25
Thu, Apr
0 New Articles

ኣንድርያና ኒኮላይ ኣብ ሩስያ ናይ ኮሚኒስት መንእሰያት መራሒት (ካልኣይ ክፋል)

Imapct of Gospel
Typography

(ሕጂ ድማ ምስክርነት ኣንድርያና ካብ ኣፋ ንከታተል)

ሓደ መዓልቲ ኣባላት ሰልፊ (ፓርቲ) ፓዝ ዘመሓላለፍዎ መምርሒ ንኽቕበል ናብ ቤተ-መንግስቲ ክረምሊን ናብ ቤ/ጽ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ሰልፊ ዝኾነ ኣቶ ታዣናኮሽ ተጸዊዐ ከድኩ። ንእግረ መንገደይ ድማ ናይ ርብዒ ዓመት ጸብጻብ ሒዘ እንዳኸድኩ ከለኹ ብሃንደበት ኣብ ኣእምሮይ ሓደ ድምጺ ሰማዕኩ። እቲ ድምጺ ብቓንዛ ዝተሰነየን ዝተቖራረጸን "ኣንድርያና ነፍቅረኪ ኢና።


 

ጎይታ ይባርኽኪ ንዓኺ ዘለና ፍቕሪ ኣየቛርጽን እዩ" ዝብል ድምጺ ነበረ። በቲ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኣንቐጥቐጥኩ። "ናይ መን ድምጺ ደኣ እዩ?" በልኩ። ነቲ ዝተዛረበኒ ንምርኣይ የማነ ጸጋም ቁሊሕ በልኩ። እንተኾነ ግና ብዘይካ እቲ ብእዝነይ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ስዉር ድምጺ ኣብ ጥቓይ ተጸጊዑ ዝዛረበኒ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ጸኒሐ ክዝክሮ ከለኹ ግና እቲ ድምጺ ናይቶም ክፉኣት ሓሳባውያን (Idealists) ኣወዳትን ኣዋልድን ድምጺ ምዃኑ ተዘከረኒ። "ከመይ ጌሮም ከፍቅሩኒ ይኽእሉ? ንምንታይከ የፍቅሩኒ? ከምቲ ዓይነት ክፉእ ነገር ኣብ ልዕሊኦም ፈጺመ ክንሰይሲ ብኸመይን ንምንታይን ከፍቅሩኒ ይኽእሉ?" ብምባል ምስ ገዛእ ርእሰይ ክማጎት ጀመርኩ። ምናልባት ኣባል ናይ ሰልፎም ምእንቲ ክኸውን ክሓባብሉኒ ደልዮም እዮም ዝኾኑ ኢለ ንርእሰይ ብምጽንናዕ ነቲ ኣእምሮይ ዝፈጠሮ ሓሳብ ከጥፍኦ እንተፈተንኩ እኳ ግና ኣይከኣልኩን። ካብዛ መዓልቲ ጀሚሩ እቲ ድምጺ ክስዕበኒ ጀመረ። እቲ "ሰላም ንዓኺ ይኹን!" ዝብል ድምጺ ብፍጹም ዕረፍቲ ከለኣኒ። መዓልትን ለይትን ኣብ የእዛነይ እንዳመጸ ድቃስ ከለኣኒ። ሰላመይ ጠፈአ። እቲ ናይ ቀደም ትብዓተይ፤ ኣነነተይን ርእሰ-ምትእምማነይን ጠፊኡ ኩሉ ዜሮ ኮነ። ሓደሓደ ግዜ ነቲ ድምጺ ከይቅበሎን ከይሰምዖን ክብል ሙዚቃ ዓዉ ኣቢለ ክሰምዕ ጀመርኩ። እንተኾነ ግና እቲ ኣብ ውሽጠይ ዝድውል ዝነበረ ድምጺ በቲ ካብ ቴፕ ዝወጽእ ዝነበረ ድምጺ ክወሓጥ ኣይከኣለን። " . . . ነፍቅረኪ ኢና ኣንድርያና። የሱስ የፍቅረኪ እዩ።" ግን የሱስ መን እዩ? ንሳቶምከ ንምንታይ የፍቅሩኒ?

