20
Sat, Apr
0 New Articles

መልእኽቲ ኤሪ ወንጌል ስለ ናይ ወንጌል እሱራት ንጸሊ

Message 1
Typography

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብሰንኪ ፍቕሪን ወንጌልን መድሓኒና የሱስ ክርስቶስን ኣብ ሃገርና ኣዚዮም ብዙሓት ኣሕዋት ኣብ ከቢድ ፈተናን ስቓይን ከም ዘለዉ ኩላትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ። ገለ ብማእሰርቲ፣ ገለ ብጥሜትን መግረፍትን ኰታ ብዝተፈላለየ ጐደና ሕሰም ይሓልፉ ኣለዉ። እዚ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ስቓይን መከራን ግና ብዘይዓስቢ ንኸንቱ ኣይኰነን።


 እቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝጸውዖም ኣምላኽ ብዘይዓስቢ ከም ዘይሓድጎም ቃሉ ብግልጺ የረጋግጸልና እዩ። እቲ ካብ ኣምላኽ ክረኽብዎ ዘለዎም ነገር ኩሉ ብዘይጐደሎ ክረኽብዎ እዮም። ንሕና ኣብ ተዛማዲ ሰላምን ቅሳነትን ዘሎና ኣሕዋቶም ከኣ ሓላፍነት ኣሎና። ብእንኽእሎ ኩሉ ኣብ ጐኒ እዞም ንኣምላኾምን ንመድሓኒኦምን ደው ኢሎም ዘለዉ ሰባት ምስኦም ደው ክንብል ይግባኣና።

ስቓዮም ስቓይና፣ መከረኦም መከራና ክኸውን እሞ፣ ስሌኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጸሎት ደው ክንበል፣ ኣብ ልብና ንዖኦም ንዝክረሉ መዝገብ ይሃልወና። ዝባና ንዕኦም ንምሽካም ድልው ይኹን። እዞም ብዝተፈላለየ ስቓይን ሕማምን ቃንዛን ዝሓልፉ ዘለዎ፣ እዞም ካብ ዝፍትውዎም ቤተሰቦም ተፈልዮም ንዓመታት ኣብ ማእሰርትን ኣብ ጐዳግድን ኮንቴነራትን ዘለው፣ እዞም ጽባሕ ንግሆ በቲ ኣሲርዎም ዘሎ መንግስቲ እንታይ ከም ዝወርዶም ዘይፈለጡ፣ ኣሕዋትናን ኣሕትናን ንሕና ኣሕዋቶም ከም መታኣስርቶም ኰይና  ኣምላኽ ሰማይ ከምቲ ንሃዋርያትን ንእኒ ጳውሎስን ንእኒ ጴጥሮስን መቑሕ ቤት ማእሰርቲ ሰይሩ ሓርነት ዝኣውጀሎም፣ እዚ ታሪኽ እዚ ኣብኦም ክፍጸምን ክኸውንን ከምታ እታ ቐዳመይቲ ማሕበር ትገብሮ ዝነበረት ከይሰልከና ንጸልየሎም።

ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ቡዙሕ ተስልጥ እያ እሞ ብስቡር ልብን ብትሑት መንፈስን ስለ ኣሕዋትና ንጸሊ፣ ንንባዕ ነማልድ። መቐውሖም ክሳብ ዝስበር ስለሌኦም ካብ ምምላድን ምምህላልን ኣይነቃርጽ። ጽባሕ ንጉሆ ካብቲ ንሶም ዝዓድዎ በረኸት ጽድቂ ክንካፈል ሎሚ ብርክና ዓጺፍና ስሊኦም ንጸሊ። ስቓዮም ይሰማዓና፣ ቁስሎም ይሰማዓና፣ ሕማሞም የሕምመና፣ ቃንዝኦም የቐንዝውና። ሰላም ኣምላኽ ክበዝሓሎም፣ ጸጋ መድሓኒኦም ክፈሰሎም፣ ምጽንናዕ መንፈስቅዱስ ክውሕዘሎም ንጸልየሎም። መቁሖም ሞቑሕ ወንጌል ክኸውን፣ ስሌእሞ ከይሰልከና ንጸሊ። ኣምላኽ ሰማይ እታ ናይ ታኣምራት ኢዱ ክዝርጋሓሎም ምስኦም ደው ንበል።