19
Fri, Apr
0 New Articles

ድሕሪ ሞትሲ ተስፋ ኣሎ ድዩ?

Message 2
Typography

ሰበ ወዲ ኣዳም ኣብዛ ምድሪ ዝነብረን መዓልታትን ዕለታትን ኩለን ዉሱናትን ዱሩታትን እየን። እቲ ቑዱስ ጹሑፍ ከኣ ዕለታቱ ካብ 70 ሰማንያ ከም ዘይሓልፋ እዩ ዝነግረና። ሰብ ኣብ ዘን ዘለዎኦ ዓመታት እንተ ዘይኮይኑ ክንዮ እዘን መዓልታት ምንም ክገብር ኣይክእልን እዩ።


 

ሰብ ኣብ ዘን ዘለዎኦ ዓመታት እንተ ዘይኮይኑ ክንዮ እዘን መዓልታት ምንም ክገብር ኣይክእልን እዩ። እዘን ሒደት ኣብዛ ምድሪ ኣምላኽ ዝህቦ ዓመታት ከኣ ነቲ ድሕሪ እዚ ዘሎ ናብራ ህይወት መዳለዊ እምበር ካልእ ኣይኮነን። ናይ ሰብ ሓልፍነት ከኣ እዘን ኣምላኽ ቆጺሩ ዝሃቦ ዓመታት ከም ዝግባኣ ንኽብሪ መድሓኒኡ ክጥቀመለን እዩ። መጽሓፍ ቁዱስ ብዛዕባ ድሕሪ ሞት ዘሎ ናብራ ኩሉ ውጺት እቲ ቕድሚ ሞትና ዘሎ ዘመን ዝወሰናዮን ዘሕለፍናዮን ምኻኑ እዩ ዝነግረና።

ሰብ ዕለታቱ ብናይ ስጋ ሞት ደኣ ይደምደማ እምበር ኣብኡ ግና ኣኽቲሙ ማለት ኣይኮነን። ጸሓፊ ናይ እብራውያን ክዛረብ ከሎ "ከምቲ ንሰብ ሓንሳእ ሙማት ብድሕሪኡውን ፍርዲ እተሰርዖ'" ይብለና እብ 9።27።

ሰብ ታሪኹ ኩሉ ኣብ ሞት ኣይኮነን ዘኽትም ክንዮ ሞት እውን ፍርዲ ከም ዘሎ ክዝንግዕ የብሉን። ሰብ ኩሉ እቲ ሎሚ ዝዘርኦ እዩ ዳሕራይ ንዕኡ ክዓጽዶ። ሎሚ ብጎይታና ብየሱሱ ክርስቶስ ጽድቂ ንዝዘርእ ዳሕራይ ህይወት ዘልኣለም ይኾነሉ ሕጂ ብህይወት ከሎ ኸኣ ሓጥያት እንተ ዘሪኡ ዳሕራይ ድሕሪ ሞት ፍርዲ ዘልኣለም ሞይ ይረክብ። እቲ ናይ ሰብ ናይ መጽኢ ውሳኔ ሰናይ ድዩ ሕማቕ ህይወት ድዩ ወይ ዝረጋገጽ ሕጂ ብህወት ከሎ እምበር ምስ ሞተ ኣይኮነን።

