, Israel, hear the decrees and laws I am about to teach you. Follow them so that you may live and may go in and take possession of the land the Lord, the God of your ancestors, is giving you. 2 Do not add to what I command you and do not subtract from it, but keep the commands of the Lord your God that I give you.'' (ዘዳግም 4:1-2)

''እዚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ክትገብርዎ ተጠንቀቑ። ኣብ ልዕሊኡ ገለ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ገለ ኣይትተንክዮ።''/32 See that you do all I command you; do not add to it or take away from it.[a] (ዘዳግም 12፡32)

''ከምቲ ሙሴ ባርያይ ዝኣዘዘካ ዅሉ ሕጊ ንምግባሩ ኽትሕልዎ ጥራይ ደኣ፡ ጽናዕን ኣዚኻ ትባዕን። ናብ እትኸዶ ዅሉ ምእንቲ ኪቐንዓካስ፡ ካብኡ ንየማን ኰነ ንጸጋም ኣይተግልስ። ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይትፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ። ነዚ ኣነ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣነ ዝእዝዘኩም ነገር ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ኣይትነክዩ።'' (ኢያሱ 1፡7-8)

''ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ። ከይዘልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።'' (ምሳሌ 30:5-6)

እዚ ብሉይ ኪዳን እዩ! ንሕና ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣመንቲ ኢና። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ድማ እተዋህበና ትእዛዝ የለን! ዝብሉ ሰባት መጺኦም ኣለዉ! ሓቆምዶ ይመስለኩም ዋላስ ይሕስዉና ኣለዉ?

ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 2:17 እግዚኣብሄር ንኣዳምን ሄዋንን ዝሃቦም ትእዛዝ ነይሩ። ሰይጣን መጺኡ ግና እንታይ ኢልዎም? ነቲ ትእዛዝ እቲ ኪትሕልውዎ ኣድላዪ ኣይኰነን ኢሉ ሓስዩዎም!

በሉ ኩሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ብምልኣት ኪእዘዝዎ ዘለዎም ዘይልወጥ ሓድሽ ኪዳናዊ ትእዛዝ ከም ዘሎ ሎሚ ኤዘክረኩም ኣለኹ ከምዚ ዝብል፡

''ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።'' (ማቴዎስ 28:19-20)/''Go then, and make disciples of all the nations, giving them baptism in the name of the Father and of the Son and of the Holy Spirit:Teaching them to keep all the rules which I have given you: and see, I am ever with you, even to the end of the world./
Then Jesus came to them and said, “All authority in heaven and on earth has been given to me. 19 Therefore go and make disciples of all nations, baptizing them in the name of the Father and of the Son and of the Holy Spirit, 20 and teaching them to obey everything I have commanded you. And surely I am with you always, to the very end of the age.”

ኩሉ እቲ ኣብቲ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ዘሎ ቅድሚ መስቀል ዝመሃሮ ትምህርቲ ጎይታ ኰነ ድሕሪ መስቀል እተዛረቦ ኩሉ ትእዛዛት ጎይታ እዩ።

እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ። /''If ye love me, keep my commandments.''/John14:15)

እዚ ቅድሚ መስቃል ጐይታና ዝኣዘዞ ትእዛዝ እዩ! ሓንቲ ትእዛውን ኣይኰነትን፡ እቲ ትእዛዝ ዝብል ቃል ናይ ብዙሕ ቁጽሪ እዩ! ነኣብነት ኣብ ወ. ዮሐንስ 15:12 ጐይታና ከምዚ ኢሉ ኣሎ፡ ''ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ።''

እዚኣ ካብቲ ብዙሕ ትእዛዛት ሓንቲ እያ! እዚኣ ሓንቲ ካብ ትእዛዛቱ ደኣ እምበር እዚኣ ጥራይ ግና ኣይኰነትን እታ ትእዛዝ ጐይታ። ብፍላይ ወንጌል ማቴዎስ 28፡19 ብጣዕሚ ግልጺ እዩ!

''...make disciples of all nations, baptizing them in the name of the Father and of the Son and of the Holy Spirit, 20 and teaching them to obey everything I have commanded you"

''ኩሉ/everything/ እቲ ዝኣዘዝኩኹም ኪሕልዉ እና መሃርኩም'' እትብል ኣዚና ነቅልበላ!

ጎይታና ሓንቲ ትእዛዝ ጥራይ ኣይኰነን ሂብዎም ቅድሚ መስቀል ማለት እዩ!

