16
Tue, Apr
0 New Articles

ዝፈልዮ ኣይነበረን ግን ከኣ ፍሉይ እዩ ነይሩ!

Message 3
Typography

“ከምዚ ዝገበርክዎ ክትገብሩ ኣርኣያ ሓዲገልኩም “ ኣለኹ። መሊሱ’ውን “ካባይ ተመሃሩ..” ዝበለ መን ምኻኑ ኣይንስሕቶን ኢና። የሱስ ከምዚ ኢሉ እንክዛረብ ድፍረት ወይ’ውን ግብዝና ኣይነበረን። የሱስ ንዓና ኩሉ ግዜ እንቋመቶ ምሳሌና እዩ። ኣካይዳኡ፣ ኣነባብርኡ፣ ኣዘራርብኡ፣ ኣከዳድንኡ፣ ኣጠማምታኡ ኩሉ ዝወጾ የብሉን። ክትቀድሖ ክትመስሎ ዘብህግ እዩ።


ካብ ኣፉ ዝወጽእ ናይ ጸጋ ቃል ክትሰምዖ ሃረር እዩ ዘብል። የዒንቲ ኩለን ድማ ናብኡ’የን ዝጥምታ። ቆላሕታ የዒንቱ ውነኻ ዝምስጥ እዩ። መልክዕ ጽባቄኡ ብዙሕ ዘየብህግ ክነሱ፣ ምስኡ ውዓል፣ ምስኡ ቀኒ ዝብለካ ባህርይ ኣለዎ። ዓበይትን ንኣሽቱን፣ ሰበ ስልጣናትን ጭዋታትን፣ ሃብታማትን ድኻታትን፣ ምሁራት፣ ናይ ሃይማኖት ሰባት ካብ ጥበብ ኣፉ ክጸግቡ ሃረር ይብሉ። ገሊኦም ክንድቅስ ከነዕርፍ ከይበሉ ብለይቲ ዝመጹ፣ ዝናኡ ሰሚዖም ካብ ርሑቅ ዝጓዓዙ ውሑዳት ኣይነበሩን። ከብዶም ምዕንጋል ክሳብ ዝርስዑ ብየሱስ ውኑኦም ዝተመሰጠ ታእላው ኣይነብሮምን። ስልጣን ዘረባኡን ዕምቆት ፍልጠቱን ስፍሓት ምስትውዓሉን ብኣእምሮኻ ከተዕቅሮ ኣይክኣልን እዩ። ገሊአተን ካብ ማህጸነን ዝወጸ ዝተወልደ ክኸውን ተምንየን። ገሊኦም ቃላቱን ግብሩን ምስ ረኣዩ መንዚዖም ከንግስዎ ፈቲኖም። ኣዝዩ ፍሉይ ስለ ዝዀኖም ምስ ማንታይ ከም ዝምድብዎ፣ እንታይ ኢሎም ከም ዝጽውዕዎ ሕርብት ኢልዎም። ከምዚ ዝበለ ቅድሚ ሕጂ ኣይተርየን ብእዝኒ ኣይተሰምዐን ብምባል ንኽገልጽዎ ክሳብ ዝሽግሮም የሱስ ዓቢ ኰይንዎም እዩ፣ ግምቶም ድማ ሓቂ እዩ። ብድንጋጸ ከምኡ ዝድንግጽ፣ ብፍቅሪ ከምኡ ዘፍቅር፣ ብምሕረት ከምኡ ዝምሕር ኣይተራእየን፣ ኣብ እዝኒ ኣይተጸውየን። ከም ቃሉ ዝነብር፣ ኢሉ ዝገብር፣ ንሓደ ዘይዓመጸ፣ ንርእሰይ ከይበለ ንኻልኦት ዘገልገለ ከም የሱስ ዝበለ ኣይተዘንተወን። ብፍላይ ዝምህሮ ዝነብሮ፣ ዝነብሮ ኸኣ ዝምህሮ ብርቱዕ ሰብኣይ እዩ ዝነበረ። ትሕቲ ኩሉ ወሪዱ ዘኽብር፣ ተሸኪሙ ንሸኸም ዘዕርፍ ጎይታን መምህርን። ብሓይሊ ኣገዲዱ ዘይፈልጥ፣ ብኣእምሮ ድማ ንማንም ዓዚሙ ዘይፈልጥ ሓቂ እዩ።

