19
Fri, Apr
0 New Articles

ዕጫ ናብልን ከይበጽሓና ንጠንቀቕ

Message 1
Typography
ሓደ ግዜ ሓደ ኣዚዩ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ፣ እዚ ሰብ እዚ ኩሉ ምድራዊ ሃብቲ ዝመልኣሉ። ብሃብቲ ዒቕ ዝበለ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ፣ ምስ እዚ ኹሉ ሃብቱን በረኸቱን ግና ምስትውዓል ዝገደሎ ዕሽነት ከኣ ዝተቓረኖ ጨካን ሰብኣይ እዩ ኔሩ፣ ሓንቲ ኣዚያ መስተውዓሊት ሰበይቲ ግና ነበረቶ፣ እስከ ብዛዕባ እዚኦም እታ ዛንታ እንታይ ከም ዝብለና ነንብቦ “ስም ኣቲ ሰብኣይ እቲ ኸኣ ናብል ስም ሰበይቱ ድማ ኣቢጋይል ነበረ፣ እታ ሰብይቱ ኸኣ ኣዚያ መስተዎኣሊትን መልከዔናን ነብረት፣ እቲ ሰብኣይ ግና ኣዚዩ ጨካን ግብሩ ድማ ክፋኡ ነብረ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሌት ካሌብ ነብረ” 1ሳሜ 25።3 ናብል ዳዊት ኣብ በረኻ ከርተት ኣብ ዝብለሉ ዝነበረ እዋን እዩ ንዳዊት ዝፈልጦ፣ ዳዊትን ሰዓብቱን ነዚ ሰብኣይ እዚ በዓል ውዕለቱ እዮም ኣብቲ በረኻ ንጥሪቱ ብነጻ ብዘይ ዓስቢ ይከናኸንዎንን ይሕልዉሉን ነበረ፣ ብዓመጽ ከኣ ካብ ንብረቱ ሓንቲ እኳ ኣይተንከፉን፣

ሓደ ግዜ እዚ ናባል ዝተባህለ ሰብኣይ  ንባጊዑ ክቐርጽ እሊ ናብ በረኻ ከም ዝኸደ ሰሚዒ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ዳዊት ብብዙሕ መከራ እዩ ተኸቢቡ ኔሩ፣ ኣዚዩ ዓቢ ናይ ኢኮኖሚያዊ ጸገም እውን ኔርዎ እዩ፣ ዳዊት ከኣ ናባን ናብ በረኻ ምምጹ ምስ ሰሚዔ ንባሮቱ ሊእኩ ብትሕትናን ህድኣትን ንዕኡን ንባረቱን ስለ እቲ ዝገበርሉ ሰናይ ነገር ክብል ካብ ዘለዎ ህቦም ሓተትዎ፣ ዳዊት ናይቲ ዝልኣኾ ሕቶ መልሱ ኣውንታዊ ክኸውን እዩ እሉ እዩ ገሚቱ፣ እቲ መልሲ ግና ብኣንጻኡ እዩ ኔሩ፣ ናባል እዚ ምስ ሰመዔ ብኣሽካዕላል እዩ መሊስሎም፣ ንዳዊት ከኣ ኣዚዩ ንዓቖ ከም ሓደ ዘይጠቅም ጌሩ ኸኣ ቆጸሮ ንቶም ባሮት ከኣ ብህያብ ዘይኮነ ኣስተሓፊሩ እዩ ሰዲድዎም፣

እዚ ኣብ እዝኒ ዳዊት ምስ በጽሔ ኸኣ ኣዚዩ ኩቱር ጋሂ ግሁዩ ሕነ ንምፍዳይ ከኣ ተላዕለ ኣምላኽ ረዲኢዎ ብታ መስተውዓሊት ሰበይቱ ጌሩ ካብ ደም ምፍሳስ ኣድሒንዎ፣ ናባል ግና ኣብቲ ዝገበሮ ዝነበረ ናይ ምስሕ ግብጃ ሰኺሩ ተሓጊሱ ከሎ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ነገረቶ ብስንባድ ከኣ ሞተ ኣምላኽ እውን ቀዘፎ በዚ ከምዚ ኸኣ ታሪኹ ብኹፍኡ ተዛዘመ፣ ብፍላይ መልእኽተይ ናብ ሰብኡት ዘተኮረ እዩ፣ ኣምላኽ ከኣ ንዓይን ንዓኻትኩምን ካብዚ ነገር ዝምህረና ትምህርቲ ኣሎ እዩ እስከ ካብ ባህሪ ናባል ተበጊስና ሓደ ሓደ ነጥብታት ክንሪኢ ኢና ብፍላይ ከኣ ናባል ከምይ ምስትውዓል ዝጎደሎ ሰብኣይ ከምዝነበረ ክንሪኢ ኢና፣

