19
Fri, Apr
0 New Articles

ኣምላኽ ዝጽየፈን ነገራት (1ይ ክፋል)

Message 1
Typography

 ከም ሰባት ኣብዛ ምድሪ ክንመላለስ እንከሎና ብዙሕ ባህ ዘየብሉ ነገራት ንርኢ ኢና።ነቶም ብህ ዘይቡሉና ጉዳያት ክንኣሊ ከኣ ጻዕርታት ንገብር ኢና።ኣብዛ ዓለም ዘሎ ሕጋጋትን ስራዓታት እውን ነቲ ዘሎ ባህ ዘየብል ነገር ንምእላይ እዩ።ከምኡ ኸእ እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ የዒንቱ ባህ ዘየብሎ ነገራት ኣሎ ነዚ ንዑ ባህ ዘየብል ነገራት ከኣ ንሕና ክንጽየፎምን ክንፍንፍኖም እዩ ዝደልየና።

 

ኣምላኽ ኣዝዩ ዝጽየፈ ነገራት ኣለዉ እዮም።ንዕና ከኣ ነቲ ኣምላኽ ዝፍንፍኖ እንተ ዘይፈንፊናዮን እንተ ዘይሪሕቕናሉን ኣብ መወዳእታ ዘስካሕኽሕ ፍርዲ ከም እንቕበል ፍሉጥ እዩ።ነዚ ድማ እዩ ጸሓፊ ናይ እብራውያን ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ ክንደይ ዘስካሕክሕ እዩ ኢሉ ጺሒፉ ዘሎ።ብምቕጻል እምበር ካብቲ ኣምላኽ ዝጽየፎ ገለገለ ባህሪታት ክንሪኢ ኢና


 

1 ኣምልኾ ጣኣት መጽሓፍ ቁዱስ ኣምላኽ ቀናኣ ኣምላኽ ምኻኑ እዩ ዝነገረና።ኣብ ትሕቲ ሰማይ ኮነ ኣብ ካልእ በጀካ ኣምላኽ ኮቶ ካልእ የለን።ነዚ ድማ እዩ ኣብ ዘጻእት 20 ጥቕስ ሓደ ኣምላኽ ናይ መጀመርያ ትእዛዙ ንህዝቡ ከምዚ ትእዛዝ ዝሃበ፣

 

ኣምላኽ በይኑ ኣዩ ዝመስሎን ዝወዳደሮን ከኣ ብፍጹም የለን።ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ከኣ ንሱ በይኑ እዩ።ንሱ ንኹሉ ጌሩ።ደካኒ ኹሉ እውን ባዕሉ እዩ።ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እዩ ቅድሚኡ ኾነ ብድሕሪኡ ማንም ክስራዕ ዘይደሊ።

 

ኣምላኽ ኣብቲ ንህዝቡ ትእዛዛት ዝሀበሉ እዋን ብፍላይ ከኣ ኣብተን ዓሰርተው ትእዛዛት እታ ቐዳመይቲ ሰሪዕዋ ዘሎ ትእዛዝ ኣብ ቅድመይ ካልእ ኣማልኽቲ ኣይ ሃልውኻ እትብል ትእዛዛ እያ።ከምዚ ከኣ ትብል "ካብ ምድሪ ግብጺ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻኹኻ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ።ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልውኻ።ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ኣብ ታሕቲ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ ስእልን ምስልን ዘብል ንዓኻ ኣይትግበር።ኣትስገደሎም ኣይተግልግሎም ድማ።ኣነ እግዚኣብሄር ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ ንዝጸልኡኒ ሓጥኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይን ክሳዕ ራብዓይን ወልዶ ዝቕጽዕ።ንዚፈትውንን ትእዛዛተይ ንዝሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ" ዘጻኣት 20፣1-5።

 

ኣብዚ ብኑጹርን ብዘየደና ግር መንግዲ እዩ ኣምላኽ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ከይነምልኽ ዝእዝዘና ዘሎ። ኣብዚ ጊዜ ኣብዘላ ዓለም ኣምልኾ ጣኦታት ብዛተፈላለየ መንገድታትን መልክዓትን ይረኣ ኣሎ። ኣብዚ ክንፈልጦ ዘሎና ንጣኦታት ምምልኽ ብዝኾነ ምኽንያታት ዝኾነ መርትዖ ኣቐሪብና ሕጋውነት ከንልብሶ ኣይንኽእል ኢና። ነቲ ኣምላኽ ዝፈንፈኖ ንሕና ክንፍንፍኖ ይግባኣና እምበር ሕግዋነት ከንልብሶ ኣይግባኣናን እዩ። ደቂ እስራኤል ካብ ምድሪ ግብጺ ምስ ወጹ እሞ ኸኣ ሙሴ ነዚ ዝራኣናዮ ትእዛዛት ክቕበል ኣብ ከረን ሲና ደይቡ ምስ ደንጎየ ደቂ እስራኤል ዝመርሑና ጣኦታት ንግብር ቢሎም ንኣሮን ምስ ገደድዋ ካብ ወርቂ ዝተለብጠ ጣኦት ምርኽ ገብሩ ኣብቲ እዋን እቲ ቁጥዐ ኣምላኽ ወሪዱ ዘውረደልም ዕንወት ከመይ ዓቢ ምንባሩ ነንብብ።

