20
Sat, Apr
0 New Articles

ሒደት ድዮም ዚድሕኑ?

Message 3
Typography

"እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፊሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።"፠ 

"ኣብ ከተማታትን ኣብ ዓድታትን እናመሀረ ይመላለስ ነበረ። መገዱ ኸኣ ንየሩሳሌም ገጹ ኣቕኒዑ ነበረ። ሓደ ሰብኣይ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ሒደት ድዮም ዚድሕኑ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ብዙሓት ኪኣትዉ እናደለዩስ ከም ዘይኰነሎም፡ እብለኩም ኣሎኹ እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ተጋደሉ። ብዓል ቤት ተንሲኡ ማዕጾኡ ምስ ሸጐረ፡ ሽዑ ኣብ ወጻኢ ደው ምባል ክትጅምሩ፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና፡ እናበልኩም ማዕጾ ዃሕኳሕ ከተብሉ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ኢሉ ኺመልሰልኩም እዩ። ሽዑ፡ ኣብ ቅድሜኻ ባሊዕናን ሰቲናን፡ ንስኻውን ኣብ ገዛና ምሂርካ፡ ምባል ክትጅምሩ ኢኹም። ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ ዂላትኩም፡ ካበይ ምዃንኩም ኣይፈልጠኩምን እየ፡ ካባይ ርሐቑ፡

እብለኩም ኣሎኹ፡ ኪብል እዩ። ንኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ንዂሎም ነብያትን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ርኤኹምዎም፡ ንስኻትኩም ግና ኣብ ወጻኢ ተደርቢኹም፡ ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። ካብ ምብራቕን ምዕራብን ካብ ሰሜንን ደቡብን ድማ ኺመጹ፡ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽውን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። እንሆ ድማ፡ ቀዳሞት ዚዀኑ ዳሕሮት ኣለዉ፡ ዳሕሮት ዚዀኑ ቐዳሞትውን ኣለዉ።" ((ማቴዎስ 7፡13-14፣ሉቃስ 13፡22-30)

1. ክንደይ እዮም ዚድሕኑ? (ሀ) ሕድት? ለ)ብዙሓት?

2. ኣየኖት እዮም ዚድሕኑ? ሀ) ሃብታማት?ለ) ድኻታት? ሐ)ምሁራት? መ)ዘይተማህሩ?

3. ስለ ምንታይ ግን "እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት" ኰይኖም?

4. ስለ ምንታይከ ኣምላኽ ነታ "ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን" ገይሩዋ?

5. ኣምላኽሲ ብዙሓት ሰባት ኪድሕኑ ኣይደልን ማለት ድዩ?

6. እዛ ጸባብ ደገ እዚኣከ እንታይ ተመልክት?

ኣብዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ነዘን ሕቶታት እዚኣተን ክንምልሰን ኢና።

ብመሰረት ሉቃስ 13:24, ኣየኖትን ክንደይን እዮም ዚድሕኑ ንዝብላ ቀዳሞት ክልተ ሕቶታት መልሱ፡ እቶም ካብ መጀመርታ ኪሳዕ መወዳእታ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ዚጋደሉ ጥራይ እዮም ዚድሕኑ ዝብል እዩ። ብምቅጻል ኣብ ሳልሰይቲ፣ ራበዓይትን ሓምሸይን ሕቶታት ተንጸባሪቀን ንዘለዋ ቀንዲ ሓሳባት ብሓንሳእ ንውሰደን። እዚ ማለት ነታ "ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን" ምግባሩ ከም ውጽኢውን "እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት" ምዃኖምሲ ኣምላኽ ብዙሓት ሰባት ኪድሕኑ ኣይደልን ማለት ድዩ? ወይ ድማ "ኣምላኽ ብዙሓት ኪድሕንሉ ዚኽእሉ መገዲ ምድሓን ኣይመደበን" ዝብል ገይጋ ተረኺብዎ ኣሎ ማለት ድዩ? ያ ኣይፋሉን ኢልና ንምጉት ኣለና።

መጀመርታ ኣብ 1ይ ጢሞቴዎስ 2፡3,4 ንመልከት። "እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ዂሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ ዚፈቱ እግዚኣብሄር መድሓኒና ጽቡቕን ቅቡልን እዩ።" ብመሰረት እዚ ዘይልወጥ ቃል ሓቂ እዚ ፍታው እግዚኣብሄር መድሓኒና "ዂሉ ሰብ ኪድሕን" እዩ። ኩሉ ሰብ ዚድሕን ግና ኩሉ ሰብ ናብ ፍልጠት ሓቂ ብምምጻእ ጥራይ እዩ።

እንታይ ወይ መን እዩ እዚ ሓቂ እዚ? ካብ ማቴዎስ ምዕራፍ 7ን ሉቃስ 13ን ኣብ ላዕሊ ከም ዘንበብናዮ እዚ ሓቂ እዚ እታ "ጸባብ ደገ ፡ ቀጣን መገዲ" እዩ። ቀጽልና ክንምልሶ ዘሎና መሰረታዊ ነጥቢ እዚ "ጸባብ ደገ ፡ ቀጣን መገዲ" ዝብል እንታይ ወይ መን እዩ?

