ትምህርቲ ብዛዕባ ማንነት ሰብ

Apologetics
Typography

እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ እንታይ'ዩ (ዳዊት እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ)

መንነት ወይ ዝያዳ ልክዕ ንምዃን፣ እንታይነት ፈጣርን ፍጡራትን፣ ንዘመናት ምሉእ፣ ቀንዲ መዘራረቢቲ ጉዳይት ኮይኖም እዮም፣፣ ሎሚ ንመንነት ኣምላኽ፣ መንነት ክርስቶስ፣ መንነት መላእኽቲ፣ መንነት ኣጋንንቲ፣ መንነት ሰብ፣ ወዘተ ብዝምልከት ጉዳይ በበይኑ ሕቶታት ይለዓል እዩ፣፣ እቶም ንኣታቶም ንምምላስ ዝቐርቡ መልስታት ድማ ካብኦም ዝበዝሑን ዝያዳ ዝተሓላለኹን እዮም፣፣ እቲ ሽግር ከኣ መልሲ ምስኣን ዘይኮነስ መለስቲ ምብዝሖም እዩ፣፣ ንሓቂ ካብ ዓሰርተ ሽሕ ንኣኣ ዝመስሉ ጌጋታት ፈሊኻ ከተውጽኣ ኸኣ ብዙሕ ጻዕርን ኣድህቦን፣ ዕሙቕ ዝበለ ፍልጠት ቃል እግዚኣብሄርን መንፈሳውነትን ይሓትት እዩ፣፣ ኣብዚ ሕታም እዚን ኣብዛ ዓምዲ እዚኣን ድማ ንመንነት ሰብ ብዝምልከት ነገር ኣልዒልና ክንትንትን ኢና፣፣ ጎይታ ይደግፍ።

 

ሰብ ይብል ሓደ ኣብ ሓደ ስፍራ " ንስኻ ክትዝክሮ እንታይ እዩ?" ኣድናቖቱ ብምዕዛዝ ድማ ወሲኹ " ወይስ ወዲ ሰብ ንስኻ ክትእልዮ እንታይ እዩ?" እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስና "ቀዳመይቲ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ" ዚብል ክብሪ ዘለዋ መጽሓፍ እዮብ'ውን ነዚ ጥንታዊ መስተንክር ሕቶ በዚ ዝስዕብ መፍርሂ ቃላት ጌራ ክትዋጠር ከላ ንረኽባ ‘ንሰብ ከም ቁምነገር እትርእዮ ተጠንቂቕካ እትምልከቶ ኣብ ጸጽባሕ እተቛምቶ በብቕጽበት'ውን እትዕዘቦስ እንታይ እዩ?" (እዮ 7፣17-18, ሻሙናይ መዝሙር ጥቅሲ 4፣ እብራውያን 2፣6, መዝ144፣3) ሰብ መን'ዩ ዘይኮነስ፣ ሰብ እንታይ? ዚብል ሕቶ ብቐሊሉ ኪምለስ ዚከኣል ኣይኮነን። ሰብ መን እዩ ንዚብል ሕቶ "ብመልክዕ ኣምላኽ ዝተፈጥረ ፍጡር" ክንብል ንኽእል ንኸውን፣ ሰብ እንታይ እዩ ንዝብል ግና ንትሕዝቶን ኩለንትናዊ ኣቃውማን ናይ ሰብ ስለዝፍትሽ ዝያዳ ጥልቕ ዝበለን ዝተሓላለኸን እዩ፣፣ ስለዚ ሰብ እንታይ እዩ?

ብዛዕባ እንታይነት ሰብ ዝበሃሉ ዝውቱራት ሓሳባት

ኣብ ዙርያ እዚ ሕቶ እዚ ካብ ዝቐርቡ መልስታት፣ ገሊኣቶም መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ዝገበሩ ኮይኖም ብሰንኪ ዋሕዲ ብርሃን ዝቐርቡ እዮም። ካልኦት ድማ ካልእ ዝመበገሲኦም ሰበብ ዘለዎም እዮም፣፣ ጌና ካልኦት ከኣ ንመጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ኮነ ኢልካ ብምጥምዛዝ ደጋፊኻ ማንቲ ክትገብሮ ካብ ምድላይ ብጭውያት ጥቕስታት ዝቖሙ እዮም፣፣ ካልኦት ድማ ‘ብምልኣት ተረዲእናዮ' ከይበሉ ንኹሉ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህቦ ብርሃን ዝተቀበሉን ዝያዳ መጽሓፍ ቅዱሳውያን እዮም፣፣ ነቲ ሓሳባት ብቐጥታ ንምጥቃስ ዚኣክል ከኣ፣ ‘ሰብ' ይብሉና ገሊኣቶም ‘ኣብ ክልተ እዪ ዝምቀል፣' "ስጋን ነፍስን"! ከም በዓል ግሩደም፣ ባረክሆፍን ዝበሃሉ ዘመናውያን ምሁራት ስነ መለኮት ደገፍቲ ነዚ ከምዚ ዓይነት ኣመለካኽታ እዮም፣፣ ብመሰረት ናይዚኣቶም ርድኢት፣ ነፍስን መንፈስን ክፈላለዩ ኣይክእሉን እዮም፣፣ ካልኦት ድማ "ኣይፋሉን ሰብ ስሉስ ኣቃውማ እዩ ዘለዎ ብሰለስት ክፋላት ማለት መንፈስ፣ ነፍሲ፣ ስጋ፣ ዚቖመ እዩ" ይብሉ፣፣ እኒ ኣንድሪው ሙረይ፣ ዎችማን ኒይ፣ ኤፍ ቢ መዋር፣ ጀስ ፔን ልዊስ፣ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ኣሕዋት ድማ ተኸተልቲ ናይዚ ርድኢት እዚ እዮም፣፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ከኣ " ሰብ መንፈስ እዩ፣ ነፍሲ ኣላቶ፣ ኣብ ስጋ ይሓድር" ዚብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ገለ ጉጅለታት ተቐልቒሎም ኣለዉ፣፣ ናይዚ ርድኢት እዚ መበቆሉ ኬንዮን ዝበሃል ናይ ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ውልቀ ሰብ ኪኸውን ከሎ፣ ቀንዲ ኣጋፈርቱ ግና ኬነት ሃገን፣ ኬነት ኮፕላንድ፣ ዴቪድ ኦዋደፖ፣ ማይልስ ሙንሮይን ካልኦትን እዮም፣፣ መን ይፈልጥ ናይዚኣቶም ምስ ሃሰሰ ድማ "ሰብ ስጋ እዩ፣ መንፈስ ኣለዎ፣ ኣብ ነፍሲ ይሓድር" ዚብል ትምህርቲ ሒዞም ይመጹና ይኾኑ- ነቢይ ኣይኮንኩን ትዕዝብቲ እዩ ግዜ ዚምልሶ ነገር ድማ እዩ....፣፣

ፍጥረት ሰብ

ስለዚ ሰብ እንታይ እዩ? እንታይነቱ ንምፍላጥ ናብ ኣፈጣጥርኡ ምኻድ ብግዲ ኬድልየና እዩ፣፣ ካብ ምንታይ ከምዝተሰርሐ ምስ እንፈልጥ ድማ ኢና፣ ንሱ እንታይ ምዃኑ ክንፈልጥ እንኽእል፣፣ ሽዑ ጥራይ ድማ ኢና ከም ዳዊት እቲ ናይ እስራኤል ጥዑም ዘማሪ " መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ ከማስወካ እየ" ብምባል ብባህታ ክንዝምር እንኽእል፣፣ (መዝ 139፣14)፣ እቲ "መስተንክር" ዝብል ቃል "መፍርሂ" ማለት እዩ፣፣ ብርግጽ ከኣ ኣፈጣጥራ ሰብ ዘፍርህ እዩ፣፣ አረ ንዘስተውዕልሲ ኩሉ ግብርታት ኣምላኽ መስተንክር እዩ፣፣

ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰብ፣ ክልተ ጥቕስታት እየን ልዕሊ ማንም ካልእ ጥቕሲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ብብሩህ መገዲ ገይረን እንታይነት ሰብ ዝገልጻልና፣፣ ነዘን ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ምዕራፋት ዘለዋ ክልተ ጥቕስታት ብጥንቃቐ ምስ እንርድአን ከኣ ብዘይ ጥርጥር 50 ሚእታዊት ናይ ሕቶና መልሲ ክንረኽበሉ ኢና፣፣ እታ ቀዳመይቲ ጥቕሲ ሓበሬታ ክትከውን ከላ፣ እታ ካልኣይቲ ከኣ መብርሂት እያ፣፣ ወይ ብዘመናዊ ቓንቓ ምስ እነቐምጦ፣ እታ ቀዳመይቲ "ኣርእስተ ዜና" ክትከውን ከላ፣ እታ ካልኣይቲ ግና "ዜና ብዝርዝር" እያ፣፣ እዘን ክልተ ጥቕስታት እዚኣተን ዘፍ 1፣27 ከምኡ'ውን ዘፍ 2፣7 እየን፣፣ እታ ቀዳመይቲ "መንነት ሰብ" ክትገልጽ ከላ፣ እታ ካልኣይቲ ድማ "እንታይነት ሰብ" እያ እተብርህ፣፣

ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ፣ ኣምላኽ ንተፈጥሮኡ ናብ ህላዌ ከምጽኦም ከሎ ንዝነበረ ኩነታት እያ እተዘንትወልና፣፣ ካብዚ ከም እንርደኦ ኸኣ ሰብ፣ ምስ እንስሳ ኣብ ሻዱሸይቲ መዓልቲ ፍጥረት እዩ ናብ ህላወ መጺኡ፣፣ ጥቕሲ 26 ምስ እነንብብ ድማ፣ ዝያዳ ብሩህ ይኾነልና፣፣ "ኣምላክ ከኣ ብመልክዕና ከም ምስልና ሰብ ንግበር ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብልን ኩሉ ለመምታን ይግዝኡ በለ፣፣ ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ፣፣ ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ፣፣ ተባዕታይን ኣንስታይን ገሩ ፈጦሮም" ካብዛ ጥቕሲ እዚኣ ከም እነስተውዕሎ፣ ኣምላኽ ኣብ መወዳእታ ፍጥረቱ ንኹሊ እቲ ኣብ ምድርን ዙርያኣን ዘሎ ፍጥረት ዚገዝእ ወይ ዘመሓድር ሓደ፣ ንሱ "ሰብ" ዚብሎ ፍጡር ከም ዝፈጠረ እዩ፣፣ እቲ ንሰብ "ሰብ" ዝብል መጸውዒ ዝሃቦ እምበኣር ካልእ ዘይኮነ ባዕሉ ፈጣሪኡ ኣምላኽ እዩ፣፣ ስለዚ ሰብ እንታይ እዩ? ሰብ ደኣ..... "ሰብ" ኣምላኽ እኮ "ሰብ" ንግበር እዩ ኢሉ..... "ሰብ" እውን እዩ ገይሩ፣፣ ስለዚ ሰብ በቃ ሰብ እዩ! ኣርባዕተ ነጥቢ፣፣

እዛ ኣቐዲምና ዝጠቐስናያ ጥቕሲ፣ ሰብ ንሱ ባዕሉ ኣምላኽ ዘይኮነስ፣ ኣምላኽ ብመልክዑ ዝፈጠሮ ፍጥረት ምዃኑ እያ እትሕብረና፣፣ ግና መንነት ሰብ እምበር እንታይነት ሰብ ኣይትነግረናን እያ፣፣ እንታይነት ሰብ ክንፈልጥ ተወሳኺ መብርሂ የድልየና፣፣ ሰብ መንነቱ ክፈልጥ እንተደልዩ ፈጥሪኡ እዩ ክፈልጥ ዘለዎ፣ እንታይነቱ ኪፈልጥ ግና ኣፈታጥርኡ እዩ ኺምርምር ዘለዎ፣፣ ገለ ገለ ሰባት ኣምላክ ኣብ ዘፍትረት 1፣27 "መንፈስ" ሰብ እዩ  ፈጢሩ፣ ኣብ ዘፍጥረት 2፣7 ኸኣ ጸኒሑ "ስጋን መንፈስን" ወሲኽሉ ዝብል ግጉይ ትምህርቲ ብዘይ ምስትውዓል ይምህሩ እዮም፣፣ እንተኾነ ግና ኣምላኽ ቅድም መንፈስ ፈጢሩ ደሓር ክመልኦ እየ ብምባል ኣብ ካልኣይ ሰሙን ስጋን ነፍስ ኣይወሰኸሉን፣፣ ከመይሲ ኣምላኽ ፍጥረቱ ኣብ ሻድሸይቲ መዓልቲ  ከምዝወደአ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና፣፣ "በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ኣምላኽ ካብቲ ዝገበሮ ኩሉ ግብሩ ዓረፈ" እዩ ዝብለና እቲ ትኹል ቓል (ዘፍ2፣2)፣፣ ደሓር ድማ ኣምላኽ ኣብ ዘፍ 1፣27፣ "ተባኦታይን ኣንስታይን" ገይሩ ፈጠሮም ብምባል ኣግሂዱልና ኣሎ፣፣ ንመንፈስ ድማ ጾታ የብሉን! ስለዚ እዚ ጥቅሲ እዚ ንኹለንትና ናይ ሰብ፣ ማለት ንመንፈስ-ነፍሲ-ስጋ እምበር ንመንፈስ ጥራይ ዘመልክት ጥቕሲ ኣይኮነን፣፣ ይኹን እምበር ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ፣ እዚ ጥቅሲ እዚ ኣምላኽ ሰብ ከምዝፈጠረ እምበር ካብ ምንታይ ከምዝገበሮ ስለዘይሕብር፣ ብዛዕባ ኩለንትናዊ ኣቓውማ ሰብ እኹል መብርሂ ኣይህበናን እዩ፣፣ ኣምላኽ ግና መንነት ሰብ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ እንታይነቱ ኬፍልጠና ስለዝደለየ፣ ድሕሪት ተመሊሱ ኣፈጣጥራ ሰብ ዘዘንቱ ካልኣይ ምዕራፍ ሂቡና፣፣ ስብሓት ነቲ ዓቢ ስሙ ይኹን!

ቅድም ቀዳድም፣ ከነነጽሮ ዘለና ኣብ ዘፍጥረት ክልተ ዝተፈጥረ ወይ ዝተመለአ ሓዲሽ ፍጥረት ከምዘየለ እዩ፣፣ ጥቕሲ 7 ናይ ካልኣይ ምዕራፍ፣ "በታ እግዚኣብሄር ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ" ብዝብል ሓረግ ንድሕሪት ናብ ምዕራፍ ሓደ እዩ ዝመልሰና፣ ነዚ ሓቂ እዚ ዝያዳ ንምርጓድ ድማ "ንምድሪ ዝዓዩ ሰብ ኣይነበረን እሞ" ይብለና፣ ስለዚ ምዕራፍ ክልተ እምበኣር ናብ ድሕሪት ናብ ዘፍጥረት 1፣27 ተመሊሳ እያ፣ ተወሳኺ መግለጺ (ድሕሪ ዜና ምዃኑ እዩ) እትህበና፣፣ ነዚ ምኽንያት እዩ፣ ነታ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ ኣብ ሓንቲ ጥቕሲ ዝተጸምቆት ታሪኽ ፍጥረት ሰብ፣ ኣብ ትንታነ ዜና፣ ዳርጋ ሓደ ምዕራፍ ምሉእ ዝወሰደት፣፣ እታ ናኣና ነዚ ኣብዚ ኣልዒልናዮ ዘሎና ዛዕባ፣ ኣዝያ እተገድሰና ጥቕሲ ኸኣ፣ እታ ኣብ ጥቕሲ 7 ናይ ምዕራፋ ክልተ ዘላ መብርሂት እያ፣፣

"እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋሱ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ኮነ (ዘፍ2፣7) እዛ ረዛን ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን፣ 1ተሰ5፣23 ኸኣ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን፣፣ እዘን ክልተ ጥቕስታት እዚኣተን እየን፣ ካብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ንጹር ብዝኾነ መገዲ፣ ብዛዕባ እንታይነት ሰብ ዝሕብራና፣፣ ስለዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ዘሎ ቃላት ጳውሎስ ምጽሓፍ ግቡእ እዩ፣፣

"ኣምካኽ ሰላም ባዕሉ ንኹለንትናኹም ይቐድሶ፣ በቲ ምጽኣት የሱስ ክርስቶስ ብዘሎ መንፈስኩምን ነፍስኹም ስጋኹምን ብዘይ  መንቅብ ክርከብ ይተሓሎ፣፣"

ኣብዚ ኣቲ ሃወርያ፣ "ንኹለንትናኹም ይቐድሶ" ይብል እሞ "ኩለንትና" ሰብ ክብል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ ኬብርህ ከሎ ድማ ፣ ማለት "ብዘሎ መንፈስኩም፣ ነፍስኹምን ስጋኹምን" ብምባል ይጠቅስ፣፣ ስለዚ ጳውሎስ ሰብ ብኹለንትናዊ ኣቃውምኡ ስሉስ( መንፈስ -ነሲ-ስጋ) ምዃኑ እዩ ኣብዚ ዘብርሃልና፣፣ ንእግረ መንገድና ጳውሎስ ኣብዚ ብዛዕባ እንታይነት ሰብ ዝገልጸሎም ዘሎ እሕዋት ናይ ተሰሎንቄ፣ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት እግሪ ተኽሊ እዮም፣፣ ካብ ሸውዓተ ወርሒ ንላዕሊ ኣይገበሩን፣፣ ስለዚ እንታይነት ሰብ ምስ ዓበኻ ትመሃሮ ተወሳኺ ፍልጠት ዘይኮነስ ምዕቤት  መንፈሳዊ ህይወት መሰረታዊ ዝኾነ ብኣጋኡ ክትመሃሮ ዘልካ ነገር እዩ፣፣

