25
Thu, Apr
0 New Articles

እቶም ክልተ ጎይቶት

Message 2
Typography
ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ክልተ ጎይቶት ተዛሪቡ ኣሎ። እዞም ክልተ ጎይቶት ኣምላኽን ገንዘብን እዮም። ንሱ ክዛረብ ከሎ “ሓደ ግዙእ ንኽልተ ጎይቶት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፣ ወይስ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይትኽእሉን ኢኹም።ኢሉ (ሉቃ.16፣13)። ንኣምላኽን ንሰይጣንን ክትግዛእ ከም ዘይትኽእል ዝጠፍኦ ሰብ የለን፣ ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዛእ ከም እትኽእል ዝመስሎም ኣመንቲ ግን ውሑዳት ኣይኮኑን። ጎይታ ኣምላኽን ገንዘብን ክልተ ኣንጻር ከም ዝኾኑ ብንጹር ተዛሪቡ ኣሎ። ዘሎካ ምርጫ ነቲ ሓደ ጸሊእካ ነቲ ሓደ ምፍታው ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዝካ ነቲ ሓደ ምንዓቕ እዩ። ንኣምላኽ ትፈቱ እንተኾንካ ንገንዘብ ክትጸልእ ኢኻ፣ ንኣምላኽ ትእዘዝ እንተኾንካ ድማ ንገንዘብ ክትንዕቆ ኢኻ። ንገንዘብ እንተ ፈቲኻዮን ተኣዚዝካዮን ከኣ ንኣምላኽ ክትጸልኦን ክትንዕቆን ኢኻ። ገንዘብ ኣብ ምድሪ ንምንባር ዘድሊ ነገር እዩ፣ ልክዕ ከምቲ ገለ መድሃኒታት ካብቲ ዝተኣዘዘሉ ዓቐን ክሓልፍ ከሎ መርዚ ዝኸውን ግን ገንዘብውን ካብ መሳርሒ ሓሊፉ ዓላማ እንተኾይኑ ናብ መርዚ ይቕየር እዩ ንህወትካ ከኣ የጥፍኣ።

ንገንዘብ ምጽላእን ምንዓቕን ልክዕ ገንዘብ እቲ ንህይወት ዘድሊ ቀንዲ ነገር ከም ዘይኮነ ምፍላጥን ድሕሪ ጎይታ ምስርዑን ማለት እምበር ብገንዘብ ዘይምጥቃም ማለት ኣይኮነን። ገንዘብ ኣብ ጁባኻ ጥራይ እንተ ተቐሚጡ ባርያ ኣብ ልብኻ እንተ ኣእቲኻዮ ግን ኣምላኽን ጎይታን ናይ ምዃን ክእለት ዘለዎ ነገር ስለ ዝኾነ ኣዚና ክንጥንቀቐሉ ይግብኣና። ፈታው ገንዘብ ምዃን ጸላእ ኣምላኽ ምዃን ስለ ዝኾነ ፈተውቲ ገንዘብ ምዃንናን ዘይምዃንናን ክንፈልጥ ንኽእልዶ ንኸውን?

 

ገንዘብ ከም ዝፈትዉ ዝእመኑ ሰባት ኣዝዮም ውሑዳት ስለ ዝኾኑን ካብ ቃላትና ንላዕሊ ድማ ተግባራትና ስለ ዝዛረብን ገለ ሕቶታት ብምሕታት ገንዘብ ኣብ ልብና ቦታ ኣለዎን የብሉን ክንፈልጥ ንኽእል ኢና። እስኪ ንርእስኻ ሕተታ ብዛዕባ ገንዘብ ብዙሕዶ ትሓስብ? ገንዘብ ንምርካብ እትጣበቦ ሜላታትከ ክሳብ ክንደይ ዝተራቐቐ እዩ? ንዕዮ ኣምላኽ ሃብ ከይተበሃልካ ትህብዶ? ገንዘብ ክትረክብ ወይ ክጠፍኣካ ከሎ ሰላምካ ይውስኽ ወይ ይጠፍእዶ? ብሓጺር መንገዲ ክትህብትም ፈቲንካ ትፈልጥዶ (ንኣብነት ሕጊ ብዝፈቕዶ ቁማር ማለት ሎተሪ)? ነዚ ሕቶታት ክንምልሶ እንተጀሚርና ኩነታትና ንምፍላጥ ክሕግዘና ይኽእል እዩ።

