24
Wed, Apr
0 New Articles

ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ፣

Message 1
Typography

 "እግዚኣብሄር ሕያዋይ ምዃኑ ጥዒምኩም እንተኾይንኩምሲ። ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ክትዓብዩ። ከምቶም ሕጂ እተወልዱ ሕጻናት ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ብሃግዎ፣" 1ጴጥ.2።2

 

ሓደ እዋን ንመጽሓፍ ቅዱስ እቶም ዝምልከቶም ኣቕሽቲ (ካህናት) እንተዘይኮይኖም ካልእ ዝኾነ ሰብ ክትርጉሞ ግቡእ ኣይኮነን ብዝብል ትምህርቲ ዝዓበየ እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ ንየሱስ ከም ጎይትኡን መድሓኒኡን ዝተቐበለ ሰብኣይ ነበረ፣

ሓንቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱሱ እናንበበ ከሎ እቲ ካህን ናይታ ቤተክርስትያኑ ክበጽሖ ይመጽእ እሞ እንታይ የንብብ ከምዘሎ ይሓቶ፣ መጽሓፍ ቅዱስ የንብብ ከምዘሎ ምስ ነገሮ ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብተራ ሰባት ክንበብ ከም ዘይግባእን። ዝንበበሉ ቦታን ዝትርጉምዎ ሊቃውንትን ከምዘለውዎ ይነግሮ፣ እቲ ሰብኣይ ድማ " ኣነ ግን መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብ እየ ድሒነ። ኣብ 1ጴጥ.2።2ውን ብእኡ ንምድሓን ምእንቲ ክዓቢ ነዚ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ክብህጎ ከምዘሎኒ ይዛረብ እዩ፣" በሎ፣

እቲ ቀሺ ከኣ "ኣሃ። እሞ እቲ ጸባ እኮ ብበዓል ጸባ እዩ ዝመጽእ። እቶም ሰብ ጸባ ከኣ ንሕና ኣቕሽቲ ኢና" በሎ፣

ሰብኣይ ድማ "ሓቅኹም ኣቦይ ቀሺ። ቀደም መዓልታዊ ጸባ ዘምጽኣለይ በዓል ጸባ ኔሩኒ። ምስ ጊዜ ግን ነቲ ጸባ ማይ ከምዝሕውሰሉ ስለዝፈለጥኩ። ናተይ ላም ክገዝእ ወሲነ። እዚ ሕጂ ዝረኽቦ ዘለኹ ከኣ ሕዋስ ዘይብሉ ጽሩይ ጸባ እዩ፣" በሎ፣

 

ካብዚ ዛንታ መጽሓፍ ቅዱስ ባዕልና እንተጽኒዕናዮ ጥራይ ጽሩይ ጸባን ዘይተበከለ ትምህርትን ክንረክብ ከም ንኽእል ንመሃር፣ ቃል ኣምላኽ ምጽናዕ (ምምጋብ) ንክርስትያን ከምቲ ጸባ ንሓድሽ ዝተወልደ ህጻን ኣገዳሲ እዩ፣ ህጻን ተወሊዱ ንኽዓቢ መግቢ የድልዮ። ሸውሃቱ እንተተኸፍተ ክበልዕ እተተዓጽወ ከኣ ክገድፎ እንተተሓዲጉ ናይ ምንባር ዕድሉ ዝማህመነ እዩ፣ ልክዕ ከምኡ ከኣ ብምድሓን ክንዓቢ እንተደሊና ነቲ ሕዋስ ዘይብሉ መንፈሳዊ ጸባ ማለት ቃል ኣምላኽ ክንብህጎ ኣሎና፣ ብህይወት ንምንባር መግቢ ኣድላዩ ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ የለን፣ ጥዑይ መንፈሳዊ ህይወት ንምሓዝ ቃል ኣምላኽ ምምጋብ ከምዘድሊ ዝዝንግዑ ክርስትያናት ግን ብዙሓት እዮም፣ መግቢ ንሰብ ኣዝዩ ኣገዳሲ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ እቲ ስኡን ዝበሃል ሰብውን ናይ ዕለት እንጌርኡ እንተለመነ ዝረድኦ ኣይስእንን እዩ፣ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር እግዚኣብሄር ዝኣክል ዓቢ ኣምላኽ ንህይወትን ንፍርሃት ኣምላኽን ክኾነና ዝኽእል ኩሉ ነገር ኣዳልዩ እናሃለወ ህይወትና ክትደክምን ብመንፈሳዊ ጥሜት ክንሳቐን ከሎና እዩ፣   

 

