25
Thu, Apr
0 New Articles

ደብዳቤ ካብ ኣምላኽ !

Message 1
Typography
ብመጀመርያ ሰማይን ምድርን ፈጢረ፣ ኣብቲ ጉቡእ እዋንን ቦታን ከኣ ንዓኻ ወይ ንዓኺ ፈጢረኩም፣ ኣነ ነቲ ውሽጥኻ ፈጢረዮ፣ ኣነ ንኹልንትናኻ ሰሪሔዮ፣ ኣብ ማህጸን ወላዲትካ ኸኣ ደኪነካ፣ ንስኻ ብጥንቃቐን ብጥበብን ዝተፈጠረካ ኣዚኻ ኩቡር ፍጥረት ኢኻ፣ ስርሓይ ኩሉ ጉሩም እዩ፣ ንስኻ ኸኣ ተግባር ኣእዳወይ ስለ ዝኾንካ ኣዚኻ ድንቂ ኢኻ፣ የዒንተይ ገና ኣብ ማህጸን ከይተደኮንካ ኸለኻ እየን ሪኤናኻ፣ ንስኻ ኮይኮንካ ከለኻ ኸኣ ኣብኻ እንታይ ከም ዝኸውን ድሮ ኣብ መዝገበይ ጽሑፍ እዩ ኔሩ፣

 ሓሳባተይ ኣብ ልዕሌኻስ ክንደይ ጉሩምን ዘይቁጸርን ኮን እዩ? ክትቆጽሮም እንተፈቲንካ ካብ ሑጻ ባሕሪ ዝምስፍሖም ኣዚዮም ቡዙሓት እዮም፣
 
ኩቡር ውሉደይ ስማዓኒ እሞ! ኣነ ንዓኻ ፈተኩኻ ገና ከይተወልድካ ከሎኻ እየ ኣነ ንዓኻ ዝሓልየልካን ዝግደስልካን፣ ኣነ ክሳብ ጊዜ ሞትካን ክሳብ ሽበትካን ብፍጹም ምስኻ እየ እምበር ኣይሓድገካን እየ፣ ኣነ ስለ ዝፈጠርኩኻ ናይ ግድን ክሓልየልካ እየ፣ ኣነ ክሕንግረካን ክሽከመካን ከድሕነካን እየ፣ ኣብ ኣእዳወይ ክጸረካ እየ፣ ኣብ ውሽጢ ልበይ ከኣ ሓቂፈ ክሕዘካ እየ፣ ኣነ ኣብኻ ዘሎኒ መደብ ግሩም መወዳእታን መፈጸምታን ዘለዎ ሓሳብ ደሓን እምበር ናይ ኩፉኡ ኣይኮነን፣

ኩቡር ወደይ ሓንሳብ ሓንሳብ ኣብ ህይወትካ ፈተናን ስቓይን ይገጥሙኻ እዮም፣ እንተ ኾነ እዚ ሕጂ ዘሎካ ጊዚያዊ ስቓይ ምስቲ ኣብ ዝመጽኣ ኣባኻ ክግለጽ ዘለዎ ኽብሪ ብፍጹም ኣይመዓራረይን እዩ፣ እዚ ፍለጥ ኣነ ምስኻ ኣለኹ ክረድኣካ ድማ እየ፣ ሓገዝካ ካባይ ጥራይ እዩ ዝመጽእ፣ ኣነ እቲ ንዓኻን ንሰማይን ምድርን ዝፈጠርኩ ኣምላኽካ እየ፣ ኣነ ኣይሓድገካን ኣይክጥንጥነካን ከኣ እየ፣

ኣብቲ ወለድኻ እኳ ከይተርፉ ዝጥንጥኑኻ ጊዜ ኣነ ቐረባኻ ኮይነ ክእርንበካ እየ፣ ካብቲ ኣባይ ዘለኻ ፍቕሪ ክፈልየካ ዝኽእል ማንም ይኹን ምንም ብፉጹም የልቦን፣ ኣብቲ በይንኻ ኮይኑ ዝስማዓካን ኣብ ጊዜ ጭንቀትካን ጊዜ ፍቕረይ ምሳኻ እዩ፣ ኣብቲ ስለ ስመይ ትስደደሉ እዋን እውን ገና ፍቕረይ ብምልኣት ምሳኻ እዩ፣ ኣነ ኩሉ ጊዜ ምሳኻ እየ፣