 

ሎሚ እውን እቲ ኣምላኽ ዝፍንፍኖ ነገር ብምስዓብና ኣባና ዝወርድ ዘሎ ኣደርዕ ብዝተፈላለየ መንገድታት ንርእዮ ኣሎን። ኣምልኾ ጣኦት ማለት እቲ ንኣምላኽ ዝግብኦ ኽብሪ ወሲድካ ንኻልእ ምሃብ እዩ። ክምለኽን ክስገደሉን ዝግብእ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ካልእ ኩሉ ካብኡ ወጻኢ ሓጥያትን መርገምን እዩ ዘምጽእ። ኣብ ሮሜ 1፣21-25 ከምዚ ይብል።"ግናኸ ንኣምላኽ እናፈለጥዎስ ከም ኣምላኽ ጌሮም ስለ ዘየምለኽዎን ዘየኸበርዎን ዘየመስገንዎን ብሓሳቦም ከንቱ ኾኑ እቲ ዘየስተውዕል ልቦም እውን ጸልመተ። ለባማት ኢና እናበሉ ዐሸዉ እሞ ንኽብሪ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብን ኣዕዋፍን ኣርባዕተ መሓውር ዘለዎም እንስሳን ለመም ዚብልን ንዝመስል ለወጥዎ። ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ ንሱ ንዘልኣለም ዝተባረኸ እዩ ኣሜን ንፉጡር ስለ ዘምለኹን ዘግልገሉን ኣምላኽ ከኣ ንስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሀቦም"።

 

ኣምላኽ ክብሩ ማንም ክወስደሉ ኣይደልን እዩ። ኣምላኽ ንወድ ሰብ እንትርፎ ኽብሩ ዘድልዮ ዘበል ኹሉ ሂብዎ እዩ። ብኽብሪ ኣምላኽ ምጽዋት ማለት ንገዛእር እስካ ንጋሀንም ኣሒልፍካ ምሃብ ማለት እዩ።ኣብ ኢሰያስ 48:18 "ክብረይ ንኻልእ ኣይህብን እየ" ይብል።ኣምላኽ ክብሩ ኣይህብን እዩ ክብሩ ዝወስደሉ ከኣ ኣይደልን እዩ።ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 12 ምዕራፍ ንጉስ ሄርዶስ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ቀሪቡ ብትዕቢት ልቡ ተንፊሑ እቲ ንኣምላኽ ዝግብኦ ክብሪ ንዕኡ ስለ ዝወሰድ ሓሲኹ ከም ዝሞተ እዩ ቃል ኣምላኽ ዝነግረና። ንጉስ ንብኩደናጽር ውን እንተ ኾነ እቲ ንኣምላኽ ዝግብኦ ክብሪ ብምውሳዱ ከም እንስሳ ኾይኑ ምስ እንስሳታት ሳዕሪ ዝበለዐ።

 

ሎሚ ምንጪ ጸገምናን ሽግርናን ንኣምላኽ ከም ኣምላኽ ስለ ዘይቃጸርናዮን ደድሕሪ ኣምልኾ ጣኦታት ስለ ዝሰዓብና ጥራይ እዩ። ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ንኻልእ ኣማልኽቲ ምስዓብ ምለት ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ኹሉ ምቑሻሽ እዩ። ኣብ ቆሎሴ 1፣ 15-17 "ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዝረኣን ዘይርእን ዝፋናት ኮነ ወይስ ሕልቅነት ወይስ ስልጣናት ኩሉ ብእኡ ተፈጥሩ ኣሎ እሞ ኩሉ ብእኡን ንእኡን እዩ እተፈጥረ።ንሱ ኸእ ቕድሚ ኹሉ እዩ ኩሉውን ብኡ ተፈጢሩ ኣሎ" ይብል እምበር ብዘይ ኣምላኽ ዝኾነ ነገር የለን።

