19
Fri, Apr
0 New Articles

ስለ ተልእኾኻ ምንባር

Message 1
Typography

ብኣድሓኖም ሕዱግ

መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናብዚ ምድሪ ኪመጽእ ከሎ። ንጹር ተልእኾን ዕላማን ሒዙ'ዩ መጺኡ፣ ነዚ ናይ ጎይታ ዕላማን ተልእኾን ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብብዙሕ ቃላት ገሊጹልና ኣሎ፣ ካብቲ ብዙሕ። ምስቲ ከልዕሎ ደልየ ዘለኹ ዛዕባ ዚኸይድ ቃል ኣስዒበ ክጠቅስ፧


 "ንሱ [የሱስ] ግና ብዘይ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ኣይተለኣኽኩን። ኢሉ መለሰ።" (ማቴ.1524)። ክርስቶስ ናብዚ ምድሪ ኪመስእ ከሎ ሒዝዎ ዝመጸ ቀዳማይ ዕላማ እምበኣር። ምድሓን ቤት እስራኤል እዩ። እዚ ንጹር ተልእኾ እዩ። ቤት እስራኤል መታን ኪድሕኑ። ኪዋረድን ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ኪስቀልን ኪመውትን "ርእሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት" ኪውፊ ተልእኾ ተቐበለ። እቲ ንጎይታ ዝነበሮ ተልእኾ "ምድሓን ቤት እስራኤል" ቀሊል ኣይነበረን። ህይወት ዚሓትት እዩ ኔሩ። ነዚ ተልእኾ'ዚ ድማ ንሰለስተ ዓመት መመላእታ ተጊሁ ለይቲ ምስ መዓልቲ ዓየየሉ። ቤት እስራኤል ኪድሕኑ። ቀትሪ ይሰብኮምን ይምህሮምን። ሕሙማቶም ድማ ይፍውስን። ለይቲ ኸኣ ይጽልየሎም።

በዓል ተልእኾ ኩሉ ጊዜ መዓይይቲ ዚኾኖ ይደሊ እዩ። ስለዝኾነ ኸኣ። ጎይታ ሃዋርያት ኪመርጽ ከሎ ንርእዮ። ንሳቶም ድማ ከምቲ ናቱ ተልእኾ ሒዞም ኪዓዩ ይደልዮም።

"የሱስ ነዞም ዓሰርተውክልተ ለኣኾም። ከምዚ ኢሉ'ውን ኣዘዞም፧ ናብተን ጥፉኣይ ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ። ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ።" (ማቴ.105-6)

በዚ ከምዚ። ቀዳማይ ተልእኾ ክርስቶስ "ንቤት እስራኤል ምድሓን" ኮይኑ ከብቅዕ ቤት እስራኤል ግና ኣይተቐበልዎን። ግናኸ "እቲ ምድርባዮም (ዘይምቕባሎም) ከኣ ንዓለም ዕርቂ ኮነላ..." (ሮሜ.1115) ማለት ዓለም'ውን ኣይሁድ ነቲ ናይ ክርስቶስ ኣገልግሎት ዕርቂ ብዘይ ምቕባሎም ምድሓን ረኺባ።

ቤት እስራኤል ንናይ ክርስቶስ ምድሓን ብዘይምቕባሎም እቲ ተልእኾ ዓብዩ እዩ። ንብዘሎ ፍጥረት። ማለት ንኹሉ ዓለም ድማ ኮይኑ።

"...ንኹሎም ኣህዛብ...ደቀ ማዛሙርቲ ግበርዎም።" (ማቴ.2819-20)

እዚ ክርስቶስ ድሕሪ ምሟቱ እተዋህበ ተልእኾ እዩ። ካብዚ እዋን'ዚ ንደሓር ከኣ ንሃዋርያት ተልእኾኦም ዓለም ኮይና ጾሮምውን ዓለም ኮይና።

"ብጎይታ እተሓረየዶ ኣሎ? ጾር ዘይስምዖ ኪኸውን ኣይግብኦን እዩ፣"

ብጎይታ እተሓረየዶ ኣሎ? ጾር ዘይስምዖ ኪኸውን ኣይግብኦን እዩ። ብዓቢኡ ጾር ኣመንቲ ዓለም እያ። ካብኣ ድማ ግዴኻ ከተልዕል ይከኣል። ዘልዓልካዮ ግደ ዘይብልካ ክትከውን ግን ኣይግባእን። ከምቲ ክርስቶስ ካብ ኣቦ ተላኢኹ ካብ ላዕሊ ዝመጸ። ሓደ ሰብ ድማ ብክርስቶስ ኣሚኑ ናብ ኣምላኽ ምስ ተመልሰ ካብ ላዕሊ እዩ ዚውለድ (ዮሃ.33) ካብ ላዕሊ ኸኣ ይመጽእ። ዋላኳ ኣብ ምድሪ ዝለበሶ ስጋ እንተለዎ ከኣ ካብ ዓለም ኣይኮነን (ዮሃ.1716)

