መንእሰይ ብኹሉ እዩ ዝድለ

Finance & Career
Typography

መንእሰይ ብኹሉ እዩ ዝድለ። እዛ ምድርና ኸኣ ዝበዝሕ ቁጽሪ ሒዛ ዘላ መንእሰይ እያ። ኣብዛ ምድርና ዝግበር ሰናይ ይኹን ሕማቕ ኩሉ ኸኣ ዝፍጸም ብመንእሰያት እዩ። ካብ ኩሉ ፍጥረት ተጸላውን ተነቃፍን ከኣ መንእሰይ እዩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ዓለም ተመጻና ኸኣ ተጠማቲ ንሱ እዚ መንእሰይ እዩ።  ኣምላኽ የዒንቱ ዘውድቐሉ፡ ሰይጣን ዝጥምቶ፡ ዓለም እተድህበሉ፡ ሰብ እንተ ሃልዩ ኸኣ ነዚ መንእሰይ እዩ።





ኣብዛ ምድሪ ዘሎ ሓጎጽጎጽን ናይ ናብራ ሕሰምን ስደትን ዘጋጥሞ ዘሎ ከኣ ንመንእሰያት እዩ፣ መንእሰያት ኣብዚ ግዜ እዚ ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ኣብ ዓቢ ተስፋ ምቑራጽን ዘይተደልየ ወልፍን ዝኣትዉ ዘለዉ ፉጡራት እዮም። ራእይ መንእሰይ ኩሉ ጊዜ ኣብ ህይወት ዓወትን ምስላጥን ከሙእ ኸኣ ኣብ ዝበለጸ ደርጃ ንምብጻሕ እዩ። ብፍላይ ዓለምለኻዊ ጽልዋታት ኣብ ቤት ኣምላኽን ኣብቶም ንኣምላኽ ዝተፈልዩ መንእሰያትን ካብ ማንም ጊዜ ንላዕሊ ጽልዉኡ እናሓየለን ኣናዓበየን ይመጽእ ኣሎ። በዚ ዝሳሓቡ ዘለዉ መንእሰያት ተሳሒቦም ከኣ ዝወደቑ ብዙሓት እዮም።

ዓለም ብዝተፈላለየ ነገር ነቲ ናታ ኣርኣያ ክንክተልን እቲ ንሳ እትህቦ መምሪሒ ኸኣ ክንስዕብን ኣያ ትደልየና። ሎሚ ኣብዚ ርቀት ዝበዝሓ ዓለም ናብቲ ናታ ሃዋህው ክትስሕበካ እቲ ጥቀመሉ ሜላታት እንትርፎ መንፈሳዊ ዓይንኻ ተኸፊቱ ምስትዎዓሉ ንምርድኡ ዘጸግም ኣዚዩ ከቢድ እዩ። ስለዚ ካብዚ ዘሎ መፈንጥራ ዓለም ኣምሊጥና ካብቲ ሰይጣን ዘምጾ መግደራ ሃዲምና መንገድና ኣንጺህና ክንመላለስ እንታይ ክንገብር ይግብኣና?

ቃል ኣምላኽና ኸኣ ንመንእሰይ ዝከውን ንህይወቱ መምርሂ ክከውን ዝክእል ምኽሪ ማእለያ የብሉን። መጽሓፍ ቑዱስና እቲ ጎበዝ ንመንገዱ ዘንጻሃሉ መንገዲ ቃሉ ምኻኑ ይነግረና። ወሲኹ ከኣ ካብ ሓጥያት ዝሃድመሉ መንገዲ ከኣ ንቓል ኣምላኽ ኣብ ልቡ ብምዑቓር ምኻኑ ይምህረና፣ ኣብ ጉዕዞ ህይወቱ ኸኣ ዕውት ዝኾነሉ ሜላ ኸኣ ከም ቓል ኣምላክ ክንበር እንተ ጀሚሩ ምዃኑ ብግልጺ ይዛረበና፣ ኣምበኣር ብምቕጻል ከም መንእሰያት ኣብ ህይወትና ዕውታት ክገብሩና ዝኽእሉ ብዙሓት ነጥብታ ኣለዉ ካብኣቶም ገለ ገለ ነጥብታት ክንጠቅስ ኢና።