እዚ ካብ ቀረባ መዓልታት ጀሚሩ ክሰምዖ ጀሚረ ዘለኹ ድምጺ ኣብ ስርሐይ ከይተረፈ ዓቢ ጸቕጢ ክፈጥረለይ ጀመረ። ዓበይቲ ናይ ኮሚኒስት መራሕትን ካድረታትን ኣብ ዝተኣከብሉ ኣኼባ ክዛረብ ክጅምር ከለኹ እቲ ድምጺ እንዳመጸ ይህውኸኒ። ተጸሊኡኒ ኣሎ ብምባል ድማ ነቲ ኣኼባ ገዲፈዮ እወጽእ። ብዙሕ ግዜ በቲ ሕቶ ክርበሽ ቀነኹ። እወ። መልሲ ዘድልዮ ግን ከኣ መልሲ ዘይተረኸበሉ ሕቶ። ዝረኣዩኒ ኩሎም "ገጽኪ ጽቡቕ የለን። እንታይ ኬንኪ ዲኺ?" ኢሎም ይሓቱኒ። ኣነ ግና ከምዚ ኮይነ ኣለኹ ኢለ ክዛረብ ኣይከኣልኩን።

ኣብ መወዳእታ ድማ ነቲ ኣባል ሓይሊ ኣየርን ፓይሎትን ዝኾነ ናይ ነዊሕ ዓመታት ዓርከይ ብዛዕባ ዝኾንክዎ ኩሉ ኣማኸርክዎ። እቲ ዓርከይ ድማ ክብደት ናይ ሽግረይ ተረዲኡ ናብ ሓደ ኣብ ሞስኮ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪም (ሳይኪያትሪስት) ወሰደኒ። ነቲ ሓኪም ድማ ዝኾንክዎ ኩሉ ገለ ከይሓባእኩ ምስ ነገርክዎ ዕረፍቲ ክወስድን ህድኣት ኣብ ዘለዎ ቦታ ክዘናጋዕ ከም ዘለንን መኸረኒ። እንተኾነ ግና እዚ ብፍጹም ክጠቕመኒ ኣይከኣለን። መሊሰ እኳ ደኣ ብጽምዋ ተበላዕኩ። በይነይ ኮይነ ብዛዕብኡ ከስተንትን ከለኹ ድማ ነቲ ድምጺ ኣጸቢቐ ክሰምዖ ጀመርኩ። ኩነታተይ ክሳብ ኣብቲ ሰልፊ (ፓርቲ) ስለዝበጽሐ ድማ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ክሬምሊን ንፍሉይ ጉዳይ ጥራይ ዝተመደቡ ኮሚኒስታውያን ንምሕካም ናብ ዝተመደቡ ክልተ ሓካይም ተወሲደ ጽዑቕ ምርመራ ተገበረለይ። ራጂ ድማ ተረኣኹ። እንተኾነ ግና እቲ ራጂ ነቲ ውሽጣዊ ህይወተይ ክርእዮ ኣይከኣለን።