ፍቑር ሓወይ። ካብ ሓመድ ምድሪ ብምስራሕካ ንምድሪ ክትዓያ ተልእኾ ዘልብስ ባእታ ኣሎካ (ዘፍ.27)

"ስለዚ ነታ እተፈጥረላ ምድሪ ምእንቲ ኺዓይያ ድማ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ካብ ገነት ኢድን ኣውጽኦ።" (ዘፍ.323)

ሎሚ እንታይ ትዓዪ ኣሎኻ? ወይ እንታይ ክትዓዪ ትሓስብ? እተረዳእካዮን እተወፌኻሉን ተልእኾ ክህልወካ የድሊ እዩ። "ተልእኾይ እዩ።" እትብሎ ኣሎካዶ? ምድሓን'ዛ ምድሪ እቲ ዓቢ ተልእኾ እዩ። ወንጌል ንብዘሎ ፍጥረት ክስበኽ ይግባእ እዩ። ብፍሉይ ንጹር ተልእኾኻ ምፍላጥን ምርዳእን ድማ ኣድላዪ'ዩ። ተልእኾ ክርስቶስ ኣብ ቤት ኣስራኤል ክኸውን ከሎ ያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን ድማ ተልእኾኦም ናብ ግዙራት ነበረ። ከምኡ ድማ ተልእኾ ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኣህዛብ ነበረ (ማቴ.1524፤ ገላ.27-9 ረኤ)። ተልእኾ ምኽንያት ምንባርካ እዩ። ተልእኾ ዘይብሉ ግን ክነብር ኣይግብኦን እዩ። ፍቑር ሓወይ ብዘይ ተልእኾ ትነብር ከይትህሉ! ተልእኾይ እዚ እዩ እትብሎ እንተዘይብልካ ክትነብር ኣይግብኣካን እዩ። ግናኸ ሎሚ ብምኽንያት ተልእኾ ክትነብር ይግበኣካ። ኣምላኽ ምሕረተኛ ስለዝኾነ የንብረካ ኣሎ። ስለዚ ሎሚ ብልብኻ ሕሰብ። ተልእኾ ካብ ጎይታ ኢኻ እትቕበሎ። ከምቲ ናይ ነህምያ ኣብ ልብኻ እተተኽለልካ ኣምላኻዊ ሓሳብ ተልእኾ ኣሎካዶ? (ነህ.212) ወይ ውን ከምቲ ናይ በዓል በርናባስን ሳውልን ብመንፈስ ቅዱስ እተነግረካ ተልእኾ ኣሎካዶ? (ግሃ.132)

ኣሎኒ እትብሎ ንጹር ተልእኾ እንተዘይብልካ ሎሚ ካብቲ ለኣኺ። ተልእኾ ተቐበል። ኣብዚ ከተስተውዕሎ ዘድልየካ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ተልእኾ ኣይኮንኩን ዝዛረብ ዘለኹ። እቲ ንኹሉ ፍጥረት ወንጌል ስበኹሉ ዚብል። ንኹሎም ኣመንቲ እተዋህበ ተልእኾ እዩ። ያእቆብን ኬፋን ዮሃንስን ናብ ግዙራት (ማለት ናብ ቤት እስራኤል)፤ በርናባስ ናብ ኣህዛብ... ዚብል ተልእኾ ግና እቲ ንጹር ተልእኾ እዩ። እዚ ኸኣ ተልእኾ። ህዝብን ዶብን ከም ዘለዎ የረድኣና። ብርግጽ ከምቲ ክርስቶስ ንኻልኦት ወገናት ተጠቀምቲ ወንጌል ኪኾኑ ዕድል ዝሃበ። ከምቲ ኬፋውን ንኣህዛብ ዕድል ወንጌል ዝሃበ። ጳውሎስ ድማ ንግዙራት ክሳብ ጊዜ ስንብታኡ ካብ ልቡ ዘየርሓቖም...ወዘተ ኣብ ሓፈሻዊ ተልእኾ ንዘሎ ዘበለ ናይ ወንጌል ተጠቃሚ ክትገብሮ ይግባእ እዩ። እቲ ንጹር ተልእኾ ግና ምስጢር ምንባርካ ንሱ እዩ። ስሊኡ ትነብር ስሊኡ ድማ ክሳብ ሞት ትበጽሕ።

"ግናኸ እቲ ብስጋ ምጽናሕ ምእንታኻትኩም ኣዝዩ ዜድሊ እዩ።" (ፊሊጲ.1።24)። ንምንታይ ትነብር ኣሎኻ? ደጊም ድሕሪ ሕጂ ንተልእኾኻ ምንባር ክትጅምር የድልየካ እዩ። ስለዚ ብቐዳምነት ተልእኾኻ ፍለጥ። ሽዑ ስለ ካልእ ኢልካ ምንባር ሓዲግካ ስለ ተልእኾኻ ኢልካ ምንባር ጀምር። ተልእኾኻ ልጓም ህይወትካ እዩ። ተልእኾኻ ስካን ህይወትካ እዩ። ስለዚ ኣንፈት ህይወትካ ብተልእኾኻ እዩ ኪቃናዕን ኪምእዘዝን ዘለዎ።