02
Thu, May
0 New Articles

እቲ ጹኑዕ ሰብእይ

Message 3
Typography

ኣብ መጽሓፍ ቁዱስና ዝተጠቕሱ ብዙሓት ናይ እምነት ኣቦታት ዝዀኑ ጀጋኑ ተጠቒሶም ኣለዉ። እዞም ሰባት ብፍርሓት ኣምላኽ መሊኦም ኣብ እምነት ጸኒዖም ብሕጋግቱ ተመሪሖም ንፍቓዱ ነቢሮም ንኽብሩ ደው ኢሎም ብመከራ ተፈቲኖም ነቲ ዝተጸውዕሉ ኣብ ፍጻሜ ኣብ ጺሖም ኣብ ፍቕሩ ጢሒሎም ኣብ ግዜ ድኻሞም ኣብ ሓይሊ ኣምላኽ ተኣሚኖም ኣብ እዋን ውድቀት ሓጥያቶም ብንስሓ ናብ ፈጣሪ ዝተመላለሱ ሰባት እዮም። ታሪኽ እዞም ናይ እምነት ሰባት ኣብቲ ቑዱስ ጹሑፍና ጋህ ኢሉ ተቐሊዑ ኣሎ። ንሎሚ እምብኣር ከም ኣብነት እሞ ድማ ንቤተሰብና ዓቢ ኣርእያ ዝዀነና ብዛዕባ ማርዶካይ ክንርኢ ክንፍትን ኢና።


 

ማርዶካይ ኣብ እዋን እቲ ብርቱዕ ጸበባ ተማሪኹ ካብ ሃገሩ ናብታ ብንጉስ ኣሕሽዌርስ ትግዛእ ዝነበረት ምድር ናብ ሱሳን ዝኣተወ ሰብኣይ ኣዩ። ማርዶካይ ኣብ ዘመን ህይወቱ ንኣምላኽን ንህዝቢ ኣምላኽን ነቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ምድሪ ስደት ንበረኸትን ንታሪኽን ኰይኑ ዝሓለፈ ብርቱዕ ናይ ኣምላኽ ሰብ እዩ። እዚ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝወጸ ንኣምላኽ ጥራይ ዝነብር ዝነበር ማርዶካዮ ኣብዚ ዘመን እዚ ንዓና ንቤተሰብ ኰነ ንኻልእ ዘመሓላልፎ ሓደ ረዚንን ከቢድን ዝኰነ መልኣኽቲ ኣለዎ። ሰብ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ዝጽዋዓሉ ነገር ኣሎ እዩ። እዚ ሰብ ዝዝከረሉ ኩሉ ሓደ መዓልቲ ነበረያ ነበረ ክኸውን ከሎ ንኣምላኽ ኢልካ እትገብሮ ዘበለ ኩሉ ግና ኣብ መዘከርታ ኣምላኽ እዩ ዝጸሓፍ። ነዚ እዩ እቶም ንኣምላኽ ዝፈርሑ ንሓድሕዶም ተዘራረቡ ኣምላኽ ድማ ኣብ መዘከርታ መጽሓፍ ጸሐፎ ተባሂሉ ተጻሒፉ ዘሎ። ሎሚ ባህጊ ድሌትናን ጸሎት ልማኖናን ኣብዛ ምድሪ ከሎና ንኣምላኽ ዝኸነ ታሪኽ ሰሪሒና ምሕላፍ ክኸውን ኣሎዎ። እምብኣር ኩቡራት ሰማዕቲ ብምቕጻል ካብ ህይወት ማርዶካይ ገለ ነጥብታት ክንርኢ ኢና።

