25
Thu, Apr
0 New Articles

ኣይንተሓለል

Message 3
Typography

ኣብ ጉዕዞ ህይወት ዘጋጥም ገልታዕታዕ፣ ውረድ ደይብ፣ ሓጐስ ሓዘን፣ ምብርታዕ ምድካም ዝመልኦ መስርሕ እዩ። ዝዀነ ፉጡር ወዲ ኣዳም ሓርፋፍ ናብራ ህይወት ኣጋጢሙኒ ኣይፈልጥን እዩ ዝብል ፈጺሙ እኳ የሎን። እንት በዚሑ ዊሒዱ ኩላትና ናይ ህይወት ብድሆታት ኣሎና። ኣብ ህይወት ዘጋጥም ፈተናታት ኩሉ ናብቲ ዝበለጸ ናይ ህይወት መቐርት ዘሰጋግር መድረኽ እዩ።


ከምቲ ኣብ ማእከል ዕንባባ እሾኽ ዘሎ፣ ኣብ መንጐ እንሓልፎ ናይ ላዕልን ታሕትን ህይወት ድማ ገለ ምቁሩ ነገር ኣይሰኣኖን እዩ። እቲ ሕማቕ ተስፋ ምቑራጽ፣ ምሕላል ከምኡ እውን ኣብ ፍርቂ ጐደና ደው ምባል እዩ። ኣብርሃም ሊንኮን ዝተባህለ መበል 16 ናይ ኣሜርካ ፕሬዝደንት ዝነበረ እዩ። ኣብርሃም ሊንኮን ኣብዚ ደረጃ ንምብጻሕ ቀሊል ዝዀነ መስርዕ ኣይወሰደሉን። ኣብርሃም ሊንኮን ክዛረብ ከሎ “ኣነ ዘሰክፈኒ ውድቀት ዘይኰነስ እንታይ ድኣ ብውደቀትካ ከይትዐግብ እዩ” ኣብርሃም ሊንኮን ኣብ 1822 ኣብ ንግዲ ዓለም ዝጠፈሸ ነጋዳይ ኰይኑ። ኣብ ተመሳሳሊ ዓመት ኣባል ናይ ቤት ሕጊ ኣሜርካ ክኸውን ተወዳዲሩ ግና ተሳዒሩ። ኣብ 1833 እንደገና ኣብቲ ዝኣተዎ ናይ ንግዲ ዓለም ከሲሩ። ኣብ 1836 ናይ ኣእምሮ ምንዋጽ ጸገም ኣጋጢምዎ።

ኣብርሃም ሊንኮን ኣብ 1838 እንደገና ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜርካ ኣፈኛ ክኸውን ተወዳዲሩ ተሰዒሩ። ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ብተመሳሳሊ ንባይቶ ተወዳዲሩ ተሳዒሩ። ኣብ 1846 እንደገና ኣብ ባይቶ ተወዳዲሩ ተዓዊቱ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ዳግማይ ንባይቶ ምስ ተወዳደረ ግና ተሳዒሩ። ኣብ 1854 ኣባል ሰነት ክኸውን ተወዳዲሩ ተሳዒሩ። ኣብ 1856 ምክትል ፕሬዝደንት ናይ ኣሜርካ ክኸውን ተወዳዲሩ ሕጂ እውን ተሳዒሩ። ኣብ 1860 ግና ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ናይ ኣሜሪካ ፕሬዝደንት ኰይኑ ክሳብ እታ ብኢድ ሰብ ህይወቱ ዝሰኣነላ እዋን ንሃገረ ኣሜርካ ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ደረጃ ክትበጽሕ ዓቢ ባይታ ኣንጺፍላ።