 

ደጊሙ እውን ኣብ ኢሰያስ 40፣12-15 "ንማያት ብኢዱ ዐሚኹ ዝሰፈረ ንሰማያት ከኣ ብጻብዑ ዝሰደረ ንሓመድ ምድሪ ድማ ኣብ ሚዛኑ ዝሰፈረ መን ዝኣከበ ነኽራን ብሚዛን  ንኾረቢት ብነጥሪ ዝመዘነኸ መን እዩ? ምስ መን ተማኸረ ኣእምሮ ዝሀቦ ነቲ ቑኑዕ መንገዲ ዝምሃሮ ፍልጠት ዘፍለጦ መንገዲ ምስትውዓል ዘርእዮኸ መን እዩ? እንሆ  ኣህዛብ ከም ሓንቲ ነጥቢ ኣብ ዕትሮ ከም ሓንቲ በሰር ኣብ ሚዛን ይቑጸሩ እንሆ ንደሴታት ከም ተጎጋ የልዕል። ይብል  ወሲኹ ከኣ ኣብ ትንቢት ኢሰያስ 42፣ 5 "እቲ ንሰማያት ዝፈጠሮም ዝገተሮን ንምድሪን ንሳ እትብቁሎን ዝዘርገሔ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝቢ ኸኣ ትንፋስ ዝሀበ ነቶም ኣብኣ ዚመላለሱ ድማ መንፈስ ዝሀበ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ... ኣነ እግዚኣብሄር እየ ስመይ እዚኣ እያ ክብረተይ ከኣ ንኻልእ ምስግናይውን ንጹሩብ ምስልታት ኣይህብን እየ" ይብል ወሲኹ ኣብ ትንቢት ኢሰያስ 45፣5-7 "እግዚኣብሄር ኣነ እየ ካልእ የልቦን ብጀካይ ኣምላኽ የልቦን ካብ ምብራቕ ጸሓይ ክሳብ ምዕራብ በጀካይ ካልእ ኬምዜልቦ ምእንቲ ኺፈልጡስ ከይፈለጥካኒ እኳ ኣዕጠቕኩኻ ኣነ እግዚኣብሄር እየ። ካልእውን ከቶ የልቦን። ብርሃን እገብር መዓት ድማ እፈጥር እዚ ኹሉ ዝገብር ኣን እግዚኣብሄር እየ" ይብል።

 

እዚ ኹል ዘምጻኽዋ ጥቕስታት ሓደ ነገር ንምባል እዩ። በጀካ ኣምላክ ካልእ ከቶ የልቦን። ነዚ ረሲዕና ሎም ደድሕሪ ምስልታትን ቁዱሳን  ሰብታን ብምኻድና ነዚ ህያው ዝኾነ ቃል ነፍርሶ ከም ዘሎና ንፍለጥ። ስግደትን ኣምልኾን ክብርን ክወስድ ዝግብኦ ኣምላኽ በይኑ እዩ። ቁዱሳት ሰባትን መልኣኽትን ካልኦትን ናይ ኣምላኽ ቦታ ክወስዱ ብፍጹም ኣይክእሉን እዮም። ደቂ እስራኤል ንኣምላኽ በዚ ኸምዚ ኣካይዳ የጉህይዎ ስለ ዝነበሩ ክሳብ ኣብ ዘላ ምድሪ ፋሕ ዝብሉ ኣምላክ ቕጺዕዎም። እዚ ዝወርድና ዘሎ ኣደራዕ ሳዕቤኑ እዚ ከይከውን ንጠንቐቕ ደኣ። ንቑዱስ ጹሑፋት ከከም ዝመስለና ምትርጋምና ፋይዳ የብሉን።

 

ፈቲና ጸሊእና ተቐቢልናዮ ኣይተቐቢልናዮ ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ንኻልእ ኣማልኽቲ ኮነ ቁዱሳን ነምልኽን ነግልግልን ንሰግደሎም ንእንድሕር ሃልዩና ኣብታ ተስካሕኽህ ኢድ ኣምላኽ ከም እንወድቕን ኢድ ብኢድ ድማ ከይተቐጻዕና ከም ዘይንተርፍ ነስተውዕል ደኣ። መጽሓፍ ቁዱስ ካብ ጣኦታት ተሓለዉ እዩ ዝብል። ከምቲ ኣብ ሮሜ ዝረኣናዮ ኸኣ ንኣምላኽ ክብሪ ምሃብ ገዲፍና ናብ ካልእ ሃተተው እንተ ኣድሂብና ኣምላኽ ከኣ ንርኹስ ኣእምሮ የሕሊፉ ከም ዝህበና ኣይንስሓቶ ደኣ።