1 ማርዶካይ ብዕላማ ዝነብር ሰብ

ኣቐዲምና ከም ዝበልናዮ ማርዶካይ ተሰዲዱ ዘይኮነ ብጸላኢቲ ተማሪኹ እዩ ኣብ ዓዲ ጓና ዝቕመጥ ዘሎ። ህይወት ሓደ ምሩኽ ክሳብ ክንደይ ኩፍኡ ምኻኑ ርዱእ እዩ። ብገዛእ ርእሱን ፍቓዱን ህይወቱ ንምምራሕ ዘለዎ ተኽእሎ ዳራጋ የሎን ተበልን ምግናን ኣይኰነን። ኣብ ማእከል ጸላእቲ ዀንካ ክትነብር ዘሎ ዓጎጽጎጽን ተስፋ ምቑራጽን እምብዛ ከቢድ ኣዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣምሰለ ውርደት ዝመልኦ ናብራ ህይወት ብዕላማ ክትመላለስ ራኢ ሒዝካ ክትጋዓዝ ከቢድ እዩ። መብዛሕቱ እዋን እውን ዘይከኣል እዩ። ኣብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ህሞት ተዓዊቶም ዝወጹ ሰባት ክትርኢ ኸሎኻ ብርቂ ነገር እዩ ዝዀነካ። መብዛሕቶም እቶም ኣብ ልቦም ንኣምላኽ ዘንገሱ ሰባት ግና ኣብዚ ከምዚ ዝኣመስለ ኣዚዩ ጹንኩር እዋን ኣብ ዘይኰን ቦታ ኣብ ቦታ ኽብሪ ትቐሚጦም ዓቢ ዕዮ ኣምላኽ ሰሪሖም ንበረኸት ኰይኖም ዝሓለፉ ባሮት ኣምላኽ ሒደት ኣይኰኑን። ካብ ዮሴፍ ጀሚርካ ንባርነት ብኣሕዋቱ ዝተሸጠ እሞ ድማ ንህዝቡን ግብጺን ንዓቢ ምድሓን ዝዀነ ፣ እኒ ዳኒኤል ኣብ ግዝኣት ባቢልዮን ንስም ኣምላኽ ዘሰምዩ ወሲኽካ ማርዶካይ እውን ኣሰሮም ብምስዓብ ናይ ዕላማ ሰብ ኰይኑ ሓሊፉ።

ብኸመይ ኢና ግና ማርዶካይ ናይ ዕላማ ሰብኣይ ንብሎ ዘሎና። ማርዳካይ ሓንቲ ኣስቴር እትብሃል ዘኽታም ጓል ሓወብኡ ኔራቶ። ማርዶካይ ነዛ ኣዚያ መልከዔኛ ዝኰነት ዘመዱ ሓላፍነት ወሲዱ ከም ጓሉ የዕብያ ነበረ። ኣብ ግዝኣት ንጉስ ኣሕሼዌሮስ ንግሽቲ ዋሽቲ ሰበይቱ ንንጉስ ምዃና እዩ። ኣብ ልዕሊኡ ዓመጽ ስለ ዝገበረት ካብ ስልጣን ተኣልያ ነበረት። ንንጉስ እቲኸውን ሰበይቲ ድማ ትድለ ነበረት። ማርዶካይ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዔ ስቕ ክብል ኣይከኣለን። ከምይሲ እዚ ሰብኣይ እዚ ብዕላም ኣሪሒቕ ዝርኣዮ ራእይ ስለ ዝነበረ እዩ። ነዚ ድማ እዩ ንኣስቴር ኣብ ኢድ እቲ ሓላዊ ኣንስቲ ዝንበረ ንሃጋይይ አሒሊፉ ዝሃባ። እቲ ዘገርም እዚ ኣብ ምድሪ ሰደት ኰይኑ ንሩሑቕ ገጹ ዝጥምት ዝነብረ ማርዶካይ። ኣብ ኢድ እቲ ሓላፊ ኣንስቲ ሂቡ ጥራይ ኣይኰነን ስቕ ኢሉ።

