20
Sat, Apr
0 New Articles

ኣድላይነት ትሕትናን ቅብኣትን

Message 1
Typography
ኣብ 2ይ ነገስት ምዕራፍ 5 ብዛዕባ ዛንታ ንእማን ነንብብ፣  ንእማን ናብ ንጉስ እስራኤል ምስ ከደ እቲ ንጉስ  እንታይ ከምዝገብር ኣይፈለጠን ኔሩ፣ ናብ ኤልሳእ ድማ ሰዲድዎ፣ ኤልሳእ ከመይ ጌሩ ነዚ ህቡብ ጀነራል ከምዘሕወዮ ኣስተዉዕሉ፣ እዚ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛ ናይ ኣምላኽ ሰብ እንታይ ከምዝመስል እዩ ዘርእየና፣ ሓቀኛ ናይ ኣምላኽ ሰብ ደረጃ ዕቤት ናይ ሰብ ኣይግድሶን እዩ፣ ኤልሳእ ነታ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝደለየት ድኻ መበለት  ዝለዓለ ክብሪ ኣርእይዋ፣  እቲ ህቡብ ናይ ሶርያ ጀነራል(ሰባት ዝሰግዱሉ ዝነበሩ) ምስ መጸ ግን። ክቅበሎ ኢሉ እዃ ኣይወጸን፣ ንእማን እቲ ጀነራል ናይቲ ካብ ዓለም ዝበርትዐ ሰራዊት ኣብ ኣፍደገ  ኣጉዶ እቲ ነቢይ ደዉ ኢሉ ክጽበ ኔርዎ፣ ኤልሳእ መንነት ንእማን ብዙሕ ኣይዓጠጦን፣ ኣየ ከምዚ ዝበለ ነብይ እንተዝህልወና!

ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽ እምበር ኣብ ቅድሚ ገጽ ሰብ ዘይነብሩ ነብያት እንተዝህልዉና ፍልይ ዝበለ ባህሪ ዘለዎም ኣመንቲ ምሃለዉና ኔሮም፣ ኤልሳእ ንንእማን ክሕግዞ ድሉው ኔሩ፣ ኣቐዲሙ ግን ንትዕቢት ንእማን ንታሕቲ ገጹ ከዉርዶ ኔርዎ፣

ንገሓዚ ጊላኡ ልኢኹ ንንእማን ናብ ርባ  ዮርዳኖስ ከይዱ ክሕጸብ ሓቢርዎ (2 ነገ 5።10)፣ ርባ ዮርዳኖስ ረሳሕን ጭቓ ዝመልኦን ርባ እዩ፣ ንእማን ኣዝዩ ተቖጢዑ ከምዚ ኢሉ። "እንሆ ኣነስ ብርግጽ ወጺኡ  ብስም እግዚኣብሄር ኣምላኹ ተማህሊሉ ነቲ ለምጺ ዘለዎ ስፍራ ብኢዱ ዳህሲሱ ዜሕዉየኒ መሲሉኒ ነይረ፣ ካብ ኹሉ ማያት እስራኤልሲ እቲ ርባታት ደማስቆ ኣባናን ፈርጳርንዶ ግዳ ኣይበልጽን? ኣብኡ ተሓጺበዶ ኣይምጸሬኹን? በለ" (2ነገ 5:11-12)፣ ኣዝዩ ብሕርቃን ከኣ ገጹ መሊሱ  ከደ፣

እንሓንሳብ ትዕቢት ሰባት ምእንቲ ከፍርስ ናይ ኣምላኽ ነብይ ንሰባት ዘቖጥዕ ዘረባ ክዛረብ ግቡእ እዩ፣ ኣምላኽ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ንገለ ነብያት ይህብ እዩ። ምኽንያቱ  እቲ እንኮ  ኣምላኽ ንትዕቢትን  ኣንነትን ሰባት ንምቕላዕ ዝጥቐመሉ መንገዲ እዩ፣ የሱስ ብዙሕ ግዜ ንትዕቢተኛታት ሰባት ምእንቲ ትሑታት ክኾኑን ኣብ ዓይኒ ኣምላኽ ድማ ምናምን ከምዝኾኑ ከርእዮምን ዝትንክፎም ዘረባ ይዛረቦም ኔሩ፣ ኣምላኽ ስልጣንን ክብርን ሰብ ኣይገዶን እዩ፣

