28
Sun, Apr
0 New Articles

ምእንቲ ክንስማዕ

Message 2
Typography

ወዲ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ ዚኸውን ዝፈትዎ ሓወይ ብዙሕ ሳዕ "እዚ እባ ግበረለይ?"፡ "ከምዚ እባ ተማልኣለይ?"፡ "ከምዚ ትገዝኣለይ ዲኻ?"፡ "መዓስ ኢኻ እዚ ተምጽኣለይ?" እናበለ ይሓተኒ። ከምዝለመድኩዎን ከም ኣተዓባብያ ከባብየይን "እወ፡ ሐራይ" ኢለ፡ ደሓር ጊዜ ምስኣኸለት "ኣታ ቆልዓ ትም እንዶ በል" ክብል እኽእል እየ። እዚ ንዓይ ኣይምኸበደንን። ንርእሰይ ኣብ ትርር ዝበለ ሚዛን መጽሓፍ ቅዱስ ከእቱ እጋደል ስለዝነበርኩ ግን ትም ኢለ "እወ፡ ሐራይ" "ከምዝን ከምትን ክገብረልካ እየ" ክብሎ ኣይወሓጠለይን ነበረ እሞ፡ ብዝተኻእለኒ መጠን ዘይገብሮ ናይ ተስፋ ቃል ካብ ምሃብ እቑጠብ ነበርኩ። ንሱ ግን ናይ ቆልዓ ነገር ብዝተኻእሎ መጠን "ጽባሕ፡ ሐራይ፡" ኢለ ንኽምልስ ይቱኽቱኸኒ ነበረ።


ነዚ ዘደልድል ድማ፡ "ነቲ ዝመሓለሉ ዚጎድኦ እኳ እንተኾነ ዘይጠዓሰሉ" ንዝብል ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘትርር መጻሕፍቲ ናይ ዎችማን ኒ እተባህለ ቻይናዊ ልዑል እምነት ዝነበሮ ክርስትያን ኣንቢበ እየ ኣብ ክርስትና ዓብየ። ስለዚ ድማ ንህጻን ሓወይ ክገብሮ ንዘይከኣለኒ "ሐራይ" ምባል ዓቐብ ይኾነኒ ነበረ። ምስናይዚ፡ እዚ ዓይነት ዘይምላእ ተስፋ እዩ እቲ ንዓና ንህዝቢ ሓበሻ ኣብ ቃል "ምትእምማን" ከምዘይብልና ዝገበረና ኢለ እየ ዝኣምን። ኣብቲ ምዕራባውያን "ፕሮሚስ" ዚብልዎ ንሕና "መብጽዓ" ኢልና እንጽውዖ ዘለና ልማድ ኣብ ኣመለኻኽታና እዚ ዘይበሃል ጽልዋ ኣለዎ።

ካብዚ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ዘይፍለ ድማ ብዙሕ እዋን ሰባት ጸልየለይ ኪብሉኒ ኸለዉ እተፈራረቐ ስምዒት ይመጻኒ። ከም ኣሕዋተይ ከም ዘፍቅሮም መጠን እኳ ድልየት እንተሃለወኒ፡ ግን ከኣ ልበይ ይነቕፈኒ እሞ ተቐዳዲመ "ሐራይ" ካብ ምባል እቚጠብ። ይጥዕመኒ ድዩ ኣይጥዕመንን፡ እገብሮ ድየ ኣይገብሮን ብርእሰ ነቐፌታ እምላእ።

ኣብዚ ጽሑፍ ክዛረቦ ደልየ ዘለኹ፡ ብዛዕባ ቃል ምእታው ወይ መብጽዓ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ኣመንቲ ክንጽሊ ከለና ሒዝናዮ እንርከብ ባይታ "ፖዚሽን" እዩ። እቲ ግናይ፡ ክጠቕሶ ዝጸናሕኩ ናይ ቃልን ግብርን ናብራና እተዋሰበ ኪኸውን ከሎ እዩ። ተሰማዕነትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብቲ ንመንፈሳዊ ዓለም ዘሎና ጥንቁቕነት "ሲርየስነስ" እዩ ዚሙርኮስ። ዝበዝሐ ካብ ምንጪ ውድቀትና ወይ ላንግላንጋነትና ሸለልታዊ ወይ ዘይዓሚቚ ህይወትና እዩ።