እቲ መልሱ፦ "የሱስን የሱስ ጥራይን እዩ!" ዚብል እዩ። ኣብ ማቴዎስ 7፡13-14 "እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።" ኢሉ ጐይታና የሱስ። ነዚ ዘረባ እዚ ብመሰረት ወንጌል ዮሃንስ ኪንሪኦ ከለና እቲ ደገን እቲ መገዲን እንታይ ወይ መን ምዃኑ ብግልጺ ይነግረና።

"ሽዑ የሱስ ከም ብሓድሽ በሎም፡ እቲ ደገ ኣባጊዕ ኣነ ኸም ዝዀንኩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ። እቶም ቅድመይ ዝመጹ ዂላቶም ሰረቕትን ጐሓሉትን እዮም፡ እተን ኣባጊዕ ግና ኣይሰምዓኦምን እየን። እቲ ደገ ኣነ እየ። ብኣይ ዚኣቱ ኺድሕን፡ ኪኣቱን ኪወጽእን መጓሰዪውን ኪረክብ እዩ። ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረኽባ እየ ዝመጻእኩ።(ዮሃንስ 10:7-10)። => እቲ እታ ጸባብ ደገ የሱስ ባዕሉ እዩ!

"ቶማስ ከኣ፡ ጐይታይ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ነቲ መገዲኸ ኸመይ ጌርና ኢና እንፈልጦ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን"(ዮሃንስ 14:5-6" => እቲ እታ ቀጣን መገዲ የሱስ ባዕሉ እዩ! እወ እቲ ናብቲ "ንሱ በይኑ ዘይመውትን፡ ሓደ ሰብ እኳ ከቶ ዘይረኣዮ ኺርእዮውን ዘይኸእል፡ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዚነብር" (1ይ ጢሞቴዎስ 6:16) ኣምላኽን ኣቦን ዘብጽሕ እንኮ በይኑ ቀጣን መገዲ የሱስ ጥራይ እዩ!

እዚ እቲ ፍሉይ ናይ ጎይታና የሱስ ትምህርቲ እዩ። እዚ ድማ ናይ ሃዋሪያት ማለት ናይቶም ናይ ሓቂ ፍሉያትን እሙናትን መሰኻኽሩን ፍሉይ ትምህርቲ እዩ።

"እቲ ንስኻትኩም ነደቕቲ ዝነዐቕኩምዎ እሞ ርእሲ መኣዝን ዝዀነ እምኒ፡ ንሱ እዩ። ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ፡ ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን። ግብሪ ሃዋሪያት 4:11-12)

እወ ዋላ እኳ የሱስ ሎሚ ብብዙሓት መገዲ ባቢሎን ኪኽትሉ ዚሓረዩ መራሕቲ ቁጽሪ ዘይብሉ ሃይማኖታት፣ፍላስፋታትን ምሁራት እዛ ዓለም እዚኣን እተነጽገን እተናዕቅን እንተ ዀነ፡ እቲ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ሰብ ኩሉ ካብቲ ዚመጽእ ዘለኣለማዊ ፍርዲ ኣምላኽ ዚድሕነሉ እንኮ መገዲ የሱስ ጥራይ እዩ!

ጐይታና የሱስ እቲ ፍሉይን እንኮ በይኑ መድሓኒና(Our single & Unique Saviour)ጥራይ ዘይኰነ ንሱ ባዕሉ እቲ ፍሉይን እንኮ በይኑ ምድሓንና (Our single & Unique Salvation) እዩ።

ነዞም ዚስዕቡ ጥቅስታት ንመልከት። ጐይታ ባዕሉ ምድሓንና ከም ዚዀነ ብግልጺ ይእውጁ!