 

ምስ መን ኢና እሞ ነቲ ኣምላኽ ኣማልኽቲ ጎይታ ጎይቶት ዝኾነ ኣምላኽ ከነወዳድሮ? እስከ ንሕሰብ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮንጦስ 8፣5-6 "ኣብ ሰማይ ወይስ ኣብ ምድሪ ኣማልኽቲ ዝበሃሉ እንተ ኣለዉስ ከምቲ ብዙሕት ኣማልክትን ብዙሓት ጎይቶትን ዘለዉ ንኣናስ ኩሉ ካብኡ ዚኸውን ንሕናእውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ኣሎና" ይብል ሎሚ ኣብ ልብኻትኹም ክንደይ ኣማልኽቲ ኮን ይህልዉኹም? እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ዘዳግም 6 ጥቕሲ 4ን5ን ክዛረብ ከሎ " ዎ እስራኤል ስማዕ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ሓደ እግዚኣብሄር እዩ። ንስኻ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብኹሉ ነፍስኻን ብኹሉ ሓይልኻን ፍተዎ" ይብል። ሎሚ ነዚ ቃል ኣሚና ናብቲ ኹሉ ዝኽእል ኣምላኽ ንመለስ። ምድሓን እንትርፎ ብሓደ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብካልእ ኮቶ የልቦን። ብካልእ ክንድሕን ሃሰውሰው ንብል እንድሕር ሃሊና እዚ ኣምልኾ ጣኦት እዩ።

 

ኣምልኾ ጣኦት ማለት ካብ ኣምላኽ ወጻኢ ንካልእ ክብርን ኣምልኾን ምሃብ ማለት ጥራይ ዘይኮነ ብተወስኺ ንምድሓን ካብ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ወጻኢ ብካልእ መንገዲ ምንዳይ ማለት እዩ። እዚ ንልቢ ኣምላኽ ዝሰብር ጉዳይ እዚ ከኣ ምድሓን ዘይኮነስ መርገም እዩ ዘምጻልና። ንሰብ ናይ ዘልኣለም ህይወት ሂቡ ከድሕን ዝከኣሎ ኣምላኽ ጥራይ እምበር ከቶ ብኻልእ ኣይመጽእን እዩ። ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ብጀካይ ናብ ኣቦ ክቐርብ ዝኽእል ከቶ ይልቦን ኢሉ።ወሲኹ ከኣ ኣነ መንገድን ሓቕን ህይወትን እየ ይብል ኣብ ትሕቲ ሰማይ ከኣ እንትረፎ ብመድሓኒና ብየሱስ ክርስቶስ ብኻልእ ከቶ ክንድሕን ኣይንኽእልን ኢና።

ደጊመ እብል ኣለኹ ቃል ኣምላኽ እውን ይድግፈኒ እዩ እንትርፎ እቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኣምላኽ  ካልእ ኩሉ ከንቱ ናይ ከንቱነት እዩ። ሎሚ ንመን ተምልኽ ኣሎኻ? ኣምልኾ ጣኦት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍንፉን እዩ። ሎሚ ሰባት ኣእምርኦም ስለ ዝተደፍነ ነናቶም ኣማልኽቲ ኣብ ልቦምን ኣባይቶምን ስለ ዝነበሩ እንሆ ብዘላ ምድር ኣብ ክትወጸሉ ዘይትክእል መረገም ተሸሚማ ኣላ። ሰይጣን ኣእምሮ ሰባት ብምሽፋኑ ዝተፈላለየ ዓይነታት ኣምልኾ ክስዕቡ ይቕስቡ ኣሎ። እቲ ዝደኮነና ኣምላኽ ንዕኡ ከንምልኾ ክንሰግደሉ ከነገልግሎ ይደሊ ኣሎ እሞ ሎሚ ካብ እከይ መንገድና ተመሊስና ጣኦታትና ደሪብና ብህወት መታን ክንበር መወዳእታን ክጽብቐልና ካብ ፍርዲ ኣምላኽ ክንሞልቕ መታን ብምሉእ ልብናን ሓይልና ናብ ኣምላኽ ንመለስ ኣምላኽ ሰማይ ከኣ ክባርኸና እዩ። እዚ ንፍለጥ እንትረፎ ኣምላኽ ካልእ ኣምላኽ የሎን። በጃኻ የሱስ ክርስቶስ ካልእ መድሓኒ የሎን።ሒዝክምዎ ዘልኹም ምስልታትን ጣኦታትን ፋይዳ ዘይብሎም ናብ መወዳእት ከእ ዘየብጹሑን ምኻኖም ፈሊጥኩም ጊዜ ከሎ ብንስሓ ናብኡ ቅረቡ፣

