18
Thu, Apr
0 New Articles

ናብ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣገልገልትን መራሕቲ ኣብያተክርስትያናትን ዕዱማትን 21.06.2007

Message 1
Typography

መጀመርያ ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን መድሓኒናን የሱሱ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ይብዝሓልኩም እናበልኩ ኩቡር መንፈሳዊ ሰላምታይን ናፍቖተይን ይገልጽ፣ ኣምላኽ ሰማይ ከኣ ድሌትኩም ዘበለ ይሃብኩምን ይባርኽኩምን፣ እዚ ሕጂ ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ተዳልዩ ዘሎ ሰሚናር እቲ ቐንዲ ዘመሓላልፎ ዓቢ መልእኽቲ እንተ ደኣ ሃልዩ ኾይኑ ገና ኣምላኽ ንኤርትራ ከም ዘይሓደጋን ብኤርትራውያን ከኣ ይሰርሕ ከም ዘሎ ዓቢ መረጋገጺ እዩ፣



ዘመና ናይ መወዳእታ ግዜ እዩ እሞ ኣብዚ ዘመን እዚ ኸኣ ብኹሉ ዓቕምናን ክእለትናን ኮታ ብዘለና ዘበለ ኹሉ መንግስቲ መድሓኒና የሱስ ክርስቶስ ነስፋሓሉ ሰዓት ስለ ዝኾነ ኣዚና ካብ ቀደም ብዝዓዘዘ ክንሰርሕ ከም ዘሎና ዘዘኻክረና ሰሚናር ከኣ ይመስለኒ፣ እዚ ዘሎናዮ እዋን ዓለም ብዘለዋ ክእለትን ጥበብን ሃብትን ንዋይን ተጠቂማ ናታ ፍልስፍናዊ ሓሳብን ዕላማን ኣብ ደቂ ሰባት ከተስርጽ ዘይተኣደነ ጻዕርን ስራሕን ትገብር ከም ዘላ ኩላትና ብዓይንና እንርእዮ ብእዝንና ኸኣ እንሰምዕ ስለ ዘሎና ቡዙሕ ትንተና ኣይድልዮን እዩ፣ ንሕና ኸእ እምበኣር ሓለፋ እቲ ንሳ ትኸዶ ዘላ ኽንከይድ ፍቓድ ኣምላኽ ምኻኑ ከዘኻኽረኩም ይፈቱ፣

Helen Brhaneኩቡራትን ፉትዋትን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣገልገልትን መራሕትን ዑዱማትን እዚ ናይ ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ኣብዚ እዋን እዚ ሓዳ ካብቶም ዓበይቲ ንወንጌል መንግስቲ ኣምላኽ ንምስፋሕ ኣምላኽ ዝጥቀመሉ ደገ ምኻኑ ኣነ ምስክር ኮይነ እነግረኩም ኣለኹ፣ ነዚ ዘሎ ኣገልግሎት ብዑምቀትን ብሰፊሕ ልብን እንተ ርኢናዮ ኸኣ ዳርጋ እቲ ቡሉጽን ዉቁብን መስርዑ ኸኣ ዝሓዘ ኣገልግሎት እዩ፣ ስለዚ በዚ ኣገልግሎት እዚ ንኣምላኽ ኣዚና ከነመስግኖን ክንባርኾን ይግብኣና እዩ፣ ሓለፋ እዚ ኸኣ ብጸሎትን ብዝከኣለና ኹሉ ደገፍ ክንኮኖ ይግብኣና፣

መንግስቲ ኣምላኽ ኢደይ ኢደይ እንዳበልካ እያ ትዕየይን ትዓብን ስለዚ ነዚ ብኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ተኸፊቱ ዘሎ ደገ ኣዚና ክንጥቀመሉ ካብዚ ዘለዎ ክዓቢ ኸኣ ዝከኣለና ጻዕሪ ካብ ምክያድ ክንቁጠብ ኣይግብኣናን፣ ከምቲ መጀመርያኻ እኳ ንእሽቶይ ተኾነ መወዳእታኻ ግና ክዓቢ እዩ ዝተባህለ፣ ኣነን ንስኻትኩምን ከኣ ብዝግባእ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ደገፍን ሓገዝን እንተ ኾይናዮ ከምይ ዘይዓብን ዘይስስንን? ከመይ ንበረኸትን ንፎውስን ዘይከዎን? ከመይ ንምጽንናዕን ንምሕረትን ዘይከውን? ስለዚ ከምቲ ብዘመን ሙሴ ቤት መቕደስ ክትስራሕ እንከላ ህዝቢ ነታ ታቦት ኣምላኽ ዝኸውን መስሪሒ ዝኸውን ንዋትን ገንዘብን ዘዋፍር ዝነበረ፣ ንሕና ኸኣ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዝኸውን ህያብ ካብ ምብርካት ድሕር ክንብል ኣይግብኣናን እዩ፣ ዘሎና ዘበለ ኹሉኢ ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ እሞ እዚ ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ኸኣ ንኽብሪ ኣምላኽ ካብ ኮነ በቲ ዘሎና ጸጋ ንምምቓል ንዳሎ፣