"እግዚኣብሄር ሓይለይ መዝሙረይን እዩ። ምድሓነይ (my salvation) ከኣ ኮነኒ እዚ ኣምላኸይ እዩ እሞ፡ ከኽብሮ እየ። ኣምላኽ ኣቦይ እዩ እሞ ክብ ከብሎ እየ"(ዘጻኣት 15፡1)

"ዎ እግዚኣብሄር ሓይለይ፣ ኤፍቅረካ እየ። እግዚኣብሄርሲ ኸውሔይ፣ ዕርደይ፣ መናገፍየይ፣ ኣምላኸይ፣ ዝሀድመሉ ጸግዔይ፣ ዋልታይ፣ ቀርኒ ምድሓነይ፣(the horn of my salvation) ልዕል ዝበለ ኸውለይ እዩ።" (መዝ 18:1)

"እግዚኣብሄር ብርሃነይን ምድሓነይን እዩ፣(The LORD is my light and my salvation) ካብ መን ደኣ እየ ዝፈርህ፣እግዚኣብሄር ሓይሊ ህይወተይ እዩ፣ ካብ መንከ እየ ዝስምብድ፣" (መዝ 27፡1)

"ሓይለይን መዝሙረይን እግዚኣብሄር እዩ፣ ንሱውን ምድሓነይ ኰነ(he has become my salvation.)።" (መዝ118:14)

ኣምላኽ ነታ ናይ ምድሓን መገዲ ከምዚ ኣዚያ ቀጣን እታ ደገውን ኣዚያ ጸባብ ምግባሩ፡ ብዙሓት ኪድሕኑ ስለ ዘይደሊ ወይ ድማ ነቲ ናይ ምድሓን መገዲ ከኽብዶ ስለ ዚደለየ ኣይኰነን።

"እንሆ፡ ኣምላኽሲ ምድሓነይ እዩ፡(Surely God is my salvation); እእመን ኣይፈርህን ድማ እየ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሓይለይን መዝሙረይን እዩ እሞ፡ ንሱ ምድሓነይ ኰነ።(he has become my salvation)" (ኢሳያስ 12፡2)

ክርስቶስ እቲ እንኮ በይኑ መድሓኒን ምድሓን ኩሎም ደቂ ሰባትን እዩ። እቲ እዚ ከምኡ ዚዀነሉ እንኮ፣ኣዚዩ ፍሉይን ዘገርምን ምኽንያት እዚ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ንእገዚኣብሄር ኣቦ፡ ብጀካ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እቲ እዚ ፍሉይ ወዲ ኣምላኽ እዚ ኪገልጸሉ ዚፈቱ ጥራይ እንተ ዘይኰይ ካል ዋላ ሓደ ሰብ ወይ ድማ ብኻል ብዋላ ሓደ መገዲ ንንእገዚኣብሄር ኣቦ ኪትፈልጦ ፈጺምካ ስለ ዘይከኣል ጥራይ እዩ።

"ካብ ኣቦይ ኲሉ ተዋሂቡኒ ኣሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን፡ ዚፈልጦ የልቦን።" (ማቴዎስ 11፡27)

እታ ኣምላኽ ካብ ኩሎም ደቂ ሰባት ዚጠልባ ጠለብ፡ ሓንቲ ጥራይ እያ። እዛ ሓንቲ ጥራይ ጠለብ ኣምልእኽ እዚኣ ክልተ ደረጃታት(two Steps) ኣለዋኣ።

እታ ቀዳመይቲ ደረጃ (The first Step); በቲ ፍሉይ ወዲ ኣምላኽ ማለት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብምእማን ንኣኡ ኣብ ግሊ ህይወትካ ከም እንኮን ፍሉይ መዲሓኒኻ ገርካ ምቅባል ጥራይ ዘይኰነስ ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም እንኮን ፍሉይ ምድሓንካ ገርካ ምቅባል። እዚ ምግባር ብዘይ ገለ ምጥርጣር እቲ ኣምላኽ ካብ ኩሎም ሰባት ዚደልያ ሓንቲ ግብሪ ጥራይ ምግባር እዩ።

"ስለዚ ንሳቶም፡ ግብሪ ኣምላኽ ክንገብርሲ እንታይ ንግበር፧ በልዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ በቲ ንሱ ዝለኣኾ ኽትኣምኑ እዩ፡ በሎም።" (ዮሃንስ 6፡28-29)

እወ እቲ ኣምላኽ ንስኻ/ንስኺ ክትገብሮ/ኪትገብሪዮ ዚደልየካ/ዚደልየኪ እንኮ ተግባር ብወዱ ምእማን እያ። "ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።" (ዮሃንስ 17፡3)

"ብወዲ ኣምላኽ ዚኣምን፡ እቲ ምስክር ኣብ ውሽጢ ኣለዎ። እቲ ንኣምላኽ ዘይኣምን፡ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወዱ ዝመስከሮ ምስክር ስለ ዘይኣመኖ፡ ንእኡ ሓሳዊ ገይርዎ ኣሎ። ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሀበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ ኣላ። እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት ኣላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን። ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ።" (1ይ ዮሃንስ5:10-13)