ሕራይ ኩለንትና ሰብ ብመንፈስ ነፍሲ ስጋ ዝቖመ ምዃኑ ተመልኪትና ኣሎና፣፣ ግን እዚኣቶም ካበይን ከመይን ከም ዝመጹን ኣብ ነንሓድሕዶም ዘለዎም ዝምድናን ንዓና ዝህቡና ጥቅምንከ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል? ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ እምበኣር ናብታ ኣቀዲምና ዝጠቐስናያ ናብ ዘፍጥረት 2፣7 ምኻድ ከድልየና እዩ፣፣ መቓቒልና ክንርዳእ ክንፍትን ኢና፣፣ "እግዚኣሄር ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ" ይብለና፣ እዚ "ስጋ" ሰብ ካበይ ከምዝተገብረ ዘመልክት ንጹር ቃል እዩ፣፣ ዘመናዊ ስነ ፍልጠት'ውን ትሕዝቶ ስጋ ሰብን ትሕዝቶ ሓመድን ማዕረ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ፣፣ ንሓበሬታ ዝኣክል እምበር ምስክር ሰብ ዘድሊ ስለዝኾነ ኣይኮነን፣፣ እቲ እኹል ቃል ብርእሱ ደው ክብል ይኽእል እዩ፣፣ እቲ ጽሑፍ ብምቕጻል " ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ'' ይብል እዚ ሓረግ እዚ ኸኣ "መንፈስ" ሰብ ብኸመይ ከምዝተፈጥረ ይሕብረና፣፣ ኣብ መወዳእታ ድማ "እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ኮነ" ይብለና ኸኣ፣ "ነፍሲ" ሰብ ካበይ ከምዝተረክበት እዩ ዝገልጸልና፣፣ ጥቅልል ብዝበለ መልክዑ፣ ስጋ ካብ ምድሪ ኮይኑ  ብኣምላኽ ዝተገብረ እዩ፣፣ መንፈስ ካብ ምንታይ ምዃኑ እዃ ዘይፍለጥ እንተኾነ ግዳ ብኣምላኽ ዝተፈጥረ እዩ፣፣ ነፍሲ ከኣ ብምትሕውዋስ ክልቴኦም ዝተረኽበት ግና ናይ ርእሳ ፍሉይ መንነት ክትውንን ዝበቕዐት ምዃና ኢና እንግንዘብ፣፣ ስለዚ ክፋላት ወዲ ሰብ ገሊኡ ዝተገብረ ገሊኡ ዝተፈጥረ ገሊኡ ድማ ዝተረኽበ ምዃኑ ምፍላጥ ኬድልየና እዩ፣፣

ኣገልግሎት መንፈስ ነፍሲ ስጋ

መንፈስና ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበ ስለዝኾነ ምስ ኣምላኽን ምስ መንፈሳዊ ነገራትን የፋልጠና፣፣ ስጋን ካብ ምድሪ ዝተገብረ ብምዃኑ ምስ ምድርን ኣብ ዙርያኣ ዘሎን የፋልጠና፣፣ ነፍሲ ከኣ ምስ ገዛእ ርእስና ተፋልጠና፣፣ ስለዚ ሰብ ብመንፈሱ ገይሩ ኣብቲ ዙይርአ መንፈሳዊ ዓለም ይነጥፍ፣ ብመንገዲ ነፍሱ ኸኣ ኣብቲ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም ይነጥፍ፣፣ ስለዚ ሰብ ኣብ ሰለስተ ዓለማት ኪነጥፍ ዝኽእል መስትንክር ፍጥረት እዩ፣፣ ከመይ ዘደንቕ እዩ ኣፈጣጥራና ኣሕዋተየ! 3000 ዓመት ኣብ ይገብር ሓደ ኣብ የሩሳሌም ዝቕመጥ ዝነበረ ሰባኺ፣ በቲ ኣምላኽ ዝሃቦ ጥበብ ኣትዂሩ ብምዕዛብ፣ "እንሆ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ከምዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፣ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ" ኪብል ተዛሪቡ ነይሩ (መክብብ 7፣29)፣፣ እዚ ነዚ ዘለናዮ ዘመን ዝገልጽ ትንቢታዊ ቃላት'ዶ ኣይመስልን? ብሩኻት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣምላኽ ቅኑዕ ገይሩ እዩ ፈጢሩና፣ ካልእ ብልሓት ኣይንድለ! ኣምላኽ ንሰብ በቲ መስተንክር ጥበቡ ካብዚን ካብትን ኣዋጹኡ ብምፍታር "ሰብ" ዝብል ፍሉይ መጸውዒ ሂብዎ፣፣ እዮብ ናይ ኣምላኽ ሰብ ኣብ ማእከል እቲ ዝገጠሞ ከቢድ ፈተና፣ ከምዚ እናበለ ብዛዕባ ኣፈጣጥርኡ ከስተንትን ከሎ ንሰምዖ፣፣ "ኣእዳውካ ንኩለንትናይ ደኮና ሰርሓኒ'ውን .......ከም  መሬት ከምዝፈጠርካኒ ዘክር ቆርበትን ስጋን ኣልበስካኒ ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ ሂወትን ጸጋን ሞገስካኒ ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሓለዎ" (እዮ 10፣8-12) እዮብ ከመይ ዝበለ ብርሃን ኮን እዩ ነይርዎ!

ስለዚ ሰብ ብመንገዲ መንፈሱ ገይሩ፣ ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ንቑሕ (God conscious) ይኸውን፣፣ ብመንገዲ ስጋኡ ገይሩ ኣብቲ ግኡዝ ዓለም  ንቑሕ (world conscious) ይኸውን፣፣ ብመንገዲ ነፍሱ ገይሩ ኣብቲ ናይ ገዛእ ርእሱ ዓለም(ሰልፍ) ንቑሕ ይኸውን፣፣

መላእኽቲ መናፍስቲ እዮም (እብ 1፣127) ስጋን ዓጽምን ንየብሎምን፣፣ ስለዚ ኸኣ ምስ እዚ ግኡዝ ዓለም ከምዚ ንሕና ጌርና እንነጥፎ ጌሮም ኪዛመዱ ኣክእሉን እዮም፣፣ እንስሳ ስጋን ነፍስን ኣለዎም ግና መንፈስ ዘይብሎም እዮም፣፣ ስለዚ ንመንፈሳዊ ዓለም ዚኸውን ንቕሓት የብሎምን፣፣ ሰብ ግና ልክዕ ከም ናይ እንስሳ ነፍስን ስጋን ይውንን። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኣብቲ ግኡዝ ዓለም ይነጥፍ፣፣ ልክዕ ከም ናይ መላእኽቲ ድማ መንፈስ ይውንን፣፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ምስ ፈጣሪኡ ሕብረት ይገብር፣፣ ስለዚ ናይ ሰብ ሓቀኛ መንነቱ እንታይ እዩ? ናይ ሰብ ሓቀኛ መንነቱ ሰብ በቃ ሰብ ጥራይ! ኣምላኽ መንፈስ እዩ መላእኽቲ መናፍስቲ እዮም። ሰይጣንን ኣጋንንትን መናፍስቲ እዮም። ሰብ ግና ሰብ እዩ፣፣ ምኽንያቱ ሰብ ምዃን ርእሱ ዝኸኣለ መንነት ስለዝኾነ! መልኣኽ ገብርኤል ኮነ ሊቀ መላእኽቲ ሚካኤል መናፍስቲ እምበር ሰጋ-ለበስ ሰባት ኣይኮኑን። ዓሳ ወይ ኣንበሳ'ውን እንሳስ እምበር መንፈስ ዘለዎም ሰባት ኣይኮኑን፣፣(ሉቃ 24፣39)

ሕራይ ሰብ ብመንፈስ ነፍሲ ስጋ ዝቖመ ስሉስ እዩ ኢልናዮ ኣሎና፣፣ መንፈስ ነፍሲ ስጋ ግና ብኸመይ ክንፈላልዮም ንኽእል? መንፈስ ሰብ እንታይ እንታይ ይሓቁፍ? ነፍሲ'ኸ ብኸመይ ክንፈልጣ ንኽእል? ስጋኡ ዝጠፍኦ ሰብ እዃ ኣሎ ኢለ ኣይሓስብ፣፣ ቀጺልና እምበኣር ናብ ትንታነ ክንኣቱ ኢና.....