ኣብ ታሪኽ ተስፋ ክቖርጽ ዝግብኦ ሰብ እንተ ኔሩ ኣብርሃም ሊንኮን ኣዩ ግና ብፍጹም ኣይተሓለለን። ኣብርሃም ሊንኮን ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮ እምነት ጹኑዑ እዩ። ነዚ ድማ ኣዩ ሓደ ግዜ ክዛረብ ከሎ “እቲ ኣዚዩ ክንጭነቐሉ ዘሎና ኣምላኽ ምሳና ምዃኑ ምርግጋጽ ዘይኰነ ንሕና ምስ ኣምላኽ ምህላውና ምርግጋጽ እዩ ከምይሲ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ቁኑዕ እዩ” ኢሉ። እቲ ዝሓለፎ ኩሉ ኣሉታዊ ገጽ ህይወት ነቲ ክዀኖ ዘለዎ ዓቢ ክብሪ ኣዳልዎ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ከም ኣብነት ዘምጻኽዎ ነዚ ሕጂ ዝዛረበሉ መልእኽቲ መራጎዲ ክዀነኒ መታን ኣዩ። ንሕና ኣብ ዘመን ጉዕዞናን ናብራና በቃ ደጊም ኣይፍትንን እየ ዝበልናሉ እዋን ኣኣሎ ዶ? መሊኡ! ብቃ ሕጂ ይኣኽለኒ ፈቲነ እየ ካልእ ይግበርዎ ዝበልናሉ ግዚያት ከ? ብዙሕ እዋን። ሰይጣን ሰባት ኩነታት ወትሩ ንዘሎና ብርቱዕ ጐኒ ዘይኰኑ ዘርእዮና ኣብ ውድቀትናን ድኻምናን እዮም ዘተኩሩ። ግና ክንዮ ድኻምን ምሕላልን ዘሎ መስመር ዓወት ንጥምት እንተ ዀይና፣ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብድኻመይ እየ ዝብርትዕ ዝበለ እናሓየልናን እናበርታዕናን ክንከይድ ናይ ግድን እዩ። ዘጋጥመና ድኻም ኣይኰነን ምኽንያት ዉድቀትና እንታይ ድኣ ካብ ውድቀትና ክንትንስእ ፍቓደኛ ዘይምዃና እዩ እቲ ናብ ዝኸፈኣ ጸገም ዝመርሓና። ኣምላኽ ንውደቀትናን ንድኻምናን ገና ኣብኡ ከይበጻሕና ከሎና ይፈልጥ እዩ። ስለዚ ብውድቀትናን ምሕላልናን ኣይገርሞን ከምኡ ድማ ኣይስንብድን እዩ። ከምይሲ ንሱ ክንዮ ድኻምናን ተስፋ ምቕራጽናን ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። ነቲ ኣምላኽ ዝመደበልና ምዱብ ዓላምኡ እሞ ድማ ንሕና ክንኰኖ ዘሎና ንክንበጽሖ ክንጓዓዝ ከሎና፣ ብዙሕ ዝዓይነቱ በቃ ኣኽለካ ዝብል ድምጺ ክንሰምዕ ናይ ግድን እዩ። ኣምላኽ ኣብ ግዕዞና ዘሎ ኣእሻኽ ክሳብ ክንደይ በሊሕ ዝዋጋእ ምኻኑ ይፈልጥ እዩ። ግና ነቲ መውጋእትና ዝዝንን ጸጋ ኣለዎ።