 

ብዛዕባ ገንዘብ ንምሕሳብ እተጥፍኦ ጊዜ ፍትወት ገንዘብ ኣሎካዶ የብልካን ንምፍላጥ ጽቡቕ ምልክት እዩ። ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ገንዘብ ብግቡእ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት ኣሎካ፣ ኣብ ኢድካ ብዛዕባ ዘየለ ገንዘብ ምሕላምን ምምናይን ግን መርኣያ ፈታው ገንዘብ ምዃንካ እዩ። ዘኽፍለካ ዋጋ ብዘየገድስ ናይ ምህብታም ዕላማ እንተሎካ ፈታው ገንዘብን ጸላእ ኣምላኽን ምዃንካ ክትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ገንዘብ ንምርካብ ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ዕሽሽ ትብል፣ ሓጢኣት ንምግባር ዘይትፈርህ እንተኾንካ ፈታው ገንዘብን ጸላእ ኣምላኽን ኢኻ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ሮሜ.13 ንኹሉ እቲ ዘዝግብኦ ሃብዎ ስለ ዝበለ ግብሪ ወይ ቀረጽ ከይከፈልካ፣ ንሰባት እናታለልካን ኣብ ትሕቴኻ ንዝሰርሑ ሰባት እናመዝመዝካን ዝርከብ  ገንዘብ መርኣያ ንገንዘብ ዘሎካ ፍትወት እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ፈታው ገንዘብን ጸላእ ኣምላኽን እዩ። እቲ ብዘይ ኣገባብ ዝኣከብካዮ ገንዘብ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ሽግር ከናግፈካ ምጽባይ ንኣምላኽ ምጽራፍ እዩ። ኣማኒ ከምዚ ክኸውን ከኣ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኮነን። ምህብታም ኮነ ንመንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ዕሽሽ ከይበልካ ብዙሕ ገንዘብ ክትገብር ምኽኣል ሕማቕ ኣይኮነን። ክትህብትም ምድላይ (ንሃብቲ ከም ናይ ህይወትካ ዕላማ ሒዝካ ምስራሕ) ግን ናብ ብዙሕ ፈተናን መፈንጠራን ከምኡውን ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ናብ ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጉድኣትን ትምኒት የውድቐካ እዩ (1ጢሞ.6፣9)። ብዝተኻእለ መጠን ንመነባብሮና ዘድልየና እኹል ገንዘብ ክንረክብ ምኽኣል ሕማቕ ኣይኮነን፣ ግናኸ ብዋጋ መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ክኸውን የብሉን።  

 

ኩሎም ኣመንቲ ክህብትሙ ከም ዘለዎም ዝምህር ትምህርቲ ሓደ ካብቲ ንገንዘብ ዲና ንፈቱ ወይስ ንኣምላኽ ንኽፍትነና ዝመጸ ትምህርትታት እዩ። ዕላማ ኣምላኽ ንእኡ ባህ ዘብሉ ደቂ ክገብረና እምበር ሃብታማት ክገብረና ኣይኮነን። ክህብትሙ ዝደልዩ ኣመንቲን ፈተውቲ ገንዘብ ዝኾኑ ሰበኽትን ግን ነቲ ወንጌል ጠዋውዮም ከምኡ ኣምሲሎሞ ኣለዉ። ሓንቲ ሂቦም ሚእቲ ክምለሰሎም ዝተጸበዩ ግሩሃትን ፈተውቲ ገንዘብን ዝኾኑ ኣመንቲ እታ ዝነበረቶም ሓንቲውን ነቶም ፈተውቲ ገንዘብ ሰበኽቲ ሂቦም ጥራይ ኢዶም ተሪፎም እዮም። ክትህብትም ምድላይ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ናብ ዜስጥም ናይ ዕሽነትን ጉድኣትን ትምኒት የውድቕ እዩ። ኣብቲ ምሉእ ምኽሪ ኣምላኽ ዘይተሰረተ ትምህርቲ ምቕባል ፈታው ገንዘብ ዝገብርን ነቲ ፍትወት ዘጋድድን ስለ ዝኾነ ካብዚ ትምህርቲ ስስዐ ክንጥንቀቕ የድልየና። ጎይታ የሱስ ኮነ ሃዋርያት ካብ ስብከት ሓሊፎም ህይወቶምን ዘለዎም ዘበለን የማቕሉ እምበር ‘ናይ እምነት ዘርኢ’ እናበሉ ገንዘብ ሰባት ይምንጥሉ ኣይነበሩን።  