2 ትዕቢት

ካብቲ ካልእ ኣምላኽ ኣዚዩ ዝፍንፍኖ ነገር እንተ ሃልዩ ትዕቢት እዩ። ዑቡይ ሰብ ኩሉ ጊዜ ናይ ኣምላኽን ናይ ካልኦት ቦታ ክወስድ እዩ ዝደሊ። ኩሉ ጊዜ ኸኣ ክብሪ ገዛእ ርኡ ደኣ እምበር ናይ ኣምላኽ ኽብሪ ኣይደልን እዩ።ኣብ መጽሓፍ ቁድስ ኣብ ያቆብ 4፣6 " ንሱ ግና ኣብዚሑ ጸጋ ይህብ እዩ ስለዚ ድማ ኣምላኽ ንዕቡያት ይጻረሮም ንትሑታት ግና ጸጋ ይህቦ እዩ" ይብል ትዕቢት ንቦታ ኣምላኽ ክትክእ ዝደሊ ሰይጣናዊ መንፈስ እዩ። ካልእ ሰብ ኣንጻርካ ክለዓል ከሎ ከመይ ከቢድ ምኻኑ ርዱእ እዩ። እቲ ፈጣሪ ኹል ዓለም ዝኾነ ሓያል እግዚኣብሄር ክጻረረካ ከሎ ኸኣ ከመይ ከቢድ እዩ። ነዚ ከኣ እዩ እኮ ሰብ ምስ ሰብ እንተ ተባእሰ ኣምላኽ ይዓርቆ ሰብ ምስ እግዚኣብሄር እንተ ተባኢሱ ግና መን ይዓርቆ ኢሉ ቃል ኣምላኸ ኣብ መጽሓፍ ሳሜኤል 2 ምዕራፍ ተቒስዎ ዘሎ።

ኣምላክ ነዚ ነገር እዚ ከምቲ ብፍጹም ኣይጻወሮን እዩ። ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ንዕቡይ ዝጻረሮ። እዚ ሎሚ ኣንጻር ደቂ ሰባት ኮይኑ ኣብዛ ዓለም ካብ ፍጥረት ጀሚሩ ሕንፍሽፍሽ ዘእቱ ዘሎ ሰይይጣን ኣብዚ ደረጃ ውድቀት እዚ ክበጽሕ ዝደረኾ እቲ ቐንዲ ምኽንያት ትዕቢት እዩ። ብዛዕባ እዚ ከኣ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኢሰያስ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል።" ኣየ ኣታ ቡሩህ ኮኾብ ወዲ ወጋሕታ ከመይ ኢልካ ካብ ሰማይ ወደቕካ ንስኻ ነህዛብ ዘውደቕካስ ከመይ ኢላካ ናብ ምድሪ ተደርበኻ ንስኻስ ብልብኻ ናብ ሰማይ ኪድይብ ንዙፋነይ ኣብ ልዕሊ ኸረን ኣምላኽ ክቕመጥ እየ ኣብ ልዕሊ ርእሲ ደበናታት ክድይብ ነቲ ኣዚዩ ሉዑል ክመስል እየ በልካ። ኣይፋልካን ናብ ሲኦል  ደኣ ኽትድርበ ናብቲ ማዓሙቕ ደእ ክትድርበ ኢኻ" ይብል። ሰይጣን ካብቲ ናይ ክብሪ ሰማያት ቦትኡን መዝነቱን ትኣልዩ እንሆ ዘላኣለማዊ ዕጭኡ ገሃንም እሳት ኮይኑ ኣሎ።እቶም ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ቐርኖም ልዕል ልዕል ዘብሉ ኩላቶም ድማ ዕጨኦም ከም ናይ ሰይጣን ገሃንም ምኻኑ ካብ ሕጂ ጀሚሮም ክፈልጡ ይግባእ።