ኣርእስተይ ኣቢሉ ኣቢሉ ናብ "እምነት" እዩ ዚወስደኒ። ጎይታ "ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኸውን እምነት እንተትህልወኩም ..." ዚብሎ ነዚ ኮይኑ ይረኣየኒ። ኣብቲ መሰረታዊ ነገር ንምጻእ እሞ፡ ብሓቂ ነገርኩም ኩሉ በቲ እትብልዎ "ሰዓብቲ ክርስቶስ፡ ናይ ኣምላኽ ሰባት" ኢና እትብልዎ እንተዚኸውን ነይሩ፡ እንታይ ምተሳእነኩም? እንታይ ምሃለወ ንዓኹም ዘይከኣለኩም? "ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት!" ዘገርም እዩ፡ የብልኩምን ማለት እኮ እዩ።

 

እምነት ማለት እምበኣር ቀሊልን ኣብ ኩሉ ሰብ ዚርከብን ዘይምዃኑ ንርዳእ። እምነት ምስ ከምቲ እንብሎ ኴንና ምንባርናን ዘይምንባርናን ዚተሓሓዝ እዩ። እምነት፡ ላዕላይ ላዕላይ ወይ "ዘይዓሚቚ" ናብራ ኣየፍቅድን እዩ። እምነት፡ ቁጡብ ብርግጽ ድማ ፋንዳመንታላዊ እዩ ዚገብረካ ኣብ ዕላማኻ። ናይ እምነት ሰብ ቃላቱ ትም ኢሉ ኣየውስእን እዩ። ካብዚ እተላዕለ ኪኸውን ኣለዎ ኣብ ዓለም ሒደት እዮም ብቓልን ብግብርን ኣብ ልቢ ኹሉ ተመስኪሩሎም ዚሓልፉ። ዚገርም እዩ ሒደት እዮም ጸሎቶም ብሓቂ ካብ ልቢ ኣምላኽ መልሲ ረኺቡ እተመስከረሎም። ዝበዝሐ ካልእ "ስለዘይለመንኩም ኣይረኸብኩምን" ይበሃል። ብሓቂ መንፈሳውነት ልዑል እዩ! ብዙሓት ኪረኽቡዎ ይጎዩ፡ ይደልዩ፡ ሒደት እዮም ግን እቶም ብሓደ ዓይኒ ናብ ቅድሚኦም ኣቢሎም ብእምነት ዚግስግሱ። ሒደት እዮም እቶም ዘለዎም ኩሉ ሓዲጎም ዚስዕቡ። ሒደት እዮም ናይ ጎይታ ቃል ከም ቃል ጎይታ ኣሚኖም ልቦም ንኻልእ ከይሃቡ፡ ከይተጎተቱ፡ ብዝኾነ ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ከይተወጠጡ፡ ግፍዕን ዓለማዊ ትምኒትን ክሒዶም፡ ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገሱ። ክርስትና ካብ መጀመርታኡ ዝያዳ ኣብ መወዳእትኡ እዩ!

 

ክርስትና ናይቶም ጽዉዓት ዘይኮነስ ናይቶም እተቐበሉዎ፡ ናይቶም ሕሩያት፡ ናይቶም ቃል ሓቂ ተዘሪኡሎም ኣብ ምብቋልን ምጽዳቕን ዚበጽሑ እዩ። ክርስትና ናይቶም ካብ ሰዓርቲ ዚበልጹ እዩ። ክርስትና ናይቶም "ብእምነቶም እተመስከረሎም" እዩ።

 

