24
Wed, Apr
0 New Articles

ውሕስነት ሓዳር 1ይ ክፋል

Marriage & Relationships
Typography

መእተዊ  ብዙሓት ናይ ሕብረተሰብና ምሁራትን ጠቢባንን፣ መርዓ ኣብ ትርጉም ዘይብሉን ዘይጠቅምን ደረጃ ከም ዝበጸሐ እዮም ዝዛረቡ። እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ እንተ ተባህለ ብዙሓት ሰባት ተመርዕዮም ኣብ ሓዳር ክንዲ ዝጸንዑ ዝፋትሑ ይበዝሑ ስለ ዘለዉ ንምንታይ መርዓ ኣድለየ ዝብል ሕቶ ኣብ ኣእምሮ ብዙሓት ስለ ዝሰረጸ እዩ። 

ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሕቶታት ተላዒልና ደቀ ብዛዕባ እቶም መሰረታውያን ዝዀኑ ናይ ሓዳር ሽግራት እንታይ ምኻኖም ክንዝርዝሮ ኢና።

  1. ሰብ ሓዳር ኣብ ሓዳር ዘለዎም እምነት ምዝባዕ። 
  1. ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓዳር ምስ ኣተዉ ብሓዘን ኰነ ብሓጐስ ተጸዋዊሮም ንምንባር ድልዋት ክንዲ ምዃን ብናይ ገዛኣ ርእስኻ ምፍታው ስሚዒት ምትሓዝ።
  1. ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝረከብ ሓጐስ ብናይ ክልተ ጻዕርን ትግሃትን ምዃኑ ዘንጊዕካ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ተኣምር ምጽባይ።

ናይ ሓዳርን ናይ ሓዳር መጻምድትኻ ባህሪ ብዝግባኣ ሰኣን ምርዳእን፣ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ብዝላዓሉ ጉዳያት ብግልጺ ዘይምዝታይን፣ ኣብዚ ዘመን እዚ እቲ ዝዓበየ ሽግር ኰይኑ ስለ ዘሎ ንናይ ሓዳር ምጥፋሽን ምዕናውን ቀንዲ ምክንያት ኰይኑ ኣሎ። ሓዳር ህይወት ኣለዎ። ዝዓቢ፣ ዝዕንብብ ከምኡ ኸኣ ዝፈሪ እዩ። ከምቲ ንዕቤት ምግቢ ዘድሊ ከምኡ ድማ ሓዳር ከም ዝግባእ ክዓብን መቐረት ክህልዎን እንተ ዀይኑ፣ ዘየቃርጽ ክንክን የድልዮ እዩ። ሰብኣይን ሰበይትን ክሰማምዑ ኣለዎም ክበሃል ከሎ ናይ ግድን በረኣእያ ብሓሳብ ምፍልላይ ኣየጋጥሞምን እዩ ማለት ኣይኰነን። ናይ ሓሳብን ኣረኣእያን ፍልልይ ከጋጥም ከሎ ክንዲ ምፍሕፋሕን ባእስን ሓደ ነቲ ሓደ እንዳ ሰምዖ ክራዳድኡ ብምፍታንን ንሓድነቶም ካብ ሓደጋ ከንድሕንዎ ክጋደሉ ይግባእ። ንፍቕሪ ከም ዓላምኦም ሒዞምን ጌሮምን ንሓድሕድሞ ክሰማምዑን ክቀባበሉን እንተ ዘይኪኢሎም፣ ልኽዕ ከም ኣብ እሾኽ ዝተጸግዐ ዓጋም ኰይኖም ኣብ ዘመን ህይወቶም ኩሉ ሓጐስን ሰላምን ዝረሓቖም ከይኖም ክነብሩ እዮም። ኣብ ውሽጢ ሓዳር ምቅብባልን ምርድዳእን ዝመጽእ ስቕ ኢልካ ብሃውሪ ዘይኰነስ እንታይ ድኣ ንዘለካ ፍልልያት ብግልጺ ብምዝርራብን፣ ንዘሎ ጸገም ንምፍታሕ ድማ ብኽልቲኡ ወገን ቅሩብነትን ፍቓድን ምስ ዝህሉ ጥራይ እዩ። እዚ ኣዚዩ ወሳኒ ጉዳይ እዩ።