 

ካብ ብሉይ ኪዳን ብዝተፈልየ ሓድሽ ኪዳን ገለ ካብ ትሕዝቶካ ዘይኮነስ ኩለንትናኻ ምሃብ ዝምህር ኪዳን እዩ። ሰዓብቲ ጎይታ ክንከውን እንተደሊና ኣምላኽ ካብ ኩለንትናና ዝውሕድ ነገር ኣይቅበለናን እዩ (ሉቃ.14፣25-33)። ኩለንትናና ክንህብ ፍቓደኛታት እንተ ዘይኮንና ከኣ ሰዓብቲ ጎይታ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና። ኩለንትናኻ ገንዘብካውን ከም ዘጠቓልል ንዝፈልጥ ሰብ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘየለ ዕሽርካ ምሃብ ዝብል ትምህርቲ ኣየድልዮን እዩ። ካብ 10% ኩለንትናኻ ምውፋይ ስለ ዝዓቢ እቲ ዕሽር ኣብኡ እቱው እዩ ስለዚ ጎይታ ኮነ ሃዋርያት ዝመሃርዎ ትምህርቲ ዘይምዃኑ ብዙሕ ምርምር ዘድልዮ ኣይኮነን። ብፍቕሪ ጎይታ ተደሪኽካ ንዕዮ ኣምላኽ ዝኸውን ገንዘብ (ኣምሳይኡ ካልእ ዝወሃብውን ክኸውን ይኽእል) ዘይትህብ እንተኾንካ ኣብ ልብኻ ኣብ ክንዲ ፍቕሪ ጎይታ ፍትወት ገንዘብ ቦታ ሒዙ ምህላዉ ክሕብር ይኽእል እዩ። ሃብ ከይተበሃልካ ዘይትህብን ግበር ከይተበሃልካ ዘይትገብርን እንተኾንካ ንኣምላኽ ከተፍቅሮ ዘይከኣል እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ ኣምላኽ ነታ ዘፍቀረና ፍቕሪ ወዱ ብምሃብ ዝገለጸልና ንሕናውን መግለጺ ፍቕርና ዘሎና ክንህብ ንድረኽ ኢና። ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ግን ንዕዮ ኣምላኽ ስለ ዘይሃብካ ጥራይ ፈታው ገንዘብን ጸላእ ኣምላኽን ኢኻ ማለት ኣይኮነን። እቲ ዝወሃብ ነገር ካልእ ንኣብነት፣ ጊዜ፣ ጉልበት፣ ኣገልግሎት . . . ክኸውን ይኽእል እዩ። ኣምላኽ ነቲ ፈቲኻ ክትህቦ ዝደለኻ ይቕበሎ እዩ። ምእንቲ ከይውድኣካ ወይ ከይጎድለካ ንዕዮ ኣምላኽ ካብ ምሃብ ትበኩር እንተሊኻ ግን ‘ገንዘብ ኩሉ ነገር እዩ’ ኢሉ ዝኣምን  ፈታው ገንዘብ ምዃንካ ክትፈልጥ ኣሎካ። ኣምላኽ ብፍታው እምበር ብግዲ ዝግበር ነገር ስለ ዘይቅበል ዕሽር ንኣምላኽ ዝጠራጠርዎ ወይ ፈተውቲ ገንዘብ ዝኾኑ ሰባት ገንዘብ ንምእካብ ዝጥቀሙሉ ናይ ብሉይ ኪዳን ትእዛዝ እምበር ንደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝምልከት ትምህርቲ ኣይኮነን። ኣምላኽ ለማኒ ስለ ዘይኮነ ንሱ ዝጀመሮ ኣገልግሎት ገንዘብ ስኢኑ ደው ኣይብልን እዩ። ኣምላኽ ከይበለና ባዕልና ንዝጀመርናዮ ግን ከነቋርጾ ክሳብ ዘይወሰንና ካብ ሰባት ገንዘብ ካብ ምልማን ሓሊፍና ካልእ ምርጫ የብልናን።

