20
Sat, Apr
0 New Articles

መለኮታዊ ሕቶታት ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? (ቀዳማይ ክፋል)

Message 1
Typography

1.      ዘፍ4*9፡ Ï"እግዚኣብሄር ከኣ ንቃየል፡ ኣቤል ሓውካ፡ ኣበይ ኣሎ? በሎ።÷" ክቡር ክርስትያን ነዚ ጽሑፍ እዚ ከመይ ገይርካ ኢኻ እተንብቦ ዘለኻ? ቀደም ንቃየል ከምእተባህለ ጥራይ ዶ? ቃል ኣምላኽ ህያው እዩ፡ እብ4*12 እሞ፡ ሎሚ ድማ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንዓይን ንዓኻን ይሓተና ኣሎ። እዛ ኣቤል ሓውኻ እትብል፡ ኣነ ግና ---------------- ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? ኢልካ ከተንብቦ እምሕጸነካ ኣለኹ።


-          ቃል ሓቂ ናይ ምድሓንካ ወንጌል ብእኡ ሰሚዕካ ብእኡ ናብ እምነት ዝመጻእካ ሓውኻ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? መቸም ብዘይሰባኺ ኣይኣመንካን ፡ ሮሜ10*14-17፡ 1ቈረ3*5።

-          እቲ ዝንገር ቃል ምእንቲ ክርደኣካ፡ ስሌኻ ዝነብዐን ዝጸለየን፡ ንስኻ ኣብዚ በጺሕካዮ ዘለኻ ደረጃ ክትበጽሕ ምሳኻ ግዜኡ ዘጥፈኤ፡ መንፈሳዊ ምኽርታትን ኣእምራዊ ምዕዶታትን እናለገሰ ብመጠን እታ ዝበጽሓ ንምልኣትካ ዝተጋደለ ፡ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? መገዲ ቃየል ዲኻ ሒዝካ ዘለኻ? ኣነ ግና እብለካ ኣለኹ፡ እቶም ቅዱሳንሲ ኣድጊ እንተጠፍኦም እኳ ይጭነቁ እዮም።

-          ሓቀኛ ኣምልኾ ዘፍለጠካ፡ እግዚኣብሄር ብእኡ መንፈሱ ዝመልኣካ፡ መን እዩ? ሕጂ ከ ኣበይ ኣሎ? ንስኻ ኸ ኣበይ ኣለኻ? ምዘን ኣምላኽ ቅኑዕ ሚዛን እዩ ዝፈቱ እሞ፡ ዕድሜኻ ምእንቲ ክነውሕሲ ቅኑዕን ድልዱልን ሚዛን ደኣ ይሃሉኻ። እትገብሮ ፍለጥ ቃየል ብዛዕባ ሓው ዝመለሶ ኣንቢብናዮ ኣለና።

-          እቲ ህያው ሰብ ግና ክቡር ስለዝኾነ ክቡር ሓሳብ ይሓስብ እዩ፡ ኣብ ክቡር ነገር ከኣ ይጸንዕ እዩ እሞ፡ ስለዚ ህያው እየ ትብል እንተኮይናካ፡ ከም ቃየል ኣይክትከውንን ኢኻ። ኣነ ዝሓተካ ዘለኹ፡ ዝመስከረልካ እሞ፡ ብእኡ ናብ እምነት ዝመጻእካ ሰብ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? ዶኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ? በርናባስ ግና ንዘይመስከረሉ ግን ከኣ ሓዉ፡ ብክርስቶስ መዋርስቱ ስለዝኾነ ጥራይ ነቲ ደሃይ ዘጥፈኤ ጳውሎስ ደለዮ፡ ሳላ ዝረኸቦ ከኣ ንብዙሓት ንበረኸት ምኽንያት ኮነ። እንሆ እኳ እቲ በረኸቱ ኣርኪቡልናስ ሃናጺ መልእኽትታቱ ነንብብ ኣሎና፡ ግ.ሃ11*25-26። እሞ ኸ ግዲ እቲ ዝመስከረልካ ናብዚ እምነት እዚውን ዘምጽኣካ ዘይምግባርካ፡ በርናባስ ክኹንነካ እዩ ይብለካ ኣለኹ። እቲ ዘመን ምሕረት ኣብዚ ምድሪ እዚ ክሳዕ ዘለኻ እዩ። ናብታ ዘይትምለሳ ምስ ከድካ ግና መዓልቲ ፍርዲ ጥራሕ ኢኻ እትጽበ፡ እብ9*27፡ እምበኣርሲ ደሓርይካ ምእንቲ ክጽብቅ ሕጂ ነዚ መለኮታዊ ሕቶ መልሶ።

