20
Sat, Apr
0 New Articles

ዕዙዝ ጸጋ - ክርስትያናዊ ምስትንታን

Message 1
Typography
ግናኸ ንሕና ገና ሓጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፡ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንኣና በዚ የርኢ ኣሎ።ሮሜ 5፡8

 

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘሎ ምሳሌኣዊ ዛንታታት ብዝለዓለ ካብ ዚጥቀሳ ሓንቲ "ዛንታ ወይ ምስላ ናይቲ ጥፉእ ወዲ" እያ። ካብቲ ሃብታም ኣቦኡ፡ "እቲ ዚግበኣኒ ርስቲ" ምቐለኒ ኢሉ ነቦኡ ዳርጋ ኣገዲዱዎ መገዱ ቐጸለ። ኣቦኡ ዋላኳ እንተዘይፈተወ ስለቲ ግቡእ መሰል ወዱ ግና ኪዓግቶ ኣይደለየን። ምቅሊቱ ሒዙ ዝኸደ እዚ ወዲ ግን ኣይነፍዐን።

እኳ ደኣ ገንዘቡ ኹሉ ምስ ሓጥኣን ዘርዩ ወድአ እሞ ናብ ባርነት ወደቐ። ካብ ቅድሚ ዓለም ኮነ ካብ ቅድሚ ኣቦኡ መሰል ዘይብሉ ምዃኑ ድማ ዋላ ባዕሉ ተኣመነ። ካብዚ ንንዮ እዚ ወዲ እዚ ኣብ ናቱ ክእለት ኮነ ዚውንኖ ነገር ምውካሉ ምማት ጥራይ ነበረ።

ካብዚ እተላዕለ ድማ እዩ ባርያ ብባርያኡስ ኣብ ቤት ኣቦይ ባርያ ምዃን ይሕሸኒ ኢሉ ዝመረጸ። ኣብ ዓለም ተደርብዩ ካብ ዚመውትሲ ኣብ ቤት ኣቦኡ ባርያ ምዃን ከምዚበልጽ ረኣየ፡ እዚ ብዝመኸረ ድማ እዩ ምስ ኣቦኡ ኪራኸብ ዕድል ዝረኸበ፡ ኣቦኡ ግና ዝኾነ ነገር ኪገብረሉ ዚግደድ ኣይኮነን። ነዚ ሓጥእ፡ ዘራዊ፡ ከንቱ ዝኾነ ወዲ እዚ እንታይ ኪረኽቦ ምተገብአ? እቲ ፍርዲ ብመሰረት ሕጊ ፍጥረት ዓለም ፍሉጥ እዩ፡ ምድርባይ ምውጋዝ ማእሰርትን ኪነኔ ሞትን!

እቲ ዝሰዓበ ግና ፍጹም ኣንጻር እዚ እዩ። እዚ ሃብታም ብሩኽ ኣቦ እዚ ካልእ ልቢ እዩ ዘለዎ እሞ ንወዱ ብዝረኣየ ልቡ ተገላበጦ። ሕንቕንቕ እናበለ ድማ ሓቚፉ ሰዓሞ። ዋላኳ እቲ ወዲ "ወድኻ ክበሃል ኣይግበኣንን። ኣይበቅዕን እየ" ባርያኻ ክኸውን እንተበሎ፡ "የለን" ብምባል ኣቦኡ "ብሉጽ ክዳን ኪኽደን፡ ቀለቤት ኪእሰረሉ፡ ከምኡውን ስብሕቲ ላም ክትሕረደሉ" ድግስ ኪድገሰሉን ደኣ ኣዘዘ። ዝሓጥኦ ዘባኸኖ ዝዘረዎ ከም ሓደ ነገር እኳ ኣይተላዕለን። ኣብ ክንድኡ ግና ወዮ ኣቦ "እዚ ወደይ እዚ" ኢሉ ውልድነቱ ኣስመረሉ። እዚ እዩ ዮሃንስ ብዛዕባቶም ጥፉኣት ዝነበርና ክርስትያን ዚዝክር፦ "ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንበሃል እቲ ኣቦ ከመይ ዝበለ ፍቕሪ ሃበና! ከምኡውን ኢና።" (1ዮሃ 3፡1)

ኣዝዩ ዚገርም ብጽሒት እዩ። ድርቡይ እየ፡ ሓጥእ እየ፡ ዘራዊ እየ፡ ከንቱ እየ፡ ኣባኻኒ እየ ክትብል ጸኒሕካ፡ ብኡ ብኡ "ወደይ" ክትበሃል፡ ካብዚ ዚዓቢ ውህበት ፈጺሙ የለን!

"እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ (ህያው ኮይኑ) ሓውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ" ዝበለ ኣቦ (ሉቃ 15፡23-24) ተግባር ናይቲ ወዱ ኣይረኣየን። ጥፍኣቱ፡ ዕልወቱ ኪዝክርውን ኣይፈተወን። ነዚ ሕያዋይ ኣቦ፡ ባህ ዘብሎስ "መንነቱ" ደኣ እዩ። "ውሉድ" እዩ፡ ሓጢኣት ኮነ ካልእ ነቲ ናይ ውሉድነት ሓቂ ኪሓኮ ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ ኣምላኽ ፍቕሩ ዘለኣለማዊ ብምዃኑ እዩ ወዱ ዝሃበ። ብርግጽ ሰብ ብሰሪ ሓጢኣቱ ይመውት፡ ግናኸ እዚ "እንተዘይተነሳሕኩም" እዩ (ሉቃ 13፡3)። እቲ ውሉድ ኣብ ዝሃለወ ሃልዩ ውሉድ እዩ። እዚ ምስ ዚዝክር ወዲ ሰብ ኣብ ዘበለ ኣቢሉ ጠፊኡ እኳ እንተነበረ ናብ ኣቦኡ ምተመልሰ፡ እቲ ሽግር ግና ሰብ ነዚ ስለዚርስዕ እዩ፡ ሰብ ነቲ "ፈልፋሊ ህያው ማይ" ሓዲጉ ናብ "ማይ ዘየዕቁር ነቓዕ ሓጽብታት" ስለዚኸይድ እዩ።" (ኤር 2፡12)

ኣብ ክንድ'ዚ ግን እቲ "ኣብ ቤት ኣቦይ ብዙሓት ባሮት ... ይጸግቡ፡ ኣነ ኸኣ ኣብዚ ብጥሜት እመውት ኣለኹ ...፡" ዝበለ ኹሉ ናብ "ኣቦ" ምምላሱ ዘይተርፍ እዩ። እዚ ዚኸውን "ድምጺ ኣቦ" ምስእተለሊ፡ ምስእትሰምዕ ምስእትዝክር እዩ። "ነቓዕ ሓጽብታት" ወይ ኣማራጺ ዚኾነካ ነገር ወይ ምህሮ ወይ ተስፋ እንተሓዝካ ግን መመሊሱ ካብ ዝኽሪ "ኣቦ" ካብ "ህይወት ምስ ኣምላኽ" ከምዜርሕቐካ ርግጽ እዩ።

ናብ ቀንዲ ሕቶና ክመጽእ። እዚ ኣቦ ነቲ "ጥፉእ ወዲ" ኪቕበል እንታይ ዘገድዶ ኣለዎ? ዋላሓንቲ! እቲ ንክርስትና ካብ ካልእ እምነታት ፍልይ ዜብሎ ሓቂ እምበኣር እዚ እዩ። ንሕና ነቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝገበረልና ምብጃው እንበቅዕ ሰባት ኣይኮንናን። ንሕና ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዚገልጸና "ነቲ ናይ ስጋን ናይ ሓሳባትን ድሌት እናገበርና፡ ቀደም ብትምኒት ስጋና ... ንነብር ነበርና፡ ... ብባህርይና ደቂ ቁጥዓ ነበርና።" (ኤፌ 2፡3) ካብዚ እተላዕለ ዚግበኣና ፍርዲ፡ ውርደትን ቁጥዓን እዩ ነይሩ። እቲ ብክርስቶስ ኣቢልና ዝረኸብናዮ ግን "ውሉድ" ክንበሃል እዩ። እዚ ዘይግበኣና ሓልዮት እዚ ከኣ እዩ "ጸጋ" እናተባህለ ዚጥቀስ። ብዝኾነ ይኹን መገዲ ክንረኽቦ ዘይግበኣና ምርካብና ካብ ሕጊ ተፈጥሮ ወጻኢ እዩ። ብመሰረት ፍርዲ ብጽሒትና ሞት እዩ ዝነበረ፡ ንሕና ግና ህይወት አረ ህይወት ምስ ተረፉ እኳ እወ ህይወት ዘለኣለም ረኸብና። እዚ ብመሰረቱ መስተንክር እዩ። በዚ ኸኣ እዩ ምስ ዝኾነ ዓይነት ፍልስፍና ዝተፈላለዩ እምነታት ዚጻረር ዚገብሮ።