ዕላማን ራእን ዘለዎ ንሓደ ነገር ድማ ኣብ መዕረፊኡ ከብጽሕ ዝጋደል ሰብ ስቕ ኢሉ ኢዱ ኣጣሚሩ ኣይጽበን እዩ። ነዚ ድማ እዩ እቲ ቓል “ማርዶካይ ከአ ንኣስቴር ደሓን ምህላዋን እንታይ ከም ዚገብርዋን ኪፈልጥ ኩሉ መዓልቲ ኣብ ቅድሚ መካበብያ ቤት ኣንስቲ ይመላለስ ነበረ።” ማርዶካይ ንኣስቴር ኣብ ምድሪ ጸላኢ ንዓቢ ስራሕ ኣምላክ እዩ ዘዳልዋ ዘሎ። ነዚ ዝከውን መምርሒ ሓሳብ ድማ የስንቓ ነበረ። “ብኻልይቲ ጊዜ ድማ ደናግል ምስ ዚእከባ ማርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ይብል ነበረ። ኣስቴር ከምቲ ምስኡ ተዐቑባ ኸላ ንትእዛዝ ማርዶካይ ትገብሮ ዝነበረት ኣስቴር ከምቲ ማርዶካይ ዝአዘዛ ወለደኣን ህዝባን ገና ኣይነገረትን ነበረት። ነዚ ኰይከነ ኣይተርፍን ህዝቡ ኣብ ዓቢ ጸባብን መከራን ምስ ወደቐ ንኣስቴር ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ምድሓን መጺኺ ተዀንኪ መን ይፈልጥ ብምባል ዝተዛረባ። ብርግጽ ኣስቴር ነቲ ኣምላኽ ብማርዶካይ ኣቢሉ ዘዳለዋ ዓለማ ኣብ ሸቱኡ ኣብጺሕቶ። ማርዶካይ እዚ ኩሉ ክገብር ከሎ እሞ ኸኣ ካብ ካልእ ዓሌት ማለት ኣይሁድ ምኻኑ እንተ ተፈሊጡ ዘኽፍሎ ዋጋክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ግና ኸኣ ነቲ ኣርሒቑ ዝረኣዮ ክብሪ ክብል ክኸፍሎ ድልዊ ነበረ።

ሎሚ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ እቶም ነዕብዮም ዉሉድ እንታይ ዓይነት ዓላማ ወይ ራኢ ኣሎና ንምንታይ ነዳልዎም ኣሎና? ንሕና ኸ ከም ማርዶካይ ሰብ ዓላማ ኰይና ብዓላማን ራእን እናተመላለስና ኣሪሒቕና ንምርኣያ ኣዒንትና ብመንፈስ ኣምላኽ ኩሑላት ዲየን? ከምቲ ማርድኰዮ ክንይ እቲ ዘለዎ ኩነታት ሓሊፉ ካልእ ብሉጽ ነገር ርእዩ ንምድሓንን ክብርን ዝጠመተ ንሕናኸ እዚ ዓይነት መንፈስ ኣውሽጥና ኣእቲና ክንዮ እቲ ዘይክየድ ዝመስል ክንዮ እቲ ዘይብጻሕን ዘይስገርን ዝመስል ሃዋህው ኣርሒቕና ክንከይድ ሎሚ ብዓላምን ብራእን ንመላለስ ዶ? ኣብቲ ዝነብረ ህልው ኩነታት ቤተሰብ ማርዶካይ እታ ምርኽቲ ከም ጓሉ ዘዕበያ ኣስቴር ናብ ንግስነትሲ ክትመጽእ ይትረፍ ገረድ ንጉስ እኳ ንምኻን ዘይሕሰብ እዩ ዝነበረ። ግና ምስ ኣምላኽ ዀንካ ዘይብጻሕን ዘይከኣለን ነገር ስለ ዘየለ እዚ ኩነት ክውን ኰይኑ ማርዶካይ ከኣ ክሳብ መወዳእታ ነዚ ዕላማ ነቢሩ። ኣብ ልዕሊ ኣስቴር ድማ እቲ ክገብሮ ዝግባእ ኩሉ ጌሩ።