ቃል ኣምላኽ ብዘይካ ከም ጸባ ከም መግቢውን ተጠቒሱ ኣሎ። መዝ.119።103፣ ነብይ ኤርምያስ ኣብ ኤር.15።16 ቃል ኣምላኽ ረኺቡ ከምዝበልዐ። ነብይ ህዝቅኤል ኣብ ህዝ.3።1-3 ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ ኣብ ራእ.10።9,10 "መጽሓፍ ከምዝበልዑ" ነንብብ፣ መግቢ ሓይሊ ከምዝህበናን ኣካላትና ብዘይ ብእኡ ክህነጽ ከምዘይክእል ንፈልጥ ኢና፣ ብግቡእ ዘይተመገበ ሰብ ድኹምን ናይ ሕማም ተጻዋርነት ዘይብሉን ከምዝኸውን ከኣ ኣይጠፍኣናን እዩ፣ ብደገ ንዝመጾ ጎንጺውን ክብድሆ ዓቕሚ የብሉን፣ ካብዚ ብዘይፍለ ቃል ኣምላኽ ንምብላዕ ሸለል ዝብል ክርስትያን ብግቡእ ስለዘይተመገበ መንፈሳውነቱ ትሕቲ ሚዛን ይኸውን። ንፈተናን ንናይ ሰይጣን መጥቃዕትን ከኣ ክጻወርን ክከላኸልን ኣይክእልን፣ እቶም ዝብርትዑ እቶም ቃል ኣምላኽ ኣባታቶም ዝሓደረ ኣመንቲ ጥራይ እዮም። 1ዮሃ.2።14፣ ነቲ ቃል ኣብ ልብኻ ምዕቋርን ንእኡ ምስትንታንን እምበር  (መዝ.119።11) ልምዳዊ ምንባብ ጥራይ ብርቱዕ ክርስትያን ኣይገብረካን እዩ፣ እዮብ ንቃል ኣምላኽ ልዕሊ መዓልታዊ መግቡ ከምዝሰርዖ ተዛሪቡ ኣሎ። እዮ.23።12፣ መዓልታዊ ቃል ኣምላኽ ዝምገብ ሰብ ስለዝነበረ ከኣ እግዚኣብሄር "ከም እዮብ ዝበለ" ኢሉ ክሕበነሉ ከሎ ንርኢ፣ እዮብውን  ብኣዝዩ ብርቱዕ ፈተና ሓሊፉ ክነሱ እምነቱ ከየጥፍአ ክወጽእን ክኢሉ፣ ብኣንጻሩ እታ ከም ናቱ ርድኢትን ህይወትን ዘይነበራ ሰበይቱ ግን መግደራ ምስ ወረዶም ኣብ ኣምላኽ ዝነበራ እምነት ከተጥፍእ ጊዜ ኣይወሰደላን፣ ካብዚ ንሕናውን ንቃል ኣምላኽ መዓልታዊ ከምቲ ዝግባእ ጌርና እንተተቐቢልናዮ ንዝኾነ ዓይነት ፈተና ክንገጥመሉን ክንሰግረሉን ንኽእል ሓይሊ ከምዝህበና ክንርዳእ ንኽእል፣

 

ኣብ ወንጌላት ከም እንርእዮ። ጎይታና የሱስ 40 መዓልታት ድሕሪ ምጿሙ ንዝተፈተኖ ቀዳማይ ፈተና ዝሃቦ መልሲ " ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ቃል ከኣ እምበር። ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ፣" ዝብል እዩ፣ ኣብ ዘመንና ብዘይ እንጌራ ክንበር ከምዘይከኣል ዘይርድኦ ሰብ የለን። ብዘይ ቃል ኣምላኽ ክርስትና ክንበር ከምዝከኣል ኣምሲልና ህይወትና እነርኢ ሰባት ግን ውሑዳት ኣይኮንናን፣ እቶም ካብ ቦታ ስራሕና ናይ ምምልላስ ጊዜ ክንረክብ ዘይንኽእል ስልጣንያ ተማሊእና ንኸይድ ኢና፣ ንጉሆ ቃል ኣምላኽ እንተዘይተመጊብናኸ እንታይ ኮን ንገብር ንኸውን? ካብ ሰሙን ምሉእ ምሳሕ ንበልዕ ስለምንታይ ሰንበት ጥራይ ዘይንምሳሕ? ወይ ሓሙስ ጥራይ ዘይንቖርስ? ከምኡ ከኣ መንፈሳውነት ኣብ ሰሙን። ኣብ ወርሒ ወይ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ሓንሳብ ጥራይ ብምምጋብ ኣይንበርን እዩ እሞ። እንተኾነ ንጉሆ ብሂግና ቃል ኣምላኽ ንብላዕ። እንተዘይኮነ ከኣ መዓልትና ክትውዳእ ከላ ሎሚ ቃል ኣምላኽ ተመጊበዶ? ኢልና ርእስና ንሕተት፣