ሎሚ ሰባት ብዛዕባ እቶም ዝመቱ መታን ናብ መንግስተ ሰማይ ክኣቱ ተባሂሉ ዝገብርዎ ዝክርን ንጥፈታትን ማእለያ የብሉን። ነቶ ዝሞቱ ሰባት ካብ ንእሽቶይ ክሳብ ዓቢ ወጻኢታት እናውጹኡ ዕሽርን ህያብን እናሃቡ ኣብ ምድሪ ኮይኖም ስለ እቶም ዝመቱ ዝግብርዎ ንጥፈታት ኩሉ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኣይኮነን። ሎሚ ስለ እቶም ዝቱ ኢልና እንገብሮ ኩሉ ተቐባልነትን ስርየትን እንተ ዝህልዎ ኔሩ ፍርዲ ኣምላኽን ጽድቁን ኩሉ ከንቱ ምኸነ ኔሩ። ሰብ ኣብዛ ምድሪ ድላዩ ይገብር ኔሩ ተስካር ወይ ዝክር ስለ ዝተገብረሉ ጥራይ መንግስተ ሰማይ ክኣቱ ብፉጹም ኣይክእልን እዩ። ሰብ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እምበር ብዛዕባ ኻልእ ወኪል ክኸውን ቃል ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይምህረናን እዩ። ሰብ ብመሰረት መጽሓፍ ቁዱስ ነናቱ ዝኾነ ውሳኔ እዩ ተዋሂብዎ።

ሎሚ ስለ እቶም ንምውታት ኢልካ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ንጥፈታት ፈጺሙ ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን። ንሕሰብ እሞ ሰብ ምስ ሞተ ዘጽድቕ ውሕስነት እንተለዎ ኾይኑ እንታይ ገዲስና ደኣ እሞ ኣብዛ ምድሪ ብጽድቂ ንመላለስ። እሱ ደሓን ንሕደጎ ቀቀሊሉ እዩ። ሞት የሱሱ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ከ ንምንታይ ኣድለየ? ሕስብ እሞ ነብሎ። ግልጺ ኮይና ንዛረብ  ብዛዕባ እቶም ድሮ ዘሞቱ ሰባት እንገብሮ ተዝካር ድዩ ፍትሓት ኩሉ ብቓል ኣምላኽ ተቐባልነትን ደገፍን የብሉን። ኩሉ ሰብ በቲ ዝገበሮ ግብርን ዝፈጸሞ ስራሕን እዩ ኣብ ቅድሚ ዝፋን ኣምላኽ ቀሪቡ ዝፍረድ እምበር በቲ ሰባት ስሊኡ ኢሎም ዝገብርዎ ብልዕን መስተን ኣይኮነን። ዝኾነ ካህን ይኹን ቀሺ ኸኣ ንሰብ ካብቲ ተቀቢርሞ ዘሎ መቓብር ፈቲሑ ናብ መንግስተ ሰማይ ከሳግሮ ስልጣንን መሰልን የብሉን። መርሖ ሞትን ህይወትን ኣብ ኢድ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ እዩ ዘሎ። "ሰብ እቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዓጽዶ እዩ እሞ ኣይትጠበሩ ኣምላኽ ኣይዕሸኦን እዩ። እቲ ንስግኡ ኢሉ ዚዘርእ ካብቲ ስግኡ ጥፍኣት ኪዓጽድ እዩ እቲ ንመንፈሱ ኢሉ ዝዘርእ ግና ካብቲ መንፈስ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኪዓችድ እዩ። ገላ 6።7-8።

ስለዚ ካብዛ ጥቕስ እኳ ብንጹር ክንርዳእ ንኽእል እሱ ኸኣ ንሰብ ደድሕሪኡ ዝስዕቦ እቲ ብህይወት ከሎ እዩ ዝዘርኦ።ብዘይገድስ ዝፈሰሰ እንተ ፈሰሰ ዝተሓርደ ሕሩድ ከኣ እንተ ተሓርደ ብዘይገድስ ዝኾነ ኣካል ናብ መንግስተ ሰማይ ክኸይድ ነቲ ሰብ ፈቲሔዮ እየ እንተበለ ነቲ ሰብ ካብ ኣብ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ከይቀውምን ካብቲ ዝተመደበሉ ፍርድን ፈጺሙ ነጻ ኣይገብሮን እዩ። ስለዚ እነውጾ ወጻኢታት ከም ቃል ኣምላኽ መሰረት ክሳራ እምበር ፋይዳ የብሉን። ኣስከ ነዚ ዘልዓልናዮ ኣርእስቲ ዝሕግዝ ዛንታ ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ክንሪኢ።

