25
Thu, Apr
0 New Articles

ሓቀኛ ሓጐስ ውጽኢት ሓቀኛ ሓርነት እዩ ።

Message 1
Typography
ዝንበብ ጥቅሲ(ታት) : ሉቃ 15:11-32

እግዚኣብሄር ኩሉ ሰብ ብሓርነት ክነብር ይደሊ ። ኣብ ቃሉ ድማ ከመይ ኢልና ሓራ ክንከውን ከምዝግብኣና ኣንጺሩ ይገልጸልና ። እንተዀነ ግን እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ካብ ዘይምርዳእ ብዙሓት ሰባት ሓራ ኢና እናበሉ : ኣብ ባርነት ይነብሩ ። እምብኣር ነዚ ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ትምህርቲ ኣብ ሉቃስ 15 ንረክብ ። እዚ ድማ ፈሪሳውያን ንጐይታ የሱስ ንሓጥኣንን ተገውትን ይቕበል ምሳታቶም ይበልዕ ኢሎም ምስ ነቐፍዎን ምስ ኣጉረምረሙን ብምስላ ዝተዋህበ ትምህርቲ እዩ  (ሉቃ15 :1-2) ።

እዛ ምዕራፍ ሰለስተ ምሳሌታት ዝሓዘት ኰይና : ንሕና ግን ንግዚኡ ኣብቲ ሳልሰይቲ ክነድህብ ኢና ። ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ከምዝነብረዎን እቲ ንእሽቶ ነቡኡ ካብቲ ጥሪቱ እቲ ዝግበኦ ክመቕሎ ከምዝሕተቶን ኣቡኡውን ደላዩ ከምዝገበረሉን ነንብብ (ሉቃ 15 :11-32) እምብኣር እቲ ታሪኽ ኣብዚ እዩ ዝጅምር ።

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንድቁ ዝሓሊ ዝጥንቀቕን ኣምላኽ እዩ ። ሰለዝዀነ ድማ ካብኡ ዝወሃበና ኩሉ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ከምዘሎና ንጹር ዝዀነ መምርሒ ይህበና ። እዞም ክልተ ደቂ ኣብኦም ጥሪት ማለት ሃብቲ ከምኡውን ግዙኣት ዝነበሮ ሃብታም ሰብኣይ እዩ ነይሩ ። ሰለዚ ደቁ ባሮት ዘይኰኑስ ምሉእ ሓርነት ነይርዎም ። ይኹን እምበር ሓርነቶም ብግቡእ ክጥቀምሉ ኣይክኣሉን ። እቲ ንእሽቶ ሓራ ምዃን ማለት ከም ድላይየይ ኣብ ህይወተይ ዝደለኽዎ ክገብር ይኽእል’የ ኣብ ህይወተይ ዝእውደኒ ዋላ ሓደ የለን ዝብል ኣተሓሳስባ ከምዝዀነ ገይሩ ክርድኦ ከሎ(ሉቃ 15 :13)  ብኣንጻሩ እቲ ዓቢ ድማ ነቦኡ ዋላ ሓደ ክሓቶ መሰል ከምዘይብሉ ገይሩ ንርእሱ ቈጺሩ : ዉሉድ ክንሱ ካብ ዘይምፍላጥ ባዕሉ ባርያ ዝዀነ እዩ (ሉቃ 15 :29) ።

እቲ ንእሽቶ ምሳሌ ናይቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ነይሮም ንዓለም ዝምለሱን ገና ንክርስቶስ ዘይፈልጡን ድሓር : ድሕሪ ብዙሕ ውርደትን መከራን ናብ ጐይታ ብንስሓ ዝምለሱ ምሳሌ ክኸውን ከሎ : እቲ ዓቢ ድማ  ናይቶም ኣብ ቤት ኣምላኽ ኰይኖም ንእግዚኣብሄር ብጻዕሮም ክሐጉስዎ ዝደልዩ : ናይ ፈሪሳውነት ህይወት ባህ ዝብሎም : ነቲ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ ዝገበሮ ናይ መስቀል ስራሕ ብዙሕ ዋጋ ዘይህቡን መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም ግናኸ ነቲ ንክርስቶስ የሱስ ኣብ ህይወቶም ክገለጽ ዝኽእል ጸጋ ኣምላኽን ሓይሉን ዝኸሕድዎን ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ርእሶም ክብሪ ኣብሊጾም ዝፈትዉን : ኣብነታዊ ህይወት ዘይብሎም : ዝብሉ ግን ዘይግብሩ : ሰባት ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ከይኣትዉ በቲ ግብዝነቶም ዕንቅፋት ዝዀኑ ፈሪሳውያን…ወዘተ ምሳሌ እዩ ።