"ጸጋ" ኣምላኽ ጥራይ ዜርእዮ መለኮታዊ ባህርይ እዩ። ከምቲ ነቲ ጥፉእ ወዲ ካብ ንቡር ወጻኢ ዝኾነ ሓልዮት እተገብረሉ፡ ኣምላኽ ንዓና ክንዲ ሞት ህይወት፡ ክንዲ ፍርዲ ምሕረት፡ ክንዲ ባርነት ከኣ ውልድነት ሃበና። ንጸጋ ግና ጸጋ ዘብሎ ካብዚ ሕልፍ ዝበለ ነገር ድማ ኣለዎ።

ኣቦ እቲ ጥፉእ ወዲ ዘርኣዮ ለውሃት እዚ እዩ። "ሓድሽ ክዳን ክደንዎ፡ ቀለቤት ግበሩሉ፡ ስብሕቲ ላም ሕረዱሉ፡ ንተሓጎስ ድማ፡" እዚ እዩ ነይሩ እቲ ምላሽ። እዚ እዩ ጸጋ! ንዝሰዓረ ዚግባእ፡ ንንጉስ ዚግባእ፡ ንክቡር ሰብ ዚግባእ ኣቀባብላ ተገብረሉ። እዚ እዩ ዕጻ ናይቶም ኣምላኽ ዝጸውዖም ሰባት፡ "... ጸውዖም፡ ... ኣጽደቖም ... ኣኽበሮም።" እዚኦም እዮም እቶም ሰናይ ኣምላኽ ዝተገብረሎም። (ሮሜ 8፡30) አጋ፡ ምልኣት ዘለዎ ልግሲ ኣምላኽ እዩ።

ካብዚ ክንብሎ ዝጸናሕና ከምእነስተብህሎ "ጸጋ" ዚበሃል ሓደ ሕልፍ ዝበለ ሓልዮት ጥራይ ዘይኮነስ ኣዝዩ ዚዓዝዝ ኪኸውን ከሎ እዩ። እዚ ዜርእዮ ዕቤት ልግሲ ናይቲ ኣካል እዩ። ብዘመን ኣስቴር ንኣብነት ንጉስ ኣሓሽዌሮስ ናይ ፋርስ ዝገበሮ "ከም መጠን ልግሲ እቲ ንጉስ ..." ነይሩ። (ኣስ 1፡7) እዚ ኸኣ ንዕቤቱን መንግስቱን ዚገልጽ ነይሩ። ኣብ ኣርእስትና ድማ ነቲ ጥፉእ ወዲ ዝተገብረሉ ድግስ፡ ዕቤትን ስልጣንን ኣቦኡ ዜርኢ እዩ። ወዮ ጥፉእ ወዲ ግና ንዕቤት ኣቦኡ ኪመዝኖ ክሳዕ ዘይክእሎ ነበረ፡ ምኽንያቱ ሚዛኑ ካብ ንቡር ኣተሓሳስባ፡ ካብ ሓሳብ ሰብ ኪሓልፍ ዘይከኣሎ እዩ። ኣምላኽ ንዓና "ጸጋኡ" ኬገርመና ጥራይ እዩ ዚነብር። ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ድማ ንመላእኽቲ እኳ ኣዝዩ ዘገርሞም እዩ። (ሮሜ 3፡10)

