19
Fri, Apr
0 New Articles

ፍቃድ ኣምላኽን እምነትን

Message 4
Typography

ጸሎት ክንጽሊ ሎና፡ መልሲ ምእንቲ ኘንረክብ እን ክልተ ነገራት ኣገደስቲ እየን። ጸሎት ስቕ ኢልካ፡ ንንፋስ ምዝራብ ወይ ድማ ኣብ ጸልማት ምትኳስ ኣይኰነን። ናብ መን ከም እንጽሊ፡ እንታይ ከም እንጽልን መልሲ ጸሎት ከም ሎን ፈሊጥናን ኣሚንናን ኢና እንጽሊ። እብ 11፡6' ብይ እምነት ግና ንኣምላ ከስምር" ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላ ክመጽእ ዝደሊ፡ ንሱ  ከም ዘሎን ነቶም ዝደልይ" ዓስቢ ከም ዝህቦምን ክኣምን ይግብኦ እዩ' ይብለና።

ተስፋታት ኣምላኘ ኣብኡ (ማለት ኣብ ኣምላኽ) እወ እዩ፡ 2 ቈረ 1፡20። ስለዚï፡ ኣምላኽ ነቲ ዝኣምን ኵሉ ይከኣል እዩ፡ ይብል። ማር 9፡23። ኣብዛ ካልኣይቲ ጥቕሲ እንተተመልከትና የሱስ ናብዛ ምድሪ ካብ ዝምጽኦ፡ ሓደ ከምቲ ኣብ ሉቃ 4 ተጻሒፉ ዘሎ፡ ንእሱራት ምውጻእ ሓራ ክገብር እዩ። ኣብ ግብ 10፡38'ውን ነቶም ሰይጣን ዝሰዓሮም ኵሎም እናሕወየ፡ ይብል። ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ወዱ ብኣጋንንቲ ተታሒዙ ዝተሸገረ ሰብኣይ፡ እቲ ተስፋ ኣምላኽ እወ እዩ ነይሩ። ግን ብሸነኽ እቲ ሰብኣይ እምነት ይድለ ነይሩ። 


ኣብ ሓደ ውሱን ጉዳይ ፍቃድ ኣምላኽ እንታይ ምኻኑ እንተፈሊጥና፡ እቲ ዝለመንናዮ ነገር ንኽፍጸም እምነትና ወሳኒ እዩ። ኣብ ካልእ ክፍሊ ወንጌል፡ ዕላማ የሱስ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ክነሱ፡ ብዘይ ምእማኖም ግና ምንም ሓይሊ ክገብር ከም ዘይከኣለ ነንብብ። ማር 11፡24 ከኣ ኣንብብ። ስለዚ እቲ ዝኣምን ሰብ ከም ዝተዋበ እናኣመነ እዩ ዝጽሊ። እምነት ግና ኣምላኽ ከም ዝኽእል ምእማን  ወይ ምፍላጥ ጥራይ ማለት ኣይኰነን። ነዚሞ እቲ ዘይኣምን ሰብ ጥራይ ዘይኰነ ሰይጣን'ውን ይኣምን እዩ። እምነት ግና ኣምላኽ ከም ዝኽእልን፡ ነቲ ዝለመንካዮ ሕጂ ከም ዝተዋበልካዮን ተኣሚንካ ምምስጋንን እዩ።

በቲ ሓደ ወገን ድማ ብዛዕባ እቲ እንጽልዮ ነገር ፍቃድ ኣምላኽ ምኻኑ ምፍላጥና ንእምነትናን ንመልሲ ጸሎትናን ሓጋዚ እዩ። ፍቃድ ኣምላኽ ግሉጽ እዩ። ኣምላኽ ንፍቃዱ  ዘይፍለጥ ሚስጢር ኣይገበሮን፡ ንፍቃዱ ኣፍሊጡ እዩ። ንዓና ብግሊ ድማ ብዝተፈላለየ የፍልጠና እዩ፡ ፍልጠናን ክመርሓናን ድማ ቃል ኣትዩ እዩ። ገለ ካብቲ ፍቃዱ ዘፍልጠና መገድታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።

1. ቃሉ። መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ግሉጽ ፍቃድ ኣምላኽ ንዓናን፡ ንዕለታዊ ምርሒት ዝህበናን ቃል ኣምላኽ ዘለዎ" መጽሓፍ እዩ። ስለዚ ነቲ ሓፈሻዊ ፍቃድ ኣምላኽ ኣሜን ክንብሎ ይግባእ። ንኣብነት ሓደ ዝሓመመ ክርስትያን፡ ክፍወስ ድዩ ኣይፍወስን፡ ፈሊጥካ ንምጽላይ ኣምላኽ ተወሳኺ ፍሉይ ምርሒት ክሳብ ዘይሃበ ቃል ኣምላኽ ብዋቅስሉ ኢኹም ዝሓወኹም ስለ ዝብል ከም ዝፍወስ ኣሚንካ ጸሊኻ ከተመስግን፡ ዘኽእለካ ንጹር ቃል ፍቃድ ኣምላኽ ኣሎካ።