ኣብቲ ትጠምየሉን ትጸምኣሉን ትዓርቀሉን እዋናት ከኣ ፍቕረይ ምሳካ እዩ፣ ኣብቲ ኣብ ሓደጋ ትወድቀሉን ሰባት ከኣ ክሳብ ሞት እካ ከይተረፈ ከፈራርሁኻ ከለዉ  ፍቕረይ ምስኻ እዩ፣ ንዘልኣለኣለም ኣነ ምሳኻ እየ፣

ኩቡር ውሉደይ እዚ ክትፈልጥ ይደልየካ ኣለኹ ካብ ፍቕረይ ማንም ይኹን ምንም ዝፈልየካ የልቦን፣ ብዘይገድስ ኣብ ከመይ ዝበል መዓሙቕ እንተ ኣተዃ ብዘየገድስ ኣብ ከመይ ዝበለ ዓቐብ እንተ ደየብካ ዋላ ሞት እኳ እንተ ኾነ ካብቲ ኣባይ ዘለካ ዓሚቕ ፍቕሪ ዝፈልየካ ብፉጹም የልቦን፣ ኣጋንንቲ ይኹኑ ካልኣ ሓይልታትን ካብ ፍቕረይ ብምንም ተኣምር ክፈልዩኻ ኣይክእሉን እዮም፣ ኣባኻ ዘሎኒ ፍቕሪ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢለ ገሊጸዮ እየ፣ ኣብ ኩሉ እዋንን ኩነታትን ክትዕወትን ክትስዕርን ኢኻ ከመይሲ ዓውት የሱስ ክርስቶስ ናትካ ስለ ዝኾነ፣

ግና ኩቡር ውሉደይ እቲ ዝፈጠኩኻን ዝደኩንክኻን ኣምላኽ ከምዚ ኢለ ይዛረበካ ኣለኹ ኣይትፍራህን ኣይትሸበርን ኣን ብዋጋ ዓዲገካ እየ፣ ኣን ንዓኻ ብስምካ ዝፈልጠካን ዝጸዋዕኩኻን ናተይ ኢካ፣ ብዓቢ ሽግርን ዋሓይዝን ምስ እትሓልፍ ኣነ ምሳኻ እየ፣ ብናይ መከራ ወሓይዚ ምስ እትኸይድ ድማ ኣነ ምሳኻ ስለ ዘለኹ ኣይከጥሕሉኻን እዮም፣ ብሓዊ ምስ እትሓልፍ ከኣ ሃልሃልታ ኣይክህምኾካን እዩ፣ ኣነ ትባዕ ጽናዕ ኢለ ዶ ኣይኣዘዝኩካን እየ? ኣይትፍራህንን ኣይትሸበርን ኣነ ኣምላኽካ ኣነ ኣብትኸዶ ኹሉ ቦታ ምሳኻን ቐረባካን እየ፣

ኩቡር ውሉደይ ንስኻ ንዓይ መታን ክትደልየኒ ኢለ ኣብ ህይወትካ ኩነታትን ነገራትን ክጽንክሩ ዝገብረሉ እዋን ኣሎ እዩ፣ ኣነ ንስኻ ክትፈልጠኒ እየ ዝደሊ፣ ኣነ በዓል ምሉእ ሳህልን ምሕረትን ንኹራ ደንጋዪ ብፍቕሪን ተኣማንነትን  ምሉኡ ዝኾንኩ ኣምላኽካ እየ፣ ጥበብኛ ብጥበቡ ኣይመኻሕ ሓያል ብሓይሉ ኣይመኻሕ ሃብታም ብሃብቱ ኣይመኻሕ፣ ኣንታ ኹቡር ውልደይ ኣነ እግዚኣብሄር ኣብ ምድሪ ፍርድን ጽድቅን ምሕረትን ከም ዝገብር ፈሊጥካ በዚ ደኣ ኩራዕን ተሓበንን፣

ኩሉ ነገር ንባህታይን ንሓጎሰይን ኢለ እየ ፈጢረዮ፣ ነዚ ዘሕጉሰኒ ነገር ከኣ ብምሕረተይ ኣቢለ ይገልጾ ኣለኹ፣ ኣነ ነቲ ድኻን ነዳይን ይርሕርሃሎምን ይድንግጸሎምን፣ ነቲ ኣቦ ዘይብሉ ኸኣ ኣነ ኣቦ ይኾኖ፣ ኣነ ይሕግዞን ይጣበቐሉን፣