 

ፈታው ገንዘብን ጸላእ ኣምላኽን ምዃንና ከፍልጠና ዝኽእል ካልእ ነገር ገንዘብ ክንረክብ ከሎና እነርእዮ ሓጎስን ገንዘብ ከነጥፍእ ከሎና እነርእዮ ጓህን እዩ። ጎይታ እቲ ኣነ ዝህበኩም ሰላም ከምቲ ዓለም እትህቦ ሰላም ኣይኮነን ኢሉ ተዛሪቡ ስለ ዘሎ መዝገብና ኣብ ላዕሊ እንተኾይኑ ኣብኡ ሰራቒ ክድይብን ባልዕ ክኣቱን ስለ ዘይክእል ገንዘብ ይወሰኸና ዋላ ይጥፍኣና ሰላምና ኣይዝረግን እዩ። ናይ ዝበዛሕና ጸሎት ‘ከምዚ ግበረለይ ከምቲ ድገመለይ’ ካብ ዝብል ናይ ቆልዑ ጸሎት ስለ ዘይሓለፈ ግን ገንዘብ ምርካብ በረኸት ገንዘብ ምጥፋእ ከኣ መግደራ ይመስለና እዩ። እዚ መርኣያ ናይቲ ገንዘብ ኣብ ልብና ዘለዎ ቦታ እዩ። ገንዘብ ኩሉ ነገር ጌርካ ትሓስቦ እንተኾንካ ክውሰኸካን ክጎድለካን ከሎ ዓቢ ፍልልይ ይረኣየልካ እዩ። ትንዕቆን ከምቲ ጎይታ ዝበሎ ቃል ኣምላኻዊ ጽልኢ ትጸልኦን እንተኾንካ ግን ምርካብን ምስኣንን ፍልልይ የብሉን። ነዚ ጽቡቕ ኣብነት ዝኾነና እዮብ እዩ። እዮብ ዝነበሮ ኩሉ ምስ ተወስዶ ‘እግዚኣብሄር ሃበ፣ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፣ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰጊዱ።’ (እዮ.1፣20-21)እንተ ጸብጺብናዮ ብዙሕ ንብረትን ደቁን እዮም ተወሲዶሞ ቅድሚ ኣምላኽ ዝስርዑ ግና ኣይነበሩን፣ ስለዚ ድማ ንሱ ሂቡኒ ንሱ ወሲድዎ ስሙ ይባረኽ ኢሉ። ገንዘብ ኣብ ማሕፉዱኡ እምበር ኣብ ልቡ ቦታ ስለ ዘይነበሮ ከምቲ ከለዎ ምስ ተወስዶውን ተደፊኡ ሰጊዱ። ኩነታትካ ብዘየገድስ ብንጹህ ሕልና ኣብ ክንዲ ምምልላስ ገንዘብ ክትረክብ ከሎኻ መዝሙር ምስጋና ምዝማር ገንዘብ ክጠፍኣካ ከሎ ድማ ናይ ንስሓ ጸሎት ምጽላይ መርኣያ ፈታው ገንዘብ ምዃንካ እዩ። እቲ ምህብታም መግለጺ በረኸት ምስኣን ከኣ መግለጺ መርገም ጌሩ ዝምህር ናይ ብልጽግና ትምህርቲ ካብቲ ዝመስለና ንላዕሊ ኣብ ውሽጢ ብዙሓት ሰባት ስለ ዝኣተወ ገንዘብ ክጠፍኣና ከሎ ቀዳማይ ዝመጽኣና ሓሳብ ‘ንኣምላኽ ደኣ እንታይ በዲለዮ እየ’ ዝብል እዩ። ከምዝበደልካ ንኽትፈልጥ ገንዘብ ክጠፍኣካ ዘድልየካ እንተኾይኑ ኣምላኽ ከምኡ ክገብር እዩ፣ ክሳብ ኣብኡ እንተ በጺሕካ ግን ህይወትካ ጽቡቕ የለን። ከም ዝሓጣእና መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ክረትዓና እምበር ገለ ነገር ክፍጸም ኣየድልን እዩ። ምድራዊ ነገራት ዝመልኣልካ ኣምላኽ ሰናይ ስለ ዝኾነ እምበር ንስኻ ካብ ማንም ስለ ዝበለጽካ ከም ዘይኮንካ እንተ ፈሊጥካ ክጎድለካ ከሎውን እንታይ ስለ ዝገበኩ ደኣ ጎዲሉኒ ኢሉ ዘሕስብ የብልካን። እዮብ እቲ ጽቡቕ ካብ ተቐበልናዮስ ነዚኸ ስለምንታይ ዘይንቕበሎ ዝብል ሕቶ ዝሓተተ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ። እዮብ ጻድቕ ስለ ዝነበረ ከም ዝሃብተመ ይኣምን ኣይነበረን ስለዚ ድማ ዝነበሮ ምስ ተወስዶ ዝገበሮ ነገር ከምቲ ንሃብቲ ንድኽነትውን ምቕባል እዩ። ፈታው ገንዘብ ምዃን ጸላእ ኣምላኽ ምዃን ስለ ዝኾነ ንገንዘብ ካብ ልብና ከነውጽኦን ኣብቲ ዝተመደበሉ ቦታ ከነቐምጦን ይግብኣና።

