24
Wed, Apr
0 New Articles

ቃለ መሕትት ምስ ኣርኣያ ሃብተ (2012 Part 2)

Interview
Typography

ብዛዕባ እተን ዝሓተምካየን ኣልቡማት ዛጊት ካብ ኣመንቲ እንታይ ዓይነት ኣወንታውን ኣሉታውን ሰሚዕካ ኣለኻ?

እተን ብኣልበማት ዘውጻእክወን መዛሙራተይ ንብዙሓት ንፈውሲ፡ ንምጽንናዕ፡ ንበረከትን ምስጋርን ኮይኑዎም ክሰምዕ ከለኹ መመሊሰ እብርትዕን ነቲ ኣገልግሎተይ ብትግሃት ክሕዞን ክተብዓሉ ከምዝግብኣኒ መዘኻኸሪ ይኾነኒ ኣሎ። ነቐፌታ እኳ ኣይሰማዕኩን፡ ግና እቲ ክነቅፍ ዝመጽእ ካብቲ ዘለኹዎ ገለ ፍልጠት ኮነ ትምህርቲ ዝህበኒ ምስ ዝኸውን ክሰምዕ ደስ ይብለኒ እዩ። ምኽንያቱ ኩሉ ኣይበጻሕናዮን፡ መዓልቲ መዓልቲ ፍልጠት ክንውስኽን ክንመሓየሽን ይግብኣና እዩ ብዝብል ርድዲኢት።


 

እዞም ኣብዚ ህሞት ብካሴት ደረጃ ዝወጹ ዘለው መዝሙራት ብርዝነት መልእኽቶምን ሙዚቅኦምን ፍረ ቃላቶምን ብኸመይ ትግምግሞ? ክመሓየሹ ኣለዎም ትብሎ ነገራት'ከ ኣሎዶ?

ንኣምላክ ኣዚየ ዘመስግኖ፡ ኣነ ከምዝተዓዘብክዎ ብዙሓት ዘመርቲ ጎይታ ሂቡና ኣሎ። በዚ ዘሎ ቴክኖሎጂ ከኣ ብዙሕ መዝሙር ብፍላይ ኣብዚ ኢትዮጵያ እናመጹ ይሰርሑ ኣለዉ። ካብቲ ዝነበርናዮ ንውስኽ ኣለና። ጊዜ መዝሙር በጺሑ ምኻኑ እምስክር ኣለኹ። ኣብ ሓደ ስቱዲዮ ጥራይ ክስራሕ ዝኣተወ ልዕሊ 10 ካሴት ኣሎ። እቲ ምምሕያሽ ባዕሉ ብግዜ እናመጸ እዩ። ኣብ ግጥምን ፍረ ቃላቶምን ከምኡውን ኣብ ሙዚቃ ዓቢ ምምሕያሽ ይርኢ ኣለኹ። ግና ኣብ ብሉጽ ደረጃ በጺሕና ማለት ኣይኮነን። ኩሉ ጊዜ ዝበለጸ ክንሰርሕን ክንመሓየሽን ስለዘለና። ብወገነይ ዕቤትና እኳ እንተነኣድክዎ፡ ኣብቲ ንሰርሖ ዜማን ዓይነት ሕርመትን ግና ስክፍታ ኣሎኒ። ምክንያቱ ብፍላይ እኳ እቶም ልዕሊ ክልተ ካሴት ዝሰራሕናን እንሰርሕ ዘለናን ዘመርቲ ነቲ ዜማታትና ኮነ ዓይነት ሕረመት ኩሉ ዓይነት ዘካተተ ኪኸውንን ነቶም ብድሕሬና ዝመጹ ዘመርትና ጽቡቕ ባይታ ክነንጽፈሎም ከም ዚግብኣና ኢንዳ ሓበርኩ፡ ኣብዚ ነገራት ኣተኪርና ክንሰርሕ እላቦ።

 ኣብዚ ዓመታት ዳርጋ ኩሎም ዘመርቲ ብውልቆም ሓቲሞም ክዝርግሕዎ ተራእዮም፡ እዚ ኣገባብ ንስኻ ከም ዘማሪ እንታይ ዓይነት ኣወንታውን ኣሉታውን መልሲ ትህበሉ?