ለካስ ነቲ ሕቡእ ነገራተይ ዝርእዮ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ። ምልኩዓት የዒንቲ ዘለውኦን ካብ ገጹ ድማ ገለ ዘይስወሮን ወናኒ ናይ ብሓቂ ራጂ ዝኾነ ኣብ ሰማይ ከኣ ዘሎ ጎይታ የሱስ እዩ። ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ሆስፒታል ደቂሰ ከለኹ ብሃንደበት "ተንሲእኪ ናብ ቤት ማእሰርቲ ሳይቬርያ ኪዲ" ዝብል ድምጺ ኣብ ልበይ ክድውል ጀመረ። በዚ ሓሳብ ድማ ተሰማማዕኩ። "እወ ሕጂ ናብኡ ብምኻድ ነቶም ክፉኣት ሰባት ጸዊዐ እንዳቐጥቀጥኩን እንዳኣቐጥቀጥኩን ብጽኑዕ ክምርምሮም ኣለኒ። ናብዚ ክፉእ ሕማም ዘብጽሑኒ ንሳቶም ክኾኑ ኣለዎም" ኢለ ሓሰብኩ። ነቲ ናይ ስነ-ኣእምሮ ሓኪመይ እዚ ጉዳይ ምስ ሓበርክዎ ኣፍቀደለይ እሞ ናይ ቁሪ (በረድ) ክዳነይ ብጥንቓቐ ተኸዲነ ኣብ መኪና ተጻዒነ ጉዕዞና ጀመርና። ውሽጠይ ብሕርቃን። ቁጥዐን ሕነ ምፍዳይን ተመሊኡ ብግምት 10 ሰዓታት ዝኸውን ምስ ተጓዓዝና ኣብቲ ማእከል እቲ ኩምራ በረድን መወዳእታ ዘይብሉ ሰማይን ምድርን ዝተላገበ ዝመስለሉ ለጥ ዝበለ ጎልጎልን። ሓደ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ጸሊም በዓል ጸጉሪ ካቦት ዝተኸደነ። ብዘይካ ዓይኑ ምሉእ ኣካላቱ ዝተሸፋፈነ። በይኑ ደዉ ዝበለ ንውሕ ዝበለ ሰብ ብርሕቀት ርኤናዮ። "ኣብዚ ጽምዋ ቦታ ደኣ ንበይኑ እንታይ ይገብር ኣሎ?" ተበሃሃልና። ኣነን እቲ ኣውቲስታን እቶም ክልተ ተሓጋገዝተይን በቲ ዝረኣናዮ ከም በዓል ስልጣን ህድእ ኢሉ ናባና ገጹ ዝስጉም ዝነበረ ሰብ ተደነቕና። ናብኡ ገጽና ብዝቐረብና ድማ እቲ ዝተኸደኖ ክዳን ፖሊሳት ወይ ወተሃደራት ዝኽደንዎ ተራ ክዳን ዘይኮነስ መራሕቲ ኮሚኒስት ዝኽደንዎ ፍሉይ ክዳንን ቡት ጫማን ተኸዲኑ ኣብ ኢዱ ድማ ጓንቲ ወድዩ ነበረ። ኣብ ኢዱ ሒዝዎ ዝነበረ ዘንጊ ከኣ ከም ወርቂ የንጸባርቕ ነበረ። ኩላትና ከኣ በኣከዳድንኡን ኣሳጉምኡን ነቲ ከባቢ ክቆጻጸር ዝመጸ ላዕለዋይ በዓል ስልጣንን መራሕን ክኸውን ኣለዎ ኢልና ደምደምና። ስለዚ ድማ መኪናና ደዉ ኣቢልና ብምውራድ ከም ወግዒ ናይ ኮሚኒስት ጌርና ሰላምታ ሃብናዮ።

ንሱ ድማ ካብቲ ደው ዝበሎ ከይተንቀሳቐሰ "ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን" በለና። ድምጹ ዓብን ከም ድምጺ ብዙሓት ሰባትን እዩ። ኩላትና ተሰናቢድና ሰላም በልናዮ። ካብ ዓይኑ ዝወጽእ ናይ ብርሃን ጨረር ነቲ ናይ ውሽጢ ኣካልና ሓሊፉ ዝርኢ ሓይሊ ዘለዎ ይመስል። ናባይ ገጹ ክቐርብ ከሎ ኣነ ድማ ናብ ድሕሪት ገጸይ እንዳ ኣድሓርሓርኩ "ንስኻ መን ኢኻ? ናይ ኣይናይ ዞባ መራሒ ሰልፊ ወይ ተወካሊ ኢኻ?" ብምባል ስንባደ ብዝመልኦ ቃል ሓተትክዎ።

