23
Tue, Apr
0 New Articles

ካብ ነብሰ ቅትለት ድሒነ ታሪኽ ናይ ኪም ኣቨሪ

Salvation
Typography

ጓል 15 ዓመት እንከለኹ ብዙሕ ጭንቕትን ብዛዕባ ሂወተይ ድማ ዘይሕጉስትን ነበርኩ:: ስድራይ ጓል 12 ዓመት እንከለኹ እዮም ተፋቲሖም:: ድሕርዚ ምስቲ ኣደይ እንደገና ዝተመርዓወቶ ቦ ሰለስተ ቆልዑ ሰብኣይ ብሓንሳብ ንቕመጥ ኔርና:: ግናኸ: ቁሩብ ከይጸንሑ ድሕሪ ዓመት ተፋትሑ:: ብድሕርዚ ኣነን ሓፍተይን ምስ ኣደይ ብሓንሳብ ክንቅመጥ ጀመርና::

ኣደይ ምስ ካልእ ሰብኣይ ዕርክነት ብምጅማር ኩሉ ግዜ ቀዳመ ሰንበት ሓዲጋትና ክትወጽእ ጀመረት:: ኣነ ድማ ኩሉ ግዜ ምስ የዕሩኽተይ ይወጽእ ነበርኩ:: ሕጂ ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ ነብሰ ቅትለት ዘፈጽም ወልሓንቲ ጭቡጥ ምኽንያት ኣይነበረንን::

ከምቲ ዝደልዮ ህብብቲ ሰብ ኣይነበርኩን: መሓዛይ ብኣንጻሩ ህብብትን: ካብ አወዳት ድማ ብዙሕ ኣቓልቦ ትረክብ ነበረት:: ዓርኪ ኔርዋ: ኣነ ግና ኣይነበረንን:: መስተን ሽጋራን ጀሚረ:: እዚ ድማ ዝገደደ ጭንቀት ፈጠረለይ::


ኣብታ ነብሰ ቅትለት ክፍትን ዝወሰንኩላ መዓልቲ ምስ መሓዛይ ወጽየ እየ ዝወዓልኩ:: ኣዝየ ሕማቕ ስለ ዝነበርኩ ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ምፍታን ክሓስብ ጀመርኩ:: ወጺና እንከለና ምስ ክልተ ቅድሚ ሕጂ ንፈልጦም ኣወዳት ኢና ውዒልና:: ገዛና ከብጽሑና ድማ ተሰማማዕና:: ንገዛ እንዳከድና ከለና ገዛ ምስ በጻሕኩ ከመይ ጌረ ነብሰይ ከም ዝቐትል ይሓስብ ነበርኩ::

ኣደይ ብሕማም ኩሊት ትሳቐ ስለ ዝነበረት ብዙሕ ዝዓይነቱ ከኒናታት ኣብ ከብሒ ነበረ:: ንኹሉ እቲ ከኒና ውሒጠ ነብሰይ ክቐትል ድማ መደብኩ:: ነቲ ከኒናታት ናብ ክሽነ ወሲደ ኮፍ ኢለ በብሓደ ክሳዕ ነብሰይ ትወጽእ ክወስድ ሓለንኩ:: ኣደይ ንግሆ ምስ ተስአት ሞይተ ክጸንሓ ማለት እዩ::

ቀቅድሚ ገዛ ምብጻሕና እቲ ኣውቲስታ መንገዲ ስሒቱ ካብ ጽርግያ ወጸ:: ማይ ክሃርም ጀሚሩ ነበረ: አብ ሓሳብ ኣዝየ ጥሒለ ብምንባረይ እቲ ብዓል መኪና ካብ ዓቐን ንላዕሊ ይንህር ከም ዝነበረ አየስትወዓልኩሉን:: ዓርኩ ነቲ በዓል መኪና "ናብ ጽርግያ ተመለስ" ክብሎ ከሎ ይዝከረኒ::

