16
Tue, Apr
0 New Articles

ካብ ሎ-ድባር…፣

Message 3
Typography

(2ሳሙ9 2ሳሙ4)  ሃገር ዝገዝእ ዘሎ ንጉስ ዳዊት እዩ። ከም ልማዱ ከስተንት፣ ግብሪ ኣምላኽ ክዝክር ኢሉ ብሕት በለ። ካብተን ካልኦት መዓልታት ፍልይ ዝበለ፣ ዳዊት ልቡ ክረዝን ክሎ ተሰምዖ። ምኽንያቱ እንታይ ምኳኑ ሕርብት በሎ። ክም ኩሉ ግዜ ንነፍሱ ስቅ ከብላ፣ /ሔር ዝገበረሉ ከስተንትን ፈቲኑ እዩ። ንነፍሱ ድማ፣ነፍሰይ /ሔር ሰናይ ጊሩልኩ እዩ እሞ ናብ ዕረፍትኺ ተመለሲብምባል ክህድኣ ፈተነ። ካብቲ ካልእ ግዜ ፍልይ ዝበለ ግና ቅልል ኣይበሎን። ገለ ነገር ከም ዝረስዐ ድማ ቅፍፍ ይብሎ ነበረ። ሃንደበት ከኣ ትዝ በሎ። ክነብዕ ድማ ጀመረ።


ናብዚ ኩሉ ንኽበጽሕ ዓቢ ፍቅሪ ዘርኣዮ ከም ሓው ድማ ዝዀኖ ዮናታን ተዘከሮ። የፍቀሮ ስለ ዝነበረ ከምይ ርእሱ ከም ዘትሓተ ድማ ተዘከሮ። ድሕሪ ኣብኡ ሳውል፣ ንግስነት እኳ ንዑኡ ይግባእ እንተነበረ፣ ናይ ንግስነት ካባኡ ብምውጻእ ከም ዝሃቦ ዳዊት ትዝ በሎ። ካብ ቁጥዓ ኣብኡ ሳዉል ከዘድሓኖ ተዘከሮ። ነፍሱን ነፍሲ ዮናንታን ተጣቢቃ ስለ ዝነበረት ክፋነዎ ከሎ ተሓቃቂፎም ዝበኸይዎ ብኽያት ብምዝካር እንደገና ነብዐ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ስለቲ ዝነበሮም ፍቅሪ ዝተኣታተዉዎ ኪዳን ዘከረ። ተቀላጢፉ ድማ ንሓደ ካብ ኣገልገልቱ ጸዊዑ ከምዚ ክብል ሓተቶ፣ምእንቲ ዮናታን ኢለስ ካብ ቤት ሳኦል ምሕረት ዝገብረሉ ኣሎ”?

ድሕሪ ብዙሕ ምሕታት ድማ፣እወዝብል መልሲ ኣምጽእሉ። ስሙ ድማሞፊቦሸትምኻኑ ነገርዎ። ዳዊት ብልቡ ተሓጎሰ። ዋላ እዃ ካልኦት እንተዘይተሰማምዑ፣ ድሕሪ እቲ ምስ ሳኦል ዝዀነ ንቤት ሳኦል ምሕረት ክገብር ምሕሳቡ ቅር እንተበሎም፣ ዳዊት ግና ነዚ ኣየቋጸሮን። ከምቲ ሳኦል ዝገበሮ፣ ካብ ቤት ሳኦል ብህይወት ዝተርፍ ክህሉ ኣይነበሮን። እዚ ድማ ዳዊት ኣጸቢቁ ይፈልጥ ነበረ። ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ ነገስታ ዝገበርዎ፣ ዳዊት ንብረት ሳኦል ክግብት፣ ንዘርኡ ድማ ክቀትሎም ባረቱ ክገብሮም ስልጣን ነይርዎ እዩ። ማንም ዝቃወሞ ድማ ኣይምተረኽበን። ከምኡ ምግባር ቅቡል ስርዓት እዩ። እዚ ከይገብር ግና ንዳዊት ሓደ ነገር ይሕዞ። ንሱ ኸኣ እቲ ምስ ዮናታን ዝኣተዎ ናይ ፍቅሪ ኪዳን እዩ። ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናንታን ኪዳን እንተዘይህሉ፣ ዕጻ ዘርኢ ሳኦል ሕማቅ ምዀነ። ግና ሳላ ፍቅሪ ዮናታንን ዳዊትን፣ ናይ ምሕረት ኪዳን፣ ናይ ይቅሬታ ኪዳን ተተኺሉ ጸኒሑ። ስለዚ ኪዳን እዚ ድማ ዳዊት ምሕረት ክገብር ዝደለየ። ዳዊት ናይ ኪዳን ሰብ እዩ። ኪዳን ክስዕር ኣይደሊን። ዳዊት ዕሙቀት ኪዳን ዝተረድአ ሰብ እዩ ነይሩ።

