29
Mon, Apr
0 New Articles

መልእኽትና ንፍለጦ

Message 3
Typography

ምድሓን ኣዝዩ ዓቢ ነገር እዩ። ሰብ ንኽድሕን ግና ሓደ ቀሊል ነገር ክገብር እዩ ተኣዚዙ ስም ጥራይ ክጽውዕ። ነስተውዕል ስማት ወይ ኣስማት ኣይበልናን። እቲ ስም'ቲ ኸኣ ስም ካልእ ዘይኰነ ስም የሱስ እዩ። ሰባት ኣብ ቀረባ ይሃልዉ ኣብ ርሑቕ፡ እሩማት ይኹኑ ነውራማት፡ ሃብታማት ይኹኑ ድኻታት ወንጌል ሰሚዖም ኣብ ዘለው ዎ  ኰይኖም ብእምነት 'የሱስ' ኢሎም ከድሕኖም እንተጸዊዖሞ ይድሕኑ እዮም።

 

 

 ነዚ ሰማይን ምድርን ክሓልፍ ዘይሓልፍ ቃሉ እስኪ ንስማዕ። ኣብ ሓድሽ ኰነ ኣብ ብሉይ ብንጹር እዩ ነዚ ኣቐሚጥ ዎ ። ሰባት ነዚ ንጹር መገዲ ገዲፎም ምእንቲ ክድሕኑ ካልእ ስማት ክጽውዑ ምግባሩ ናይቲ ዓብዪ ገበልን ኣረጊት ተመንን ናይ ምስሓት ክእለት ክሳዕ ክንደይ ረቒቕ ምዃኑ ጥራይ እዩ ዘገንዝበና።
 
“...ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኻ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሃልውኻ። ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዉ ኣብ ማይ ከኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ካብ ዘለዉ  ምስልን ስእልን ዘበለ ንዓኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎም ኣይተገልግሎም ድማ። ...” ዘጽ 20፡2-5።
 “እቲ ጽሑፍ ብእኡ ዝኣምን ዘበለ ኣይሓፍርን ይብል እዩ እሞ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ ብኣፉ ተኣሚኑ ይድሕን እዩ። ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምውታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ ክትድሕን ኢኻ። ማለት ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር (ጐይታ) ዝጽውዕ ክድሕን እዩ...” ሮሜ 10፡9-12።
 “ብእኡ ክንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ ምድሓን ብሓደ ካልእ ከቶ የልቦን።” ግብ 4፡12።
 
 መጽሓፍ ቅዱስ ስም እግዚኣብሄር (ጐይታ) ምጽዋዕ ማለት ከምቲ ብልምዲ 'ደሓንዶ ሓዲርካ?' 'እግዚኣብሄር ይመስገን' እንብሎ ጽቡቕ እኳ ክነሱ ከምኡ ማለቱ  ኣይኰነን። ካብ ሓጢኣቶም ክድሕኑ እግዚኣብሄር ዝለኣኸሎም እንኮ መድሓኒን ስምን ምዃኑ ካብ ቃሉ ሰሚዖምን ኣሚኖምን ተረዲኦምን ክጽውዕ ዎ  ማለት ድኣ እዩ። 'ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይኣመኑ ከመይ ኢሎም ክጽውዕ ዎ  እዮም? ...' ይብል ሮሜ 10፡14። ስለዚ ናይ እምነት ምጽዋዕ እዩ ዘድሕን።
 
 ቈልዓ ከልቢ እንተ መጾ ፈሪሁ እንዳ ጐየየ ስም ኣቦኡን ስም ኣዲኡን ስም ዓብዪ ሓዉን ሓብቱንë ኣብ ቀረባ ዘሎ ዝዀነ ጋሻ'ውን ከይተረፈ  ምንጋፍ ክረክብ ይጽውዕ እዩ። ኣብ ምድሓን ግን ብ ጀካ የሱስ ተጸዊዑ ዘድሕን ካልእ የልቦን። የሱስ ከም ገለ እንተ ዘየድሓነ ካልእ ዋሕስ ምግባር ዝብል ሓሳብ ጥበብ ሰብ እምበር ጥበብ ኣምላኽ ዘይብሉ ስለ ዝዀነ
ኣይሰርሕን እዩ።  የሱስ ዘየድሓና ነፍሲ ንዘልኣለም ኣይትድሕንን እያ።
እቲ ደገ ንሱ እዩ፡ ብእኡ ዝኣቱ ይድሕን፡ ብኻልእ ክሓኵር ዝፍትን ንሱ ሰራቕን ጉሒላን እዩ። ዮሃ 10።
 
 ካልኦት ኣስማትን ጣኦታትን ኣማልኽትን ዘየድሕኑ ከንቱ ጥራይ ዘይኰኑ ጻዕርን ሓዘንን ድኻምን ዝውስኹ ድማ እዮም። ዳዊት ኢሉ 
 “ጻዕሪ (ጓሂ/ሓዘን) እቶም ናብ ካልኦት (ኣማልኽቲ) ዝጐዩ ክበዝሕ እዩ። ናይ ደም መስዋእቲ መስቲኦም ኣይክስውእን ንስሞም ኸኣ ብኸናፍረይ ኣይከውስእን እየ።” መዝ 16፡4።
 “ሓፍረት ጣኦታት ግና ንፍረ ጻዕሪ ኣቦታትና ነባጊዖምን ንኣሓኦምን ነወዳቶምን ነዋልዶምን ካብ ንእስነትና  ጀሚሩ በልዖ።” ኤር 3፡24።
 
 ስለዚ እቶም ዝበርሃልና ነቶም ዘይበርሃሎም ሰባት እዚ ብንጹር ከነፍልጦም ቀዳማይ ዕማምና ምዃኑ ነስተውዕል። ቃሉ ክንዛረብ ዕድል እንተ ረኺብና ነቶም ዘይተረድኡ ንኻልእ  ኲሉ ገዲፍና እዚ ከነረድኦም ማለት ካልእ ስም ምጽዋዕ ሓዲጐም ስም ጐይታ የሱስ ጥራይ ክጽውዑ እንተ ጌርናዮም ናብ ምድሓን ኣብጺሕናዮም ኣሎና ማለት እዩ። ንሕና ምስኦም ከሎና ጥራይ ዘይኰነ ብድሕሬና  ስም ካልእ ከየውስኡ ብቐጻሊ ስም የሱስ ጥራይ እንተ ጸዊዖም ካብ ሓጢኣቶም ድሒኖም እዮም። መልእኽትና ኣብ ምብጻሕ እቲ ዝዓበየ ብድሆ እዚ እዩ። 
 
 ምስዚ ዝመዓራረ ካልእ ብድሆ ኸኣ ነቶም ካልኦት ስማትን ኣማልኽትን ዘይጽውዑ ናብ ኣምላኽን ምድሓኑን ጽድቁን ክበጽሑ ለይትን መዓልትን በብግብሮም ዝጽዕሩ ወገናት ከኣ እቲ ኣብ መንጐ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ሓደ መተዓረቒ እቲ ሰብ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ምዃኑ ከነረድኦም እዩ። 1ጢሞ 2፡5  ዮሃ 14፡6።