ንእማን ብዕዮ ኤልሳእ ኣይተሓጎሰን፣ ገላውኡ ግና ቅርብ ኢሎም። "እዚ ነብዪ ጽኑዕ ነገር እንተ ዚዛረበካስ ኣይምገበርካዮንዶ?ተሓጸብ እሞ ጽረ እንተበለካ ግዳ ኸመይ ኢሎም ተዛረብዎ፣" ሽዑ ንእማን ኣብ ዉሽጢ ርባ ዮርዳኖስ ክጠልቕ ተሰማሚዑ፣ ይርኣየኩምዶ እቲ ዓቢ ጀነራል ኣብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ለምጹ እናተራእየ ክዳኑ ከዉጽእ ከሎ፣ ካብ ሕማሙ ክሓዊ እንተድኣ ኾይኑ  ርእሱ ከትሕትን ክእዘዝን ኔርዎ፣ ክሳዕ መዓስከ ክቕጽል ኣለዎ? ክሳብ ቖርበቱ ከም ናይ ቆልዓ ዝጽዕድዉን ዝጸርይን፣ ብገለ ኹነታት ወይ ከኣ ሰብ ትሕት ክትብል ምስ እትግደድ ቓል ኣምላኽ ንዓኻ ከምዚ ይብለካ።- " ክሳብ ንንእሽቶ ቖልዓ ትመስል ንታሕቲ ገጽካ ዉርድ ኢልካ ርእስካ ኣትሕት፣" ክሳብ ነኣሽቱ ቖልዑ ንመስል ፈጺምና ደዉ ክንብል የብልናን። ምኽንያቱ መንግስቲ ኣምላኽ ነቶም ከም ቖልዑ ክኾኑ ዝደልዩ እያ፣ ቆርበት ንእማን ልክዕ ከም ናይ ቖልዓ  ጸርዩ፣ ናትካዉን ከም ቖልዓ ከይኮንካ ፈጺሙ ኣይክጸርን እዩ፣

ኣብ ቅድሚ ገዛእ የዒንትና ኩላትና ዕቡያት ኢና፣ ከቶ ከም ቖልዑ ኣይኮናን፣ እስከ ንቖልዓ ናብ የዒንቱ ትኽ ኢልና ንጠምቶ፣ ኣነ ኣድላይ (ኣገዳሲ) እየ ዝብል ስምዒት የብሉን፣ ንዓናዉን ኣምላኽ ናብዚ ባዶነትና እንርድኣሉ ደረጃ ከዉርደና እዩ ዝደሊ፣ ባዶ ምዃንካ ናብ እተስተዉዕለሉ ደረጃ ምስ መጻእካ። ሽዑ ንስኻዉን ንጹህ ክትከዉን ኢኻ፣ ክሳብ ሽዑ ግና ሾብዓተ ሳዕ ጥራይ ዘይኾነስ ሰብዓ ግዜ ሾብዓተ ንታሕቲ ምጥላቕ ከድልየካ እዩ፣  ንእማን ካብ ለምጹ ምስ ሓወየ በቲ ዓቢ ተኣምራት ዝገበረ  ኣምላኽ እስራኤል እናተገረመ ናብ ኤልሳእ መጺኡ፣  ምእንቲ ክህቦ ኢሉ ድማ ብዙሕ ገንዘብን ክዳዉንትን  ኣምጺኡሉ፣ ኤልሳእ ግን። "እቲ ኣብ ቕድሚኡ ደዉ ኢለ ዘለኹ ህያዉ እግዚኣብሄር እዩ። ከይቅበለካ በሎ፣" (2ነገ5።16)፣ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘይኣመንቲ ዝኾነ ገንዘብ ክንቕበል ከምዘይብልና ይምህረና (3ዮሃ7)፣ ዘይኣማኒ ሰብ ንኣገልጋሊ ኣምላኽ ናይ ምሕጋዝ መሰል የብሉን፣ ሕዝቢ ኣምላኽ ጥራይ እዮም ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ናይ ምሕጋዝ መሰል ዘለዎም፣ ኤልሳእ ካብ ናይ ኣምላኽ ሰባት ህያብ ይቕበል ኔሩ፣ ሓንቲ ሃብታም ሰበይቲ ዘዕርፈሉ ገዛ ክትህቦ ከላ ርኢና ንርኢ ኢና፣ ካብ ንእማን ግን ገለ ነገር ኣይተቐበለን፣ ብዙሓት ናይ ኣምላኽ ሰባት ብምኽንያት ገንዘብ ኣብ ህይወቶም ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምፍላጥ ስሒቶም እዮም፣