ሎሚ ሓንሳብ ክልተ ሳብ ፈቲና ስለ ዝይተዓወትና ነቲ ክንኰኖ ዝግባኣና ኰይኰና ላንጋ ዝተረፍና ኣሎና። ወይ ድማ ነቲ ሓንሳብ ዝጀመርናዮ ኣብ መዕለቢ ከየብጻሕና ኣምላኽ ምሳይ የሎን ኢልና ዳግማይ ክንፍትኖ ዘይንደልይ ኣብ ሳንዱቕ ዘቐመጥናዮ ኣጀንዳታት ቆጻሪኦም ይቕጸሮም። ኣምላኽ ከልዕሎም ተደለየ እኳ፣ ከም ማርታ በጃኻ ጨኒዩ እዩ መሽምሹ እዩ እናበልና ንኢድ ኣምላኽ ዝዓትዓትናሉ ኣጋጣሚ መሊኡ እዩ። ሎሚ ግና ነፍስና ክንዮ ውድቀት ንቕድሚት እትግስግሰሉ እዋን ክኸውን ይግባእ። ከም ዳዊት ኦ ነፍሰይ ስለምንታይ ግና ኣብ ውሽጠይ ኰንኪ ትህውኽኒ ብኣምላኽ ምድሓንኪ ተስፋ ግበሪ ምባል ንመሃር። ዓለም ኣንጻርና ተመሰለትና ሰይጣን ምስኩሉ ጭፍርኡ ኣዋዲዱ ተገጠመና ሰባት ኣብ ጐኑና ምስላፍ እንተ ሓደግዎ፣ ደሓን ኣንነ ኣምላኽን ግና ብሓንሳብ ክንዕወት ኢና ዝብል ናይ ጭርሖ ባንዴራና ነልዕል።

ሓደ ግዜ ኣብ መንጐ ያቆብን ኣምላኽን ብዙሕ ክትዕ ይግበር ከምዝነበረ ንዝክር። ያእቆብ ማለት እስራኤል ማለተይ እየ። ብፍላይ ኣብ መጽሓፍ ኢሰያስ ብዙሕ ተጠቒሱ ይርከብ። ብፍላይ ኣብ ምዕራፍ 40 27 “ኣታ ያእቆብ፡ ከመይ ደኣ ኸምዚ ትብል፡ ኣታ እስራኤልሲ፡ ከመይ ኢልካ ኢኻ፡ መገደይ ካብ እግዚኣብሄር ሕብእቲ እያ፡ ፍርደይ ከኣ ካብ ኣምላኸይ ሐሊፉ እዩ፡ ኢልካ ትዛረብ? ብምባል ኣምላኽ ይሓትት። ካባይ ጀሚርኩም ከምዚ ዝዓይነቱ ሕቶ ኣብ ከቢድ ምሕላልን ተስፋ ምቑራጽን ኣብ ዝኣተናሉ ግዜያት እንዛረቦ ቓል እዩ። ኣብቲ ዝሰልጠልናን ዝቐንዓናን እዋን ኣምላኽ ምሳና ክመስለና፣ ኣብ እዋን ቅልውላውን ምሕላልን ግና ኣምላኽ ዝደረበየና ኰይኑ ይስመዓና። ስሚዒትና ነቲ ኣማዕድዩ ዝረኣ ብርሁ ተስፋ ዓብሊሉ እምነትና ኣላሕሊሑ ድምጺ መቓልሑ ንኣእዛና ወትሩ ምስ ኣጽመመ እዩ። ህላውነት ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብነገራት ኣይኰነን ዝምዘን። ሓቒ ንምዝራብ እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ዓውዓውታ ተስፋ ምቑራጽ ኣባና ክገዝእ ክጅምር እንከሎ፣ ንሓጥያት ቀረባ ንኸውን ኣምላኽ ድማ በዚ ባህ ኣይብሎን እዩ።

ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ንያቆብ ምስ ሓተቶ እቲ መልሲ ያእቆብ ርድኡ እዩ። ንሱ ድማ ንስኻ ምሳይ እንተ ትኸውን ደኣ ኣበይ ኣሎ እዚ፣ ስምንታይ እዚ ጐደለ፣ ካልእን ምዀነ። ኣምላኽ ግና ንመልሱ ኣይተጸበየን ባዕሉ ከምዚ ኢሉ እዩ መሊስሉ “እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ?” ብኻልእ ኣዘራርባ ኣነ ከማኻ ኣይኰንኩን ማለቱ እዩ። ኣነ ኣምላኽ ከምዚ ስለ ዝዀኑኩ ግና “ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ።” ስለዚ ያቆብ ንስኻ ተስፋ ቖሪጽካ ኩነታት ኣሸኒፍካ ኣላሽ ኢልካ ኣብ መንገዲ ክተርፍ ዘይኰነ እንታይ ደኣ ንዓይ ክጥምት ማይ ክትከውን ይግባእ ይብሎ ኣሎ እቲ ምንታይሲ “ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።” ዝብል መንፈሳውን መሎኰታውን መመሪሒ ስለዘሎኒ።