ንወዲ ኣምላኽ ኣሚንካ ንእኡ ከም እንኮን ናይ ሓዋሩን መድሓኒኻን ምድሓንካን ገርካ ምቅባል እታ ጸባብ ደገን እታ ቀጣን መገዲን እኳ እንተ ኰነት ከባድን ዘይትካኣልን ግና ኣይኰነትን ፈጺማ።

"ኣቱም ኲልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኲሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኺም።" (ማቴዎስ 11፡28-30)

እዛ ኣዚያ ክብርትን ብልጽትን ዕደመ እዚኣ ንሒደት ሰባት ጥራይ ድያ? ያ ኣይፋላን። ንኩሎም ዚጽዕሩን ጾር ዚኸበዶምን እባ!

እታ ካልኣይቲ ደረጃ(The Second step)፡ኣብዛ እምነት እዚኣ ኺሳዕ መወዳእታ ምጽናዕ እያ! ማለት ነዛ ኣብዚ ፍሉይ እንኮ ወዲ ኣምላኽ ዘላትካ እምነት ኪሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕካ ምሓዝ።

"ደጊም ከምቲ ንጐይታና ክርስቶስ የሱስ እተቐበልኩምዎ፡ ከምኡ ኢልኩም ብእኡ ተመላለሱ። ኣብኡ ተሰሪትኩምን ተሀኒጽኩምን ብምስጋና መሊእኩም፡ ከምቲ እተመሀርክምዎ ዄንኩም ብእምነት ጽንዑ። ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቚልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ። ኣብኡ ብዘሎ ምሉኣት መለኮት ብስጋ ሐዲርዎ እዩ እሞ፡ ንሱ ርእሲ ዂሉ ሕልቅነትን ስልጣንን እዩ፡ ንስኻትኩምውን ብእኡ ተመሊእኩም ኣሎኹም።" (ቆሎሴ 2፡6-10)

እዚ ቃል እዚ ጳውሎስ እዩ ናብ ሰብ ቆሎሴ ካብ ቤት ማእሰርቲ ሮማ ጽሕፍዎ። ንሱን እቶም መቲዓይይቱን ኣብ ዘይነበሩሉ እዋን ናይ ሓሶት መማህራን ኣብታ ማሕበር ኣምላኽ ተንሲኦም፡ ፍልስፍናዊ፣ሃይማኖታዊን ናይ ባሕታውያን ትምህርቲ ሓሶትን ክምህሩ ጀምሮም። እቲ ቀንዲ ጎዳኢነት ናይቲ ትምህርቲ የዕንቲኻ ካብ ክርስቶስ ከተልዕልን ከተዝብልን ዚገብር ሓደገኛ ዘዛብዕ ትምህርቲ እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ዘመንና ነዛ ሕጂ ዘላ ምድሪ ክርስትና መሊኡ ዘሎ ትምህርቲ እዩ።

ክርስቶስን ክርስቶስ ጥራይን እኹል ከም ዘይኰነ ገይሩ ዘርኢ ረቂቅ ኣጋንንታዊ ትምህርቲ። እቲ ሓቂ ግና እዚ እዩ፥ ክርስቶስ መድሓኒና፣ምድሓንና፣ጽድቅና፣ቅድስናና፣መገዲና፣ህይወትና፣ሓቂና፣ ብርሃንና እዩ ንኣና! ንሱ ባዕሉ እታ ቀጣን መገዲና፣ እታ ጸባብ ደገና እዩ! ስልዚ ኸኣ ካብኡ ንቅድሚት ወይ ንድሕሪት፣ ንጸጋም ወይ ንየማን ኣይንበል ፈጽምና! ንሱ ኩሉ እዩ ንኣና! ንሱ ዝዀነ ነገር ተወሳኺ ዘየድልዮ እኹል እዩ ንኣና!

ኣብዚ ሰብ ኩሉ ነናይ ገዛእ ርእሱ መገዲ ዚኽተለሉ ባቢሎናዊ ዘመን እዚ፥ እታ ካባና እቲ ድለ እንኮ ነገር ፡ ብእኡ ጥራይ ምእማንናን ነታ ብእኡ ዘላትና እምነትና ኪሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና ምሓዝን እያ! እታ በታ ጸባብ ደገ ንምእታው ምግዳል እዚኣ እያ!

"ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጒያ ወዲኤ፡ ነቲ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ።እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዂላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።" (2ይ ጢሞቴዎስ 4:7-8)

"ቀልጢፈ እመጽእ ኣሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎኻ ኣጽኒዕካ ሐዞ።" (ራእይ 3:11)

Br. Asser Semere