26
Fri, Apr
0 New Articles

ስለ እምነቱ ብሰማእትነት ዝሓለፈ ወተሃደር ሩስያ

Imapct of Gospel
Typography

ቐዳማይ ክፋል! ኢቫን ቫሲሊየቪች ሞይሲየቭ (ብሕጽር ዝበለ ኣጸዋውዓ ወይ ሳጓ ድማ ቫንያ) ብ1952፣ ቮሎንቲሮቭካ ኣብ ዝተበሃለት ሓንቲ ቁሸት ናይ ግዝኣት ሞልዳቪያ (ኣብቲ እዋንቲ ኣካል ሕብረት ሶቭየት ዝነበረት) ካብ ኣመንቲ ስድራቤት ተወሊዱ። ኣብ ሕዳር 1970 ድማ ከም ኩሉ ዜጋ ሕብረት ሶቭየት፣ ናይ ክልተ ዓመት ሃገራዊ ኣገልግሎቱ ንምፍጻም ናብ ሰራዊት ሕብረት ሶቭየት ተጸንቢሩ። ካብታ ናብ ሰራዊት ዝተጸንበረላ ሰዓት ጀሚሩ ድማ ብሰንኪ እምነቱ ካብ ዝተፈላለዩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ናይ ፖለቲካ መምሃራንን ከቢድ ዝኾነ ስደት ከጋጥሞ ጀመረ።  

ቫንያ እምነቱ ንክሓድግ ብዝተፈላለዩ መስገድላትን ብኸቢድ ጸበባን እኳ እንተሓለፈ ንሱ ግና ኣብ እምነቱ ጸንዐ። ኣብ መወዳእታ ድማ ሓምለ 16/1972 ገና ወዲ ዕስራ ዓመት መንእሰይ ከሎ፣ እምነቱ ብሓይሊ ንከኽሕድዎ ክቕጥቅጥዎ ከለዉ ብሰንኪ ዝወረዶ ከቢድ ማህሰይቲ፣ ክሳብ ሞት እሙን ብምዃን ናይ ህይወት መስዋእቲ ከፊሉ ካብዛ ዓለም ሓሊፉ። ድሕሪ ሞቱ፣ መንግስቲ ሕብረት ሶቭየት “ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ሞይቱ” ዝብል መግለጺ እኳ እንተሃበ፣ ሬሳኡ ብክኢላታት ኣብ ዝተመርመረሉ ግዜ ግና ኣብ ከባቢ ልቡ ሽዱሽተ ግዜ ብስሕለት ተወጊኡ፣ ርእሱ ኣብ ክልተ ቦታ ተፈጊኡ፣ ኣእጋሩን ሕቖኡን ብኸቢድ ተቐጥቂጡ፣ ኣብ ኣፍልቡ ድማ ብሓዊ ነዲዱ ተረኽበ። ስለዚ ድማ፣ ሞት ቫንያ ኮነ ኢልካ ብዝተገብረ ጎነጽ ዝስዓበ እምበር ኣብ ባሕሪ ብምጥሓሉ ዝሰዐበ ከም ዘይነበረ እቶም ሬስኡ ዝመርመሩ ክኢላታት ከይተረፉ ብግልጺ ሓበሩ። እዚ ዝስዕብ ምስክርነት እምበኣር፣ ቫንያ ቅድሚ ሙማቱ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣቢሉ ኣብ ግንቦት 02-12/1972 ብዕረፍቲ ናብ ዓዱ መጺኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብታ ኣብ ዓዱ እትርከብ ንእሽቶ ናይ ባፕቲስት ቤተክርስትያን ኣብ ማእከል ጉባኤ ዝሃቦ ናይ ምስክርነት ቃል ኮይኑ፣ ዤሉዋክ ብዝተበሃለ ሓደ ሓው ኣብ ቴፕ ተሰኒዱ ዝጸነሐ እዩ።    

ኣብ ኣሃዱአይ ምስ በጻሕኩ፣ ዝጽልየሉ ቦታ ከናዲ ጀመርኩ። ክሳብ ሰዓት ዓሰርተ ቅ.ቀ. ነጻ ዝኾነት ሓንቲ ክፍሊ ከም ዘላ ድማ ኣስተውዓልኩ።  ኣብ ግዜ ቀትሪ ሓደ መኮንን ኣብኣ ይሰርሕ እኳ እንተነበረ ንሱ ክሳዕ ዝመጽእ ግና፣ ኣብ ሰዓታት ንግሆ ነታ ክፍሊ ዝጥቀመላ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን።ፊስካ ናይ ወተሃደራት ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንግሆ እያ ትንፋሕ። ስለዚ ኣነ ክዳውንተይ ተኸዲነ ክሳዕ ግዜ ቁርሲ ዝኣክል ንኽጽሊ ናብታ ክፍሊ ከድኩ። እቶም ወተሃደራት ኣካላቶም ድሕሪ ምውስዋስ፣ ኣብ ወተሃደራዊ ሰልፊ ተሳተፉ። ኣነ ግና ንኽልተ ሰዓታት ጸሌኹ። ኣብ ገለ እዋናት ክጽሊ ከለኹ ሰዓተይ ስለዘይርኢ ናብ ቁርሲ ደንጕየ ዝምጻእኩሉ ግዜ’ውን ኔሩ።ብኸምዚ ድማ ክልተ ኣዋርሕ ሓለፋ። ብድሕርዚ ግና ንጎይታይ ዘለኒ እሙንነት ዝፍትን ነገረ ኣጋጠመኒ። እግዚኣብሄር ከኣ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ኣርኣየኒ። ኣብ ወጋሕታ፣ ሰዓት ሓሙሽተ ተንሲአ ክሳዕ ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ ጸሌኹ። ሰዓት ትሽዓተ ምስ ኮነ፣ ናብቲ ወተሃደራዊ ሰልፊ ንኽጽነበር ብታህዋኽ ከድኩ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ኩላቶም ደልዮም ስኢኖምኒስ ክጽበዩኒ ጸንሑኒ። ጸብጻብ ምኽንያት መደንጎይአይ ከኣ ነቲ ተረኛ መኮንን ከም ዝህብ ተገብረ። ንሱ፣ ኣነ ኣማኒ ከም ዝኾንኩ ድሮ ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ነበረ። እቲ ሜጀር ናብቲ ወተሃደራዊ ሰልፊ ንኽጽንበር ኣዘዘኒ እሞ፣ ክቕጻዕ ምዃነይ ድማ ሓበረኒ። ክልቴና ከኣ ዘረባና ኣብቲ ሜዳ ቀጸልናዮ። 

እቶም ወተሃደራት፣ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይወስዱ እኳ እንተነበሩ ኣነ ግና ምስቲ መኮነን ብዛዕባ ካልእ ጉዳይ እዛረብ ነበርኩ። ንሱ እምነትይ ንኽሓድግ እዩ ደልዩኒ። ናብተን ባራካታትና (ገዛውቲ ናይ ወተሃደራት) ምስ ተመለስና ናብቲ ተረኛ መኮነን ወሰዱኒ እሞ ኣብኡ ብዙሓት መኮንናት ኮይኖም ተዛረቡኒ። ኣብ መወዳእታ ድማ መቕጻዕቲ ወሰኑለይ። መቕጻዕተይ ከኣ ምሉእ ለይቲ ክሰርሕ ነበረ። ስርሐይ፣ ብሓጎስ እናዘመርኩን እናጸሌኹን ተታሓሓዝክዎ። እቶም ወተሃደራት፣ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወስዱ ከለዉ ንዓይ ግና ምድሪ-ቤት ናይተን ባራካታት ከም ዝሓጽብ ገበሩኒ። እተን ባራካታት ሰፋሕቲ እየን። ብሳምናን ስኮፓን ጌረ ድማ ሓጸብክወን። ንዝኣዘዙኒ ኩሉ ብዘይተቓውሞ፣ ብሓጎስ ተቐበልክዎ። እቶም መኮንናት ድማ ነዚ ኣስተውዓሉሉ። ስለዚ፣ ልክዕ ክሓጽብ ምስ ጀመርኩ ሓደ ድሕሪ ሓደ ክጽውዑኒ ጀመሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ናብቲ ዝለዓለ ኣዛዚ፣ ማለት ኣዛዚ ክፍለ-ሰራዊት ተጸዊዐ ከድኩ። ኣብኡ ድማ ምክትል ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ረኸበኒ እሞ ንሰለስተ ሰዓታት ዝኽውን ተዘራረብና። ኣብቲ መጀመርታ ዓው ኢሉ ክጭድር እኳ እንተጀመረ ጸኒሑ ግና ኣቋረጾ።

ገለ ቁሩብ ቃላት ክዛረብዶ መፍቀድካለይ?” ክብል ሓተትክዎ። ንሱ ድማ ድሮ ሓሳበይ ቀይረ ዘለኹን ዝተቐበልክዎን መሲልዎ ኣፍቀደለይ። ኣነ ከኣ “ንኸንቱ ኢኻ እትጭድር ዘለኻ፣ ብምጭዳርካ ገለ እኳ ክተሰንብደኒ ኣይትኽእልን ኢኻ።” በልክዎ። ብድሕሪዚ ክልተ መንበር ብምምጻእ ኮፍ ንኽብል ዓደመኒ። ከምቲ ናይ መጀመርያ እናጨደረ ምዝራብ’ውን ገደፎ። ኣብ መወዳእታ ድማ ዋላ ሓንቲ ዝግበር ከም ዘየለ ስለ ዝኣመነ ገዲፉነ ከደ።ብድሕርዚ ናብ ካልእ ኣሃዱ ተቐየርኩ። ኣብኡ ድማ ሓደ ኮሎኔል ንምሉእ መዓልቲ ተዛረበኒ። ድሕሪ ዕስራ መዓልቲ ከኣ 500 ኪ/ሜ ናይ ትምህርቲ ምምራሕ መኪና ርሕቀት ስለዝሸፈና፣ ማለት ምምራሕ መኪና ስለዝመሃሩና ናብ ከተማ ከርች ሰደዱና። 

ኣብኡ ድማ ክፍትኑኒ ጀመሩ። ኣብታ ናይ መጀመርታ ፈተና፣ ንሓሙሽተ መዓልታት ዋላ ሓንቲ ዝብላዕ ኣይሃቡንን። “ሓሚምካዶ ትፈልጥ?” ክብሉ ሓተቱኒ። ኣነ ከኣ “ኣይፋሉን፣ ውሽጢ ናይ ሆስፒታል እንታይ ከም ዝመስል እኳ ርእየዮ ኣይፈልጥን” ክብል መለስኩሎም። ኣብተን ሓሙሽተ መዓልታት ምናልባት ክሓምም እዩ ኢሎም ተጸብዮምኒ ኔሮም ይኾኑ፣ ኣነ ግና ኣይሓመምኩን። እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ብዘይ ገለ ጸገም ሓለፈት፣ እተን ዝተረፋ መዓልታት’ውን ከምኡ። ክብሪ ንኣምላኽ ይኹን!! ስለዝጸሌኹ ኣይሓመምኩን። ናይ ራጂ መርመራ ገብሩለይ፣ ሕማም ዝበሃል ከኣ ኣይተረኽበንን። ስለዚ ነጻ ገደፉኒ። እቶም መኮንናት ብዛዕባዚ ምስ ፈለጡ “መግቢ ይብላዕ ንግደፎ፣ እንተዘይኮይኑ ግና፣ ብጥሜት ምስ ዝመውት፣ ኣብ ዓይኒ ጥርጣረ ክንእቱ ኢና” በሉ። ኣብተን ሓሙሽተ መዓልታት፣ ኣብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ይኹን፣ ኣብቲ ናይ ምረሻ ደርፊ (ክምርሹ ከለዉ ዝደርፍዎ ደርፊ) ኣይተሳተፍኩን።ብድሕርዚ ብኻልእ ኣገባብ ፈተኑኒ። ግዜ ሓጋይ፣ ማለት እቲ ቆራሪ ወቕቲ ድሮ ኣትዩ ነበረ። ኣብ ደገ በረድ ኮይኑ፣ እቲ ዛሕሊ ድማ -30 ዲግሪ ሰንትግረይድ ትሕቲ ዜሮ ነበረ። እቶም ወተሃደራት ኣብተን ባራካታት እዮም ዝድቅሱ ኔሮም። ንዓይ ግና ናብ ደገ ኣውጺኦም ናይ ግዜ ክረምቲ (ናይ ግዜ ሙቐት) ወተሃደራዊ ክዳውንተይ ማለት ሓንቲ ጃኬት፣ ስረ፣ ቡት ጫማን ቆቢዕን ጥራይ ተኸዲነ በቲ ቀዝሒ ንሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ ደገ ንክኸውን ኣዘዙኒ። ኣብ ደገ ኣብቲ ጎደና ጥራይ ይጽናሕ እምበር እተን ሓሙሽተ ሰዓታት ብኸመይ የሕልፈን ንዕኦም ብዙሕ ዘገድስ ኣይነበረን። ኣነ ግና እቲ ግዜ ይሕጸር ይንዋሕ ብዘየገድስ እጽሊ ነበርኩ። ብድሕርዚ ጸዊዖም “ሕጂኸ ሓሲብካሉዶ?” ክብሉ ሓትቱኒ። ኣብ እምቢታይ ጸኒዐ ከም ዘለኹ ምስ ረኣዩ ድማ እቲ መቕጻዕቲ ቀጸልዎ። እቶም መኮንናት ወጺኦም ኣብቲ ጎደና ካብ ዓሰርተ ክሳብ ዕስራ ደቓይቕ ደው ክብሉ ከለው ካብቲ ቀዝሒ ዝተላዕለ የንፈጥፍጡ ነበሩ። ኣነ ግና እቲ ቁሪ ይስምዓኒ ኣይነበረን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ቀዝሒ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይኮንኩ ምስ ረኣዩ ድማ ገረሞም። ኣብ ገለ እዋናት፣ ንምሉእ ለይቲ ኣብቲ ደገ ወጺአ ይሓድር ኔረ ጥራይ ዘይኮነስ ንተኸታተልቲ ለይትታት’ውን ከምኡ ኢለ ይሓድር ነበርኩ። እዚ ፈተና ንኽልተ ሰሙን ቀጸለ። 

 

ኣብ በረድ ድሕሪ ምፍታነይ፣ በታ ቀዳመይቲ ለይቲ፣ ምስቶም ወተሃደራት ኣብቲ ባራካ ንኽድቅስ ምስ ኣፍቀዱለይ፣ ሰዓት ዓሰርተ ናይ ምሸት ክዳውንተይ ኣወጻጺአ ደቀስኩ። ኣነ ድሮ ደቂሰ ነበርኩ እቶም ወትሃደራት’ውን ከምኡ። ሃንደበት፣ መልኣኽ ተረኣየኒ እሞ “ቫንያ፣ ተንስእ!” በለኒ። ሕልሚ ዝርኢ ዘለኹ መሰለኒ። ከመይ ኢለ ክዳውንተይ ከም ዝተኸደንኩ እኳ እንተዘይተረድኣኒ ካብ ድቃሰይ ተንሳእኩ። ብድሕርዚ ምስኡ ንላዕሊ ገጸይ በረርኩ። ብማዕጾ ወይ ብመስኮት ዘይኮነስ ናሕሲ ናይቲ ባራካ ኣብ ቅድሜና ተኸፍተልና እሞ ብኡ በሪርና ናብ ካልእ ፕላኔት ከድና። እቲ መልኣኽ “ኣብዛ ፕላኔት፣ ነገራት ከመይ ከም ዝኾኑ ዋላ ሓንቲ ኣፍልጦ ስለዘይብልካ ደድሕረይ ሰዓበኒ” በለኒ። ኣነ ድማ ሕራይ ብምባል ሰዓብክዎ። ብልዕሊ ሓደ ብሳዕሪ ዝተሸፈነ ሰፊሕ ቦታ ጌርና ናብ ሓደ ዛራ በጻሕና። እቲ መልኣኽ ነቲ ዛራ ተሳገሮ፣ ኣነ ግና ፈሪሀ ደው በልኩ። “እንታይ ኬንካ ትፈርህ?" ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ “ኣትማን” ክብል መለስክሉ። “ኣይትፍራህ፣ ምሳይ ኢኻ ዘለኻ። ኣብዚ ከምቲ ናይ ምድሪ ኣይኮነን። ኣብዚ ኣትማን ዝበሃሉ የለዉን” በለኒ። ደድሕሪኡ ድማ ተሳገርኩ። ኣብኡ ንሃዋርያ ዮሃንስ ኣርኣየኒ። ንሱ ናባይ በሪሩ ድሕሪ ምምጻእ፣ በቲ መልኣኽ ጌሩ ህይወት ኣብዛ ፕላኔት ከመይ ከም ዝኾነ ነገረኒ። ኣብዛ ፕላኔት፣ ዋላ’ኳ ጸሓይ እንተዘይርኤኹ፣ ካብቲ ምድሪ ብግዜ መዓልቲ እትበርሆ ንላዕሊ ግና በሪሃ ነበረት። ድሕሪ ዮሃንስ፣ እቲ መልኣኽ ንነብዩ ዳዊት ኣርኣየኒ። ብድሕሪ ዳዊት ንሙሴ፣ ድሕሪ ሙሴ ድማ ንነብዩ ዳንኤል። ኣነ ምስኦም ኣይተዘራረብኩን። እቲ መልኣኽ ምስኦም ይዛረብ እሞ እቲ ዝብልዎ ድማ ንዓይ ይነግረኒ ነበረ። 

ንነዊሕ ምስ ተጓዓዝና፣ እቲ መልኣኽ “ነዊሕ መንገዲ ስለዝተጓዓዝና ደኺምካ ኣለኻ” ብምባል ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ዓባይ ገረብ ኮፍ ኢልና የዕረፍና። “እታ ሰመያዊት ከተማ፣ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፣ ከርእየካ ምፈተኹ ኔረ። እንተኾነ ግና ብርግጽ ከምታ ዘላታ እንተርኢኻያ ብህይወት ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣብ ምድሪ ገና ብዙሕ ዕዮ ተሪፉካ ኣሎ። ስለዚ ናብ ካልእ ፕላኔት ክንበርር ኢና እሞ ኣብኡ ከኣ ብርሃን ናይዛ ከተማ ጥራይ ከርእየካ እየ። እዚ ከኣ ብህይወት ከለኻ ሓዳስ የሩሳሌም ከም ዘላ ምእንቲ ክትፈልጥ እዩ” በለኒ። ናብታ ካልእ ፕላኔት ከኣ በረርና። በረኽቲ ኣኽራናት ርኤኹ። ኣብ መንጎ እቲ ኣኽራናት ድማ ዓሚቕ ስንጭሮ ነበረ። እቲ መልኣኽ ናብዚ ስንጭሮ ኣወረደኒ እሞ “ናብ ላዕሊ ገጽካ ጠምት እሞ እቲ ብርሃን ክትርኦዮ ኢኻ” በለኒ። ምስ ጠመትኩ ከኣ፣ ካብ ናይ ጸሓይ ብርሃን ይኹን ካብ ናይ ኤለትሪክ መልሓሚ (ሳልዳትርሺ) ዝወጽእ ብርሃን ኣዝዩ ዝደምቕ ብርሃን ርኤኹ። ብርግጽ ኣዒንተይ ክዓውራ እየን ኢለ እኳ እንተሓሰብኩ እቲ መልኣኽ ግና “ረአ ኣጆኻ፣ ዋላ ሕንቲ ኣይክትከውንን ኢኻ” ስለዝበለኒ ርኤኹ። ብድሕርዚ እቲ መልኣኽ “ናብ መድሪ እትምለሰሉ ግዜ ኣኺሉ” በለኒ እሞ በሪርና ተመለስና። ናሕሲ ናይቲ ባራካ ተመቒሉ ኣብቲ ምድሪቤት ክንዓልብ ከለና ይዝከረኒ። እቲ መልኣኻ ብሓደ ሸነኽ ናይቲ ዓራት ደው በለ፣ ኣነ ድማ በቲ ሓደ ሸነኽ ናይቲ ዓራት። ኣብዚኣ ቅጽበት፣ “ውጻእ ተሰራዕ” ዝብል ድምጺ ናይቲ ተረኛ መኮነን ተሰምዐ። እቲ መብራህትታት’ውን በርሀ፣ ኣብዚኣ ቅጽበት ድማ እቲ መልኣኽ ተሰወረኒ። ናብ ዓራተይ ጠመትኩ፣ ተነጺፉ ነበረ። ናብ ገዛእ ርእሰይ ድማ ረኤኹ፣ ክዳውንተይ ተኸዲነ ነበርኩ። እቲ መልኣኽ ዘርኣየኒ ኩሉ ድማ ኣጸቢቐ እዝክሮ ነበርኩ። 

እቲ ካብ ኦሎኔሽታ እትበሃል ዓዲ፣ ኣብ ግዝኣት ሱቮሮቭስክይ ናይ ሞልዳቪያ ዝመጸ ጎረቤተይ ተንሲኡ “ለይቲ ኣበይ ኔርካ?” ክብል ሓተተኒ። ኣነ ድማ “ንስኻ ክትድቕስ ከለኻ፣ ኣነውን ክዳውንተይ ኣውጺአ ከም ዝደቀስኩዶ ኣይትዝክሮን ኢኻ” ክብል መለስክሉ። “ብርግጽ ምሳይ ኣብ ሓንቲ ሰዓት ከም ዝደቀስካ እፈልጥ እየ። እንተኾነ ግና ድሕሪ ሰዓት ሰልስተ ናይ ወጋሕታ ናብ ገለ ተሰዊርካ። መሊቕካ ናብ ከተማ ኬድካ ኔርካ ዲኻ?” በለኒ። ኣነ ድማ “እስከ ንዓናይ ነቲ ተረኛ መኮንን ንሕተቶ” በልክዎ። እቲ ተረኛ መኮንን ከኣ “ለይቲ ዝወጸ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ኣነ ኣብቲ ማዕጾ እየ ደው ኢለ ኔረ” ክብል መለሰልና። ብድሕርዚ፣ ነቲ ጎረቤተይ ብዛዕባቲ ምስቲ መልኣኽ ዝገበርናዮ በረራ እንተነገርክዎ’ኳ ንሱ ግና ኣይኣመነንን። ንኽልተ መዓልታት ዝኸውን ኣብ ፍሉይ ስምዒት ስለዝነበርኩ፣ ብርግጽ ኣብ ምድሪ ድየ ዝነብር ኔረ ዋላስ ኣይነበርኩን፣ ኣይርድኣንን ነበረ። ምስ መኪናይ ብግቡእ እሰርሕ ነበርኩ። ብዛዕባቲ ኣብ ከባቢአይ ዝፍጸም ኩሉ ነገራትውን ንቑሕ ነበርኩ። እንተኾነ ግና ኣብ ምድሪ ምህላወይ ኣይኣምንን ነበርኩ። ምስ መልኣኽ ናብ መንግስተ ሰማያት ብዛዕባ ናይ ምብጽሐይ ወረ ከኣ ኣብ ምሉእ ኣሃዱ ተዘርግሐ። እቶም ወተሃደራውያን መኮንናት ከኣ ቀልጢፎም ክተሓሓዙኒ ጀመሩ። ኣብ መዓልቲ ካብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ክሳብ ዕስራ ግዜ ዝኸውን ናብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ጽሕፈታት ጸውዑኒ። ኣነ ግና ብርግጽ ኣምላኽ ምሳይ ስለዝነበረ ዓወት ይስመዓኒ ነበረ። 