ኣብ ጸገም ዶ ኣሎና? ኣብ ሕማም ዶ ወዲቕና ኣሎና? ድኻም በርቲዒና ተሓሊልና ዶ ኣሎና? ጸልማት ሸፊንና ብርሃን ተስፋ ዶ ተደፊንና ኣሎ? ኣንፈትና ጠፊኡ ብስለምንታይ ዶ ተመሊኢና ኣሎና? ድምር ናይዚ ኹሉ ኣምላኽ ምሳይ የሎን ኣብ ዝብል መደምደምታ ዶ ወዲቓና ኣሎና? ሓደ ግዜ ብኸምዚ ኩነታት ትሓልፍ ዝነበረት እስራኤል ኣብ ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘጉሮምሮሞቶ ነገር ኔሩ እዩ። ንሱ ድማ ኣምላኽ ረሲዒኒ ራሕ ኣቢሉኒ ዝብል እዩ ዝነበረ “ጽዮን ግና፡ እግዚኣብሄር ራሕ ኣቢሉ ሐዲጉኒ፡ ጐይታ ረሲዑኒ፡ በለት።” ኣምላኽ ይርስዕ ድዩ? ኣምላኽ ነቲ ጽዩፍ ሓጥያትና ምሕረት ምስ ገበረ ይርስዖ እምበር ንፉጡራት ኣይርስዕን እዩ። እሞ እንተ ዝዝክር ደኣ እሞ ስለምንታይ ከምዚ ዀይነ? ስለምንታይ ጸሎተይ ዘይተመለሰ? ስለምንታይ ካልኦት ክሰልጦም ዘይሰለጠኒ? ኣምላኽ ንመልሱ ብሕቶ እዩ ጀሚርዎ “ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ?” ንዉሉድና ብኸመይ ፍቕሪ ኰን ኢና ነፍቅሮ? ኣደ ኣብ ልዕሊ ዉሉዳ ዘለዋ ሓልዮት ክቱር እዩ። ግና ንሳ እውን ይብል ኣምላኽ “ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ” እወ ክርስዓ ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ዘመና እውን እኳ ንዉሉደን ደርብየንን የሕሊፈንን ዝህባ ማእለያ የብለንን ግና ይብል እግዚኣብሄር “ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ። እንሆ፡ ኣብ ኢደይ ወቂጠኪ ኣሎኹ፡ ቀጽርታትኪ ድማ ኲሉ ጊዜ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እዩ።” ብምባል ዓቢ ተስፋ ቓሉ ይዛረብ። ኣምላኽ ኣይርስዕን እዩ።