የሱስ ክሳብ ክንድዚ ዓብይን ግኑን እኳ እንተነበረ፣ ሰባት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ፈልዮም ከለልይዎ ይሽገሩ ነበሩ። ብደገ እንክትርእዮ ካብቶም ዝስዕብዎ ዝፈልዮ ወለሓደ ኣይነበሮን። ዝኽደንዎ ዝኽደን፣ ዝረግጽዎ ድማ ዝረግጽ ኣርኣያ ዝነበሮ መምህር እዩ ነይሩ። ዝፈልዮ ዘንጸባርቅ ክዳን፣ ወይ’ውን ክቡር ዓዕናቅ ስለ ዘይነበሮ፣ ንሰባት ግር ይብሎም ነበረ። ሰባት ዝለመድዎ መራሕን መምህርን እንክብሃል፣ ምርኡይ ዘብለጭልጭ ክዳን ዝተኸድነ እዩ። የሱስ ግና ዘለዎ ዝህብ፣ ብናይ ሰብ ህያብ ፍሉይ ኰይኑ ክርአ ዘይፍትን ጓሳ እዩ። ርእሱ ዘጽለሉ ገዛ ወይውን ኣጉዶ ኣይነበሮን። ካብ ቦታ ንቦታ ክጎዓዝ፣ ኣድጊ ወይ’ውን ፈረስ ዓድጉለይ ኣይበለን። ዓስቢ ኣገልግሎቱ ክህብዎ ኣይተጸበየን፣ እንተዝህብዎ’ውን ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ንድኻታትን ሽጉራትን ምርዳእ ልማዱ እዩ። ምድራዊ ኣገልጉሎቱ ምኽንያት እቶት ክጥቀመሉ ኣይፈተንን። የሱስ ካብ ዓስቢ ኣገልግልት ንልዓሊ፣ ኣገልግሎት ዝሓቶ ዋጋ ኣዝዩ ይርዳእ ስለ ዝነበረ፣ ወዲ ሰብ ከገልግል እምበር ክግልገል ኣይመጸን ኢሉ። እዚ ድማ ዓሚቅ እዩ።

ኣብ መንጎ ብዙሓት ሰባት እንክቅመጥ፣ ኣብ ማእከል እምበር ኣብ ቅድሚት ኣብ ኣውራ መቀመጢ ክቅመጥ ኣይደለየን። ልዕልን ፍልይን ዝበለ ወንበር’ውን ኣይተመነየን። ኣብ ክንዲ ክቡር ዝዋግኡ ክዳን፣ ብዓለባ ዝተሰርሐ ተራ ክዳን ክለብስ ክብረቱ እዩ። ብደጋዊ ትርኢቱን ኣካውንኡን  ሰብት ከም ዝፈርሕዎ ኣይኰነን።  ካብ ናብ ሃብታማት ናብ ድኻታንን ብሰብ ናብ ዝተናዕቁ ይቀርብ ነበረ። ኣብ ማሕፍዳኡ ክንደይ ገንዘብ ከም ዝነበሮ ፈጺሙ ኣይፈልጥን ነበረ። የግዳስ ዝተቀበልዎ ገንዘብ ንዝተጸገሙ ክውዕል ኣሕሚሙ ይዛረብ ነበረ። ዘጽልለላ ገዛ ክገዝእ ወይ’ውን ክሰርሕ ዘይምሕሳቡ ኣዝዩ ዘገርም እዩ። ብግዕዞ የዕሪፉ እኳ ዘይፈልጥ እንተነበረ፣ መጓዓዝያ ክውንን ግና ተዛሪቡ ኣይፈልጥን እዩ። እንተዝደሊ ከም ግዜ ሆሳእና፣ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ። ሰብ እንተሓተተኩም ድማ ጎይታ ይደልያ ኣሎ በልዎ ኢሉ ክእዝዝ ይኽእል ነይሩ እዩ። ንሱ ግና ብኣርኣያ ምምራሕን ምምሃርን ቅዲ ህይወቱ እዩ።

