19
Fri, Apr
0 New Articles

ውሕስነት ሓዳር ራብዓይ ክፋል

Marriage & Relationships
Typography

ራብዓይ ክፋል ኩራ ኩራ ኣብ መንጐ ናይ ሓዳር መጻምድቲ ኣትዩ ንዘሎ ናይ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽን መስመር ካብ ዘበላሽዉ እቲ ቀንድን ዋና ምኽንያት እዩ። ኩራ ብሓጺሩ ክንገልጾ ከሎና እቲ ዝሓሰብናዮ ዓላማ ኣብ ግብሪ ስለ ዘይዋዓለ ኣብ ውሽጥና ዝስምዓና ናይ ሕነ ምፍዳይ ስሚዒት ኢልና ክንገልጾ ይከኣል እዩ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ኣትዩ ኩራ ዝፈጠረ ነገር ንምጥፋእ ወይ ድማ ሕነ ንምፍዳይ ዘኽእል ሓያል ዝዀነ ስሚዒት ኣብ ውሽጢ ሰብ ይፈጥር ወይ ይቕስቅስ እዩ።

ብዙሕ ጊዜ ካብ ውሽጢ ሰብ ገንፊሉ ዝወጽእ ናይ ቁጥዓ መንፈስ መበገሲኡ ካብ ምፍታው ገዛኣ ርእስካን ካብ ንዓይ ይጥዓመኒ ካብ ዝብል መንፈስ ዝምንጩ እዩ። ናይ ኩራ መንፈስ ነቲ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ንዘሎ ናይ ርክብ መንፈስ ከበላሽዉ ዝኽእል ኩፉእ ዝዀኑ ቃላት ዝውርወረሉ ንገዛእ ርእስኻ ድማ ካብ ምቁጽጻርካ ወጻኢ ዝገብር መዕነዊ መንፈስ እዩ። ናይ እግዚእብሄር ቃል ግና ነዚ ነገር እዚ ይቃወሞ እዩ። ቆለ 3፣8, ምሳሌ 18፣32 ዘቖጡዑኻ ወይ ዘሕሩቑኻ ነገር ከጋጥሙኻ ከለዉ ክትወስዶም ዝግብኡኻ እስከ ገለ ቁሩብ ስጉምታት ክንሪኢ ክንፍትን ኢና።

1 ናይ ኩራ ስሚዒት ምዕፋን።

ብሰንኪ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ገለ ሰብ ሓዳር ነቲ ዝተፈጥረ ኩራ ብዘረባ ስለ ዘይወጸሎም፣ ከም ኩራ ዘይሓዙ ጡዕያት ኰይኖም ብምቕራብ ነቲ ዘለዎም ቁጥዓ ኣብ ውሽጦም ዓፊኖም ክሕዝዎ ይፍትኑ። ነቲ ኣብ ውሽጦም ዝተፈጥረ ሕማቕ ስሚዒት ዓፊንካ ምሓዝ ንጊዚኡ እኳ ሰናይ ተመሰለ ዳሕራይ ግና ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣልዒልካ እንተ ዘይተዛቲኻን እንተ ዘይተረዳዲእኳን፣ እቲ ናይ ጊዚኡ መፍቲሒ ዝመስል ስቕታ ልኽዕ ከምቲ ንሓዊ ብዕንጨይቲ ጌርካ እትሓጽሮ ሓጹር እዩ ዝመስል። ከመይ እንተ ተባህለ እቲ ነብልባል ሓዊ ነቲ ሓጺርካሉ ዘለኻ ዕንጨይቲ ምህማኹ ስለ ዘይተርፎ።

እዚ ናይ መከላኸሊ ሜላ እዚ ውሕስነቱ ብፍጹም ኣየተኣማምን እዩ። ናይ ነፍስ ወከፍ ሰብ ሓዳር ዝዛረቦ ዘረባ ምስማዕ ዝኸብድ እኳ እንተ ዀነ ግና ንመጻምድትኻ ብትዕግስቲ ሰሚዕኻ ሓሳቡ ክሳብ ዝውድእ ተጸሚምካ፣ እቲ ግቡእ ዝዀነ መልሲ ምሃብ ነቲ ዝድለ ዓላማ ክትሃርም የኽእለካን ኣርኣያ ድማ ይገብረካን እዩ።

ዝዀነ ናይ ኩራ ስሚዒት ክሕይል ከሎ፣ እቲ ዝተቖጠዐ ወገን ኩሩኡ ክሳብ ዝዝሕለሉ ምዝራብ ፋይዳ የብሉን። ምስ እትኹርዩ ኣይትዛረቡ። እቲ ኩራ ምስ ዝሓለ ንምርድዳእ ድማ ምቹእ ሃዋህው ምስ ተፈጥረ ብዛዕባ እቲ ክትኩሪ ዝገበረካ ኣርእስቲ ኣልዒልካ ምዝርራብን ኣብ ሓደ መዕለቢ ድማ ክትበጽሕ ምፍታን ንሰብኣይን ሰበይትን ጉሩምን ጥዑይን ዝዀነ ርክብ ከማዕብሉን ክምስሩቱን የኽእሎም እዩ። እንተ ዘይኰነ ኩራ ኣብ ልዕሊ ኩራ ክደራረብ እንከሎ ሓደ መዓልቲ ከይተሓሰበ ኣብ ዘይመዓልቱን ሰዓቱን ተፈንጂሩ ዓቢ ናይ ሓዳር ምዝንባዕን ቀውስን ከምጽእ ይኽእል እዩ።