ንሱ ድማ በተን ሃልሃልታ ሓዊ ዘመንጭዋ ዝመስላ ኣዒንቱ ትኩር ኢሉ እንዳጠመተኒ "ኣነ ናይ ዋላ ሓደ ሰልፊ ኣይኮንኩን። ስመይን ኣድራሻይን ካብዛ ዓለም ኣይኮነን። ሃገረይ ኣብ ሰማያት እዩ። ዕላማይ ድማ ነቶም ዝጠፍኡ ናብ መንግስቲ ኣቦይ ምጽንባር እዩ። ንስኽን እዞም ምሳኺ ዘለውን ክትድሕኑ እደሊ ኣለኹ። ብስልጣንኪ ዝቐጥቐጥክኒ ቃንዛ። ናይ ጎነይ የዕጽምቲ መስበርቲ። ናይቲ ካብ ግንባረይን ካብ ኣካለይን ዝፈሰሰ ደም ቁስሊ ይሕመኒ ኣሎ። እንተኾነ ግና የፍቅረኪ እየ። ከድሕንኪ ድማ እደሊ ኣለኹ" በለኒ። እቲ ካብ ገጹ ዝወጽእ ዝነበረ ብርሃን። ሓይሊ ዘረብኡን ጣዕሚ ናይ ድምጹን ኣብ ልበይ ኣትዮም ፍርሃትን ፍቕርን መልኡኒ። "ንዓኻ ኣበይ ረኺበ ቀጥቂጠካ? ብዘይካ ሎሚ መዓልቲ እኳ ርእየካ ኣይፈልጥን" ኢለ መለስኩሉ።

ንሱ ድማ "ጓለይ ድሕር'ቲ ሰልፊ ኣብ ማእከል እቲ ኣደራሽ ደው ኢልኪ ክትዛረቢ ከለኺ። ነቶም ኣወዳትን ኣዋልድን ደቀይ ክትቅጥቅጥዮም ከለኺ ኣካላተይ ብደም ጨቅዩን የዕጽምተይ ተሰባቢሩን ከሎ ናብዚ ቤት ማእሰርቲ ክትልእክኒ ከለኺ ብድኹም ድምጺ "ኣንድርያና ነፍቅረኪ ኢና"  ዝብል ብኣፍ ደቀይ ኣቢልኪ ዝሰማዕክዮ ድምጺ ናተይ እዩ" በለኒ እሞ እቲ ጌርዎ ዝነበረ ቆቢዕ ምስ ኣውጽኦ ጻዕዳ ከም በረድ ዝመስል ጸጉሩ ኣብ ክልተ መንኩቡ ተበተነ። ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ካቦት ቀስ ኢሉ ምስ ኣውጽኦ ድማ ካብ ጸባ ዝምጽዕዳዉ ናይ ምድሪ ሳሙና ተኣኻኺቡ ሓጺቡ ዘጻዕደዎ ዝመስል ጻዕዳ በዓል ዘፈር ክዳን ተኸዲኑ ደው በለ። ፈጺሙ ተለወጠ። "ስመይ የሱስ እዩ" ኢሉና ድማ ብቅጽበት ተሰወረና። እቲ ኣብቲ በረድ ወዲቑ ዝነበረ ካቦቱ እኳ ተሰወረና። ኩላትና በቲ ዝረኣናዮ ነገር ተሰናቢድና ቀጥቀጥ እንዳበልና መኪናና ኣልዒልና ናብ ሞስኮ በረርና። በቲ ቁርን ዛሕልን ዝመልኦ ናይ በረድ ቦታ ፍርሃት። ስንባደን ምግራምን ተደማሚሩና መኪናና ከም ንፋስ እንዳ ኣብረርና ናብ ሞስኮ ኣተና። ብኸምቲ ዕይነት ፍጥነት እንዳጎየና ገለ ሓደጋ ከየጋጠመና ብሰላም ናብ ሞስኮ ምእታውን ሕጂ ተመሊሰ ክሓስቦ ከለኹ ይገርመኒ።

