ግሩም መልእኽቲ ዘፍጥረት (Part 3)

Study Bible Books
Typography

ዕርቃና ዝሽፍን ኣምላኽ!  "እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ንኣዳምን ንሰበይቱን ደበሎ ገይሩ ኸደኖም።" ኣብ ዘፍጥረት ሳልሳይ ምዕራፍ እንተ ርእይና ድማ ሃደ ግሩም ዝዀነ ናይ ኣምላኽ ስራሕ ንርኢ። ከምቲ እቲ ታሪኽ ንፈልጦ ኣዳምን ሄዋንን ካብቲ ኣምላኽ ዝኣዘዞም መስመር ምስ ምወጹ ኣበሳ ምስ ፈጸሙ ዕርቃኖም እዮም ወጺኦም። እቲ ቐደም ብኽብሪ ኣምላኽ ተሸፊኖም ከለዎ ዘይሓፍሩን ዘይሓንኩን ዝነበሩ ሕጂ ግና ብሰንኪ ኩፉእ ኣበሳ ጣርዮም ምኻኖም ፈሊጦም ብሕንከት ተዋሕጡ። ኣብዚ እዋን እዚ እምብኣር እዩ ኣምላኽ ብፍቕሩን ድንጋጹን ተላዒሉ ዕርቃን ፉጡራቱ ብደበሎ ጌሩ ዝሸፈነ።

እዚ ዘመሓላልፎ ረዚን ዝዀነ መልእኽቲ ኣለዎ እዩ። ብደበሎ ጌሩ ዕርቃኖም ክሽፍኖም ከሎ ናይ ግድን ዝፍስስ ደም በጊዒ ክህሉ ኣለዎ እዚ ድማ ተምሳል እቲ ስለ ደቅሰባት ክብል ደሙ ዘፍሰሰ መድሓኒ የሱስ ክርስቶስ እዩ። ኣስታት ኩሉ ብደም ከም ዝነጽህ ከኣ የርእየና ኣሎ። ኣምላኽ በይኑ ጥራይ እዩ ነቲ ውሽጥዊ ዕርቃን ሰባት ክሽፍን ዝኽእል።

ኣዳምን ሄዋንን ካብ ሕፍረቶምን ሕንከተሙን ዝተላዕለ ቖጽሊ በለስ ኣላአጋጊቦም ክሽፍንዎ እዮም ሓሲቦም። ንግዜ ሸፊኖም ግና ንነዊሕ ግዜ ንዕርቃኖም ክሽፍነሎም ኣይክእልን እዩ። ኣምላኽ ናይ ዘልኣለም ምሕረት ግና ከዊልልዎም። ነቲ ብሰንኪ ዘይምእዛዝና ኣብ ህይወትና ዝወረደ ዕነወት እንኰ ክኣልዮ ዝኽእል በቲ ንሕና ዝተጣበብናዮ ጥበበ ወይ መንገዲ ዘይኰነስ ኣምላኽ እዩ። ሎሚ ብሰንኪ ኣብ ህይወትና ዝፈጸምናዮ ኣበሳን በደልን ሕፍረትን ሕንክን ኣሎና ጥራይ ዘይኮን እቲ ብሉጽ ንኹለመናና ዝሽፍን ክብሪ ኣምላኽ ሲኢናዮ ኢና። ብስንኪ እዚ ድማ ሞት እዩ ዝግስየና ዝነበረ። ካብዚ ኩሉ ሓራ ክንውጽእ ግና መድሓኒ ተገሊጹ ኣብ መስቀል ሞይቱ ነቲ ከልካሊ መጋረጃና ቐዲዱ ሕፍረትና ኣልዩ። ቃል ኣምላኽ ክዛረብ ከሎ እምብኣርሲ ብሓቂ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዐሎ እምበር፡ ንመላእኽትስ ኣየልዐሎምን እሞ፡ እቶም ውሉድ ብደምን ስጋን ካብ ዚሐብሩስ፡ ብሞቱ ነቲ ሓይሊ ሞት ኣብ ኢዱ ዝሐዘ ምእንቲ ኺስዕር፡ ንሱውን ድያብሎስ እዩ፡ ነቶም ብፍርሃት ሞት ብዘሎ ዘመኖም ብባርነት ተታሒዞም ዝነበሩ ዂላቶም ሓራ ምእንቲ ኼውጽኦም ኢሉ፡ ንሱውን ብእኡ ሐበሮም። ስለዚ ነቲ ሓጢኣት ህዝቢ ምእንቲ ኼተዐርቕ፡ ብናይ ኣምላኽ ዘበለ ደንጋጽን እሙንን ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ኪኸውን ብዂሉ ነቶም ኣሕዋቱ ኺመልሶም ተገብኦ። " እብ 2፣16-17