2 ናይ ኩራ ስሚዒት ምግላጽ   

 እዚ ዓይነት ናይ ኩራ ስሚዒት መግለጺ ድማ ምስቲ ምዕፋን ወይ ምሕባእ ዝብል ሙሉኡ ብሙሉእ እዩ ዝጻረር። ቁጥዓ ሓደ ሓደገኛ ዝዀነ ናይ ስሚዒት ናህሪ ስለ ዝዀነ ኣብ ኣገላልጽኡ ጥበብን ምስትውዓልን ይሓትት እዩ። ሓደ ሓደ ጊዜ ሰብኣይ ኣብ ልዕሊ ሰበይቱ ሰበይቲ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብኣያ ክቑጡዑ ከለዉ ገዛኣ ርእሶም ምቁጽጻር ሲኢኖም ስሚዒቶም ስለ ዝግንፍል፣ ሓደ ነቲ ሓደ ኣድለይቲ ዘይኮኑ ቃላት ክዛረቡ ይደፋፍኡ እዮም። ብዙሑ ጊዜ ናብ ምጽራፍ የምርሑ ብፍላይ እቲ ሃዋህው እንተ ረሲኑ ኣወዳት ናብ ምትህርራም ገጾም የምርሑ እዮም። እዚ ነገር እዚ ንጊዚኡ ዕግበት ዝህብ እኳ እንተዀነ ደሕራይ ግና ነቲ ተዛራቢ ኰነ ነቲ ካልእ ወገን ብሓፈሻ ነቲ ቤተሰብ ዘምጻሉ ፍረ ሓዘንን ጣዕሳን ጥራይ እዩ። ንኹራኻ ምግላጽ ኣድላይ እኳ እንተዀነ፣ መንፈስካ ብምርግጋእ ቦታን ጊዜን ብምምራጽ እንተ ተገሊጹ ግና ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ፍቕሪ ካብ ሓደጋ ክሕልዎን ከድሕኖን ይኽእል እዩ።

3 ናይ ኩራ ስሚዒት ምዕፋን ወይ ምኽሓድ

 ገለ ዘቖጥዕ ነገር ክርከብ እንከሎ ነቲ ዘጋጥመካ ሸለል ብምባል ከም ዘይኰረኻ ንኹሉ ነገር ዊሕጥካ ምምልላስ ናይ ብዙሓት ሰባት ልምምድ እዩ። ነቲ ውሽጣዊ ናይ ኩራ ስሚዕታቶም ምኻሓድ ጥዕና ዀይኑ ዝስምዖም ሰባት፣ ኣብ ህይወቶም ሓደገኛ ሳዕቤን ከምጻሎም ከምዝኽእል ክፈልጡ ይግባእ፣፣ ብፍላይ ድማ ሰብኣይን ሰበይትን ብኽውንን ብዘይክውንን ምኹራይ ኣግባብ ኣይኰነን ኢሎም ብምሕሳብ፣ ኩራ ድማ ናይ ሓደ ጥዕና ዘለዎ ሰብ ባህሪ ምዃኑ ዘንጊዕም ስሚዒታቶም ክኽሕዱ ይፍትኑ። ናይ ኩራ ስሚዒት ምኽሓድ ወይ ምዕፋን ንጊዜኡ እኳ ሰናይ መሲሉ እንተ ተራእየ ናይ ወዳእታ ውጺቱ ግና ነቲ ሓዳር ኣብ ሓደጋ ምሽማም ጥራይ እዩ። ናይ ኩራ ስሚዕትካ ምኽሓድ ማለት ልኽዕ ከምቲ ናይ ጉሓፍ ወረቓቕቲ ምስ ተኣከብ ዝቃጸል ከምኡ እዩ ዝቁጸር።

ኩሉጊዜ ከምቲ " ካብ ነገርሲ ጾምካ ሕደር" ዝበሃል ኣጉል ዝዀነ ኒሕ ሒዝዎም፣ ሕማቕ ስሚዒት ሒዞም ሓቢሮም ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ጥዕና ዘለዎ ህይወት የብሎምን። ብዙሕ ጊዜ ድማ ንሕማም ጨጐራ፣ ንጭንቀት፣ ንሕማም ርእሲ፣ ዝኣመሰሉ ሕማማትን ካልኦት ከም ዚኣቶም ዝበሉ ነገራትን ዝተቓልዑ እዮም። ኣብ ጉዕዞ ክርስትና ህይወቶም ዘይሕጉሳትን ኣብ ኣገልግለቶም ድማ ፍረ ዘይብሎም ሰባትን ከኣ ይዀኑ።

ሰብ ሓዳር ኣብ ባህርያቶም እምብዛ ጐዳእቲ ዘይመሰልዎም ነገራት ኣብ ጉዕዞ ህይወቶም ግና ንርክቦምን ንሓድነቶምን ከበላሽው ከም ዝኽእሉ ተረዲኦም፣ ኣቐዲሞም ብምዝርራብ ከርሕቕዎም ይግብኦም፣፣ ከምቲ ካብ ሓሚምካ ሕክምና ተጠንቂቕካ ጥዕና ዝበሃል፣ ነቲ ኣምላኽ ዝመስረቶ ሓድነቶም እናትጠንቀቑ ካብ ውድቀት ከድሕኖዎ ክኽእሉ ኣሎም።

