23
Tue, Apr
0 New Articles

ዮሃ፡20፡1-19

Message 1
Typography
እዚ ዛንታዚ ኣብ ናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ናይ ትንሳኤ መዓልቲ እተኸስተ ፍጻሜ እዩ። እቲ መዓልቲ ብኣቆጻጽራ ኣይሁድ (ብሉይ ኪዳን) ናይ ሰሙን መጀመርያ መዓልቲ እዩ ነይሩ። ብናይ ሎሚ ኣቆጻጽራና ከኣ መዓልቲ ሰንበት ምዃኑ እዩ። እቲ ቦታ ጎይታና እተቐብረሉ ስፍራ እዩ። ከምቲ ሎሚ እንፈልጦ ሬሳ ጥራይ ዘእቱ መቓብር ዘይኮነ፡ እቲ እተቐብረሉ ቦታ ሰፓልክር ዚብሃል ዓይነት እዩ ነይሩ። እዚ ናይ ገዛ ምስሊ ዘሎዎ እዩ። ኣብ ላዕሊኡ ከኣ መእተዊ ቀዳድ ኣሎዎ። በዛ መዓልቲ ትንሳኤ፡ እታ ናይ መጀመርያ ሰብ ናብዚ ቦታዚ ዝመጽአት ማርያም መግደላዊት እያ።

 ቅሐ ጽልሚ ከይቀደደ (ከይወግሐ እንከሎ ወይ ብጸልማቱ) እያ ኣብቲ ቦታ በጺሓ። እቲ ኣብቲ ቦታቲ ዝጸንሓ ኩነታት ግን ከïትኣምኖ ኣይከኣለትን። ትጽቢታ ንስጋ የሱስ ኣበቲ መቐመጢኡ ክትረኽቦ እሞ ብቕብኢ ኪትለኽዮ እያ መጺኣ። ንስጋ (ሬሳ) የሱስ ኪትለኽዮ ምምጻኣ ከኣ ናይ ትንሳኤ የሱስ ትጽቢት ከምዘይነበራ እዩ ዘርኢ። እቲ የሱስ ቅድሚ ሞቱ ደጋጊሙ ኢልዎ ዝነበረ ቃል ከምዘይዘከረቶ/ከምዘይኣመነቶ የረድኣና።
ኣብቲ መቓብሩ ምስመጸት ከኣ ተኸፊቱ ጸንሓ። እቲ ኣብ መገዲ እንከላ መን ክኸፍተለይ እዩ (ማር፡ 16፡3) ዚብል ጾር ተቐንጠጠላ። በዚ ከኣ ቀሰነት። ግናኸ ክልተ ጋሻ ትርኢት ዘሎዎም ፍጡራት ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ረኸበት። ኣብ ትርኣስን ትርጋጽን (እግርን) እቲ ስጋ የሱስ ተቐሚጡሉ ዝነበረ ቦታ ክልተ መላእኽቲ ጠጠው ኢሎም ነበሩ። የሱስ ግን የሎን። ማርያም ከኣ ኣዝያ ሰንበደት። ብንብዓት ዘርባዕባዕ ኪትብል ከኣ ጀመረት። ክዳና ትጥፍጥፍ ነበረት። ካብ ቀዳማዩ ሕጂ ከኣ ዳሕራዩ ገዲዱ ኪትብል ጀመረት። ርእሳ ትረግም ነበረት። እዚ ዘሕስባን ዘንብዓን ዘሎ፡ የሱስ ተንሲኡ ስለዘይረኸበቶ ኣይኮነትን። እንታይ ደኣ፡ ሬሳ (ስጋ) የሱስ ስለዘይረኸበት እዩ። ምኽንያቱ ንዓኣ የሱስ ምዉት እዩ። የሱስ ሬሳ ጥራይ እዩ። ንየሱስ ስለዚሰኣነቶ ኣይኮነትን እትነብዕ ዘላ። እንታይ ደኣ ናይ የሰéስ ሬሳ ስለዘይረኸበት እዩ። ንሬስኡ ቅብኢ ብምልካይ እያ ከተኽብሮ ደልያ ዘላ። ተንሲኡ ኪትርእዮ የውጣ እትኣክል ትጽቢት ኣይነበረታን። ነቶም ደው ዚበሉ መላእኽትን እቲ እተበተነ መግነዝን (ክዳውንቲ) ብላዕሊ ኮይና እናጠመተት ቁዝመኣ ቀጸለት።