የሱስ ኣብ መንጎ ኣተሓሳስባ ዓለምን፣ ናቱ ትምህርቲ ዘሎ ፍልልይ እንታይ ምኻኑ ከረድኦም ብዙሕ ፈቲኑ እዩ። ኣብ ዓለም ሓለፍቶም ከም ዝገዝእዎም ትፈልጡ ኢኹም፣ ኣነ ግና ይብለኩም ኣለኹ እቲ ምርኡይ ክኸውን ዝደሊ፣ ግዝእኩም ይኹን በሎም። ካብ ኩሎም መን ከም ዝዓቢ ምስ ሓተትዎ፣ እቲ ክዓቢ ዝደሊ ግዙእ፣ ትሕቲ ኩሉ ይኹን ኢሉ ኣስተሚህርዎም እዩ። የሱስ ምስ ከበረ፣ ሓደን ብየማን እቲ ሓደ ድማ ብጸጋም ክቅመጥ ምስ ሓተቱ፣ ንዕኡ ምስዓብ ዋጋ ዘኽፍል ምኻኑ፣ ኣገልግሎት ዝቅርበሎም ጽዋእ ክሰትዩ ድልዋት ክዀኑ መዓዶም። እዚ የሱስ ዝመሃረ ብቃል ጥራይ ኣይነበረን። ንሱ ባዕሉ እንተኰነ እዛ ናይ መከራ ጽዋእ ካባይ ትሕለፍ፣ ግና ፍቅድካ እምበር ፍቃደይ ኣይኹን ኢሉ እዩ። ዘለዎ ኩሉ ገዲፉ፣ ገዛ ርእሱ ድማ ባዶ ገይሩ። ስለ ዝዀነ ክስዕብዎ ምስኡ ክዀኑ ንዝሓተትዎ፣ ዕሽር እንተዘይ ኣምጺኹም ኣይበሎምን። ወይ’ውን ዘለካ ኩሉ ሽይጥካ መጀመርታ ናባይ ኣምጽኣዮ ኣይበለን። ኪድ ንድኻታት ሃብ ድሓር ድማ ስዓበኒ ደኣ ኢሉ ይምህር ነበረ። ገዛእ ርእሱ ሰብ ገይሩ፣ ከም ባርያ ድማ ስለ ዝተኣዘዘ፣ ባሮት ኩኑ ክብል ድፍረት ረኺቡ። ጎይታን መምህርን ክነሱ፣ በታ ዝኸብረላ ግዜ ዓለባ ተዓጢቁ እግሪ ደቀ መዛሙርቱ ሓጺቡ። ዝገበርክዎ ክትገብሩ ድማ ኣርኣያ ይህበኩም ኣለኹ ኢሉ። ውነኻ ዝምስጽ ግሩም ጓሳን መምህርን።

ካባይ ተመሃሩ፣ ኣካይዳኹምን ኣነባብራኩም ከምዚ ናተይ ግበሩ፣ ክትገብሩ ኣርኣያ ይሓድገልኩም ኣለኹ ዝበለ መምህን መራሕን ኣብ ዘመን ህይወተይ ኣጋጢሙኑ ኣይፈልጥን እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ዘበን ፣ ኣብዚ ወለዶ ። ኣገልግሎት መጋብሮ ረብሓ ኣብ ዝዀነሉ ዘመን። የሱስ ኣንግሱኒ፣ ሽሙኒ ኣይበለን። ከንግስዎ ክሸምዎ ምስ ደለዩ’ውን ምሉቅ ኢሉ ሃደመ እምበር፣ መጎስ ኣምላኽ በዚሑለይ ብምባል መለኸት ኣይነፍሐን። ናይ ምህላዉን ምግልጋሉን ዕላማ ጥራይ ዘገድሶ ብርቱዕ መራሕን መምህርን እዩ ዝነበረ። ንከምዚ ዝበለ መምህርን መራሕን፣ ብጻዕዳ ኢድካ ከዲፍካ ብጸሊም ኢድካ እንክትግዝኦ ብሓቂ ብቁዕን ግቡእን እዩ። የሱስ ሰዓብቲ ከብዝሕ ኢሉ ሓሲቡ ኣይፈልጥን፣ ንዝሰዓብዎ ግና ንጻውዒት መንግስቲ ኣምላኽ ብቁዓት ክገብሮም ብዙሕ ይጽዕር ነበረ። ንገሊኦም ሃቀናኦም ፈሊጡ ንምዉታት ምውታት ይቅበርዎም “ሰዓበኒ” ደኣ በሎም። ንገሊኣቶም ድማ ወዲ ሰብ እትደይዎ ዘለኹም ስጋዊ ጥቅሚ የብሉን፣ ስለዚ ካብ ምስዓብ ተመለሱ በሎም። ብዓቢኡ ድማ ንደቀ መዛምርቱ “ንስኻትኩም ክትከዱ ትደልዩ’ዶ ኢኺም” ብምባል፣ ብጥዑይ ሓቀና ክስዕብዎ መታን ኣዋጢርዎም እዩ። የሱስ ሰዓብቲ መታን ከብዝሕ ኢሉ ምስ ፈሪሳውያን ተዳፊኡ ኣይፈልጥን እዩ። ንፈርሳውያን መታን ክኸስቦም ግና ይግስጾምን የዋጥሮም ነበረ።

