24
Wed, Apr
0 New Articles

ናብ ጎይታ ጥራይ ንጠምት!

Message 2
Typography

ኣብ ወንጌል ማቴዎስ 14 የሱስ ነቲ እኩብ ህዝቢ ብተኣምራት እንጌራ ምስ መገቦ፡ ንደቀ መዛሙርቲ ናብ ማዕዶ ባሕሪ ክሳገሩ ኣዚዝዎም። ደቀ መዛሙርቲ ትእዛዙ ተቐቢሎም ብጃልባ ብለይቲ እናተጓዕዙ እንከለዉ ማዕበል ብቕድሚኦም ነታ ጃልባ የጨንቓ ከም ዝነበረ እሞ የሱስ ብማየ ማይ እናኸደ ብራብዓይ ምቃል ለይቲ ናብኦም ከም ዝመጸ ነንብብ።

  ነዚ ታሪኽ'ዚ ተጠንቂቕና እንተ ኣጽኒዕናዮ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ካብቲ ጽሑፍ ክንዕዘብ ንኽእል።


1. እዞም ደቀመዛሙርቲ ኣብ ጸልማት ብምንባሮም፡ ሓደ ጻዕዳ  ሰብ ዝመስል ነገር እሞ ኸኣ ኣብ ማእከል ባሕሪ ደው ኢሉ ክርእዩ እዚ ሓድሽ ነገር እዩ። እዞም ሰባት ሰብ ገሊላ ከም ምዃኖም፡ ብፍላይ ድማ እቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነብሩ መዋእሎም ነዚ ባሕሪ'ዚ ብለይቲ ተመላሊሶሞ እዮም ፡ እዚ ግና ሓድሽ ተሞክሮ እዩ። እቲ ቃል'ውን ምትሃት እዩ ኢሎም ሰምበዱ ፈሪሆም ከኣ ጨርሑ ይብል።

 

2. ኣብዚ ዕላማ የሱስ ክብሩ ንከርእዮምን ኣብቲ ክብሩ ድማ ከካፍሎምን እዩ። እዚ ክፍሊ ጽሑፍዚ በቲ ኣብ ወንጌል ማርቆስ ተመዝጊቡዎ ዘሎ እንተንቢብናዮ

''...ባሕረ ባሕሪ እናኸደ ናባታቶም መጸ ኺሓልፎምውን ደለየ። ይብል ማር 6፡48። እዚ ኪሓልፎም ዝብል ቃል ዘስምዖ ልክዕ ከምቲ ኣብ ዘጸ 33፡19-22 ሙሴ ንኣምላኽ ክብርኻ ኣርእየኒ ምስ በሎ፡ እግዚኣብሄር ድማ ብቕድሜኻ ክሓልፍ እየ ብድሕረይ ድማ ክትርእየኒ ኢኻ ዝበሎ ዝሰማማዕ እዩ። የሱስ ድማ ንደቀመዛሙርቲ ካብቲ ክብሩ ከርእዮምን ከካፍሎምን ስለዝመደበ እዩ ክሳብ ራብዓይ ምቃል ለይቲ ኣብ ባሕሪ እናተጨነቑ ከለዉ ዘይመጸ።

 

3. የሱስ '' ኣጆኹም ኣነ እየ'' ምስ በሎም፡ በቲ ጸልማት እቲ ድምጹ ጥራይ ብምልላይ ምህድኦም ዝገርም እዩ። ብፍላይ ድማ ጴጥሮስ ነቲ ብድንግዝግዝ ዝርእዮ ዘሎ ሰብ ዝመስል ኣብ ማእከል ባሕሪ ደው ዝበለ ነገር የሱስ እዩ ዝኸውን ኢሉ ብምሕሳብ ንስኻ እንተ ዄንካስ ናባኻ ክመጽእ ኣዝዘኒ ክብሎ ከሎስ፡ የሱስ እንተ ዘይኮነኸ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል ባሕሪ እንታይ ክገብር እዩ ዝብል ሓሳብ የምጽኣልካ። ብካልእ ወገን ድማ ጴጥሮስ ከምዚ ምባሉ ንየሱስ ገና ጽቡቕ ገይሩ ክርእዮ ኣብ ዝይክእለሉ ርሕቀት ምህላዉ እዩ ዘርእየና፡ ምኽንያቱ ኣብ ጥቓኻ ንዘሎ ጽቡቕ ጌርካ ንእትርእዮ ሰብ እከለ እንተዄንካ ኣይትብሎን ኢኻ። ስለዚ ጴጥሮስ በቲ ጸልማት እቲ ነቲ ብዋግ ዋግ ዝርእዮ ዘሎ የሱስ ብዓይኑ ርእዩ ከርጋግጽ ከምዘይክእል ንርዳእ። እቲ ዝገርም ግን የሱስ ንዓ ምስ በሎስ ከይተጠራጠረ ካብ ጃልባ ምውራዱ እዩ።