1 ገዛእ ርእስኻ ምቕባል

ኣብ ተልቪዥን ዝረኣኽዎ እስከ ክንግረኩም፣ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ እዩ፣ ኣዋልድን ኣወዳትን ብዛዕባ መልክዕምን ቕርጾምን እምብዛ እዮም ዝጭነቑ። ብሰንኪ እዚ ኸኣ ኣብ ህይወቶም ዝመጽእ ጸቕጢ ማእለያ የብሉን፣ መቸመ ሎሚ እቲ ቴክኖሎጂዩ ኣዚዩ እንድዩ ተወንጪፉ ዘሎ ብሕክምናዊ መንገዲ መልክዕኻ ምሉእ ብምሉእ ክቕይረልካ ይኽእል እዩ። ሕጂ ናብቲ ዝረኣክዎ ክኸይድ ኣዋልድ እየን ብየዒንቲ ሰባት ሓቂ ዘረባ እምብዛ ዝጋነን መልክዕ የብለንን። ብመልከዕን ኣዚየን ይሓዝና ጥራይ ዘይኮናስ ተስፋ ዝቖረጻ ሰባት እየን። ኣብ ቤተሰብን ብሰንኪ ደጋዊ መልክዐንን ቕርጽንን ዝርኣን ዝመጽን ጸቕጢ ማእለያ ዘይብሉ ዓቢ እዩ፣ ግና ኣጋጣሚ ናይ መልክዕ ስነ ስባቐ ሕክምና ክገብራ ዕድል ይረኽባ፣ ክገርመኩም ኣብዚ ዝጠፍእ ገንዘብ ማእለያ ዘይብሉ ብሚልዮናት ዶላራት እዩ። እቲ መስርሕ 3 ኣዋርሕ እዩ ዝወስድ። ድሕሪ ዝግበረለን መጥባሕትን ካልእን እተን ሰባት ክትርእይዎን ትግረሙ ኢኹም ክልኦት ሰባት እየን ዝቕየራ። ቓለ መሕትት ክገብራ ከለዋ እንዳ በኸያ እየን ዝገብራ፣ ተለዊጠ ሕጂጂ ምሉእ ሰብ ኮይነ እና በለ ሓጎሰን ማእለያ የብሉን፣ እወ ደጋዊ ጽባቐን ምስቲ ዝነበረን ክወዳደር እንከሎ ሰማይን ምድርን እዩ። ሕክምና ለዊጥዎን እዩ፣ እቲ ዘሕዝን ግና እዘን ሰባት ደጋዊ ነገርን እዩ ብመጥባሕቲ ተቐይሩ እንበር ውሽጠን ኣይትለወጠን።

ኣነ ርግጸኛ እየ እዘን ሰባት እዝኣተን ንገዛኣ ርእሰን ኣቀዲመን ስለ ዘይተቐበላ እቶም ኣወዳት እውን ንመንነቶም ኣቐዲሞም ስለ ዘይተቐብልዎ በዚ ብሕክምና ኣብ ህይወቶም ዝተፈጸመ ነገር ነገሮም ክልወጥ ከም ዘይክእል ፉሉጥ እዩ።

ኩቡራት መንእሰያት ሎሚ እውን እንተኾነ ንሕና ነቲ ዘሎና ናይ ውሽጥና ሕማም ንገዛእ ርእስና ከም ዘሎና ክንቅበላ ስለ ዘይከኣልና ኣብቲ ደጋዊ ነገር እናድሃብና ምስ ዝመጸ ፋሽን እናተጋዓዝና ንህውትት ዘሎና ማእለያ የብልናን።

ሰባት ንገዛእ ርእሶም ክቕበሉ እንተ ኾይኑ ብፍላይ ከኣ መንእሰይ ብምልኣት በቲ ኣምላኽ ዝገበሮን ንሱ ዝኾኖን ክመላለስ እንተኾይኑ ውሽጡ ክፍወስ ኣለዎ። ሎሚ ነቲ ዘሎ ናይ ውሽጥና ክውንነት በቲ እነርእዮ ደጋዊ ነገር ክንከድኖ እንደሊ ማእለያ የብሉን። እዚ ኸኣ ኣመሰሉነት እዩ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ከኣ ነቶም ዝኾንዎን ዝገብርዎን ዝተፈላለየ ዝነበረ ፈርሳውያን ምስቲ ኣብ ውሽጢ ልቑሉቕ መቓብር ዘሎ ሬሳ መሲልዎም ኣሎ።