የሱስ ንደቀ መዛምርቱ ምስኡ ክዀኑ ክልእዀምን እዩ ዝጸውዖም። ቅድሚ ምልኣኹ ግና ክምህሮምን ከሰልጥኖም ናይ ግድን እዩ። ብዛዕባ ሓደ ነገር ከኣ ርግጸኛ ነይሩ። ንመንግስቲ ኣምላኽ ብቁዓት ኰይኖም መታን ክመላለሱ፣ ንሱ ባዕሉ ደኣ ከገልግሎም እምበር ንሳቶም ከም ዘየገልግልዎ እዩ። የሱስ ኣገላግልኡ ኣመራሓሑ ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ። በይኑ ከይተርፍ፣ ብዘይ ሰዓብቲ ከይከውን ተሰኪፉን ሓሲቡን ኣይፈልጥን። ከምቶም ካልኦት መራሕቲ ክስከምዎ ዘይክእሉ ኣርዑት ከሰክም ኣይፈተነን። ንሱ ከገብሮ ፋቃደኛ ዘይኰነ፣ በጻብዑ ክትክንዮ ዘይደለየ ንሰዓብቱ ክገብርዎ ኣይሓተቶምን። ውሽጡን ደጊኡን ሓደ እዩ። ኩሉ ባዕለይ ኣይበለን። ንሱ ዝገብሮ መታን ክገብሩ ባይታን መድረኽን የዳልወሎም ነበረ። ብቃልን ብግብርን ምስ መሃሮም ድማ፣ “ኣነ እንተኸድኩ ይሕሸኩም” በሎም። ንዕኡ ዝመስሉ ስለ ዝመሃረን ዘፍረየን፣ ሕጂ እንተኸድኩ ምንም ስክፍታ የብለይ ኢሉ። ክንደይ ግሩም መምህርን መራሕን። ኣባታቶም ዝዘርኦ ስለ ዝፈለጠ፣ እንተሊኢኽዎም ብዘይ ፍረ ከም ዘይኰኑ ርግጸኛ እዩ። ሕድሪ ከሰክሞም ኣይተወላወለን። ኣባታቶም ዝነበረ ናይ ምምራሕ ብቅዓት ንኽግለጽ ብቃልን ብግብርን ስለ ዝመሃሮም፣ መንግስቲ ኣምላኽ መታን ክትሰፍሕ ንኽለቆምን ክልእዀምን ኣይተጠራጠረን።

