20
Sat, Apr
0 New Articles

ደብዳቤ ካብ ሓደ ኤርትራዊ ክርስትያን ናብ ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ

Message 1
Typography

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ስላምን ንዓኻ ይኹን። ኣምላኽ ከኣ ኣብ ህይወትካ ብሰላምን ዕረፍትን ኣብ ሓዳርካ ብፍቕርን ስኒትን ኣብ ስራሕካ ኸኣ ብምስትውዓልን ጥበብን የሰኒኻ።  ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ካብ ማህጸን ወላዲቱ ክወጽእ እንከሎ ብኣጋጣሚ ወይ ከኣ ወለዱ ስለ ዝደለይዎ ዘይኮነስ ኣምላኽ ፈቂዱ ብመደብ ፈጣሪ እዩ ናብዛ ምድሪ ዝመጽእ። ንስኻ እውን ከም ማንም ሰብ ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ንዕላምኡ መጠቀሚ መታን ክገብረካ እዩ ደኪንካ። እዚ እቲ ቐዳማይ መሰረታዊ ነገር ክኸውን ከሎ።


 ነዚ ሓሳብ እዚ ምርዳእ ኸኣ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ብዓላማ ክመላለስ ንኣምላኽ ከኣ ክፈርሖ ይኽእል። እቲ ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወት ናብርኡን ስርሑን ዕዉት ዝኸውንን ኣድማዕነት ዘለዎ ስራሕ ዝሰርሕን ከኣ እዚ ዓይነት ምርዳእ ዘለዎ ሰብ ጥራይ እዩ። ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ንስኻ እውን ኣምላኽ ኣብዛ ምድሪ ዘምጽካ ንኽብሪ ገዛእ ርእስኻን ንዝናኻን ዘይኮነስ ንዕኡ መደቡን ዕላምኡን ክትፍጽም ምኻኑ ክትፈልጥ ብምሕረት ኣምላኽ ይሓተካ።

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ብዛዕባ እዚ ዘሎካ ጽፍሒ ሓላፍነት ክንዛረብ እንተ ኾይና እውን ኣምላኽ ኣብዚ ዘለኻዮ መዝነት ከም ዘቐመጠካ እየ ዝኣምን። ከመይ ተበልና ቃል ኣምላኽ ስልጣን ኩሉ ካብ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እዩ ዝምህረና። ሓላፍነትን መዝነትን ዝህብ ኣምላኽ እዩ። ማንም እኳ ሰብ ዝረኸቦ ስልጣንን መሪሒነትን ካብ ሓይሊ ገዛእ ርእሱ ወይ ከኣ ፍልጠቱ እንተ መሰሎ እቲ ሓቂ ግና ኣምላኽ ኣብቲ ቦታ ስልጣን ንዝደለየ ሰብ ከም ዘቐምጥ እዩ ቃሉ ወይ መጽሓፍ ቁዱስ ዝምህረና። ንስኻ እውን ኣምላኽ ፈቂድዎ እንሆ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ኣብ ቦታ መሪሒነት ተቐሚጥካ ትርከብ። ኣምላኽ ሓላፍነትን ስልጣንን ክህብ ከሎ ግና ብኡ መጠን ከኣ ተሓታትነትን ሓላፍነትን ምስኡ ኣቐሚጡ ከም ዘሎ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ጽባሕ ንጉሆ ኸኣ ንስኻን ከማኻ ዝኣመሰሉ ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ መራሕቲ ብዛዕባ ዘለኩም መዝነትን ስልጣንን ብኸመይ ተጠቂምኩሙሉን ንህዝቢ ኣገልጊልኩሙሉን ብጹኑዕ ክትሕተቱ ኢኹም። ምናልባት እቶም ብኣኹም እንምራሕ ህዝቢ ሰኣኒ ዓቕምና ብዛዕባ መሪሒነትኩም ዝምልከት ኣብ ፍርዲ ከይነቕርበኩም ንኽእል ኢና  እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ግና ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብዘየወላውል መንገዲ ከም ዝሓተኩም ንዓኹም ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂን ንኻልኦትን የተሓሳስብ።