ምስትውዓል ዝጎደሎ ሰብኣይ መሰረቱ ኩሉ ግዜ ታህዋኽ እዩ፣ ኣብ መዛዚኑ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ እንታይ ክገብር ኣየናይከ ክሓድግ ከም ዘለዎ ኣይፈልጥን እዩ፣  እዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ ከኣ ኣብ ቤቱ ኩል ግዜ ቁስሊ እዩ፣ ብገዛ ኣእዳዉ ኸዩ ገዝኡ ዘፍርስ ሓዳሩ ዘዕኑ ንመጻኢ ትውልዲ ኸኣ መርገም ዘመሓላልፍ፣ ናባል ምስትውዓል እንተ ዝህልዎ ኔሩ ንዳዊት ምስ ለኣኸሉ ጥራይ ዘይኮነ ዳዊት ከይበሎ እውን ኣቐዲሙ ነቲ ናይ ኣምላኽ ቁቡእ ዝብላዕን ዝስተን ክልእኸሉ ምስ ተገበኣ ግና ሳኒ ምስትውዓሉን ዕሽነቱን እዚ ኹሉ ሲኢንዎ፣



ምስትውዓል ካብ ኩሉ ዝመጽእ ሕማቕ ነገርን ጣዕሳን እያ ትሕልወካ ነዚ ኸኣ እዩ ጠቢብ ሰለሙን ኣብ ምሳሌ 2።11 “ካብ ኩፍኡ መገዲ ካብቶም ቄናን ዚዛረቡ ሰባት ክተናግፈካስ ምኽሪ ኽትሕልወካ ምስትውዓል ከኣ ከተዕቁበካ እያ” ዝበለ ነስተውዕል ሰብኡት ኣምላኽ ምስትውዓል ክህበና ንጸሊ፣ ምስትውዓል እንተ ደኣ ጎዲልና ፈቲና ጸሊእና ኣካይዳና ከነኽፍእ ምስቶም ቄናናት ክንቀንን ዘይተርፍ እዩ፣ ብኣንጻር እዚ ሰበይቱ ኣቢጋይል ኣስተውዓሊት ነበረት ይብለና፣ ናባል እቲ ምስትውዓል ዝጎደሎ ሰብኣይ ንሰበይቱ መዓረ ኽንደይ ኮን ይኸውን እሾኽ ኮይንዋ ይኸውን፣

መስተውዓሊ ዘይኮነ ሰብ ኩሉ ግዜ ብስሚዒት እምበር ብኣእምሮ ኣይምራሕን እዩ፣ ንዕኡ እቲ ዝተሰምዕ ስሚዒት ክሳብ ባህ ዝበሎ ግዜ ብኡ ክምራሕን ንዕኡ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክጋየ ፈጺሙ ንድሕሪት ኣይምለስን እዩ፣ ምስትውዓሉ ዝተደፍነ ሰብ ጌጋ ሱምቲ ናይ ምውሳድ ዘለዎ ተኽእልኦ ብጣዕሚ ዓቢ እዩ፣ ኣምላኽ ኮታ ካብዚ ይሰውረና፣

ምስትውዓል ማለት ከም ቃል ኣምላኽ መሰረት ጹቡቕ ልቦና ኣእምሮ ማለት እዩ፣ ነዚ ዘረጋግጸልና ጥቕሲ ናይ ጠብቢ ሰለሙን እውን ኣሎና   “ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞጎስን ጹቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ” ምሳሌ 3።4 “እቲ ጥበብ ዚረክብ ኣእምሮውን ዜጥሪ ሰብ ቡጹእ እዩ” ምሳሌ 3።14  እዘን ክልተ ጥቅስታት ዕበይቲ መረጋገጺ እየን፣ ምስትውዓል ዘለዎ ሰብ ጹቡቕ ልቦና ወይ ሕልና ኣልዎ ብትወሰኺ እውን ብኣእምሮ ይሰርሕን ይወጽእን፣