ኣብ ማሕፉዳ ኣቀሚጡ፣ ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና ኢሎም ክጽልዩ ኣይመሃሮምን። ብልዑን መስቲኡን ፍቃድ ኣምላኽ እዩ ዝነብረ። ኣብ ማሕፉዳ ገንዘብ ሒዝካ ውይ’ውን ገንዘብ ደሊኻ ከም ዘይግልገል ብቃልን ብግብርን ምሂርዎም እዩ። ኣብ ኢድኩም በትሪ ድኣ እምበር ልዋጥ ክዳን ኣይትማልኡ በሎም። ንኣገልግሎት ምስ ዝገሹ ድማ ኣየናይ ብቁዕ ሰብ ምኻኑ ክሓቱ፣ ኣብኡ ድማ ክዓርፉ እምበር፣ ዝበለጸ ዋግኡ ክቡር ዝዀነ መዕረፊ ኣጋይሽ ክጽበዩ ከም ዘይብሎም ኣርኢዎም እዩ። ተመሊሶም ዝሓስብዎ፣ ንልቦም ዘኽብድ ጥሪትን ሓልዮት እዛ ዓለምን ክገብሩ ከም ዘይብሎም ኣሕሚሙ መሃሮም። የሱስ ብኹሉ ሸነኽ ዋጋ ኣገልጋሊ እንታይ ምኻኑ ብቃልን ብግብርን ምሃሮም። እዚ ድማ ፍሉይ ይገብሮ። ኣብ ኣገልግሎት ዘለካ ትህብ እምበር፣ እቶት ትረኽበሉ ከም ዘይኰነ፣ ብውርደት ትሓልፈሉ እምበር ክብረት ትጽበየሉ ከም ዘይኰነ፣ ትሕቲ ኩሉ ትሕት ትብለሉ እምበር ልዕል ንኽትብል ትመርጸሉ መድረኽ ከምዘይኰነ ብቃልን ብግብርን ምሂሩ እዩ።

ይሁዳ ንየሱስ ኣብ ጌተሰማኔ ከትሕዞ ከሎ እንተዀነ፣ ነቶም ሓላቁ ዝበሎም ኣዝዩ ዘገርም እዩ። “እቲ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፣ ንዕኡ ሓዝዎ በሎም።” ንየሱስ ካብ ደቀ መዛምርቱ ፈሊኹም ክትፈልጥዎ ክትሽገሩ ኢኹም። ኩሉ ነገሩ ከምኦም እዩ። ዝኽደንዎ ይኽደን፣ ዝረግጽዎ ድማ ይረግጽ ። ንሳቶም’’ውን ንዕኡ ክመስሉ ስለ ዝጽዕሩ፣ ዘረባኦምን ኣካይድኦም ከም ናቱ እዩ። ምስኦም ግዜ እንተዘይየሕሊፍኩም ክትፈልይዎም ክትሽገሩ ኢኹም በሎም። የሱስ’ውን እንተዀነ፣ “ንመን ትደልዩ ኣለኹም ኢሉ ምስ ሓተቶም፣ ንዓኻ ኣይበልዎን። ካብቶም ምስኡ ዝነበሩ ፈልዮም ከለልይዎ ስለ ዘይክኣሉ፣ “ንየሱስ ናዝራዊ ንደሊ ኣለና” ድኣ በልዎ። ኣነ እየ እንተዘይብሎም፣ ይሁዳ መጺኡ እንተዘይስዕሞን ክለልይዎ ምተሸገሩ። ሓቂ እዩ፣ የሱስ ፍሉይ ዝገብሮ፣ ገና ደቀ መዛምርቱ ዘይበጽሕዎ ውሽጣዊ ጽባቄኡን ባህሪኡን ጥራይ እዩ። ብደገ እንክርአ፣ የሱስ ሰዓብቱ ዘይነበሮም ምንም ነገር ወኒኑ ኣይፈልጥን እዩ። ንሳቶም ዘይብሎም፣ የሱስ ሃልይዎ ኣይፈልጥን እዩ። እንተዝነብሮ’ውን ከማቅሎም፣ ከካፍሎም ልማዱ እዩ። ዋጋ ኣገልጋሊ ከምኡ ምኻኑ ይፈልጥ እዩ።

