25
Thu, Apr
0 New Articles

ምእንቲ ክንስዕር

Message 2
Typography

ኵሉ ውግእ ምድራዊ ይኹን መንፈሳዊ ክትስዕር ኢልካ ኢኻ ትኣትዎ። ግን ውጽኢቱ ዝፍለጥ ድሕሪቲ ውግእ እዩ። ኵሉ ኸኣ

ዓቢ ምድላዋት ዝሓትት እዩ። ንጸላኢኻ ኸኣ  ክትጥንቐቐሉ ደኣ እዩ ዘሎካ እምበር ብጃህራ  ከተቈናጽቦን ከተስተናዕቖን ኣይግባእን። እንተ ዘይኰነ እቲ ንዕቡያት ዘዋርድ ኣምላኽ ብዘይተቛጽሮም ገይሩ ትሕትና ክምህረካ ይኽእል እዩ።


ሰይጣን ዝንዓቕ ጸላኢ ኣይኰነን። ብብዝሒ ድምጽን ሆይሆይታን ዝሃድምን ዝሽነፍን'ውን ኣይኰነን።

ሰይጣን ብጽድቂ እዩ ዝሰዓር፡ ብሓቂ እዩ ዝሰዓር፡ ብሓይሊ ኣምላኽ እዩ ዝሰዓር። ጐይታ የሱስ ኣብ ዮሃ 14፡ 30 "ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ይመጽእ ኣሎ እሞ፡ ኣባይ ሓንቲ እኳ የብሉን' ኢሉ ኣሎ። ሕጂ ሰይጣን ምስ ጐይታ ጉዳይ የብሉን። ምስታ ሕጂ ዘላ ስጋኡ ዝዀነት ማሕበር ክርስቶስ ግን ዓቢ ጉዳይ ኣለዎ። ብፍላይ እታ ማሕበር ኣምላኽ ብኣኣ ገይሩ

ንኣህዛብ ናይ ምብጻሕ ፍቓዱ ክገብር ተዳልዩ እንተልዩ። 

 እቲ በቲ ሓደ ፍረ ስርናይ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ብሞቱን ብትንሳኤኡን ዝተጀመረ ዕዮ ምድሓን ናብ ብዘለዉ ህዝብታትን ዓሌታትን ቋንቋታትን እናሰፍሐ ስለ ዝኸይድ ዘሎ ሰይጣን ዓቢ እንጽርጽሮት እዩ ዘለዎ።  እታ ማሕበር በይና ዘላ መሲልዎ ከጥሕራ ብቝጥዓ ይትንስእ ግን ኣምላኽ ምስኣን ኣብኣን ስለ ዘሎ ክሳዕ ሎሚ ኣይተኻእሎን። ግን እንታይ ክገብር ካብኡ ዝሓየለ እዩ ሒዝዎ። ካብ መስቀል ጀሚሩ ስዑር መኸተ እዩ ዘካይድ ዘሎ። ርግጽ እዩ ንነዊሕ እዋን እታ ማሕበር ካብቲ ብደሙ ዝዓደጋ ጐይታ ርሒቓ ምስ ካልኦት ኣማልኽትን ዓለምን ሓጢኣትን ምሕዝነት ፈጢራ ምስ ዓለወት ንምርኮን ንውርደትን ኣሕሊፉ ሂብዋ እዩ። ኣብ ኵሉ ዘበን ግን ንስሙ ዝጾሩ ዘይተማራስሑ ሒደት ተረፍ ኵሉ ሳዕ ኣለውዎ። ኣብ ራእ ዮሃ 12፡ 11-12 ዲያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱ ከም ዘሎ ይዛረብ። ግን ኣብቲ ክፍሊ ኸኣ ከመይ ገይሮም እቶም ቅዱሳን ከም ዝሰዓርዎ ኣነጺሩ ይዛረብ። ሎሚ ናይ ክርስቶስ ዘበልና ነዚ ሰለስተ መንፈሳዊ ኣጽዋር ኣዚና ከነቕልበሉን ምእንቲ ክንስዕር ብእኡ ክንዕጠቕን የድልየና። 

1ይ. በቲ ደም እቲ ገንሸል ዅሉ  ሳዕ ክንሕጸብን ክንነጽህን። 

2ይ. ነታ ዝኣመንናያ እምነት  ጐይታና የሱስ ክርስቶስን የሱስ ጐይታ እዩ ኢልና ሓደ ሳዕ ዝሃብናዮ ቃል ምስክርን መከራን ፈተናን ምስ ረኸበና ከይንፍኑን ከይንኽሕድን። 

3ይ. ካብ ንህይወትና ምፍቃር  ክንወጽእ እንተ ኣድለየ ኸኣ ክሳዕ ሞት እሙናት ክንከውን። 

 እዘን ሰለስተ ረቛሒታት ኣብ ሰለስተ ቃላት ክንጥርንፈን ንኽእል ኢና። ንሳተን ከኣ፡ 

   1ይ. ንስሓ

   2ይ. እምነት

   3ይ. ርእስኻ ምቕባጽ

ዝብላ እየን። 

 ውግእ ንሓዋሩ ኣይኰነን። ዘበን ውግእ ኣሎ ዘበን ሰላም ከኣ ኣሎ። ግን ኣብቲ ሰላም ምእንቲ ክትኣቱ ኣብቲ ውግእ ጸኒዕካ ክትዋጋእን ክትጽመምን ክትስዕርን የድሊ። እምበኣር እቲ ንማሕበራት ዝዛረብ መንፈስ እግዚኣብሄር ንሓጺር እዋን ምስ ሕልቅነታትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ  መናፍስቲ እከይን መኸተ ኣሎኩም ይብለና ኣሎ እሞ ናብ ዕርድና ንውረድ፡ ድምጹ ሰሚዕና ኸኣ   ከነጥቕዕ ንውረድ።

(ማቴ 10፡ 16-39 ነጽንዕ)