"ኣታኽልቲ ወይንና ዓንቢቡ እዩ እሞ ነታኽልቲ ወይንና ዜባላሽዋ ወኻሩ ነተን ኰራኹር ወኻሩ ኣጻዊድኩም ሓዙልና" ማሃ 2፣15። "... ቑሩብ ማይ ብሑቕ ንብዘሎ እቲ ብሑቕ ከም ዘብኰዖ ዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም.... ሓድሽ ማይ ብሑቕ ምእንቲ ክትኰኑ ነቲ ኣረጊት ማይ ብሑቕ ኣጽሪኹም ኣውጽእዎ" 1ቆሮ 5፣6-7።

4 ናይ ኩራ ስሚዒትካ ኣሊኻ ምዝራብ

ገለ ገለ ሰባት ከም ዝዀረዩ ምስ ተረድኦም ስምዒቶም ካብ ቁጽጽር ገዛእ ርእሶም ወጻኢ ኰይኑ ዘየድሊ ዘረባ ከይተዛረቡ ንመጻምድቶም ቀስ ኢሎም ክገልጽሎም እዮም ዝፍትኑ። እዚ ዓይነት ልምምድ እዚ ንትርኽን ባእስን ንምክልኻል ጽቡቕ ሜላ እዃ እንተዀነ ኩራናን ቅሬታናን ክንገልጽ እንከሎና ግና ንናይ መጻምድትና ኣእምሮ ብዝሕሉን ብዝሰማማዕን መንገዲ ኰይኑ ናብ ቁኑዕ ኣንፈት ዝመርሖ ክኸውን ይግባእ። "እዚ ሕጂ ትዛረብዮ ዘለኺ ፈሊጥክዮ ዶለኺ? ዘረባኺ ቁኑዕ ስለ ዘይኰነ ደው ተበልኪ ይሓይሽ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ድማ ኣይተልዕልለይ ኢለኪ ምሽ? ክንደይ ጊዜዴ ክነግረኪ? ዝብሉ ኣዘራርባ ናይቲ ሰማዒ ማዕዝን ይልውጥዎ እሞ ናብ ኩራን ዘይተደልየ ባእስን ጭቕጭቕን ይመርሕዎ። ሰብኣይን ሰበይትን ንገዛእ ርእሶምን ንናይ ሓዳር መጻምድቶምን ከይጐድኡን ከየሕዝኑን ንስሚዒታቶም ክቆጻጸሩ ሓላፍነት ከም ዘለዎም ክዝንጉዑ የብሎምን። ከምዚ እንተ ጌሮም ጥራይ እዮም ንገዛእ ርእሶምን ካልኦትን ከድሕኑ ዝኽእሉ።

ናይ ሓዳር መጻምድትና ዘረባ ወይ ኣበሃህላ ወይ ዘቕርብዎ ሓሳባት ከም ዘይተሰማማዕናሉ ብዛዕባ እቲ ዝተባህለ ነገር ጸገም ከም ዘሎ ንምግላጽ እንተ ደሊና ኩሉ ብትሕትና ክኸውን ኣለዎ። ይቕሬታ እዚ ኣበሃህላ እዚስ ኣይተርዳኣንን? እሞ ነዚ ጉዳይ ድኣ ብኸመይ ንፍታሓዮ? ብማለት ነቲ ምዝርራብና ዕንቅፋት ዝዀነ ጉዳይ ብምእላይ ናብ ምርድዳእ ክንበጽሕ ይግባእ።

ኩራ ኣሉታዊ ሳዕቤን ጥራይ ዘይኰነስ ኣወንታዊ መዳይ እውን ኣለዎ እዩ። እቲ መጀመርያ ክንርድኦ ዘሎና ነገር ኩራ ኣድላይን ዋጋ ዘለዎ ናይ ተፈጥሮ ስሚዒት ምዃኑ ምፍላጥ እዩ። ኩራ ክጠቕመናን ክጐድኣናን ይኽእል እዩ። እቲ ጥቕሙን ጉድኣቱን ዝምዘን ብመሰረት ናትና ኣጠቓቕማ እዩ። ኩራ ብፍቕሪ ብጥበብን ጥንቃቐን እንተ ዘይተታሒዙ ብቕጽበት ናብ ቅርሕንቲ፣ ጽልኢ፣ ተንኰልን፣ ምትህርራምን ክኸይድ ይኽእል እዩ።

ኣይንቆጣዕ እንተ ተቖጢዕና ድማ ንሓውናን ንሓፍትናን ንምጥቃምን ካብ ኩፉእ ድማ ንምድሓንን ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ዝተጠቕመሉ ኩራ ክኸውን ይግባእ። " ኰርዩ ኣብ ኹራኹም ግና ጸሓይ ኣይዕረብኩም" ኤፍ 4፣26-27። ዝብል ቃል ነቲ ናትና ሓጥያትን በደልን ከም መሸፈኒ ጌርና ክንወስዶ ዘይኰነስ ንሓውናን ንወገናን ንምጥቃምን ንምድሓንን ከምኡ ድማ ክንከስቦምን ብፍቕርን ርህራሔን እንጥቀመሉ መሳሪሒና ክከውን ይግባእ።

ገዛእ ርእስኹም ንምርኣይ ወይ ንምፍታሽ

 

  1. 1.1.ክትሓርቁ ከልኹም እንታይ ክትገብሩ ይቐለኩም?