እቶም መላእኽቲ ከኣ እንታይ ኮይና ትነብዕ ከምዘላ ሓተትዋ፡ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ?﻾ (ዮሃ፡20፡13ሀ)። ንሳቶም እቲ ዘጋጠመ ናይ ሓቂ ኩነታት ይፈልጡ እዮም። የሱስ ምትንስኡ መሰኻኽር እዮም። ምኽንያት ንብዓታ ከኣ ይርድኡ እዮም። ግናኸ ብምግራም ይሓትዋ ኣሎዉ። ንምንታይ እያ ኣብዘየሎ (ኣብዘይኮነ) ኩነታት እትነብዕ ዘላ ኢሎም የስደሙሙ ኣሎዉ። እቲ ማርያም መግደላዊት ዝሃበቶ መልሲ፡ ነቲ ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ኩነታት ዘንጸባርቕ ነበረ። ምላሻ ንየሱስ ብህይወቱ ኪትርእዮ ሓሳብ/ትጽቢት ከምዘይነበራ ዘብርህ ነበረ። ንብዓትን ቁዝማን ኣየቋረጸትን።

ከምብሓድሽ ከኣ ካልእ ጋሻ መጺኡ ሕቶ ይሓታ። ‘’ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ? ንመንሲ ትደልዪ ኣሎኺ?’’ (ዮሃ፡20፡15ሀ)። እቲ ዚሓታ ዘሎ ሓላው ኣታኽልቲ እዩ መሲልዋ። ንሱ ግን የሱስ እዩ። ንሱ ይፈልጥዩ፡ ነቲ ዘየሎ ኣካል (ስጋ) እያ እትደለï ዘላ። ነቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ኣይኮነትን እተናዲ ዝነበረት። ንሬሳ የሱስ ብቅዱይ ቅብኢ ለኽያ ኣኽብሮታ ከተርኢ እያ እትርበጽ ዘላ። ንየሱስ ንብዓታ ኣብ ዘይቦትኡ እተገብረ ጓሂ እዩ። ጸዓታ ወይ ሓይላ ኣብ ዘይመዓልኡ እያ እተውዕሎ ዘላ። ብሰንኪ ብጌጋ እተረድኣቶ ኩነታት እያ እትበኪ ዘላ። ነዚ መብርሂ ኪኾነና ዚኽእል ሓደ ኣብነት ንርአ። ደርግ ኣብ ኤርትራ ወይ ኣብ ኣስመራ የሎን። ደርግ ካብ ኤርትራ ካብ ዚወጽእ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ደርግ ገና ኣብ ኣስመራ ከምዘሎ ገይሩ ንዚሓስብ ሰብ እንታይ ምበልናዮ? ‘’ዘየሕምም እባ እዩ ዘሕመካ’’ ምበልናዮ። ማርያም መግደላዊት እምበኣር ልክዕ ከምዚ እያ ኣብ ዘየሎ ነገር እትበክን ሓይላ እትጽንቅቕን ዝነበረት። ፍጹም ስሒታ እያ ነይራ። ኣብ ማር፡16፡9-11 እንተረኣና ከኣ እቶም ካልኦት ደቂመዛሙርቲውን ይጉህዩን ይነብዐêን እዮም ነይሮም። እቲ የሱስ ደጋጊሙ ነጊርዎም ዝነበረ መከርኡ፡ ሞቱን ትንሳኤኡን ፈጺሞም ረሲዖምዎ ነበሩ። እቲ ናይ የሱስ መወዳእታ ብጓሂ እተዛዘመ መሲልዎም ነበረ። ልክዕ ከምቲ ትራጀዲ ዚብሃል ዓይነት ዛንታ። እቲ ሓሳቦም ካብቲ ሓቂ ኣዝዩ ርሑቕ ነበረ። ኣብ ምርሳዕን ተስፋ ምቑራጽን እተመስረተ፡ ንዓኣቶም ሓቂ ዝመሰሎም ናይ ባዕላቶም ሓቂ እዮም ስኢሎም ዝነበሩ። እቲ ሓቂ ግን ካልእ እዩ ነይሩ። እቲ ሓቂ፡ የሱስ ተንሲኡ እዩ። የሱስ ሬሳ ኣይኮነን ነይሩ። እዚ የሱስ እዚ ከኣ ንማርያም ከምዚ ኢሉ ይሓታ ኣሎ፡ ‘’ኣቲ ሰበይቲ፡ እንታይ የብክየኪ ኣሎ? ንመንሲ ትደልዪ ኣሎኺ?’’ (ዮሃ፡20፡15ሀ)። እቲ ሕቶኡ ናይ ምግራም ሕቶ እዩ። በቲ እተፍስሶ ዝነበረት ንብዓት ፍጹም ደንጽይዎ እዩ ዘሎ። ምኽንያቱ ንሳ እትነብዕ ዘላ መሰረት ብዘይብሎ እምነታ/ ትጽቢታ እዩ።