ሎሚ ብሰንኪ ዕርቃና ምኳና ናይ ሞት ሃዋህው ኣብ ልዕሌና ይዝንቢ ፍርሓት ይመልከና ኣሎ? እቲ ብስራት እዚ እዩ የሱስ ክርስቶስ ዝተሰወኣ ገንሸል ፋስጋና ካብዚ ባርነት ነጻ ኣውጺኢና እዩ። ዕርቃኑ እናኸደ ትብዓት ረኺቡ ዝመላለስ ሰብ የሎን እዚ ንኹላትና ርዱእ ነገር እዩ። እዚ ናይ ደገ ዕርቃን ክሳብ ክንድዚ ዘሕፍርን ዘነውርን ካብ ኰነ ደኣ እቲ ናይ ውሽጢ ዕርቃና ደኣ ክሳብ ክንደይ? እምብኣር ሎሚ ነዚ ውሽጣዊ ዕርቃና ክሽፍን ዝኽእል የሱስ ካብ ተረኽብ ስለምንታይ ነቲ ንሕና ንውሽጥና ክኸድን እዩ ኢና ለቢስናዮ ዘሎና ጹዩይቕ ጭርቂ ደርቢናን ኣሊናን ካብ ጻድቂ ናይቲ ገንሸል ኣምላኽ ሓጥያት ዓለም ዘርሕቕ መድሓኒ ንልበስ። ሹዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰባትን ትብዓት ክህልወና እዩ። ንሱ በይኑ እዩ ዕርቃን ኣበሳና ዝኸደን።

ኩብራት ሰማዕቲ እተን ካልኦት ኣብ ዘፍጥረት ክንርእየን ዝደለኹ ኣብቲ ኣምላኽ ዝፈቐድ ግዜ ክንርእዮ ኢና። ሕጂ ግና በዘን ዝረኣናየን ሰለሰተ ሓሳባት ክንውድእ። ኣምላኽና ንጸልማትና ዘብርህ ንውሽጥና ብሰናይ ነገር ዘጽግብ ነገር እዩ እሞ ብብርሃኑ ብርሃን ክንርኢ ብበረኸቱ ክንጸግብ ናብኡ ንቕረብ። ንሱ ይሓልየንላ ጐደልና ይፈልጥ እዩ እሞ ካብ ምጭናቕ ንኣምላኽ ንእምኖ። እቲ ብሓጥያት ዕርቃኑ ወጺኡ ዘሎ መንፈስና እሞ ድማ ክብሪ ኣምላኽ ስኢኑ ዘሎ ህይወትና ብኽብሪ ኣምላኽ ክመልእ ደም የሱስ ክርስቶስ ንኣበሳና ኣጽርዩ ብኽብሪ ደበልኡ ክሽፍነና ንተበጃውነቱ ንእምን። ኣምላኽ ይባርኹም።

ተፈጸመ።

 

ግሩም መልእኽቲ ዘፍጥረት (Part 1)

ግሩም መልእኽቲ ዘፍጥረት (Part 2)