 

ሀ ስሚዒታትኩም ምሕባእን ምዕፋንን

ለ ስሚዒትኩም ብምግላጽ ምጽራፍን ክፉእ ቃል ምዝራብን

ሐ ሓሪቕኩም ከለኹም ከም ዘይሓረቕኩም ኰይንኩም ምቕራብ

መ ዝሓረቕኩሙሉ ጉዳይ ብትሕትና ገሊጽኩም ዘረባኹም ምቕጻል(መ እንተ ድኣ መሪጽኩም ነቲ ፈተና ሓሊፍኩምዎ ኣለኹም)

 

  1. 1.2.ስሚዒታትኩም ሓቢእኩም ክትሕዝዎም ከለኹም

 

ሀ ናይ ጥዕና ጸገም የጋጥመኩም

ለ ብውሽጥኹም ሓዚንኩም ተረምርሙ

ሐ ምስ ናይ ሓዳር ብጻይኩም ካብ ልቢ ከተዕልሉ ትጽገሙ

መ ካብ ሀ ክሳብ ሐ ዘሎ ኩሉ ይስማዓኩም

ሰ ካብ ኩሉ ነጻ ኢኩም

 

  1. 1.3.ሓዴኹም ኣብቲ ሓደ ዝተጐዳእኩሙሉ ነገር ብትሕትና ምስ እትገልጹሉኸ?

 

ሀ ትጸዋወሩ ዶ? ትተሓራረቑ ዶ?

ለ በደልኩም ኣሚንኩም ይቕሬታ ትሓቱ

ሐ ነቲ ይቕሬታ ዝሓተተኩም ከም ዓሻ ትርእይዎ ዶ? ወይ ትንዕቕዎ ዶ?

መ ምንም እኳ እይትዘራረቡን?

 

 

እወ ወይ ኣይፋል ኢልኩም መልሱ

 

•1.  ብዙሑ ጊዜ ናይ ኩራ ስሚዒት የሸግረኩም ዶ?

•2.  ዘባሳጭወኩም ነገር ምስ ገጠመኩም ስሚዒትኩም ትቆጻጸሩ ዶ?

•3.  ክትሓርቁ ከሎኹም ይፍለጠኩም ዶ?

•4.  ቀልጢፍኩም ዶ ትኹርዩ?

•5.  በደል ወይ ቂምታ ትሕዙ ዶ?

•6.  ካብ ሓርቖትኩም ዝተላዕለ ናይ ጥዕና ጸገም የጋጥመኩም ዶ?

•7.  እታ ዝሓመምኩሙላ ናይ መጨረሻ መዓልቲ ትዝክርዋ ዶ?

•8.  ተሃራሪምኩም ትፈልጡ ዶ?

•9.  ምስ ተሃራረምኩም ከ እንታይ ተሰሚዕኩም?

•10.ክትሓርቁ ከለኹም ካልኦት ይፈርሕኹም ዶ? ቤተሰብኩም ይርበሽ ዶ?

•11.ንኻልኦት ምውቃስን ምቕስቃስን ከ ባህ ዶ ይብለኩም?

•12. ንኻልኦት ክትወቕሱ ወይ ድማ ብሰብ ክትኩሩዩ ዝገበረኩም ምኽንያት ፈሊኹም ትፈልጥዎ ዶ? እንተ ፈሊጥኩምዎ ኰይንኩም ብዝርዝር ጸሓፍዎ።

•13.ክሳብ ክንደይ ጊዜ ኢኹም ትቑጡዑ?

•14.ኣብ ውሽጢ ሓዳርኩም ደስ ዘይብለኩም ነገር እንተሃልዩ ጸሓፍዎ።

•15.ነቶም ንምኽንያት ቁጥዓ ዝዀንኹም ዝጽሓፍክምዎም ነገራት ኣምላኽ ንዕኦም ንምስዓር እንታይ ይብለኩም? ነዚኦም ዝሕጉዝኹም ጥቕስታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣናድዩ።

•16. ኣሎና ትብልዎም ጸገማት ብተኣኣማንነት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸልዩሎም።

•17.ኣምላኽ ኣብዞም ጉዳያት ከም ዝረድኣኩም ትኣምኑ ዶ?

•18.  ንኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር የለን ግና ንስኻትኩም ከ ክትልወጡ ፍቕደኛታት ዲኹም?

"ማርያም ድማ ነቲ መልኣኽ እዚ ከመይ ኢሉ ክኸውን እዩ በለቶ። እቲ መልኣኽ ድማ መሊሱ ንኣምላኽ ዶ ዝሰኣኖ ኣሎ እዩ" በላ ማርያም ድማ እንሆ ባርያካ ከም ቃልካ ይኹነለይ በለቶ።ንስኻትኩም ከ እንታይ ትብሉ? ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ክዀነልኩምሲ ድሌትኩም ድዩ? ባህግኹም እንተ ድኣ ዀይኑ ዘለኩም ሕማቕ ጠባያት ዘርዚርኩም ንኣምላኽ ብተኣማንነት ንገርዎ።

 

ናይ ኩራ ስሚዒት ከይተቖጻጸርና ንሕና ኣቐዲምና ንቆጻጸሮ 

ከምቲ ኩራ ተፈጥራዊ ባህሪ ዝዀነ ኣብ ጉዕዞ ሓዳር ከጋጥም ድማ ባህሪያዊ እዩ። ከምቲ ዝዀነ ካልእ ኣብ ኣካላት ወዲ ሰብ ዘለዉ ስሚዒታት ናይ ኩራ ስሚዒት ከኣ ንደቂ ሰባት ዝተዋህበ ተፈጥራዊ ስሚዒት እዩ፣፣

