20
Sat, Apr
0 New Articles

ቃለ-መሕትት ምስ ዘማሪት ሄለን

Interview
Typography

ከምዚ ኢለ ክርእየኩም ከለኹ ንኣምላኽ የመስግኖ። ምናልባት እኳ ፋሕ ኢልና እንተሎና ግን ኣብ ማእከልኩም ምህላወይ ሕጉስቲ እየ። ኣብዚ ዓዲ ምስኣተኹ ኣብ ኤውሮጳን ነቶም ኣብ እስሪ ቤት ዘለዉ ዘኪረ ብዙሕ ሓዚነ። እወ ኩነታቶም ዘኪረ ተሰሚዑኒ ጉህየ። ግና ስለ ኹሉ ኣምላኽ ይመስገን።

ዕላማ ናይዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘለኹ ምስክርነት ምስ ፖሎቲካ ወይስ ሃይማኖት ወይ ባህሊ ዝኾነ ምትሕሓዝ የብሉን። ኣነ ግን ስለ ክርስቶስ ክዛረብ ስለቲ ስለይ ዝሞተ ጎይታ ክዛረብ ኢለ እየ መጺኤ።


ብስራት.ኮም ሄለን እንቋዕ ብድሓን መጻኺ። ቅድሚ ኹሉ ገዛእ ርእስኺዶ ከተላሊይና?

ሄለን: ሄለን ብርሃነ ይብሃል። ዘማሪት ድማ እየ። ኣብ ግዜ ንእስነተይ ኣብ ቅዱስ ጳዉሎስን ኣብ ቀሃዝን ተማሂረ። ካብ ጓል 8 ዓመት ጀሚረ ኣብ እንዳ መድሃኔ ኣለም ይመላለስ ኔረ። ጓል 16 ዓመት ምስ ኮንኩ ንሰብኣይ ሓትነይ ሓዉ ተመርዕዩኒ። እዚ መርዓ ናይ ቤተሰባዊ መርዓ ብቤተሰብ ዚተገብረ እዩ። ኤቫ ትብሃል ቖልዓ ድማ ወሊድና። ድሕሪ ገለ ዓመት ግና ምሳይ ሓዳር ስለዘይደለየ ብዕሊ ድማ ፈትሓኒ። 

ድሕሪ ምፍትሐይ ድማ ኣብ ጎይታ ክጠብቅ ጀሚረ ተጠሚቀ ካብኡ ንንየዉ ድማ ኣብ ኣዉረጃታት እንዳከድኩ ብመዝሙሩን ብቓልን የገልግል ነይረ። ቤተክርስትያን ምስተዓጸወ ድማ ኣገልግሎተይ ንምቕጻል ቀልጢፈ መዝሙር ካሴት ኣሕቲመ።  ግጥምን ዜማን ባዕለይ እየ ዘዳልዎ ነይረ። ኣብ ገለ እዋን ድማ ምስ ዘማሪ ዮናስ ሃይለ ተራኺበ፡ ብዛዕባ ምዝርጋሕ ወንጌል የዕልልና። ሓንቲ ካሰት ድማ ብሓባር ከነዳሉ ተዛራሪብና። ኣብቲ ግዜ እቲ ገንዘብ ኣይነበረናን፡ ግን ድሌት ስለዝነበረ ኣምላኽ ኩሉ ኣኽኢሉና።

ብስራት.ኮም ቅድሚ ምዕጻዉ ቤተክርስትያን ዝነበረ ኩነታት ከመይ ይመስል ኔሩ?
 

ሄለን: ቅድሚ ናጽነት ኣብ ተሓድሶ ብዙሕ ሰብ ይጽሊ ይምህለል ኔሩ። ናጽነት ምስ ኮነ ኩሉ ሰብ ነናብ ገዝኡ ከይዱ። እቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዝነበረ ህዝቢ ክጎድል ጀሚሩ። ዉሑድ ሰብ ጥራይ ተሪፉ። ኣብ ህዝቢ ድማ ብዙሕ ሕማቅ ነገር ጀሚሩ። ህዝቢ ንሓድሕዱ ክብኣስን  ቤት ፍርድን ክዉዕልን ጀመሩ። ኣብ ገለ ገለ ድማ ኣብ ኣመንቲን ኣብያተክርትያንን ዉን ምፍልላይ ይረአ ነይሩ።

ኣብ ክምዚ ዓይነት ሽግር ስለዝኣተና ዋላዉን ኣብ ቤተክርስትያን ድማ ፈተናን መከራን መጺኡ። ሕጂዉን ክሳብ ናብ ሕብረት ዘይመጻናን ዘይተዓረናን ሽግርና ክፍታሕ ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ነንሕድሕድና ክንቀባበል ይግብኣና።

ብስራት.ኮም ክትዓቢይ ከለኺ ኣብ ህይወትኪ ብክርስትና ዚመጸኪ ፈተና ብስድራኺዶ ነይሩ?