ኣነ ገዛኢ ሰማይን ምድርን ዝኾንኩ ኣምላኽ ነቲ ነዳይን ዱሩቡይን ካብ ሓመድ ኣልዒለ ኣብ ዝፋን ክብሪ ምስ ነገስታት የቐምጦ፣ ኩቡር ወደይ ኣነ ድማ ነዚ ነገር እዚ ክትገብር ይደልየካ ኣለኹ፣ ንሱ ድማ ንድኻን ንነዳይን ክትድንግጸሎምን ኣብ ዘድልዮም ጊዜ ኸኣ ክትረድኦምን ክትድግፎምን እዚ ኸኣ እዩ ንዓይ ምፍላጥ ማለት፣ ኣነ ፍቕሪ እየ፣ ኣብ ፍቕሪ እንተ ኔርካ ኣባይ ኣለኻ ማለት እዩ፣ ኣነ ሩሑሩሕ ክትከውንን ከተፍቅርን ምሕረት ክትገብርን ኣብ ቅድመይ ከኣ ብትሕትና ክትመላለስ እየ ዝደልየካ፣

ክምቲ ኣቦ ኣብ ልዕሊ ዉሉዱ ዝድንግጽን ዝርሕርሕን ኣነ ኣምላኽካ ኸኣ ኣብ ልዕሌኻ ድንጋጸን ለውሃትን ኣሎኒ ከምይሲ ንስኻ ንዓይ ስለ ትፈርሓኒ፣ ኣነ ሓመድ ምዃንካ ይፈልጥ እየ፣ ንዓይ ትፈርሃኒ ስለ ዘሎኻ ፍቕረይ ካብ ዘልኣለም ንዘልኣለም ምሳኻ ክኸውን እዩ፣ ጽድቀይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ደቅቓን ደቅኻን ኣብ ልዕሊ እቶም ዝእዘዙኑን ንሕገይ ከኣ ዝሕልዉ ንዘልኣለም ክነብር እዩ፣

ሕገይ ኣፍቅር ዝብል እዩ፣ ንኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻ ብሙሉእ ሓይልኻን ብምሉእ ነፍስኻ ብኹሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ እዚኣ እታ ቐዳመይትን ዓባይ ትእዛዝን እያ እታ ኻለኣይቲ ንዓኣ እትመስላ ኸኣ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅሮ ትብል ኣያ፣ ኣብዘን ክልተ ሕጋጋት እየን ኩሉ ትእዛዘይ ተጠርኒፈን ዘለዋ፣ ብፍቕሪ እንተ ተመላሊስካ ኸኣ ብሕገይ ትኸይድን ትእዘዞን ኣለኻ ማለት እዩ፣ ብፍቕሪ እንተ ተመላሊስካ ብመንፈስ ቅዱስ ትጓዓዝ ኣለኻ ማለት እዩ፣ ኣነ ፍቕሪ እየ፣

ኩቡር ውሉደይ ንዓ እሞ ኣብ ጽላለይ ኣጽልል፣ ኣብ ጸግዒ ልዕልናይ ተሓባኣ ኣባይ ከኣ ሰላምን ዕረፍትን ክትረክብ ኢኻ፣ ሹዑ ከምዚ ክትብል ኢኻ
“እግዚኣብሄር ጸግዔይ መኸወሊ እምባይ ዝሃድመሉ ጸግዔይ እዩ ክትብል ኢኻ” ኩቡር ዉሉደይ ኣነ ካብ ኩሉ ፈተናን መፈንጠራን ክሕልወካ እየ፣ ኣብ ኣኽናፈይ ከኣ ክኽውለካ እየ፣ እቶም እሙናት ተስፋታተይ ከኣ ኣጽዋርካን ሓለዋኻን ክኾኑ እዮም፣ ካብ ስንባድ ለይቲ ካብቲ ብመዓልቲ ዝውርወር ፍላጻ ካብቲ ብጸልማት ዝኸይድ ፌራ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ፣ ኣብ ጥቓካ ሽሕ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ፣ በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ ረሲእን ዚርእይዎ መስጣውን ክትሪኢ ኢካ፣ ኩቡር ዉሉደይ ንዓይ ንጎይታኻ ንስኻ መዕቆብየይ ኢኻ ስለ ዝበልካ ንዓይ ንሉዕል ኣምላኽካ ኸኣ መጸጊዒኻ ስለ ዝገበርካ እከይ ዘበል ኣይክረኽበካን ስቓይ እውን ኣብ ዱንካንካ ኣይኪቐርብን እዩ ኣብ ኩሉ መገድኻ ክሕልዉካ መልኣኽተይ ክእዝዘልካ እየ፣ ኣብ ልዕሊ ተመንን ኣንበሳን ክትከይድ ዕንቅርቢትን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ፣

ኩቡር ውሉደይ ባርያይን ዓርከይን ኣነ ኸኣ መረጽኩኻ ኣነ ሓርየካ እየ እሞ ኣይክጠለምካን እየ፣ ስለዚ ኣይትፍራህ ኣነ ምሳኻ እየ፣ ኣይትሸበር ኣነ ኣምላኽካ እየ፣ ኣነ ከበርታዓካን በታ የማነይቲ ጽድቂ ኢደይ ከኣ ክድግፈካን እየ፣ ኩሎም ኣንጻርካ ዝላዓሉ ክሓፍሩን ክንውሩን እዮም፣ እቶም ኣንጻርካ ዝላዓሉ ኸኣ ምንምናትን ዘይጠቕሙን ክኾኑ እዮም፣ ክትድልዮም ግና ኣይክትረኽቦምን ኢኻ፣ ኣነ ኣምላኽካ እየ ብኢደካ ሒዘ ኣጆካ ኣትፍራህን ኣይትሰንብድን ዝብለካ ዘለኹ፣ ኣነ እቲ ኹሉ ዝኽእል ተበጃዊኻ እየ፣ ብኣይ ብኣምላኽካ ክትሕጎስን በቲ ናይ እስራኤል ቁዱስ ከኣ ባህ ክብለካን ክትከብርን  ኢካ፣

ኩቡር ውሉደይ ሓጥያትካ ይቕረ ክብለልካ ምስ እቲሓተኒ ናብ ልብኻ ይመጽኣ እሞ ከጸናናዓካ ኸኣ መንፈሰይ ይሰደልካ፣ ንሱ ኸኣ የበራታዓካ ናተይ ዉሉደይ ምዃንካ ኸኣ የረጋግጸልካ፣ መንፈስ ኣምላኽ ናብ ሓቂ ዘበል ክመርሓካን ብዛዕባ እየሱስ ከኣ ክነግረካን ብዛዕባ የሱስ ክትምስክርን ከኣ ክድግፈካ እዩ፣ በቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ መንፈስ ቁዱስ ኣቢለ ኸኣ ይዛረበካ፣ ንሱ ኸኣ ኣየናይ ቁኑዕ ወይ ጌጋ ምኻኑ ከፍልጠካ እዩ፣ ነየናይ ክትጸልኦን ከተፍቅሮን ከም ዘሎኻ ክሕብረካ እዩ፣ ኣቲ ህድኡን ልኡምን መንፈሰይ እትኸደሉ መንገዲ ኩሉ ከርኣየካን ክሕብረካን እዩ፣ ብመንፈሰይ እንድሕር ተመላሊስካ ብፍቕሪ ኢካ እትነብር ሓጥያት ከኣ ኣይትገብርን ኢኻ፣ ኣብ ቅድሜኻ ከኣ ዓብን ዘገርምን ነገር ክኸውን ከሎ ክትሪኢ ኢኻ፣ እዚ ነገር ከኣ ብሓይልካ ወይ ብኽእለትካ ዘይኮነስ ብሓይለይ እዩ ዝኸውን  በቲ መለኮታዊ መንፈሰይ ከኣ ንበረኸትካን ዕቤትካን ዝኸውን ህያባት መንፈስ ቁዱስ ክህበካ እየ፣ መንፈሰይ ንዘልኣለም ኣለም ምሳኻ ክኸውን እዩ፣

ኣነ ኣምላኽካ ከምዚ ይብለካ ኣለኹ፣ ኣጥቢቕካ ስለ ዘፍቀርካኒ ከናግፈካ ንስመይ ስለ ዝፈለጥካዮ ከልዕለካ ክትጽዋዓኒ ኣነውን ክምልሰልካ ብጸበባኻ ምሳኻ ክኸውን ከናግፈካ ከኽብረካ ነዊሕ ዕድመ ኸጽግበካ ምድሓነይውን ከርእይካ እየ፣ እዚ ንዘልኣለም ኣለም ናትካ ዕጫ እዩ፣
ካብ እግዚኣብሄር ኣቦኻ