ክስብ ክንደይ ኢኹም ወቐስቲ? ካብቲ ኩራ ዘለዓዕል ሓደ ወቐሳዊ ሓሳብ ወይ ዘረባ እዩ። እቲ ምውቃስ ዝፈቱ ሰብ ቁጡዕን ኣመለኛን ሰብ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሰብ ኩሉ ጊዜ ቃል ወቐሳ ጌሩ ክዋጋእ ደስ እዩ ዝብሎ። ክንዲ ነቲ ብርቱዕ ጐኒን ጸጋን ናይ ሓዳር መጻምድቱ ርእዩ ንኣምላኽ ዘመስግን፣ ነቲ ናኣሽቱ ድኻም ብጻዩ እናርኣየ ኣብ ወቐሳን ምኹናንን እዩ ዝኣቱ፣፣ ነዚ ኸምዚ ዓይነት ሰብ ከኣ ሓጐስን ሰላምን ብፍጹም የብሉን። እቲ ወቓሲ ዝዀነ ሰብ ንሰባት ዝመዝነሉ ናቱ ዝዀነ ሚዛን ወይ መስፈርቲ ኣለዎ። ናይ ሰብ እምበር ናቱ ጥፋኣት ብፍጹም ኣይፈልጥን እዩ። 

ንኻልእ ምፍራድን ምውቃስን ሓጐሱ እዩ። በጃኻ ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ከውጻልካ ምባል ይቐሎ። "ኣታ ግብዝ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጉንዲ ኣውጽእ ሽዑ ካብ ዓይኒ ሓውኻ በሰር ተውጽእ" ማቴ 7፣1-5። ዝብል ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ቃል ብፍጹም ኣይዝክሮን እዩ። ክንደየኖት ኢኹም ኰን ኰነ ኢልኩም ንናይ ሓዳር መጻምድትኹም እትወቕሱ?  ንንናይ ሓዳር ብጻይኩም እትመዝንሉ መምዘኒ ከምቲ ንስኻትኩም ትደልይዎ ስለ ዘይኰነ ጥራይ ኣብ ሓዳርኩም ሕጉሳት ዘይኰንኩም ሰባትከ ክንደየኖት ኢኹም? 

እቲ ምፍራድን ምውቃስን ዝፈቱ ሰብ እዚ ከምዚ ዓይነት ጠባይ እዚ ሙሉኣ ብምሉእ ገዚእዎ ኣሎ ወይ ድማ ኣብ ውሽጡ ብገለ ሓጥያት ይሽገር ስለ ዘሎ፣ ነቲ ዘሸግሮ ሓጢኣት ኣብ መጻምድቱ ከንጸባርቖ ይፍትንን ይደልን ኣሎ። ንኣብነት ዝሙት ፈተና ዝዀኖ ሰብኣይ ንሰበይቱ ይጥርጥራ ንኣከዳድንኣ ይቆጻጸር ኣበይ ዊዒልኪ? ምስ በዓል መን ኔርኪ? ዝብሉ ሕቶታት እዩ ዘብዝሕ። ብፍጹም ንናይ ሓዳር ብጸይቱ ክኣምን ኣይክእልን እዩ።ንመጻምድትኹም ኰነ ንኻልኦት ሰባት ካብ ብርቱዕ ጐኖም ንላዕሊ እቲ ዘለዎም ድኹም ጐኖም እናረኣኹም ምፍራድን ምውቃስን ጉቡእ ኣይኰነን፣፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዀነ እውን ተቐባልነት የብሉን። እቲ ንናይ ሓዳር መጻምድቱ ዝሓሚዘሎ ሰብ ንገዛኣ ርእሱ እዩ ዝሓሚ ዘሎ፣፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሓጥያት እዩ፣፣ ንሰብ ዘዕኑን ዘብርስን ናይ ሰይጣን መሳሪሒ እውን ኡዩ፣፣ 

ኣብ ሓዳር መጻምድትና እነንጸባርቖ ስሚዒትን እንህቦ ርእይቶን ተመሊሱ ንገዛእ ርእስና ዘርእየና መስትያት ምዃኑ እንተ ፈሊጥና ካብ ምፍራድን ምውቃስን ክንሕለው ኢና፣፣ እምበኣር ነዚ ብምስትውዓል ንገዛእ ርእስና ክንቆጻጸር ንጋደል፣፣

"ንቑጠዐ ብቑጥዐ ምምላስ ልክዕ ከምቲ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ላምባ ምኽዓው እዩ" ይብሉ እቶም ናይ ቀደም ኣቦታት። ምኹራይ ሓደ ተፈጥራዊ ብህሪ ምዃኑን እዚ ኸኣ ካብ ኣምላኽ ንሰባት ዝተዋህበ ምዃኑ ኣቐዲምና ሪኢና ኢና። ኩራ ባዕሉ ሓጥያት እኳ እንተ ዘይኰነ እቲ ውጺት ኩራና ወይ ቕጥዓና ግና ነቲ ውጺት ይውስኖ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሓዳር ንሐድሕድካ ምኩርራይን ምምዕዓድን ኣድላይነቱ እምብዛ ዕዙዝ እኳ እንተዀነ፣ ካብ ዓቐን ዝሓለፈን ኣብ ዓላማ ዘይተመርኰሰ ኩራ ግና ንሓድነትን ርክብን የባላሽዎን እዩ። ዝዀነ ሰብ ንኹራ ብኣውንታውን ኣሉታውን መንገዲ ክጥቀመሉ ናቱ ሓላፍነትን ምርጫ እዩ። እቶም ንኹራ ብኣሉታዊ መዳይ ዝጥቀምሉ ስባት ኩሉ ጊዜ ባራዩን ጉዙኣትን ናይ ሕማቕ ባህርያት ኰይኖም ካብ ሓጐስን ሰላም ሪሒቖም እዮም ዝነብሩ።

 