ናብ ሓሳበይ ክመጽእ፡ ብመሰረቱ "እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ከምዘሎን ነቶም ዚደልዩዎ ዓስቢ ከምዚህቦምን ኪኣምን ይግባእ እዩ፡" ይብል መጽሓፍ ቅዱስ (እብ 11፡5)። ቀሊል ኩልና እንገብሮ መሲሉ እዩ ዚረኣየና እዚ። ብሓቂ ግን ካብ ቃል ንላዕሊ እዩ ብህይወት እዩ ዚምዘን። እቲ ሰማዒ/ ተዓዛቢ/ ኦድየንስ፡ ሰብ ዘይኮነ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽ ድማ ገጽ ሰብ ወይ ድማ ቃልካ ዘይኮነ ልቢ እዩ ዚርኢ። እንታይ እዩ ግን እቲ "ልቢ ምርኣይ?" ስለዚ ነዚ ኢና ክንድህስስ ሕጂ። ከም ህዝቢ፡ ከም ሕብረተሰብ ጸሎትና፡ ዘሎና እህህታ፡ መንፈሳዊ ኣውያትና፡ ናብ መን ነዕርግ ምህላውና ፈሊጥና፡ እንታይ ዓይነት ልቢ እዩ ኣምላኽ ካባና ዚደሊ ዘሎ?

 

ኣምላኽ ካባና ዚጽበዮ ናይ ሓደ መዓልቲ "ትሕትና"፡ ናይ ቅጽበት "እምነት" ወይ "ክሳድካ ከም ሰልሰላ ምቕናን" ኣይኮነን። ብዙሕ ሳዕን ብብዙሓት ነብያትን ኣብ ዘመን ቤት እስራኤል ከምዝገበሮ፡ "ናይ እምነት ህይወት" ኪህልወና፡ ናይ ኣመለኻኽታ "ፍርሃት ኣምላኽ" እዩ ካባና ዚጠልብ እግዚኣብሄር። ኣምላኽ ድሕሪ ምምጻእ ክርስቶስ ናብዛ ምድሪ፡ መዓቀኒ ጽድቂ ኣይነከዮን። አረ እቲ ዝለዓለ ደረት ጽድቂ ዝኾነ "እምነት" እዩ ኣቐሚጡልና። "ክንዲ ፍረ ኣድሪ" እትኸውን፡ ብግዝፋ ዘይኮነት ብምልኣታ እትልለ እምነት ትድለ ኣላ።

 

ተሰማዒ ህይወት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ፡ ኣብ ናይ ኣብርሃም ናይቲ ኣቦ እምነት ህይወት እንርእዮ እዩ። ከም ናይ ህጻን ዝበለ ምስዛ "ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም" ዘይተጣበቐ ህይወት እዩ ነይሩዎ። ኣብርሃም ንዚፈትዎ ዝሰውአ፡ ካብ ገርህነቱ እተላዕለ እዩ። ኣብ ታሪኹ ከምእንርእዮ "ኣምላኽ ካብ ምዉታት ኬተንስኦ ከምዚኽእል" ኣሚኑ እዩ  ነቲ ዜፍቅሮ ወዱ ንኣምላኽ ኪስውኣሉ ድሕር ዘይበለ። እዚ ካብ ናይ ህጻን ገርህነት ዘይፍለ እዩ። ህጻን፡ ኣማኒ እዩ። ንህጻን ቃልን ግብርን ሓደ እዩ። ከምቲ ኣብ መዝሙር "በለ ኮነ ኸኣ" ዚብል እነንብቦ፡ ንህጻን ቃል ተስፋ ሂብካዮ፡ ብኡብኡ ከም እተፈጸመ ቆጺሩስ ወይ ኣሚኑስ፡ ድሮ ኪሕጎስ ኪሰራሰር ይጅምር። ኣብ መእተዊ ከምዝጠቐስኩዎ፡ ንህጻን ሓወይ "ቃል ተስፋ" ካብ ምሃብ ዝቑጠብ ዝነበርኩ፡ ነቲ ዝበልኩዎ ኪኣምኖን፡ ኪሕጎስን ከይጅምር እሞ፡ ደሓር ኣብቲ ጥርዚ ናይ ሓጎሱ "ክላይማክስ" ምስበጽሐ ቃለይ ብዘይምኽባረይ ንሱ ከይደሃል፡ ሳዕቤን ናይ ጥልመተይ ከይረኽቦ ስለዝፈርህ ዝነበርኩ እየ። ናይ ጥልመት ሳዕቤን ኣዝዩ ዓብዪ ክሳራ "ፍራስትሬይሽን" እዩ ዜምጽእ። ስዒቡ ድማ ናብ ነብሰ ምትእምማን ዘይምህላው ናብ ትሪ ልቢ ይመርሕ። ብዝለዓለ ደረጃ ብናይ ድሕሪ ጥልመት ምድሃል ዚሳቐ ዘሎ ከም ሕብረተሰብና ዝበለ የለን። ብብዙሕ መገዲ ስለዝተጠለምና! 