ናብ ገዛእ ርእስና ንመለስ ሕጂ ብሰንኪ ጠወያ ዝኾነ ልቦናን ዝይበሰለ ኣእምሮን ምሓዝና ዘበላሸናዮ ኩሉ እንተ ንጽብጽቦስ ክንደይ እዩ ቑጽሩ? ኣምላኽ ምሕረት ይግበረልና፣ ምስትውዓል ዝገድሎ ሰብኣይ ኣብ ሓጥያት ቀልጢፉ እዩ ዝወድቕ ነዚ ኸኣ መጽሕፍ ቁዱስ ብደንቢ እዩ ዘረጋግጸልና፣

ንኣብነት ጠቢብ ሰለሙን ብዛዕባ እቲ ጎበዝ መንእሰይ ኣብ ኢድ ኣመንዝራ ዝወደቐ ክዛረብ ከሎ “ኣብ ማእከል እቶም ዓያሱ ተመልከትኩ እሞ ኣብ ማእከል እቶም መንእሰይ ልቢ ወይ ምስትውዓል ዘይብሉ ጎበዝ ሬእኹ” ብዛዕባ እዚ ምስትውዓል ዝገደሎ ሰብኣይ ከኣ ኣብቲ መወዳእታ ክዛረብ ከሎ “ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኹብከብ ብዕራይ ከምቲ ዓሻ ፍላጻ ንኸብዱ ኽሳዕ ዚስንጥቖ ብቕጽዓት ዚእሰር ከምቲ ንጥፍኣት ነፍሱ ምኻኑ ኸይፈለጠ ናብ መጻወድያ ዚሸብብ ዑፍ ኰይኑ ብኡብኡ ሰዕበ” ምሳሌ 7 ኩሉ ነንብቦ፣

ዳዊት እቲ ቡርቱዕ ሰብኣይ እውን ሓደ ግዜ ነዚ ምስትውዓል እዚ ስለ ዘጥፍኦ እዩ ኣብ ዘይተደልየ ሓጥያት ዝወደቐ፣ እንታይ ክብል ደሌ እየ፣ ሰብኣይ ኩሉ ግዜ ልቡ ምስትውዓልን ልቦናን ኣእምሮን እንተ ጎዲልዎ ብንእሽቶይ ነገር ክወድቕ ዘለዎ ተኽእሉ ዓቢ እዩ፣ ቐልጢፉ እዩ ስሚዒቱ ዘሰንፎ፣  

ንኣብነት እስከ ንምጻእ እቶም ካብ ኣንስቶም ወጻኢ ምስ ካልእ ምንዝርና ዝፍጹሙ ሰብኡት ጸገሞም እንታይ እዩ? እቲ ምኽንያት ቡዙሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ እቲ ቐንዲ ግና ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ እዩ ነንብብ “እቲ ምስ ሰበይቲ ዚምንዝር ግና ልቢ ወይ ምስትውዓል የብሉን ንነፍሱ ከጥፍእ ዝደሊ እዩ ኸኣ ኸምዚ ዝገብር” ምሳሌ 6።32፣ ሰብኣይ ካልእ ሰበይቲ ትጥምት ኣለኻ ምስትውዓል ጎዲልካ ኣሎ ብሰንኪ እዚ ኸኣ ናብ ጎደና ጥፍኣት ትጋዓዝ ከምዘለኻ ኣስተውዕል፣ ነቲ ቑዱስ ምፍላጥን ብእኡ ምምልላስን ምስትውዓል ምኻኑ ደኣ ኣይትረስዕ ኢኻ፣

ናብል ዝነበሮ ሃብትን ክብረትን ብዝሒ ንብረትን ንዝነበሮ ዕሽነት ክሽፍነሉ ኣይከኣለን፣ ንሕና ኣመንቲ ሰብኡት ብዙሑ ግዜ ካብ ኣምላኽ እንሓቶ ነገራት እዚ እዩ ቤትና ክመልእ ነገርና ክጽብቕ ምርኡያት ክንከውን እዚ ግና ድሕሪ ምስትውዓል ከም ዝመጽእ ፈሊጥና ንኣምላኽ ምስትውዓልና ከስፍሖ ደኣ ንለምን ኩቡር ነገርን ብሉጽ ዝኾነ ህያብን ዝመጽእ ብምስትውዓል ምኻኑ ኣይንዘንግዕ፣ ናብል ብሰንኪ ዕሽነቱ ብመርገም ተወቒዑ፣