ሎሚ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ስድራናን ቤተሰብናን ክንበጽሖ ዘሎና ክቡር ነገር ንምብጻሕ ነዚ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ከይረኣና ብዕላማን ብራእን ንመላለስ ዶ? ምናልባት ኩነታት ገዛና ክንርኢ ከሎና እቲ ባይታ ካልእ ክከውን ይኽእል እዩ። ግና ኣምላኽ ንቤትና ንህዝቢ ኣምላኽ ንምድሓንን ንበረኸትን የዳልዋ ከም ዘሎ ነስተውዕል። ኣምላኽ ሓደ ግዜ ደገ ክኸፍትለና እንተደልዩ ሎሚ እዩ ዘዳልወና ስለዚ ከም ማርዶካይ ብዓላም ዀይና ብራኢ ተሰኒናን ንኹነታትና ከይጠመትና ንቤትና ንኹቡር ምድሓን ኣምላኽ ነዳልዋ።

2 ማርዶካይ ንውዲት ጸላኢ ዘቃለዐ ሰብኣይ

ካልእ ማርዶካይ ሰብኣይ ዓላማ ዀይኑ ንምድሓን ህዝብ ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ማሪኹ ዝወሰዶም ንጉስ ከይተረፈ እዩ ካብ ኢድ ጸላኢ ኣድሒንዎ። “በተን መዓልትታት እቲኤን ከአ ምርዶካይ ኣብ ደገ ንጉስ ኮፍ ኢሉ ኸሎ ቢግታንን ቴረሽን ክልተ ናይ ንጉስ ስሉባት ካብቶም ነቲ ደገ ዚሕልው ዝነበሩ ንንጉስ ተቖጥዕዎ ኣእዳዎም ናብ ልዕሊ ንጉስ ኣሐሽዌሮስ ኬልዕሉ ሓሰቡ። እቲ ነገር ግና ኣብ ማርዳኮይ ተፈልጠ ንሱ ኸአ ንንግስቲ ኣስቴር ነገራ። ኣስቴር ድማ ብስም ማርዶካይ ንንግስ ነገረቶ። እቲ ዘረባ ኸአ ተመርመረ እሞ ሓቂ ኾይኑ ተረኸበ። ክልቲኦም ከአ ኣብ ጉንዲ ተሰቕሉ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ድማ ኣብ መጽሓፍ ዜና መዋእል ተጻሕፈ።” ማርዶካይ እዚ ከምዚ ዓይነት ሓብሬታ ከቕርብ እንከሎ ንኽብሪ ገዛእ ርእሱ ኢሉ ወይ ድማ ካብ ዘለዎ ህልዊ ኩነታት ክሞልቕ ኢሉ ኣይኰነን ጌርዎ። ከምኡ ተተኽወን ኔሩ ብሃማን ዓቢ ውዲት ክፍጸመሉ ከሎ ኣብ ቕድሚ ንጉስ ቀሪቡ ኣነ እኳ ከምዚ ጌረ ኣድሒነካ እየ ኢሉ ክጣበቕ ምኸኣለ ኔሩ። ሓደ ግዜ ኣብ ምዱብ ግዜ ኣምላኽ መጽሓፍ ዜና መዋእል ከፊቱ ታሪኹ ተነቢቡ ናብ ክብሪ ከም ዘምጾ ስለ ዝፈለጠ እቲ ክገብሮ ዝግብኦ ነገር ጥራይ ንምግባር ናተይ ኢሉ ተተሓሒዝዎ ነበረ። ንእግረ መንገድና ኣንገብሮ ዘበለ ኹሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ደኣ ንገብሮ ኣሎና እምበር ብሰብ ክንንኣድን ክንከብርን ኣይኰነን። ኣብ ውሽጢ ቤትና እንገብሮ ዘበል ኹሉ ግቡእናን ሓለፍነትናን ምኻኑ ፈሊጥና ካብ ሓደ ክብርን ሞሳን ከይተቐበልና ንግበሮ ኣምላኽ ኣብ ግዚኡ ክኽህሰና እዩ።