 

4. ጴጥሮስ መገዲ ምስ ጀመረ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጦ ባሕሪ ሓድሽ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ሒዙ እዩ ጸንሕዎ። ምኽንያቱ ኣብቲ ቃል ጴጥሮስ ካብ ጃልባ ወሪዱ ዝብል እዩ ተጻሒፉ ነንብብ። ኣብ ማእከል ባሕሪ ካብ ጃልባ ናብ ማይ ትዘልል ድኣምበር ወሪዱ ዝብሃልሲ ወይ ኣብ ወደብ ካብ ዝበጽሓት ጃልባ ወይ ድማ ኣብ ማእከል ባሕሪ  ካብ ዓባይ መርከብ ናብቲ ማይ ብናይ ገመድ መሳልል ንዝወርድ ሰብ እዩ። ጴጥሮስ ናብቲ ማይ ልክዕ ከም ኣብ ወደባ ዘላ ጃልባ እዩ ወሪዱ። መገዲ ድማ ጀሚሩ ኣብዚ ክንፈልጦ ዘሎና፡ መጀመርታ ጸልማት እዩ ካልኣይ ንፋስን ማዕበልን ኣሎ። ጴጥሮስ ግና ነቲ ኣብ ማዕዶ ዝርእዮ ዘሎ የሱስ እዩ ኢሉ ድማ ዝኣመኖ  ጻዕዳ ነገር እናጠመተ መገዲ ጀሚሩ። ኣዒንቱ ንየማን ወይ ንጸጋም ከብል ኣይክእልን እዩ። ምኽንያቱ በቲ ጸልማት እቲ ናብ የሱስ ክበጽሕ እንተ ዀይኑ ክጥምቶ ዘለዎ ነቲ ኣብ ማዕዶ ዘሎ ጻዕዳ ነገር እዩ። ክሳብ ምጥማቱ ናብኡ ዝገበረ ድማ ጽቡቕ ክኸይድ እዩ። 

 እምብኣር እስከ ናይ ጴጥሮስ እምነት ኣብዚ ንመርምራ። በዚ ኲሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮስ ጴጥሮስ ንእሽተይ እምነት ድያ ኔራቶ? ንምዃኑ ኣብ ማየ ማይ ክትከይድ እሞ ኸኣ ነቲ ዝጽውዓካ ዘሎ ንሱ እዩ ዝኸውን ኢልካ ብምግማት ወይ ብምሕሳብ በቲ ጸልማት እቲ ኣብ ጃልባ እኳ ብጭንቀት እናተጓዓዝካስ ካብኡ ወሪድካ እግርኻ ቅድሚ ሕጂ ተለማሚደንኦ ዘይፈልጣ ኣብ ማይ ከም ኣብ ስሚንቶ ደው ክብላ እተኽእልስ እንታይ ዓይነት እምነት እያ? ሰብ ደኣ ዓባይ እምነት ክትህልዎ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክገብር ነይርዎ? 

5. ጴጥሮስ በዚ ሓድሽ ልምምድ እናተደነቐ መገዱ ጀሚሩ፡ ክልተ ሰለስተ ስጉምቲ ጥራይ ግና ኣይኰነን ከይዱ። ምኽንያቱ ኣብ ክልተ ስጉምቲ እንተ ዝጥሕል ናይ የሱስ ሓገዝ ኣይመድለዮን። ከም ገፋፊ ዓሳን ሓምባሳይን መጠን ተጠውዩ ሓንቢሱ ኣብታ ጃልባ ምበጽሐ ነይሩ። ረድኤት የሱስ ምድላዩ ግና ኣብ ዝተወሰነ ርሕቀት ናብ የሱስ ክቕጽል ኣብ ዘይክእለሉ፡ ምኽንያቱ ሓንሳብ ኣዒንቱ ካብኡ ስለ ዘልዓለ ደጊሙ ክርእዮ ስለ ዘይክእል፡ ናብታ ጃልባ ድማ ክምለሰሉ ኣብ ዘይክእል ርሕቀት ብምንባሩ ግና ጐይታየ ኣድሕነኒ ኢሉ ኣእወየ። እዚ ኲሉ ጉዕዞ ክጓዓዝ ዘኽኣለቶ እምነትሲ እንታይ ዓይነት እምነት እያ? 