እቲ ንእሽቶ እቲ ብዛዕባ ሓርነት ዝነበሮ ርድኢት ናብ ኣዕናዊ ውጽኢት መሪሕዎ : ንሱ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኩሉ መሊኡ እንሃለወ ከሎ : ሰብ ዝበልዖ መግቢ ክረክብ ይትረፍሲ : ናይ ሓሰማ መግቢ ክረክብ ኣይክኣለን ። እቲ ንሱ ሓርነት ኢሉ ዝሓሰቦ ባርነት ከምዝነበረ ድሓር ተጋሂድሉ ። ኣብ ቤት ኣቡኡ ኩሎም ግዙኣት እንጌራ እናተረፎም ክንሱ : ንሱ ግና ኣብ ከብዱ እኳ ክዕንግሎ ዘይክእል ሓለቓ ተቈጺሩ ብጥሜት ይሳቀ ነበረ : እዚ ኩሉ ውጽኢት ናይቲ ብዛዕባ ሓርነት ዝነበሮ ግጉይ ርድኢት እዩ ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ንብዙሓት ሰባት ሰይጣን ልክዕ ከምዚ ናይዚ ጥፉእ ወዲ ህይወት ክንብሩ ብምግባር እቲ ሓቀኛ ሓርነት ተገሊጽሎም ሓቀኛ ህይወት ከይረኽቡ ኣዒንቶም ሸፊኑ ይርከብ ። ምኽንያቱ ድያብሎስ ክሰርቕ ክሓርድ ክጥፍእ ጥራይ ኢዩ ዝመጽእ ።

እቲ ዓቢ ዝነበሮ ርድኢት ድማ : ምስ ኣቡኡ ጥብቅ ዝበለ ዝምድና ከይህልዎ ከልኪልዎ ። ነዚ መረጋገጺ ዝዀነና ባዕሉ እቲ ዓቢ ወዲ ዝተዛረቦ ምርኣይ እኹል ኢዩ ። ‘ንሱ ግና ነቦኡ :እንሆ : ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ :ካብ ትእዛዛትካውን ከቶ ኣይሓለፍኩን ። ንኣይሲ ምስ ኣዕሩኽተይ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ ኣይሃብካንን ።’ (ሉቃ 15 :29) ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ኣብ ጥቅሲ11-12 እቲ ንእሽቶ ምቅሊቱ ክሓትት ከሎ : ኣቡኡ ንክልቲኦም ነቲ ገንዘቡ ከምዝመቀሎም’ዩ ቃል ኣምላኽ ዝነግረና : እንተዀነ እቲ ዓቢ ነቡኡ ብፍቕሪ ዘይዀነስ ብግዲ ይግዘኦ ሰለዝነበረ : እቲ ኣቡኡ ምስቲ ንእሽቶ ሓዉ ዝመቀሎ ምቅሊት ክጥቀመሉ ኣይክኣለን : ምኽንያቱ ምስ ኣቡኡ :ናይ ኣቦን-ውሉድን ዝምድና ዘይኰነስ ናይ ጐይታን-ባርያን ዓይነት ዝምድና’ዩ ነይርዎ ። ስለዚ እቲ ዉሉድ ምስ ኣቡኡ ሓቀኛ ዝምድና ሰለዘይነበሮ እቲ ናይ ኣቡኡ ናቱ ምዃኑ ኣይፈለጠን ነይሩ(ሉቃ 15 :31) ። እቲ ኣቦ ግን ክልተ ርብዒ ናይ ጥሪቱ ነቲ ቦኽሪ ማለት ነቲ ዓቢ ወዱ ከምዝኸውን ይፈልጥ ነይሩ  
(ዘዳ 21 :17) ።

ጐይታ የሱስ ነዚ ምስላ ክምህር ከሎ ንኹልና ክብለና ዝደሊ መልእኽቲ ኣለዎ ። ንሱ ድማ ዝዀነ ይኹን ነገር ሚዛናዊ ጌርና ክንሕዞ ከምዝሎና’ዩ ። እግዚኣብሄር ናይ ሓርነት ኣምላኽ እዩ : ሰለዝዀነ ፈጢሩና ክንሱን ድሓርውን ብደም የሱስ ክርስቶስ ዓዲግና ከሎስ ፈቲና ክንግዘኦ ይደሊ። ሓቀኛ ሓርነት : ህይወትና ንጐይታ የሱስ ክትግዛእ ከላ  ጥራይ እያ ተስተማቅሮ ። ሓቀኛ ሓርነት ኣብ ዘለዎ ድማ ሓቀኛ ሓጐስ ኣሎ ።