ዓለም ንመንግስቲ ሰይጣን ንምስፋሕ ካብ ተገሃት ንናቱ ጽልዋ ንምዕባይ ከኣ ድቃስ ዘይብላ ካብ ሓደረት ዘለዎ ሃብቲ ኸኣ ኩሉ ኣብኡ ካብ ኣዋፈረት ንሕና ሰዓብቲ ክርስቶስ ደኣ ኸ? ጽባሕ ኣብ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ምስ ቀረብና ኣነ ንመንግስቲ እቲ ዘፍቅሮ ኣቦይ እዚ ጌር ኢልና ክንሕበን ሎሚ ንምስፋሕ መንግስት ኣምላኽ ገለ ዘሕብን ነገር ንግበር፣ ንሕና ኣመንቲ ሰዕብቲ ክርስቶስ ብፍላይ ከኣ ከም ኤርትራውያን ብኣገልግሎት መራኸቢ ቡዙሓን ኣዚና ኢና ዲሒርና ዘሎና፣ ሕጂ ግና እንሆ እቲ ግዜን ሰዓትን ኣኺሉ ንቕድሚት እንግስግሰሉ ሰዓት ኣኺሉ ኣሎ፣  ኣዚ ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ሓደ ዓቢ ምስክር እዩ፣ እዚ ኣገልግሎት እዚ ግና ናይ ውሱናት ሰባት ወይ እውን ኣብ እንግድዓ ፉልያት ሰባት ጥራይ ክኸውን ዘለዎ ስራሕ ኣይኮነን፣ ኣድማዕን ንኹሉ ኸኣ ዝበጽሕን ፍረን ዓወትን ዘለዎ ኸኣ ክኸውን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓላፍነት ንምውሳድ ድልዊ ክኸውን ኣለዎ፣

ኩቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን እንሆ እዃ እታ ኤሪዎንጌል ትበሃል መርበብ ሓብሬታ ብኹሉ ሸነኻታ ኣዚያ ብልጽቲ ኮይና ንህዝቢ ኩሉ ጹፉፍ ሓበሬታ ኣስተምህሮን ካልእን ብምሃብ ስርሓ ብደገፍ ኣምላኽን ጸጉኡን ተሰላስል ኣላ፣ ብፍላይ ከኣ ናታትኩም ደገፍ እንተ ተወሲኽዋ ከመይ ዓቢ ዕዮ ኣምላኽ ከም እተገልግል ጥርጥር የብለይን፣
ብፍላይ ሓውና ዘርኣይ ኪሮስን ኣባላት ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ኩሉ ንጥፈታት ኣዚዩ ዓብን ንልቢ ኸኣ ዘዕርፍን እዩ ጽባሕ ንግሆ ኸኣ ታሪኽ ብኽብሪ ዘኪርዎም ክሓልፍ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ዓስቦም ዓቢ ኽኸውን እዩ፣

Helen Brhaneእዚ ኣገልግሎት እዚ ከመይ ኣድካምን ድቃስ ዝኸልእን ምኻኑ ኣነ ባዕለይ ብኣካል ይሳተፎ ስለ ዘለኹ ይፈልጦ እዩ፣ ሕጂ እውን ደጊመ ደጋጊመ ሓንቲ ቓል እየ ክጸቕጥ ዝደሊ ነዚ ኣገልግሎት እዚ የማናይ ኢድኩም ንደሊ ኣሎና፣ ቅድሚ ሕጂ ደገፍ ኣይሃብኩምን ማለት ዘይኮነ ናይዚ ሕጂ ትህብዎ ደገፍ ግና ካብቲ ናይ ቀደም ዝዓዘዘን ዝበለጸን ክኸውን ይግባእ ንምባል እዩ፣

ከምቲ ንህምያ ንዑናታት ዮርሳሌም ክሃንጽ ኣምላኽ ሰማይ ከቕናዓልና እዩ እሞ ንዕና ባሮቱ ተንሲእና ክንዓዪ ኢና ዝበለ እሞ ኸኣ እቲ ህዝቢ ንደገፉ ዝወጸ ኩላትና ኣባላት ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ኸኣ እዚ ናይ ነህምያ ጭርሖ ሒዝና ተንሲኢና ኣሎና፣ ዘኽፍለና ዘሎ መስዋቲ ከመይ ዓቢ ምኻኑ ንፈልጦ ኢና ግና ብዘይዓስቢ ስለ ዘይኮነ ኸኣ ብኣምላኽ ንሕበንን ንኾርዕን ስለዚ እምበኣር ምሳና ኾይንኩም ንዕዮ ኣምላኽ ሆ ክትብሉ ንጽውዕ፣

ንሕና ኣባላት ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ግና እዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዕላማ ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ከም ዘይከይድ ብምሕረት ኣምላኽ ነረጋግጸልኩም፣ ስለዚ ኢደይ ኢደይ ኢልና እምበኣር ነዚ ብሓይልን ብጸጋን ተንሲኡ ዘሎ ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ንምድጋፍ ንተዓጠቕ፣ ጽባሕ ንግሆ ዓስብና ዓቢ ምኻኑ ኣይንረስዕ እንዓጽዶ በረኸት ከኣ ቡዙሕ ምኻኑ ኣይንዘንግዕ፣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ምጉያይና ኸኣ ዘለዎ ሞጎስ ኩቡር ምኻኑ ንፍለጥ፣ ኣምላኽ ሰማይ ይባርኹኩምን ይሓልኹምን ጸግኡ ኸኣ የብዝሓልኩም፣

ሓዉኹም ኣገልጋልን ኣባልን ኣገልግሎት ፈነወ ወንጌል ኤርትራ ጨንፈር ኣፍሪቃ
ባርኽ ዳ.