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ኣብዚ እዋን እዚ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ከመይ ዓቢ ውድቀት ተሸሚማ ከምዘላ ትርእዮ ኣሎኻ። እዚ ዘሎ ኩነታት ፖሎቲካዊ ዝዀነ ትንተና እኳ ከተቕርበሉ ተኸኣልካ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ግና ክንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና። ንገዛእ ርእስና ምጥባር እንተ ዘይኰይኑ እቲ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ንማንም ኣካል ዘይስወር ሓቂ እዩ። ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ እቲ ጠንቂ ኣቲናሉ ዘሎና ኢኮኖሚያዊ ፖሎቲካውን ካልእን ቅልውላው ሳዕቤኑ እንታይ ምኻኑ ምሕታት ኣገዳሲ እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ናይ 17 ዓምታት ናጽነትና ከም ሃገር ንሓንቲ ለይቲ እኳ ትኹን እፎይ ኢልና ዝሓደርናላ መዓልቲ የላን። ዓጸቦ ውግእ ቅልውላው ስደት ጥሜት ፖሎቲካዊ ዘይምርግጋኣ ታሪኽ እዘን ዝሓለፋ ናይ ናጽነት ዓመታትና እየን። ብሓደ ወገን ህዝብና ዘይተዓደለ ህዝቢ ድዩ ክትብል ይቕስበካ።

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ምንጪ እዚ ኩሉ ክፍኣት ሃገርና ኤርትራ እምብኣር እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሒነት መንፈሳውን ሞራላውን ውደቀት ስለ ዘጋጠሞ እዩ። ከመይ ተበለና መጽሓፍ ቁዱስ ዝፋን ብጽድቂ ከም ዝጸንዕ እዩ ዝምህረና። ኣብ መሪሒነትካ ኸኣ እዚ ጽድቂ ኣምላኽ እዚ ስለ ዝጎደለ እዩ እዚ ኩሉ ዘይምስኻዕን ዘይርጉእነትን ዝረኣ ዘሎ። ዝፋን መንበር ስልጣንካ ፍርሓት ኣምላኽ ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ውድቀትን ዓወትን መራሕት ብዝግባእ እዩ ዝዛረብ። እቶም ንኣምላኽ ፈሪሖም ንህዝቦም ዝመርሑን ዝጓስዩን ዝነበሩ መራሕቲ ከም እኒ ንጉስ ዳዊት ንህዝቦም ብመንፈሳዊ ኢኮኖሚያዊ ፖሎቲካዊ ዓወት መሪሖም ክሓልፉ ከለዉ እቶም ኣንጻር ኣምላኽን ናይ እምነት ሰባት ዝተላዕሉ ከም እኒ ንጉስ ሳኦል ንሃገር ዕንወትን ውደቀትን ምኻኖም ቃል ኣምላኽ ይምስክረልና። ሩሑቕ ከይከድና እቶም ብስም ኮሚንስታዊ ምንቅስቓስ ዝፍለጡ መራሕቲ ንሃገሮም ኣብ ከመይ ዓይነት ውድቀት ከም ዝሸመምዋ ንስኻ ንባዕልኻ ታሪኽ ኣጸቢቕካ ስለ ትፈልጥ ክትንትነልካ ኣይደልን እየ። እዚ ታሪኺ እዚ ግና ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንርእዮ ስለ ዘሎና ግና ይሓዝን።

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ኣብዚ እዋን እዚ ኣምላኽ ናብኡ ክትምለስ ይደልየካ ኣሎ። ከምዚ እንተ ዘይጌርካ ኸኣ እቲ ውድቀት መሪሕንትካ ካብ ዘለዎ ክገድድ እምበር ክስተኻኸል ኣይክእልን እዩ። ሰብ ምስ ሰብ እንተ ተባኢሱ ኣምላኽ እዩ ዝዓርቆ ሰብ ምስ እግዚኣብሄር እንተ ተባኢሱ ግና ከቢድ እዩ። ጽባሕ ንግሆ ኣምላኽ ብመጠን ዝሃበካ ሓልፍነት ዝያዳ ከም ዝሓተካ ክትርዳእ ይላበዎካ።

