ግሩም መልእኽቲ ዘፍጥረት (Part 2)

Study Bible Books
Typography

2 ጐደሎና ዝምልእ ኣምላኽ!  “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን፡ ንእኡ ኣትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ ኢየ በለ።” ኣምላኽ ንሰብ ከም ምስሉን መልኹዕን ጌሩ ፈጢሩ ኣብቲ ብሉጽ ኩሉ ዘለዎ ገነት ኤደን እዩ ኣቐሚጥዎ። ኣብ ልዕሊ ኹሉ ክስልጥን ድማ ምልክን ሓይልን ሂብዎ። ኣምላኽ ንሰብ ፈጢሩ ምንም እኳ ኣይግደለሉን ዘድልየ ዘበለ ኩሉ ሂብዎ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ግና ኣምላኽ እቲ ዝሓሊ ጐደሎ ድማ ዝፈልጥ ኣዳም በይኑ ክኸውን ኣይደለዮን ደጋፊት ክገብረሉ ደልዩ። እቲ ንዕኡ ዘድልየ ደጋፊት ከኣ ሃቦ ወሲኩ ኣብቲ ኻላኣይ ምዕራፍ ናይ ዘፍጥረት “ሰብ ድማ ንኹሉ እንስሳን ነዕፋ ሰማይን ናራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኽበትን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ ደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኽኣ ሓንቲ ወሰደ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰብይቱ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ።” ይብልና እዚ ጥቕሲ እዚ ኣብ ግዜ መርዓ ወይ ሓዳር ዝብሃል ግዜ ጥራይ ኣይኰነን። እዚ ብተወሳኺውን ሓልዮት ኣምላኽ ንሰብ ዘርኢ ግሩም መጸናንዒ ጥቕሲ እዩ።

ኣምላኽ በይኑ ጥራይ እዩ ናይ ሰብ ጐደሎ ዝርዳእን ዝፈልጥን። ኣምላኽ ካብቲ ንሕና እንፈልጦ ጐደሎና ንላዕሊ ናትና ሃጋፍ ፈሊጡ ዘድልየና ዝምልእ ጐይታና እዩ። ኣዳም ኣብ ዕሩፍ ድቃስ ከሎ እዩ እቲ ጐደልኡ ተመሊኡ ነዚ እዩ ኣብ መዝሙር ዳዊት 127 “ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፣ኣምሲኹም ምድቃስኩም፣እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣እዝስ ንፍቁራቱ ደቅሶም ከለዉ ይህቦም እዩ። ብምባል ብዛዕባ ግሩም ሓልዮት ኣምላኽ ይዛረብ። ሰብ ክንዮ ደጋዊ ነገር ንምርኣይ ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ሃጋፍ እሞ ክምላእ ዘለዎ እንታይ ምኻኑ ኣይስተውዕልን እዩ። ኣምላኽ እቲ ፈጣሪ ኩሉ ግና ዘድለየና ዘበለ ይፈልጥ እዩ። ነዚ ኢና ኣብኡ ክንውከልን ክንዓርፍን ዝግብኣና።

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ “ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበበልጽን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ። ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧  ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቚመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧ ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቑ፡ ንዕምባባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። ምስ ናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ዂሉ ኽብሩ ኸም ሓደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸድነ፡ እብለኩም ኣሎኹ። ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጒዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ እምብኣርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፧ ኢልኩም ኣይትጨነቑ።” ብምባል ሓልዮቱ ፍጹምን ጉሩምን ምኻኑ ይነግረና። ነዚ ድማ ኢና ብዘሎ ሓልዮትናን ባህግናን ድሌትናን ኣብኡ ከነውድቖ ዝግብኣና። እቲ ዘድልየና ኣብ ምድብ ግዜ ከም መጠን ሃብቱ ክብሩ ብክርስቶስ የኡስ ክሉ ክመልኣልና እዩ። ሓልዮት ኣምላኽ ዝተረደኣ ሰብ ብዝዀነን ዘይኰነን ኣይጭንቕን እዩ። ኣብ ጐደልኡ ኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ኣቢሉ ምልኣቱ ከም ዝኸውን ይፈልጥ እዩ። ጸርካ ናብ እግዚኣብሄር ምድርባይ እዩ እቲ እንኰ ምንገዲ ዓወትን በረኸትን።

ሎሚ ሓልዮት ኣምላኽ ክንርዳእ ይድለየና ኣሎ። ብኡ ንነብርን ንወሳወስን ከም ዘሎና ክርድኣና ይግባእ። ከምቲ ኣዳም ዕርፍ ኢሉ ዝደቀሰ ሎሚ እውን ኣብ ኣምላኽ ክንዓርፍን ክንሃድእን ይግብኣና ሹዑ ሓልዮት ኣምላኽ እምብዛ ክንርድኦን ከነስተማቕሮን ኢና። ሓደ ግዜ ጐይታና መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ ምስ ደቂ መዛሙርቱ ኣብዛ ምድሪ ክመላለስ ከሎ  ብጃልባ ጌሮም ናብ ሓደ ዓዲ ይከዱ ነበሩ። ኣብ ማእከል እዚ ድማ ዓቢ ማዕበል ተላዕለ። ደቂ መዛሙርቱ በቲ ዝክእልዎ ኩሉ ፈቲኖም ግና ኣይሰለጦም ዳሕራይ ግና ነቲ ኣብ ማእከል ጃልባ ደቂሱ ዝነበረ የሱስ ኣትንስኦዎ። መድሓኒ ኸኣ ኣበይ ኣላ እምነትኩም ብምባል ነቲ ማዕበል ጸጥ ኣብሎ። ብዙሕ ግዜ የሱስ እቲ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኻትኩም ኣለኹ ዝበለና ምሳና ከም ዘሎ ሳኣን ብእምነት ኣርጊጽና ዘይምፍላጥና ብገዛእ ርእስና ነቲ ገጢሙና ዘሎ ክንብድህ ሓልዮት ኣምላኽ ንርስዕ። እዚ ንኣምላኽ ኣይሕግሶን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ክመጽእ ዝደሊ ኣምላኽ ከም ዘሎን ነቶም ዝደልዮዎ ኸኣ ዓስቦም ከም ዝህቦም ክፈልጥ ይግባእ እዩ እሞ፣ ካብ ክእለት ገዛእ ርእስናን ወጺና ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ ንውደቕ ንሱ ይሓልየልና እዩ ክንጠፍእ ግድና ዘይብሎ ጐይታ ዘይኰነስ ዘድለየና እናሃበ ብሓገስን ብዕረፍትን ክነብር ዝደለይና ጐደለና ዝምልእ ኣምላኽ እዩ።

(Part 1)

ይቅጽል !