19
Fri, Apr
0 New Articles

ቅኑዕ ትርጉም "ኣሜን"

Message 1
Typography
ሓደ መዓልቲ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ካብ ድንኳን ንግዳም ኣዉጺኡ ከምዚ ኢልዎ, "ንግዳም ኣዉጺኡ ድማ ። ንሰማይ ጠምት ምቑጻሮም እትኽእል እንተ ኼንካ ከዋኽብቲ ቑጸር በሎ፣ ዘርእኻዉን ከምኡ ኺኸዉን እዩ በሎ፣" (ዘፍጥረት 15።5)፣ ኣብ ሰማይ ሚልዮናት ከዋኽብቲ ኣለዉ። ኣብርሃም ግን ኣብቲ እዋን  ሓደ ቖልዓ እኳ ኣይነበሮን፣ ብኣንጻር እዚ ተገራጫዊ ኩነታት እምበኣር ኣብርሃም ግና ንኣምላኽ ኣመኖ ይብል (ዘፍ 15።6)፣



"ኣመነ" ዝብል ቃል  መበቆሉ  "ኣማን" (aman) ካብ ዝብል ናይ እብራይስጥ ቃል  ኮይኑ ካብኡ ድማ እቲ ኣሜን ዝብል ናይ እንግሊዝ  ቃል ንረክብ፣ ትርጉሙ ድማ "ከምዝኸዉን እኣምን እየ" ማለት እዩ፣ ስለዚ እግዚኣብሄር ንኣብርሃም ፍረ ከርስኻ ክንዲ ምብዛሕ ከዋኽብቲ ክኸዉን እዩ ምስ በሎ። ሽዑ ኣብርሃም "ኣሜን። ከምዝኸዉን እኣምን እየ ኢሉ፣" ከምቲ ዝተባህለሉ ከኣ ኮይኑ፣ ተፈጺሙ ድማ፣ ሎሚ ደቂ ኣብርሃም(ብመንፈስን ብስጋን) ብቑጽሪ ሚልዮናት እዮም፣
እምነት ማለት ኣምላኽ ገለ ነገር ምስተዛረበካ "ኣሜን" ክትብል ከሎኻ እዩ፣ እምነት ኩሉ ግዜ ኣብ ቃል ኣምላኽ እዩ ዝምርኮስ፣ "እምበኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ። ምስማዕዉን ብቓል ክርስቶስ እዩ፣" (ሮሜ 10።17)፣ ንኣምላኽ ከይሰማዕኻ እምነት ክህልወካ ኣይክእልን እዩ፣ኣብርሃም መጀመርያ ንኣምላኽ ሰሚዕዎ፣ ሽዑ "ኣሜን" ኢሉ፣ ኣብዚ እዋን ግን ብዙሓት ኣመንቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘይተዛረቦ ነገር እምነት ኣሎኒ ክብሉ ይስምዑ፣ ንሳቶም "ኣምላኽ ማርቸዲስ መኪና ከምዝህበኒ እምነት ኣሎኒ፣ ሕብራ ድማ ጸላም እያ ይብሉ፣" እዚ እምነት ዘይኮነስ ግምታዊ ኣዘራርባ እዩ፣ እዚ ንኣምላኽ ምፍታን እዩ፣ እምነት ዝዉለድ ነቲ ኣምላኽ ዝተዛረቦ ምስ ሰማዕና እዩ፣ ሽዑ ጥራይ ኢና "ኣሜን ከምዝበልካዮ ይኹን" ክንብል ንኽእል፣ ነዚ እንተድኣ ዘኪርካ ካብ ግምታዉነትን ካብ ጌጋ እምነትን ክትሕሎ ኢኻ፣