እቲ ናይ መጀመርያ ሰብ ካብ ገነት ኤደን ዝተሰጎውን ልቡ ብትዕቢት ተወጢሩ  ነቲ ልዑል ክመስል ስለ ዝደለየ ጥራይ እዩ። ካልእ ኣብ ዘፍጥረት 11 እንተ ኣንቢብና ድማ እቶም ሰብ ባቤል ንኣምላኽ ከርክቡ ኣብቲ ሉዕል ዘለዎ ስፍራ ክበጽሑ ስለ ዝደለዩ ኣምላኽ ካብ ሰማይ ወሪዱ ባዕሉ ንቛንቆኦም ደባሊቑ ፋሕ ከም ዘበሎም ይንግረና። ኣምላኽ ብፍጽም ንትዕቢት ኣይጻወሮን እዩ። ካብ ትዕቢት ክትምለስ እሞ ኣብ ቅድሚኡ ኸኣ ትሕት ክትብል ከኣ ዕድል ይህበካ።መጽሓፍ ምሳሌ ክዛረብ ከሎ ኸኣ ትዕቢት ንውድቀት ትቕድማ ይብለና። ትዕቤት ዘምጾ ፍረ እንተ ሃልዩ መርገም ጥራይ እዩ እዚ ኣብ ታሪኽ ተረጋጊጹ ሕጂ ኸኣ ይረጋገጽ ኣሎ።

ኣብ ምሳሌ 15፣25  ከምዚ ይብል "እግዚኣብሄር ንቤት ዕቡያት ይምሕዎ" ይብል እወ ኣምላኽ ንዕቡያት ጥራት ዘይኮነስ ነቲ ዘለዎም ኩሉ እዩ ዝምንቁስ" ነዚ ድማ ኢና ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቐርንና ከይነልዕል ክንጥንቀቕ ዘሎና ወሲኹ ኣብ ምሳሌ 16፣5 ድማ " ብልቡ ዝዕበ ዘበለ ኹሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፉንፉን እዩ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽሔ ኣይተርፍን እዩ" ይብለና ወሲኹ ኣብ ምሳሌ 21፣4 "ኩሩዓት ኣዒንትን ንፉሕ ልብን ሓጢኣት እዩ ንሱ ኸኣ መብራህቲ ረሲኣን እዩ" ኣምላኽ እምበኣር ኣንጻር ትዕቢተኛታት ምካኑ እንሆ እቲ ትኹል ቃሉ ብዘይሕብእብ ይነግረና ኣሎ።

ትዕቢት ማለት እንታይ ማለት እዩ። ኣብ ጽድቂ ገዛእ ርእስኻ ምውካል ማለት እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ኣምላኽ ንሰብ ክፈጥሮ ኸሎ ንዘለኣለም ካብ ሕቑፉ ከይወጸ መታን ምስእ ክንበር ኢሉ እዩ ደኪንዎ። ከምቲ ዝበልናዮ ግና ሰብ ከም ኣምላኽ ክኸውን ስለ ዝደለየ ካብ እቲ ልዑሉ ፈጣሪ ተፈልዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ጀሚሩ ከኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውድቀትን ኣብ ሓጥያትን ተጨማለቐ። ወዲ ሰብ ከኣ ናብ ኣምላኽ ዘቕርብ ምንም ዓይነት ጽድቂ የብሉን። ኣምላኽ ግና ካብ ምሕረቱን ፍቕሩን ዝተላዕለ ነት ሓጥያት ዘይነብሮ ኣብ ክንዲ ሰብ ሓጥያትና ተሸኪሙ ክስቀል ስለ ዝገበር ሰብ ብኡኡ ኣሚኑ ጽድቂ ክረክብ ኪኢሉ።

ወዲ ሰብ ግና ኩሉ ጊዜ ነዚ ነገር እዚ ብምሕሳም ናቱ ቅድስናን ጽድቅን ከርእን ከናድን ህርድግ ይብል ኣሎ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትዕቢት እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ እቲ ኣምላኽ ዝሃበካ ተሓሲምካ ባዕልኻ ፋሕተርተር ኢላካ ከተምጾ እትጋደሎ ገድሊ ኩሉ ኣብ ቅድሚ ልዑል ኣምላኽ ትዕቢት እዩ።ጽድቅና ኩሉ ጹዩቕ ጨርቂ እዩ። ኣብ ኤፌሶን 2 ካብ 8 ክሳብ 10 ክዛረብ እንከሎ " ሓደ እኳ ከይምካሕሲ ካብ ግብሪ ኣይኮነን እሞ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኻትኩም ኣይኮነን ይብለና"።ትምኽሕቲ እንተሎ ኣንነትን ትዕቢትን ኣሎ ማለት እዩ። ኣምላኽ ከኣ ነዚ እዩ ዝፍንፍኖ። በቲ ኣምላኽ ብወዱ ብየሱስ ክርስቶስ ዝገብሮ ናይ ምድሓን መንገዲ ዘይምእማንን ብጽድቒ ገዛእ ርእስኻ ክትመላለስ ምፍታን ነቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገብሮ ናይ ምድሓን ስራሕ ብቑዕ ከም ዘይኮነ ምእዋጅ እዩ እዚ ኸኣ ሕብእብእ ዘይብሉ ትዕቤት እዩ።