ኣበይ ኣሎ ምስ ተብህለ፣ ኣብ-ድባርኣሎ በልዎ። ዳዊት ኣዝዩ ሰምበደ፣ ግን ከኣ ምኽንያቱ ክፈልጥ ኣዝዩ ተሃወኸ።   “-ድባርማለት ዓዲ ጸጥታ፣ ዓዲ ስቅታ (land of silence) ማለት እዩ። ሞፊቦሸት ድሕሪ ሞት ኣብኡ ዮናታን ሞት ኣቦ ሓጉኡ ሳኦልን ኣብ -ድባር ክነብር መሪጹ እዩ። ስቅ ኣብ ዝበሃለሉ፣ ማንም ክዛረብ ኣብ ዘይፍቀደሉ ዓዲ። ኩሉ ነገር ዕጹው እዩ። ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጥኻ ጥራይ እትገብረሉ ዓዲ፣ ሕብረተሰብ። ዋላ እዃ ንምንታይ ዓዲ ስቅታ ዝብል ሽም ከም ዝተዋህቦ ግሉጽ እንተዘይኰነ፣ ሞፊቦሸት ስቅ ጥራይ ኣብ ዝብሃለሉ ዓዲ ክነብር ምምራጹ ንኽትርድኦ ዘሸግር ኣይኰነን። ሞፊቦሸት ኣብ ህይወቱ ዝዀነን ዝኸውን ዘሎን ንወለሓደ ክዛረብ ፍቃደኛ ኣይኰነን። ኩሉ ነገር ኣብ ውሽጡ ክገብሮ ደልዩ። ዝዛረቦ እሙን፣ ልቡ ዘውድቀሉ ስለ ዝሰኣነ ይኸውን፣ ወይውን ዝርድኣሉ ሰብ ዘሎ ስለ ዘይመሰሎ ክኸውን ይኽእል እዩ። ወይውን ትብዓት ስለ ዘይረኸበ? መን ይፈልጥ፣ ሞፊቦሸት ስቅ ክብል፣ ኩሉ ኣብ ውሽጡ ክገብሮ ወሲኑ እዩ። ኣብ       “-ድባርክነብር መሪጹ። ብዝዀነ ዳዊት ከምጽእዎ ኣዚዙ እዩ።

ሞፊቦሸት ናብ ዳዊት ክመጽእ ተደልዩ። እብ ቅድሚ ንጉስ ክቅመጥ፣ ብምህላው ንጉስ ክሕጎስ ተደልዩ። ምስ ንጉስ መኣዲ ክቅረብ፣ ኣብ መኣዲ ንጉስ መታን ክቅመጥ ክመጽእ ተደልዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ብዙሕት ነገስታ ዝሰዓረ፣ ናብ እስራኤል ከኣ ክብረት ዝመለሰ ዳዊት ከቅመጥ! ንኣምላኽ እስላኤልን ንሰራዊቱን ዘባጩ ዝነበረ ጸላኢ፣ ብምኽንያቱ ድማ ልቢ እስራኤል ዝረዓደን ብፍርሃት ሞት ዝተታሕዘን ዝቀተለ! ኣዋልድ ድማ ዝወደስኦ፣ “..እልፉ ቀተለ…” ዝተባህለሉ! ወሪኡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ዝወጸ ዓቢ ንጉስ! ናይታ ኣምላኽ ዝሓረያን ኣምላኽ ብስማ ክጽዋዕ ዝፈተወ እስራኤልን ዮርሳሌም ንጉሳ ዝዀነ ክቡር ንጉስ! ብህላውነቱ ክሕጎስ፣ ምስኡ ብምቅማጥ ድማ ክኸብር ከመይ ዝበለ ዕጻ! እቲ ዘገርም ከኣ ሞፊቦሸት ዘይግብኦ ምኻኑ እዩ። ከም ልማድ እንተዝኸውን መፊቦሸት ክቅተል ነይርዎ። ምኽንያቱ ዳዊት ካብ ቤት ሳኦል ዝረኸቦ ጽቡቅ ኣይነበረን። ሳኦል ንዳዊት ክቀትሎ ብዙሕ ሳዕ ፈቲኑ እዩ። ርእሱ ዘጽልለላ ክሳብ ዝስእን ፈቀድኡ ኰለል ኢሉ። ተሰዲዱ፣ ተሸጊሩ፣ ጠምዩ፣ ጸሚኡ፣ ዓሪቁ እዩ። ኣምላኽ ምስኡ ስለ ዝነበረን ስለ ዘናጎፎን እምበር፣ ቀደም ምጠፍአ። ኣምላኽ ግና ንሞት ኣሕሊፉ ኣይሃቦን። ዳዊት ግና ሕነ ኣይፈደየን፣ ከም ግብሩ ክመልሰሉ ኣይተበገሰን። እንተዝደሊ ብሓደ ምሸት ንኹሉ መጥፍኦ። ግን ከኣ ምሕረቱ ኣብ ፍርዲ ሰልጢኑ። ገና ጸላኢኡ ከሎ፣ ክቅበሎ ምስኡ ኣብ መኣዲ ክቅመት ክሳብ ክንድዚ ሞጊስዎ፣ ኣኽቢርዎ፣ ዘይግብኦ ሂብዎ።