 ጴጥሮስ ንእሽተይ እምነት ድያ ኔራቶ? ኣይመስለንን፡ የሱስ ንዓ ክብሎ ከሎ እታ ካብ ምስማዕ እቲ ቃል ኣብ ጴጥሮስ እተተኽለት እምነት ናብቲ የሱስ ዘለዎ ርሕቀት ኣብጺሓ እትመልስ እምነት እያ ነይራ። እቲ ሽግር ግና ጴጥሮስ እናተጓዕዘ ከሎ ክሓስቦ ዝኽእል ነታ ኣብኡ ተተኺላ ዘላ ብማየ ማይ እተኽይድ ኣብጺሓ እትመልስ እምነት ዘጥፍእ ደጋዊ ነገራት እዩ። 

 - እዚ ዝጸውዓኒ የሱስ እንተ ዘይኰነኸ? ዝብል ሕቶ

 - እቲ ማይ ከም ስሚንቶ ንጴጥሮስ ይጽሮ ደኣምበር ብምሉኡ እቲ ባሕሪ ኣይኰነን ከም ስሚንቶ ረጊኡ። እቲ ዝነፍስ ይነፍስ፡ እቲ ዝገላበጥ ማዕበል ይገላበጥ፡ ድምጺ ማይ ከም ቀደሙ ኣብ ቦትኡ እዩ ዘሎ። ካብኡ ናብኡኳ ሓንቲ ስጉምቲ ኣብ ቅድሚ ጴጥሮስ ዘሎ ማይ ከይተረፈ ይንቀሳቀስ እዩ። እቲ ጴጥሮስ ዝረገጾ ማይ ጥራይ እዩ ንዕኡ ዝሽከሞ ዘሎ። ስለዚ ጴጥሮስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ እምነቱ ክትፍተን ናይ ግድን እዩ። እቲ ዝመጾ ሓሳባት ድማ እግረይ ከቀምጥ ከለኹ እንተዘይጾረኒኸ? እንተጠሓልኩኸ? ዝብል ይኸውን።

ክጥሕል ምስ ጀመረ ግና የሱስ ክረድኦ ኣእውዩ፡ የሱስ ድማ ኢዱ ሒዙ ኣውጺእዎ። ሽዑ የሱስ ንጴጥሮስ 'ኣታ ጉዱል እምነት ስለምንታይከ ተወላለልካ በሎ።' እዚ ማለት ጴጥሮስ ብዓባይ እምነት ጀሚሩ ክነሱ ኣብ ፍርቂ መገዲ እምነቱ ምውዳኣ ዘመልክት እዩ እምበር ጴጥሮስ እምነት ከምዘይነበሮ ዘርኢ ኣይኰነን። ሓጻር ትንፋስ ዘለዋ እምነት ነዊሕ ዘይትጐዪ ዘይትጽመም ጉዕዞኣ ዘይትውድእ እምነት ማለት እዩ።   እቲ ዝገርም ድማ የሱስ ንጴጥሮስ ተሸኪሙ ኣብ ጃልባ ኣእትይዎ ዝብል ጽሑፍ ዘይምህላዉ እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ የሱስን ጴጥሮስን ብማየ ማይ እናኸዱ እዮም ናብ ጃልባ ኣትዮም። 

 እምብኣርስከ ናብ ርእስና ንምጻእ ጐይታ ክንደይ ጊዜ ተዛሪቡና ኣሎ? ክንደይ እዋን ኣብ ማእከል ባሕሪ ነቲ ከጥሕለና ዝህንደድ ረጋጊጽና ናብቲ ንሱ ዘለዎ ክብሪ ክንበጽሕን ናይ ክብሩ ተሳተፍቲ ክንከውንን ዓዲሙና? ክንደይ እዋንከ መገዲ ጀሚርና ተሓሊልና ኣይከውንን እዩ ኢልና ኣብ መገዲ ተሪፍና? 