ሰብ ብባህሪኡ ጌረ ፈጺመ ክብል እዩ ዝደሊ ኣምላኽ ኽኣ ብወገኑ ነዚ ከም ዘይቅበሎ እዩ ኣብ ቃሉ ነጊሩና። ሃውርያ ጳውሎስ ነዚ ምስ ተረደኣ እዩ ኣብ ፊሊጲ 3፣ 8-9 " ኣየን እሞ ብእምነት ብክርስቶስ እቲ ብእምነት ካብ ኣምላኽ ዝርከብ ጽድቂ እምበር እቲ ብሕጊ ዝመጽእ ጽድቀይ ሒዘ ኣይኮንኩን ንክርስቶስ ምእንቲ ክረብሕ ብእኡውን ክርከብ ብሓቂ ስለ እቲ ቡሉጽ ፍልጠት ክርስቶስ የሱስ ጎይታይ ኢለ ስሊኡ እዚ ኹሉ እተውጻዕኩ" ይብል።  ሃዋርያ ጳውሎስ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ክምካሓሉ ዝኽእል ናይ ገዛእ ርእሱ ጽድቂ ኔርዎ እዩ ይኹን እምበር ነቲ ዝነበሮ ጽድቂ ምስቲ ኣምላኽ ብወዱ ብየሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ጽድቂ ምስ ረኣየ እቲ ናቱ ከንቱ ምዃኑ እዩ ፈሊጡ በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕትንኡ ኣረኣየ።

ሎሚ ኩቡራት ኣሕዋት ናትና ጽድቅን ግብርን ኣብ መንግሰተ ሰማያት ኣየእትወናን እዩ። ስለዚ ካብቲ ናትና እንብሎ ነገር ወጺና እቲ ናይ ኣምላክ ዘበለ መታን ክንቅበል ካብ ትዕቢት ገዛእ ርእስና ወጺና ኣብ ኣምላኽ ንወከል።ኣብ ምሳሌ 3 ምዕራፍ ካብ ጥቅሲ 5-8 ከምዚ ይብል " ብምሉኡ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣምን ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኩሉ መገድኻ ንዕኡ ሕሰብ ንሱ ኸኣ ኣካይድካ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ ይፈልጥ ኣይትበል ንእግዚኣብሄር ፍራህ ካብ ኩፉእ ረሓቕ። እዚ ንሕምብርትካ ፈወሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጉዕ ኪኾነልካ እዩ"። እቲ ንሕና እንፈልጦ ኣዚዩ ዱሩት እዩ ንሕና ሰባት ጽባሕን ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ እንታይ ከም እንከውን ኣይንፈልጥን ኢና። ኣዚና ዉሱናት ኢና እቲ ዘሕዝን ድማ ነዚ ዘይምፍላጥና እዩ። ኣምላኽ ካብዚ ክንወጽእ ኮታ ጸጉኡ እንተዝህበና።

ጸጋ ኣምላኽን ምድሓኑን በረኸቱን ነቶም ንትዕቢት ተጸይፎም ብትሕትና ኣብ ቅድሚኡ ዝቐርቡ እዮ እም ድኣ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺና ምንም ከም ዘይበልና ፈሊጥና ኣብ ኣምላኽ ምጽጋዕ በረከት ምዃኑ ፈሊጥና ኣእዳውና ናብ ኣምላኽ ነልዕል። ብዙሑ ጊዜ ናትና ጸገም ዘይብልና ክንስን ከም ዘሎና ኮይና ስለ ንቐርብ ጥራይ እዩ። እዚ ኸኣ ናትና ባዶነት እዩ ዝገልጽ።  ዋላ ጹቡቕ ነገር እንተ ሃለወና ካብ ምሕረትን ፍቕርን ጸጋ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝተላዕለ ዝረኸብናዮ እምበር መዓስ ብጽድቅና ኮይኑ?። ከምቲ ኣዳም በደል ፈጺሙ ምስ ተሓብኣ ኣምላኽ ኣበይ ኣለኻ ምስ በሎ ጥራየይ እየ እሞ ተሓባእኩ ዝበለ ንሕና ብዙሕ ጊዜ ኢና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጥራሕና ምኻና` ንዝንግዕ። እዚ እዩ ንትዕቢት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፉንፉን ዝገብሮ።