ነቢዪ ምክያስ ኣብ ትንቢቱ ብፍላይ ኣብ ምዕራፍ 7 ኣንተ ርኢና ሓደ ባህ ዘብል ሚስጥር ንረክብ ኢና። ምክያስ ክጅምር ከሎ ኣብቲ ምዕራፍ ብዛዕባ እቲ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት እዩ ዝዛረብ፣ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ተስፋ ዘቑርጽ ኣን ከም ዝነብረ ድማ ንምግማቱ ኣይሸግርን እዩ ቃላቱ እንተ ኣንቢብናዮ “ኣነ ኸምቲ ፍረ ቐውዒ ተቐንጠበን ከምቲ ድሕሪ ምብታኽ ወይኒ ቐሪም ምስ ተቐረመን፡ ዚብላዕ ዘለላ ዜብለይ ኮይነ እየ እሞ፡ ወይለይ፡ እታ ነፍሰይ እተተምነየታ በኹሪ ጠፍኤ፡ ኣብ ማእከል ሰብ ድማ ቅኑዕ የልቦን። ኹላቶም ብደም የድብዩ፡ ነፍሲ ወከፍ ንሓው ብመርበብ ይሀድኖ። 3- ተጠንቂቖም ኪገብርዎስ ኣእዳዎም ንኽፉእ ድልዋት እየን። መስፍን፡ ሀቡኒ ይብሉ ፈራዲ ኸአ ብረብሓ ይፈርድ፡ ዓብዩውን ሀርፉን ነፍሱ ይዛረብ፡ በዚ ድማ ክፍኣት ይጎንጉኑ፡ 4- እቲ ኻባታቶም ዝሔሸ ኸም ተኾርባ እዩ፡ እታ ዝቐንዔ ኸአ ኻብ ሓጹር እሾኹ ይገድድ፡ እታ መዓልቲ ሐለስትኻ እታ መዓትካ መጸት ሕጂ ኺሽበሩ እዮም። 5-6- ወዲ ነቦኡ ይንዕቕ፡ ጓል ኣብ ልዒ ኣዲኣ፡ መርዓት ከአ ኣብ ልዕሊ ሓማታ ይለዐላ፡ ንሰብ ጸላእቱ ቤተ ሰቡ ኾይኖም እዮም እሞ፡ ንብጻይ ኣይትእመንዎ፡ ብፈታዊ ድማ ኣይትተአመኑ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኣብ ሕቑፍኻ እትዐርፍውን ደገ ኣፍካ ሐሉ።”

እዚ ኩሉ ንሱ ዝብሎ ቓል ብዘይሕብእብእ ንርእዮ ኣሎና። ከምዚ ዓይነት ሃዋህው ተስፋ ኣይቑርጽን ዶ? ክንዮ እዚ ክኸይድ ኣይክእልን እየ ኣይብልን ዶ? ምፍጣርካ ኣይጽልእን ዶ? ምስ ዓቕምኻን ክእለትካን ሰኣን ዕድል ምርካብካ ድሕሪ መዛኑኻ ክተርፍ ልብኻ ኣይሕርርን ዶ? ፍርድን ፍትሕን ተደፊንካ ቀንፈዞው ክትብል ከተስተማስል ኣይገብረካን ዶ? ዓመጽትን ወደረኛታትን ዕድልካ ኣጸልሚቶም ክትወድቕ ገመድ ክዝርጉሕልካ ከለዉ ኣይትቑንዞን ዶ? ሚክያስ ግና ነዚ ዝብሎ ኩሉ ገለ ቓላት ወኢኽለን “ኣነ ግና ናብ እግዚኣብሄር እጥምት፡ ንኣምላኽ ምድሓነይ ድማ ተስፋይ እገብር አሎኹ፡ ኣምላኸይውን ኪሰምዓኒ እዩ።” እወ ኣብ ኣኣምላኽ ጥራይ እዩ ተስፋ ከምዘሎ ምእማን ንቕድሚት ክትከይድ እምበር ንድሕሪት ክትምልስ ኣይገብረካን እዩ።

ምክያስ ብሰንኪ እዚ ኩሉ ነገር ኣብ ህይውት ድኻም ከም ዘመጸ ምሕላል ከም ዝሸፎኖ ተስፋ ከም ዝቐርጸ ኣይሓበኣን። ንዝነበሮ ህልዊ ኩነታት ኣይከሓደን። ኣብ ኣምላኽ እምነት ምግባር ድማ ንዘሎካ ቑስልን ካልእ ድኻምን ምሽፋን ኣይኰነን የግዳስ ብዘሎ ህልዊ ኩነታታካ ከይተሸፈንካ ንቕድሚት ምጉዓዝ እዩ። ከምዚ ኢሉ እዩ ተዛሪቡ “ኣቲ ጸላኢተይ እንተ ወደቕኩ ኽትንስእ እየ፡ ኣብ ጸልማት እንተ ተቐመጥኩውን፡ እግዚኣብሄር ብርሃነይ እዩ እሞ፡ ብኣይ ኣይትተሐጎሲ። 9- እግዚኣብሄር፡ በዲለዮ እየ እሞ፡ ንሱ ነገረይ ክሳዕ ዚሕዘለይ ፍትሒውን ክሳዕ ዜውጽአለይ፡ ንቑጥዓኡ ኽጽመሞ እየ። ናብ ብርሃን ኬውጽኣኒ እዪ፡ ጽድቁውን ክርኢ እየ” እዚ ዘረባ እዚ ናይ ኩሉ ግዜ መዓልታዊ ድምጽና እንተ ዝኸውንሲ ክንደይ ኰን መንፈሳውን ስነ ኣእምራውን ጥዕና ምረኸብና።