 

ዚበዝሕ ካብቲ ጽልይ ምሰበልና ጸሎትና እንርስዖ፡ ናይቲ ዝለመንናዮ መልሲ ክንረክብ ዘይምጽባይና ካብዚ እተለማመድናዮ ሳዕቤናት ጥልመት ዝመንጨወ እዩ ክብል እደፍር። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ትሪ ልቢ ይምዕብል። ከም መጠን ትሪ ልብና ኸኣ እዩ እቲ ዘይምእማንና። ገሌና እኮ ክንዛረብ ከለና፡ ቃል ከነውጽእ ከለና ኢና ንጠልም። እናበልዮስ ንርስዖ! ዋላ እቲ ተስፋ እንህቦ ዘሎና ሰብሲ፡ ንሕስዎ ምህላውና ይፍልጥ ከሎ እዩ ዚቕበለና። ብሓቂ ኢና ተሓሳሰውቲ፡ ግብዛተ! ነዚ ኸኣ ልቦና ዌ ውርዝይና ንወስዶ!

ኣብርሃም ግና ከም ናይ ህጻን ዝበለ ልቢ ስለዝነበሮ እዩ "ዓርኪ ኣምላኽ" ዝኾነ እሞ ተሰማዒ ጸሎት ዝነበሮ። ኣምላኽ ምስ ኣማኒ ልቢ ዘለዎም ዚውግን ኮይኑ ይስመዓኒ። ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ንባዕሉስ "ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምሩዎ ኣይከኣልን እዩ" ይብለና። ስለዚ እቲ መንፈሳውነት ወይውን ኣምላኽ ዚሓቶ መለዋወጢ ገንዘብ "ካረንሲ" እምነት እዩ። ኣምላኽ ኪሰምዓካ እምነት ክትከፍል ኣሎካ። ከም ቆልዓ ዝበለ ግርህና ኪህልወካ ኣለዎ። ክርስቶስ በቶም "ኣብ እስራኤል ከምዚ ዝበለት እምነት ከቶ ኣይረኸብኩን" ኢሉ ዝመስከረሎም እዩ ዚድነቕ ዝነበረ። ናቶም ጸሎት ንኺምልስ ከኣ ብዙሕ ኣይወስደሉን እዩ፡ ኣብኡ ኸሎ እዩ "ከም እምነትካ ይኹነልካ፡ ከም እምነትኪ ይኹነልኪ" እናበለ ቅጽበታዊ መልሲ ዚህቦም።

እዚ ዓይነት ገርሂ ናይ እምነት ዝንባለ ኣሎናዶ? ንቓል ከም ቃል ዚወስድ፡ ቃልካ ከም ግብርኻ፡ ቃል ኣምላኽ ድማ ከም ቃል ኣምላኽ! እቲ ሕቶ ንስኻ ንኣምላኽ ትኣምኖዶ? ዚብል ኣይኮነን። ንሱ ነቲ ዘይክርስትያን እዩ። እንተኣመነ ናብ ክርስቶስ ኣብጺሑ ህይወት ይህቦ። እቲ ንክርስትያን ዜድልዮ ነገር ግን እቲ "ኣምላኽ ንዓኻ ይኣምነካዶ?" ዚብል እዩ። ከመይሲ ንሱ እዩ ሚዛን እምነትካ። ንሱ እዩ "ዓርኪ ኣምላኽ" ዚገብረካ። ንሱ እዩ "ብሓቂ፡ ከምዚ ዝበለት እምነት ... ከቶ ኣይረኸብኩን" ዘብል ነገር። ኣምላኽ እዩ እቲ ሰማዒ፡ ተዓዛቢ/ ኦድየንስ እሞ፡ ንሱ ብዛዕባኻ እንታይ ይብ? ይኣምነካዶ? እዩ እቲ ሕቶ። እምበኣርከ፡ ናይ ኣምላኽ ቅኑዕ ዝኾነ ምውጋን ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ "ኣምላኽ ነቶም ዚኣምኖም እዩ ዚሰምዖም!" ኣምላኽ ኣሚኑካ ማለት፡ እቲ እትብሎ፡ እትልምኖ ሓቂ እዩ ማለት ስለዝኾነ መልሲ የድልዮ እዩ እሞ ንሱ ኪምልስ ብግዲ እዩ። እዚ እዩ "ናይ እምነት ጸሎት"

