18
Thu, Apr
0 New Articles

ስሩሕ እምበር ዝስራሕ ጽድቂ የልቦን

Message 1
Typography

ክቡር ኣንባቢ ብመጀመርታ ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ ፍቀደለይ። ዑፍሲ ዑፍ ስለዝኾነት ድያ ትበርር፡ ወላስ ዑፍ ምእንቲ ክትኸዉን? ንዑፍ ኣብ ሰማያት ምእንቲ ክትበርር ኢሉ እትበረሉ መንገብገብ ዝሃባ እግዚኣብሔር ኢዩ። መንገብገብ ስለዝተዋሃባ ኢያ ኽኣ እትበርር እምበር፡ መንገብገብ ክዉሃባ ኢላ ኣይኮነትን እትበርር። እምብኣርሲ ዑፍ፡ ዑፍ ስለዝኾነት እያ ኣብ ሰማያት ትበርር እምበር ዑፍ ምእንቲ ክትኸውን ወይ ዑፍ ክትብሃል ኢላስ ኣይኮነትን ትበርር። 


14:47:58ክቡር ኣንባቢ ብመጀመርታ ሓንቲ ሕቶ ክሓተካ ፍቀደለይ። ዑፍሲ ዑፍ ስለዝኾነት ድያ ትበርር፡ ወላስ ዑፍ ምእንቲ ክትኸዉን? ንዑፍ ኣብ ሰማያት ምእንቲ ክትበርር ኢሉ እትበረሉ መንገብገብ ዝሃባ እግዚኣብሔር ኢዩ። መንገብገብ ስለዝተዋሃባ ኢያ ኽኣ እትበርር እምበር፡ መንገብገብ ክዉሃባ ኢላ ኣይኮነትን እትበርር። እምብኣርሲ ዑፍ፡ ዑፍ ስለዝኾነት እያ ኣብ ሰማያት ትበርር እምበር ዑፍ ምእንቲ ክትኸውን ወይ ዑፍ ክትብሃል ኢላስ ኣይኮነትን ትበርር።  

ብተመሳሳሊ መንገዲ፡ ሰብ ድማ ካብ ኣምላኽ ዝኾነ ጽድቂ እንተዘይተዋሃቦ፡ ብገዛእ ርእሱ ግብሪ ጽድቂ ክፍጽም ኣይክእልን እዩ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰብ በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተሰርሓ ጽድቂ እዩ ዝጸድቅ እምበር፡ ምእንቲ ኽጸድቅ ክፍጽሞ ወይ ገና ክሰርሖ ዘለዎ ጽድቂ የልቦን። እቲ ንኹሉ ወዲ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ከተዓርቆ ዝክኣሎ ጽድቂስ፡ እቲ እግዚኣብሔር ወልድ (የሱስ) ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ናይ ጽድቂ ስራሕ እዩ። ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ጽድቂ ወይ ድማ ሰናይ ግብርን እሩም ጠባይን ምስ ኣምላኽ ፈጺሙ ክትዓረቅ ኣይክኣሎን እዩ። ምናልባት፡ ሰብ ግን ስለምንታይ እዩ ብግብሩ ክጸድቅ ዘይክእል ዝብል ሕቶ ተላዒልካ ይህሉ ይኸዉን። ኩሉ ተገዲስካ እንተኣንቢብካዮ ሕቶኻ ክምለሰልካ እዩ። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ብሓቂ ፍጹም፡ ቅዱስን ጻድቅን እዩ። ሰብ ድማ ብርእሱ ምስ ኣምላኽ ክትዓረቅ እንተድኣ ኾይኑ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ልክዕ ከም ናይ እግዚኣብሔር ዓይነት ፍጽምና፡ ቅድስናን ጽድቅን ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። እንተኾነ ግን፡ ሰብ ብሰሪ እቲ ሓጢኣተኛ ዝኾነ ኣዳማዊ ባህርይኡ፡ ነቲ ትእዛዛት ኣምላኽ ሙሉእ ብሙሉእ ክፍጽሞ ኣይክኣሎን እዩ። ወላካ ብዘይተስፋ ምቁራጽ፡ ደጋጊሙ ነቲ ትእዛዛት ኣምላኽ ብምሕላው ዝጸድቅ እንተመሰሎ፡ ስጋኡ ብሓጢኣት ምኽንያት ድኹም ስለዝኾነ፡ ነቲ ትእዛዛት እግዚኣብሔር ፈጺሙ ኣይሕልዎን እዩ። ንኣብነት፡ ንስኻ ክቡር ኣንባቢ፡ ካብተን 10 ትእዛዛት ኣምላኽ ነተን 9 ሓሊኻየን፡ ሓንቲ እንተድኣ ኣፍሪስካያ፡ ንኹለን እተን 10 ትእዛዛት ከምዘፍረስካየን ኢዩ ዝቁጸር። ትእዛዛት ኣምላኽ ዘፍረሰ ሰብ ድማ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣቱ ከምዘይክእል መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ይዛረብ እዩ። ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል "ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ሕጊ ተጽሒፉ ዘሎ ትእዛዛት ኹሉ ኽገብሮ ዘይጸንዕ፡ ርጉም ይኹን፡ እቶም ካብ ግብሪ ሕጊ ዘበሉ ኹሎም ኣብ ትሕቲ መርገም እዮም። ብሕጊ (ብትእዛዛት) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓደካ ከምዘይጸድቅ ግሁድ እዩ"

