ያእቆብ፣ እቲ ዝተሰብረ ሰብኣይ

Character Study
Typography

ያእቆብ ሓደ ጽቡቕ ኣብነት ናይቶም ኣምላኽ ዝሰበሮም ሰባት እዩ። ምስ እግዚኣብሄር ክልተ ጊዜ ተራኺቡ - እቲ ቀዳማይ ኣብ ቤትኤል (ዘፍ.28)፣ እቲ ካልኣይ ከኣ ኣብ ጰኒኤል (ዘፍ.32) እዩ። ቤትኤል፣ ‘ቤት ኣምላኽ' ማለት ኮይኑ ብቤተክርስትያን ክንምስሎ ንኽእል፣ ጰኒኤል ከኣ ‘ገጽ ኣምላኽ' ማለት እዩ። ኩልና ናብ ቤተክርስትያን ካብ ምእታው ሓሊፍና ገጽ ኣምላኽ ክንርኢ የድልየና። ኣብ ቤትኤል "ጸሓይ ዓሪባ ነበረት" (ዘፍ.28፣11) ዝብል ጥቕሲ ጂኦግራፊያዊ ሓቂ እኳ እንተኾነ ከም መግለጺ ናይቲ ኣብ ህይወት ያእቆብ ዝመጽእ ዝነበረ ናይ 20 ዓመታት ናይ ጸልማት ጊዜ ክንወስዶውን ንኽእል ኢና። ኣብ ጰኒኤል ከኣ "ጸሓይ በረቐቶ" (ዘፍ.32፣31) ይብል፣ እዚውን ጂኦግራፊያዊ ሓቂ እኳ እንተኾነ ምልክት ናይቲ ናብ ብርሃን ኣምላኽ ምውጽኡውን ክንወስዶ ንኽእል ኢና። ኣብ ዘመናት ኩሉ ምስ ኣምላኽ ዝተመላለሱ ብዙሓት ኣመንቲ ምስ ኣምላኽ ክልተ ጊዜ ተራኺቦም እዮም። እቲ ቀዳማይ ዳግም ተወሊዶም ናብ ቤት ኣምላኽ (ቤተክርስትያን) ምእታዎም ክኸውን ከሎ እቲ ካልኣይ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም ምስ እግዚኣብሄር ገጽ ንገጽ ምስ ተረኣኣዩን ህይወቶም ምስ ተለወጠን ዝፍጸም እዩ።


 

ያእቆብ ኣብ ቤትኤል ኣብ መሬት ደው ኢሉ ርእሱ ግን ሰማይ ዝጠንቆረ መሳልል ርእዩ። የሱስ እዚ መሳልል ንሱ እቲ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ዘብጽሕ መንገዲ ከም ዝኾነ ኣብ ዮሃ.1፣51 ተዛሪቡ ኣሎ። ያእቆብ እምበኣር የሱስ መንገዲ ሰማይ ከም ዝኸፍተልና ትንቢታዊ ራእይ እዩ ርእዩ። ኣምላኽ ከኣ በቲ ሕልሚ ንያቆብ ብዙሕ ነገራት ኣተስፍዩዎ። ያእቆብ ግን ሓሳባቱ ምድራዊ ስለ ዝነበረ ብዛዕባ ምድራዊ ውሕስነት፣ ጥዕናን ሃብትን ጥራይ እዩ ዝሓስብ ኔሩ። ንእግዚኣብሄር ከኣ ከምዚ ኢልዎ፣ ‘ጎይታ ኣብ መንገደይ እንተሓሊኻኒ፣ መግብን ክዳንን ከኣ እንተሂብካኒ፣ ናብ ዓደይ ከኣ ብደሓን እንተ መሊስካኒ ካብቲ ዝተኸፈልክዎ 10% ክህበካ እየ።' ኢልዎ። ያእቆብ ንኣምላኽ ከም ሓደ ብደሓን ንኽመላለስ ዘኽእሎ ሓላዊ እዩ ሓሲብዎ። እዚ ኩሉ እንተጌሩሉ ከኣ ካብ ኣታዊታቱ 10% ከም ደሞዝ ከም ዝህቦ ተመባጺዑሉ። ሎሚውን ብዙሓት ኣመንቲ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ዘለዎም ርድኢት ካብዚ ዝፍለ ኣይኮነን። ካብ ኣምላኽ ማተርያላዊ ነገር ጥራይ እዮም ዝደልዩ፣ እግዚኣብሄር እዚ ነገራት እንተሂብዎም ብትግሃት ቤተክርስያን ይመላለሱን ካብ ገንዘቦም ገለ ከኣ ንዕዮ ኣምላኽ ይህቡ። እዞም ኣመንቲ እዚኣቶም ከም ኩሎም ኣብ ዓለም ዘለው ነጋዶ ምቾቶምን መኽሰቦምን ብምቕዳም ምስ ኣምላኽ ይነግዱ እዮም ዘለዉ። ያእቆብ ምድራዊ ነገራት ክደሊን ክመናጠልን 20 ዓመታት ኣሕሊፉ። ካብ ስድራቤት ላባን ሰበይቲ ደልዩ፣ ሓንቲ ዘይኮነ ከኣ ክልተ ረኺቡ። ክልተ ኣንስቲ ኣይደለየን ብዝኾነ ግን ክልተ ኣንስቲ ረኺቡ። ንላባን ኣታሊሉ ከኣ ኣባጊዕ ረኺቡ በዚ ድማ ሃብቲሙ። ገለ ከይብሉ ናብ ቤት ላባን ዝኣተወ ኣዝዩ ሃብታም ኮይኑ ወጺኡ። ከምቲ ሎሚ ንብዙሓት ኣመንቲ ዝመስሎም ከኣ ኣምላኽ ዘሀብተሞ ከም ዝመሰሎ ኣየጠራጥርን።