ሓደ ግዜ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ነብር። እዚ ሰብኣይ እዚ ኹቱር ዝኾነ ሃብቲ ነብሮ። ኣብ ኣፍ ገዝኡ ኾይኑ ዝልምን ዝነበረን ኣዚዩ ውጽዑን ድኻን ሰብኣይ ኣልኣዛር ዝስሙ ነብረ።ኣላኣዛር ከኣ ኣዚዩ ብጥሜት ዝተወቕዐ ሰብ ስል ዝነበረ ርፍራፍ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይ ክበልዕ ሃረር ይብለ ነበረ። ኣኽላባት መጺኦም ከኣ ነቑሳሉ ልልሕስዎ ነበሩ። እቲ ኣዚዩ ብኹሉ ዘጋይጽ ዝነበረ ሃብታም ሰብኣይ ግና ምንም እኳ ግዱ ኣይገበረን። ሓንቲ መዓልቲ ግና ክልቲኣቶም ሞቱ። መልኣኽ ከኣ ንኣልኣዛር ተሰኪሙ ኣብ ሕቑፊ ኣብርሃም ማለት ናብ ገነት ወሰዶ።

እቲ ሃብታም ሰብኣይ ግና ኣብ ሲኢኦል ኮይኑ ካብ ርሑቕ ንኣብርሃምን ንኣልኣዛርን ኣብ ሕቑፉ ረኣዮ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ከኣ ንኣብርሃም ዎ ኣቦይ ኣብርሃም በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ ኣለኹ እሞ መሓረኒ ኣንፊ ኣጻብዕ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለልይ ንኣልኣዛር ስደደለይ በሎ። ኣብርሃም ግና ወደይ ንስኻ ብህይወት ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ ኣልኣዛር ከኣ መከራ ከም ዝጸገበ ዘክር ሕጂ ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ ንስኻ ድማ ትስቅ። ምስናይ እዚ ኹሉ ድማ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሓልፍ ዝደሊዩ ምእንቲ ኸይክእሉ ኣብኡ ዘለዉዉን ናባን ኸይሳገሩስ ኣብ መንጎኹምን መንጎኹምን ዓብዩ ጋግ ተገይርዎ ኣሎ በሎ።

ሽዕ ንሱ ዎ ኣቦይ እምበኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ ሽዕ ንሱ ዎ ኣቦይ እምበኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት ኣለዉኒ እሞ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቓይ እዚኣ ኸይመጹ  ኪምስክረሎም ክትሰዶ ኣልምነካ ኣለኹ በለ። ኣብርሃም ከኣ ሙሴን ነብያትን ኣለውዎም ንኣታቶም ይስምዑ በሎ። ንሱ ኸኣ ኣይፋል ኣቦይ ኣብርሃም ካብ ምውታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ ኪንስሑ እዮም በለ። ንሱ ድማ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰሚዖዎምስ ካብ ምውታት ሓደ እንተ ተንስኤውን ከቶ ኣይኣምኑን እዮም በሎ" ሉቃ 16።19-31

 እዚ ዛንታ ክንሰምዖ ዶ ጸኒሕና። ሰብ ምስ ሞተ ነገሩ ኹሉ ተወዲኡ እዩ ብድሕሪ እዚ ፍርዲ ጥራይ እዩ ዝጽበዮ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኣዚዩ ሃብታም ከም ዝነበረ እዩ ዝነግረና ቓል ኣምላኽ። እዚ ሰብኣይ እዚ ካብቲ ኣብ ምድሪ ዝገበሮ ኹሉ ስሬት ሓጥያት ምስ ሞተ እንተ ክረክብ ዝኽእል እንተ ዝኸውን እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣዝማዱን መቕርቡን ካልእ ከፍስስሉ ይኽእሉ እዮም።

