ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደን ክልተን

Apologetics
Typography

መጽሓፍ ቅዱስ ብዓቢዪ መጠንቀቅታ ካብ ዝምህሮን ካብ ዝእዝዞን ሓደ፡ ኪንዮው እቲ ጽሑፍ ኣይትኪዱ፣ ናብ ቃሉ ኣይትወስኹ፣ ካብ ቃሉ ኣይተጉድሉ፣ ንቃሉ ኣይትለውጡ፣ ንቃሉ ከም ዘለዎ ፍጹም ብዝዀነ መገዲ ተኣዘዝዎ ዝብል እዩ።

እዚ ማለት ከኣ እቲ ህያው ቃል ኣምላኽ እንታይ ይብል ኣሎ ብትኽክል ንኪንርድኦ ኪንጽዕር፣ ኪንተግህ፣ መስረታዊ መንፈሳውን ዘይልወጡን ሕጊ ምትርጓም ቅዱስ ጽሑፋት ተኸቲልና ኣዕሚቁና ከነጽንዕ፣ ደጊምና ደጋጊምና፡ ንቅድሚት ንድሕሪት እናተምላለስና ከነንብቦ፣ ከነሰላስሎ፣ ብምልኣት ኪንግንዘቦ እቲ ዚዓበየ ሓላፍነትና እዩ ማለት እዩ።

ከምዚ ዓይነት ጻዕርን ትግሃትን ስለ ዘይግበር እዩ ድማ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅዱስ ትንፋስ ኣምላኽ ዝዀነ ህያው ቃል ኣምላኽ እዚ ኢልካ ኪግመት ዘይከኣል መግደራ ዝወርድ ዘሎ።

ካብቲ ካብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ክፍሊ እቲ ዚዓበየ መጥቃዕቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ዝገጠሞን ሕጂውን ዚገጥሞ ዘሎን መጽሓፍ፡ ብቀዳምነት መጽሓፍ ዘፍጥረት እዩ። ካብ መጽሓፍ ዘፍጥረት ድማ ብዚያዳ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደን ምዕራፍ ክለተን እዩ።

ዘፍጥረት ምዕራፍ ክልተ ዝርዝርን መጠቃለሊ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ እዩ። ምናልባት እቲ ኣብ ምዕራፍ ክልተ ዘሎ ዝርዝርን መጠቃለልን ሰብኣዊ ብዝዀነ ሓሳብን ቅደም ተኸተልን ስለ ዘይተቀመጠ ይመስለኒ፡ ነቶም ብተገዳስነትን ብቅዱስ ፍርሃትን ንቃል ኣምላኽ ዘየጽንዕዎ መፈንጥራ ኰይንዎም ኣሎ።ናይ ኣምላኽ ቃል ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ዝጸሓፍዎ ፍጹም ትንፋስ ኣምላኽ እዩ። ሰለ ዝዀነ ኸኣ ማንም ሰብ ኣየጉድለሉ፣ ኣይውስኸሉ፣ኣይትለውጦ፣ ኣይትሸቅጦ፣ኣይትሸጦ! ኣቲጠዋውዮ! ኣይትሓዋውሶ!

ንቃል ኣምላኽ ከምቲ ኣምላኽ ኪብሎ ዚደለየ ጥራይ ገይርና ኪንርዲኦ፣ ኪንቅበሎ፣ ኪንኣምኖን ኪንእዘዞን ኢና ተፈጥርናን ተጸዊዕናን። እዚ ምስ እንገብር ጥራይ ኢና ድማ ካብ ሰይጣናዊ፣ ኣጋንንታዊ፣ ሰብኣዊ፣ ዓለማዊ ጽንጽዋያት ከነምልጥ እንኽእል!

ስለዚ ከኣ፡ ከም እሙናት ሰዓብቲ ጐይታ፣ ከም ትጉሃት ተማሃሮ ክርስቶስ፡ ቃሉ እንታይ ይብል ኣሎ ብትኽክል ኪንርድኦን ንእተደናገሩ ካልኦት ሰባት ኪንሕግዝን ከኣ ግቡእና እዩ እሞ፡

ዘፍጥረት ምዕራፍ 2፡1-25 ናይ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ዘፍጥረት 1:26-31 ዝርዝርን መጠቃለሊን ከም ዝዀነ ኪንፈልጥ ኣገዳሲ እዩ።

ነዚ ክልተ ክፍሊ እዚ ከም ዚስዕብ ገርኩም እንድሕር ኣንቢብኩሞ፡ እቲ ዘመናውያን መማህራን ንብዙሓት ዘደናግር ዝምህርዎ ዘለዉ ባዶሽ ዝዀነ ጽንጽዋያት ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ከም ዝዀነ ብቀሊሉ ኪርዳኩም እዩ።

ቅድሚ ነቲ ቀጺለ ዘቅርበልኩም መስርዕ ኣናብባ፡ንሱ ከኣ እዚ ክልተ ምዕራፋት እዚ እንታይ ይብል ከም ዘሎ ብትኽክል ንኽንርድኦ ዘኽእለና ንእሽቶ ሓጋዚ ሓሳብ ቅድሚ ምንባብኩም፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እተሰማዓኒ ነገር ኣብዚ ኪጠቅስ እፈቱ፡፡ ብኸምዚ ዚስዕብ ኣገባብ ስለ ዝሰርዕኩዎ ጥራይ ልበይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከመይ ከም ዝሃረመ እምስክር ኣለኹ!