ማርዶካይ ንንጉስ ምድሓኑ ነቲ ብኣስቴር ኣቢሉ ክግበር ዝሓሰበ እሞ ሰይጣን ድማ በዞም ሰባት ኣቢሉ ንዕላማ ኣምላኽ ክቐጽዮ ዝደለየ ነገር እዩ ኣፍሽልዎ። ዕላማ ሰይጣን ነቲ ብኣስቴር ኣቢሉ ኣምላኽ ክገብሮ ዝሓሰበ እምበር ጥራይ ንንጉስ ኣሕሽዌሮስ ኣይኰነን ክቕንጽል ሓሲቡ። ነዚ ግና ማርዶካይ ነቒሒሉ።ሎሚ ሰይጣን ኣብ ቤትናን ኣብ መጻኢናን ዘጻውዶ ነቲ ኣምላኽ ብኣና ኣቢሉ ክፍጽሞ ዝሓሰቦ ንምትዕንቓፍ ወትሩ ምስ ተዓጥቀ እዩ። ነዚ እዩ ቓል ኣምላኽ ኣብ 1ጴጥሮስ 5፣8-9 “ድያብሎስ እቲ መጻርርትኹም ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ ንቕሑ። እዚ ሓሳረ መከራ እዚ ነቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋትኩም ይበጽሖም ከም ዘሎ እናፈለጥኩም ብእምነት ጸኒዕኩም ተቓወምዎ።” ይብልና። ሎሚ ነቲ ሰይጣንን ጭፍርኡን ዘሳበብዎ እሞ ድማ ኣብ ውሽጢ ቤትና ክኣግድዎ ዝደልዩ ውዲት ንምቕልዑ ክነቅሕ ይግባኣና እዩ። ሰይጣን ኩሉግዜ ነቲ ብኣና ኣቢሉ ጐይታ ክገብሮ ዝደሊ ነገር ከይተዓመ ኣጉል ሓዲግ መዲግ ተሪፉ ክርእዮ እዩ ዝደሊ። ነዚ ብዝግባእ ስለ ዘይንፈልጥ ኢና ብዙሑ ጌዜ ቤትና ንሰይጣን ጋህ ዝበለ ክፉት ንሓድጎ። እቲ ዘገርም ማርዶካዮ መዓስ እዩ ነቲ ውዲት ፈሊጦ እንድሕር ኢልና ኣብ ኣፈ እቲ ንጉስ ምስ ተቐመጠ እዩ። ንሕና ድማ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ዝፋን እቲ ልዑል ጐይታ እንተ ተቐሚጥና ምስኡ እንተ ዀይና ነቲ ውዲት ጸላኢ ክንስሕቶ ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋራያ ጳውሎስ ክዛረብ ከሎ “ኣጽዋር ውግእና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምፍራስ ጽኑዕ ዕርድታት ብርቱዕ እዩ እምበር ስጋዊ ኣይኰነን-ብእኡ ኸኣ ሓሳባትን ምስ ፍልጠትን ኣምላኽ ንዚጻላእ ልዕል ዝበለ ነገር ኲሉን እናፍረስና ኲሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።” ስለዚ ብዘሎ ኣጻዋር ኣምላኽ ለቢስና ነቲ ሰይጣን ኣኣብ ውሽጢ ቤትና ሰሊኹ ከትዎ ዝደሊ ዘበል ኩሉ ነላልዮ። ንሱ ሕንፍሽፍሽ እቱ ድሊቱ ስለ ዝኰነ ወትሩ ኣብቲ ኣምላኽ ዝተኸሎ ጹቡቅ ዘርኢ ክርዳድ ከእቱ ሃረርታኡ ስለ ዝዀነ ኩሉሳዕ ንውዲቱ ንምግጣም ከም ማርይም ኣብ ትሕቲ እግሪ መድሓኒ ንኹን።