ከመይ እዩ እዚ ትብሎ ዘሎኻ? ዚብል ሕቶዶ መጺኡኩም? ሓዙኒ፡ ኣምላኽ ናይቶም ዚኣምኖም ጸሎት እዩ ዚሰምዕ። ኣብ መጽሓፍ እዮብ እንተኸድና፡ ኣምላኽ በቶም ንኣምላኽ ዚኣምኑዎ ሰለስቲኦም ኣዕሩኽ እዮብ ኣይተደነቐን። ሽሕኳ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ዚፈልጡ እንተነበሩ፡ ንኣምላኽውን ዚኣምኑዎ እንተነበሩ፡ ህይወቶም ግን ከምኡ ኣይነበረን። ኣምላኽ ግን ብእዮብ ባህ ኢሉዎ። እዮብ ጥራይ ኣይኮነን "እንተቐተለኒ እኳ ክኣምኖ እየ" ኢሉ። ኣምላኽ ድማ "ከም እዮብ ባርያይ የለን" ኢሉ ተመኪሑሉ። ኣብ መወዳእትኡ ድማ ንዕኡ ጥራይ ከምዚሰምዕ ኬርእዮም "ንእዮብ ባርያይ ኪጽልየልኩም ንገርዎ" ኢሉ ካብ "ጸልዩ" ምባል "ጸልየልና በልዎ" መሪጹ። ኣምላኽ ምስቲ ዚኣምኖ ምስ እዮብ ወጊኑ።

ብርግጽ ኣምላኽ ኣይዕሾን እዩ። ነገሩ ምስ ልቢ እዩ። እምበኣርከ፡ ጸሎትካ ኪስማዕሲ ዓርኪ ኣምላኽ ዲኻ። ልብኻ ናቱ ድዩ? እዚ ደሓር ዚብጻሕ ደረጃ ህይወት፡ ምስ ነዊሕ እዋን ኣብ ክርስትና ምጽናሕ ዚመጽእ ዘይኮነስ፡ ናይ ውሳነ "መንፈሳዊ ትሕዝቶ" እዩ።

ኩልና መልሲ ጸሎትና ሕጂ ከምእንደሊ ኣይጠራጠርን እየ። ስለዚ ምስ እግዚኣብሄር ዘሎና ናይ ልቢ ህይወት ናይ ሕጂ፡ ናይ ኣመለኻኽታ "ኣቲትዩድ"፡ ናይ ባይታ "ፖዚሽን" ሕቶ እዩ። እዚ ብውሳኔ፡ ብፍቓዳዊ ምቕባጽ ርእስኻ እምበር ብምህሮን ተሞክሮን ዚመጽእ ኣይኮነን። ሓንቲ ዘይትፈልጥ ግን ከኣ ዓብዪ መንፈስዊ ትሕዝቶ ዝኾነ "ህጻናዊ እምነት"፡ "ህጻናዊ ግርህና" ኪህልወካ ዚከኣል እዩ። ደሊኻ፡ ፈቒድካ፡ ቆሪጽካ ምቕባጽ ጥራይ እዩ እቲ ወሳኒ። ኣምላኽ ይኣምነካ ድዩ? 


ኣ. ኤ.

ሉዋንዳ ሓምለ 2007