ግሩም መልእኽቲ ዘፍጥረት (Part 1)

Study Bible Books
Typography

ነፍሲ አከፍ ሕጥቦ ጹሑፍ ወይ ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ፍቕሪ ኣምላኽን ምሕረቱን እየን ዘርእያን ዘግህዳን። ነዚ ድማ እዩ ቃል ኣምላኽ ንምህናጽና ንምምዓድና ነቲ ሓቐኛ መንገዲ ከርእየና ዝተጻሕፈልና። ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ጋህ ኣቢሉ እዩ ዘርእየና። ማእከለያ ሕመረት መጽሓፍ ቁዱስ ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ ዝብል እዩ። ፍቕሪ ኣምላኽ ሰባት ብዘይኣፈላላይ ንፍጥረት ብማዕረ በዱ ብየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ እዩ። 

ነዚ ፍቕሪ እዚ ዝገልጸልና መጽሓፍ ከኣ እቲ እንኰ ቃል ኣምላኽ እዩ። መጽሓፍ ቁዱስ ክጸሓፍ ከሎ ታሪኽ ክንግረና ጥራይ ዘይኰነ ዕላማ ኣምላኽ ንዓና ንደቂ ሰባት እንታይ ምዃኑ ከርእየናን ክገልጸልናን እዩ። ኣብዚ ጥቑሉል መጽሓፍ ድማ ንነፍሲወከፍና ዝኸውን መልእኽትን ሓሳብ ኣምላኽን ኣሎ። ዳዊት ኣብዚ ቓል እዚ ንህይወት ዝኸውን ለውጢ ከም ዘሎ ፈሊጡ ድማ እዩ ኣብ ቃልካ ተኣምራት ክርኢ የዒንተይ ክፈተለይ ዝበል። እወ ብምስትውዓል እንተ ኣቕልብላሉን ኣስተውዒልናዮን ንነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ህይወትና ዝኸውን ተኣምራት ኣለዎ።

ቃሉ ሊእኹ ፈወሶም ካብ ጥፍኣት ጉድጋድ ድማ ኣናገፎም ይብልና፣ ሎሚ ካብ ዓዘቕቲ ዝኣተናዮ ህይወት ከናግፈና ናይ መንፈን ነፍስን ፈውሲ ክህበና ዝኽእል እቲ እንኰ ብኣምላኽ ካብ ኣምላኽ ብመንፈሱ ዝመጸ ቃል ኣምላኽ ጥራይ እዩ። እቲ ካባና ዝድለ ልብና ነዚ ቓል እዚ እምብዝ ክናፍቖ እሞ ተኣምራት ኣምላኽ ክንርኢ ኣምላኽ ምስትውዓልና ክኸፍተልና ምልማን ጥራይ እዩ። ቃልካ ንመንገደይ ብርሃን ንእግረይ ድማ መብራህቲ ተባሂሉ ከም ዘሎ። ብብርሃኑ ብርሃን ርኢና ኣብ ውሽጢ ፍጹም ፍቕሪን ሓልዮትን ኣምላኽ ክንርዕም ኣምላኽ ይደግፈና። ኩቡራት ሰማዕትና ቐጺልና ካብዚ ንዓና ካብ ኣምላኽ ዝተዋህበና ቓል ክንርኢ ኢና ብፍላይ ካብተን ቀዳሞት ምዕራፋት ናይ መጽሓፍ ዘፍጥረት ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