እቶም ንገዛ እርእሶም ከም ዘለውዋ ዘይቅበሉ መንእሰያት ኣብ ህይወቶም ዝንጸባረቕ ነገር እንተሃልዩ ሓደ ዘይምእማን እዩ። ዳዊት ክዝምር እንከሎ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ ከማስወካ እየ እሉ ዘሚሩ ኣሎ። ንሕና መንእሰያት ከኣ ነቲ ዘሎና መንነት ከም ዘለዎ እንተ ዘይተቐቢልናያ ብካልኣ ኣዘራርባ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘሎና ዘይምእማን ኢና ነንጸባርቕ ዘሎና።

ናይሰብ ጽባቐ ኣበይ እዩ እንድሕር ኢልና ኣብቲ ዘርእዮ ደጋዊ ነገር ኣይኮነን ኣበይ ደኣ ኣብ ኩሉ መንነቱ እዩ። ብከመይ ኣምላኽ ጽቡቕ ጌሩ ስለ ዝፈጠሮ፣ ከም ኣመነቲ ኣብ ቕድሚ ኣምላኽ ዘሎና መንነትን ክብርን እንተ ዘይተረድኢና ምስ እዚ ዘሎ ዘመናዊ ዓለም ክንከይድን ክንጎይን ክንህውትት ኢና ዕውታት ከኣ ኣይክንከውንን ኢና። ንሕና ኣመንቲ ብዋጋ ዝተዓደግና ማሕደር መንፈስ ኣምላኽ ዝኮና ፉጡራት ኢና፣ ስለዚ ዓለም እያ ናትና መንነት ተረዲኣ ብኣና ክትሰሓብ ዘለዋ እንበር ንሕና ኣይኮናን በቲ ዓለም ክትኮኖ እትጓየዮ ዘላ ዘምናውነት ክንሳሓብ ኣይግበኣናን፣

ኩሉ ጊዜ እቲ ንገዛእ ርእሱ ዘይቅበል ሰብ ወትሩ ሕልፉ ታሪኹ ኣናረኣየ ዘግረምርም መጻኢ ህይወቱ ኣናገመት ብግምት ዝነብር በዚ ናይ ሕጂ ህይወቱ ኸኣ ዘይዓግብ ሰብ እዩ ዝከውን፣ ካብቲ ሓደ ኣብ ጉዕዞ ክርስትናን ዘይምዕጋብን ዘይምዕባይን ዝርኣ ንገዛእ ርእስና ከም ዘሎና ንምቕባል ስለ እንጽግመ እዩ።

 ሃዋርያ ጳውሎስ ከኣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብመጠን እቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ኣምላኽ ይሕሰብ ኢሉ ኣሎ፣ ንገዛእ ርእስና ከምቲ ኣምላኽ ዝረኣያ ጌርና ክንርእያ ከሎና ጥራይ ኢና ክንዕወት እንከእል። ዓለም ንዓና እትህበና መዐቀኒ ኣሎ። ነዚ ናታ መዐቀኒ ከነማልእ ኽኣ ለይትን መዓልትን እያ ትትኹትኸና ንዓን መንእሰያት ኣመንቲ ኸኣ ነቲ ናታ መምርሒ ብመንፈሳውነት ኣሳቢብና ብእኡ ክንጓዓዝ ንፍትን ኢና ብዝሕ ግዜ ከኣ ንወድቕ፣ እዚ ነገር ከኣ ኣብ ዘይተደልየ ሕንፍሽፍሽ የእትወና እሞ ንዘሎና ክውንነት ከኣ ንክሕድ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ወትሩ ካልኣ ኮይና ንቐርብ ኣብ ቅድሚ ሰባት ከኣ ብኣምሰሉነት ህይወት ንመላለስ እዚ ከኣ ንኣምላኽ ካብ ምፍራሕ ይዕንቅጸና እሞ መወዳእታና ኸኣ ምስ ዓለማውነት እናተጓዓዘና ዘይዕውት ህይወት ንመርሕ።
 