ክቡር ኣንባቢ፡ ብመሰረቱ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነተን 10 ትእዛዛት፡ ኣብ ደብረ ሲና ዝብሃል ስፍራ ብሙሴ ገይሩ ናብ ዓለም ከምጽኣን እንከሎ፡ ሰብ በተን ትእዛዛት ምእንቲ ክጸድቅ ኢሉ ኣይኮነን። እተን ከምዚ ግበር ከምቲ ግን ኣይትግበር ዝብላ ትእዛዛት ኣምላኽሲ፡ ንሰብ መዓረ ክንደይ ሓጢኣተኛ ሙኻኑ ምእንቲ ከፍልጠኦ ድኣምበር፡ ከጽድቆኦ ወይ ድማ ህያዉ ክገብራኦ ኢለን ኣይኮናን መጺኤን። ብዘይ እዘን 10 ትእዛዛት፡ ሰብ ብርእሱ ሓጢኣተኛ ሙኻኑ ኣይፈልጥን እዩ። እተን ትእዛዛት ኣይትቅተል ኣይትስረቅ ኣይትዘሙ ኣይትቅናእ....እንተዘይብላስ፡ ምቅታል ምስራቅ ምዝማው ከምኡውን ምቅናእ ....ሓጢኣት ሙኻኑ ኣይምፈለጥናዮን እሞ፡ ከም ድላይና ምቐተልና ምሰረቅና ምዘመና ምቐናእና...ወ.ዘ.ተ.። እምብኣርሲ እተን ትእዛዛት ኣምላኽ፡ ሓጢኣተኛታት ሙኻንና ምእንቲ ከፍልጣና፡ ብሰሪ ሓጢኣትና ድማ መቅጻዕቲ ከምዝግብኣና ምእንቲ ከርእያና፡ ኣብ መጨረሻ ድማ ናብ ክርስቶስ ምእንቲ ከብጽሓና እየን ዝመጻ። ስለዚ እዩ ድማ መጽሓፍ ቅዱስና ከምዚ ዝብለና "እምነት ከይመጸት፡ ንሕና ነታ ክትግሃድ ዘለዋ እምነት እናተጸቤና፡ ተዓጺና ኣብ ትሕቲ ሕጊ (ትእዛዛት) ተሓሊዉና ነበርና። ስለዚ ኸኣ ብእምነት ምእንቲ ክንጸድቅሲ፡ ናብ ክርስቶስ ኬብጽሓና እቲ ትእዛዛት ቀጻዒና ኾነ"