ናብ ከተማ ሞስኮ ምስ በጻሕና ናብቲ ዝድቅሰሉ ዝነበርኩ ሆስፒታል ከይደ ደሓን ከምዝኾንኩን ናብ ገዛይ ክኸይድ ስለዝደሊ ከፍቅደለይ ነቲ ሓኪመይ ምስ ሓተትክዎ ብዘይ ገለ ጸገም እኳ እንተፍቀደለይ "እንተኾነ ግና ጸጥታን ዕረፍትን እንተኽኢልኪ ድማ ኣእምሮኺ ናብ ዝፈቐዶ ቦታ ብምኻድ ክትዘናግዒ ኣለኪ" ኢሉ መኸረኒ። በቲ ዝሃበኒ ምኽሪ ከምዝሰማማዕ ርእሰይ ብምንቕናቕ ድሕሪ ምግላጸይ ድማ ናብ ገዛይ ከድኩ። ናብ ገዛይ ድማ ከባቢ ሰዓት 4 ድ.ቀ በጻሕኩ። ፒጃማይ ቀይረ ገና ኣብቲ ዓራተይ ጎቦ ምስ ኮንኩ ውሽጠይ ብገለ ነገር ተመሊኡ ገጸይ ብንብዓት ተሓጸበ። ከይተፈለጠኒ ፊቕ ኢለ በኸኹ። እንታይ ከምዘብክየኒ ዘሎ ክርድኣኒ ኣይከኣለን። ግን ከኣ ብዘይምቁራጽ እበኪ ነበርኩ። ንገዛእ ርእሰይ ባዕለይ ከጸናንዓ ፈተንኩ። እንተኾነ ግና ካብቲ ኣብ ውሽጠይ መሊኡ ዝደፍኣኒ ዝነበረ ሓይሊ ዝተለዓለ ንብዓተይ ምቁጽጻር ሰኣንኩ። ናይ ድሕሪ ቀትሪ ውዕሎይ ብኸምዚ መልክዕ ኣሕለፍክዎ። ከባቢ ሰዓት 9 ናይ ምሸት ቅሩብ ምስ ተረጋጋእኩ ካብቲ ዝደቅስክዎ ተንሲአ እቲ ካብ ምዕጉርተይ ሓሊፉ ክሳብ ጉንዲ እዝነይ ዝፈሰሰ ንብዓተይ ደራሪዘ ኮፍ ድሕሪ ምባለይ ብሓሳበይ ሓደ ንገር ተረኣየኒ። እቲ ቀትሪ ዝረኣኽዎ ናይ ኮሚኒስት መራሒ ዝመሰለኒ። ኣብቲ በረኻ ንበይኑ ዝነበረ ንቑሩብ ደቓይቕ ምስ ረኣኽዎ ብቕጽበት ዝተሰወረኒ። ከይጸገብክዎን ከይዳህሰስክዎን ነቲ ዝጀመረለይ ዘረባ ከይወደኣለይ ዝተፈለየኒ። እቲ ከም በርቅን ነጎዳን ዝመስል ባህ ዘብል ድምጹ ከይጸገብክዎ ዝተፈለየኒ። ሰብ ዝመስል ምልኩዕ በዓል ግርማ "ስመይ የሱስ እዩ" ዝበለኒ ሰብ ኣብ ሓሳበይ መጸኒ። ምስጢር ናይቲ ፊቕ ኢለ ዝበኸኽዎ ድማ ሕጂ ተረደኣኒ። እቲ ጉዳይ ምስ ተረደኣኒ ድማ ሓደ ግዜ ክርትም ኢለ ንበይነይ ሰሓቕኩ። ሕጂ እዚ ንሰብ እንተነገርክዎም መን ክኣምነኒ ይኽእል? እንታይ ተባሂሉኸ ክግለጽ ይከኣል? እሞ ኸኣ ከምዚ ኸማይ ዝኣመሰለት ተራር ልቢ። ዓመጸኛን ጨካንን ሰብ "ሓደ ርእይ ኣቢለዮ ዝተሰወረንን ኣድራሽኡ ድማ ዘይሃበንን ሰብ ናፊቐ" እንተበልኩ መን ይኣምነኒ? በልኩ። "ከምዚ ዝገብረኒ ዘሎ ፍቕሪ'ዩ ማለት'ዩ" ብምባል ድማ ደጊመ ሰሓቕኩ።