ዳዊት ይደልየካ ኣሎ ኢሎም ንመፊቦሸት ምስ ነገርዎ፣ መፊቦሸት ብጥዓሚ ሰምበደ። ኣነ ኣብ ቅድሚ ንጉስ ክቀውም ኣይክእልን እየ፣ እቲ ፍርደይ ኣብዚ ከለኹ ንገሩኒ በሎም። እቶም ልኡኻት ክኣ፣ ኣይትፍራህ ንጉስ ግዳ ይደልየካ ኣሎ ብምባል ከተባብዕዎን ከደፋፍርዎን ፈተኑ። ሞፊቦሸት ምርዳእ ኣበዮ። ዝሓለፈን ዘለዎ ኩነታትን ከረድኦም ብዙሕ ፈተነ። እቶም ልኡኻት ምስቲ ዝብሎ ዘሎ እኳ እንተተሰማምዑ ግብኦም ንጉስ ዝበሎም ምግባር ጥራይ ምዃኑ ኣጸቢቆም ይፈልጡ ነበሩ። ስለ ዝዀነ ንጉስ ምሕረት ክገብረሉ ፍቃዱ ከምዝዀነ ከረድእዎ ፈተኑ። እቶም ልኡኻት ዋላ እኳ ዕምቆቱ እንተዘይተረድኦም፣ ንጉስ ክኽብሮ ንዝደለየ ከምዚ ከም ዝግበረሉን ዝኽልክል ከም ዘየለን ነገርዎ። ነዚ ንኽረክብ ሞፊቦሸት ወለ ሓደ ክገብር ከም ዘየድልዮ ነገርዎ። ዋላውን እንተደለየ ምፊቦሸት ክገብር ከም ዘይክእል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ድሕሪ ብዙሕ ገድሊ ሞፊቦሸት ዝተዋህቦ ዕድመ ስለ ዝተቀበሎ ናብ ንጉስ ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚኡ ክቀውም ሕራይ በለ። ናብ ዳዊት ምስ መጸ ድማ ዳዊት ሓቂፉ ሰዓሞ። ምእንቲ ዮናታን ኢሉ ድማ ምሕረት ክገብረሉ ምዃኑ፣ ምስኡ ድማ ኣብ መኣዲ ንዘልኣለም ከምዝቅመጥን፣ ከም ዘኽብሮን ነገሮ። ምእንቲ ዮናታን ዝብል ምስ ሰምዐ፣ ሞፊቦሸት ቅሩብ ተሰወጦ። ዳዊትን ዮናታንን ዝነብሮም ፍቅሪ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ገና ዘይተዋሕጠሉ ነገር እንተሃልዩ፣ ዳዊት ንዑኡ ምምራጹን ምሕራዩን እዩ። ሰለ ዝዀነ ንዳዊት ዝበሎ ነገር እንተነይሩ፣ጎታይ ንዓይ ከም ምዉት ከልቢ….” ካብ ዓሌት እስራኤል ክነሱ፣ ካብቲ /ሔር ዝኣምላኹ ህዝቢ ምንባሩ ረሲዑ፣ ገዛእ ርእሱ ምስ ምዉት ከልቢ ምቁጻሩ ሞፊቦሸት ዝነበሮ ኣመለኻኽታ የረድኣና።