ስብ ከኣ ሃንሳብ ምርጭኡ ከይኣስተኻከለ ካብዛ ምድሪ እኝተ ሓሊፉ ኣኺልዎ እዩ። እሞ ስለምንታይ ደኣ እዮም ሰባት ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ሰባት ዘይተደልየ ወጻኢታት እናውጽኡ ሕርዱ እናሓረዱ ገንዘቦን ንብረተሙን ዘጥፍኡ? እዚ ነገር እዚ ባህልን ስርዓትን ዘምጾ እምበር እዝቲ ቕዱስ ጹሑፍ ፈጺሙ እዩ ዘይድግፎ? ቁሩብ እሞ ንሕሰብ ሰብ ኣብ ዛ ምድሪ ኸሎ ንሱ ባዕሉ ዘይገበሮስ ከመይ ጌርና ኢና እቶም ብህይወት ዘሎና ናቱ ወኪል ክንከውን ንኽእል? ሓደ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ካብ ኣምላኽ ሪሒቑ ፍንጢራዕ ይብል ኔሩስ ዳሓር ምስ ሞተ ኣምላኽ ክቕበሎ እዩ ኢልካ ብልዕን መስተን ምግባር ዕሽነት ዶ ኣዮከነን?

እቲ ዘሕዝን እቲ ስለ ምዉት ተባሂሉ ዝግበር ወጻኢታት ኩሉ ኣምላኽ ኣይቅበሎ እቲ ምዉት እውን ኣይርእዮን እዩ።  ሓደ ሰብ ከምቲ ቓል ኣምላኽ ዝብሎ መወዳእትኡ ወይ መንግስተ ሰማይ ወይ ከኣ ገሃንም እዩ አምበር ኣብ መንጎ ዝጸንሓሉ መጽኒሒ ቦታ የብሉን። ክመዚ እንተ ዝኸውን እሞ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ካብ ድንግል ማርያም ክውለድ ኣብ መስቀል ክስቀል ኣይመድለየን። ስነ ምድሓን ዝሞተ ኢልና እንገብሮ ኩሉ ንጥፈታት ክሳራ እንተ ዘይኮይኑ ፋይዳ የብሉን ከመይ ተበልና ነፍሲ ወከፍ ሰብ በበቲ ናቱ እምበር ብናይ ካልእ ኣይፍረድን እዩ።

ኣምላኽ ከኣ ብድሕር ሕጂ ስለ ምድሓን ሰባት ኢሉ ዝፈስስ መስዋቲ ፈጺሙ ኣይቅበልን እዩ። ስበ ብህይወት ዘመኑ ኸሎ እሞ ኸኣ ክጠምን ክዓርቕን ከሎ ቑሊሕ ዘይበልካዮ ዳሓርምስ ሞተ ንምድሓኑ ኢልካ እተፍስሶ ወጻኢታት ተመሊሱ ንፍርድን ንኹነኔ እንተ ዘይኮይኑ ንኻልእ ምንም ጥቕሚ የብሉን። ንሰብ ዝተዋህቦ ዕድል ሓንሳብ እዩ ምስ ሞተ ፈጺሙ ኣኽቲሙ እዩ። ያኢ ቐቢሩ ዝተመልሰ ደኣ ዝመዉት ኣይመስሎን እዩ እምበር ንሕና ግዜና ጉልበትና ገንዘብና ኹሉ ኣብ ክንዲ እቲ ሞይቱ ዘሎ ነጥፍእ ብዛዕባ ገዛእ ህይወትና ከነስተኻኽልን ዕጫ እቲ ዝሞተ ከይበጻሓና ኸሎ ኸኣ መንገድና ምስ ኣምላኽ እንተ ነስተኻኽል ክንደይ ሰናይ ምኾነልና ኔሩ።