ሕጂውን ደጊመ ደጋጊመ፡ ሽሕ ጊዜን ካብኡ ንላዕሊን እልፊ ኣእላፋት ጊዜ ከምዚ ኪብል ይደሊ፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኣይንድፈር! ኣብ ቃሉ ኣይንዓምጽ! ናብ ቃሉ ኣይንወስኽ ካብ ቃሉ ኣይነጉድል! ንቃሉ ብትኽክል ንኽንርድኦ ዝከኣለና ኩሉ ጻዕርታትን ትግሃትን ንግበር። ግናኸ ንቃሉ ኣይንለውጦ!ንቃሉ ኣይንሽጦ! ንቃሉ ኣይንሸቓቅጦ! ንቃሉ ኣይነቃልሎ! ንቃሉ ኣይንሓዋውሶ! ንቃሉ ኣይንወሳስቦ! ንቃሉ ኣይንሓላልኮ! ንቃሉ ኣይንበርዞ! ንቃሉ ኣይንመርዞ!

ቃል ኣምላኽ ሽውዓት ጊዜ ካብ ዝነጸረ ወርቂ ኣዚዩ ዝበልጽ እዩ! ቃል ህይወት እዩ! ቃል ብርሃን እዩ!፡ ቃል ፍጹም ሓርነት እዩ! ቃል ፍጹም ሓቂ (absolute truth)እዩ! ወሰኽ ዘየድልዮ፡ ደገፍ ዘየድልዮ ብርእሱ ዚቘመ ምሉእ እዩ!

ዘፍጥረት 2:1-25 ከም ዝርዝርን መጠቃለሊ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1:1-31፡ ብፍላይ ከኣ ዘፍጥረት 1:26-31፡ ከምዚ ዝስዕብ ገይርና እንተዳ ኣንቢብናዮ፡ ነቲ ኣምላኽ ኣብዚ ክፍሊ እዚ ብንጹር ኣመሓላሊፎ ዘሎ መልእኽቱ ብዘየደናግር መገዲ ከነስተውዕሎ ንኽእል ኢና!

ሃየ ነዚ ዚስዕብ ክፍሊ ብምስትውዓል ብምምንባብ፡ ካብቲንዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ 1:26-27 ከም መደገፊ ተጠቅሞም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽሲ ቅድም ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ ሓደ መናፍስቲ ጥራይ ዝዀኑ ሰባት እዩ ፈጢሩ ዝብል ባዶሽ ዝዀነ ዘመናዊ ጽንጽዋይ ነምልጥ!

 

''ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነበረት፡ ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝምቢ ነበረ። ኣምላኽ ከኣ፥ ብርሃን ይኹን፡ በለ። ብርሃን ድማ ዀነ። ኣምላኽ ድማ እቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ። ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓንቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ንማያት ካብ ማያት ዚፈሊ ጠፈር ኣብ መንጎ ማያት ይኹን፡ በለ። ኣምላኽ ነቲ ጠፈር ገበሮ። ነቲ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ዘሎ ማያት ድማ ኻብቲ ኣብ ልዕሊ ጠፈር ዘሎ ማያት ፈለዮ፡ ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ጠፈር ሰማይ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ካልአይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ እቲ ንቑጽ ምእንቲ ኺርኤስ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ማያት ናብ ሓንቲ ቦታ ይተኣከብ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ንቑጽ ምድሪ ኣውጽኣሉ፡ ነቲ እኩብ ማያት ድማ ባሕሪ ኣውጽኣሉ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። ኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። እታ ምድሪ ሳዕርን ከከም ዓይነቱ ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ ፍረ ዚፈሪ ኣእዋም ከኣ ኣውጽኤት። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳልሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፤ ንመዓልቲ ኻብ ለይቲ ዚፈልዩ ብርሃናት ኣብ ጠፈር ሰማይ ይኹኑ፡ ንዘበናትን ንመዓልትታትን ዓመታትን ከኣ ንመፈለጥታ ይኹኑ። ኣብ ምድሪ ንምብራህ ኣብ ጠፈር ሰማይ ብርሃናት ይኹን፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገበረ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ምእንቲ ኼብርሁ፡ ኣብ መዓልትን ኣብ ለይትን ድማ ኪስልጥኑ፡ ንብርሃንውን ካብ ጸልማት ኪፈልዩ፡ ኣምላኽ ኣብ ጠፈር ሰማይ ገበሮም። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ራብዐይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ማያት ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል እንስሳ የውጽእ፡ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከኣ ኣዕዋፍ ይንፈራ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ነቶም ዓበይቲ እንስሳ ባሕርን ነቲ ማያት ዘውጽኦ በብዓይነቱ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ውንጅርጅር ዚብል ኵሉን፡ ክንፊ ዘለወን በብዓይነተን ኵለን ኣዕዋፍን ፈጠረ። ኣምላኽ ከኣ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።ኣምላኽ ድማ፥ ፍረዩን ተባዝሑን ንማያት ባሕሪ ምልእዎ፡ ኣዕዋፍ ከኣ ኣብ ምድሪ ይብዝሓ፡ ኢሉ ባረኾም። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሓምሰይቲ መዓልቲ። ኣምላኽ ድማ፥ ምድሪ ህያው ነፍሲ ዘለዎ በብዓይነቱ እንስሳን ለመምታን ኣራዊት ምድርን በብዓይነቱ ተውጽእ፡ በለ። ከምኡውን ኰነ። ኣምላኽ ከኣ ኣራዊት ምድሪ በብዓይነቱን እንስሳ በብዓይነቱን ኵሉ ለመምታ ምድሪ ኸኣ በብዓይነቱ ገበረ። ኣምላኽ ድማ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ረኣየ።'' (ዘፍጥረት 1፡1-25)

''በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝፈጠረላ መዓልቲ ምስ ተፈጥሩ፡ ወለዶ ሰማይን ምድርን እዚ እዩ።እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣየዝነመን ነበረ፡ ንምድሪ ዚዐዪ ሰብውን ኣይነበረን እሞ፡ ገና ገለ ኦም መሮር ኣይነበረን፡ ሳዕሪ መሮር ከኣ ሓንቲኳ ኣይበቘለትን ነበረት።ግናኸ ንዅሉ ዝባን ምድሪ ዜስቲ ግመ ኻብ ምድሪ ይወጽእ ነበረ።'' (ዘፍጥረት 2:4-6)

''ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።'' (ዘጥረት1፡26-27)

(ዝርዝር ኣፈጣጥራ እቲ ተባዕታይ ሰብን እታ ኣንስተይቲ ሰብን እዚ ዝስዕብ እዩ፦)

''እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ኣብ ኤድን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት ተኸለ። ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ።እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ዜብህግ፡ ምብላዑ ዝጥዑም ኵሉ ኦም ኣብ ምድሪ ኣብቈለ፡ ኣብ ማእከል ገነት ከኣ ኦም ህይወት፡ እታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ድማ። ንገነት ዜስቲ ርባ ከኣ ካብ ኤድን ይውሕዝ ነበረ። ካብኡ ድማ ተፈላልዩ ኣርባዕተ ጨንፈር ኰነ። ስም እቲ ሓደ ፒሶን እዩ። ነሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ዅላ ምድሪ ሓዊላ ይኸብብ። ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ጽቡቕ እዩ። ኣብኡ ብዶላህን ክቡር ዕንቍን አሎ። ስም እቲ ኻልኣይ ርባ ድማ ጊሆን እዩ፡ ንሱ ንዅላ ምድሪ ኩሽ ይዞራ። ስም እቲ ሳልሳይ ርባ ኸኣ ሄዴቄል እዩ፡ ንሱ ብቕድሚ ኣሶር ኣቢሉ ዚኸይድ እዩ። እቲ ራብዓይ ርባ ድማ ኤፍራጥስ እዩ።እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንሰብ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ፡ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፡ ኢሉ አዘዞ።እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንዅሉ ኣራዊት መሮርን ንዅለን ኣዕዋፍ ሰማይን ካብ ምድሪ ገበረ። እንታይ ከም ዚሰምየን ምእንቲ ኺርኢ ኸኣ ናብ ሰብ ኣምጽኤን። ነቲ ህያው ነፍሲ ዘለዎ ዅሉ፡ እቲ ሰብ ከም ዘውጽኣሉ፡ ስሙ ንሱ ዀነ። ሰብ ድማ ንኹሉ እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኸበትን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ፡ ደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኸኣ ሓንቲ ወሰደ፡ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣ።እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሀል፡ በለ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ። እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ከኣ ነበሩ።'' (ዘፍጥረት2፡7-25)


''ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፡ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ስማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዝብል ኩሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም ንዅሉ ኣራዊት ምድርን ንኹለን ኣዕዋፍ ሰማይን ህያው ነፍሲ ንዘለዎ ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ኸኣ ኵሉ ለምለም ሳዕሪ ንምግቦም ሂበዮም አሎኹ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ። ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረኣየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ። ምሸት ኰነ ብጊሓትውን ኰነ፡ ሳድሰይቲ መዓልቲ።'' (ዘፍጥረት1፡28-31)

 

''ከምኡ ሰማይን ምድርን ኵሉ ሰራዊቶምን ተፈጸሙ። ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ዐረፈ።ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዐረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።'' (ዘፍጥረት 2፡1-3)