ሞፊቦሸት ኣብ ገዛእ ርእሱ ዝነበሮ ኣጠማምታ ብሓቂ ትሑት እዩ ነይሩ። ንጉስ ክኽብሮ ፈትዩ ክነሱ፣ ካብ ዝነበሮ ጸዊዕዎ፣ ሓርይዎ ከሎ፣ ሞፊቦሸት ገዛእ ርእሱ ምስ ምዉት ከልቢ ዝቆጸረሉ ምኽንያት እንታይ ኰን ነይሩዳዊት ንሞፊቦሸት ምስ ረኣዮ ኣብ -ድባር ክነብር ዝመረጸሉ ምኽንያት በርሃሉ። ሞፊቦሸት ስንኩል እዩ ዝነበረ። ዋላ እኳ ዓመታት ሓሊፉ እንተነበረ ስንክልና ሞፊቦሸት ግና እናበኣሰ እዩ ከመጽእ ጸኑሑ። ዳዊት ንሞፊቦሸት ኣቶኪሩ ምስ ጠመቶ ብዙሕ ናይ ህይወት ሕቶታት ከም ዘለዎ ኣስተውዓለ። ስለ ዝዀነ ካብ ናይ ኣካል ፈውሲ ንልዓሊ መንፈሳዊ፣ ናይ ነፍሲ (ነፍሳዊ) ፈውሲ ከም ዘድልዮ ተረድአ። ዋላ እኳ ዝፈልጥ እንተነበረ፣ ብኸመይ ከም ዝሰንከለ ንሞፊቦሸት ሓተቶ። ሞፊቦሸት እዚ ኹሉ ዓመታት ኣብ ስቅ ምባል ስለ ዝሕለፎ፣ ንወለሓደ ሰብ ተኸፊቱ ስለ ዘይፈልጥን ኸበዶ። ንጉስ ዳዊት ግና ሞፊቦሸት መታን ክፍወስ ክኽፈት፣ ክዛረብ ከም ዘለዎ ኣጸቢቂ ይፈልጥ ነበረ። ሞፊቦሸት ኩሉ ኣብ ውሽጥኻ ምግባር ለሚድዎ ነበረ። ሰብ ክሳብ ዘይፈለጠሉ ከምቲ ዘለዎ ናይ ህይወቱ ዕድሎት ጌሩ ተቀቢልዎ እዩ። ኣብ -ድባር ክነብር ድማ ዕቁብ ኰይኑ ይስምዖ ነበረ። ሞፊቦሸት ዘይተረድኦን ዘየስተውዓሎን ነገር እንተሃልዩ፣ ኩሉ ኣብ ውሽጡ ብምግባር ስቅ ክብል እንተመሪጹ፣ ኣብ ውሽጡ ዘሎ ንሓይሉ ንተስፍኡ ንጥዕናኡ ክበልዖ ምኻኑ እዩ። ከምቲ ዝተሸፈነ ቁስሊ ምቹእ መራብሒ ባክተርያ ዝኸውን፣ ከምኡውን ሰብ ውሽጡ ንኽፍወስ እንተዘይተኸፊቱ እንተዘይተዛሪቡ ቁስሉ እናገደደን፣ ንውሽጡ ድማ እናጸቀጦ እዩ ዝኸይድ።