ካልእ ኣብዚ ዘመን ጐሊሑ ዝረኣ ጸገም ሰባት ኣብ ክሊ ሓዳር ጥራይ ተወሲኖም ክነብሩ ስለ ዘይውስኑን ክብሩነት ሓዳር ዘንጊዖም ንረኣዩለይ ጥራይ ኣብ ሓዳር ስለ ዝኣትዉ እዩ። ብዝሓት ናይ ዘመና መንእሰያት ኣብ ሓዳር ዝኣትዉ ሓሲቦምን ወሲኖም ዘይኰኑስ ብሃውርን ስሚዒትን ዝኣትውዎ ጉዳይ ከይኑ ዘሎ ይመስል። ሓዳር ኣርሒቕካ ምሕሳብን ምስልሳልን ካብኡ ሓሊፉ እውን ውሳኔንን ተወፋይነትን ይሓትት እዩ። ሓዳር ክምስረት እንከሎ ብዙሕ ምውጻእን ምውራድን ከምዘሎዎ ዘይተረድእም ሓደ ሐደ ጀመርቲ፣ ገና ኣብ መጀመርያ ሓዳሮም ዝተደላደለን ዝማእመኣን ናብራ ክነብሩ ይደልዩ። ናይ ሓዳር እቲ ትኽክለኛ ዝዀነ መልክዑ ምርኣይ ተሳኢንዎም ከኣ ብገርህነት ኣብ ሓዳር ዓለም ዝኣትዉ ሰባት፣ ሓዳሮም ከምቲ ዝሓሰብዎ ከይኰነ ምስ ዝተርፍ ዘለዎም ኣማራጺ ካብዝ ጀመርዎ ሓዳር ሃዲሞም ካልኣ ሓዳር ንምፍታን እዮም ዝጓየዩ።

ሓዳር ውጺታዊ ዝኸውን ብታኣምራት ዘይኰነስ ክልተ ናይ ቃልኪዳን ተጻመድቲ ተሰማሚዖምን ተረዳዲኦምን ንሓደ ዓላማ ክልቲእቶም ምስ ዝስለፉ ጥራይ እዩ። ኣብ ሃገርና ሓደ ኣባሃህላ ኣሎ።  “ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሓደ ማይ ዝፍጠሩ” ዝብል እዩ። እዚ ኣብ መንጐ ሰብኣይን ሰበይትን ዘሎ ተመሳሳልንት ክገልጽ ከሎ። ብኻልእ ወገን ሰብኣይን ሰበይትን ከምቲ ጐኒ ንጐኒ ዝፈስስ ዋሓዚ ኰይኖም እሞ ኸኣ ናብ ሓደ ቦታ ዝውሕዝ ክምሰሉ ይኽእሉ እዮም። ክልተ ወሓይዝ ክራኸቡ እንከለዉ፣ ብሓይሊ ይጋጨዉ እሞ ሓደ ዘፍርሕ ድምጺ ይፈጥሩ። ነገር ግና ቀስ ብቐስ ብምውህሃድ ሓደ ወሓይዝ ከይኖም ግርማ ብዘለዎ መንገዲ ብሓንሳብ ክጓዓዙ ይጅምሩ። ስለዚ ኣብ መንጐ እቶም ዓላምኦም ፍቕሪ ጌሮም ብሓዳር ተኣሳሲሮም ጉዑዞኦሞ ክመርሑ ዝወሰኑ ሰባት፣ ድሕሪ መርዕኦም ዘጋጥምዎም ናይ ስምዒት ዘይምስምማዕን፣ ተስፋ ምቑራጽን፣ ናይ ድሌታት ዘይምምልላእን፣ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይን፣ ካልእን ከጋጥምዎም ይኽእሉ እዮም። እንተዀነ እቶም ከም ፍቕድ እግዚኣብሄር ሓዳሮም ዝጀመሩ ሰባት፣ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤቶም ብምጽዋዕ፣ ሓቢሮም ብምምኽኻር፣ ንሓድሕዶም ብናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ንምቅብባል ፍቓደኛታት ብምዃን፣ ንሓዳሮም ሕጉስን፣ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ክገብርዎ ዘለዎም ዕድል ካብ ናይ ካልኦት ዝሓሸን ዝበለጸን እዩ። ብዛዕባ ሓድነቶም ሓቢሮም ምስ ዝጽልዩ ብዛዕባ ሓዳሮም ብግልጽን ብእምነትን ምስ ዝዛራረቡ ዓላምኦም ሸትኡ ከይሃረመ ከም ዘይተርፍ ርዱእ እዩ። ዘጋጥምዎም ጸገማት ከኣ ብምሉኣቶም ክርሕቑ ይኽእል እዩ።