እቲ በዓል መኪና ነታ ማኪና ናብ ጽርግያ ብቐጥታ ክመልሳ ድሕሪ ምፍታኑ: ኩልና አብ ኣየር ከነንሰፋልል ይዝከረኒ::

እታ ማኪና ምስ ሓጹር ናይ ገዛ ድሕሪ ምግጫዋ: እቲ ሓጹር ድማ ሓጺር ብምንባሩ አብ ኣብ ኣየር ኣንሰፋለለት:: መሓዛይ ነቲ ዝዘውር ዝነበር ጎማ ብምሓዝ "ዎ ኣምላኸይ" ኢላ ክትጭድር ይዝከረኒ:: ኣነ ድማ ብልበይ ገዛ ከይድ ከኒና ከይወሰድኩ ሕጂ ይመውት ይኸውን ኢለ ሓሰብኩ:: ከምኡ እንተዝኸውን ዝቐለለ ምኾነ:: ኩሉ ነገር ቀስ ብቐስ ዝኸውን ዝነበረ ይመስል:: ኢደይ ጨቢጠ ብምድናን ከኣ "በጃኻ ጎይታ ኽንጉዳእ ኣይትግበር:" በልኩ::

ቀጺለ ዝዝክሮ ኣብ ዓራተይ ኮይነ ካብ ሕልሚ ተሲአ እንዳሓሰብኩ እዩ:: ሃንደበት ድማ ነቲ ዘጋጠመ ኩሉ ክዝክሮ ጀመርኩ:: ኣብ አዝዩ ብርቱዕ ነውጺ እየ ኔረ:: ኩሉ ነገር ጸልሚቱ ወልሓንቲ ክርኢ ኣይከኣልኩን:: ክንቀሳቐስ ፈቲነ ግናኸ ኣይከኣልኩን:: ኣብ ልዕለይ አዝዩ ዘርዕድ ፍርሒ መጸኒ:: ሞይተ ክኸውን ኣለኒ:: ካብቲ ጸልማት ክወጽእ ፈቲነ ግናኸ ኣይከኣልኩን: ብዙሕ ክፈርሕ ድማ ጀመርኩ::

ሞይተ ክኸውን ኣለኒ ኢለ ምስ ሓሰብኩ ዝስመዓኒ ዝነበረ ፍርሒ ብቃላት ክገልጾ አይክእልን እየ:: ክመውት ተመንየ ኔረ: ረኺበዮ ድማ:: ሞት ከምዚ እንተኾይኑ ክመውት ኣይምደለኹን:: ክርኢ ወይ ክንቀሳቐስ ኣይከኣልኩን::ኣብቲ ድቕድቕ ጸልማት ኮይነ ብፍርሕን ጽምዋን ተዋሒጠ ነበርኩ::

ንጎይታ ክጽውዖ ጀመርኩ:: "ጎይታ በጃኻ: ክመውት አይትሕደገኒ: መስተን ሽጋራን ክገድፎ ቃል ይኣቱ: ብዛዕባ ነብሰ ቅትለት ምሕሳብ ድማ ክገድፎ እየ::" ናብ ጎይታ ከምዚ ኢለ እንዳጸለኹ ከለኹ: ብቕጽበት መጺኡ ካብቲ ጸልማት አውጽኣኒ:: ካብቲ ትሕቲ እታ መኪና ከንፋሑኽ ምስ ጀመርኩ እቶም የዕሩኽተይ ኣብኡ ደው ኢሎም ረኣኹዎም::

ኣብ ሓደ ገዛ ተገምጢልና ዓሊብና ኔርና:: ኣምቡላንስ ጸዊዖም ናብ ሆስፒታል ወሲዶምኒ:: ዘይሙማተይ ዓቢ ተኣምራት እዩ ኔሩ:: ርእሰይ ዓጽሚ ክሳዕ ዝርአ ተኸፊቱ ነበረ: ሕቖይ ውን ተሰብረ:: ብሂወት ምንባረይ ዓቢ ዕድል እዩ ኔሩ::