''ኣነ ቓላት ትንቢት እዚ መጽሓፍ እዚ ንዚሰምዑ ዅሎም እምስክረሎም አሎኹ፡ ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ። ሓደ ሰብ ከኣ ካብ ቃላት እዚ ትንቢት እዚ እንተ ኣጕደለ፡ ኣምላኽ ካብተን ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፈን ዘለዋ ኦም ህይወትን እታ ቕድስቲ ኽተማን ግዲኡ ኼጕድለሉ እዩ።እቲ ነዚ ነገርዚ ዚምስክር፡ እወ፡ ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ፡ ይብል አሎ። ኣሜን፡ ጐይታና ኢየሱስ፡ ንዓ።'' (ራእይ 22፡18-20)

⦁ ሻዱሻይ) ብውሕዱ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሓሙሽተ ኣገደስቲ መንፈሳዊ ሕጊታት ዚስዕቡ ሰባት ነዚ ዝስዕብ ሓሙሻይ ኣገዳሲ ሕጊ ኣብ ህይወቶም 
እተማህሩ እዮም፡ ንሱ ኸኣ ነቲ ቃል ሓቂ (ነቲ ምሉእ ሓቂ ቃል ኣምላኽ) ብትኽክል ምምቃል እተማህሩ!

''ንርእስኻ እቲ ቓል ሓቂ ብቕንዕና ዜማቕል፡ ዜሕፍር ዜብሉ ፍቱን ዓያዪ ጌርካ፡ ንኣምላኽ ከተርእዮ ጽዓር።'' (2ይ ጢሞቴዎስ 2:15)/15 Be diligent to present yourself approved to God, a worker who does not need to be ashamed, rightly dividing the word of truth./

⦁ ሻብዓይ) ነቲ ቃል ሓቂ ብትኽክልን ትኽንትኽን መቂሎም ንኻልኦት ዘማቅሉ ሰባት፡ ተጠንቂቆም ዝኽተልዎ ብውሕዱ ሰለተ መሰረታዊ መንፈሳዊ ሕጊታት (Fundamental Spiritual Principles) ኣሎ!

1ይ) ሕጊ ዓንቀጽ/THE PRINCIPLE OF CONTEXT/=> ሕጊ ዓንቀጽ እቲ ቀዳማይ መሰረታዊ መንፈሳዊ ሕጊ ምትርጓም ቅዱስ ጽሑፋት እዩ። 
ሕጊ ዓንቀጽ እቲ መላኺን ገዛኢ ሕጊ እዩ! ሕጊ ዓንቀጽ ንጉስ እዩ! (Context is the Governing Principle! Context is King!)

ሕጊ ዓንቀጽ!ሕጊ ዓንቀጽ!ሕጊ ዓንቀጽ! (Context! Context! Context!)

ሕጊ ዓንቀጽ ኣብ ውሽጡ ክልተ መሰረታዊ ዓንቀጻት ዚሓቈፈ እዩ።

ሀ) ታሪኻዊ ዓንቀጽ (Historical Context)

ለ) ጽሑፋዊ ዓንቀጽ (Literary Context)

እዞም ክልተ ሓሳባት እዚኣቶም ኣዚዮም ኣዚዮም ኣገደስትን ማዕረ ዝዀነ ኣቃልቦን ኪወሃቦም ዝግባእ እዩ!

ሎሚ ነዞም ክልተ ኣዕናቚ ዝዀኑ ዓንቀጻት እዚኣቶም ትኽክለኛን ግቡእን ኣቃልቦ ዘይህቡ ሰባት ብትምህርትታቶምን ስበከታቶምን ገደል ጸዲፎም ንብዙሓት የጽድፉ ኣለዉ!

2ይ) ሕጊ ትሕዝቶ/THE PRINCIPLE OF CONTENT/=> ንእተፈላለዩ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ፣ መዝገበ ቃላት፣ ካልእ ጽሑፋትን ኣዕሚቁካ እናመርመርካ ነቲ ናይቲ ቃል ትኽክለኛ ትሕዝቶ ምርካብ እዚ እቲ መበል ካልኣይ ዚስራዓ ኣዚዩ ኣገዳሲ ሕጊ ምትርጓም ጽሑፋት እዩ።

3ይ) ሕጊ ውህደት/THE PRINCIPLE OF HARMONY/=>ንሓደ ክፍሊ ቅዱስ ጽሑፋት እትህቦ ትርጉም፡ ምስቲ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ብዋላ ሓደ መገዲ እኳ ኪጋጮ ኣይግባእን። ቃል ኣምላኽ፣ ሓሳብ ኣምላኽ ንሕድሕዱ ፈጺሙ ስለ ዝይጋጮ! God never contradicts to Himself!

ንሓደ ጽሑፍ እትህቦ ዘሎኻ ትርጉም ምስቲ ካልእ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ ወይ ዘይወሃሃድ እንተዳ ኰይኑ፡ ወይ ድማ ነቲ ኪትብሎ ደሊኻ ዘሎኻ ዚቃወም ሓቂ ኣብቲ ካልእ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ እንተሎ፡ እቲ መጽሓፍ ዘይኰነስ ንስኻ ኢኻ ተጋጊኻ ዘሎኻ እሞ ነቲ እተተኩረሉ ዘሎኻ ሓሳብ ደርቢኻ ምስቲ ቅዱስ ጽሑፍ ተሰማማዕ! ንሕጊ ውህደት ዓቢዪ ኣቃልቦ ግበረሉ! መብዛሕትኦም ዝጋገዩ ሰበኽትን መማህራንን ነዚ ሕጊ እዚ ዕሽሽ ዝብሉ ወይ ዝሓድጉ ሰባት እዮም!