26
Fri, Apr
0 New Articles

ኦ ነፍሰይ

Message 3
Typography

ነፍሰይ እናሻሕ እናሃወኸትኒ ምሳይ ትቃለስ ስለምንታይ፣ ንምንታይ፣ ዝብሉ ሕቶታት እናወርወረት ንሕልናይ እምብዛ ተጨንቖ። ኣነ ድማ ነዛ ነፈሰይ ሓቃ እያ ብምባል፣ ምስኣ ይሰማማዕ። ምርዓመይ ዝኣመንት ነፍሰይ፣ መመሊሳ ሕቶ ተብዝሓለይ። ሕቶኣ እምብዛ የጨንቀኒ እሞ፣ ካብኣ ክሃድም ስጉመይ ምስ ጀመርኩ፣ ዓትዒታ ትሕዘኒ፣ “ናበይ ደሊኻ” እናበለት መሊሳ ብመፍትሒ ዘይብሎም ዝመስሉ በላሕቲ ኣእሻኻ ትሰደለይ። ኣነ ድማ “ኣንቲ ነፍስይ ሕደግኒ እንዶ?” እናበለኩ ምስኣ ምጉተይ ይጅምር። ግና እዛ ነፍሰይ ሓያል እያ ትስዕረኒ። ሕልናይ ይዓርበኒ፣ እቲ ወጥሪ ሓሳብ ድማ እርኣሳይ ምስካም ይስእኖ።


 

ነፍሰይ ነዚ ከምዚ ኩነት ዝኽወን ንግዚኡ ዘዕርፍ መድሃኒ ትእዝዘለይ እሞ፣ በቲ ዝኣዘዘትኒ መንገዲ ምስ ወሰድኩዎ፣ ንቕጽበት ደኣ ዀይኑ እምበር ፍስህ ይብል። ኣነን እዛ ነፍሰይን ድማ እምብዛ ኣብ ፈንጠዚያ ዓለም ንኣቱ። ሽዑ እዛ ነፍሰይ፣ “ብኹርዓት፣ ሪኢኻ ዶ? ከምዚ ዝዓይነቱ ግሩም መፍትሒ ባህታ ስለ ዘምጽእ እኰ እየ ወትሩ ኣቕልበለይ ልብኻ ሃበኒ ዝበልካ፣” ኢላ ትዛረበኒ። ኣነ ድማ “ሓቅኺ” ብምባል ምስኣ ይውግን። ግና እንታይ እሞ፣ ከም ንፋስ ሽውሽውታ፣ ብቕጽበት ባህታይ ይዕዘር። ነፍሰይ፣ እናሽካዕለለት “ብቐደሙ ንስኻ ዶ ትፍጠረ” እናበለት ትስሕቐኒ ኣሞ፣ ኣብ ዘላታ ተወሰኸታ ኸይኒን፣ ጭንቀተይ ይዓዘኒ።