ምልክት ሓቀኛ ‘በረኸት ኣምላኽ' ግን ምድራዊ ብልጽግና ድዩ? ኣይኮነን። ምልክት ሓቀኛ በረኸት ኣምላኽ ናብ ምስሊ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ምልዋጥ እዩ። ህይወትካ ንኣምላኽ ኮነ ንሰባት ዘይጠቅም እንተኾይኑ ጽቡቕ ስራሕ፣ ጽቡቕ ቤት፣ ምቾት ዝመልኦ ናብራ ምህላውን እንታይ እዩ ትርጉሙ? እግዚኣብሄር ግን ምስ ያእቆብ ዝነበሮ ስራሕ ኣይወድአን ኔሩ። ንካልኣይ ጊዜ ከኣ ኣብ ጰኒኤል ረኺብዎ። ብዙሓት ምስ ኣምላኽ ካልኣይ ርክብ - ኣብ ህይወትካ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ኣብ ዝበጻሕካሉ እዋን ዝፍጸም ምርኻብ- የድልየና ኣሎ። ኣምላኽ ከኣ ኣብ ክንዲ ዝፈርደናን ናብ ገሃነም ዝሰደናን ብመንፈስ ቅዱሱ ይመልኣና። ኣብ ዘፍ.32 ያእቆብ ብዛዕባ ምምጻእ ኤሳው ሓዉ (እቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዘታለሎ ሓዉ) ክቀባበሎ ይመጽእ ከም ዝነበረ ሰሚዑ። ኤሳው ከም ዝቐትሎ ርግጸኛ ኔሩ። ኣምላኽ ገለ ዘፍርሃና ኩነታት ክመጽእ ከሎ ስቕ ምባሉ ጽቡቕ እዩ። ምኽንያቱ ብዛዕባ እቲ ሰባት ክገብሩና ዝኽእሉ ክንፈርህ ከሎና ናብ ኣምላኽ ንቐርብ ኢና። ኣብ ጰኒኤል ያእቆብ በይኑ እዩ ኔሩ፣ ዘፍ.32፣24። እግዚኣብሄር ቅድሚ ምሳና ምርኻቡ በይንና ክገብረና ይደሊ። ስለዚ እዩ ሰይጣን ሎሚ ህይወት ኣዝያ ዝተሓላለኸትን ብስራሕ ትሕዝትን (ብፍላይ ኣብቲ ምዕቡል ቦታታት) ከምትኸውን ዝገብር ዘሎ። ብዙሓት ኣመንቲውን ካብዚ ዝተላዕለ ምስ ኣምላኽ ንበይኖም ዝኾኑሉ ጊዜ ንምርካብ ኣዝዩ ይጽግሞም። ህይወቶም ብስራሕ ትሕዝቲ ካብ ምዃና ዝተላዕለ፣ እቲ ብዙሕ ዘይግደሱሉ ነገራት (ንኣብነት ኣምላኽ) ካብ ሰሌዳ ጊዜኦም ወጹኣት እዮም። እዚ ናይዚ ሎሚ ዘሎ ክርስትና ኣዝዩ ዘሕዝን ወገኑ እዩ።

