18
Thu, Apr
0 New Articles

ክትድርበ ዝተሓሰበት ሳንዱቅ

Message 3
Typography

መገዲ እናኸልአትን እግሪ ሰብ እናዓንቀፈትን ተሸጊር ዝነበረት ካብ ሓጺን ዝተሰረሐት ሳጹን፡ ኣብ ቤት ሓደ ስድራ፡ ኣከብቲ ሓጺን ዝጉሑፉ ጸዊዖም ክጉሕፍዋ ወሰኑ። እቲ ናይቶም ኣብቲ ድርጅት ጐሓፍ ዝጉሑፉ ሰባት ሓላፊ ድማ፡ "በሉ ቅድሚ ምጉሓፍኩምን ናብ እቶን ምድርባይኩምን፡ ቅድም ከፊትኩም ርኣይዋ"፡ ምናልባሽ ገለ ኣድላዪ ነገር ከይህሉ ኢሉ ንመሳርሕቱ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። እዛ ዉሳኔ ድማ ኣዝያ ወሳኒት ነበረት። ምኽንያቱ ኣብዛ መሸገሪት ዝነበረት ሳጹን ፍሉይ ዝኾነ ሃብቲ ነይርዋ። 

እቲ ዚመጸ ሓሳብ እኳ ጹቡቅ እንተ ነበረ፡ እታ ሳጹን ግና ብቀሊል ክትክፈተሎም ኣይከኣለትን። ልዕሊ 20 ሰዓት ክሳዕ እትወስደሎም ድማ ክሳዕ ክንድዚ ተጋደሉ። ክንደይ ዘገርም። ምናልባሽ ኣብ ዉሽጣ ገለ ኩቡር ከይህሉ ብዝብል ሓሳብ፡ እወ ምናልባሽ ገለ ኩቡር ነገር ከይህልዋ እሞ ከይነድድ ብዝብል ግምት እዚ ኹሉ ጸዓሪ ኣይካይዶም። ነቲ 15 ሰንቲመተር ዝርጉዱ ሓጺን ድማ ብኽንደይ ገድሊ ብመምከኽን ብመተርብዒን ጌሮም ከፈትዎ። ብርግጽ ድማ ዓስቢ ጻዕሮም ረኺቦም።

ኣብኡ ድማ 50 ዲናራት ፍሉያት ዝኾና ምስ መጠቅለሊኤን ኣብ ፍሉይ ዓይነት መቀመጥን፡ ከምኡ ድማ ቡዙሕ ሓደስቲ ሲልቨር ዶላር ሰናቲምን ኣብ ባኮታት ዝተዓሸገ ረኸቡ። ብፍላይ ድማ እተን 50 ብወርቂ ዝተሰርሓ ዲናራት ናይ ዶቡብ ኣፍሪቃ ኣርማ ዘለወን ኣብ ዓለም እቲ ዝጸረየ ወርቂ ዝፍለጥ ኢዩ። እታ ሳጹን ድማ ከባቢ 3000 ፉንድ ዚምዘን ዝበረት፡ ዋጋ 2. 5 ሚልዮን ዶላር ዓቂቡ ጸኒሑ። ብልግስነቶም ድማ እቶም ጎሃፍቲ ፡ ነቶም ወነንቲ ሳጹን ዝነበሩ፡ ግና ከይፈተሹን ከየፈተሹን ክግሕፍዎ ዝመረጹ፡ ደዊሎም እዚ ንብረት ኣብኡ ነይሩ ኢሎም ኣረኪቦሞም።

ካብዚ ንሕና እንታይ ንመሃር። ሰብ ካብዛ ኣብዚ ዘጋጠመት ነገር ዚተፈለለየ ዓይነት ትምህርቲ መንፈሳዉን ሞራላዉን ክወስደላ ይኽእል ኢዩ። ኣነ ግና ሎሚ ኣብ ሓደ ነግር ክጸቅጥ ደልየ ኣልኹ። ንሱ ድማ መጽሓፍ ቁዱስ ኢዩ። እታ ሳጹን ኣብነት መጽሓፍ ቁዱስ ገይረ ክወስዳ መሪጸ ኣለኹ። ምኽንያቱ ኣብ ቤትና ሓደ ካብቲ ኣምላኽ ዝሃበና፡ ቡዙሕ ድማ ዋጋ ዝተኸፈሎ መጽሓፍ ቁዱስ ኢዩ። እወ ዳርጋ ኣብ ናይ ኩላትና ሓበሻ፡ እንተ ካብ ስድራና ዝወርስናያ፣ ወይ ባዕልና ዘጥረናዮ ወይ ድማ ሰባት ዝሃቡና፡ መቸም ሃሰዉ ኢልካ ዘይስኣን ስለ ዝኾነ። ብርግጽ ድማ መጽሓፍ ቁዱስ፡ ሓደ ካብቲ ንኣምላኽ ንፈልጠሉን፡ ወትሩ ብምንባብናን ብዘንበብናዮ መጠን ምጽላይናን ምኽሩን ሓሳቡን ኣብ ህይወትና እንፈልጠሉ ኢዩ። ኣብ ቤትካ እዚ መጽሃፍ ሃሊካ፡ የግዳስ ብዝተፈላለይ ነገር ተታሒዝካ፡ እንት ብናብራ፣ ብምቾት፣ እንተ ብናይ ናብራ መከራ፡ ንመጽሓፍ ቁዱስ ኣጸጊዕካዮ ኣለኻ፡ ከምዞም ጸዊዖም ነቲ ሳጹን ንኽድርበዎ ዝወሰኑ ኮይንካ ኣለኻ ማለት ኢዩ። ምኽንያቱ እቶም ንመጽሃፍ ቁዱስ ክብረቱ ዝፈለጡ ለይትን መአዓልትን ከየብኰሩ ይምርምርውዎ ከም ዝነበሩ ኢዩ ቃል ኣምላኽ ዝምህረና። እቲ ጽሑፍዉን ለይትን መዓልትን ክንምርምሮ ከምዘለና ኢዩ ዝመኽረና።