 

ገንዘብ እነናድየሉ ኣቋራጭ መንገድታትውን ፍትወት ገንዘብ ዘሎናን ዘይብልናን ክሕብረና ይኽእል እዩ። ፈታው ገንዘብ ንኽትከውን ገንዘብ ክህልወካ ብግዲ ኣይኮነን። እኳ ደኣ እቶም ኣብዛ ምድሪ ዘለዉ ዝበዝሑ ፈተውቲ ገንዘብ ድኻታት እዮም። ንኽትህብትም ኣብ ዝግበር ውድድር ከኣ ኩሉ ዓይነት ክፉእ ነገራት ኣሎ። ብናይ ሓሶት ምስክርነት፣ ብምትላል፣ ብብላዕ . . .  ናብ ክህብትመሉ ይኽእል እየ እትብሎ ቦታ ምኻድ መርኣያ ናይቲ ንገንዘብ ዘሎካ ፍትወት እዩ። ብሕጋዊ ቁማር ማለት ሎተሪ ክትህብትም ምፍታንውን ሓጢኣት እዩ።  ሎተሪ ብሕጊ ዝተፈቕደ ቁማር እዩ። ብዙሓት ሰባት ዝተወሰነ ገንዘብ ይኸፍሉ እቲ ናይ ሎተሪ ትካል መኽሰቡ ኣትሪፉ ከኣ እቲ ዝተረፈ ገንዘብ ንዝተወሰኑ ‘ዕውታት’ ሰባት የከፋፍሎ። ሎተሪ፣ ብሕጊ ዝተፈቕደ ገንዘብ ካልኦት ናይ ምውሳድ ኣገባብ እዩ። ብሎተሪ ክትህብትም ምፍታን ከኣ ፈታው ገንዘብን ጸላእ ኣምላኽን ምዃንካ ዘርእይ እዩ።

 

ኣምላኽን ገንዘብን ዘይተዓረቑ ክልተ ተጻረርቲ ጎይቶት ስለ ዝኾኑ ንክልቲኦም ክትፈቱን ንክልቲኦም ክትእዘዝን ኣይከኣልን እዩ (ማቴ.6፣24 ፣ ሉቃ.16፣13)። ንሓዲኦም እንተ ፈቲኻን ተኣዚዝካን ነቲ ሓደ ክትጸልኦን ክትንዕቆን ብግዲ እዩ። ስለዚ ፈተውቲ ገንዘብን ጸላእቲ ኣምላኽን ምእንቲ ከይንኸውን ርእስና ካብ ፍቕሪ ገንዘብ እናኣጽረና ብትሕትና ምስ ኣምላኽ ክንመላለስ ይግብኣና።