20
Sat, Apr
0 New Articles

ዘገርም ሓለዋ

Salvation
Typography
ሓንቲ  ድያና ትበሃል ጓል ናብ እንዳ መሓዛኣ ንምብጻሕ ኸደት እሞ ካብዝ ሓስበቶ ንላዕሊ ኣምሰየት፣ ናብ ገዝኣ ኸኣ ንበይና ተበገሰት፣ በይና ንምኻድ እምብዛ ዘፍርሕ ነገር የብላን እቲ ትቕመጦ ሰፈር ቡዙሕ ሰብ የብሉን ገዝኣ ኸኣ እምብዛ ሩሑቕ ኣይኮነን፣ ቁርቡ ሽግለታኣ ዘዊራ ምስ ተጓዕዘት ግና ድይና ኣምላኽ ክሕልዋን ብሰላም ናብ ቤታ ከብጽሓን ጸለየት፣

ኣብ ሓደ ኣንጎል ብሓጺር መንገዲ ናብ ገዝኣ ዘብጽሓ ምስ በጸሓት ብእኡ ኣቃሪጻ ናብ ቤታ ኽትከይድ ወሰነት፣ ኣብ ፍርቂ ምስ በጽሐት ግና ሓደ ሰብኣይ ደው ኢሉ ይጽበያ ከም ዘሎ ኣስተውዓለት፣ እዚ ምስ ረኣይት ግና ብውሽጣ እምብዛ ተረበሸት እሞ ንኣምላኽ ክሕልዋ ደጋጊማ ጸለየት፣ ብቕጽብት ድማ ኣብ ልዕሊኣ ሓለዋን ሰላም ኣምላኽን ክስምዓ ጀመረ፣ ሓደ ሰብ ከኣ ምስኣ ብጐና ዘሎ ኰይኑ ተሰምዓ፣ ኣብቲ መጨረሻ ኣንግሎ ምስ በጽሓት ከኣ ነቲ ሰብኣይ ሓሊፋ ናብ ገዝኣ ብሰላም ኣተወት፣ 


ንጽባሒቱ ኸኣ ኣብ ጋዜጣ ኣብቲ ንሳ ዝሓለፈትሉ መንገዲ ንሳ ቅድሚ ብእኡ ምሕላፋ ቅድሚ 20 ደቃይቕ ሓንቲ ጓል ብሓደ ሰብኣይ ከም ዝተዓመጸት ኣንበበት፣ በዚ ፍጻሜ ኣዚያ ተግረመትን ሰንበደትን፣ ነዚ ምስ ኣንበበት ከኣ ኣዚያ ተነኽኒኻ ክትበኪ ጀመረት፣ ንኣምላኽ ከኣ ስለቲ ግሩም ሓለውኡ እምብዛ ኣመስገነቶ፣

ናብ መደብር ፖሊስ ክትከይድ ከኣ ወሰነት፣ ነቲ ሰብኣይ ከም ትፈልጦ ኸኣ ኣዚያ ርግጸኛ ዀነት ታሪኻ ኩሉ ኸኣ ዘርዚራ ነገረቶም፣ እቲ ፖሊስ ከኣ ፍቓድኛ እንተ ኾይና ነቲ ሰብ ካብቶም ተሰሪዕም ዘለዉ ሰባት ፈልያ ከተውጾ ሓበራ፣ ንሳ ኸኣ ፍቓደኛ ዀነት፣ ነቲ ትማሊ ምሸት ኣብ መንገዲ ደው ኢሉ ዝተጸበያ ሰብኣይ ድማ ኣለለየቶ፣ እዚ ድማ እዩ በለቶም፣ እቲ ሰብኣይ ከኣ ኣዚዩ ሰንበደን ብሕፍረት ተዋሕጠን፣

እቲ ፖሊስ ብትብዓታ እምብዛ ኣመስገና ምናልባት እንታይ ክግበረላ ከም እትደሊ ኸኣ ሓተታ፣ ዲያና ኸኣ እንተ ኣፍቂዶምላ ነቲ ሰብኣይ ስለምንታይ ከም ዘይዓመጻ ክሓቱላ ነገረቶም፣ እቲ ፖሊስ ከኣ ስለምንታይ ንድያና ኸኣ ከም ዘይዓመጻ ሓተቶ፣ እቲ ሰብኣይ ከኣ ከምዚ ክብል መለሰ “ምኽንያቱ በይና ኣይኮነትን ኔራ ክልተ ነዋሕቲ ሰብኡት ብየማናን ብጸጋማን ኰይኖም ምስኣ ይኸዱ ኔሮም፣”

ዘገርም እዩ እምን ኣይትእምነ ንስኻ ኣነ ኩላትና በይንና ኣይኮናን፣ እቶም ንኣምላኽ ኣሚኖም ሓለውኡ ኸኣ ዝጽበዩን ዝኣምኑን ሰባት ጽላል ኣምላኽ ኣብ ልዕሊኦም ምስ ኣጸለሎም እዩ፣ ስለዚ ካብ ኩሉ ኩፍኡ ክትሕሎ ትደሊ ዶ ንኣምላኽ ሓላዊኻ ክኸውን ኣፍቅደሉ፣