ትንተና

መንፈስ

(ግሪኽ፣ ኒዎማ እብራይስጢ፣ ሩሕ)

መንፈስ እንታይ እንታይ የጠቓልል? መንፈስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ደቂቕ መጽናዕቲ ምስ እንገብር እዚ ዝስዕብ ሓቅታት ንረክብ ኢና፣፣ ቻይናዊ ሓውና ዎችማን ኒይ በዓል ፋቾ፣ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ቅቡእ መጽናዕትታቱ፣ ኣብታ ዝደረሳ "እቲ መንፈሳዊ ሰብ" እትብል መጽሓፍ ብንጹር ኣስፊርዎ ኣሎ፣፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣማኒ ከንብባ ድማ ኣነ ጸሓፋይ ናይዚ ዓምዲ እዚ እምሕጸን፣፣

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፣ መንፈስ ነዚ ዝስዕብ ኣገልግሎታት ይሓቁፍ፣፣ 1. ሕልና (Conscience) 2. ሕብረት (Communion) 3. ተፈ'ል'ጦ (Intuition)

 1. ሕልና - ሕልና ቅኑዕን ጌጋን ትፈርደሉ እዩ፣፣ "ብመንፈሰይ ፈሪደ ኣለኹ" 1ቆረ 5፣3, መዝ 51፣10, ዘዳ 2፣30, መዝ 34፣8, ዮሃ 13፣21, ግሃ 17፣16, ሮሜ 8፣16, 1ቆረ 5፣3, 2ቆረ 2፣13, 2ጢሞ 1፣7

 2. ተፈ'ል'ጦ - ተፈ'ል'ጦ ሓበሬታ ብምእካብ ብምስማዕ ወይ ብምርኣይ ዘይኮነስ፣ ካብ ውሽጥኻ ዚነቕል ቀጥታዊ ፍልጠት እዩ፣፣ ማለት ብኣእምሮኻ ትፈልጦ ዘይኮነስ፣ ኣብ ውሽጥኻ ዝፍለጠካ እዩ፣፣ "እቲ ኣብኡ ዘሎ መንፍስ እንተዘይኮይኑስ ኣስ ስብ ዘሎ ነገር ዚፈልጥከ እንታዋይ እዩ?" (1ቆረ2፣11) "ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ  መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ኮይኑ ዚምስክር" (ሮሜ 8፣16) ተወሳኺ ጥቅስታት ማቴ 26፣41, ማር 8፣12, ዮሃ 11፣13, ግሃ 18፣5, ግሃ18፣25, ግሃ 20፣22, 1ቆረ 16፣18, 2ቆረ 7፣13 ፣፣

 3. ሕብረት - ሕብረት ምስ ኣምላኽን ካልእ መንፈሳዊ ዓለምን ዘሕብረና ኣገልግሎት መንፈስ እዩ፣፣ ክንሰግድ፣ ከነምልኾ ይድርኸና፣፣ "ኣምላኽ  መንፈስ እዩ፣ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግድሉ ይግባእ" (ዮሃ 4፣23-24) " እቲ ብመንፈሰይ ዘገልግሎ ኣምላኽ" (ሮሜ 1፣9) ተወሰኽቲ ጥቕስታት፣ ሉቃ 1፣47, ሮሜ 7፣6, ሮሜ 8፣15-16, 1ቆረ 6፣17, 1ቆረ14፣15, 1ቆረ14፣16, ራእይ 21፣10፣፣

ሕልና - ቅኑዕ ካብ ጌጋ ዝፈሊ ክፋል መንፈስ ሰብ እዩ፣፣ ተማሂርና ኣብ ኣእምሮና ብዝኸዛናዮ ፍልጠት ብዝረኸብናዮ መምዘኒ ዘይኮነስ፣ ብቐጥታ ኣብ ውሽጥና ማንም ከይመሃረና ነየናይ ቅኑዕ ኣየናይከ ጌጋ ምዃኑ ናይ ምፍላይ ክእለት እዩ፣፣ ተፈ'ል'ጦ ማለት ኣምልኽ ብቐጥታ ዝገልጸልካ ነገር ማለት እዩ (1ዮሃ2፣20-21) ፣፣

ተፈ'ል'ጦ፣ - ነቲ ኢንትዩሽን /Intuition/ ዚብል ናይ እንግሊዘኛ ቃል እዩ፣፣ (መዝገበ ቃላት ትግርኛ-እንግሊዘኛ ናይ ህ.ግ.ሓ.ኤ "ገምሪ" ብምባል ተርጒምዎ ይርከብ፣፣ እቲ ገምሪ ዝብል ቃል ግና ብዙሕ ፍሉጥ ስለዘይኮነ ንሕና ክንጥቀመሉ ኣይመረጽናን፣፣ ኣብ ክንዳኡ ግና ተፈ'ል'ጦ ብምባል ተርጒምናዮ ኣሎና) እዚ ኸኣ ብኣእምሮኻ ንትፈልጦ ነገር ዘይኮነስ ኣብ ውሽጥኻ ንዝፍለጠካ ቐጥታዊ ፍልጠት እዩ፣ ምፍላጥ ናይ ነፍሲ እዩ፣ ም'ፍ'ላጥ ግና ናይ መንፈስ እዩ፣፣

ሕብረት - ከኣ ናይ ኣምልኾ ማለት ናይ ስግደት ክፋል መንፈስ ሰብ እዩ፣፣ ሰብ ብመንፈሱ እዩ ዝሰግድን ዘምልኽን ምስ ኣምላኽ ሕብረት ዝገብር፣፣ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ እምበኣር ነዘን ክልተ ኣገደስቲ ድምጽታት ጽን ኪብለን ይግባእ፣፣ ንናይ ሕልናኡ ድምጽን፣ ናይ ውሽጡ ኣስተምህሮን፣፣ እዞም ሰለስት ነገራት እዚኣቶም ማለት ሕልና - ሕብረት - ተፈ'ል'ጦ ንሓድሕዶም ዝተኣሳሰሩን ፈጺሞም ዘይነጻጸሉ እዮም፣፣ ሕልና ንተፈልጦ ምርኩስ ብምግባር እዩ ፍርዲ ዚህብ ሕብረትካ ድልዱል እንተዘይኮይኑ፣ ድማ ተፈልጦኻ ብሩህ ኣይከውንን እዩ፣፣

ዘይኣመንቲ ሰባት'ውን ይኹኑ መንፈስ ኣለዎ። ውድቀት ሰብ፣ መንፈስ ሰብ ኣምላኽ ዝነበሮ ሕብረት ከምዚቓረጽ እዩ ገይሩ እምበር ንሰብ መንፈስ-ኣልቦ ኣይገበሮን፣፣ ዘይኣመንቲ መንፈሶም ሞይቱ እዩ ክንብል ከሎና ምስ ኣምላኽ ሕብረት የብሉን ማለት እምበር ብስሩ መንፈስ የብሎምን ማለት ኣይኮነን፣፣ መንፈሶም ግና ኣብ ክንዲ ምስ ኣምላኽ ምስ ካልኦት ክፋኣት መናፍስቲ እዩ ዝሓብር፣፣ ነዚ እዩ ሰብ ኣብ ኣምልኾ ጣኦት፣ ጥንቆላ፣ ኣስማት፣ ድብትርና፣ ምንባብ ጉንቦ ኢድ፣ ምውዳቕ ዛዕጎል፣ ምቑጻር ከዋክብቲ፣ ወ.ዘ.ተ. ዚነጥፍ፣፣ ገለ ገለ ሰባት መንፈስ ምስ ኣምላኽ ዘራኽበና ክፋልና ስለዝኾነ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ ዚብል ህውኽ መደምደምታ ይገብሩ እዮም፣፣ እንተኾነ ግን እታ ኣብ መንፈስና ሓዲራ ዘላ ህይወት ኣምላኽ እያ ሓጢኣት ዘይትገብር እምበር መንፈስ ሰብ ሓጢኣት ክገብር ይኽእል እዩ፣፣ መንፈስ ሰብ ኣብ ርእሲ እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ሓፊስ ሓጢኣት፣ እዚ ዝስዕብ ሓጢኣት'ውን ይገብር እዩ፣ ትዕቢት፣ ዘይምእማን፣ ቁጠዓ፣ ወዘተ(መክ 7፣8, መክ 7፣9, ዳን 5፣20, ኢሳ 65፣14, መዝ 78፣8, ህዝ 13፣3, 1ቆረ 7፣14, መዝ 106፣33)

ነፍሲ

(ግሪኽ፣ ሱይክ እብራይስጢ፣ ነፍሽ)