ካልእ ምስትውዓል ዝገደሎ ሰብ መጻኢኡ እንታይ ይኸውን ኣይፈልጥን እዩ፣ ናባል ብሰንኪ ዕሽነቱ ዝስዕቦ ነገራት እንታይ ምኻኑ ፈጺሙ ኣይፈለጠን፣ ሃብቱን ክብረቱን ዝሕልዎ መሲልዎ፣ ነዚ እኮ እዩ የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ እቲ መጻኢኡ ዘይፈልጥ ዓሻ ሰብኣይ ጹቡቕ ምሳሌ ዝሃበ፣ እቲ ዓሻ ሰብኣይ ማዕከኑ ኣግፊሑ እትቶቱ በዚሕሉ ንነፍሱ ዕረፊ ተሓጎሲ ኢልዋ መልኣኽ ሞት መጺኡ ኸኣ ኣንታ ዕሻ መልኣኽ ሞት ንነፍስኻ ክወስዱ ይመጹ ኣለዎ እሞ ሕጂ እንታይ ክትገብር ኢኻ ዝበሎ፣  

ኩቡራት ሰብኡት ሎሚ ኸ ብዛዕባ ሎሚ ኣብ ቤትና ዝኸውን ዘሎ ነገር ከይፈለጥና ብዛዕባ ጽባሕ እንሓስብ ን ክንድልብን ከ እንጋየየ ዘሎና ክንደይ ኢና? ንጠንቀቅ ኣይንዓሹ ዕጫ ናብል ከይበጽሓና ኸኣ ንፍራሕ ዕሽነት ከምቲ ንቖልዓ ተቓራንዮው ዘሎ ከይተቓረወና ከሎ ንኣምላኽ ምስትውዓል ክህበና ንሕተቶ፣ ምስትውዓል ዝጎደሎ ሰብኣይ ከኣ ቃልቱ እዱብ ኣይኮነን፣ ናብን ንዳዊት ዝተዛረቦ ቓላት ዳዊት ሴፍ ክመዝዝ እዩ ጌርዎ፣ ስልጣን ህይወትን ሞትን ኣብ መልሓስ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ፣ ኩሉ ግዜ ኣፉ ጋህ ምስ ኣበለ እዩ፣ ኣፉ ጋህ ዘብል ሰብእይ ከኣ ጥፍኣት እዩ ዝዓጽድ ኩሉ ጊዜ ደገ ከናፍርና ንሓሉ፣

ኣብ ምሳሌ 10።13 “ኣብ ከናፍር ለባም ሰብ ጥበብ ትርከብ በትሪ ግና ንዝባን እቲ ልቢ ዜብሉ እዩ” ምሳሌ10።13 ወሲኹ ከኣ ‘እቲ ንብጻዩ ዚንዕቕ ኣእምሮ የብሉን ለባም ግና ስቕ ይብል፣ ምሳሌ 11።12፣ ሰብኡት ኣብ ልዕሊ ኣንስትና ደቅና ቤተሰብናን እነውጾ ቃላት መመዘኒ ምስትውዓልና እዩ፣ ወይ ንበረኸት ወይ ከኣ ንምርገም እዩ ዝኸውን፣ ኩሉ ጊዜ እምበኣር ብእንዛረቦን ብእንብሎን ቃላት ክንጥንቀቕ ኣሎና፣

ያቆብ ኣብ ምዕራፍ 1።18-19 ክምዕደና ከሎ እውን ንምስማዕ ቁልጡፋት ንምዝራብ ደንጎይቲ ክንከውን እዩ ዝነግረና፣ ናባል እንተ ሪኢና ግና ነቶም ልእኹታ ዳዊ ክሰምዕም ከማን ዕድል ኣይሃቦምን ብቐጥታ መንፈሱ ምግታእ ሲኢኑ ናብ ምንጽርጻርን ጸርፍን እዩ ኣትዩ፣ ከምቲ ጹሑፍ ዝብሎ ኸኣ ኣፉእጋህ ዘብል ጥፋኣት እዩ ዝዓጽድ እሞ ጥፍኣትን መከራን ከኣ ዓጺዱ፣ ምሳሌ 14።29 ክዛረበና ከሎ “እቲ ንኹራ ደንጋዪ ብዙሕ ኣእምሮ ኣለዎ ኮራዪ ግና ዕሽነት ይገልጽ”  