2. ምስክርነት ኣብ መንፈስናን ካብ ኣሕዋትን። ነዚ ክልቲኡ ብሓደ ኣርእስቲ ጌርናኳ እንተተዛረብናሉ ፍቃድ ኣምላኽ መጀመርታ ኣብ መንፈስና ምስክርነት ይህብ እዩ። እዚï ዝኮነሉ ድማ፡ ዳግም ዝተወልደ ሰብ ህያው ዝኾነ መንፈስ ስለ ዘለዎን ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝኾነን፡ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ክዛረቦ ዝደሊ ዝኾነ ይኹን ነገር ኣብ መንፈሱ ክዛረቦ ይኽእል እዩ። ካብ ኣሕዋት ድማ ተመሳሳሊ ምስክርነት እንተሎ እዚ ፍቃድ ኣምላኽ ፈሊና ንምፍላጥ እኹል መረጋገጺ እዩ።

 

3. ኵነታት። ሓደ ሓደ እዉን ኵሉ ነገር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘይተጻሕፈ ጥራይ፡ ፍቃድ ኣምላኽ ፈሊና ንምፍላጥ ዘሸግረና እዋናት ኣሎ። ንመገሻ፡ ንስራሕ ካብ ክልተ ነገራት ንምምራጽ፡ ፍቃድ ኣምላኽ ኣየናይ ምኻኑ ንምፍላጥ ኣምላኽ ኣብ ኵነታትካ ዝገብሮ ነገር ኣስተብህል። እዚ ምናልባት ምስቲ ኣብ ላዕሊ ጠቂስናዮ ዘሎና ሓቢሩ ዝኸይድ ነገር እዩ።

 

4. ብትንቢት። ኣምላኽ ነቲ ድሮ ኣብ ልብና ክገብሮ ጀሚሩ ዘሎ ነገር ብትንቢት ከረጋግጸልካ ይኽእል እዩ። ግብ 13፡1-3 ኣንብብ።

ስለዚ ኵሉ ጊዜ መልሲ ዘለዎ ጸሎት ንምጽላይ እዘን ክልተ ነገራት ዘይፈላለያ እየን። ፍቃድ ኣምላኽን እምነትን። ኣብዚ  ዓመት ዘሎና ራእይ እንታይ እዩ?

-እግዚኣብሄር እቲ ዳሕረዋይ ዝናብ ከዝንበልና እሞ ወንጌል ብድንቅን ብተኣምራትን ክሰፍሕ ነፍሳት ድማ ክድሕኑ፡ ኣምላኽ ዓቢ ዝኾነ ነባሪ ምንቕቓሕ ክህበና ስሙ ኣብ ሃገርና ኽፍለጥን ኽፍራህን፡

-እግዚኣብሄር ምድራና ሰላም ክህበና፡ ካብ ኵናት ከዕርፈና፡ ደጊም ዝፈስስ ደም ብኾንቱ ትጠፍእ ነፍሲ ኣብ ምድርና ከይትህሉን፡ ሃዲእና ብዘይ ህውከት ንኣምላኽ ከነምልኽን

-ብኣዝመራን ብጠልን ክንባረኽ ደርቅን ፌራን ካብ ምድርና ኽጠፍእ፡

እዚ እምበኣር ብምልኡ ፍቃድ ኣምላኽ እዩ። በዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ፍቃድ ኣምላኽ ንምፍላጥ እንጥቀመሉ ኣገባብ ተጠቂምና እንተመርመርናዮ ፍቃዱ ኰይኑ ኢና እንረኽቦ። ስለዚ ነቲ ድሮ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና 'እወ' ኢልዎ ዘሎ  ንሕና ድማ ኣሜን ኢልና ንቀበሎ። እቲ ናይ ምእማንና ሊቀ ካህናት ዝኾነ የሱስ ድማ ንሱ ኣሜንን እሙንን ስለ ዝኾነ ነቲ ንሕና ዝተኣመንናዮ  ሒዚ ኣብ ኣምላኽ ክረኣየልና እዩ። ስለዚ ድማ እዩ ኣብ ዮሃ 14፡14 ብስመይ ሓደ ነገር እንተለመንኩም ክገብረልኩም እየ ዝብል።///