ኣብ ጌተሰማነ ንየሱስ ክሕዝው ምስ መጹ፣ ጴጥሮው ኣብ የሱስ ርእይዎ ዘይፈልጥ፣ ዘይተማህሮ ተግባር ፈጺሙ እዩ። ሰይፉ ኣውጺኡ እዝኒ ባርያ ቀያፋ ቆሪጹ። የሱስ ዝበሎ እንተነይሩ፣ “ሰይፍኻ ናብ ስፍርኣ ምለሳ” እምበር፣ ንፉዕ ተባዕ ኢሉ ኣይነኣዶን። የሱስ ኣናዒቡ ወይስ ዓሚጹ ኣይፈልጥን እዩ። ወዲ ዳዊት፣ ንጉስ ይሁዳ ክነሱ ኣብ ኣጻብዕ ኣድጊ ተወጢሑ ናብ የሩሳሌም መጸ እምበር፣ ከም ብርቱዕ ተዋግኣይ ንውግእ ከም ዝተዳለወ ብፈረስ ኣይመጸን። ንሱ ንሰላም ልዕሊ ኩሉ ይመርጻ እዩ። ንስዕብዎ ድማ ብግብርን ብቃልን ምሂርዎም እዩ። የሱስ ኣብ ናይ መጨርሽታ ትኣምሩ እዝኒ ዝፈወሰ ኣዚና ክንሰምዕ ስለ ዘደለየና ይኸውን። ኣታ ወለዶ መንፈስ እቲ ንማሕበራት ዝብለን ዘሎ ስማዕ ዝብል ዘሎ ይመስል።

ሃዋርያ እንተዀኑ ትምህርትን ህይወትን የሱስ እናርኣዩ ስለ ዝዐበዩ፣ ከም ሰብ ቅረጤስ ኣክብዲ ኣይነበሩን። ብገዛእ ኢድካ እናጸዓርካ ካብ ማንም ከይደለኻ ምግልጋል ከም ክብረት ይቆድርዎ ነበሩ። ካብ ማሕበር ደሞዝ ተጸብዮም ኣይፈልጡን እዩም። እዚ ድማ ኣዝዩ’ዩ ዘገርም። ጳውሎስ ዝዓበየ ናይ ሓዲሽ ኪዳን ኣገልጋሊ ክነሱ፣ ብወንጌል ክምገብ’ውን ግብኡ ክነሱ ኣይተማጎተን።  ካብታ ዘላቶም፣ ካብ ጥልቂ ድኽነቶም ክህቡ ከለዉ፣ ንዘይብሎም ከማቅል እምበር ንሱ ባዕሉ ካብኡ ክጥቀም ከም ነውሪ ይዀኖ ነበረ። ዘይሃበ ክርገም እዩ ኢሉ ተዛሪቡ ወይስ ጽሒፉ ኣይፈልጥን። ንሱ ባዕሉ ኩሉ ስኢኑ፣ ንኻልኦት ከጸግው መዓልታዊ ጉያኡ ነበረ። ብዛዕባ ካልኦት ምንም ግዲ የብሎምን፣ ጥቅሚ ገዛእ ርእሶም ጥራይ እዮም ዝሓስቡ ብምባል ንወንጌል ዝበቅዕ ንብረት ስለ ዘይነበሮም እናነብዐ ጽሒፉል ኣሎ። ከምቲ ንኤሊ ዝተነግሮ መርገም፣ ንእንጌራ ዝግዛእን ዘገልግልን ናይ ሓድሽ ኪዳን ካህን ኣይነበረን። “ንማንም ኣይዓመጽኩን፣ ኩሉ ምኽሪ ኣምላኽ ድኣ ኣፍለጥኹም። ስለዚ ካብ ደም ኩላትኩም ንጹህ እየ” በሎም። ዓሚቅ ዘረባ። ከምዚ ኢሉ ዝዛርብ ኣገልጋሊ ብጹእ እዩ።  ኣብ መጨርሽታ እንተዀነ፣ ጉያኡ ከም ዝወድአ፣ ዝተዋህቦ ሕድሪ ከም ዝፈጸመ፣ መዝገቡ ኣብ ሰማያት ስለ ዝገበረ፣ ኣምላኽ ዘዳለወሉ ዓስብን ኣኽሊልን ይጽበ ከም ዘሎ ብድፍረት ተዛረበ።

ዎ’ኣምላኽ ደድሕሪ ገዛእ ርእሶምን ጥቅሚ ርእሶምን ዘይኰነ፣ ብቃልን ብግብርን ኣርኣይ ዝኰኑ ኣገልገልቲ ግበረና!

By Samson Mehreteab