 

ሄለን: ኩሉ ግዜ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ክትመጽእ ከሎኻ እቲ ጸላኢ ሱቕ ኢሉ ኣይሓድከካን እዩ። ሰይጣን ካብ ግዝኣቱ ክትወጽእ ከለኻ ስቕ ኢሉ ኣይርእን እዩ። ህዝ 46.9 ። ኣብቲ ጉዕዞ ናይ ክርስትና ህይወት ዝመጽእ ቡዙሕ ዓይነት ፈተና ኣሎ። ብዓለማዉነትን ብሓልዮት ብዝመስል ነገር ዝመጽእ ብዙሕ ኢዩ። ጎይታ ካብ ዝቕበል ከባቢ 16 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣብዚ ብዙሕ ነገር ኔሩ " ሰይጣን ኣታሓሕዛኻ ይፈልጥ እዩ። ኣነ ግን ካብ ጎይታ ፈጺመ ኣይርሕቅን እየ።"  ካብ ጎይታ እንተሪሒቅካ ሰይጣን ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ጭንቀት እዩ ዘመጽእ። ኣብ ክርስትና ብዙሕ  ህይወት ኣሕሊፈ እየ። ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ድማ ርእየ እየ። ግን በቲ ኩሉ ፈተና ሓሊፈ ኣብዚ በጺሐ ኣለኹ። ኣምላኽ ይመስገን። ዝመጸ ይምጻእ ብሕጂ ንጎይታ ኣይሓድጎን እየ።

 

ብስራት.ኮም ጎይታ ንኣገልግሎት ክጽወዓኪ ኸሎ ኣብ ከመይ ኩነታት ኔርኪ?

 

ሄለን: መዝሙር ክጅምር ከለኹ ጓል 14 ዓመት እየ ኔረ። ቀስ ብቐስ ድማ እቲ ናይ ጎይታ መጻዋዕታ ኣብ ልበይ ይዓቢ ኔሩ።

 

ብስራት.ኮም ኣብ ኣስመራ ናይ ገዛ ወፈራ ወንጌል ብዙሕ ትዓዪ ኔርኪ፡ ሕጂኸ?

 

ሄለን፥ እቲ ናይ ወንገል ዕዮ ቀጻሊ እዩ፡ ኣየቋርጽን እዩ። ቅድሚ እስሪ ቤት ዝነበርክዎን ሕጂ ዘለኹዎን ኣተሓሳስባ ነንበይኑ እዩ። ሽዑ ግዜ ኩሉ ወንጌል ክሰምዕ ኣለዎ ዝብል ቅንኣት ነይሩኒ እዩ። ካብኡ ዝተበገሰ ድማ በዚ ነገር እዚ ኣብ ጎደናታት ኣስመራን ዞባታትን ወንጌል ይስበኽ ነይሩ። ኩሉ ግዜ ድማ እዚ ዓይነት ቅንኣት እዩ ነይሩኒ። ኣብ እስሪ ቤት ድማ ነቶም ዝሕልዉ ዝነበሩ ወተሃደራት ወንገል ይነግሮም ነይረ። ኣብ እስሪ በት ከለኹ ክሳብ 16 ገጽ ዝኸውን ናይ ወንገል ምስክርነት ኣብቲ እስሪ ቤት ዝዝርጋሕ ይጽሕፍ ኔረ። እዚ ድማ ንምስክርነት ብዙሕ ጠቒሙ እዩ። ኣብቲ እስሪ ቤት ድማ ንሓጺር ግዜ ተኣሲሮም ዝወጹ ሰባት ወንጌል ሰሚዖም ዝወጹ ብዙሓት ኣለዉ።

ኣብ እስሪ ቤት ኣብ ዝነበርኩሉ ግዜ ንኣብነት ሓደ እሱር ኔሩ፡ ኤፒሌፕሲ (ዘውድቕ ሕማም) ዝነበሮ እዩ ኔሩ። ኣብቲ እስሪ ቤት ድማ ይወድቕ ኔሩ። በብቁሩብ ድማ ክምስክረሉ ጀሚረ፡፡ ኣስላማይ ድማ እዩ ኔሩ። ይዝምረሉ ኔረ። ክዝምረሉ ከለኹ ድማ እቲ ቃንዛ ይሓድጎ ኔሩ። ቃል ኣምላኽ ክነግሮ ምስ ጀመርኩ እቲ ዝነበሮ ናይ ኣጋንንቲ ማእሰርቲ ሓዲጉዎ። እቶም ወተሃደራት ድማ ወንገል ይሰብኽ ከም ዘለኹ ፈሊጦም "መእሰሪኺ ምኽንያት ኣይትፈልጥን ዲኺ?" እናበሉ ከፈራርሑኒ ጀሚሮም።

 

ብስራት.ኮም ኣብ ግዜ ንእስነትኪ ከመይ ዓይነት ህይወት ኔሩኪ?

ሄለን፥ ኣብ ግዜ ንእስነተይ ብዙሕ ዓለማዊነት ኣየሕለፍኩን። ብንእስነተይ እየ ክርስትና ጀሚረዮ። ኣብ ክርስትና ምስ ኣተኹ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ የንብብ ኔረ። ንሱ ድማ ብህይወተይ ክዓቢ ኣዝዩ ሓጊዙኒ። ብዙሓት መንፈሳውያን ኣቦታት ድማ ዘዕበዩኒ ኔሮምኒ። ኣብዚ ዘለኹዎ ደረጃ ንኽበጽሕ ድማ ንሱ እዩ ሓጊዙኒ።

ይቅጽል