 

ፍሉይነት ሓዳር።

ሓዳር ብእግዚኣብሄር ኣብ ሰማያት ዝተመደበ ወይ ዝተወጠነ እዩ። እዚ ሓሳብ ኣብ ምድሪ ተግባራዊ ክኸውን ንወዲ ሰብ ተዋህበ። እግዚኣብሄር ንሰብ ብመልክዑ ፈጠሮ ተባዓታይን ኣንሳታይን ጌሩ ድማ ፈጥሮም ዘፍ 1፣27። እግዚኣብሄር ንሰብ ብዝተፈላለየ ጾታ ዝፈጠሮም ንመርዓ ዓላማ ብምግባር እዩ። እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓዳር ክረኽብዎ ዝኣዘዘ በረኸታት።

  1. ሰብ ሓቕኛ ፍቕሪ ክለማመድ ኤፍ 5፣28, ዘፍ 2፣2፣24-25።
  1. ዘሪኢ መታን ክትክእ ዘፍ 1፣28።
  1. ናይ ዘመን ህይወቱ ብጻይ ወይ ዓርኪ ንምርካብ ዘፍ 2፣18 ሚል 2፣14።

 

ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝተመስረት መርዓ፣ ቃል ኣምላኽ ከም ዝብሎ ሓድሽ ሰብ ወይ ህይወት ዝፈጥር እዩ። እዚ ማለት ድማ ሰባት ብመርዓ ሓደ ምዃንን ወይ ድማ ኣካል ሓድሕድ ኰይኖም ሓደ ኣብቲ ሓደ ናይ ምህላው ሚስጥር ማለት እዩ። እዚ ናይ ክልተ ሰባት ሓደ ናይ ምኳን ሚስጥር ዝረጋገጽ “ ሰብ ኣብኡን ኣዲኡን ይሕደግ ምስ ሰበይቱ ድማ ይጥበቕ” ዘፍ 2፣24, ማቴ 19፣ 5-6, ኤፌ 5፣3 ኣብ ዝብል ኣምላኻዊ መምርሒ ዝተመስረተ እዩ። ክርስትያናዊ መርዓ ማለት ኣብ መንጐ ወድን ጓልን ዝፍጸም ስጋዊ ጥምረት ጥራይ ዘይኰነስ ናይ ልብን ናይ መንፈስን ሕድነት ዝፍጸመሉ ዓሚቕ ሚስጥር ዘለዎ ሕብረት እዩ። ጐይታና የሱስ ኣብ ማቲዎስ 19፣3 ነቶም ፈርሳውያን ብዛዕባ ፍትሕ ምስ ሓተትዎ ክቃወሞም ከሎ “ ስለዚ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ስጋ እዮም፣ እምበር ክልተ ኣይኰኑን” ኢልዎም። እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዘሎ ናይ ስጋን ናይ ሓሳብን ዓላማን ከሙኡ እውን ናይ መንፈስ ሓድነት እዩ ዘመልክት። ካብቲ ሓደ ቐንዲ ናይ ሰብ ዓላማ ኣብዛ ምድሪ ምንባር ንዕኡ ወይ ንዓኣ ዝሰማማዕ ወይ ትሰማማዕ ናይ ሓዳር መጻምድቲ ረኺቡ ወይ ረኺባ ዘመኖም ብሓጐስን ባህታን ንምፍጻም እዩ። ካብዚ ንታሕቲ እንዝርዝሮም መጽሓፍ ቁድሳዊ መምሪሕታት መርዓ እቲ ሓቀኛ በረኸትን ሓጐስን ዝረኽብሉ ከም ምዃኑ እኳ፣ ሰብኣይ ንሰበይቱ ሰበይቲ ድማ ንሰብኣያ ናይ ሓጐስ ምንጪ ምዃኖም ዘረጋግጹ ጥቕስታት እዮም።