ካብ መጽሓፍ ቁዱስ ብዙሑ ከምዚ ዝኣመስለ ምስ ኣብነቱ ከነምጽእ ንኽእል ኢና። ኣምበር ሎሚ ንቕድሚት ምስ ኣምላኽ ኰይና ንምጉዓዝ ኣይንተሓለል። እታ ሃዋርያ ጳውሎስ ተሰቒልዎ ዝነበረ ናብ ሮም ትወስዶ ዝነበረት ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 27 ተጠቒሳ ዘላ መርከብ ንዝክራ ዲና? እዛ ጅልባ እዚኣ ክትብገስ ከላ በቲ ልኡኽ ኣምላኽ ዝዀነ ጳውሎስ መጠንቅቐታ ተዋሂብዋ እዩ። ይኹን እምበር ክንዮ ድምጺ ኣምላኽ ጥበብ መራሒኣ ስለ ዝኣመነት ኣብ ፍርቂ መንገዲ ማእለያ ዘይብሉ ከቢድ ማዕበል ገጢምዋ። ኣብዚ እዋን እዚ ዝነበሮም ተስፋ ሙቑራጽ ክንደይ ዓቢ እዩ ዝነበረ ኣብዚ ኣዋን ግና መላኣኽ ኣምላኽ መጺኡ ኣጆኹም ዝብል ድምጺ ምስ ኣስመዖ ሃዋርያ ጳውሎስ እቲ ኣገልጋሊ የሱስ ክርስቶስ ገና ማዕበል ከሎ ንኣምላኸይ ይኣምኖ እየ ኢሉ ንገዛእ ርእሱ ሃድኡ ነቶም ሰባት ንምህዳእ ኰይኖም ኣብ መአዳእታ ድማ ኣብታ ናይ ዕረፍቲ ወደብ በጺሖም። ሎሚ ኣብ ማእከል ኣዚዩ ዘናውጽን ዝቐትልን ማዕበል ሃዲእናኣ ክሳብ እቲ ኣምላኽ ክንበጽሖ ዝደልየና ምዕራፍ እንበጽሕ ክንጓዓዝ ንኽእል ኢና። ንኣምላኽና ከምቲ ዝበለና ምእማን ጥራይ ግዴናን ይኹን።

እምብኣር ኩቡራት ሰማዕቲ ብዘየገድስ ኣብ ጉዑዘና ዘጋጥመና ነገራት ምስ ኣምላኽ እንተሎና ከም ንሰግሮን ከምንእሓልፎን ኣይንጠራጠር ሽሕን ሚልዮንን ግዜ ውድቀት የጥቀዓን ድኻም ይኽበበና ኣምላኽ ንምትንሳእና ንምዝናና ቐረባ እዩ ስለዚ ናብኡ ንጠምት ብእኡ ተስፋ ንግበር ምስኡ ንቕድሚት ንጓዓዝ። ንሕና ምስኡ ክንክወን ፍቓደኛታት ንኹን። ፍቕሪ ኣምላኽን ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ሕብረት መንፈስ ቁዱን ምሳኻትኩም ይኹን። ኣብ ካልእ መደብ ክሳብ ንራኸብ ኣምላኽ ይባርኹም።