1 ንጸልማትና ናብ ብርሃን ዝልውጥ ኣምላኽ

“ኣምላኽ ብመጀምርያ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።  ምድሪ ድማ በረኻን ጥራያን ነብረት ጸልማት ከኣ ኣብ ልዕሊ መዓሙቕ ነበረ። መንፈስ ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ማያት ይዝንቢ ነብረ። ኣምላኽ ክኣ፡ ብርሃን ይኹን በለ። ብርሃን ድማ ኾነ። ኣምላኽ ድማ ነቲ ብርሃን ጽቡቕ ከም ዝኾነ ረኣየ። ኣምላኽ ክኣ ነቲ ብርሃን ካብ ጸልማት ፈለዮ።  ኣምላኽ ነቲ ብርሃን መዓልቲ ኣውጽኣሉ። ነቲ ጸልማት ከኣ ለይቲ ኣውጽኣሉ። ምሸት ኮነ ብጊሓትውን ኮነ፡ ሓንቲ መዓልቲ።” መጽሓፍ ቁዱስና በዛ ጥቕሲ እዚኣ እትጅምር። ኣብቲ ፈለማ ሰማይን ምድርን ዝተፈጥረሉ እዋን ምድሪ ጥራያን በረኻን ከም ዝነበረት ይነግረና። ከምቲ ኣቀድም ኣቢልና ዝረኣናዮ ቃል ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ንዓና እዩ ካብኡ ኸኣ ንህይወትና ዝኸን መነሳዊ ትርጉም ኣለዎ። እወ ኣብቲ ምድሪ ጥራያን ዝነበረትሉ እዋን ኣምላኽ ከምኡ ክትቅጽል ኣይሓደገና እንታይ ድኣ ብርሃን ይኹን በለ። ሎሚ ነዚ መልእኽቲ ወይ ጥቕሲ እዚ ናብ ህይወትና ነምጻዮ። ህይወትና ብዙሕ ግዜ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብስንኪ ዝተፈላለየ ኩነታት ጸልማት ዝኸበባ ጥራያ ዝዀነትሉ ሰዓትን መዓልትን ብዙሕ ግዜ ምኻኑ ክንክሕዶ ዘይንኽእል ሓቒ እዩ። ዋላ ሕጂ እውን ተዀነት በዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ናይ ጸልማትን ደረቕን ህይወት ትሓልፍ ትህሉ። ኣብዚ ኸምዚ እዋን እዚ ዘሎ ናይ ተስፋ ቑርጸትን ምሕላልን መንፈስ ኣዚዩ ዓቢ እዩ። በዚ ኸመዚ ክትሓልፍ ከሎኻ ዝረኣየካ መጻኢ ኩሉ ከምቲ ከቢቡካን ገዚእካን ዘሎ ጸልማት እዩ። ሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ጸልማት ስለ ዝዀነ ግብሩ ኩሉ ድማ ብጸልማት ስለ ዝግለጽ ኣብ ጎዕዞ ህይወትና ድማ ግብሪ ጸልማት እናመጸ ንመንገድና ዘጽልምቶ እዋን ሒደት ኣይከን ይኹን ኣምብኣር ኣብዚ ኸምዚ እዋን እቲ ብርሃን ዝኸነ ኣምላኽ እሞ ኸኣ ብየሱስ ኣቢሉ ግብሪ እቲ እኩይ ጸልማይ ከፍርስ ዝተገልጸ ኣቢሉ ንህይወትና ብብርሃኑ ክልውጣ ከም ዝኽእል እዚ ዝነበብናዮ ናይ ዘፍጥረት ጥቕሲ ይምህረና ኣሎ።

እዚ ኣብዚ ተጠቂሱ ዘሎ ብርሃን ተምሳል ናይቲ ኣብ ጸልማ ብርሃን ይኹን ዝበለ የሱስ ክርስቶስ እዮ። የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ናይ ህይወትና ባዶነት ክምልእ ዝኽእል እዚ መድሓኒ እዚ ጥራይ እዩ ንጸልማትና ከብርህ ዝኽእል ነዚ እዩ ኣብ ወንጌል የውሃንስ 1፣1-6 “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።  እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዂሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን።  ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። ሎሚ እቲ ንህይወት ዝኸባ ዘሎ ጸልማት በዚ ብርሃን ዝዀነ መድሓኒ ክዋሓጥ እዩ። መድሓኒ ኣነ ብርሃን ዓለም እየ ብኣይ ዝኣምን ከኣ ኣብ ጸልማት ኣይክመላለስን እየ ኢሉ ኣሎ።   ዳዊት ዘማራይ ክዝምር ከሎ “ንመብራህተይ ተድምቖ ኢኻ እሞ፣እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ንጸልማተይ የብርሆ እዩ።” ይብል ኣብ 18፣22 ወሲኹ ኣብ ኣኣብ መዝሙር 27፣1-2 “እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣ ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፣እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፣” ብምባል ይዝምር። 

ሎሚ ነዚ መንገድን ብርሃንን ዝዀነ መድሓኒ ብርሃን ህይወትና እንተ ጌርናዮ ኣብ ጸልማት ክንስልጥንን ልዕሊኡ ክንመላለስ ንሱ ብርሃን ደጀና ዀይኑ ድማ ብዕገብትን ርውየትን ክንመላለስ ኢና። እቲ ብርሃን ምስ መጸ ነቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ጸልማት ከርሕቖ እዩ። እቲ ጸልማት እውን ኣብ ቅድሚኡ ኣይክቀውምን እዩ። ብብርሃኑ ድማ ብርሃን ክንርኢ ኢና። ኣብቲ ብርሃን ተቐሚጥና ኸኣ ንብዙሓት ናብ ብርሃን ክንመርሕ ኢና። ብዙሓት ኣብዚ እዋን ነዚ ብርሃን ዘርእየና መን እዩ ይብሉ ኣለው እቲ ኣብ ህይወቱ ብርሃን ዝረኣየን ዝጠዓመን ሰብ ግና ብርሃን ከርእዮም ኣይጽግሞን እዩ። መንፈስ ኣምላኽ ብምምልኣት ክገዝኣና ንፍቀደሉ እሞ ብድሕሪኡ ኣብ ህይወትና ፍጹም ብርሃን ኣምላኽን ግሩም ዕገበት ጐይትና ክንምኮርን ኢና።

ይቅጽል!