ኣብ ሓዳር ካብ ሰበይቲ ንላዕሊ ቐልጢፉ ዝቑጣዕ ሰብኣይ እዩ፣ ነዚ እዩ ያቆብ ኩራ ሰብኣይ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ ዝበለ ስለዚ ክንኩሪ ከሎና ስብኡት ኣፍና ንምዕቃብ ቃላትና ንምእዳብ ጥንቁቓት ክንከውን ይግባኣ ከምይሲ ከምቲ ንእሽቶይ ጽንጽያ ንብዘሎ ሽቶ ተበላሽዎ ከምኡ እውን ሓንቲ ክፍእትን ዘይእድብትን ቃል ንሓደርና ኩል ክትብክልትኽእል እያ፣ ስለዚ ዘረባ ናባልን ቃላት እቲ ዓሻ ሰብኣይን ካባና ኘው ደኣ ንበሎ፣ ብዛዕባ ቃላት ብዙሕ ክንዛረብ ንኽእል ኢና ግና ነዛ ጥቕሲ ሂበ ንብ ካልእ ክሓልፍ “ልቢ ኣእምሮኛ ፍልጠት ይደሊ ኣፍ ዓያሱ ግና ዕሽነት ይምገብ” ምሳሌ 15።14 ክልእ ናባል ምስትውዓል ዝገደሎ ዘብሎ ነገር ኣብ ቤቱ ዝግበር ዘሎ ኩነታት ኣይፈልጥን እዩ፣

ኣቢጋይል ናብ ዳዊት ዝትሓዝ ሒዛ ምስ ባሮቱ ተማኪራ ክትከይድ ከላ ፈጺሙ ኣይፈለጠን፣ እቲ መታን ኣብ ቤታ ደም ከይፈስስ ብማለት ትገብሮ ዝነብረት ጻዕሪ ኣይስተውዓሎን፣ ምስ ነግረቶ ኽኣ ልቡ ጠሊምዎ ሃንደበት ኮይንዎ ዝሞተ፣ እሱ ጥራይ ዘይኮነ እውን ብሰንኪ ዘይምስትውዓሉ ዝመጾ ሳዕቤን እንታይ ምኻኑ እውን ኣየስተውዓለን፣ ሰብኡት ኩል ግዜ ምስትውዓሉም እንተ ገዲሉ ኣብ ውሽጢ ቤቶም እንታይ ሕማቕን ጹቡቕን ነግር ኣሎ ኣይፈልጡን እዮም፣ ኩነታት በዕልቲቤቶምን ደቆምን ከባቢኦምን ዘይፈሉ ሰብኡት ዕሽነት ዝተዓንገጡ ምኻኖም ክፈልጡ ይግባእ፣


ኣተኩሮና ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብቲ ናይ ጥበብ መጽሓፍ ምሳሌ እንድዩ ዘሎ ነዚ ዝምልከት ከኣ ሓንቲ ጥቕሲ ክህበኩም “ለባም ሰብሲ ጥበብ ኣብ ቅድሚኣኡ እያ ዘላ ኣዒንቲ ዓሻ ግና ክሳዕ ወሰን ምድሪ እየን” ምሳሌ 17።24 እዚ ማለቱ ኸኣ እቲ መስተውዓሊ ብዛዕባ እቲ ዘሎ ኩነታት ብደቂቑ እዩ ዘጽንዕ እቲ ዓሻ ግና ነቲ ዘድልዮ ሓዲጉ ኣብ ዘይደልዮ እዩ ዝርኢ ማለተ እዩ፣ ሎሚ ብሰኒኪ ምስትውዓል ዘይምህላው ዝተበላሸወ ቤት ቁጽረን ቡዙሕ እዩ፣ ስለዚ ኣብ ውሽጢ ቤትን እንታይ ይግበር ኣሎ እንትይ ኣይትገብረን እንታይ ገዲሉን ኣይገዲሉን ክሳብ ዝንገረና ዘይኮነስ ቅድሚኡ ክንፈልጥ ሓላፍነትና እዩ፣