ከም ግቡእ ፕሮዲዩሰራትን ዲስትሪቢዩተራትን ክህልዉና ምተገብአ ነይሩ። ግና ብዙሕ ስለዘይብልና እቲ ዘማራይ ባዕሉ ካብ ምዝማር ጀሚርካ ሙዚቃ ክስራሕ ባዕሉ፡ ተወዲኡ ክሳብ ምክፍፋል ባዕሉ ክዋስእን ክግደድን ንርኢ ኣለና። ነፍሲ ወከፍ መዝሙር ምድላው ከምኡውን መሊስካ ስቱድዮ ክሳብ ዝውዳእ ነዊሕ ጊዜ እዩ ዝውስድ። እቲ ዘማራይ ማዕረ ክንደይ ዋጋ ይኸፍል ከምዘሎ ዝርድኦ እንተሎ ከምኡ ዘመርቲ ኣሕዋቱ ጥራይ ይመስለኒ። ቤተክርስትያን'ውን እንተ ብዘይምርዳእ እንተ ኣብ ካልእ ኣገልግሎታት ብምጽማድ ነዚ ኣገልግሎት ብዙሕ ኣቓልቦ ክትህቦ ስለዘይርአ እቲ ዘማራይ ባዕሉ ኣብ ኩሉ ክዋሳእ ትረኽቦ። ብሓቂ ንኹሉ ክትገብሮ ከቢድ ምኻኑ ኣነ ባዕለይ ብዝረኣኹዎ እምስክር ኣለኩ።

ናይ ቤተክርስትያንን ናይቲ ዘማራይን ተራ ሓላፍነትን'ከ ብኸመይ መልክዕ ይምረጽ ትብል?

ኣገልግሎት መዝሙር ብዙሕ ግዜ ዘድልዮን ብዙሕ መስዋእቲ ዘኽፍልን ስለዝኾነ ቤተክርስትያን ነዚ ተረዲኣ ዝሓሸ ነገር ምስቲ ዘማራይ ብምርድዳእ ነቲ ኣገልግሎቱ ክተዕብየሉ እትክእለሉ ባይታ ክተንጽፍ፡ ከምኡውን ብኹሉ መዳያት ኣገልግሎቱ ኮነ ናብርኡ ብግቡእ ክመርሓሉ ዝክእለሉ ሓገዝ ክትገብረሉ፡ ንሱ ኸኣ ነዚ ተረዲኡ ነቲ ካሴቱ ኪህብ እንተዝከኣል ጽቡቕ ምኾነ ኔሩ። እነተዘይኮይኑ ግና እቲ ዘማራይ ካብ ትራንስፖርት ጀሚርካ ናብርኡ ከምኡውን ናይ ሙዚቃ መሳርሒታት ክገዝእን ኣገልግሎቱ ከዕብን ክብል ባዕሉ ብውልቁ ክሰርሕን ክዝርግሕን ክግደድ እዩ ማለት እዩ።

እቲ ኣዉራ ሽግራት ንዘመርቲ ኣብ ምሕታም ሓድሽ ካሴትን ምዝርጋሕን ዘጋጥም ዘሎ ምስንኻላት ብምንታይ ክብዳህ ይክእል ኢልካ ትሓስብ?

ንምሕታም ዘሸግር ዝብሎ ስቱዲዮ ሙዚቀኛ ኣብ ቀረባ ዘይምርካቡ፡ ከምኡውን ነቲ ቴክኖሎጂ ብግቡእ ዘይምምላኽ ኪኸውን ከሎ፡ ኣብ ምዝርጋሕ ግን ፕሮዲዩሰራትን ዲስትሪቢዩተራትን ዘይምህላዎም ባዕሉ እቲ ዘማራይ ክዝርግሖ እኳ ተፈተነ ኣብ ኩሉ ከይበጽሐ ይተርፍ ምህላው ቀንዲ ጸገም እዩ። እቲ መፍትሒ ኪኸውን ዝብሎ ከኣ ነቶም ሙዚቀኛታትና ኣብ ዘዘለውዎ ነዚ ቴክኖሎጂ ብሶፍትዌር ኮነ ሃርድዌር መታን ክመልክዎን ከጽንዕዎን እንተንገብር ሎሚ ብዙሕ ሲዲታት ምተሰርሐን ምወጸን ኔሩ። ከምኡውን ነቶም ዘለውና ኮኑ ክኮኑ ንዝደልዩ ዲስትሪቢዩተራት ኮነ ፐሮዲዩሰራት ክንድግፎምን ኣጆኹም ክንብሎምን እንተንኽእል እቲ ውጽኢትና ኣዚዩ ምወሰኸ ኔሩ። 

ሓድነት ናይ ዘመርት ኣሎዶ? ነንሕድሕድኩም ናይ ምስርሕ ምትሕብባርን ኣለኩምዶ?

ካብቲ ንኣምላክ ዘመስግኖ፡ ኣብ ዘመርቲ ኤርትራ እዚ ነገር እወ ኣሎ። ብዙሓት ዘመርቲ ኣብዚ ዝመጽሉ ኣጋጣሚ ብዙሕ መዝሙር ብሓባር ንሰርሕን ግጥሚን ዜማን ብምእራም ልቢ ንልቢ ንወሃሃብ ኣለና። ደስ ዝብል ሕብረት እዩ። ስለዝኮነ ከኣ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ምዕጃብ ኮነ መዝሙር ምስትኽኻል ከምኡውን ዜማታት ምውሳኽ ንዋሳእ ኣለና። ኣምላኽ ከኣ ብሕብረት ኣዚዩ ስለዝኸብር እቲ ጸጋታትና ንማቐል ኣሎና። ኣብቲ ዝሓለፈ ዝዘርጋሕክዎ ቁ.3 ካሴተይ እኳ ብዙሓት ዘመርቲ ሓጊዞምኒ እዮም፡ ከምኡውን ኣነውን ኣብ ናቶም ይሕግዞም ኣለኹ። እዚ ከኣ መርኣያ ናይቲ ኣብ ሞንጎና ዘሎ ሕብረት እዩ። ኣምላኽ ዝተመስገነ ይኹን። 

እዚ ምብትታን ናይ ህዝብና፡ ንዘመርትና ዉን ስለ ዝደገፈ እንታይ ዓይነት ለዉጢ ከምስእ ኢልካ ትሓስብ?