ሞፊቦሸት ብውሽጡ ዝሓልፎ ዝነበረ ውግእን ቃልስን ማንም ሰብ ክርድኦ ዝኽእል ኣይነበረን። ዋላ እኳ ስድራኡ ብሞት ተፈልዮሞ እንተነበሩ፣ ስድራኡ ዝሓደግሉ ሃብቲ ብምርኣይ ገለ ሰባት ዕድለኛ እዩ ይብሉ ነበሩ። ሞፊቦሸት ግና ዘየቋርጽ ስቃይን እህህታን ነበሮ። ዝሓልፎ ዘሎ ናይ ህይወት ሰልፊ ምስቲ ስድርኡ ዝገደፍሉ ሃብቲ ክልውጦ፣ ማለት ዝምክሮ ዝነበረ ውሽጣዊ ውግእ ኣብቂዑ፣ ብህድኣት ውሽጡ ዕርፍ ኢሉ ክነብር ዘለዎ ክኸፍል ፍቃደኛ እዩ። ምፍጣሩ ትርጉም ዝሰኣነሉ ግዜያት ሒደት ኣይኰነን።ንመዓልቲ ምፍጣሩ ዝረገመለን መዓልታት ብዙሓት እየን። ኩሉ ነገር ስለ ዝጸልመቶውን ምምባር ከብቅዕ ተመንዩ ይፈልጥ እዩ። ንየማነ ጸጋሙ እንተጠመተ ናይ ልቡ ዘዛርቦ፣ ዘዕልሎ ሰብ ኣይነበረን። ዋላ እኳ ብዙሕ ሰብ ዝፈልጥ እንተነበረ ልቡ ኣውዲቁ ዘዕልሎ ሰብ ኣይረኸበ። ከም ዘለዎ ዝቅበሎ፣ ልዕሊ ቃላት ስምዒቱ ዝርድኣሉ ሰብ ዘሎ ኣይመስሎን ነበረ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ድዃሙ ምስጢሩ ክዕቅብ ዝኽእል ሰብ ሓሲቡ ግን ከኣ ልቡ ዝዓርፈሉ ኣይረኸበን። ስለ ዝዀነ ስቅ ክብል፣ ኩሉ ኣብ ውሽጡ ከገብሮ መሪጹ። ኣብ ውሽጡ ድማ ከቢድ ነበረ። ስለዚ ንጉስ ድዊት ምስ ሓተቶ ክደፍር ኣይከኣለን። ንሞፊቦሸት ገዛእ ርእስኻ ምኽፋት ሓድሽ ልምምድ እዩ። ስለዚ ኣዝዩ ፈርሀ። ኰፍ ኢሉ ሓሳቡ ምስ ኣውረደን ኣደየበን ግና ንንጉስ ዳዊት ሓንቲ ከየትረፈ ከዛርቦ ወሲኑ። ዋላ እኳ ውሳኒኡ ቀሊል እንተዘይነበረ፣ ካብቲ ዝሓልፎ ዝነብረ ዝኸፍእ ከም ዘየለ ተረድኦ። ከምዚ ኢሉ ድማ ዘረባኡ ጀመረ፣