በዚ ከምዚ ዓይነት ህይወት ዝመላለሱ ሰብ ሓዳር ካብዚ ዘለዎም ባህሪ ነጻ ክወጹ ነዞም ሲዒቦም ዘለዉ ምኽርታት ምጥቃም ክሕጉዞም ይኽእል እዩ። 

•1.  ናይ ቁጥዐ ወይ ሓርቖት ስሚዒት ክመጸኩም እንከሎ ንምቕባሉ ፍቓደኛታት ኣይትኹኑ። ካብ ክልቴኹም ወገን ሓዴኹም ጌጋ ተሰረሐ ንጥፍኣቱ ብቑጠዐ ወይ ብኹራ ንምስትኽኻል ወይ ንምእራም ኣይትፈትኑ። ኩራ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ። 

•2.  ኣብ ዝዀነ ጊዜ ንኹራ ወይ ንቑጥዓ ከይተተኣናግዱ ንኣምላኽን ንናይ ሓዳር መጻምድቱኹም ቃል እተውሎም። ቃላኩም ንምሕላው ድማ ተጋደሉ። ከም ዘይሓረቕኩም ብታኣማንነት ግለጽሎም። 

•3.  ሓደ ሓደ ጊዜ ካብ ቁጹጹርኩም ወጻኢ ዝገብርኹም ኩነታት ኣለዉ ግና ብዝተኻእለ እኳ ንስሚዒታትኩም ክትውሕጥዎ ፈትኑ። እቲ ነገር ዊዒሉ ሓዲሩ ኣብ ጥዕናኹም ጸገም ከየምጻኣልኩም ተጠንቀቑ። ንኩሉ ነገር ብጥበብ ሓዝዎ። ከም ዝተብሳጨኹም ንናይ ሓዳር መጻምድትኹም ፈጺምኩም ኣይተርእይዎም። 

•4.  ኣብ ናይ ዝርርብ እዋናት ናይ ሓዳ ኣበሃህላ እንተ ድኣ ኣባሳጪኩም ኣትኩሮኹም ኣብቲ ክትዕ ክኸውን ዘይኰነስ ንልቢ መጻምድትኹም ንምቕናዕን ነቲ ዝርርብ ድማ ናብ ጽቡቕ ሸቶ ንምብጻሕ ክኸውን ይግባእ። 

•5.  ንኸይትቑጡዑን ንናይ ሓዳር መጻምድቱኹም ንኸይትጐድእዎም ኢልኩም እተካይድዎ ጻዕሪ፣ እቲ ናይ ሓዳር ብጻይኩም ክርዳኣልኩም እንተ ዘይኪኢሉ ብሰንኪ እዚ ድማ ገዛእ ርእስኩም ክትቆጻጸሩ እንተ ዘይኪእልኩም ናይዚ ጉዳይ ሓላፍነት ዝወስድ ናይ ሓዳር መጻምድትኹም እምበር እግዚኣብሄር ኣይኰነን፣፣ ስለዚ ነቲ ነቲ ዝበደለ ብጻይኩም ቀስ ኢልኩም ሓደ ብሓደ ጥፍኣቱ ከተርድእዎ ፈትኑ። ነዚ ነገር እዚ ክኣምነሉ ወይ ክሰምዕ ፍቓደኛ እንተ ዘይኰይኑ ንኣዚኹም እትኣምንዎ ሚስጥረኛ ዝዀነ ሰብ ጸዊዕኩም ኣብ ቅድሚኡ ግንሕዎ እንተ ደኣ ተጣዒሱ ድማ ምሕረት ግበርሉ።" ንስኻትኩም ኣካል ሓድሕድ ኢኹም ንስኻትኩም ናይ ክርስቶስ ኣካላት ኢኹም" 1ቆረ12፣27። 

•6.  ብዙሕ ጊዜ ንኹራ ዝቕስቅሶን ንዝተጀመረ ዝርርብ ድማ ከይቅጽል ዝዕንቅጾ ጉዳይ ሓደ ኣብቲ ሓደ ዝብሎ ስለ ዘይኣምን ጥራይ እዩ።ኣብ መንጐ ክልተ ክርስትያናት ዘሎ ናይ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ጸገም ነቲ ኣብ መንጐኦም ዘሎ ፍልልይ ኣንዳ ኣግፍሖ ክኸይድ ከሎ እዩ ዝርኣ። ነቲ ቕድሚ ምምርዓዎምን ቕድሚ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምቕባሎምን ንዝነበሮምን ንዝርኣይዎን ገለ ኣሉታዊ ባህሪ ረሲዖም ሎሚ ኣብ ጐይታ ዀይኖም ብምሕረትን ፍቐሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንሓድሕዶም ንኽቀባበሉ ይጽገሙን ይሽገሩን። ንሓድሕዶም ዝፋለጡ በቲ ሎሚ ዝረኸብዎ ናይ ሕጂ ሓድሽ ህይወት ዘይኰነስ በቲ ዝሓለፈ ናይ ትማሊ ናይ ጸልማት ኣረጊት ህይወት እዮም ንሓድሕዶም ዝፋለጡ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ጐይታ ይቕረ ከም ዝበለሎም ፈሊጦም ንሓድሕድሞ ይቕረ ክበሃሃሉ ይግባእ። 