ገዛእ ርእስኻ ምቕባል ማለት ናይ ፍልስፍና ወይ ከኣ ናይ ስነ ኣእምራዊ ጉዳይ ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ እዚ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝረከብናዮ መንነት እዩ። መንነትና ንምስትኽካል እቲ ዓለም እትህቦ ፎርምላ ምስዓብ ኣብ ጸገም ክሸመና እዩ። ሓይልና ኣድኪሙ ኸኣ ናብ ድሕሪት ክመልሰና እዩ። ብኣንጻሩ ከምቲ ኣምላኽ ኢኹም ዝበለና ከምኡ ምዃና እንተ ፈሊጥና ኩሉ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጋህ ዝበለ ህይወት እዩ ዝህልወና።

ኣብ ግዜ ድኻምና ሓይሊ ክህበና ናብ ኣምላኽ ንኸይድ እምበር ብርቱዓት ኢና ዘሎና ኢልና ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ቑስሊ ኣይንሽፍኖን። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ኣባና ዘለዎ ኣረኣእያ ካብ ምሕረቱን ፍቕርን ዝተላዕለ እዩ እምበር ብገዛእ ርእስና ገለ ስለ ዝኾና ስለ ዝኮና ኣይኮነን።

ገዛኣ ርእስኻ ምቕባል ናይ ዘረባን ናይ ቃላትን ምድግጋም ኩነት ዘይኮነስ ካብ ውሽጢ ዝነቅል ናይ እምነት ጉዳይ እዩ። እነ ከምዚ እየ ወይ ከምዚ እየ ስለ ዝበልካ ጥራይን ገዛእ ርእስኻ ተቐቢልካ ማለት ኣይኮነን ነቲ ዝተባሃልካዮ ነገር ብእምነት ምስ ትሓብሮ ጥራይ እዩ። ንገዛእ ርእስና ከም ዘላቶ ምቕባልና ዝጠቕመና ነገር እንተ ሃልዩ ሓደ ነገር እዩ ንሱ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ንምቕባል ወትሩ ኢና ንጎዪ፣ ኣምላኽ ከኣ በዚ ባህ እዩ ዝብሎ።  

ስለዚ ንሕና በዚ ዘሎ ዘመናዊ ዓለም ክንሳሓብ ዘይኮነ ኣምላኽ ኣባና ዘለዎ ክብሪ ዓቢ ምኻኑ ፈሊጥና ንኻሎት ክንጸሉ እዩ ፍቓድ ኣምላኽ። መንእሰያት ኣምላኽ ክጥቀመልና እንተ ኮይኑ ኣምላኽ ኣኽቢሩ ከም ዝሰርሓና ከም ዘፍቕረናን ንፍለጥ እሞ ንዘሎና ኩቡር መንነት ብእንርእዮ ዓለማውነት ኣይንለውጦ። ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ነገር ሰብ ክቕበለካ ዘይኮነስ ኣምላኽ እንተ ተቐቢሉካ እዩ እቲ ቁም ነገሩ፣ ዓለም ንዓና ኣመንቲ ካብ መዓስ ተቐቢላትና ትፈልጥ ድያ? እሞ ደኣ ንሕና  ንኽትቅበለና ምጽዓርና ደኣ እሞ እንታይ ኣጾዓረና?

 እታ ብውሽጣዊ መንነት ትሳቐን ቅልውላው ሒዝዋን ዘሎ ዓለም ንዓና ከመይ ዝኣመሰለ ተቐባልነት ዘሎና ሰባት ኮን እያ ክትገብረና እትክእል? ስለዚ በቲ ኩሉ ዝኽእል እናተመካሕና እቲ ንሱ ዝሃበና መንነት ከኣ ተቐቢልና ክርስትና ህይወትና ክንመርሕ ኣሎና።