ኣብዚ ምስላ :እቲ ኣቦ :ምሳሌ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽ እዩ ። ጐይታ የሱስ ንሓጥኣን ክደሊ ከም ምምጻኡ መጠን ንእኡ ዝገድሶ ሰባት ብንስሓ ናብኡ ክምለሱ እምበር ስለምንታይ ሓጢኦም ኣይኰነን ። ንሕናውን ከምቲ ገንዘቡ ብቕለትን ዕብዳንን ዝተዘርዎ ኣቦ ወዱ ምስተመልስ ዝተሓጐሶ ሓጐስ ክንሕጐስ ክንክእል ምእንቲ ነታ ሓቂ ብግቡእ ምፍላጥ የድሊ ። ብዙሕ ግዜ ሰባት ካብቲ ግጉይ መገዶም ብንስሓ ተመሊሶም እግዚኣብሄር ብምሕረት ተቐቢልዎም ክንሶም : ኣብ ክንዲ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝርኦም ጌርና ብምርኣይ ሓጐስ ንምላእ : ብኣንጻሩ ተመኺሩ ግናኸ ኣብዩና…ወዘተ ዝብል ሓረጋት ብምጥቃም እቲ ካባና ክረኽብዎ ዝጽበዩ ኣምላኻዊ ፍቕሪ ብምንፋግ ብክርስቶስ ውጹኣት  ሓራ እኳ ክንሶም ናይ ዝሓለፈ ሓጢኣቶም ወይ ጌጋታቶም ባሮት ኰይኖም ክንብሩ ንግድዶም ። ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ምሕረት ተቐቢሎም ክንሶም ካብቶም ናይ እግዚኣብሄር ወኪል ኴንና ኣብዚ ምድሪ’ዚ መትረብ ፍቕርን ምሕረትን ለውሃትን ካልእ በረኸት እግዚኣብሄርን ክንከውን ዝተጸዋዕና ሰዓብቲ ክርስቶስ ግን ይቕሬታ ይንፈጎም ።

ብክርስቶስ ሓውኻ ዋላ ዘጸይፍን እቲ ዝኸፍአን ሓጢኣት ገይሩ ብንስሓ እንተተሓደስ ባህ ክብለካን ክትሕጐስን እዩ ዘለካ : ምኽንያቱ እቲ ዘገድስ ምውዳቁ ዘይኰነ ምትንሳኡን ኣብ እምነት ደው ምባሉን’ዩ  ። በዚ ድማ እቲ ዘይ ቅድመ-ኩነታዊ ኣምላኻዊ ፍቕሪ ብኣኻ ኣቢሉ ናብቲ ሰብ ክውሕዝ ይኽእል ። እንተዘይኰይኑ ግን ልክዕ ከምቲ ዓቢ ወዲ ኣብ ቅድሚ ኣቡኡ ከመይ ገይሩ ከምዘገልገሎ ርእሱ ብምጽዳቕን ንሓዉ ኣብ ምንቃፍን ዘተጓየየ : ከምኡ ድማ ንስኻውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጽድቅኻ ብምዝራዛርን ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉን ምሕረት ዝገበረሉን ኣማኒ ሓውኻ ብምንቃፍን ብናይ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም ዝጠራጠር ብምግባርን ካብ ጸጋ ኣምላኽ ከይትወድቅ ተንጠቀቕ ። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ብክርስቶስ ኣሕዋቱ ብሓቂ ከምዝመላለሱ ካብ ምስማዕ ዝዓቢ ሓጐስ የብሉን ። (3ዮሃ 4)። እምብኣር እቲ ሓቀኛ ሓጐስ በታ ምስፈለጥካያ ሓራ እተውጽእ ክርስቶሳዊት ሓቂ ዝመጽእ ። ካብዚ ብምብጋስ ሓደ ሰብ እታ ምሉእ ሓርነት እትህብ ሓቂ ክሳብ ዘይሓዘ: ሓቀኛ ሓጐስ ክህልዎ ዘይሕሰብ እዩ ። ብኻልእ ኣብሃህላ ሓቀኛ ሓጐስ ውጽኢት ሓቀኛ ሓርነት እዩ ።