ንምዃኑ ምትእምማንን ምቅብባልን ብከመይ ክዓብን ክምዕብልን ይኽእል? ልዕሊ ኹሉ ኣቐዲምና ክነስተውዕሎ ዘሎና ነገር " ሰብኣይ በይኑ ክከውን ጹቡቕ ኣይኰነን ንዕኡ እትበቅዕ ደጋፊት ንግበረሉ" ብዝብል ናይ ጐይታና መሪሕ ቃል መሰረት ጌርና ካብ ሓዳር ወጻኢ ንሰብ ዝሰማምዖን ሙሉእ ዝገብሮ ነገር ብፍጹም ከም ዘየል ምፍላጥ እዩ። ሓደ ነቲ ሓደ ዝሰማማዕ ናይ ሓዳር ብጻይ ናይ ልቢ ደጋፊ ድማ ክኸውን ዝኽእል ነፍሲ ወከፍ ናይ ሓዳር መጻምድቲ ሓደ ናይቲ ሓደ ስሚዒት ናቱ ስሚዒት ብምግባርን ናይቲ ሓደ ሓጐስ ድማ ሓጐሱ ብምግባርን ጥራይ እዩ። ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ሓቀኛ ዝዀነ ሓጐስ ክህሉ ኣንተ ዀይኑ ነፍሲ ወከፍ ተጻመድቲ ሓዳር ናይ እግዚኣብሄር ኩቡር ህያብ ምዃኑ ተረዲኦም ንኣምላኽ ከኽብርዎን ከፍቅርዎን ፍቓደኛታታ ምስ ዝዀኑ ጥራይ እዩ። 

ናይዚ ጹሑፍ ቀንዲ ዓላማ ኣብዛ ምድሪ ብሓዳር ዝተቖርኑ ማኣለያ ዘይብሎም ሰባት ነቲ ኣምላኽ ክሕጐስሉ ኢሉ ኣብዛ ምድሪ ዝሃቦም ሓዳር ምሓዙ ጨኒቕዎም ሰብኣይን ሰበይትን ኰይኖም ኣብ ሓደ ገዛ ኣናተቐመጡ ክነሶም ብሰንኪ ዝፍጠሩ ናኣሽቱ ጸገማት ልቢ ንልቢ ሓሳብ ንሓሳብ ምውህሃድ ጸጊምዎም ሕቖ ንሕቖ ተዋሃሂቦም ንዝነብሩ ዘለዉ ሰብ ሓዳር ካብ ዘለዎም ጸገምን ኣደራዕን ንምውጻኣ እዩ። እቲ ኣምላኽ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘለዎ ዓላማ ክውን ክኸውን እንተ ዀይኑ ሰብኣይን ሰበይትን ንቃል ኣምላኽ ክግዝኡ ፍቓደኛታት ክኾኑ ኣለዎም። "ሳሜኤል ከኣ ንእግዚኣብሄርሲ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩዱን ከም ምስማዕ  ደሃይ እግዚኣብሄር ገይሩዶ የሐጉሶ እዩ? እንሆ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። ዕልወትሲ ሓጥያት ጥንቁልና እዩ ህልኽ ከኣ ምምላኽ ጣኦትን ትራፊምን እዩ" 1ሳሜ 15፣22-23። 

ጽን ምባል ምስማዕ ምእዛዝን ዝብሉ ቃላት ኣብ ምዝርራብ ወይ ኰምኒኬሽን ኣዚዮም ኣገደስትን ወሰንትን ሓረጋት እዮም። ንጉስ ሳኦል ኣምላኽ ክዛረብ እንከሎ ጽን ኢሉ ስለ ዘይሰምዖን ስሚዑ ድማ ሰለ ዘይተኣዘዞን ካብ ንግስነቱ ተሳዒሩ። እዚ ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ካብኡ ተኣልዩ። ዝተረፈ ዘመኑ ኩሉ ብጭንቀትን መከራን ዛዘሞ። ስለምንታይ? ንቃል ኣምላኽ ክብሪ ስለ ዘይሃበን ብናቱ መንገዲ ስለ ዝተጓዕዘን እዩ። ስበኣይን ሰበይትን በዚ ሎሚ ኣብ ሓዳርኩም ኣጋጢምኩም ዘሎ ጸገም ንኣምላኽ እትምልሱሉ መልሲ እንታይ እዩ?  ከምቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝገበርዎ ንሳ እያ ንሱ እዩ ብምባልኩምሲ ኣምላኽ ዝቕበለኩም ዶ ይመስለኩም?

 

ቑጠዓ ምረት ሓርቖትን ክፍኣትን ንምስዓር ነዞም ዝስዕቡ መፍቲሒታት ፈትኑ።

 

•1.  ቅድሚ ኣብ ካልእ ምፍራድኩም ነፍሲ ወከፍኩም ባህርያትኩም ስሚዒትኩም ፈሊኹም ክትፈልጡ ፈትኑ። ንኣብነት ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ፍርሓት ትዕቢት ወይ ድማ ናይ ልዕልና መንፈስ እንተሃልዩ ንምንታይ ኢልኩም ሕተቱ። 

•2.  ድሕሪ ዘለኩም ባህሪን ስሚዒትን ፈሊኹም ምፍላጥኩም ካብ ፍርድን ወቐሳን ነጻ ብዝዀነ መንገዲ ምስ ናይ ሓዳር ብጻይኩም መፍቲሒ ንምንዳይ ተዘራረቡ። 

•3.  ንርክብኩም ዝዓናቕፉ ኣሉታዊ ዝዀነ ስሚዒታት ከይተተኣናግዱ ወስኑ። "ሓደ ሓደ ሰባት እዚ ባህርያተይ ስለ ዝዀነ ምንም ክገብር ኣይክእልን እየ" ይብሉ። ቃል ኣምላኽ ግና እቲ ኹፉኡ ኩሉ ካባኻትኩም ይርሓቕ እዩ ዝብል። ስለዚ ኩፍኡ ዝዀነ ባህሪ ኣይተተኣናግዱ። 