ካልእ ናባል ምስትውዓል ዝጎደሎ ሰብ እዩ ዘበልና ኸኣ ኣዚዩ ሓሻሺ ኣውጻጽኣ ገንዘቡ ኸኣ ዘይፈልጥ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ፣ እቲ ቓል ኣምልኽ እውን ኣብ 1ሳሚኢል 25 ።36 “ኣኣቢጋይል ድማ ናብ ናባል መጸት እንሆ ከም ምሳሕ ንጉስ ዝበለ ምሳሕ ኣብ ብኤቱ ነብሮ ልቢ ናብል ድማ ተሓጎሰ ኣዚዩ ሰኺሩ ኸኣ ነብረ” ኣይገርምን እቲ ንዳዊት ቁሩብ ነገር ምሃብ ዝተጸገም ናብል ኣብዚ ግና ማለያ ዘይብሉ ወጻኢታት የውጽእ ኣሎ፣ ንሕሰቦ ናባል ንሱ ኣይኮነን ግና ከም ናይ ንጉስ ዝመስል ምስሕ ምድላዉስ ክንደይ ወጻኢታት ከም ዘውጸ ዶ ንርኢ ኣሎና? እወ ምስትዎዓል ኣንተ ደኣ ጎዲልና ኣወጻጽኣ ገንዘብና ኣይንፈልጥን ኢና በትን ዘረውትን ኢና ንኸውን፣

ኣቶም ኣዚዮም ሓሸሽትን ዘረውቲ ገንዘብን ዝኮኑ ሰባኡት ኩሉ ጊዜ ብዛዕባ ገዛኣ ርእሶም እምበር ብዛኦባ ክልእ ኣይግድሶምን እዩ፣ እሶም ጥራይ ይተሓጎሱ ኮታ ብስስዐን ርእሰይ ይጥዓመኒ ዝብል መንፈስ ከኣ ዝተመልኡ እዮም፣ ክግበረሎም እምበር ክገብሩ ኣይደልዩን፣ ንዕኦም ክሳብ ዝጠዐሞም ግዜ ካልኦት ብንቶም ጉዳይ ይጎድኡ ኣይጎዳኡ ፈጺሙ ኣይግድሶምን እዩ፣ ሎሚ ዓለምና ከምዚኣቶም ዓይነት ሰባት መሊኦም እዮም፣ ብሰንኪ ኣዚኣቶም ኣብ ኣባይቲ ዝመጻ ዘሎ መርገም ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ዓቢ እዩ፣ እቲ ንዓይ ይጦዓመኒ ዝብል ሰብ ከኣ መወዳእትኡ ሰናይ ኣይኮነን፣ ናባል ከኣ ከምዚ ዓይነት መንፈስ ስለ ዝነብረኦ እዩ እቲ ዳዊት ኣብ በረኻ ዝገብረሉ ሰናይ ነገር ከምይ ዓቢ ምካኑ ዘይስተውዓለ፣ እቶም ንዓይ ጥራይ ዝብሉ ሰባት ብፍላይ ሰብ ሕዳር እቲ ኣብ ውሽጢ ቤቶም ዝግበረሎም ሓለፋታት ፈጺሞም ኣይስተውዕልዎን እዮም
 
ብሰኒኪ ዙሩግ ዝኾነ ኣተሓሕዛ ገንዝብ ክንደይ ኣባይቲ እየን ኣብ ሃተውተውን ሕንፍሽፍሽን ወዲቐን ዘለዋ፣  ሎሚ ሓልፈ እቲ ዘሎና ምውጻኣንን ምብታናን ኣምላኽ ብሰንኪ እዚ ከምዝፈርደና ከነስተውዕል ይግባኣና፣ ሎሚ ምብላዕና ምስታይና ንጽባሕ ግና ከምኡ ኾይኑ ከይሰልየና ከምዝኽእል ነስተዎል ደኣ፣ ስለዚ ዕጫ ናባል ከየበጽሓና ንጠንቀቅ፣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብዙህ ክንዛረብ ንኽእል ኢና ንሎሚ ግና ኣብዚ ይኣኽለና እዚ ምዕዳ እዚኸኣ ንዓይን ንዓኻትኩም ክጠቕመን ጸሎትይ እዩ፣ እሞ በዛ ኣብ ምሳሌ 24።3-4 ዘላ ጥቕሲ ክፋነወኩም “ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ፣ ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኩቡርን ጹቡቕን ዘበል ኹሉ ጥሪት ዝመልእ”