ሎሚ ኣብ ህይወትና ጓሂ ዘስዓበልና ብዙሕ ጉዳያት ኪህሉ ይኽእልዩ። ነቲ ዘሎናዮ ኩነታት የሱስ ምንም ክገብረልና ኣይክእልንዩ ወይ ትንሳኤኡ ናይ ሽግርና መልሲ ኣይከውንንዩ ኢልና ንነብዕ ኣሎና። ከም ማርያም መግደላዊት ከየቋረጽና ዝርንዝሕ ንነብዕ ንህሉ። የሱስ ኣብ ህይወትና ብሓይሊ ትንሳኤኡ ህያው እንከሎን ንጉዳይና ሓልዩ ፈጺሙ እንከሎን ንነብዕ ኣሎና።

የሱስ ኣብ ህይወትና ተግባራቱ/ተርኡ ስለዘይገበረ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ብጌጋ እተረዳእናዮ ሓሳብ ስለዘሎ እዩ። ኣእምሮና ተዓጽዩ ስለዘሎ እዩ። ናይ ማርያም መግደላዊትን ናይቶም ካልኦት ደቀ-መዛሙርትን ሽግር፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ኣቐዲሙ ኢልዎም ዝነበረ ሓቂ ክሳዕ ዝርስዐê ኣእምሮኦም ጸልሚቱ ስለዝነበረ እዩ። ነቲ መቓብር ጥራዩ እንተረኸብዎውን ኣይዘከርዎን/ኣይኣመነêዎን። ንየሱስ ኣብ ኣብ ናይ ዝሞቱ ከብሒ ኣቐሚጦሞ እዮም። ንሱ ግን ምስ ምዉታት ኣይነበረን። ህይው ኮይኑ እዩ። ዘይምርዳእና ወይ ናይ ፍልጠትና ጉድለት ነቲ ናይ እግዚኣብሄር ሓቂ ኣይልውጦንዩ። እቲ ሓቂ ጽኑዕ እዩ። ቀዋሚ እዩ። ዘይናወጽን ዘይልወጥን እዩ።




መኣስ እዮም እቶም ደቀመዛሙርቲ ብትንሳኤ የሱስ ተኣማሚኖም?  
የሱስ ኣዒንቲ ልቦም ምስከፈተሎም፡ እቲ ሓቂ ተረዲእዎም። እዚ ኣብ ሉቃ፡24፡45 ንረኽቦ፡- ‘’ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም...’’።
ነቲ ቃል ኣምላኽ ኪርድእዎ ኣእምሮኦም ተኸፍተ። ሎሚ ንሕናውን እንደልዮ ነገር ናይ ኣእምሮና ምኽፋት እዩ። ንኣና ዘድልየና ዘበለ ኩሉ ተፈጺሙልና/ተገይሩልና እዩ። የሱስ ኩሉ ከፊልዎ እዩ። ህያባቱ ከኣ ኣቕሪቡልና እዩ። ዚውሰኾ ነገር የልቦን። ፍቓድ ኣምላኽ ሰናይ፡ ባህ ዘብልና ምሉእን እዩ (ሮሜ፡12፡2)። ነቲ እተዋህበና ከይንጭብጦን ኣብ ጥቕሚ ከይነውዕሎን ደኣ እንታይ እዩ ዓጊቱና ወይ ኣሲሩና ዘሎ? ኣእምሮና ስለ ዘይተሓደሰ/ ዘይተኸፍተ እዩ። ኣብቲ ዕጹው ኣእምሮና እቲ ሓሶት ሓቂ መሲሉና ኣሎ። እቲ ሓቂ ከኣ ከም ሓሶት ወይ ድኹም ነገር ወሲድናዮ ኣሎና። ብሰንኪ ዕጹው ኣእምሮና፡ ክርስትያናት ካብ እንኸውን ዓመታት ጌርና ክነስና እቲ እነንብቦ ቃል ኣምላኽ ግን ኣይርደኣናን ወይ ሓድሽ ነገር ኣይንረኽበሉን። እዚውን ፈውሱ ናይ ኣእምሮ ምኽፋት እዩ። ኣብ 2ጢሞ፡2፡7 ﷽እግዚኣብሄር ብኹሉ ኣእምሮ ኺህበካ እዩ እሞ፡ ነዚ ዝብሎ ዘሎኹ ኣስተብህሎ﻾ ኢሉ መገዲ ይሕብረና።