በታ ለይቲ እቲኣ ኣምላኽ ንነዊሕ ሰዓታት ምስ ያእቆብ ተቓሊሱ፣ ያእቆብ ግን ኣይተሳዕረን። እቲ ቅልስ ተምሳል ናይቲ  ያእቆብ ኣብተን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ዝነበሮ ህይወት እዩ። እግዚኣብሄር ያእቆብ ኣዝዩ ደረቐኛ ከም ዝኾነ ምስ ረኣዮ ምሕኩልቱ ቆጽይዎ። ኣብቲ ጊዜ እቲ ያእቆብ ኣስታት ወዲ 40 ዓመትን ኣዝዩ ሓያል ሰብኣይን እዩ ኔሩ። ምስቲ ኣቦሓጎኡ ኣብርሃም ኣብ 175 ዓመቱ ምሟቱ ኣወዳዲርና ያእቆብ ኣብ ጉብዝንኡ ኔሩ ክንብል ንኽእል ኢና። ስለዚ ከኣ 75% ናይ ህይወቱ ኣብ ቅድሚኡ ኔሩ። ኣብቲ ዕድመ እቲ ምሕኩልቱ ክቑጸ (ክመሉቕ) ካብ ብዙሕ መደባቱ ከትርፎ ስለ ዝኽእል ክኸውን ዝደልዮ ነገር ኣይነበረን። ብናይ ሎሚ ኣረዳድኣ ንምግላጹ ሓደ ኣብ 20ታት ዕድሚኡ ዝርከብ መንእሰይ ምሕኩልቱ ብምምሏቑ ምርኩስ ከም ምጥቃም ማለት እዩ። ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ያእቆብ ምሕኩልቱ ድሕሪ ምቑጻዩ ዝተረፈ ዕድሚኡ ብዘይ ምርኩስ ክንቀሳቐስ ኣይክኽእልን እዩ። ኣምላኽ ንያእቆብ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክሰብሮ ፈቲኑ እዩ፣ ግናኸ ኣይተዓወተን። ኣብ መወዳእታ ግን ተዓዊቱ። እግዚኣብሄር ኣድላዩ ኮይኑ እንተረኺብዎ ንዓናውን ከምኡ ክገብረና ይኽእል እዩ። ካብ ዝኸፍአ ጥፍኣት ምእንቲ ከድሕኖም ንሱ ነቶም ዘፍቅሮም ይቐጽዖም እዩ። ኣምላኽ ምሕኩልቲ ያእቆብ ድሕሪ ምቑጻይ፣ ‘ጽቡቕ፣ ሕጂ ስርሐይ ሰሪሐ እየ። ብቐደሙውን ኣንስትን ገንዘብን እምበር ንዓይ ትደልየኒ ስለ ዘይነበርካ ክኸይድ' ኢልዎ። ሕጂ ግን ያእቆብ ንኣምላኽ ክገድፎ ፍቓደኛ ኣይነበረን። ኣብ መወዳእታስ ተለዊጡ! እቲ ንዓመታት ኣንስትን ሃብትን ዝደሊ ዝነበረ ሰብኣይ ሕጂ ግን ‘ከይባረኽካንስ ኣይሓድገካን'የ' ብምባል ንእግዚኣብሄር ምስዳድ ከሊእዎ። ምሕኩልቲ ያእቆብ ክቑጸ ከሎ ኣብ ልቡ ዓቢ ስራሕ ስለ ዝተሰርሐ ንኣምላኽ ጥራይ ዝደሊ ሰብ ኮይኑ።