ኣብ ከምዚ ኩነት ከለኹ ማዕጾ ናይ መደቀሲ ክፍለይ ተዃሕኵሑ ዓርከይ ኣሌክሳንደር ሶሎዜኒቲስያ ናይ ሓይሊ ኣየር ክዳኑ ተኸዲኑ ኣተወ። ሎሚ ከኣ ካብ ዝኾነ መዓልቲ ንላዕሊ ኣዝዩ ምልኩዕን ዝተፈለየ ሰብ ኮይኑን ኣሎ። እንተኾነ ግና ምስቲ ኣብ ከባቢ ሳይቬርያ ዝረኣኽዎ ሰብ ኣይወዳደርን እዩ። እቲ የሱስ ዝተበሃለ ሰብ እኮ መልክዑን ኣዘራርብኡን ፍሉይ እዩ ኔሩ። ሕጹየይ ናባይ ቅርብ ኢሉ ኣእዳወይ ድሕሪ ምስዓም "ካብ ሆስፒታል ንምንታይ ወጺእኪ?" ክብል ቆቢዑ እንዳውጸአ ሓተተኒ። ኣነ ትም በልኩ። ካባይ መልሲ ምስ ሰኣነ "ንዓኺ እኳ እየ ዝሓተኪ ዘለኹ ኣንድርያና። ካልእ ግዜ ክትረኽብዮ ዘይትኽእልን ንዝኾነ ሰብ ድማ ከጋጥሞ ዘይክእል ዕድል እኳ እዩ ተዋሂቡኪ ኔሩ። ዶ/ር ቪላድሚር ብኸምዚ ብቐሊሉ ዝርከብ ሓኪም ኣይነበረን። ዕድልኪ ባዕልኺ ከምዘበላሸኺ ክትፈልጢ ኣለኪ። ብጣዕሚ እየ ዝሓዝን" በለኒ። ኣነ ግና ነቲ ዝዛረበኒ ዝነበረ ዕሽሽ ብምባል ብዛዕባ ጽባቐ እቲ ዝረኣኽዎ ሰብን ብዛዕባ ኣቋውምኡን። ብዛዕባ መልክዑ። ብዛዕባ ቁመቱ። ቆቢዑ ምስ ኣውጸአ ዝንፍል ኢሉ ኣብ ክልተ መንኩቡ ብስነ-ስርዓት ዝወረደ ጻዕዳ ጸጉሩ። ኣብ ክልተ ምዕጉርቱ ልጥፍ ዝበለን ካብ ማእከል የዒንቱ ዝወጽእ ዝነበረን ናይ ብርሃን ነጸብራቕን ኮታስ ብዛዕባ መልክዕ እቲ ንልብኻ ሰሊቡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝገብር ምልኩዕ ሰብ ክትርኸሉ ጀመርኩ።

እቲ ዝነግሮ ዝነበርኩ ምእማኑ ስኢኑ ኣዒንቱ ፈጢጠን ይጥምታኒ ነበራ። ንኽዛረብ ዕድል ከይሃብክዎ ውሽጠይ ብእኡ ከምዝተማረኸን ሕጂ ድማ ንዕኡ ጥራይ ከምዝናፍቕ ዘለኹ ምስ ገለጽኩሉ ዓርከይ (ሕጹየይ) ድማ ንዕኡ ገዲፈ ምስ ካልእ ወዲ ዝጀመርኩ መሲልዎ ተደፊረን ተመንጢለን ብዝብል ስምዒት ብሕርቃን ካብቲ ኮፍ ኢሉሉ ዝነበረ ብምትንሳእ "ስሙ መን ይበሃል?" ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ ረኺቡ ሒዙ ዘምጽኣለይ መሲሉኒ ካብ ኣፉ ቁልብ ኣቢለ "የሱስ" በልክዎ። ንሱ ድማ ነቲ ዝነገርክዎ ስም ኣብቲ ኖት-ቡክ ድሕሪ ምምዝጋብ ብሕርቃን ካብቲ ክፍሊ ወጺኡ ከደ። ምስ ዓርከይ ካብ ንፋለጥ ሸውዓተ ዓመታት ጌርና ኔርና እሞ ክርእዮ ከለኹ ኩነታቱ ኣደንገጸኒ። ንኽልቴና ዘይፈልጥ ሰብ ኣይነበረን። ኣብዘን ዓመታት ፈጺምና ተነሃሂርና ወይ ተባኢስና ኣይንፈልጥን ኔርና እኳ እንተዘይበልኩ ካብ ክልቴና ሓሊፉ ሰብ ዝሰምዖ ባእሲ ግና ኣይነበረናን።