ካብ ኩቱር ጾርን ሽቑሎትን ድማ ንነፍሰይ፣ “ኣንቲ ነፍሰይ በጃኺ እባ ኣይትሃውኽኒ፣” እናበልኩ ከንጸርጽረላ ከለኹ፣ ትፈርሕ ግዲ ኸይና፣ ንግዚኡ ዝኸውን ሓድሽ ምክሪ ትህበኒ፣ ግና መድሃኒት ነፍሰይ እንትርፎ ንስለምንታየይ ስለምንታይ ክውስኸሉ፣ ካልእ ፋይዳ የብሉን። “ዝሕዞን ዝጭብጦን እምበር ጠፍኢኒ” ኢለ ይሓታ ነዛ ነፍሰይ። ንሳ ድማ ክንድዚ ጎቦ ዝኸውን መልሲ ትህበኒ። ግና እቲ ዘሕዝን መልሲ ነፍሰይ ምስ ሕቱኡ እዩ ዝመጽእ። ከም ኣመላ ምስ ደርዘን ጭንቀታ ተዓንጊጣ ምስ መጸትኒ፣ ንኸይትዝረብ ኣፋ ክሓትማ ኣእዳወይ ሰድድኩላ። ንሳ እሞ ሓይሊ ኣእድወይ ተዓበሳ መዓስ ይግድሳ። ከመይሲ ኣፋ ክንዲ ዓይኒ ዓራት ኣዚዩ ቡዙሕ እዩ። እዛ ነፍሰይ ግና ስለምንታይ እያ ኩሉ ግዜ ተሸንፈኒ? ብቃ ደሓን ሎሚ ወሲነ እየ ፈጺመ ኣይሰምዓን እየ፣ ብምባል ነፍሰይ እናሰማዓትኒ ፈከርኩ። ጭድርታይ ዶ ዀን ኣፍሪሒዋ ዀይኑ፣ ኣጽቕጥ ኣበለት። ኣነ ድማ እፎይ በልኩ። ተመስገን ኢለ ከይወዳእኩ፣ ብትሑት ሕሹኽትኣ ኣስደዓትኒ ኣዛ ነፍሰይ። ኣየ ነፍሰይ ሓያል ኢኺ ኢለ፣ ኣንትርፎ ምስኣ ምስምማዓ ካልእ ፋይዳ የብሉን፣ ንተምጻለይ ኩሉ ከም ማይ ጹሩይ ክሕንፍፎ ስርሐይ ኢለ ተተሓሓዝክዎ። ግና እዛ ነፍሰይ ንግዚኡ ባህታ ሂባ እንድያ ኩምራ ጾርን ጭንቀትን እናደረበት ኣማሲናትኒ። ኣይክኣልኩን እንታይ ከም ዝገብር ሓርበተኒ። ዳሓር ግና ኣብዚ ሕልናይ ሓደ ብርሁ ባና ድጉል ክብለኒ ተሰመዓኒ፣ ነፍሰይ ነዚ ምስ ረኣየት፣ ካብ ካዝና ቖፎኣ ሓድስቲ ዝወናጨፉ መሳርሒ እናውጸት፣ ክትብትበኒ ጀመረት፣ ንሳ ንባዕላ እዛ ነፍሰይ ሓቢራ ክትጭነቕ ጀመረት፣ እቲ ኣብ ኣእምሮይ ዝብረሀ ብርሃን ግና ነዚ ከናፍርይ ሐበሶ እሞ፣ ከምዚ ኢለ ነዛ ነፍሰይ ጨደርኩላ “ነፍሰየ፣ ንምንታይ ትጕህዪ፧ ንምንታይሲ ኣብ ውሽጠይ ትህውኽኒ ኣሎኺ፧ ንምድሓን ገጸይን ኣምላኸይን ገና ኸመስግኖ እየ እሞ፣ ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ። “ ምስ በልክዋ፣ ኣነ እዛ ነፍሰይን ከይተፈለጠና ኣሜን ብምባል ዓው ኢልና እፎይ በልና። ድሕሪ እዚ ኣነን ነፍሰይን ተሰማሚዒና ዝሰቐልናዮ ባንዴራታት ኩል ኣውሪድና፣ ነዛ እቲ ብርሃን መንፈስ ዘብርሃልና ድምጺ ኣንዊሒና ኣብ ዝባና ክንሰቕሎ ተሰማማዕና። እዛ ነፍሰይ ሓደ ሓደ ግዜ ቦጮቕ ይብላ እሞ፣ ግና ተቐዳዲማ ነታ ዝሰቐልታ ባንዴራ እናረኣየት ናብ ህድሃት ትምለስ። ኣነ ድማ መሊሰ ደጋጊመ ከዘክራ። “ነፍሰይ ህድእ በሊ እም ኣምላኽ መን ምዃኑ ኣስትውዕሊ” ይብላ። ንሳ ድማ እሜን ኢላ ምሳይ ትርዕም። ነዛ መጨነቒት ዝዀነት ነፍሰይ፣ መልሲ ረኸብኩላ። እወ “ነፍሰየ፣ተስፋኺ ኣብ ኣምላኽ ግበሪ።