3 ማርዶካይ ንእምነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይኣቱ ኣቦ

ማርዶካይ ኣብ ዓዲ ጓና ኣብ ማእከል እቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡን ክብሪ ዘይህቡን እሞ ኸኣ ጣኦታትን ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ዘምልኹ ህዝብን እዩ ዝነብር ኔሩ። ኣብቲ ዉዕዉዕ መንፈሳዊ ምንቕቓሕ ዘለዎ ሕጊ ኣምላኽ ድማ ከም ዝግባእ ዝገዝኣሉ ስፍራ ንኣምላኽ ምምላኽ እምብዛ ከይከብድ ኽእል እዩ። ኣብቲ መንፈሳዊ ድንቁርና ዝነገሰሉን ዝዓበየሉን ሞራልዊ ውድቀት ዝበዝሓሉ ሃዳርን ቤተሰብን ትርጉም ዝሰኣነሉ ስፍራ ዀንካ ግና ንኣምላኽ በይኑ ክትነብር ምውሳን ዘኽፍለካ መስዋኣትነት ቀሊል ኣይኰነን። ማርዶካይ ግና ኣብዚ ከምዚ ዛኣመሰለ ኣዋን ንሱን ቤትሰቡን ንእምነት ሓሊዋ ሰናይ ገድሊ ኣምነት ተጋዲሉ ንኣምላኽ ብኽብሪ ኣስሚሩ ሓሊፉ። እቲ ታሪኽ ከምዚ እዩ። ንጉስ ኣሕሽዌሮስ ንሃማን ኣጋጋዊ ክብ ኣቢልዎ ነብረ። ፍጡሩ ኩሉ ድማ ይንብርከኸሉን ይሰግደሉን ነበረ።

እዚ ብሰይጣን ዝተገዝኣ ኣምልኾ ድም ዝደሊ ዝነበረ ሃማን ማርዶካይ ከም ዘይካልኦት ክሰግደሉ ዘይምርኣዩ ክሩኡ እምብዛ እዩ ነዲዱ። እቲ ቓል ክዛረበና ከሎ “እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ኹላቶም ገላው ንጉስ ንሃማን ፍግም ኢሎም ሰገደሉ ከመይሲ ብዛዕባኡ ንጉስ ከምኡ ኢሉ ኣዚዙ ነበረ ማርዶካይ ግና ፍግም ኢሉ ኣይሰገደሉን። ሽዑ እቶም ኣብ ደገ ንጉስ ዚቕመጡ ዝነበሩ ገላው ንጉስ ንማርዶካይ ስለምንታይ ኢኻ ንስኻ ትእዛዝ ንጉስ እተፍርስ በልዎ። ኮነ ኸአ ንሳቶም መዓልቲ ንመዓልቲ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ምስማዕ ምስ ኣበዮም ኣይሁዳዊ ምዃኑ ነጊሮምዎ ነበሩ እሞኦ ግብሪ ማርዶካይ ዚጸንዕ እንተ ኾይኑ ምእንቲ ኸርእዮ ንሃማን ነገርዎ። ሃማን ድማ ማርዶካይ ፍግም ኢሉ ኸም ዘይሰገደሉ ምስ ረአየ ብቑጥዓ መልኤ።” ማርዶካይ ክሰገድሉ ዝተኣዘዘ ንኣምላኽ ሰማይን ምድርን ጥራይ እዩ ማርዶካይ ከኣ ዋላ ሞት ይኩን እምበር ንኻልእ ኣይሰግድን እዩ። ነዚ ሓቒ እዚ እዩ እምባኣር ክነብረሉ ወሲኑ። ንእምነቱ ኣብ ዋጋ ዕደጋ ኣየኣትዎን። ክሳብ እቲ ዝኽፈል ክኸፍል ተዳሊዩ። ከም ብጸቱ ሲድራቕ ሚሳቕ ዓብ ድኔጐ ንኣምላኽ እምበር ንኻልእ ኣይሰግድን ብምባል ጸኒዑ። እዚ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ብምውሳዱ ኣብ ቅድሚኡ ፈተና መከራ ሞት እዩ ተደቂኑ። ሃማን ድማ ንህዝቢ ኣምላኽ ከጽንት ብዝከኣሎ ኩሉ ተዳልዩ። የግዳስ ኣምላኽ ጣልቃ ብምእታው ክብሩ ብኣስቴርን ብማርዶካየን ገሊጹ። እቲ ሓደ ግዜ ሓዘንን ጋህን ዝዀነ እዋን ኣምላኽ ብእልልታን ሓጐስን ቀይርዎ።