እዚ ሎሚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ግና ብቐሊሉ እንሰግሮ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ካብ መደቀሲ ክፍለይ ምስ ወጸ ናብ ቤ/ጽ ኮሚኒስት ብምኻድ ዝርዝር ኣስማት ዝሓዘ ሊስታ ሓተተ። ናይቲ ሰልፊ ናይ ዞባ ሓለፍቲ። ኣወሃሃድትን ተሓጋገዝትን ስም ሓደ ብሓደ ኣብ ኮምፒዩተር ክደሊ ጀመረ። የሱስ ዝስሙ ናይ ኮሚኒስት መራሒ ግና ኣይተረኸበን። በዚ ዘይቀሰነ ሕጹየይ ናይቶም ኣብ ሞስኮን ከባቢኣን ዘለዉ ዝርዝር ኣስማት ገናጸለ። ናብ ሳይቬርያ ብምኻድውን "ኣብዚ ሰሙን ናብዚ ከባቢ ዝመጸ ሓድሽ ሓላፊ ኣሎ ድዩ? ንምዃኑ ኣብዚ ከባቢ ብደረጃ ሓላፊ ዝተመደብኩም ክንደይ ብጾት ኣለኹም?" እንዳበለ ኣጓጠጠሎም። ኣብ ሞስኮ። ኮሚኒዝምን ሩስያን ካብ ሓደጋ ንምሕላው ተባሂሉ ኣዝዮም ብዙሓት ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ኔሮም። እቲ ሓደ ድማ ነቲ ሓደ ኣይኣምኖን እዩ። ሓደሓደ ግዜ ሰብኣይን ሰበይትን እኳ ስለዘይተኣማመኑ ምስጢር ዝበሃል ኣየዕልሉን እዮም። ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም እንተደልዩ ናብ ቤ/ጽ ኬ.ጂ.ቢ ብቐጥታ ብምድዋል ነቲ ሓደ ከእስሮ ይኽእል። ካብዚ ዝተለዓለ ድማ ኣሌክሳንደር ንየሱስ ንምሓዝ ዘድልዮ ኩሉ ክሓትት ከሎ ብዘይ ገለ ጸገም ይፍጸመሉ ነበረ። ስለዚ ድማ ብኮምፕዩተር ይኹን ብፋክስ ኣብ ዞባታትን ኣብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈትን እቲ ዝሓተቶ ኩሉ ተፈጺምሉ። እንተኾነ ግና የሱስ ዝበሃል ሰብ ረኺበ ወይ ከኣ "አነ የሱስ እየ" ዝብል ሰብ ከቶ ኣይተረኸበን። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ራብዓይ ወርሒ ሓንቲ ናይ ፋክስ መልእኽቲ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ድሕነት መጸት። እቲ ኣብቲ ፋክስ ዝነበረ መልእኽቲ ድማ ነቲ ቤት ጽሕፈት ብሕርቃን ከምዝናወጽ ገበሮ። ኣሌክስ ሕጹየይ ድማ መልሲ ናይ ሕቶኻ ተረኺቡ ተባሂሉ ተጸወዐ። ነቲ ተረኺቡ ዝበሃል ዘሎ ሰብ ሒዙ ከም ዝምርምሮን ከም ዝቕጥቅጦን እንዳፈከረ ድማ ነቲ ወረቐት ከንብብ ጀመረ እሞ ብስንባደ ኣብቲ ዘለዎ ተዓኒዱ ተረፈ። እቲ መልእኽቲ ከምዚ ይብል።-