እቲ ሕቶ ኣሎና ዶ የብልናን። ኩፍኣት ዲና ምልኩዓት፡ ሃብታማት ዲና ድኻታት ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ እቲ ኣብ ጎይታ ዘሎ ሓሳብ ኣሎና ድዩ የብልናን? ሎሚ ዓለምን ሰዓብታን ብዘለዎምን ዘይብሎምን እዮም ዝምዝኑን ዝመዝኑን፣ ኣብቲ ናይ ኣምላኽ መንግስቲ ግና ከምኡ ኣይኮነን። ናቱ መምዘኒ ወዱ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ እምበር ካልእ እይኮነን። ኣብዚ እዋን እቲ ዝዓበየ ጸገምና እምበኣር እዚ እዩ፡ ንሱ ኸኣ መምዘኒና እቲ ዘሎና ናትና ደጋዊ ነገር ስለ እንገብሮ እዩ፣ ነዚ ከኣ ኢና መንእሰያት ብዙሕ ጊዜ ኣብ ውድድርን ዘይተደልየ ሓሸውየ ንኣቱ። እቶም ንገዛእ ርእሶም ብሰባትን ብናይ ካልኦት መንነትን ከምኡ ኸኣ ብኩነታትን ዝመዝንዋ ሰባት ኩሉ ሳዕ ናይ መንነት ምዝባዕን ቀውስን ኣለዎም። ኣብ ኣምላኽን ገዛእ ርእሶምን ዘለዎም ተኣማንነት ከኣ ኣዚዩ ውሑድ እዩ። ህይወቶም ከኣ ብተስፋ ቑርጸት ዝተመልኣ እዩ። ኣምላኽ ብጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝሃበና መንነት ኣዚዩ ብሉጽ እዩ። እቲ ዘሎና መንነት ከኣ ኣብዛ ምድሪ ክንሕጎሰሉ ዘይኮነ ዝተዋህበና ብኣንጻሩ ነቲ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ መስቀል ዝተዓገሰ የሱስ ክርስቶስ ክንመስልን ፍቓዱ መታን ክንፍጽምን እዩ ተዋሂብና፣ መጽሓፍ ቁዱስና ድማ ነዚ የረጋግጸልና እዩ። ኣምላኽ ዘፍቀረና ሰባት ኢና ስለዚ ነዚ ፍቕሪ እዚ ተቐቢልና በቲ ዝረኸብናዮ ሓድሽ መንነት ንኣምላኽ ነኽብሮ እምበር ኣነ ከምዚ እየ ኣናበልና ነቲ ዘሎና ሓርነት ንስጋና ኣይንጠቀመሉ።

ሰብ ግና ከመይ ጌሩ እዩ ንገዛእ ርእስ ክቕበል ዝክእል እንድሕር ኢልና እቲ መልሱ ብኣምላኽ ክሕጎስ ኣለዎ። እቲ ወትሩ ብኣምላኽ ዝሕጎስ መንእሰይ ኩሉ ጊዘ በቲ ኣምላኽ ስለ ዝሕበን ንሱ ዝገበሮ ዘበለ ኩሉ ኸኣ ሰናይ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ ንሱ ኸኣ ኣብ ቅድሚኢ ዘለዎ ክብሪ ከመይ ዓቢ ምዃኑ ይፈልጥ ስለዚ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዝኮነ ዓይነት ጸገም የብሉን። እቲ ጸገም ዝመጽእ ዘሎ ኩሉ ጊዜ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ጥዑይ ስለ ዘይኮነ ጥራይ እዩ፣ እዚ ስለ ዝኾነ ኸኣ ብዝሕ ግዜ ንከባቢናን ንዓለምን ክንመስል ንጋደልን ንጓየይን ሳዕቤን ናይዚ ኸኣ ሓደገኛ እዩ። ኩሉ ሳዕ ብዛዕባ መንነቱ ጸገም ዘለዎ ሰብ እቲ ሳዕቤን ናይዚ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ዘይምስምማዕ ምዃኑ ክፈልጥ ኣሎ። ካብ ዘለዎ መንነታዊ ቅልውላው ክፍውስ አንተ ተደልዩ እውን እቲ እንኮ ኣማራጺ ናብ ኣምላኽ ምምላስ እዩ።

ኣምላኽ ብየዒንቱ እምበር በቲ ንሕና ዘልናዮን ዝኾናዮን ሃዋህው ኣይጥምተናን እዩ እሞ ንገዛ እርእስና ከምቲ ኣምላኽ ዝርእየና ጌርና ንጠምታ።


404 - Error: 404

404

Article not found

Please try one of the following pages: Home Page