ኣብ 2ይ ክፍለ ዘምን መጽሓፍ ቁዱስ ንኹሉ ሰብ ኣይነበሮን። እተን ዝነበራ ብራናታት ድማ፤ ኣብ ኢድ ሃብታማት ኢየን ነይረን። ክሳብ 15 ክፍለ ዘመን ድማ ይገድድ ኢምበር ዝሓይሽዉን ኣይንበረን። ስለዚ ኣብቲ ዘመን እቲ መጽሓፍ ቁዱስ ክህልወካ፣ ደጋጊምካ ከተንብቦ፣ ኣብዚደለኻዮ ቦታን ግዜን ኪትረኸቦ ዘይሕለም ኢዩ ነይሩ። መራሕቲ ሃይማኖታትን ነገስታትን ሃጸየታትን ጥራይ እዮም ክረኽብዎ ዝኽእሉ ነይሮም። ምስ ምትንሳእ ማርቲን ሉተርን (Martin Luther) ምዕባለ ሕትመት ብጉተንበርግ (Gutenberg) ኢዩ መጽሃፍ ቁዱስ ኣብ ኢድ ሰባት ንኽበጽሕ ፈሊሙ።

ካቡኡ ከይረሓቕና ኣብ ዘመንና ኣብ ገለ ገለ ቦታት ብሰንኪ ስደት ናይ እምነት፡ ኣብ ገለ ድማ በቲ ዝርድእዎ ቛንቛ መጽሓፍ ቁዱስ ስለ ዘይብሎም፡ መጽሓፍ ቁዱስ ከንብቡን ምኽሪ ኣምላኽ ክፈልጥን ሃረር ዝብሉ ቡዙሓት እዮም። ኣብ ዓዲ ዓረብ ከም እኒ ስዑድያ ናብ እምነት ምስ መጹ መጽሓፍ ቅዱስን ሕብረት ምስ ኣሕዋትን ኢየን እተን ክልተ ዚለዓላ ዲሌቶምን ሃንቀውተኦምን። ኣብ ቻይና ድማ ሕብረት እኳ እንተሃለዎም መጽሓፍ ቁዱስ ስለ ዘይብሎም፡ መጽሓፍ ቁዱስ ክረኽቡ ቡዙሕ እዮም ዝጽዕሩ። ዘለዎም ሸይጦምዉን ከንብቡ ኣይምስጸልኡን። ስለዚ ሓቢሮም በታ ሓንቲ ዘላቶም የንብቡ ኣብ በትክርስትያን፡ ወይ ድማ ዘዝሸምደድዎ ዓዉ እናበሉ ይዛረቡ እሞ፡ ነቲ ቃል ይሰምዑ። ነቲ መልእኽቲታት ከም መዝሙር ጌሮም የጽንዕዎ። ጋሻ ሰባኺ እንተመጸ ድማ፡ ምኽሪ ኣምላኽ ካብ ዘፍጥረት ክሳብ ራእይ ዮሃንስ ንገረና ይብልዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብበልና ኢሎም እዮም ዝምሕጸኑ።

ኣምላኽ መጽሓፍ ቁዱስ ኣብ ኢድና ክበጽሕ ዝገብሮ ብዕላማ ኢዩ። ምኽሪ ከም ግሊን ከም ማሕበሩን ስለ ዘለዎ ኢዩ። ምጽንናዕና ይኹን ምሕጓስና ብቃሉን ብተግባር ኣእዳዉን ክኸዉን ኣለዎ። ስለዚ እቲ ዚዓበየን ፍሉይ ምኽሩ ዓቚሩ ዘሎ መጽሓፍ ቁዱስ ክሳብ ኣብዛ ምድሪ ዘለና፡ ብደሮና ክሽፈን፣ ትሕቲ ኮቦራታ ክዳዉነቲ ወይ ትሕቲ ፍርናሽ ክጽቀጥ ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ ክንበብን ክንነብረሉን ኢዩ። ካባና ሓሊፉ ድማ ነቲ ዝፈለጥናዮን ዝበጻሕናዮን ንኻልኦት ንበረኸት ንዀነሉ ሃብቲ ኣምላኽ እዩ።

ንጉስ ዳዊት ካብ ዝበሎ፦

መዝሙር ዳዊት 19:

7 : ሕጊ እግዚኣብሄር ፍጹም እዩ፡ ንነፍሲ ይመልሳ።

ምስክር እግዚኣብሄር እሙን እዩ፡ ንገርሂ የጥብቦ።

8 :ስርዓት እግዚኣብሄር ቅኑዕ እዩ፡ ንልቢ የሐጒሶ፡

ትእዛዛት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፡ ነዒንቲ የብርሄን።

9 : ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጹህ እዩ፡ ንዘለኣለም ይነብር፡

ፍርድታት እግዚኣብሄር ሓቂ እዩ፡ ብዘሎውን ጻድቕ እዩ።

10: ካብ ወርቂ፡ ኤረ ኻብ ብዙሕ ጽሩይ ወርቂ እኳ ዚሕረ እዩ፡

ካብ መዓር፡ ኤረ ኻብ መዓር ወለላ ዚጥዕም እዩ።

መዝሙር ዳዊት

119፥9 :ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ?

ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ።

119፥105 : ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ብርሃን እዩ።

ጎይታ ይባርኽኩም።