ንርኣዮ እሞ እቲ ለውሃትን ውህበትን ኣምላኽ "ንሕና ገና ሓጥኣን ከለና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ ኣምላኽ እታ ፍቕሩ ንዓና በዚ የርኢ ኣሎ።" (ሮሜ 5፡8) ኩሉ እቲ መንነት ኣምላኽ ኣብዚ ተጠቓሊሉ ኣሎ። ኩሉ ዘለዎ እዩ ወፍዩ። እዚ ልግሲ እዚ ኣዝዩ ብዘይ ልክዕ ዚሓልፈና፡ ዚዓብየና፡ ኣብ ኣእምሮና ከነቚሮ፡ መርሚርና ክንበጽሖ ዘይከኣለና እዩ። ልዕል ዚብለና ስለዝኾነ ዕቤት ኣምላኽ ንዓና መስተንክር እዩ። ብመጠን ብዝሒ ሓጢኣት፡ ፍርዲ ሞት ኪፍጸም ተበዪኑልና። ግናኸ ነዚ ዚስዕር ምሕረት ኣምላኽ ብክርስቶስ ተገልጸ። እዚ ጸጋ እዚ ከም መጠን ልግሲ ኣምላኽ ብምዃኑ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ምስቲ ፍርዲ ዘይመዓራረ ሕልፍ ዝበለ እዩ።

እቲ ምኽንያት እዚ እዩ። ሕጊ ብዛዕባ ፍርዲ ሓጢኣት ኣመልኪቱ ኪፈርድ ከሎ ብመጠን እቲ እተገብረ ምግሃስ እዩ። ጸጋ ካብ ሓጢኣት ኣይኮነን ዚነቅል። ካብ ኣምላኽ ካብ መንነቱ እዩ።

"ግናኸ እቲ ውህበት ጸጋ (ኣምላኽ) ክንድቲ ኣበሳ ኣይኮነን። ብኣበሳ ሓደ ሰብኣይ ብዙሓት ሞይቶም እዮም እሞ፡ እቲ ጸጋ ኣምላኽ ውህበቱን ብጽድቂ እቲ ሓደ ሰብኣይ፡ ማለት የሱስ ክርስቶስ ናብቶም ብዙሓት እምብዛ ይዓዝዝ እዩ።" (ሮሜ 5፡15)።

እዚ ማለት - "ጸጋ" - ብዓቐን ምስ ዝተገብረ "ሓጢኣት" ኣይመዓራረን እዩ ማለት እዩ። ጸጋ ምስ ሓጢኣት ኣይመናጸርን እዩ። ሓጢኣት ከም እኒ ሓሶት፡ ስርቂ፡ ምንዝር፡ ቅትለት ... እናተባህለ ኪዝርዘር፡ ኪፍቀድ ይከኣል እዩ፡ ጸጋ ኣምላኽ ግና ኣይልካዕን ኣይብጻሕን እዩ። ምንጪ ኩሉ እንፈልጦን ዘይንፈልጦን፡ ዝበጻሕናዮን ዘይበጻሕናዮን ሰናይ እዩ። ዕዙዝ ዜብሎ ድማ ከም መጠን ልግሲ ኣምላኽ ክሳዕ ምሃብ ወዱ ስለዚበሕ እዩ። ንዓና ንደቂ ሰብ ይሓልፈና ይመልኣና ይዓዘና እዩ።

እቲ ፍልልይ ብዘይ መጠን ዓብዪ እዩ። ሕጊ ብዛዕባና ብዛዕባ ደረት ዘለና ደቂ ሰብ ዚዛረብ ጽሑፋዊ እይ። ንሕና ክንመጣጠሮ ዚወሃበና ኣፈናዊ ባህርይ ኣምላኽ ዜርኢ ገጽ እዩ። ዋላኳ ንዕኡ ፈጺሙ ኪገብሮ ዚኽእል እንተዘይሃለወ፡ ምስ ጸጋ ኣምላኽ፡ ምስቲ ፍጹም ባህርዩ፡ ከተመዓራርዮ ግና ፈጺምካ ኣይከልን። እምበኣርከ፡ እቲ "ግበር ኣይትግበር" ናባና ዚጥምት መስትያት ካብ ኮነ፡ ጸጋ ተባሂሉ ዘሎ ሓልዮት ግና ብዛዕባ ዕቤትን ልግስን እግዚኣብሄር ዚዛረብ ምስጢር እዩ። ንሕና ብሕጊ ኢና ንዕቀን፡ ኣምላኽ ግና ብጸጋኡ እዩ ዚምዘን። ሕጊ ካብ ሸኻ ዚርከብ ቀላይ ወይ ሓጽቢ እንተኾነ፡ ጸጋ ግና ንዓለም ዚኸባ ውቅያኖስ እዩ። ሕጊ ክርእዮ እምበር ክበጽሖ ኮነ ክትንክዮ ዘይከኣለኒ መስትያት ህይወተይ ኪኸውን ከሎ፡ ጸጋ ኣምላኽ ግና ህይወተይ እተረምስሶ በረኸት እዩ።