•4.  ቤተሰባዊ ዝዀነ ዘተ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ክምዕብል ኣለዎ። ብፍላይ ምቹኡ ዝዀነ ጊዜ መሪጽካ ብናይ ፍቕሪ መንፈስ ኰይናካ ብዛዕባ እቶም ንርክብኩም ዓንቀጽቲ ዝዀኑ ኣርእስቲ ኣልዕልኩም ብምዝርራብ ንሓድሕድኩም ተሃናነጹ። ንናይ ሓዳር ብጻይኩም መንነት ክትፈልጥ እንተደሊኹም ንብጻይኩም ሕተትዎ ክነግረኩም ድማ እዩ። "እቲ ዓሻ መንገዱ ኣብ ቅድሚኡ ቅንዕቲ እያ ጥበብኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ" ምሳ 12፣15። 

•5.  ዘይትደልይዎ ባህርን ስሚዒትን ምንጩ ካበይ ምዃኑ ፍለጥዎ። ነቲ ምንጪ ምስ ፈለጥኩምዎ ድማ ክትዓብስዎ ጸዓሩ። 

•6.  ንናይ ሓዳር ብጻይኩም ስሚዒት ዝጐድእን ዘይምስምማዕ ከኣ ንዝዕድም ነገርን ክትልውጥዎ ወይ ከተመሓይሽዎ ኣዚኹም ተጋደሉ። ናይ ዝሓለፈ ሕማቕ ጠባይ ከይድገም ድማ ትግሁ። 

•7.  ንዝተፈጥሩ ናይ ዘይምስምማዕ ባህሪ ኩራ መፍቲሒ ድዩ? ኢልኩም ሕተቱ። እስከ ብሰንኪ ኣብ ናይ ሓዳር መጻምድትኹም ብምቑጣዕኩም ዝረኸብክምዎ ክሳራ በብሓደ ዘርዝርዎም። እቲ ግብረ መልስኹም ብፍቕሪ ብትሕትና ብለውሃትን እንተ ዝኸውን ኔሩስ እቲ ፍረ እንታይ ኰን ምመሰለ ኔሩ? ኢልኩም ሕሰቡ። 

•8.  ዘቖጥዓኩም ነገር ምስ ዝገጥመኩም ስሚዒትኩም ቀልጢፉዶ ይግንፍል? ኣብዚ እዋን እዚ እስከ ትንፋስኩም ውሕጥ ኣቢልኩም፣ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓዳር ብጻይኩም ዘለዎ ደስ ዘብል ባህሪ ክትሓስቡ ፈትኑ። ሓቢርኩም ዝሓለፍክምዎም ሰናይ ነገር ድማ ኣሰላስሉ። "ነቲ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ጽቡቕ ዝኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር ንሓደ እኳ ክፉእ ኣብ ክንዲ ክፍኡ ኣይትፍረድዎ ዝክኣል እንተ ዀይኑስ ብኣኹም ዝመጸ ምስ ኩሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ" ሮሜ 12፣17። "ነቲ እከይ ድኣ ብሰናይ ጌርካ ስዐሮ እምበር ነቲ እከይ ኣይትስዓሮ" ሮሜ 12፣21። 

•9.  ንሰብ ምውቃስን ነቲ ሰብ ድማ ዘሕርቖ ነገር ምልዕላን ትፈትዉ ዶ? እዚ ዓይነት ባህሪ ንምንታይ ከም ዝጠቕመኩም እሞ ሕሰቡ። ንናይ ሓዳር ብጻይኩም ብዝዀነን ዘይኰነን ኣይትጠርጥሩ። ካብቲ ዘቕርበልኩም ሓሳብ ገለ ፍረ ከም ዘለዎ ኣይትስሓቱ። 

•10. እቲ ተቕርብዎ ሓሳብት ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን ኣምበር ኣበየናይ እዋንን ጊዜን ክትዛረብዎን ምስ ናይ ሓዳር ብጻይኩም ድማ ክትዛተይሉ ከም ዝግባኣኩም ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ። ኩሉ ጊዜ እቲ ተቕርብዎ ወቐሳ ንናይ ሓዳር ብጻይኩም ዝሃንጽን ዝረብሕን ዝእርምን ክከውን ይግባእ እምበር ንሞራሉ ዝሰብርን ዘቋሽሽን ክኸውን ኣይግባኣን። 

•11. ካብ ሓዳር ብጻይኩም ወጻኢ ተዋሓደ ሓደ ዝመኽረኩምን ዝሕግዘኩምን ዓርኪ ወይ መሓዛ ይሃልኹም። ነቲ ዝህበኩም ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕልዎ ኣዚኹም ጸዓሩ። 

•12. ስለ እቲ ዘለኩም ባህሪ ኣምላኽ ክድግፈኩም ወትሩ ብጸሎት ናብ ዙፋን ጸግኡ ቅረቡ። " ሓደ ካባኻትኩም እኳ ጥበብ እንተ ጐደሎ ነቲ ከይሰተሓፈረ ብልግሲ ዝህብ ኣምላኽ ብእምነት ይለምኖ እሞ ክወሃቦ እዩ" ያቆ 1፣5።

 ናይ ዝሓለፈ ክፋላት ንምክትታል ነዞም ዝስዕቡ ሊንኪታት ተጠቀሙ።

ዉሕስነት ሓዳር ቀዳማይ ክፋል

ዉሕስነት ሓዳር ካልኣይ ክፋል

ዉሕስነት ሓዳር ሳልሳይ ክፋል