-           እከለ ሓውኻ ኣበይ ኣሎ? እወ ኣምላኽ ንዕኡ በጥ ኣቢሉ ሕቁኡ ኣርጊጹ ዘስገረካ ኣብቲ ዓሚቕ ሩባ ዮርዳኖስ ደው ኢሉ ማያት ዮርዳኖስ ናብ ኣዳም እተበሃል ስፍራ ዝኾመረልካ ንስኻ ሳላ ደው ምባሉ ዝሰገርካ፡ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? መዝ66*10፡ እያ3*10-16፡ ንስኻስ ሳላ ዘስገረካ ጸባ ማዓርን ትሰቲ ኣለኻ፡ እቲ ስሌኻ ንብዓት ዝተቀለበኸ ብሓቂ ኣምላኽ ስለ ዝምሓሮ ደኣ እምበር፡ ከም ኤጳፍሮዲጦስ ንምግልጋል ቅዱሳን ክሳዕ ኣብ ሞት ዝበጽሐ ሕጂ ኣበይ ኣሎ? ፊሊ2*25-30፡

-          ከም ኣቢጋይል መስተውዓልቲ ንኹን ነቶም ብጾምን ብጸሎትን ቀጽርና ዝኾኑ ብፍቅሮም ዘሞቁና ከም ሕያወይቲ ኣደ ኮይኖም ዘፋጡኑና ዘዕበዪናን ዝነበሩ ሕጂ ሃለዋቶም ንግበር፡ ናባል ክንክን ናይ ዳዊትን ሰቡን ዝረስዐ ሰብ ነበረ፡ እንታይ ከምዝበጽሖ ከኣ ንፈልጥ ኢና። ግዲ እቲ ዝመስከረልና ዘይምግባርና፡ ሃለዋት ናይቶም ኣብ ጸበባና ጸቢቦም መናብዕትና ዝነበሩ ዘይምግባርና ብሓቂ እንታይ ውሬታ ንመልሰሎም ኣሎና?

-          ጻማ ናይ ክርስቶስ ምዃንካ ትፈልጥ ዲኻ? እሞኸ ጻማኡ ክትከፍሎ ዲኻ? እምበኣርሲ ክርስቶስ በቲ ዝመስከረልካ ሰብ እዩ ዘሎ፡ ብእኡ እንተዘይህሉ ዶ ደኣ ብኢድ ሓውኻ መንፈስ ቅዱስ ምተቀበልካ ይመስለካ ኣሎ? ነቢ ዳኒኤል ዘክርዎ ብዛዕባ ሕልሚ ንጉስ ባቢሎንን ትርጉሙን ክመጻሎም ዝጸለዩ ኣርባዕተ ነበሩ፡ ኣምላኽ ግና ንዳኒኤል ገለጸሉ፡ ብምኽንያት እቲ ምግላጽ ዳኒኤል ልዕል በለ፡ እሞኸ ነቶም ሰለስተ ዝረስዖም ዶ ይመስለኩም ኣሎ? እቲ ጽሑፍ ግና፡ ዳኒ2*49፡ ð"ዳንኤል ንንጉስ ለሚኑ፡ ንሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ኣብ ልዕሊ ተግባር ኣውራጃ ባቢሎን ሾሞም።÷" ይብል እዩ እሞ፡ ከቶ ኣይረስዖምን። ንጉስ ዳዊትውን፡ ነፍሰይ፡ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፡ ምስ በለ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኩሉ ከኣ ኣይትረስዒ ይብል። ስለ ዘይረስዐ ከኣ፡ ኣቢጋይል ኣብ ጸበባኡ ዝገበረትሉ ዘከረ። መገዲ ኩላ ምድሪ ክከይድ ከሎ ከኣ ደቂ ባርዚላይ እቲ ጊልዓዳዊ ዝገበርሉ ዘከረ እሞ፡ ምሕረቱ ኣርኣዮም፡ ከክብሮም ድማ ንንጉስ ሰሎሞን ምሕጽንታ ሃቦ። 1ሳሙ25*1-42፡ 1ነገ2*7። እምበኣርሲ ሓደ እኳ መንፈስ ኣምላኽ ኣሎኒ ዝብል እንተሎ፡ ኣምላኽ ውዕለት ኣይርስዕን እዩ እሞ፡ ንሱውን ክርስዕ ኣይግብኦን እዩ፡ እብ6*9-10። ብሓቂ ሰብ ብክርስቶስ ዝኾነ ህይወት እንተደኣ ኣልያቶስ ክቡር ነገር ክሓስብን ክገብርን እዩ።.......

 

ዘሩባቤል ወልደትንሳኤ