ክቡር ኣንባቢ፡ እምብኣር የሱስ ክርስቶስ ናብዛ ዓለም ዝመጸ፡ ሰብ ብሰሪ ኣዳማዊ ባህርይኡ ነቲ ትእዛዛት ኣምላኽ ኩሉ ክሕልዎ ብዘይምኽኣሉ፡ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብዘይምቅዳው ስለዝኣተወ እዩ። ስለዚ የሱስ ክርስቶስ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦኡ ምእንቲ ከተዓርቀና ኢሉ፡ ከምዚ ናተይ ናትካ/ኪ ስጋ ኽለብስ ተገዲዱ እዩ። እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽሲ፡ ካብ ፍቅሩ ዝተላዕለ ብንብረቱ ኹሉ ሰብ ኽሳዕ ሙኻን ትሕት ኢሉ።  ኣብ ክንዲ ኩላትና'ውን፡ ነቲ ትእዛዛት ኣምላኽ ዝብሎ ኩሉ ሓንቲ ብዘይምጉዳል ፈጺሙልና እዩ። ነቲ ትእዛዛት ኣምላኽ ሓንቲ ብዘይምጉዳል ብምሉኡ ስለዝፈጸሞ፡ ከም ሓደ እሙንን ሕያዋይን ጠበቃ ኾይኑ፡ ንዓና ኩላትና ምስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከተዓርቀና ብቁዕ ኾይኑ ተረኺቡ ኣሎ። እቲ የሱስ ክርስቶስ ስሌና ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ድማ፡ ንጹህን ኣበር ዘይብሉን ስለዝኾነ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ደም ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣተዓሪቁና ኣሎ። እምብኣር የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ መስቀል ቀራንዮ፡ ዋጋ ኹሉ ሓጢኣትካን መርገምካን ብስቅያት ብምኽፋሉ፡ እቲ ምስ እግዚኣብሔር ኣቦ ፍጹም ከተዓርቀካ ዝኽእል ጽድቂ ሰሪሑልካ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ድማ፡ ነዚ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝፈጸሞ ጽድቂ፡ እወ ብሓቂ በጃይን ንዓይን እዩ ኢሉ ብእምነት ብምቅባሉ ምስ ኣምላኽ ይትዓረቅ እዩ። ደጊም ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ጽድቂ ክሰርሕ ብምፍታኑ ክጸድቅ ወይ ክድሕን፡ ምስ ኣምላኽ'ውን ክትዓረቅ ኣይክእልን እዩ። ብዛዕባዚ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ዝስዕብ ይብለና "ስለዚ ስጋ ዝለበሰ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብግብሪ ሕጊ(ብትእዛዛት) ዝጸድቅ የልቦን። በቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ በጃ ምሕላፍ ግና ብኸምኡ ብነጻ (ብጸጋ)ይጸድቁ."