እቲ ምብትታን ናይ ህዝብና ብሓደ ጎኑ ንምስፋሕ ዕዮ ወንጌል ብዙሕ ግደ ኣለዎ። ኣነ በቲ ኣወንታዊ ጎኑ ክዛረብ ዘመርቲ ኩልና ኣብ ኩሉ ቦታታት ፋሕ ብምባልና ናይ ኣገልግሎት ማዕጾ ተኸፊቱ ከምኡ'ውን ሓደስቲ ብምስልጣን ኮነ ኣምልኾ ኣብ ምምራሕ ክንዓብን ንኣገልግሎትና ክንተግህን ይሕግዘና ኣሎ። ዳርጋ ኩልና ዘመርቲ ከኣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ስለ እንርከብ ነቲ ኣገልግሎትና ኮነ ራኢና ክንተግህን ክንነብርን ጎይታ ይረድኣና ኣሎ። ብኹሉ ነገር ክብሪ ንጎይታ ይኩን!

ኣብ መወዳእታ ናይዚ ቃል ምልልስ በዚ ኣጋጣሚ ከተመሓልላፎ ትደልዮ ኢንታይ ኣሎ?

እወ ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ንዝገበረልካ ወይ ግበረሉ ወይ ንገረሉ ከምዝበሃል ነቲ ብጎይታ ኣቦይ ዝኮነ ሓዊ ልዑል ተስፋይ ንጎይታ ክፈልጦን ክስዕቦን ንዝገበረለይ ደገፍ እነሆ በዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣምላክ ይባርኽካ እብል። ከምኡውን ኣብ ኣገልግሎት መዝሙር ክጅምር ከለኩ ዜማን ግጥምን ብምእራምን ብምሕጋዝን ዘዕበዩኒ ኣሕዋት ብፍላይ ከኣ ሳምሶን ነጸረኣብ ከምኡውን ኣግኣዚት ኪነስላሴን መዘምራን "ሐ" ሙሉእ ወንጌል ቤተ ክርስትያን ኣስመራን ኣምላኽ መመሊሱ ይባርኽኩም ክብል እፈቱ። ከምኡውን ብቀጻሊ ብጸሎት ዝጋደሉለይ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከይተሓለሉ ዝምዕዱንን ዝድግፉንን ኩሎም እዚ ደረጃ በጺሐዮ ዘለኹ ብናትኩም ሓገዝ እዩ እሞ የቐንየለይ እብል። ፍረኹም ኢኩም ትርእዩ ዘለኹም እሞ ኣምላክ መመሊሱ ይባኽኩም ክብል እፈቱ።


ከምኡውን ንኹሎም ኣመንቲ ኤርትራ ክላበዎ ዝደሊ እንተሎ ዘማራይ ብሓቂ ብዙሕ ዋጋ ከፊሉ ከም ዚሰርሕ ክፈልጡ፡ መዝሙር ካብ ምድራስ ጀሚርካ ሙዚቃ ኣብ ስቱዲዮ ክስራሕን ኩሉ ተወዲኡ ክዝርጋሕን ዝወስዶ ጊዜ ልዕሊ ክልት ዓመት ከምዝኾነ ብምርዳእ ካሴት ክትዕድጉን ኮፒ ኮነ ካልእ ዓይነት ቅዳሓት ከይጥቀሙን ብምሕረት ኣምላኽ ኽላቦ ይደሊ። ኣምላኽ ንሃገርና ይባርኽን ብምሕረቱ ድማ ኢዱ ትብጽሓናን! ኣሜን!

ጎይታ ይባርኽካ ሓዉና ዘማሪ ኣርኣያ፡ ነዚ ኩቡር ሓሳብ ብግልጽነት ንህዝቢ ኣምላኽ ኣብዚ ደንበ ከተመሓላልፍ ፍቃደኛ ምኻንካ። ኣብ ኩሉ ኣገልግሎትካ ድማ እግዚኣብሄር ማሳኽ እዩ፡ ኣምላኽ ስለ ኣገልግለቱ ስለ ዝሓሊ።

ኣሜን ንዓኻትኩም ድማ ነዚ ዕድል ብምሃብኩም ኣዕዚዙ ጎይታ ይባርኽኩም።

 

Source www.mezmur.org