ኤልሳእ ንንእማን ኣይቕበልን ክብል ከሎ። ጊልያ ኤልሳእ ገሓዚ ግን " እዚ ጎይታይሲ ክንደይ ይዕሹ ! ሃበኒ ኢሉ ስለዝለመኖ ኣይኮነን ዝህቦ ዘሎ(ወይ ዝኾነ ናይ ጸሎት ደብዳቤ ስለ ዝሰደደ ኣይኮነን ዝመጾ ዘሎ)፣ እቲ ገንዘብ ብኸምኡ እንዳተዋህቦ ከሎ ስለምንታይ ይኣቢ ኣሎ? ብዝኾነ ጎይታይ ምቕባል ካብ ኣበየ ኣነ ክወስዶ እየ" ኢሉ፣  እቲ ስሱዕ ገሓዚ ሓደ ጣኦት ዘምልኽ ሰብ ንኣገልጋሊ ኣምላኽ ገንዘብ ይህቦ ከምዘሎ ኣብ ግምት ኣየእተወን፣ ከምቲ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ደድሕሪ ሃብታማት ዝጎይዎ ንሱዉን ገንዘብ ክረክብ ኢሉ ደድሕሪ ንእማን ጎይዩ (2ነገስት 5።21)፣ ሽዑ ገሓዚ ብሓሶት ካብ ንእማን ገንዘብን ንብረትን ወሲዱ (2ነገስት 5።22)፣ ንእማን ንዘረባ ገሓዚ ኣሚኑ ካብቲ ዝሓተቶ ንላዕሊ ሂብዎ፣ ልብኻ ብስስዐ እንተተመሊኡ። ንስራሕ ኣምላኽ ብናይ ሓሶት መርትዖ ክትጠዉዮ ትኽእል ኢኻ፣

ገሓዚ ነቲ ገንዘብ ምስ ተቐበለ ኣብ ገዛ ከይዱ ሓቢእዎ ኣብ ቕድሚ ኤልሳእ ድማ ከም ንጹህ ሰብ ኮይኑ ጠጠዉ ኢሉ፣ ኤልሳእ ግና ናይ ኣምላኽ ሰብ ስለዝነበረ ብቐሊሉ ክታለል ኣይክእልን እዩ፣ ኤልሳእ ንገሓዚ ኣበይ ከምዝኸደ ሓቲትዎ፣ ንገሓዚ ሓጢኣቱ ክእመን ግዜ ሂብዎ ኔሩ፣ ገሓዚ ግን ሓስዩ፣ ኤልሳእ ድማ ከምዚ ኢሉ መሊስሉ። "እቲ ሰብኣይ ካብ ሰረገላኡ ተመሊሱ ክቕበለካ ኸሎ። ልበይዶ ምሳኻ ኣይከደን? ብሩር ክትወስድ። ክዳዉንትን ኣታኽልቲ ዘይትን ወይንን ኣባጊዕን ኣሓን ተባዕትዮን ኣንስትዮን ባሮት ከኣ ክትወስድሲ ግዚኡ ድዩ?" ንናይ ሎሚ ሰበኽቲ ዝኸዉን ጽቡቕ መልሲ!!

ከምቲ ኤልሳእ ናይ ኤልያስ ግዙእ ዝነበረ ገሓዚዉን ጊልያ ኤልሳእ ኔሩ፣ ከምቲ ኤልሳእ ዕጽፊ መንፈስ ናይ ኤልያስ ዝተቐበለ ገሓዚ እዉን ዕጽፊ መንፈስ ናይ ኤልሳእ ምስ እተቐበለ ኔሩ፣ እዚ  ድማ ኣርባዕተ ዕጽፊ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ዝነበረ መንፈስ ማለት እዩ፣ እንተኾነ ኤልሳእ ቅብኣት ደልዩ ደድሕሪ ኤልያስ ክስዕብ ከሎ ገሓዚ ግን ገንዘብ ክረክብ ኢሉ ደድሕሪ ንእማን ስዒቡ፣ ኤልሳእ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤልያስ ዝነበረ ቅብኣት ተቐቢሉ፣ ገሓዚ ድማ እቲ ኣብ ልዕሊ ንእማን ዝነበረ ለምጺ ተቐቢሉ፣ ገሓዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኩሎም ደቁ እዉን ለምጺ ሒዝዎም። 2ነገ.5።27፣ መንፈሳዊ ለምጺ ሎሚዉን ንብዙሓት ደድሕሪ ሃብታማት ዝስዕቡ። ማለት ገንዘብ ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም ዝሕስዉን ናይ ሓሶት ጸብጻብ ዝህቡን ሰባት የዉድቕ ኣሎ፣ ደቂ እዞም ሰበኽቲዉን ይሳቐዩ ኣለዉ፣ እቲ ትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ። ይስማዕ፣