ስለዚ ክቡር ኣንባቢ፡ ምእንቲ ክትጸድቅ ወይ ክትድሕን እንታይ ትገብር ኣሎኻ? 40 መዓልታት ትጸውም? ትሰግድ? ወላስ ሰናይ ግብሪ ትገብር..? ዝገበርካ እንተገበርካ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ጽድቂ ናብ ኣምላኽ ፈጺምካ ክትበጽሕ ከምዘይትኽእል ኣርጊጸ እሕብረካ ኣሎኹ። እቲ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝፈጸመልካ ጽድቂ፡ እወ ኣሜን ክርስቶስ ንኹሉ ሓጢኣተይን መርገመይን ወሲዱለይ እዩ፡ እቲ ኣነ ክፍጽሞ ዘይተኻእለኒ ጽድቂ ድማ፡ ክርስቶስ በዓሉ ምእንቲ ሓጢኣተይ ሞይቱ፡ ምእንቲ ክጸድቅ ድማ ካብ ሞት ተንሲኡ ኩሉ ስርሐይ ስሪሑ ወዲኡለይ እዩ ኢልካ፡ ብሙሉእ ልብኻ ብእምነት እንተተቀቢልካዮ ጥራይ ኢኻ ክትድሕን እትኽእል። ነዚ ዝንገረካ ዘሎ ሓቂ ብምሉእ ልብኻ እንተተቀቢልካዮ፡ ብርግጽ ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ፍርዲ፡ ኩነኔን፡ ናይ ዘልኣለም ሞትን ነጻ ከምእትወጽእ ቃል ኣምላኽ የረጋግጸልካ ኣሎ። እዛ ክርስቶስ የሱስ ኣብ መስቀል ዝወድኣልካ ናይ ጽድቂ ስራሕ፡ ብእምነት ኣብ ልብኻ እንተተቀበልካያ፡ ሽዑ ልክዕ ከምታ ዑፍ፡ በቲ ንኽትበረሉ ዝተዋህባ መንገብገብ ኣብ ሰማያት እትበርር፡ ንስኻውን በታ ብእምነት ኣብ ውሽጥኻ ዝሓደረት ናይ ክርስቶስ ጽድቂ፡ ብጽድቂ ቅድስናን ሰላምን ከተመላልስ ኢኻ። ስለዚ እታ እትድሕነላ መዓልቲ ሕጂ እያ እሞ፡ ተምበርኪኽካ ሓጢኣተኛ ሙኻንካ ተኣመን፡ ካብ እግዚኣብሔር ድማ ብንስሓ ምሕረት ሕተት። ብሓጎስ ድማ፡ ንኣምላኽ ስለቲ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ኣብ መስቀል ዝገበረልካ ግብሪ ካብ ልብኻ ኣመስግኖ። ንኣብነት ከምዚ ኢልካ ካብ ልብኻ እንዳጸለኻ ንየሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትካ ዓድሞ፡ ንሱ ድማ ኣብቲ ዝኸፈትካሉ ልብኻ ኽሓድር እዩ፡

                ዎ ኣምላኽ ንዓይ ንሓጥእ ምሓር። በደለይን ሓጢኣተይን ብደም ወድኻ
                የሱስ ክርስቶስ ይቅረ በለለይ። የሱስ ክርስቶስ፡ ስለቲ ምእንታይ ኢልካ
                ኣብ መስቀል ዝሰራሕካለይ ጽድቂ የመስግነካ ኣሎኹ። ከም ናይ ህይወተይ
                ጠበቃን ጎይታን መድሓንን ገይረ ድማ ኣብ ልበይ ይቅበለካ ኣሎኹ። ዝተረፈ
                ዘመነይ ኩሉ ንዓኻ ይህበካ ኣሎኹ፡ ንስኻ ኣብ ህይወተይ ግዛእን ምለኽን።
                ዎ ኣምላኽ ደጊም ከም ዉልድካ ገይርካ ስለዝተቀበልካኒ ብስም የሱስ
                የመስግነካ ኣሎኹ። ኣሜን!!!

ደጊም እንታይ ንበል? እቶም ጽድቂ ዘይደልዩ ኣህዛብ ጽድቂ ረኸቡ፡ እዚ ኻብ እምነት ዚመጽእ ጽድቂ እዩ። እስራኤል ግና ንሕጊ ጽድቂ እናደለይዎስ፡ ናብቲ ሕጊ ጽድቂ ኣይበጽሑን. ኣቱም ብሕጊ (ብግብሪ)  ክትጸድቁ እትደልዩ፡ ካብ ክርስቶስ ተፈሌኹም፡ ካብ ጸጋ (ነጻ  ህያብ) ድማ ወደቅኩም. ክርስቶስ ነቶም ዝኣምኑ ዘበሉ ኩላቶም መደምደምታ ሕጊ ንጽድቂ እዩ.... ስለዚ መገድና ንመርምርን ንተዓዘብን እሞ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ.