19
Fri, Apr
0 New Articles

ሰማእታት ካታኮምብ (6ይ ክፋል)

Imapct of Gospel
Typography

 ናይ እምነት ጽንዓት! ብርግጽ'ውን እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚኣብሄር ክነብሩ ዝደልዩ ኩሎም ክስጎጉ እዮም። እቲ መንእሰይ ሓለቓ ሰራዊት ካብ ሰፈሩ ካብ ዝፍለ ኣርባዕተ መዓልታት ሓለፋ። ኣብዚአን መዓልታት ከኣ ብዙሕ ጠቓሚ ፍልጠታት ክቐስም ከኣለ። እቶም ዝተዓዘቦም ክርስትያናት ሞቶምን ህላዌኦምን ከይፈለጡ ብጸበባ ከርተት ዝብሉ ነበሩ። እንተኾነ ግና እቲ ድኻሙ ሓደ ሰናይ ፍረ ኣፍረየሉ፣ እወ፣ ምስጢር ናይቲ ዕድሚኡ ምሉእ ክፈልጦ ሃረር ዝብሎ ዝነበረ ሓቂ ክርዳእ ከኣለ። ብመንፈስ ቅዱስ ድማ ዳግም ተወለደ።እዚ ኣብ ህይወቱ ዝተፈጸመ ለውጢ ድማ ሓደ ቆራጽ ውሳኔ ንኽውስን ኣኽኣሎ። ብሓደ ሸነኽ ዝና፤ ክብረትን ሃብትን ደጊአን ከፊተን ናቱ ምምላስ ይጸባበያ ነበራ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ ድኽነት፤ መከራን ስደትን ኣለናልካ ይብልኦ ነበራ። እንተኾነ ግና እቲ መንእሰይ ሓለቓ ሰራዊት በቶም ዝቐረቡሉ ምርጫታት ኣይተማተአን። ንግዚኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዝብሎስ "ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ መከራ ክጸግብ ሓረየ።"

ናብ ሰፈሩ ብምምጻእ ድማ ንሓለቓኡ ካብቲ ተላኢኽዎ ዝነበረ ቦታ ከምዝተመለሰ ሓበረ። ምስቶም ክርስትያናት ከምዝቐነየን እቲ ተዋሂብዎ ዘሎ ዕማም ድማ ክፍጽሞ ከምዘይክእል ብምሕባር በዚ ምኽንያት ንዝመጾ መቕጻዕቲ ክቕበል ድሉው ምዃኑ ንሓለቓኡ ሓበረ። እቲ ጀነራል ሓለቓኡ ከኣ ብቐጥታ ናብ ክፍሉ ክኸይድ ጽኑዕ ዝኾነ ትእዛዝ ሃቦ።ኣብ ክፍሉ ኣትዩ ብዛዕባ ክበጽሖ ዝኽእል ነገራት እንዳሓሰበ ከሎ ከኣ ብጻዩ ሉኩሉስ ብሃንደበት ደበኽ በለ። ሉኩሉስ ንብጻዩ ማርሴሉስ ናይ ፍቕሪ ሰላምታ ከቕርበሉ ከሎ ኣብ ገጹ ናይ ስግኣት ምልክት ይንበብ ነበረ። ከምዚ ክብል ድማ ዘረብኡ ጀመረ።"እቲ ጀነራል ጸዊዑ  ንዓኻ ሓደ መልእኽቲ ክነግረካ ኣዚዙኒ ኣሎ። ኣቐዲመ ግና እቲ ዝገበርካዮ ነገር እንታይ ምዃኑ ክፈልጥ እደሊ ኣለኹ"

ማርሴሉስ ድማ ሓንቲ ነገር ከይሓበአ ካብታ ዝኸደላ መዓልቲ ጀሚሩ ዘጋጠሞ ኩሉ ንሉኩሉስ ገለጸሉ። ኩሉ ኩነታቱ ክረአ ከሎ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልቡ ጽንዓት ከምዝሃቦ ብግልጺ ይርአ ነበረ። ከምዚ ዝስዕብ እናበለ ድማ ብዛዕባቲ ምስ ሓለቓኡ ጀነራል ዝገበሮ ዝርርብ ክገልጸሉ ጀመረ።"ናብቲ ጀነራል ክኣቱ ከለኹ ዝወሰድክዎ ስጉምቲ እንታይ መዘዝ ከምዘምጽኣለይ ይርድኣኒ እዩ። ዝገበርክዎ ኩሉ ከም ከዳዕ ከምዘቑጽረኒ እፈልጥ እየ። ንኸምዚ ዓይነት ገበን ድማ መቕጻዕቱ ሞት ጥራይ ምዃኑ ኣይሰሓትክዎን። ዝኾነ ኮይኑ ግና ኣብቲ ግዜ'ቲ ብዘይካቲ ዝገበርክዎ ካልእ ዋላ ሓንቲ ክገብር ኣይኮነለይን።

እቲ ጀነራል ዝገበረለይ ኣቐባብላ ካብ ልቢ ዝነቐለ እዩ ነይሩ። ከምዚ መግበሪኡ ድማ ካብቲ ዝተለኣኽክዎ ቦታ ቀኒዑኒ ዝተመለስኩ መሲልዎ እዩ። ኣነ ድማ ምስቶም ክርስትያናት ከምዝቐነኹን፣ ምስኦም ዘሕለፍክዎ ግዜ ከኣ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ዝነበረኒ ኣረኣእያ ምሉእ ብምሉእ ከምዝቐየሮን ሓበርክዎ። ቅድሚ ሕጂ፣ ክርስትያናት ሞት ዝግብኦም ናይ ሃገርና ጸላእቲ ይመስሉኒ ከምዝነበሩን ድሕርዚ ዝገበርክዎ ምብጻሕ ግና ክርስትያናት ብስርዓት ዝነበሩ፣ ንሃገሮምን መንግስቶምን ድማ ብቕንዕና ዘገልግሉ ምኻኖም ከምዝተረዳእኩ ኣይሓባእኩሉን። ሰይፈይ ኣብ ልዕሊ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ንጹሃት ሰባት ካብ ዘልዕል ካብ ስልጣነይ ምውራድን ነቲ ዝወሃበኒ መቕጻዕቲ ድማ ምቕባልን ከምዝበልጸኒ ኣረዲአዮ ኣለኹ።"

ሉኩሉስ ድማ "ንሓደ ወተሃደር ናይ ውልቂ ስምዒቱ ግቡኡ ካብ ምፍጻም ክዓግቶ ኣይክእልን እዩ" በሎ።

"እወ፣ ግና እቲ ንፈጣሪየይ ክፍጽሞ ዘለኒ ግቡእ ካብቲ ንሰባት ክፍጽሞ ዘለኒ ግቡእ ዝበለጸ ኮይኑ ረኺበዮ ኣለኹ።"

"ናይ ክርስትያናት ፍቕሪ ኣዒንትኻ ከየዕወሮ ኣይተረፈን። እዚ ፈጺምካዮ ዘለኻ ተግባር ዝለዓለ ናይ ክድዓት ገበን ከም ዝኾነ ኣይረኣየካንዶ እዩ ዘሎ?"

"እወ፣ ነዚ ስለዝተረዳእኩ ድማ እቲ ፈጺመዮ ዘለኹ ገበን ዘስዕቦ መቕጻዕቲ ንኽቕበል ድሉው ምዃነይ ኣይሓባእኩን። እቲ ጀነራል'ውን ብቑጠዐ "ብቐጥታ ናብ ክፍልኻ ኪድ! ኣነ ዝህቦ ውሳኔ ድማ ከፍልጠካ እየ" ኢሉ ኣዚዙኒ ኣሎ። ብድሕር'ዚ ድማ እንሆ ዝወርደኒ ኩሉ ንምቕባል ይጸባበ ኣለኹ።"

ሉኩሉስ ድማ ነቲ ማርሴሉስ ዝብሎ ዝነበረ ብጸጥታ ሰመዖ። ኩሉ ኩነታቱ፣ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ናይ ብጻዩ ዓሚቕ ዝኾነ ስግኣት ከምዝሓደሮ ብግልጺ ይረአ ነበረ። 

ጓሂ ብዝመለኦ ኩነታት ድማ ከምዚ በለ፣ "መቸም እዚ ተግባርካ ዘኸትሎ መቕጻዕቲ ጽቡቕ ጌርካ ትፈልጦ ኢኻ። ከም እትፈልጦ ናይ ሮማ ስነ-ስርዓት ብቐሊሉ ዝስገር ኣይኮነን። መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ክርስትያናት ተሪር ዝኾነ ስጉምቲ ክወስድ ብምውሳኑ ነቲ ጉዳይ ኣዝዩ ኣኽሪርዎ ኣሎ። ብኸምዚ ዘለኻዮ ኩነታት እንተቐጺልካ ውድቀትካ ቀረባ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።"

"ናብ ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ንኽበጽሕ ዝገበሩኒ ኩሎም ምኽንያታት ገሊጸልካ እየ።"

"ዝኸበርካ ማርሴሉስ፣ እቲ ቅኑዕ ዝኾነ ዝምባሌኻ እፈልጦ እየ። ኣእምሮኻ በቲ ቅኑዕ ዝኾነ መስመር ክምራሕ እዩ ዝደሊ። ብዛዕባ ዝለዓለ ትምህርቲ ናይ ፍልስፍና ዘለካ ካብ ልቢ ዝነቐለ ዓቢ ግምት'ውን እፈልጦ እየ። ስለዚ እቲ ናይ ቀደምካ እንተኣኸለካ እንታይ ኣለዎ? ልብኻ ብናይ ሓደ ዝተሰቐለ ኣይሁዳዊ ትምህርቲ ክሳዕ ክንድዚ ምትንካፉ ክርደኣኒ ኣይከኣለን።"

"እዚ ዝጠቐስካዮ ናይ ፍልስፍና ትምህርቲ ክሳዕ ክንድዚ ኣኻሊ ኮይኑ ኣይረኸብክዎን። ነታ ናብዝን ናብትን እትጽዕር ነፍስና ከዕርፍ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ፍረ ከምዘይብሉ'ውን ንስኻ ባዕልኻ ትፈልጦ ኢኻ። ክርስትና ግና ብእግዚኣብሄር ብባዕሉ ዝተገልጸ፣ ብሞቱን ብትንሳኤኡን ድማ ዝተረጋገጸ ሓቀኛ ሃይማኖት እዩ።"

"ብዛዕባ ትምህርቲ ሃይማኖት ክርስትና ሓንቲ ከየትረፍካ ኣረዲእካኒ ኢኻ። ብዛዕባዚ ሃይማኖት ካብ ዘለካ ኣረኣእያ ዝተለዓለ'ውን እዚ እምነት ጽቡቕ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ ዝብል ሓሳብ ከስርጸለይ ቁሩብ ተሪፍዎ ኣሎ። ናይዚ ሃይማኖት ሰዓብቲ ኩሎም ከማኻ እንተኾይኖም ንዕላማና ዓቢ በረኸት ከምዝኾኑ ኣየጠራጥርን እዩ። እንተኾነ ግና ኣነ መምጽኢየይ ብዛዕባ ሃይማኖት ንምክርኻር ዘይኮነስ ብዛዕባ ናትካ ጉዳይ ንምዝርራብ እዩ።

ክቡር ዓርከይ፣ ክብርኻ፤ ስልጣንካ፤ ዝናኻን ኩሉ ህይወትካን ኣብ ሓደጋ ተንጠልጢሉ ኣሎ። ዝገበርካዮ ነገረ እሰከ ኣስተውዒልካ ኣመዛዝኖ፣ ሓደ ዓቢ ጉዳይ ክትፍጽም ተላኢኽካ። እቲ ዝለኣኸካ በዓል ስልጣን ካባኻ ዝጽበዮ ዝነበረ ድማ ትእዛዙ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ መንገዲ ዘአንፍቱ ሓበሬታታት ሒዝካ ክትመጽእ እዩ ዝነበረ። ንስኻ ግና ነዚ ኣብ ክንዲ ምግባር ናብ ሰፈር እቶም ክትስልዮም ዝተለኣኽካ  ጸላእቲ ምኽዳዕካን ብፍጹም ልቢ ድማ ከም ሓደ ካብኣቶም ከም ዝኾንካ ነቲ ጀነራል ገሊጽካሉ። ሕሉፍ ሓሊፍካ'ውን ወተሃደር ምዃንካ ብምዝንጋዕ ኣብ ልዕሊኦም ሰይፈይ ኣይመዝዝን እየ ኢልካ። ወተሃደር ዘበለ ኩሉ ዝዋግኦ ጸላኢ ናይ ምምራጽ መሰል እንተዝህልዎ ስነ-ስርዓት ዝበሃል ኣይመድለየን ነይሩ። ወተሃደር ክገብሮ ዘልዎ እቲ ዝተወሃቦ ግቡእ ምፍጻም ጥራይ እዩ። እዚ ሓቒዶ ኣይኮነን?"

"ሓቂ እዩ፣ ሉኩሉስ።"

"እቲ ቐንዲ ሕቶ ኣብ መንጎ ፍልስፍናን ኣብ መንጎ ሃይማኖት ክርስትናን ምርጫ ክትገብር ኣይኮነን። እቲ ቐሪቡልካ ዘሎ ምርጫ "ክርስትያንዶ ትኸውን ዋላስ ወተሃደር?" ዝብል እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃይማኖት ክርስትናን ውትህድርናን ብሓንሳብ ኣጣሚርካ ምሓዝ ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ ካብ ክልቲኦም ሓዲኦም ክትመርጽ ይግብኣካ። እቲ ጉዳይ ግና በዚ ጥራይ እንተዘብቅዕ ጽቡቕ ነይሩ፣ እንተኾነ ግና "ሃይማኖት ክርስትና እየ ዝመርጽ" እንተበልካ ናይ ዕጫኦም ተኻፋሊ ድማ ክትከውን ኣለካ፣ ከመይሲ ስሌኻ ተባሂሉ ፍልልይ ከምዘይግበር ክትፈልጥ ኣለካ። ወተሃደር ክትከውን እንተመሪጽካ ድማ ነቶም ክርስትያናት ክተሳድዶም ኣለካ።"

"እቲ ጉዳይ ከምዚ እትብሎ ዘለኻ ምዃኑ ኣይሰሓትክዎን።"

"ዝኸበርካ ማርሴሉስ፣ ነዚ ውዒልካዮ ዘለኻ ዓቢ ገበን ክርስዑ ዝተዳለዉ ናይ ልቢ ፈተውቲ ከምዘለዉኻ ኣይትዘንግዕ። እቲ ብተፈጥሮኻ ዝተዓደልካዮ ግሉጽነትካ ስለዝፈልጥ ብዛዕባ ጉዳይካ ምስቲ ጀነራል ተኸራኺረ እየ። እቲ ጀነራል'ውን ኩነታትካ ምስ መርመረ ወተሃደራዊ ብቕዓትካ ኣብ ዓቢ ግምት ከምዘእተዎ ኣይሓበኣለይን። ስለዚ ድማ ብቕሩብ ነገራት እንተተሰማማዕካ ኩሉ ነገር ንምርሳዕ ድሉው ከምዘሎ ገሊጹለይ ኣሎ።"

"እዘን ዝሰማማዓለን ነገራት እንታይ እየን?"

"እዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ መዓልታት ከምዘይነበራ ጌርካ ቁጸረን። ተዋሂቡካ ዘሎ ሓደራ ብምስትውዓል ወተሃደራትካ ሒዝካ ነቶም ክርስትያናት ንምእሳር ተለዓል።"

ማርሴሉስ ድማ ካብ ኮፍ መበሊኡ ሓፍ ብምባል ከምዚ ክብል መለሰ "ዝኸበርካ ሉኩሉስ፣ ከምእትፈልጦ፣ ኣነ ካብ ልቢ እየ ዝፈትወካ። ዕርክነትና'ውን ብጽኑዕ ዝኾነ ናይ ፍቕሪ ሰንሰለት ስለዝተጣመረ ክሳዕ ሕጂ ብዘይ ሓንቲ ኣበር ጸኒዑ ኣሎ። ንዓይ ንብጻይካ ዘርኣኻኒ ፍቕሪ ክሳዕ መወዳእታ ክርስዖ ኣይክእልን እየ። ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ውሽጠይ ሓደ ሓድሽ ነገር ተፈጢሩ ኣሎ። እዚ ነገር'ዚ ድማ ንዓኻ ጋሻ ከይኮነካ ኣይተረፈን። ንዓይ ግና ካብ ናይዛ ዓለም ክብረትን ሃብትን ይበልጸኒ እዩ። እዚ ከም ሓደ ዓቢ መዝገብ ገይረ ቆጺረዮ ዘለኹ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። ስሌኡ ድማ ክብረተይን ስልጣነይን ጥራይ ዘይኮነስ ህይወተይ እኳ ንምሃብ ዝተዳለኹ ኮይነ ኣለኹ። ካብዚ ውሳኔይ ከኣ ሓንቲ ስድሪ እኳ ኣይነቓነቕን እየ እሞ ድሕሪ ደጊም'ሲ ከም ሓደ ካብቶም ክርስትያናት ጌርካ ቁጸረኒ" በሎ።

ሉኩሉስ ድማ ሓንቲ ቃል ከየውጽአ ንብጻዩ ብጓሂ ንቑሩብ ግዜ ጠመቶ። ናይ ብጻዩ ናይ ልቢ ጽንዓት ምስ ኣስተውዓለ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ሓሳቡ ከቐይሮ ከምዘይክእል ተረደአ። ብዝተፈላለዩ ናይ ክርክር ሜላታት እንተፈተነ፣ እቲ ተዳልይሉ ዘሎ ሽርሕታት ክንዲ ምንታይ ዘስካሕክሕ ከምዝኾነ'ውን ብሰፊሑ እንተገለጸሉ'ኳ ንሱ ግና ምንቕ ምባል ኣበየ። ኣብ መወዳእታ ድማ ካብቲ ኮፍ ኢልዎ ዝነበረ ብሓዘን ተመሊኡ ድሕሪ ምትንሳእ ከምዚ ዝስዕብ ተዛረቦ።

"ዝኸበርካ ማርሴሉስ፣ እዚ እትገብሮ ዘለኻ ዋላ ሓንቲ ዘሐጉስ ኣይኮነን፣ ናብ ጥፋኣት ክትግስግስ ትረኣየኒ ኣለኻ። እቲ ጽቡቕ ዕድልካ ዝሃበካ ክብረትን ስልጣንን እምቢ ብምባል ናይቶም ንዑቓት ዕጫ ምምራጽካ ዘሕዝን እዩ። 

እዚ ናይ ጥፍኣት ምርጫኻ ንኽትቕይር ከም መጠን ዓርክኻ ምዒደካ እየ። ካብ ሕጂ ንደሓር ምኽረይ እንተኣቃሊልካ ግና ናትካ ጉዳይ እዩ። 

ሕጂ'ውን ክረድኣካ ዝደልዮ ሓደ ነገር ኣሎ። እቲ ጀነራል ውሳኔኡ ኣሕሊፉ ኣሎ። ካብ ሎሚ ጀሚርካ ማዕርግካ ተቐንጢጥካ ኣለኻ። እሱር'ውን ኢኻ። ጽባሕ ድማ ፍርድኻ ንኽትቅበል ኣብ ቅድሚ እቶም ዝምልከቶም ሰበስልጣን ክትቀርብ ኢኻ። ክሳዕ ሽዑ ግና ብዙሕ ሰዓታት ከምዘለካ ኣይትዘንግዕ። ከተምልጥ ትደሊ እንተኼንካ ግዜ ምጥፋእ ኣየድልን እዩ እሞ ኣይትዓሹ። ብዝተኸኣለ መጠን ካብዚ ጥፋእ። ካብ ሕነ ምፍዳይ ናይ ቄሳር ክትስወረላ እትኽእል፣ ኣብቲ ትሕቲ ሰማይ ሓንቲ ቦታ ጥራይ እያ ዘላትካ።"

 

ማርሴሉስ ነዘን ናይ መዋዳእታ ቃላት ናይ ብጻዩ ብህድኣት ድሕሪ ምስማዕ ማዕርጉን ናይ ክብሪ ኣልባሳቱን ሓደ ብሓደ ኣውጺኡ ኣቐመጦም። እቶም ግርማ መጎስ ኣልቢሰሞ ዝነበሩ ናይ ማዕርግ ኣልባሳቱ ኣወጻጺኡ ከም ሓደ ተራ ሰብ ኮይኑ ኣብ ቅድሚ ብጻዩ ደው በለ።

"ክቡር ዓርከይ ሉኩሉስ፣ ፍቕርኻን ብጻይነትካን ብህይወት ክሳዕ ዘለኹ ፈጺመ ኣይክርስዖን እየ። ከም ድላየይ እንተዝኸውንሲ ሓቢርና ብምኹብላል ነቲ ኣነ ዝመረጽክዎ ጎይታ ሓቢርና እንተንግዛእ ከንደይ ጽቡቕ ነይሩ። ግና ከም ናይ ልበይ ክኾነለይ ኣይከኣለን፣ በል ደሓን ቀኒ!"

"ደሓን ቀኒ ማርሴሉስ! ምናልባት ኣብ ምድሪ ከለና ደጊምና ንራኸብ ንኸውን። ገለ እንተጸጊሙካ ግና ኣነ ዝርከቦ ቦታ ትፈልጥ ኢኻ። እምነቱ ዘይጠልም ብጻይካ ምዃነይ ኣይትዘንግዕ።"

እቶም ክልተ የዕሩኽ ብምዉቕ ናይ ፍቕሪ ስምዒት ተሓቓቒፎም ናይ መወዳእታ ተሰናበቱ። ማርሴሉስ ድማ ካብኡ ንምምላጥ ጉዕዞኡ ቀጸለ።

ካብቲ ሰፈር ብምውጻእ ድማ ናብቲ ናይ ህዝቢ ኣደባባይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ቦታ በጽሐ። ብየማነ ጸጋም ናይቶም ዝሓለፎም መንገድታት ብርክት ዝበሉ ኣብያተ መቕደሳት፤ ታሪኻዊ የዕኑዳትን ሓወልትታትን ይረኣዩ።

እቲ ብዑንቝን ብእምነ በረድን ዝወቀበ ናይ ቄሳር ቤተ መንግስቲ ግርማ ሞጎስ ተጎናጺፉ ቆይሙ ነበረ። ብሓደ ወገን ከኣ እቲ ዓቢ ዝኾነ ህንጻ ኮሎሲዩም ካብኡ ሕልፍ ኢልካ'ውን ቤት መቕደስ ሰላም፣ ብመልክዕን ግርማን ደሚቖም መን ከማና ይብሉ።

ብኻልእ ሸነኽ ድማ ኩርባ ካፒቶሊን፣ ውቁባት ዝኾኑ ኣብያተ መቕደስ ኣብ ልዕሊኡ ተሰኪሙ ኣንጻር ናይቲ ከም ኩሕሊ ጸርዩ ዝነበረ ሰማይ ቦትኡ ሒዙ ይረአ።

ማርሴሉስ ጉዕዞኡ ናብ ጫፍ ኩርባ ካፒቶሊን ኣምረሐ። ኣብቲ ጫፍ ምስ በጸሐ ድማ ኣብ ዙርያኡ ዝነበረ ጽባቐ ተዓዘበ። ኩርባ ካፒቶሊን ኣብ ላዕሊ ጫፉ ብእምነ በረድ ዝተነጸፈ ኣርባዕተ ማእዝን ሜዳ ኣለዎ። ኣብ የማነ ጸጋሙ ድማ ድንቂ ዝኾኑ ኣብያተ መቕደሳት ይረኣዩ።

ብሓደ ሸነኽ፣ ካምፑስ ማርቲዮስ ዝበሃል ቦታ በቲ ናብ ማእከላይ ባሕሪ ክጽንበር ዝውሕዝ ዝነበረ ፈለግ ቲበር ተኸቢቡ ይረአ። ብኻልእ ሸነኽ ድማ እታ ከተማ ካብቲ ናይ ቀደም ዶባታ ሓሊፋ ኣዝያ ኣስፋሕፊሓ ትረአ።

ኣብታ ከተማ ኣብያተ መቕደስ፤ ዓንድታትን ሓወልትታትን ኣብየ ቦትኡ ቆይሞም ይረኣዩ። ኣዝዮም ብዙሓት ታሪኻውያን ቅርጽታት ነታ ከተማ ኣጻቢቦም ነበሩ። መንጫዕጫዕታታትው'ን ኣበየ ቦትኡ ይፈሱ ነበሩ።

ሰረገላታትን መንኮርኮራትን ነቲ መንገዲ መሊኦሞ ነበሩ። ሰራዊት ሮማ ምስ ዕጥቁ ናብዝን ናብትን ይብል። ብሓፈሻ፣ ኣብታ ናይ ቄሳራት ርእሰ-ከተማ ዝኾነት ሮማ ዝረአ ዝነበረ ናይ ህይወትን ናይ ስራሕን ሕንፍሽፍሽ መዳርግቲ ኣልቦ ነበረ። ኣብ ከባቢ ናይታ ከተማ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ብርክት ዝበላ ሰፈራትን ብምቾትን ሃብትን ዝተመልኡ ዓበይቲ ኣዳራሻትን ይረኣዩ።

ብሓደ ወገን ናይ በረድ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፈአ ከረን ኣፔኒኒ ርእሱ ናብ ሰማይ ኣቕኒዑ ይረአ። ብካልእ ወገን ድማ እቲ ንፋስ ናብዝን ናብትን ዝገላብጦ ዝነበረ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ምስቲ ገምግም ባሕሪ ኣብ ዓቢ ቅልስ ተጸሚዱ ይረአ።

ማርሴሉስ ከኣ ብሃንደበት ሓደ ድምጺ ሰመዐ። ግልጽ ኢሉ እንተረኣየ ከኣ ሓደ ረሳሕን ዝተቐዳደደን ክዳን ዝተኸድነ ዕባራ ሰብኣይ ዘፍርህ ናይ ፍርዲ ቃላት ክዛረብ ከሎ ሰመዖ። ኩሉ ኩነታቱን ኣጠማምትኡን ኣእምሮኡ ዝተናወጸ ምዃኑ ንምፍላጥ ኣየጸግምን ነበረ።

 

እታ ዓባይ ባቢሎን ወዲቓ ወዲቓ፣

ማሕደር ኣጋንንቲ ኮይና።

ሰፈር ኩሎም ርኹሳት መናፍስትን፣

ሰፈር ርኹስን ዘፈንፍን ዘበለ ዑፍን ኮይና።

ኣምላኽ ድማ ዓመጻኣ ዘኪሩ እዩ እሞ፣

ከምቲ ንሳ ዝፈደየቶ ፈድይዋ፣

ከምቲ ግብራ ዕጽፊ ዓጺፉላ።

ክንድቲ ንርእሳ ዘኽበረትን ዘሓንቀቐትን፣

እቲ ፈሪድዋ ዘሎ እግዚኣብሄር ብርቱዕ እዩ እሞ፣

እቲ መዓታ፣ ሞትን፣ ሓዘንን ጥሜትን

ብሓንቲ መዓልቲ ክመጻ እዩ።

ብሓዊ'ውን ክትነድድ እያ።

 

ብርክት ዝበሉ ሰባት መጺኦም ነቲ ሰብኣይ ከቢቦም ዘረብኡ ብኣድናቖት እናሰምዑ ከለው ወተሃደራት መጺኦም እንዳዳፍኡ ወሰድዎ።

ማርሴሉስ ከኣ ብሓሳቡ "ኣእምሮኡ በዚ ስደትን መከራን ዝተናወጸ ምስኪን ክርስትያን ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ" ክብል ሓሰበ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ናይ ፍርዲ ቃል እናደጋገመ ክዛረብ ከሎ ብዙሓት ሰባት ደድሕሪኡ እናሰዓቡ የባጭውሉ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ድምጹ እንዳረሓቐ ከደ። ማርሴሉስ ከኣ ግዜ ከየጥፋእኩ ክግስግስ ኣለኒ ብምባል ተንሲኡ መንገዱ ቀጸለ።

ናይ ዝሓለፈ ምዕራፋት ንምክትታል ነዞም ዝስዕቡ ሊንክታት ተጠቀሙ

ሰማእታት ካታካምፖ ቀዳማይ ምዕራፍ

ሰማእታት ካታካምፖ ካልኣይ ምዕራፍ

ሰማእታት ካታካምፖ ሳልሳይ ምዕራፍ

ሰማእታት ካታካምፖ ራብዓይ ምዕራፍ

ሰማእታት ካታካምፖ ሓሙሻይ ምዕራፍ

 

ትርጉም ብቐሺ እምባየ ሃብተዝጊ