 ጉዳየይ ኣብ ወተሃደራዊ ኣሃዱ ከተማ ከርች ምስ ተጻፈፈ፣ ኣብ ጥሪ 1971፣ ኣብ ውሽጢ ባቡር ኣብ ሓንቲ ፍልይቲ ናይ እሱራት ክፍሊ (ባጎኒ) ጽዒኖም ናብ ስቨርድሎቭስክ ሰደዱኒ። ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ፣ ኣብ ፍልይቲ ካሜራ ቁ.1 ኣእተውኒ። ካብኡ ድማ ብፍሉይ ንኸሳቕዩኒ ናብ ሓሙሽተ ፍሉያት ክፍልታት ኣሰጋገሩኒ። 

እታ ቀዳመይቲ ክፍሊ፣ ንእዲ መሳሊ መደቀሲ ኔርዋ።

እታ ካልኣይቲ ክፍሊ፣ ጸባብ ኮይና፣ ኣብኣ ደው ክብልን ኣብ ኮፍ መበሊ ድማ ኮፍ ክብልን እኽእል ንበርኩ።

እታ ሳልሰይቲ ክፍሊ፣ ብላዕሊ (ብናሕሲ) ብዘይምቁራጽ ዝሑል ማይ ተንጥብ ኮይና፣ ኣብኣ’ውን ደው ክብል እኽእል ነበርኩ።

እታ ራብዓይቲ ክፍሊ፣ ኣዝያ ቆራሪት ናይ መዝሓሊት ክፍሊ ኮይና፣ እቲ መዝሓሊ ዝኾነ መንደቓ ድማ ክሳብ መወዳእታ ዓቐኑ ዝሒሉ ነበረ።

እታ ሓምሸይቲ ክፍሊ፣ ንኣካላት ብጸቕጢ (Pressure) ዘሳቕዩላ መሳቐዪት ክፍሊ ኮይና፣ ንዓይ ኣብኡ ኣእትዮም ንኣካላተይ ብኣየር ብምውጣር ከም ዝጭበጥ ገበርዎ። በብቕሩብ ጸቕጢ ናይቲ ኣየር ብምብርታዕ ጸጸኒሖም “ጽቡቕ፣ ሕጂ እንተሓሰብካሉ ይሕሸካ። እንተዘይኮይኑ ግና ኣብዚ ንሸውዓተ ዓመታት ክትጸንሕ ኢኻ” ይብሉኒ ነበሩ። ኣነ ድማ “ፍቓድ ኣምላኽ እንተኾይኑ፣ ኣብዚ ንሸውዓተ ዓመታት ክጸንሕ እየ። እንተዘይኮይኑ ግና እዚ ስቓይ ጽባሕ ደው ክብል እዩ” በልክዎም። እዚ ኩነታት ብኸምዚ ንዓሰርተ ክልተ መዓልታት ቀጸለ። ብድሕሪኡ ናብ ከርች መለሱኒ።

 

ትርጉም ብገብረዝግኣቢሄር ብርሃነ