 ብመጀመርታ፡ ከም ጴጥሮስ፡    ጉዕዞና ብእምነት እምበር ብምርኣይ ክንጅምሮ እዚ ንኣምላኽ ኣየኽብሮን እዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣምላኽ ኣብቲ ማዕበል ዘይብሉ ህዱእ ኩነታት ጥራይ ሓደ ነገር ክንገብር ክእዝዘና ኣይንጸበ።እኳ ደኣ ኩሉ እዋን ኣምላኽ ዝእዝዘና ነገራት ምስኡ ዝኸይድ ብድሆታት ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ክትከይድ ከሎኻ እምነት ብኡ  መጠን እያ ትፍተን፡ ምኽንያቱ ከም ጴጥሮስ  እታ እግርኻ ረጊጽካላ ዘሎኻ እንተ ዘይኮይኑ ብዛዕባ እታ እትቕጽል ስጉምቲ ጐይታ ብእምነት ክትከዳ እዩ ዝደልየካ። 

 ካልኣይ፡ እምነትና መኣስ እያ እትፍተን? ጉዕዞ ካብ ምጅማር ክሳብ ምውዳእ ፈተና ቀጻሊ እኳ እንተኾነ ብፍላይ ግና ኣብ ማእከል መገዲ፡ ክትቅጽል ኮነ ክትምለስ ኣማራጺ ኣብ ዘይብልካ እዋን ዝለዓል ፈተና ግና እቲ ዝኸፍአን ናብ ግጉይ ውሳነን ኣማራጽታትን ከእትወካ (ካብ ፍቓድ ኣምላኽ ከውጽኣካ) ዝመጽእ ፈተና እዩ። 

 እቲ መፍትሒ ድማ ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ናብቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ጸልማት ወይ 'እዛ ቀዳመይትስ ሰጕመያ ኣለኹ እታ ካልይቲ ግና እንድዒ' ኢልካ ናብቲ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ዘሎ ማዕበል ምጥማት ኣይኮነን። እዚኣቶም ዝህቡኻ ሪፖርት ሓሶት ጥራይ እዩ። ጴጥሮስ ንጐይታ 'ዝጥሕልዶ ይመስለካ ኢሉ እንተዝሓቶስ እንታይ ዝብሎ ይመስለካ? ምናልባት 'ክትጥሕል ኢለ ድየ ጸዊዔካ? ኢሉ ንሕቱኡ ብሕቶ ምመለሰሉ። ስለዚ እቶም ብዓይንና እንርእዮም ብእዝንና እንሰምዖም ዘጥፍኡና ዝመስሉ ኩሎም ንፋስ ኮይኖም ካብ ምሕላፍ ንላዕሊ ዘስልጥዎ የብሎምን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ንሕና ኣብ ልዕሊ እቲ ኩነታት ስልጣን ኣሎና። ምኽንያቱ  መጀመርታ እቲ ዝጸውዓና ጐይታ ብቕድሜና ኣሎ። ኩሉ ኩነታትና ኣብ ቅድሚኡ ቅሉዕ እዩ። ምናልባት ጸላኢ ኣብ ጸልማትን እብ ማእከል ባሕርን እዮም ዘለዉ ኢሉ ከም ጴጥሮስ ከጥሕለና እንተፈተነኳ ከይንጥሕል ኢድና ሒዙ ከውጽኣና ዝከኣሎ፡ ጸልማት ዘይጽልምቶ ኩሉ ዝኽእል ሓያል ጐይታ ምሳና እዩ።  ካልኣይ ድማ ክነስተውዕሎ ዘሎና እቲ ከፍርሓና ዝኽእል ነገር ድሮ ኣብ ትሕቲ እግርና እዩ ዘሎ። እናረገጽናዮ ከም ድላይና እናገበርናዮስ ከፍርሓና የብሉን ። እያሱ ነቶም ሓሙሽተ ነገስታት ስዒሩ ምስ መጸ ነቶም ሓላቁ እቶም  ተዋጋእቲ ቅረቡ እሞ ኣእጋርኩም ኣብ ክሳውዲ እዞም ነገስታት   እዚኦም ግበሩ ኢሉዎም። (እያ10፡22-24) ጐይታውን ንጴጥሮስ ከምኡ እዩ ኢልዎ 'ነዚ ምሉእ ለይቲ ከጨንቐካ ዝሓደረ ባሕሪ ርገጾ' ። ሎሚ ድማ ንሕና ጸላኢና ወላኳ እንተ ተሃንደደ፡ ቦትኡ ግና ኣብ ትሕቲ እግርና እዩ። ነቲ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ከምቲ ብእምነት ዝጀመርናዮ ናብ ጐይታ እናጠመትና ብእምነት ድማ ንዛዝሞ፡ ናይ ክብሩን ዓወቱን ተኻፈልቲ ድማ ንኹን። (እብ 12፡1-3)