ከምቲ ዝረኣናዮ ዛንታ ነቲ ዝሞተ ሃብታም ሰብኣይ ሃብርሃም እቲ ዓቢ ጻድቕ ናይ ኣምላኽ ሰብ እኳ ደንጊጹ ናብ እቲ ኣልኣዛር እቲ ጻድቕ ዘለዎ ቦታ ከምጾ ኣይከኣለን። ስለዚ ንሕና  ስለ ጽድቂ ምውታት ኢልና እንገብሮ ኩሉ ደኣ እሞ ትርጉም የብሉን። ሰባት ብዝገበርናዮ ዝብላዕን ዝስተን መስተን ብርዝን ከድንቑና ይኽእሉ እዮም ነቲ ሰብ ከኣ እዚ መንግስተ ሰማይ ክኣቱ እዩ ኢሎም ከጸናንዑና ይኽእሉ ይኮኑ እዚ ግና ምስቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ናይ ምድሓን መንገዲ ፈጺሙ ኣይከይድን እዩ። እቲ ፍርዲ ናይ ኣምላኽ እዩ። እቲ ንሕና ዝገበርናዮ ኹሉ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ድኻም ጥራይ እዩ ነዚ ኸኣ ክንልውጦ ኣይንኽእልን ኢና።

ካልእ ንእግረ መንገደይ ክዛረበሉ ደየ ዘለኹ ነገር ኣሎ ንሱ ኸኣ ኣብዛ ምድሪ ብዝገበርናዮ ዝክርን ጸበልን ካልእን ምድሓንን ጽድቅን ኣይመጽእን እዩ። ሰይጣን ነቲ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገበሮ ግብሪ ምድሓን መታን ከይንሪኢ ኢሉ ዝኸፈቶ ኣብ ጽውጽዋይ ዝተሞርከሰ መንገዲ እዩ እሞ ኣይንታለል።

ንትምህርትና ዘራጉድ ኣብ ራእይ ከምዚ ተባሂሉ ተጻሒፉ ኣሎ "ዓብዩ ጻዕዳ ዝፋንን እትቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሃደሙ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምውታት ድማ ዓበይትን ናኣሽቱንንኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ። መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምውታት ድማ ከምቲ ኣብ መጻሕፍቲ ተጻሒፉ ዝጸንሔ ክክም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምውታት ወፈየት ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምውታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፍፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ" ራእ 20።11-13

እምበኣር ፍርዲ ምውታት ሰባት ኣብ ኢድ ኣምላኽ እምበር ኣብ ኢድና ኣይኮነን ጽድቂ ምውታት ኣብቲ ንሶም ኣብ ምድሪ ከለዉ ዝገበርዎ ግብሪ እምበር ኣብቲ ንሕና ድሕሪ መቶም እንፍጽሞ ዝኽርታትን ተሳክራትን ኣይኮነን። እዚ ሰባት ንረብሓ ርእሶም ዘተኣታተውዎ ናይ ብልዕን መስተን መንገድን ስርዓትን ካብ ብልዕን መስተን ሓሊፉ ምንም ቁም ነገር የቡሉን

መልእኽተይ ንምጥቕላል እምበኣር እታ ትንፋስ ናብ ወሃቢኣ ምስ ተመልሰት እቲ ነገር ኣኽቲሙ እዩ። ስለዚ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፍ እሞ ኸኣ እንተ ንገሃንም ወይ ንመንግስተ ሰማያት ፍርዱ ካብ ኣምላኽ ዝጽበ ዘሎ ምዉት እንተ ዘይደኸመና ሰናይ እዩ ከመይሲ እንፍርዮ ፍረ ስለ ዘየለ።

ዕድል ሰብ ክሳብ ዘሎ እምበር ምስ ሞተ ምንም ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ስለዚ ገንዘብናን ጉልበትናን ኣብቲ ዘይጠቕመናን ንዓና እውን ምንም ረብሓ ኣብ ዘይህበናን ነገር እንተ ዘየጥፋእና ሰናይ እዩ። ኣምላኽ ሰማይ እቲ ናይ ምድሓን መንገዲ ብዝግባእ ክንሪኢ የዒንታን ይኽፈተልና።