 “ሰብኡትውን ከምኡ ነትን ኣንስቶም ከም ስግኦም ገይሮም ከፍቅርወን ይግብኦም እዩ”

ኤፍ 5፣28። 

“ሓደ ሰብኣይ ሓዳስ ሰበይቲ ምስ ኣእተወ ናብ ውግእ ኣይውጻእ ገለ ዕዮ ነገርውን ኣይጾዐንዎ። ሓንቲ ዓመት ኣብ ቤቱ ሓራ ይኹን። ነታ ዝወሰድ ሰበይቱ ድማ ባህ የብላ” ዘዳ 24፣5። 

“ምንጭኻ ይባረኽ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ ፍትውቲ ዋላ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትኹነልካ እቲ እጥባታ ኹሉ ጊዜ የዕግብካ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ” ምሳ 5፣18-19። 

“እቲ ሰበይቲ ዝረክብ ሰናይ ይረክብ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል” ምሳ 18፣22። 

“ሰብኣይ ንሰበይቱ ዝግባኣ ይግበረላ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ” 1ቆሮ 7፣3። 

“ከምታ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ ከምኡ ድማ ኣትን ኣንስቲ ንሰብኡትክን ተኣዘዝኦም” ኤፍ 5፣24። 

መርዓ ከምቲ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ መሰረት እቲ ሓቐኛ ዝዀና ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ እንለማመደሉ ካብ ኣምላኽ ድማ ዝተዋህበና ሓድነት እኳ እንተዀነ ኩሎም ሰባት ግና ኣብ ሓዳሮም ሕጉሳት ይዀኑ ማለት ኣይኰነን። መዓልታዊ ኣብ ሓዳር ዓበይትን ናኣሽቱን ዝዀኑ ግርጭታት ይፍጠሩ እዮም። እቶም ቀንዲ ጠንቅታትን ግርጭታት ናይ ሓዳር ዝዀኑ ባእታታት ንምጥቃስ። 

  1. ነቶም ኣምላኽ ብዛዕባ ሓዳር ዝሃቦም መምሪሒታት ብዝግባኣ ዘይምፍላጥ። 
  1. ነቶም ዝፈለጥናዮም ናይ ኣምላኽ መምሪሒታት ክንእዘዞም ፍቓደኛታት ዘይምዃንን በብዝመስለና መንገድታት ምምልላስ። 
  1. ትኽክል ዘይኰነ ናይ ሓዳር ብጻይ ምምራጽ እዮም። 

ቅድሚ ናብ ዝቕጽል ምዕራፋት ሓሊፍና ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ሓዳር ዝረኣዩ ጸገማትን መፍቲሒታቶምን ምርኣይና ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ሓዳሮም ጸገም ዘጋጠሞም ሰባት ዝብልዎ መረረታትን ዘስምዕዎ ምኽንያታትን ክንድህስስ ኢና።