ሕጊ "ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ፡ ካብዚ ናይ ሞት ስጋስ መን ኮን ኬድሕነኒ እዩ!" ኢልካ ተስፋ ኣብ ምቕባጽ ይውሕጠካ። (ሮሜ 7፡24)። መዋጽኦ ዘይብልካ ድርቡይ ፍጥረት ምዃንካ ቀሊዑ የርእየካ። እዚ ርኢኻ ካልእ ኣማራጺ፡ ወይ መዋጽኦ ምንዳይ እንተቐጸልካ፡ ኣብ ተስፋ ምቕባጽ ኢኻ እትወድቕ። መወዳእትኡ ድማ ኩነኔን፡ ኩሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ከንቱነትን እዩ። ከምቲ ጥፉእ ወዲ ናብ ልብኻ እንተተመለስካ ህድእ እንተበልካ ግና፡ ወዓል ሕደር ከይበልካ ወይ ‘እትሓይሽ መዓልቲ' እናበልካ ከይተጸበኻ ‘ናብ ቤት ኣቦይ ክኸይድ' ትብል እሞ ነቲ "እምበኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ኩነኔ የብሎምን" ዚብል ቃል ተስፋ ትሙከሮ። (ሮሜ 8፡1) እዚ ቀጻሊ ዚረአ ክርስትያናዊ ሓቂ ጸጋ ኣምላኽ እዩ። ዕምቆቱ ድማ ኣብቲ ዕለታዊ ምስ ሓጢኣት ዘሎ ቃልሲ ብመንፈስ ምምልላስ እዩ ዚግለጽ።

ጥርዚ ናይ ጸጋ ኣብቲ ሰብ ኪረአ ከሎ እዩ። ማለት፡ መጀመርያ ጸጋ ኣምላኽ ኣብ መንነቱ ተዓቚሩ እዩ ዝነበረ። ብክርስቶስ የሱስ ኣብቶም ዝኣመንና ኪግለጽ ከሎ ግና ዝያዳ ጎሊሑ ይረአ። ምኽንያቱ፡ እግዚኣብሄር እቲ ካብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ መለኮታዊ መንነቱ ማለት እቲ "ኣዒንቲ ዘይረኣያኦ፡ ኣእዛን ዘይሰምዓኦ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሓስበ" "ጸጋኡ" ብዘሎ ኣባና ምስ ኣውሓዞ፡ ኣባና ኣብቶም እንኣምን ከም መጠን ልግሱ እዩ ተጋሂዱ። እዚ ብፍላይ ንሕና ንእኡ ምስተኣዘዝና ነቲ ናይ ምድሓንና ወንጌል ብቓልን ብግብርን ምስሰመርናዮ ሽዑ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ስልጣናትን መላእኽትን ድማ ተገልጸሎም። ዓለም እትርእዮ'ውን ነዚ እዩ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ድማ መልክዕ እቲ ዘይረአ ኣምላኽ ከምኡ ኢሉ ንኹሉ ፍጡር ብምርኣዩ፡ ማለት ኣባና ብምግሃዱ ጸጋ ኣምላኽ ብኸምዚ ንኹሉ ተጋሂዱ። ካብዚ እተላዕለ እዩ ካብዚ መጠን ዘይብሉ ዕዙዝ ልግሲ ኣምላኽ፡ ሓጥኣን ሰባት ንክርስቶስ እኳ እናረኣናዮ ኣይንመውትን። እቲ ዘይከኣል እምበኣር ተኻእለ። ከመይሲ ከምቲ ጽሑፍ ዚብሎ እቲ ንሰብ ዘይከኣሎ ንኣምላኽ ቀሊል እዩ።