ሰብ፣ ብዘይካ መንፈስ፣ ነፍሲ እትበሃል ካልእ ክፋል እውን ኣላቶ፣፣ ነፍሱ ኸኣ ገዛእ ርእሱ እያ፣፣ ሰብ ስብእና ኣለዎ፣፣ ስብእና እትበሃል ቃል ንብዙሓት ሰባት ብዙሕ ትርጉም ስለዘልዋ ንእግረ መንገድና መብርሂ ክንህብ ጽቡቅ እዩ፣፣ ካብ ግጉይ ኣጠቓቕማ ቓላት ክንጥንቀቅ ይግበኣና እዩ፣፣ ብዙሕ እዋን ኣብ ክንዲ "ኣካላተይ ክሕጸብ እየ" ንብል "ነፍሰይ ክሕጸብ እየ" ኢና ንብል፣ እዚ ግና ጌጋ እዩ፣፣ ነፍሲ ክሳዕ ክንድኡ ብዓፍራን ማይን ተሓጺባ ትጸሪ ቀላል ነገር ኣይኮነትን! ስብእና/PERSONALITY/ ክብል ከላና ሰብነት ወይ ስጋን ዓጽምን ምህላው ማለትና ኣይኮነን፣፣ ስብእና ማለት ናይ ምሕሳብ... ምስትውዓል... ምውሳን... ምምራጽ...ምልላይ.. ምፍላጥ... ምፍታው... ምጽላእ... ወዘተ ክእለት ምህላው ማለት እዩ፣፣ ስብእና ማለት እዚ ማለት እንተደኣ ኮይኑ ኸኣ፣ ሰብ ስብእና ኣለዎ፣ ኣምላኽ ስብእና ኣለዎ። መላእኽቲ ስብእና ኣለዎም። ሰይጣን ስብእና ኣለዎ። ዋላ እዞም ታህተዎት እንስሳታት ከም እዚ በጊዕ ኣንበሳ'ውን ስብእና ኣለዎም፣፣ ነገራት ከም እዚ ጎቦ፣ ኮምፒተር፣ መጽሄት ግና ስብእና የብሎምን። ከመይሲ ነዞም ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮም ነገራት ክገብሩ ዓቕሚ ስለዘይብሎም፣፣ ብኣጠቓላሊ መልክዑ፣ ሓደ ነገር ስብእና ኣለዎ ንብሎ እዞም ስለስተ ነገራት እዚኣቶም ማለት "ፍቓድ፣ ኣእምሮ፣ ስምዒት"  ምስ ዝህልዎ እዩ፣፣ እዞም ስለስተ ነገራት እዚኣቶም ከኣ ኣብ ነፍሲ እዮም ዝርከቡ፣፣ እቲ ኣምላኽ ንሰብ ዝዓደሎ ድሌትካ ከምርጸካ ዝኽእል "ነጻ ፍቓድ" ከኣ ኣብ ነፍሲ እዩ ዘሎ፣፣ በዚ መሰል እዚ ተጠቂሙ ድማ እዩ ሰብ ድሌቱ ዚሓሪ፣ ናይ ሰብ ነጻ ፍቓድ ኣብ ነፍሱ ስለዘሎ እዩ ኸኣ ኣምላኽ ንሰብ ብዙሕ እዋን "ነፍሲ" ብምባል ዚጽውዖ፣፣ ስለዚ ሰብ "ኣነ" ኪብል ከሎ እታ ከምኡ እትብል ትብል ዘላ ክፋሉ ነፍሱ እያ፣፣ እዚ ማለት ግና ሰብ ነፍሲ ጥራይ እዩ ማለት ኣይኮነን፣፣ መጸዊዕዑ ግና ነፍሲ እዩ፣፣ ሰብ ኣነ እደሊ፣ ኣነ እፈቱ፣ ኣነ እፈልጥ፣ ኪብል ከሎ ነፍሱ እያ ከምኡ ትብል ዘላ፣፣ ነፍሲ እያ መጸዊዒቱ፣፣ መጽሓፍ ቅዱስ'ውን ንሰብ "ነፍሲ" ብምባል እዩ ዝጽውዖ፣፣ እዚ ሓቂ እዚ ኸኣ ኣብ ብሉይ ይኹን ሓዲሽ ኪዳን ተመሳሳሊ ኮይኑ ኢና እንረኽቦ " እታ ነፍሲ እቲኣ ካብ ኣኼባ እስራኤል ክትቁረጽ እያ" (ዘጽ 12፣19) " ናብ ግብጺ ዝኣተዉ ኩሎም ነፍሳት ቤት ያእቆብ ሰብዓ ነበሩ"  (ዘጽ 46፣27) "በታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣስታት ስለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ማሕበር ተወሰኻ" (ግብ 2፣43) "ሸሞንተ ነፍሳት" (2ጴጥ3፣20) "276 ነፍሳት" (ግብ 27፣37)፣ ስለዚ ንሕና'ውን ንመጽሓፍ ቅዱስ ተኸቲልና ንሰብ ነፍሲ ኢልና እንተጸዋዕናዮ ጌጋ ኣይኮነን፣ "ዝጠፍኣ ነፍሳት" "ሓደስቲ ነፍሳት" "ዝድሕና ነፍሳት" ዝብል ቃላት ምጥቃም መጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ፣፣ ንሕና ኮነ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ነቶም ዝወደቁ መላእኽቲ እንተዘይኮይኑ፣ "ዝጠፍኡ መናፍስቲ" ኣይንብልን ኢና፣፣ "ሓደስቲ መናፍስቲ" ወይ "ዝድሕኑ መናፍስቲ" እውን ኣይበሃልን እዩ ካልእ ወንጌል ንሰብኽ እንተዘየሊና! እቲ ብደም የሱስ ዝርከብ ምድሓን ንሰብ እምበር ንመናፍስቲ ኣየጠቓልልን እዩ፣፣

ብኸመይ ኢና ነፍሲ "ፍቓድ፣ ኣእምሮ፣ ስምዒት" እያ ትሕዝ ንብል?

1.   ኣእምሮ- ናይ ምሕሳብን ምስትውዓልን ዓቕሚ ዘለዎ መኽዘን ፍልጠት እዩ፣፣ ኣእምሮና ድማ ኣብ ነፍስና እዩ ዘሎ፣ " ነፍሲ ብዘይ ፍልጠት ምዃና ጽቡቕ ኣይኮነን"(ምሳ 19፣2) "ግብርታትካ መስተንክር እዩ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ" (መዝ 139፣14) "ነፍሰይ ከየባተኸት ትዝክሮ(ደ.ኤር 3፣20)፣ ተወሳኺ ጥቕስታት ምሳ 2፣10, ምሳ 3፣22, ምሳ 24፣14 ወ.ዘ.ተ.፣፣

2.   ፍቓድ- ድሌትና ንመርጸሉን ንሓርየሉን ነፍሳዊ ክእለትና ዚገልጽ እዩ፣፣ "ነፍሰይ....ሞት ትሓሪ" (እዮ 7፣15) "ነፍስኹም ንምድላይ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ምለስዋ" (1ዜና 22፣19) ተወሰኽቲ ጥቕስታት መዝ 27፣12, 41፣2, ህዝ 16፣27, ዘዳ 21፣14, መዝ 35፣25, ዘሁ 30፣2, ኤር 44፣14, እዮ 6፣7, ምእባይ፣ ምምራጽ፣ ምድላይ፣ ወዘተ ዚብሉ ቃላት ነቲ ኣብ ነፍሲ ዘሎ ነጻ ፍቓድ ዚገልጹ ቃላት እዮም፣፣ ወ.ዘ.ተ

3.   ስምዒት - ዝተሰማዓካ ነገር ክትገልጸሉ እትኽእል ነፍሳዊ ኣገልግሎት እዩ፣፣ እዚ ከም በዓል ፍቅሪ፣ ሓዘን፣ ጓሂ፣ ሓጎስ፣ ጽልኢ፣ ወዘተ የጠቃልል "ነቶም ነፍሲ ዳዊት እትጸልኦም" (2ሳሙ5፣8) "ኣታ ነፍሰይ እትፈትወካ" (መሃ 1፣7) ተወሳኺ ጥቕስታት 1ሳሙ 18፣1, ሉቃ 1፣46, እዮ33፣20, ዘካ11፣8, ዘዳ6፣5, እዮ10፣1, መዝ107፣18, ወ.ዘ.ተ

ነፍሲ እምበኣር ናይ ሰብ "ኣእምሮ ፍቓድ ስምዒት" እያ ተጠቓልል፣፣ ኣእምሮ፣ ክንሓስብን ከነስተውዕልን ዘኽእለና እዩ፣፣ ኣእምሮ እንተዘይብሉ ሰብ ዕኑድን ደንቆሮን ይኸውን፣፣ ፍቓድ፣ ድሌትና እንውስነሉ እዩ፣ ብእኡ ኸኣ እዩ ናይ ምምራጽ ስልጣንና ዚገሃድ። ንደልዮን ዘይንደልዮን ነገር ብእኡ ኢና እንውስን፣፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድ ኣንተዘይህልዎ፣ ሰብ ናብ ድሌትካ እትጥምዝዞ ፍጡር ይኸውን። ንሱን ሮቦርተርን ፍልልይ የብሎምን፣፣ ስምዒት ድማ ሰብ ዝተሰመዖ ነገር ዚገልጸሉ ክእለት ማለት እዩ፣ ብእኡ ኣቢሉ ሰብ ይሕጎስ፣ ይሓርቕ፣ ይጉሂ፣ ይድሰት፣ ስምዒት ምስ ዘይህልዎ ኸኣ፣ ሰብ ናብ ደረጃ ዕጨይትን እምንን ይወርድ፣፣

ስጋ

(ግሪኽ፣ ሶማ እብራይስጥ ...ሳርክስ)