ሎሚ ናብ ገዛኣ ርእስንን ቤትናን ንምጻእ። ኣነን ቤተይን ንኣምላኽ ኢና እነገልግል ክንብል ኣንከሎና። ብካልእ ኣዘራርባ ኣንትርፎ ንዓኻ ንኻልእ ኣይሰግድን ኣይንብርከኽን ኢና ንብል ዘሎና። ሎሚ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ነገራት ክንሰግድሎም እሞ ካብታ ኣብ ቤትና ዝኣተወት ፍቕሪ ክርስቶስ ክፈልዩና ዝጋደሉ ብዙሓት እዮም። ክሳብ ዓቕልና ዘጽቡቡልና ክንምብርከኸሎም ይደልዩናን ይብህጉን። ኣብዚ እዋን እዚ ግብረ መልስና ከም ግብረ መልሲ ማርዶካይ ክኸውን ይግብኦ። ብሰንኪ ዘይምስጋድናን ዘይምብርኻክናን ንቤትና ንግዚኡ ዝደቀኖ ፈተና ክህሉ ይኽእል እዩ ግና እዚ ንግዜኡ እዩ ደሓር ግና ንዓቢ ኽብሪ እዩ። ኣምላኽ ነቶም ዝእምንዎ ኣሓፊርዎም ኣይፈልጥን እዩ። ነቶም ንዕኡ ጥራይ ዝሰግዱ ኣኪብርዎም እምበር ኣሕሲርዎም ኣይፈልጥን እዩ። ዋጋ ኽብሪ ንኣምላኽ በይኑ ምግዛእ እዩ።

ሎሚ ንኣምላኽ ጥራይ ክንሰግድ ስለ ዝበልክም ቤትኩም ኣብ ዓቢ ሓደጋ ዘላ ኣጆኹም ኣምላኽ ገፋዒ ኣምላኽ ስለ ዘይኰነ መሳኹቲ ሰማይ ንዓኩም ኩፉት እዩ ታሪኹም ኩሉ ኣብ መዝገብ ኣምላኽ ጹሑፍ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቶም ተጻረርቲ ተኣሚንክምዎ ኢኹም እሞ ከምቲ ማርዶካይ ብሃማን በቲ ጸላኢኡ ዝኸበረ ኣብ ድካ እግሩ ድማ ዝሰገደ እዚ ታሪኽ እዚ ኣምላኽ ነቲ መጽሓፍ ዜና መዋእል ምስ ከፈቶ ኣባኹም ክውን ክኸውን እዩ። ኩቡራት ሰብ ሓዳር ሰማዕቲ ሰላምና ቤትና ንኣምላ ንበይኑ ትገዛእ። ኩሉ ንሃማን ክሰግድ ይኽእል እዩ ንሕና ግና ንኣምላኽ ደኣ ንንበር። ንሱ ዘይጠልም መንበሪ እዩ።

ቤትናን ስድራናን ንዓላማ ኣምላኽ እናነበረት ራእይ ዝተሓንገጠ ትኹን። ንውዲት ጸላኢ ንምልላይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤትና ኣትዩ ነገር ዝጽሕትር ንምእላይ ወትሩ ኣብ ትሕቲ ዱካ ንጉስ ጐይታና የሱስ ንኹን። ክብሪ ኣምላኽ ኣብና ክግለጽ ብገደና መከራን ስቓይን ሓሊፍና ናብ ዓቢ ዓወት ንምስጋር ሎሚ ንኣምላኽ ሰማይ ጥራይ ንስገድ ንሃማን እምቢ ኣይሰግድን ንበሎ ኣምላኽ ብነገር ኩሉ ኣብ ኩሉ እዋን ጸግኡን ሓይሉን የብዝሓልና እዚ ናይ ማርዶካይ ናብራ ህይወ