ሃዋርያ ጴጥሮስ ክዛረብ ከሎ ንሱ ብጊዜኡ ልዕል ከብለኩም መታን ኣብ ቅድሚ እታ ጽንዕቲ ኢድ ኣምላኽ ትሕት በሉ ይብልና። መጽሓፍ ምሳሌ ከኣ ትሕትና ንኽብረት ከም ትቕድማ እያ ዝነግረና። ሰብ ግና ከምቲ ዝበልናዮ ብባህርኡ ትዕቢተኛ ስለ ዝኾነ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ክብል ይጽገም እዩ።

ፍጥረት ኩሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት ክሳብ ዘይበለ ሰዓት ከኣ ፈውሲ ክመጽእ ብፍጹም ኣይክእልን እዩ። ናይ ደቂ ሰባት እቲ ቀንዲ ናይ ትሕትና ኣርኣያና ጎይታና የሱስ ክርስቶስ እዩ። ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ኣምላክ እዩ ፈጣሪ ኹል ምንም ዘይእግሞ ኩነስ ነዚ ኹሉ ሓዲጉ ከም ሰብ ኮይኑ ንምድሕና ክብል ናብዛ ምድሪ ዝመጸ። ነዚ ድማ እኮ እዩ ኣምላክ ነዚ ብነጻ ዝተዋህበና ናይ ምድሓን ህያብ ትሕት ኢልና ክንቅበሎ ዝደልየና።

ብፍላይ መጽሓፍ ቁዱስና ብዛዕባ ትሕትና ጎይታና የሱስ ኣብ ፊሊጲ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል።"ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ ሰብውን መሰለ ብንብረቱ ከም ሰብ ኮይኑ ተረኽበ። ርእሱ ክሳዕ ሞት ኣትሓተ ክሳብ ሞት ኣብ መስቀል ደኣ እኳ ተኣዘዘ" ኣቱም ሰባት እዚ ኩሉ መስዋእተነት ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ነጺግና ናትና ፍረ ጽድቂ ከነመጽእ ምጉያይና ትዕቢት ዘይኮነን?

ትሑታት ጥራይ እዮም መንግስተ ሰማይ ዝኣትዉ ነዚ ኸኣ እዩ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብመንፈስ ድኻታት መንግሰተ ሰማይ ናታቶም እያ እሞ ብጹኣን እዮም ዝበለ። ስለዚ ማንም ሰብ ሓጥያቱ ተኣሚኑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ትሕት እንተ ዘይሉ መውዳእትኡ ገሃንም እሳት እዩ። እዚ ኣነ ፈራዲ ኾይነ ዘይኮንኩስ ቃል ኣምላክ እዩ ባዕሉ ከምኡ ዝብለና። እሞ ደኣ ትዕቢት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፉንፉን ካብ ኮነ ስለምናታይ ካብዚ ሪሒቕና መወዳእታን መታን ክጽብቐልና ናብፈጣሪዘይንምለስ። ኣምላኽ ኩሉ ጊዜ ንትሑትን ስቡርን ልቢ ኣይንዕቖን እዩ።

ኣብ ኢሰያስ 66 ካብ ሓደ ክሳብ 2 ዘሎ ጥቕሲ ክዛረብ ከሎ "እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል ኣሎ ሰማይ ዝፋነይ ምድሪ ድማ መርገጺ` እግረይ እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ከመይ ዝበለ እዩ? እቲ ኣነ ዝዓርፈሉ ስፍራኸ ከመይ ዝበለ እዩ? ኢደይ እያ ነዚ ኹሉ ዝገበረቶ እዚ ኹሉ ኸኣ ኮይኑ ኣሎ ይብል እግዚኣብሄር ጎይታ ሰራዊት። ግናኸ ኣብቲ ሽጉሩን ዱቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዝርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘለኹ" ሎሚ ኣምላኽ ንልባትና እንበር ንንጥፈታትና ኣይኮነን ዝደሊ። ውሽጥካ ከመይ ኣሎ? ኣምላኽ ማህደሩ ክገብሮ ዝብህጎ ዶ ኾን ይኸውን? ኣምላኽ ንዕቡያት ከም ዝማዕቶምን ዝጻረሮምን ተረዲኢና ከይወዓልና ከይሓደርና ናብቲ ኹሉ ዝክእል ኣምላክ ንመለስ፣

ይቅጽል!