ስጋ ዝረማሰስ ኣካልና ስለዝኾነ ኩላትና ብቐሊሉ እንርደኦ ደጋዊ ክፋልና እዩ፣፣

ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ ግና ስጋ "ዓጽሚ፣ ደም፣ ስጋ" የጠቓልል፣ ስጋና ከምቲ ብዙሓት ብዝልዎ ንሕና ዘለናሉ ቆፎ ዘይኮነስ፣ ንሓና ባዕልና ኢና ከመይሲ ስጋና ዘይንጸል ክፋልና ስለዝኾነ፣፣ መንፈስ ቅዱስ ከምቲ ንመንፈስና ማሕደር ዝገበሮ ስጋና'ውን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ እዩ፣፣ ከምቲ ንመንፈስና ንስጋና'ውን ዋጋ ተኸፊሉሉ እዩ፣፣ "ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ ስጋኹም ቤት መቅደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ካብ ኣምላኽ ዝተቀበልክምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ናይ ርእስኹም'ውን ከምዘይኮንኩም'ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፣ ሰለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ" (1ቆሮ6፣20)፣፣ መዓስ እዚ ጥራይ መጽሓፍ ቅዱስ ስጋና'ውን ከይትረፈ ኣካል ክርስቶስ ምዃኑ'ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም" (1ቆሮ6፣15)፣፣ ስጋና እምበኣር ክሳብ ክንድዚ ክቡር እዩ፣፣ ነዚ ኩሉ ዝበልናዮ መብርሂ ዚኸውን ስእላዊ መግለጺ ድማ እንሆ፣ ብዛዕባ እንታይነት ሰብ ብዘይ ፍልጠት ክንከውን ስለዘይደለየና እዩ እቲ ሃዋርያ ብዛዕባ ክብርን ኣድላይነትን ስጋና ዝነግረና ዘሎ፣፣

ኩለንትናዊ ኣቓውማ ሰብ

 (ዘፍጥረት 1፣27, ዘፍ 2፣7, 1ተሰ 5፣23)

    ኣብዞም ሰለስተ ክፋላት ናይ ሰብ ዘሎ ናይ ክብርን ኣገልግሎትን ተወራረድ ከመይ እዩ? ማለት ብኽብርን ኣገዳስነትን መጺና፣ ኣብ ሞንጎ እዞም ሰለስተ ክፋላት ሰብ ዘሎ ዝምድና ከመይ ዝበለ እዩ? መንፈስ ሰብ፣ ኣብ ውሽጢ ሰብ ከምዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ፣፣ (ዘካ12፣1) ሰለዚ ስጋ ብደገ፣ ነፍሲ ኣብ ውሽጢ፣ መንፈስ ድማ ኣብ ውሻጠ እዮም ዘለዉ፣፣ ነዚ እዩ ሰባት ህላውነት ስጋን ነፍስን ይስምዖም፣ መንፈስ ዝበሃል ሳልሳይ ክፋል ከም ዘለዎም ግና ብዙሕ ዘየስተብህሉሉ፣፣ ኪንዮ እዚ ናይ ቅድም ተከተል ተርታ ግና፣ ብ ኣገዳስነትን ክብርን ናይ ኣገልግሎት መጺእና ኣብ ሞንጎ ክፋላት ሰብ ክህሉ ዘለዎ ኣምላኽ ዝመደቦ ናይ ስልጣን መለኮታዊ ተርታ ኣሎ፣፣

መለኮታዊ ተርታ (Divine Order)

ስጋና ደጋዊ መዕቖቢ ናይ ነፍስና እዩ፣፣ ነፍስና ድማ ደጋዊ ሽፋን ናይ መንፈሳን እዩ፣፣ መንፈስ ምስ ኣምላኽን ምስ መንፈሳዊ ዓለምን ዘራኽበና ብምዃኑ ኣዝዩ ዝለዓለ ቦታ ክሕዝ ይግበኦ፣፣ ስጋ ድማ ምስዚ ተራ ምድራዊ ነገር ዝዛመድ ብምዃኑ ዝተሓተ እዩ፣፣ ነፍሲ ከኣ ኣብ ሞንጎ መንፈስን ስጋን ኮይና መንጎኛ እያ፣፣ ነፍሲ ወናኒት ናይቲ ኣምላኽ ንሰብ ዝዓደሎ ህያብ ናይ ነጻ ፍቓድ ስለዝኾነት መዘወር ህይወትና ዝሓዘት እያ፣፣ ነቲ ምሉእ ሰብ ከኣ ናብ ዝደለየቶ ተዙሮ፣፣ እንተ ደልያ ብመንፈስ ተገዚኣ ምስ ኣምላኽ፣ ማለት ምስቲ መንፈሳዊ ዓለም ሕብረት ክትገብር፣ እንተደልያ ድማ ንስጋ ተንበርኪኽካ ኣብቲ ነገራዎ ዓለም ክትእለኽ፣ እንተዘይኮነ ድማ ካብ ክልቲኦም ወጺኣ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ሓሳባዊ ዓለም ክትኣቱ ትክእል እያ፣፣ መንፈስ ምስ ኣምላኽ ካብ ዘለዎ ሕብረት ዝተላዕለ ናይ መንፈስ ቅዱስ ሓሳብ ይምርምር እሞ፣ ናቲ ካብ መንፈስ ጎይታ ዝተቐበሎ ሓሳብ ናይ ነፍሲ ይልእኾ፣ ነፍሲ ኸኣ ነቲ ካብ መንፈስ ዝተቐበለቶ ሓሳብ ተቐቢላ ምስኡ ተሰማሚዓ ንስጋ ትእዛዝ ተመሓላልፍ፣ ስጋ ድማ ብግዴኡ ነቲ ብመንገዲ ነፍስን መንፈሰን ዝመጾ ሓሳብ ኣምላኽ፣ ኣብ ተግባር ይፍጽሞ፣፣ እቲ መለኮታዊ ተርታ እዚ እዩ፣፣

ሓደ ሓው ነቲ ኣብ ሞንጎ መንፈስን፣ ነፍስን፣ ስጋን ኪህሉ ዘለዎ ናይ ስልጣን ተወራረድ ንምግላጽ ኸምዚ ዝስዕብ ጠቓሚ መብርሂ የቕርብ፣፣ መንፈስና ምስ ኣምላኽ ዘራኽበና ክፋልና ብምዃኑ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ብምዃን "ሓለቓ" ወይ "ኣዛዚ" ኪኸውን ይግበኦ፣፣ ስጋና ድማ ምእዙዝ ጊልያ ኮይኑ "ባርያ" ኪኸውን ይግበኦ፣፣ ስጋና ባርያ ክኸውን ይግባእ ክንብል ከሎና ከምቲ ገሊኣቶም ዝብልዎ ስጋና ንዑቕ እዩ ማለትና ኣይኮነን፣፣ ፍጹም! መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኣረሜናዊ ኣተሓሳስባ ኣይድግፎን እዩ፣፣ ኩሉ ስራሕ ኣምላኽ ጽቡቕ እዩ፣፣ ወዲ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ለቢሱ እዩ ኣብዚ ምድሪ ተመላሊሱ ዋላ'ኳ ዝኸበረን መንፋሳውን እንተኾነ ሕጂ'ውን ወዲ ኣምላኽ ስጋ ምልባስ ኣይገደፎን! እዚ ኸኣ፣ ስጋ ክሳብ ክንደይ ክቡር ምዃኑ እዩ ዝምህረና፣፣ ስለዚ ስጋና ባርያ ኪኸውን ኣለዎ ክንብል ከለና ኣብ ምምሕዳር መጺእና ስጋና ከም ምእዙዝ ባርያ እዩ ኪኸውን ዘለዎ ማለትና እዩ፣፣ ስለዚ መንፈስና ኣዛዚ፣ ነፍስና ኣገልጋሊት፣ ስጋና ድማ ባርያ፣ ኪኾኑ እዩ  ነይሩ መበቖላው ናይ ኣምላኽ ድሌት፣፣ እዚ ተርታ ኣዚ ግቡእ ቦታኡ ምስ ዝሕዝ ድማ፣ ሓደ መንፈሳዊ ክርስትያን ይህሉ፣፣ ነፍሲ ናይ ኣገልጋሊት ቦታኣ ለቒቓ፣ ኣብ ዙፋን ምስ እትቕመጥ፣ ሓደ ነፍሳዊ ክርስትያን ይህሉ፣፣ ስጋ ግዙእ ካብ ምዃን ቦኺሩ ናብ ሕልቅነት ምስ ዝመጽእ፣ ሓደ ስጋዊ ሰብ ይፈሪ፣፣ ስለዚ እቲ ናይ ስልጣን ተወራረድ ከምቲ ኣብ ተሰሎንቄ ዘሎ ኪኸውን እዩ ዝግባእ፣ ቅድም መንፈስ ደሓር ነሲ ካብኡ ስጋ ከከም ተርታኦም!

