ያእቆብ ዝተባረኸሉ ኣርባዕተ ምኽንያታት

Character Study
Typography
  1. ምስ ኣምላኽ በይኑ ምትራፉ፣
ያእቆብ በይኑ ኣብ ዝተረፈሉ ቦታ እዩ ብኣምላኽ ተባሪኹ። ንኹሎም ኣሕሊፉ በይኑ ተሪፉ (ዘፍ.32፣24)። ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ዘለዉ ኣመንቲ ምስ ኣምላኽ በይኖም ዝኾኑሉ ጊዜ ክረኽቡ ኣዝዩ እዩ ዝኸብዶም። መንፈስ ናይዚ ህዉኽ-ዘመን ንመብዛሕትና ስለ ዝኣተወና ቀጻሊ ብስራሕ ትሑዛት ኢና። ሽግርና ኣብ ኣመልና ወይ ባህልና ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ ኣብ ቀዳምነታትና እዩ። የሱስ ብዛዕባ ንሓደ ኣማኒ ዘድልዮ ኣገዳሲ ነገር ክዛረብ ከሎ ኣብ እግሩ (እግሪ የሱስ) ኮይንካ ቃሉ ምስማዕ ምዃኑ ጠቒሱ ኣሎ (ሉቃ.10፣42)

ሎሚ ግን ነዚ ስለ ዘይንኣምኖን ንቃል የሱስ ሸለል ስለ ዝበልናዮን  ብኣዕናዊ ሳዕቤናት ናይ ዘይምእዛዝና ንሽገር ኣሎና። ኩሉ ጊዜ ብስራሕን ብዝተፈላለዩ ንጥፈታትን ትሑዛት እንተኾንናን ብጾምን ጸሎትን ምስ ኣምላኽ በይንና ምዃን እንተ ዘይተለማሚድናን ነቲ ብዙሓት ከም ዓቢ ነገር ዝጀሃሩሉ ምድራዊ ነገራት እምበር ነቲ ሓቀኛ ሓይሊን በረኸትን ኣምላኽ ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና።

  1. ብኣምላኽ ምስባሩ፣

ያእቆብ ኣብቲ ብኣምላኽ ብምልኣት ዝተሰብረሉ ቦታ እዩ ተባሪኹ። ኣብ ጰኒኤል ሓደ ሰብኣይ ምስ ያእቆብ ተቓሊሱ። ኣምላኽ ንዕስራ ዓመታት ምስ ያእቆብ ተቓሊሱ እዩ፣ ያእቆብ ግን ኣይተሳዕረን። ኣምላኽ ኩሉ ንሱ ኢዱ ዘንበረሉ ነገራት (ክሳዕ ክንደይ ብምስትውዓልን መደብን ይገብሮ ምንባሩ ብዘየገድስ) ከም ዝበላሸዎ ከርእዮ ፈቲኑ። ያእቆብ ግን ገና ደረቐኛ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ ኣምላኽ ንያእቆብ ምሕኩልቱ ቆጺዎ (ዘፍ.32፣25)። ምሕኩልቲ እቲ ዝሓየለ ክፋል ኣካላት ሰብ እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ንእኡ ቆጺዎ። ኣምላኽ እምበኣር ነቲ ዝበርትዐ ነጥብታት ህይወትና ክሕምሽሾ ይደሊ።

  1. ንኣምላኽ ምጽምኡ፣

ያእቆብ ኣብቲ ንኣምላኽ ብምሉእ ልቡ ዝደለየሉ ቦታ እዩ ተባሪኹ። ኣብኡ "ከይባረኽካንስ ኣይሓድገካን እየ፣" (ዘፍ.32፣36) ኢሉ። ኣምላኽ ነዘን ቃላት እዚኣተን ክሰምዕ ዕስራ ዓመታት ተጸብዩ እዩ። እቲ ምሉእ ህይወቱ ብኹርነት፣ ኣንስቲ፣ ገንዘብን ጥሪትን ከሳድድን ክደሊን ዝጸንሐ ሰብኣይ ኣብ መወዳእታ ንኣምላኽ ደልይዎ። እዚ ከኣ እቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወት ያእቆብ ክገብሮ ዝደሊ ዝነበረ ነገር እዩ።

  1. ምስ ኣምላኽ ብቅንዕና ምዝራቡ፣

ያእቆብ ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ብቅንዕና ዝተዘራረበሉ ቦታ'ዩ ተባሪኹ። ኣምላኽ "እንታይ እዩ ስምካ?" ኢሉ ሓቲትዎ። ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ኣቦኡ ተመሳሳሊ ሕቶ ምስ ሓተቶ "ኤሳው እየ" (ዘፍ.27፣19) ኢሉ'ዩ መሊሱ። ሕጂ ግን ብቅንዕና "ያእቆብ" (ዘፍ.32፣27) ኢሉ መሊሱ። ብካልእ ኣበሃህላ "ጎይታ ኣነ እቲ መታለሊ፣ መንጣሊ፣ ዋጋ ዕዳጋ ዝገብር ሰብ እየ" ኢሉ። ሕጂ ጉርሒ ወይ ሸፈጥ ዘይብሉ ኮይኑ። ኣምላኽ ከኣ ባሪኽዎ። ኣምላኽ እምበኣር ኣብቲ ቅኑዕ ዝኾነሉን ምምሳል ዘቋረጸሉን ኣብቲ "ጎይታ ኣነ ግቡዝ እየ፣ ዘሕፍር ነገርን ዘይኮንካዮ ምምሳልን ኣብ ህይወተይ ኣሎ" ዝበለሉን ቦታ ባሪኽዎ። ሰብ ካብ ውሽጢ ልቡ ከምዚ ክብል እንተኾይኑ ብሓቂ ክስበር ኣለዎ። ብምሉእ ልብና ቅኑዓት፣ ንጹሃትን ክፉታትን እንተኾንና ንበረኸት ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ደረት ኣይክህልዎን እዩ።