ዕዙዝ ጸጋ ኣምላኽ ኣብዚ እዩ ዘሎ "ሓደኳ ጻድቕ የልቦን እሞ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ።" ሓደኳ ኪድሕን ዚግብኦ የልቦን። ሓደኳ ብህይወት ኪነብር ዚግብኦ የልቦን። ግናኸ ኣምላኽ ነዚ ሓለፍ ኢሉስ "መሰል ውልድነት" ሃበና። ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ናብ ዙፋን ጸጋኡ ምእታው ረኸብና። ክብሩ ክንርኢ ንሕና ድማ ክንነብር በቓዕና። እዚ እዩ ልግሲ መንግስቱን ዕቤቱን ፍቕሩን። ኣመና ዕዙዝ ጸጋ ኣምላኽ!

ነዚ ኬርኢ ዝደለየ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሕግን ጸጋን ዘይራኸብ ጋግ ከምዘለዎ ንሰብ ቆረንቶስ ገለጸሎም። ድሕሪ ዝርዝራዊ ትንታነ ከምዚ ኢሉ ይድምድም። "... በዚ ወገን እዝስ እታ ኽብርቲ እኳ ብምኽንያት እቲ ዚዓዛ (ካብኣ ዚበልጽ ክብሪ) ክብርቲ ኣይኮነትን።" (2ቆረ 3፡11) እታ ክብርቲ ተባሂላ ዘላ "ኪዳን ሕጊ" እያ፡ እቲ ዚዓዛ ክብሪ ድማ "ኪዳን ጸጋ" እዩ። ናይ ጸጋ ኣምላኽ ክብሪ ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ። ኣዳም ብዝገበሮ ሓጢኣት ናብ ብዙሓት "ዘይምኣዛዝ" ስለዝሓለፈ ብዙሓት ከኣ ኣብቲ "ግብሪ ዘይምእዛዝ" ስለዝሓበሩ፡ ሞት ናብ ኩሉ ሰብ ሓለፈ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብውልቁ ድማ ሓጢኡ እዩ እሞ "ሞት" ንነፍሲ ወከፍ ዚግብኦ ኮነ። ናይ ጸጋ ነገር ግን ፍሉይ እዩ። ሓደ፡ ንሱ ድማ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ግብሪ ጽድቂ ገይሩ። ግናኸ ብውህበት ጸጋ፡ "ህይወት" ናብቶም ሓንቲውን ትኹን ግብሪ ጽድቂ ዘይገበሩ ብኸምኡ ሓለፈ።

ሞት ንኺመውት ሰብ ኪሓጥእ ኔሩዎ፡ ምኽንያቱ "ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ።" (ሮሜ 6፡22) ህይወት ንኺረክብ ግና ሰብ ግብሪ ጽድቂ ኺገብር ኣየድለዮን። ምኽንያቱ "ውህበት ጸጋ ኣምላኽ" እዩ "ብክርስቶስ የሱስ ናይ ዘለኣለም ህይወት" ዚህብ። (ሮሜ 6፡23)

እዚ ዜርእየና፡ ኣምላኽ ኣብቲ ንደቂ ሰብ ንምድሓን ዝመኸሮ ምኽሪ ረዳኢ ስለዘይደለየ እዩ። "ኩሉ ካብኡን ብእኡን ንእኡን እዩ እሞ ንእኡ ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ።" (ሮሜ 11፡36) ቀሊል ትምህርቲ ኣይኮነን ትምህርቲ ጸጋ፡ ረዚን ሓቂ እዩ። ገለ ሕዋስ እንተኣትዩዎ ድማ ኣብቲ ዘለኣለማዊ ምደብ ኣምላኽ ምሕዋስ ብምዃኑ ዓብዪ ስሕተት እዩ። ሓደኳ ኣብ "ጸጋ ኣምላኽ" ዚዋሳእ መዓይይቲ የልቦን። ኩሉ "ውህበት ኣምላኽ" ከም መጠን ልግሱ እዩ። (ሮሜ 2፡6) ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ ኣብ ኩሉ መልእኽታቱ ጸቒጡ እዩ ዚዛረበሉ። ምኽንያቱ ኩሉ ሕዋስ ዘበለ ጽዩቕ ክዳን እዩ እሞ ነቲ ንጹህን ቅዱስን ኪዳን ኣምላኽ ዚጽይቕ ጸያቒቶ እዩ።