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እንታይነት ሰብ ካብ ኣምላኽ ምግላጽ ምስ ተቐበለ፣ ሰብ ልክዕ ከምታ ኣብ ብሉይ ኪዳን ዘላ "ቤት መቅደስ" ኣመሳሲሉ እዩ ዚዛረበሉ፣፣ ከምዚ ብምባል ድማ ይጽሕፍ "ቤት መቅደስ ኣምላኽ ምዃንኩም መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሓዲሩ ምህላዉን'ዶ ኣይትፈጡን ኢኹም" (1 ቆረ 3፣16) ፣ ጳውሎስ ሰብ     "ብኹለንትናዊ ኣቃውምኡ" ን ቤት መቅደስ ኣምላኽ ከምዝመስል ምግላጽ ተቀቢሉ፣፣ ቤት መቅደስ ኣብ ሰለስት ክፋል ከምዝምቀል ኩላትና ንፈልጥ ኢና፣፣ ደጋዊ ኣጸድ፣ ቅድስተ፣ ቅድስተ ቁዱሳን፣ ልክዕ እዚኣቶም ተምሳል ናይቶም ሰለስተ ክፋል ናይ ሰብ እዮም፣፣ "ኣጸድ" ናይ ስጋ ተምሳል እዩ፣፣ "ቅድስተ" ናይ  ነፍሲ "ቅድስተ ቅዱሳን" ድማ ናይ መንፈስ፣፣ ኣምላኽ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ይሓድር ከምዝነበረ መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ መንፈስና ይሓድር፣፣ እቲ ድንቅን መስተንክርን ሰብ እምበኣር ነዚ ይመስል! እዚ ፍልጠት እዚ ኣብ ነፍሲ ተጻዒኑ ኪኽዘን ዘይኮነስ ንዕለታዊ ክርስትያናዊ ህይወት ክጸልወናን ኪሕግዘናን እዩ ዘለዎ፣፣ ጎይታ ኾታ ካብ ምድንጋር ይባልሃና! ስሙ ብሩኽ ይኹን!

ስለዚ ሰብ እንታይ እዩ? ሰብ ስሉስ ኣቃውማ ዘልዎ ብመንፈስ ብነፍሲ ብስጋ ዝቖመ ድንቅን መስተንክርን ፍጥረት እዩ፣፣ እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወ ደኣ ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ቅንያት እዚ "ሰብ መንፈስ እዩ" ዝብል ርዲእታት ንሰምዕ ዘለና? ብስሩኸ እዚ ጉድይ እዚ ምስ መንነት ወይ እንታይነት ሰብ ጥራይ ዝተኣሳሰር ሕቶ ድዩ? ዋላስ ካልእ ደራኺን ካልእ ሰበብን ኣለዎ? ነዚ ሕቶ እዚ ቅድሚ ምምላስና ሓንቲ ምስዚ ትተኣሳሰር ልቢወለዳዊት ዛንታ ምግላጽ ጽቡቕ እዩ፣፣

ክልተ ኣዝዮም ዝፋተው ኣዕሩኽ ነይሮም ይበሃል፣፣ ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ድማ ምኽንያቱ ንዘይፍለጥ ሹዱሽተ ወርሒ ምሉእ ተሰኣኢኖም ተጠፋፍኡ፣፣ ሓደ መዓልቲ ግና  ሹዱሽተ ወርሖም ምስ ሓዙ፣ ኣብ ገለ ጎደና ጎፍ ን ጎፍ ተራኺቦም ተሓቓቒፎም ድሕሪ ምስዕዓምን ምዉቕ ሰላምታ ድሕሪ ምልውዋጦምን ኸኣ እቲ ሓደ " ኣታመንፈቅ ምሉእ ኣበይ ኔርካ?" ብምባል ብኣድናቖት ሓተቶ፣፣ ሽዑ እቲ ሓደ ቁሩብ ዝን ድሕሪ ምባል፣ ርእሱ እንዳሓኸኸ፣ "ኣታ ተኣሲረ እንድየ ነይረ" ብምባል ይምልሰሉ፣፣ ሓታታይ ሕጂ'ውን ብምግራም "ዋእ እንታይ ገርካ ተኣሲርካ" ኢሉ ቅልጡፍ ሕቶ ደጊሙ ይሓትት፣፣ ሽዑ እቲ ተኣሲሩ ዝነበረ፣ ምዕጉርቱ እንዳደረዘ፣ "ሱቅ ኢሎም በቃ ገመድ ሰሪቕካ ኢሎም ኣሲሮሙኒ" ብምባል ይምልስ፣፣ ሕጂ'ውን ሓታታይ ብኣድናቖት፣ ሳልሳይ ተኸታታሊ ሕቶ የዝንበሉ፣ "ገመድ ሰሪቕካ ኢሎምሲ ሹዱሽተ ወርሒ ፈሪዶምኻ ፍትሒ የለን ድዩ ኣብዚ ዓዲ?" በሎ፣ መልሲ'ውን ብሃንቀውታ ተጸበየ፣፣ እቲ ተኣሲሩ ዝነበረ ሰብ ኸኣ ከምዚ ዝብል ዘገርም ግና ኸኣ ሓቀኛ መልሲ መለስ " ኣብታ ጫፍ ኸኣ እባ ገመል ነይራታ" ለካ! ገመድ ዘይኮነስ ገመል!

ገለ ሰባት "ሰብ መንፈስ እዩ ነፍሲ ኣላቶ ኣብ ስጋ ይሓድር" ኪብሉ ከለዉ፣ ካልኦት ድማ ኣይፋሉን። ሰብ መንፈስ -ነፍሲ-ስጋ ስለስቲኡ ብሓንሳብ ሓቑፉ ስሉስ ኣቃውማ ዘለዎ ፍጡር እዩ ይብሉ፣፣ እዚ ንገለገሌና ስቕ ኢልካ ናይ ቃላት ባእሲ እዩ መሲሉ ዝረኣየና፣፣ ክልቲኦም ወገናት ንሰለስቲአን ክፋላት ናይ ሰብ ይጠቅስወን'ዶ ኸየለዉን? እንታይ እዩ እቲ ጸገም ኢና ንብል፣፣ ንገሌና ኸኣ እሞ፣ ሰብ ጃኬት እዩ። መልጎም ኣለዎ። ኣብ ሻርኔራ ይሓድር። እንተዝበሃል እውን ብዙሕ ንግደሰሉ ኣይመስለንን፣፣ ዘሕዝን እዩ! ክቡር ኣንባቢ "ሰብ መንፈስ እዩ፣ ነፍሲ ኣላቶ ኣብ ስጋ ይሓድር ዚብል ቃላት ካብቲ ዝመስለና ንላዕሊ ዝያዳ ዝዓሞቖን ዝጸልመተን ትርጉም ዝሓዛለ እዩ፣፣ ምስቲ ዛንታ ምትእሳሳር ምናልባሽ "ሰብ መንፈስ እዩ" ዚብል ርዲኢት ከምታ ገመድ ክንወስዳ ንኽእል ኢና፣ ነታ ገመድ እንተ ተቐቢልካያ ግና ኣብ መወዳእታኡ ገመል ኢኻ እትውሕጥ! ኣይኮነን ገመል ዊሕጥካ፣ ገመል ሰሪቕካ ጉንብሕ ጉንብሕ ምባል ድማ ፍጹም ዘይከኣል እዩ፣፣ እዞም ጉጅለታት እዚኣቶም መንፈስ ሓጢኣት ኣይገብርን ዚብል ርዲኢቶም ዘይቕነቕን መትከል ኣለዎም ሰለዚ መንፈስ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ሰብ ከኣ መንፈስ እዩ ሰብ ሓጢኣት ዝገብር ብነፍሱ ወይ ብስጋኡ እዩ ስጋን ደምን ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ኣይወርስ እዩ ይብሉና፣፣ ከምኡ እንተደኣ ኮይኑ እሞ ንብላዕን ንስተን! እዞም ጉጅለ ሰብ መንፈስ እዩ ዚብሉሉ ካልእ ምኽንያት እዚ ዝስዕብ እዩ።

ኣምላኽ መንፈስ እዩ ሰብ ከኣ መንፈስ እዩ ስለዚ ሰብ ኣምላኽ እዩ ናብ ዚብል ሶንኮፍን ደፋርን መደምደምታ ኪበጽሑ መታን ኪጥዕም እዩ፣፣ እዚ ሱቅ አልካ ጸለመ ኣይኮነን፣፣ ካብ ናታቶም መጻሕፍቲ ብምውካስ ብቕጥታ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና፣፣ ግና እቲ ንሳቶም ዘቕርብዎ መርትዖ ደኣ ከመይ ይኹን፣፣ እዞም ሰባት እዚኣቶም ዝጠቕስዎ እንኮ ጥቕሲ ናይ ጎይታና ቃል ምዃና ድማ ዘገርም እዩ!