እምነት ካብቲ እግዚኣኣብሄር ዝሃበና ተስፋ  እምበር ካብ ናይ ዉልቅና ድሌት ዝብገስ ኣይኮነን፣ እቲ ካብ ገዛእ ርእስና ዝምንጩ ባህጊ ናብ ባቢሎን ጥራይ እዩ ዝወስደና፣ እቲ ካብ ኣምላኽ ዝብገስ ግና ናብ የሩሳሌም ይወስደና፣ ኣምላኽ ሓንሳብ ምስተዛረበ መዓስ ንቓሉ ከምዝፍጽሞ ብዘየገድስ "ኣሜን" ምባልና ክንቕጽሎ ኣሎና፣ ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 16 ግን ሳራ ትዕግስታ ከምዝጸንቐቐት ነንብብ፣ ንኣብርሃም ካብ ግዝእታ ኣጋር ዉሉድ ከምጽእ ሓሳብ ሂባቶ(ዘፍ 16።2)፣ ኣብርሃም ሽዑ እንታይ ጌሩ? ዘሕዝን እዩ ንሳራዉን ኣሜን ኢሉዋ፣ ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ወለዶ ኣብርሃም 4000 ዓመታት ዝወሰደ ሽግር ኣምጺኡ፣
ካብዚ ፍጻመ እንታይ ንመሃር? ኣምላኽ እናተዛረበና ኸሎ ንናይ ሰብ ዘረባ ፈጺምና ኣሜን ክንብል ከምዘይብልና እዩ ዝምህረና፣ ናትና ዝኾነ ስጋዊ መንገድታት ከይተጠቐምና። ኣምላኽ ዘሎና ኹሉ ሽግር ክፈትሖ ይኽእል እዩ፣ ማዕዳ ናይ ሳራ ኣየድልየናን እዩ፣ ኣምላኽ ንዘተስፈዎ ዝፍጽም ኤልሻዳይ ኣምላኽ እዩ፣
ከም ሳዕቤኑ እስማዔል ተወሊዱ (ዘፍ 15።15)፣ ኣብዚ ሓደ ነገር ኣስተዉዕሉ፣ እስማዔል ክዉለድ ከሎ ኣብርሃም ወዲ 86 ዓመት ኔሩ፣ እቲ ዝቕጽል ምዕራፍ ኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ምስኾነ እዩ ዝጅምር (ዘፍ 16።16ን 17።1)፣ ኣብተን 13 ዓመታት እንታይ ተፈጺሙ? ኣምላኽ ድሃዩ ኣጥፊኡ፣ ድሕሪ ናይ 13 ዓመታት ስቕታ እግዚእብሂር ንኣብርሃም ወዲ 99 ዓመት ምስኾነ ከምብሓድሽ ተገሊጽሉ፣ ኣምላኽ ከምዚ ዝበሎ ይመስል። " ንናይ ሳራ ሓሳብ ኣሜን ኢልካዶ? በል ኣዝዩ መሪር ትምህርቲ ክምህረካ እየ፣ ክሳብ ካብ ናይ ዝኾነ ሰብ ድምጺ ኣብሊጽካ ንናተይ ድምጺ ተኽብሮ። ን13 ዓመታት ኣይክዛረበካን እየ፣" እወ እግዚኣብሄር ኣዝዩ ጻድቕ እዩ፣ እንሓንሳብ ኣዝዩ ናብ ዉሽጥና ምእንቲ ክሰርጽ ኢሉ። ኣምላኽ ንገለ ትምህርትታት ጽንኩር ብዝኾነ መንገዲ ይምህረና እዩ፣ ድምጺ ኣምላኽ ከይሰማዕካ 13 ዓመታት ምንባር ብጣዕሚ ነዊሕ እዩ፣ ካብ ሽዑ ንደሓር ግን ኣብርሃም ትምህርቲ ስለዝወሰደ ዋላ ኣብቲ ድሒሩ ንይስሓቕ ሰዉኣዮ ኣብ ዝተባህለሉ እዋን ንሳራ ኣይተወከሳን፣
ኣምላኽ ብኣብረሃም ተስፋ ኣይቖረጸን፣ ደጊሙ ከምዚ ኢልዎ። " ድሕሪ ደጊም ስምካ ኣብራም ኣይኮነን(ዕዙዝ ኣቦ) ኣብርሃም እዩ(ኣቦ ብዙሓት) ፣ ድሕሪ ደጊም በቲ ናይ ቐደም ሽም ኣይክትጽዋዕን ኢኻ፣ ኣቦ ብዙሓት ክትከዉን ኢኻ ኢልዎ፣" ኣብረሃም ድማ "ኣሜን" ኢሉ፣ ኣብቲ ነገራት ተስፋ ዘይነበሮም እዋን ድማ ኣብርሃም ኣብ ዉሽጢ ዓመት ወዲ ዉሉድ ካብ ኣምላኽ ተቐቢሉ፣ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዉሉድ ዝሃበሉ ምኽንያት ኣብ መወዳእታ ንኣምላኽ ጥራይ "ኣሜን" ምባል ስለዝተማህረ እዩ፣ ኣብርሃም ዝተዋህቦ ትምህርቲ ብግቡእ ተጥቒሙሉ እዩ፣