ኣብቲ ናይ ኤፌ፡4 መልእኽቱ ካብ ጥቕስታት 17-19፡ ጳውሎስ ዘይቅዱስ ህይወት ምስ ኣእምሮ ዘሎዎ ምትሕሓዝ የብርህ። መጀመርያ ኣእምሮ ይጽልምት፡ ቀጺሉ ካብ ህይወት ኣምላኽ ምርሓቕ ይስዕብ። ድሕሪዚ ድንዛዘ ይኽተል። መወዳእትኡ ከኣ ዕብዳን ይመጽእ። ካብዚ ድሒሩ እተዘርዘረ ሳዕቤን ንምድሓን፡ እቲ መዋጽኦ ምሕዳስ ኣእምሮ እዩ። ጳውሎስ ንሰብ ኤፌሶንውን ብናይ ኣእምሮኦም መንፈስ ኪሕደሱ ምዒድዎም (ኤፌ፡4፡23)። ስለምንታይ? ምኽንያቱ፡ ኣእምሮ ናይ ህይወት / በረኸት መተሓላለፊ (መስመር) እዩ። በቲ እተሓደሰ ኣእምሮ ኢና ህይወትን ሰላምን እንቕበል (ሮሜ፡8፡6)።
ኣብ ብሉይ ኪዳን እግዚኣብሄር ብናይ ባርይኡ ዐêረትን ጸማም እዝንን ጉህዩ። ኣብ ኢሰ፡42፡18-19 ? ‚’ኣቱም ጸማማት፡ ስምዐê፡ ኣቱም ዕዉራት ከኣ፡ ክትርእዩስ ጠምቱ። ባርያይ እንተዘይኮይኑስ፡ ዕዉር መን እዩ? ከምቲ ዝልእኮ ልኡኸይ ጸማምከ መን እዩ? ዕዉር ከም ፈታውየይ፡ ዕዉር ከም ባርያ እግዚኣብሄር መን እዩ?’’
     እቶም ናይ ስጋ ኣዒንትን ኣእዛንን ኣይኮኑን ዘዛርቡ/ ዘገድሱ ዘሎዉ። እቶም ናይ ውሽጢ ኣዒንትን ኣእዛንን እዮም። ብዘይእዚኣቶም ባርያ እግዚኣብሄር ዘደንግጽ እዩ ኮይኑ።
ሎሚ ናይ ኣእምሮና ምሕዳስ ልዕሊ ዝኾነ ካልእ ነገር የድልየና። ናይ እግዚኣብሄር ሃብቲ ክብሪ ምእንቲ ክንርኢ። ጳውሎስ ንናይ ቆሎሴ ኣመንቲ ኣብቲ ክርስቶስ እተቐመጠሉ የማን ኣምላኽ ኪጥምቱ መኺርዎም (ቆሎ፡3፡1-3)። ኣቐዲሙወéን ኣብ ቆሎ፡1፡9 ‘’በቲ ፍልጠት ፍቓዱ ብኹሉ መንፈሳዊ ጥበብን ኣእምሮን ኪመልኣኩም፡ ምእንታኹም ጸሎትን ልማኖን ኣየብኮርናን’’ በሎም። ኣብ ነፍስወከፍ መልእኽቱ፡ ጳውሎስ መንፈሳዊ ኣእምሮ ምስ ጥዑይ መንፈሳዊ ህይወት ዘሎዎ ርክብ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን። ስለዚ ካብ ዛንታ ደቀ-መዛሙርቲ የሱስ ጀሚርና ኣብ ላዕሊ ከምዝረአናዮ፡ እዞም ዚስዕቡ ጉዳያት ምስ ኣእምሮ እተተሓሓዙ እዮም።
እምነት ወይ ዘይእምነት ምስ መንፈሳዊ ኣእምሮ ይቆራነ። (ሉቃ፡24፡45 ዮሃ፡ 20፡1-19)
ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ኣእምሮና/ ምርዳእና ይሰፍር። (ሮሜ፡12፡2)
ምርዳእ ቃል እግዚኣብሄር ንኣእምሮና እዩ ዚውሃቦ። (ሮሜ፡8፡6)
    ስለዚ ምሕዳስ ኣእምሮ ንነፍስወከፍ ኣብ ህይወትና ዘሎ ሕማም፡ መድሃነðት እዩ። እግዚኣብሄር ‘’ብኹሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮ’’ (ቆሎ፡2፡2) ብሓባር ስምረት ይሃበና።