ንኺድ በሉ ንፈትሻ እዛ ጥቕሲ፣ ጎይታናዶኸ እይኮነን ተዛሪብዋ፣፣ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ 3፣6 እያ ትርከብ፣፣ ሓደ ምሸት ሓደ ኒቆዲሞስ ዝስሙ ሰብኣይ ሓለቓ ኣይሁድ መመህር እስራኤል፣ናብ ጎይታ ብለይቲ መጺኡ፣ መንፈሳዊ ጉዳያት ኣልዒሉ ተዘራሪቡ፣፣ ሕቶ ንቆዲሞስ ብዙሕ ብሩህ እዃ እንተዘይኾነ ጎይታና "ካብ ማይን ካብ መንፈስን እንተ ዘይተወልደ ንመንግስቲ ኣምላኽ ክራያ ዚኽእል ከም ዜልቦ ብሓቂ ብሓቂ እብለካ እለኹ" ኢሉ ክምልሰሉ ከሎ ኢና እነንብብ፣፣ ኒቆዲሞስ ከኣ "ንሰብከ (ከምዚ ኸማይ) ምስ ኣረገ ካብ መንፈስ ኪውለድ ከመይ ኢሉ ይከኣሎ መሊሱ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ኣትዩስ ኪውለድዶ ይከኣሎ እዩ?" ብምባል ተገሪሙ ይሓትት፣፣ የሱስ ከኣ ".....ካብ ስጋ እተወልደ ስጋ እዩ ካብ መንፈስ እተወልደ ኸኣ መንፈስ እዩ" ይብሎ ብእንግሊዘኛ ዝያዳ ብሩህ እዩ " Flesh gives birth to flesh but the Spirit gives birth to spirit (NIV)" ይብሎ፣፣ ሌጣ ትርጉሙ ኸኣ " ስጋ ንስጋ እዩ ዝወልድ እቲ መንፈስ ኸኣ ንመንፈስ እዩ ዝወልድ" ሕጂ ንጠንቀቕ! ኒቀዲሞስ " ኣነ እንታይ እየ? ኢሉ ኣይኮነን ሓቲቱ የግዳስ ብኸመይ እየ ዳግማይ ዚውለድ እዩ ዝብል ዘሎ፣፣ ጎይታና ኸኣ፣ ስጋኻ ዘይኮነ ናብ ከርሲ ኣዲኡ ከይዱ ዳግማይ ዚውለድሲ፣ መንፈስካ እዩ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ዳግማይ ኪውለድ ዘለዎ እዩ ዝብሎ ዘሎ፣፣ ኣዴኻ ንስጋኻ እያ እትውለድ፣ መንፈስ ኣምላኽ ግና ንስጋኻ ዘይኮነስ ንመንፈስካ እዩ ዚውለድ ንዚብል ሓቂ ንምግላጽ ከኣ፣ ጎይታና " ስጋ ንስጋ እዩ ዚውለድ እቲ መንፈስ ኸኣ ንመንፈስ እዩ ዚውለድ" ብምባል ዝተዛረበ፣፣ ሕጂ'ውን ኒቆዲሞስ ገና ክበርሃሉ ኣይከኣለን፣ ከምቲ ሰብ ብስጋ ኪውለድ ከሎ ናይ ኣወላልዳ መስርሕ ንኽሉ ቅሉዕን ግሁድን ዚኾነ መንፈስካ ኪውለድ ከሎኸ ከመይ ይመስል ንዚብል ጉዳይ መብርሂ ይሓትት፣ ጎይታና ኸኣ ከምዚ ዚስዕብ ዘገርም መልሲ ይዛረብ "ንፋስ ናብ ዝደለዮ ይነፍስ ደሃዩ ኸኣ ትሰምዕ ካበይ ከም ዝመጸ ናበይ'ውን ከም ዚኸይድ ግና ኣይትፈልጥን ኢኻ እቲ ካብ መንፈስ እተወልደ ዘበለ ድማ ከምኡ እዩ" ብመንፈስ ዝተወለደ ሰብ ልክዕ ከም ንፋስ ተረምሳስነቱ ኣጥፊኡ ናብ ረቂቅ ፍጥረት ይቕየር ማለቱ ዘይኮነስ መንፈስና ክውለድ ከሎ "ኣባ ኣቦ" ዝብል ደሃይ እምበር፣ ዝርአን ዝርምሰስን ነገር የብሉን እዩ ዚብለና ዘሎ ጎይታና፣፣ ካብ ስጋ ዝተወልደ ስጋ ይኸውን ካብ መንፈስ ዝተወልደ መንፈስ ይኸውን ዘይኮነስ ካብ ስጋ ዝውለድ ስጋና እዩ ካብ መንፈስ ዝውለድ ግና መንፈስና እዩ፣፣ ነዚ ኢና ንምድራውያን ኣቦታትና ኣቦታት ስጋ ኢልና ኣንሰምዮም፣፣ መንፈስና ኸኣ ካብ መንፈስ ኣምላኽ ስለ ዝውለድ፣ ንኣምላኽ ኣቦ መናፍስቲ ኢልና ኢና እንሰምዮ፣ ንሱ ኣቦ ናይ ኩሎም መናፍስቲ ጻድቃን ስለ ዝኾነ፣፣ ኩላትና ነናትና ኣቦታት ስጋ ኣለዉና ኣቦ መንፈስና ግና ሓደ እዩ፣፣ ስለዚ ነዚ ኣደናጋሪ ዝመስል ቃል መልሱ ክሳዕ ክንድዚ ቀሊል እዩ፣፣ ስለዚ እቲ ካብ መንፈስ እተወልደ ስጋና ዘይኮነስ መንፈስና እዩ ምስዚ ኸኣ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ይሰማማዕ እዩ፣፣ ኣብ ሓንቲ ዘይትኽወል ቅጥቛጥ ናይ የሃንስ 3፣6 ተሓቢእካ "ሰብ መንፈስ እዩ" ምባል ግና ምስትውዓል ኣይኮነን! እዛ ጥቅሲ እዚኣ በዓቲ ጎሓሉት ኪገብርዋ ዝፍትኑ ብዙሓት እዮም፣ ንሳ ግና መኸወሊ ዘይብላ ክፍትትን ጋህ ዝበለትን እያ፣፣ ካልእ ከም ኤፈ 2፣2 ዝኣመሰላ ጥቕስታት'ውን እዞም ጉጅለታት እዚኣቶም ካብ ዝጨውዩወን መሳኺን ጥቕስታት ቅዱስ ጽሑፍ እየን፣፣ ንሕና ግና "ከምቶም ብዙሓት ንቃል ኣምላኽ ዚሓዋዉሱ ኣይኮናን" 2ቆረ2፣17

ኣምላኽ ንመንፈሳውነት እምበር ንመንፈስነት ኣይጸውዓናን፣ ጎይታ ምስ ተቀበልና ድማ ሓዲሽ ዝፍጥረቱ ሓዲሽ ሰብ እምበር ካብ ስጋ ግዒዝና ምስቶም ማሕደሮም ምስ ስጋ ዝለበሱ ዘይገበሩ መናፍስቲ ኣይንጽንበርን ኢና፣፣ ከምቲ ሓውና ስተፌን ካውን ቅቡእ ባርያ ኣምላኽ ዝበሎ " ሰብ ኢና ኔርና፣ ሰብ ኢና ዘለና፣ ሰብ ኮይንና ኢና ድማ ንዘልኣለም እንነብር" ኣብቲ ናይ ዘልኣለም ማሕደርና ውን ከይተረፈ ስጋኦም ዝተቐንጠጡ መናፍስቲ ዘይኮናስ ሰማያዊ፣ ዘይሓልፍ፣ ዘይበርስ፣ ዘይመውት፣ ዘይጽምሉ፣ ስጋ ኢና ክንለብስ፣ ሽዑ ስጋና ነቲ ክቡር ስጋ ጎይታ ኪመስል ኪልወጥ እዩ!

እቲ ቐዳማይ ኣዳም ኣብ ክንዲ ብመንፈሱ ዚምራሕ ነፍስን ስጋንን ተሓባቢረን ሓላቑ ኮይነን ክገዝኣ ምስ ጀመራ እዩ ውድቀት ሰብ  ኣጋጢሙ እቲ ኣብ ገነት ኤደን ዘጋጠመ ውድቀት ድማ ኩለንትና ሰብ ዘጠቓለለ እዩ። ሄዋን ነታ ኦም ምብላዓ ጥዕምቲ ፍትወት ስጋ (ሓጢኣት ስጋ) ምርኣያ ጽብቕቲ ፍትወት ኣዒንቲ (ሓጢኣት ነፍሲ) ጥበብ ብምሃባ ኸኣ እተብህግ ንብረት ትዕቢት (ሓጢኣት መንፈስ) ኮታ ብኹለንትናኣ እይ ሓጢኣት ገይራ። እቲ ዕንወት ዝሰዓበ ኸኣ ነፍሳን ስጋኣን ኣብ መሪሕነት ስለዘምጽአት እዩ። ነቲ መለኮታዊ ተርታ ምስ ኣንግምጥሎ ድማ ከም ሄዋን መዓልታዊ ኢና እንወድቕ፣ ነዚ ኢና ድማ ኣረጊት ሰብ ኢልና እንሰምዮ፣፣ ኣረጊት ሰብ ማለት ሕልቕነት ንነፈሱ ወይ ንስጋኡ ዝሃበ ማለት እዩ፣፣ እቲ ነፍሱን ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካሉን ዕለት ዕለት እንዳቐተለ ንመንፈሱ ግና ግቡእ ናይ መሪሕነት ቦታ ዘትሕዝ ግና ናብ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ዚልውጥ ሓዲሽ ሰብ እዩ ዚበሃል፣፣ ቃል እግዚኣብሄር ድማ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቀንጢጥና ሓዲሽ ሰብ ክንለብስ እዩ ኣጥቢቑ ዝምዕደና ጎይታ ኾታ ምሕረቱ እንተ ዘብዝሓልና፣ ካብ ምድንጋርውን እንተ ዝባልሃና፣፣

ብኣማኒኤል ጠዓመ