‘ብዘይ ኣምላኽ ዋላ ሓንቲ ዘይብልካ ምስ ኮንካ፣ ሽዑ ኣምላኽ ጥራይ እኹል ምዃኑ ክትፈልጥ ኢኻ' ዝብል ናይ ቀደም ብሂል ኣሎ። እዚ ብሂል ሓቂ እዩ። እግዚኣብሄር ንያእቆብ "እንታይ እዩ ስምካ?"  ኢሉ ምስ ሓተቶ፣ "ስመይ ያእቆብ እዩ፣" ኢሉ መሊሱሉ። ያእቆብ ማለት ጠባሪ/መታለሊ ማለት እዩ። ያእቆብ ኣብ መወዳእታ መታለሊ ከም ዝኾነ ተኣሚኑ። ንስኻኸ መታለሊዶ ትኸውን? መንፈሳዊ ብምምሳል ንኻልኦት ከተታልልዶ ጸኒሕካ ትኸውን? ከምኡ እንተደኣ ኮንካ ብቅንዕና ንኣምላኽ ግቡዝ ምዃንካ ክትነግሮ ፍቓደኛ ዲኻ? ያእቆብ ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት እቲ ኣዒንቱ ዝደኸማ ኣቦኡ ይስሃቕ ስሙ ምስ ሓተቶ ኤሳው ከም ዝኾነ እዩ ተዛሪቡ ኔሩ። ሕጂ ግን ብቅንዕና ያእቆብ ምዃኑ ተኣሚኑ። ሽዑ እግዚኣብሄር "ምስ ኣምላኽን ምስ ሰብን ተቓሊስካ ኣሕሚቕካ ኢኻ እሞ፣ ደጊም ስምካ እስራኤል (መስፍን ኣምላኽ) ደኣ እምበር፣ ያእቆብ (መታለሊ) ኣይብሃልን" ኢልዎ። ከመይ ዓይነት ምልዋጥ - ካብ መታለሊ ናብ ናይ ኣምላኽ መስፍን። እዚ ኩሉ ያእቆብ ምስ ተሰብረ ዝኾነ ነገር እዩ። እዚ ጻውዒት ንዓናውን እዩ። ንሱ ከኣ ከም መሳፍንቲ ምስ ክርስቶስ ኣብ ዙፋን ተቐሚጥና ኣብ ልዕሊ ሰይጣን መንፈሳዊ ስልጣንና ተጠቒምና ንሰባት ካብ ኣርዑት ሰይጣን ምፍታሕ እዩ። ከም ኣባላት ኣካል ክርስቶስ ምስ ኣምላኽን ምስ ሰባትን ዘመላልስ ሓይሊ ክህልወና ይግባእ። ንኩሎም ሰባት ንበረኸት ክንከውን ተጸዊዕና ኣሎና። እዚ ግን ምስ ተሰበርና ጥራይ ዝኽውን ነገር እዩ። ክንስበር እንተኾንና ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዓት ብምዃን ግብዝናናን ምትላልናን ክንእመን ኣሎና።

ድሕሪ ብዙሕ ዘመናት እቲ ዘርኢ (ወዲ) ያእቆብ ዝኾነ ናትናኤል ምስ የሱስ ምስ ተራኸበ፣ ጎይታ "እንሆ፣ ጉርሒ (ያእቆብ) ዘይብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ" ዮሃ.1፣47 ኢልዎ። ሽዑ ንናትናኤል ብዛዕባ እታ ያእቆብ ኣብ ቤትኤል ዝረኣያ መሳልል ኣዘኪርዎ። ንናትናኤል ቅኑዕ እስራኤላዊ ዘበሎ ድማ ፍጹም ስለ ዝነበረ ዘይኮነስ ጉርሒ ወይ ምትላል ዘይብሉ ብምንባሩ ምዃኑ ነጊርዎ። ያእቆብ ነታ  ምስ ኣምላኽ ገጽ ንገጽ ዝተረኣኣየላ ቦታ "ጰኒኤል" ኢሉ ሰምዩዋ። ኣብ ቤትኤል ግን ብቤት ኣምላኽ ተመሲጡ ኔሩ። ኣብ ቤት ኣምላኽ ብዙሕ ዓመታት ጌርካ ክንስኻ ገጽ ኣምላኽ ግን ዘይረኣኻ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። እምበኣርከስ ገጹ ንኽትርኢ ምስ ኣምላኽ ካልኣይ ምርኻብ የድልየካ እዩ። ያእቆብ ገጽ ኣምላኽ ምስ ረኣየ "ንኣምላኽ ገጽ ንገጽ ርእየዮ እየ እሞ ነፍሰይውን ድሒና፣" ኢሉ።