ስታቲስቲክስ ከም ዝሕብሮ ዝበዝሑ ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙ ዝሓስቡ ብዛዕባ መደቦም ንሰብ አይነግሩን እዮም:: ከምዚ ስለ ዝኾነ ድማ እዩ ነብሰ ቅትለት ምስ ፈጸሙ ኩሉ ሰብ ዝግረም:: እቲ ሰብ ጸቕጢ ከም ዝነበሮ ኣይፈልጡን እዮም:: ነብሰ ቅትለት ክፍጽም ምስ ወሰንኩ ንወልሓደ ሰብ ኣይነገርኩን: ወላ ነታ ቀንዲ መሓዛይ ውን ትኹን:: እቲ እንኮ ነቲ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ሓሳብን መደብን ዝፈልጥ ሓደ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ::

በዚ ዝሓለፍኩዎ ነውጺ እንተ ዘይሓልፍ: ነብሰ ቅትለት ፈጺመ ምሃለኹ ኔረ: ምናልባት ውን ምሞትኩ: ኣምላኽ ግና ኣይፈቐደን:: ካብቲ አዝዩ ዘርዕድ ጸልማት ጎይታ ኣድሒኑኒ:: ከም ዝመስለኒ: ነብሰ ቅትለት እንተ ዝፍጽም እንታይ ከም ዝገጥመኒ ከርእየኒ ስለ ዝደለየ እዩ በዚ ዝሓለፍኩ:: ናብ ገሃነም እሳት ምኸድኩ:: ኣበይ ከም ዝነበርኩ ክሳዕ ሕጂ አይርድኣንን እዩ:: ምናልባት አብ ኣፍደገ ሲኦል ኔረ ይኸውን: ስለዚ ድማ እየ ኣዝየ ብራዕዲ ዝተዋሓጥኩ::

በዚ ኣጋጣሚ ንኹሎም ነብሰ ቅትለት ክፍጽሙ ዝሓስቡ ሰባት ሓገዝ ክሓቱ ይምዕድ:: በዚ ዝሓለፍኩዎ ክትሓልፉ አይትደልዩን ኢኹም: እመኑኒ:: ኣምላኽ ንዓይ ምድሓኑን ክመውት ድማ ዘይምፍቃዱ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ:: ሕጂ ዓብየ ምስ ክልተ ደቀይን ምስ ዝፈትዎ ሰብኣየይ ይነብር ኣለኹ:: ሂወተይ ፈተና ዝበዝሖ እዩ ኔሩ: ግናከ ኣምላኸይ ኩሉ ግዜ ምሳይ ኔሩ: ወላ ኣነ ከየስተውዓልኩዎ::

ኪም ኣቨሪ

ክቡር ኣንባቢ: ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣለካ ? እንተ ዘይብልካ: ሕጂ ክህልወካ ይኽእል እዩ:: ምስ ሞትካ እንታይ ከም ዝጽበየካ ትፈልጥ ?ቤትካ ሰማይ ከም ዝኸውን ካብ መንፈስ ቅዱስ ውሕስነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ: ርግጸኛ ክትከውን ትደሊ እንተደኣ ኮይንካ:: ወይ የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ሓጥያትካ ሞይቱ እዩ: ወይ ከኣ ኣይሞተን (ሞይቱ እምበር!):: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብመዓልቲ ፍርዲ ኣብ መንበር ፍርዲ ቀሪብካ: እቲ የሱስ ክርስቶስ ምእንታኻ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ንሓጥያትካ ንምድምሳስ ኣየድለየንን ክትብል ቅሩብ ዲኻ? ንልምነካ ኣለና...በጃኻ ነዚ ዘሕዝን ጌጋ ኣይትፈጽም::