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብመሪሒንትካ ዝፍጸም ዘሎ ግፍዒ ንኽትሰምዖ ዘስካሕክሕ እዩ። ከምቲ ቃየል ንሓዉ ኣቤል ምስ ቀተሎ ደም ሓዉ ናብ ሰማይ ዝጠርዐ ኣብዚ እዋን እዚ ኸኣ እቲ ኣብ ሃገርና ዝግበር ዘሎ ዓመጽን ግፍዕን ሓደ ብሓደ ናብ ሰማይ ይጣራዕ ከም ዘሎ ኣነ ከርጋግጸልካ ይፈቱ። ኣብ ስልጣን ዝፋን ዝዀነ መራሒ ዘይፍታሓውነትን ዓመጻን እንተሎ ካብ ኣምላኽ  ዝመጾ ፍርዲ ኣዚዩ ዘስካሕክሕ እዩ። ሓደ መራሒ ኩሉ ግዜ ኣብ ስልጣን ክቕመጥ እኳ እንተ ደለየን እንተ ባሃገን ግና ኣብ ኮረሻ ስልጣን ዝቕመጥ ክሳብ እቲ ኣምላኽ ዝዓንጸጸሉ መዓልቲ ጥራይ እዩ። ኣምላኽ ኣብ ዝደለዮ ሰዓት ክኣልዮን ከልግሶን ስልጣን ኣለዎ ነዚ ሓቂ ሰኣን ምፍላጥ ክኣ እዩ መብዛሕትኹም መራሓቲ ኣፍርቃ ከም ቃሕታኹም ንዝልኣለም ከኣ ነበርቲ ኰይንኩም ኣብ ልዕዒ ህዝቢ ዓመጽን ግፍዕን ትፍጽሙ ዘለኹም። ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ኣምላኽ እውን ንዓኻ ክሳብ እቲ ንሱ ዝደለዮ ሰዓት ኣብ ስልጣን ኣንቢርካ ኣሎ ነዚ ፈሊጥካ ፍትሒ ምግባር ክትምሃር ምስኡ ተዓረቕ እብለካ ኣለኹ። እዚ ጥራይ እዩ እቲ እንኮ ካብ ወዲቕካሉ ዘሎኻ ፖሎቲካዊ ኢኮኖሚያዊ ሞራላዊ ሽመትን ዓዘቕትን ከውጻካ ዝኽእል።

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ ኣርዑት ኣይተበርትዕ። ደቂ እስራኤል ኣገዛዝኣ ፈርኦን እምብዛ ስለ ዝመረሮም ነፍሶም ከኣ ኣዚያ ተጨነቐት እሞ ናብ ኣምላኽ ሰማይ እህህ በሉ ኣምላኽ ከኣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እስራኤል ዝወርድ ዝነበረ ግፍዕን ዓመጻን ጨካን ኣገዛዝኣ ፈርኦን ርእዩ ነቲ ህዝቢ ደንገጸሉ ካብ መግዛእቲ ፈርኦን ሓራ ጌርዎ ንፈርኦን ግና ፍርዲ ኣምላኽ በሊዕዎ። ሎሚ እውን ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ብሰንኪ ሕስሙ ዝዀነ ኣገዛዝኣኻ ኣቦታት ኣዴታት መንእሰያት ህጻናት ኰታ ኣብ ወጻእን ኣብ ውሽጥን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ እህህ እብል ኣሎ። ኣምላኽ ከኣ ፍትሒ ንጭኑቓት ቅንዕና ኸኣ ንድኻታት ከም ዝገብር ቃል ይነግረና እዩ። እህህታ እዚ ዉጹዕ ህዝቢ ሰሚዑ ፍትሒ ዘውጻሉ ሰዓት ከኣ ሩሑቕ ኣይኮነን ስለዚ ነዚ ፈሊጥካ ሕጂ ብንስሓ ንኣምላኽ ክትምለስ ይምሕጸነካ። ንስኻ ምስ ኣምላኽ ተባኢስካ እትረኽቦ ፍረ ክሳራ እምበር መኽሰብ ከም ዘይኮነ ደጊመ ደጋጊመ የረጋግጸልካ።

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ኣብ ክንዲ ዓባሳት ፍትሒ ኣብ ክንዲ እቶም ጸግዒ ዘይብሎም ጸግዒ ክትከውን ሓላፍነት ኣሎካ። እዚ ግና ዝግብር ዘሎ ኣይመስለንን ስለዚ ደጊመ ደጋጊመ ብምሕረት ኣምላኽ ይሓተካ ናብ ኣምላኽ ከኣ ብንስሓን ብስቡር ልብን ክትምለስ ከኣ ይምሕጸነካ።

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ  ሓደ ነገር ክብለካ ኣፍቅደለይ ትዕቢት ናብ ውድቀት ጥራይ እዩ ዝመርሕ። ኣምላኽ ንትዕቢት እምብዛ እዩ ዝፍንፍኖ ኣዚዩ ኸኣ ይጽየፎ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኸኣ ብብርቱዕ መቕጻዕቲ እዩ ዝቐጽሖ። ስለዚ ታሪኽ እቶም ናይ ትማሊ ብዘስካሕክሕ መንገዲ ካብ ስልጣን ዝተኣልዩ ንትምህርትኻ ይኹን ኣባኻ ከይድገም ናብ ፈጣሪ ተማዕጸን። ጽባሕ ንግሆ ዛንታኻ ታሪኽ ውድቀት ከይከውን ኣባኻን ኣብ ዘርእኻን ኣብ ወለዶኻን መርገምን ስቓይን ከይተምጽእ ተጠንቀቕ። ሎሚ ንጽባሕ ዘሕልፎ ታሪኽ ኣሎ እሞ እኒ ኣነን ካልኦትን ብዛዕባኻ እንጽሕፎ ሕማቕ ታሪኽ ከይበዝሕ ሎሚ ንገዛእ ርእስኻ ክትምርምር ይምዕጸነካ።

ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ህዝቢ ኤርትራ ፈጺሙ ኣይጠዓሞን። መንእሰይ መጻኢ ዘይብሉ ህይወት ይመርሕ ኣሎ። ከም ሑጻ ባሕሪ ዝምብዝሑ ኸኣ ናብ ፈቐዶ እግሩ ናብ ዝመርሖ ይስደድ ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ኸኣ ከም በጊዒ ንማሕረዲ ናብ ፈቐዶ ድጓናታት ይውሰድ ኣሎ። እቲ ቐደም ብዘመን ገዛእቲ ናይ ጭካኔ ቦታት ዝንበረ ሎሚ ካብኡ ብኣማኢት ኣሽሓትት ዕጽፍታት ዝገደደ ናይ ስቓይን ኣውያትን ቦታ ኮይኑ ኣሎ። ሰብ ፍትሒ ተደፊንዎ ብተስፋ ቑርጸት መሊኡ ኣሎ። ኣቦታትን ኣዴታትን ጠዋሪ ዘይብሎም ኰይኖም ተሪፉም ኣሎው። ህዝብና ኩሉ ግዜ ኣብ ፍርሒ ይነብር ሞት ከኣ ይጓስዮ ኣሎ። ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ንስኻ ከም ተራ ሰብ ነዚ ጉዳይ እዚ እስከ ኣብ ልብኻ የእትዎ። ስለምንታይ ስለምንታይ ስለምንታይ እዚ ኹሉ ወጽዓ ንህዝብኻ? ኣምላኽ ኣብ ኩቡር ቦታ ዘቐመጠካ ነዚ ድዩ? ኣምላኽ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ዝገበረካ እዚ ንኽትገብር ድዩ? ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ስለምንታይ ስለምንታይ ስለምንታይ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ ሕተታ።

ኩቡር ፕሬዝደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሰያስ ኣፎወርቂ ኣብ መወዳእታ ክብለካ ዝደሊ ግዜ ምሕርትን ጸጋን ከሎ ካብ ኩሉ ንኣምላኽ ዘየሕጉስ መንገድኻን ኣካይዳኻን ተመልሰ። ኣምላኽ ምሕረት ክገብረልካ ሕተት። እንተ ዘይኰይኑ እቲ ፍትሕን ርትዕን ዝፈቱ ኣምላኽ ንሓቂ ክገልጽ ንመሳኪን ከኣ ፍትሒ ከውጽእ ክመጽእ እዩ። በዚ ትኸዶ ዘሎኻ ኣካይዳ እንተ ቐጺልካ ግና ፍርዲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌኻ ከባድ ምኻና ከረጋግጸልካ ይፈቱ። ኣምላኽ ይባርኽካ