ቅንያቱ እስላኤላውያን ምስ ፍልስጠማውን ክዋግኡ ኣብ ዝወጽሉ ግዜ እዩ። ኩሉ ንውግእ ክወጽእ ዝኽእል ድማ ኣጽዋር ዓጢቁ ንሰልፊ ወጺኡ ነበረ። ሳኦልን ዮናታንንውን ከም ኩሉ ህዝቢ ክወጹ ነይርዎም። እዚ ሰልፊ እዚ ካብ ዝሓለፈ ግዜ ፍልይይ ዝበለ እዩ ነይሩ። ከቢድ ናይ ሞት ደበና ዝተንጠልጠለሉ ምሸት። ሳኦልን መንግስቱን ኣብዚ ውግእ ከም ዝሰዓሩ ተነግሪዎም እዩ። ስለ ዝኰነ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ሓዘን እዮም ዝነበሩ። ብፍላይ እኳ ሳኦል ካብ ዘይበልዕ ማዕልታት ኣሕሊፉ ስለ ዝነበረ ሓይሉ ኣዝዩ ደኺሙ እዩ። ክዛረብ ከሎ ከም ቀደሞ ኣይነበረን። ፈገግታኡ ናይ ሓቂ ከም ዘይኰነ የፍልጥ እዩ። ገዛእ ርእሱ ክቆጻጸር ብዙሕ ይጋደል ነበረ። ዋላ እኳ ግርማ መንግስቱ ለቢሱ እንተነበረ መጎሱ ግና ከም ቀደሙ ኣይነበረን። ገጹ ኣዝዩ ጸምሊዉ ነበረ። ኣካይዳ ስግምቱ ድም ብህድኣት ነበረ። ዝዛረብ ሰብ ስለ ዘይነበረ፣ ድምጺ ኣካይዳ ኣእጋሮምሸፋሕ ሸፋሕዝብል ጥራይ ይስማዕ ነበረ። ንሞፊቦሸት ግና ሓድሽ ነገር ኣይነበረን። ነቡኡ ሒደት ግዜ ጥራይ እዩ ዝርእዮ ዝነበረ። ኣብኡ ጉዳይ መንግስቲ እስራኤል ከጣጥሕ ተጸሚዱ ስለ ዝነበረ ምስ ደቁ ዘሕልፎ ዝነበረ ግዜ ሒደት እዩ። ብፍላይ እዃ ድኣ ሳኦል ንዳዊት ክቀትሎ ኢሉ ካብ ዝሓስብ፣ ኣብ መንግስቱ ኰነ ቤቱ ህድኣት ስለ ዘይነበረ፣ ኣመት ደቁ ዝገበረሉ ሒደት እዩ። ንደቁ ዝኸውን ግዜ ኣይነበሮን። ዳዊት ኣብዚ ኣትዩ፣ በዚ ተራእዩ እንክሰምዕ ምስ ኣብኡ ሳኦል ብድግ ኢሉ እናኸደ ኣብ ገዝኡ፣ ምስ ስድራኡ፣ ምስ ደቁ ዘሕልፈን ግዜ ዝቁጸራ ነበራ። ዋላውን ኣብ ገዛ እንተሃለወ ሓሳባቱ ኩሉ ግዜ ብኻልእ ሓሳብ ዝተታሕዘ ስለ ዝነበረ፣ ንደቁ ዝኸውን ዝተርፎ ኣዝዩ ሒደት ነበረ። እዛ ምሸት እዚ ኸኣ ከምተን ካልኦት ግዜት እያ ዝነበረት። ሳኦልን ምስ ወዱ ዮናታንን ምስ መኳንንቱን ኣመት መንግስቲ ዝገብሩላ፣ ናብ ውግእ ዝወጹላ ምሸት። ከም ኩሉ ግዜ ነቶም ቆልዑት ምስ ኣግራድ፣ ሰራሕተኛ ገዛ፣ ክገድፎም ነይርዎ። ኣብዛ ምሸት ግና ንኣንፈት ህይወት ሞፊቦሸት ንዘልኣለም ዝቀየረ ሓደ ፍጻሜ ኰይኑ። እዚ ኣብዛ ምሸት ዝተፈጸ ነገር ድማ እዩ ንሞፊቦሸት ኣብ-ድባርማለት ዓዲ ስቅታ ክነብር ዝገበሮ።

ኣብ መንጎ ፍልስጤምን እስራኤልን ውግእ ጀሞሩ ጥራይ ዘይኰነ፣ ኣዝዩ ጽዒቁ እዩ። እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍሊስጠማውያን ክሰዓሩ ስለ ዝጀመሩ፣ ኩሉ ነናብ ዘዕቅበሉ ክሃድም ጀመረ። ንጉስ ሳኦልን ወዱ ዮናትን ውን ከም ኩሉ ሰራዊት ክሃድሙ ነይርዎም። ዮናታን ድሮ ሞይቱ እዩ። ንጉስ ሳኦልውን ፍላጻ ዝውርውሩ ኣዝዮም ስለ ዘጨነቅዎ፣ ነቲ ምስኡ ዝነበረ ዛግሬኡ ክቀትሎ ሓተቶ። ንሱ ግና ፍቃደኛ ኣይነበረን። ሳኦል ሙማቱ ከምዘይተፎ ምስ ፈለጠ፣ ስይፉ ተሞርኪሱ ነፍሱ ኣሕለፈ። ኣብዚ ውሽጢ ኩሉ ጓሮ ድማ ንሞፊቦሸት ዝሓዘት ሞግዚት፣  ንኽትሕባእ ካብ ውሻጠ ናብ ውሻጠ ክትብል ከላ ቆልዓ ካብ ኢዳ ሰተት ኢሉ ስለ ዝወደቐ፣ ኣእጋሩ ተሰብረ። እዚ ድማ እዩ ንሞፊቦሸት ስንኩል ኰይኑ ኣብ -ድባር ክነብር ዝገበሮ።

ሳኦል ካብ ደቁ ንልዓሊ፣ ብዛዕባ መንግስቱ ግዲ ዝብሎ ሰብ ነበረ። ንደቁ ካብ ምሕላውን ምንክብካብን ንልዓሊ፣ ንመንግስቱ ንምሕላው ዘጥፍኦ ግዜን ሓይልን ይበዝሕ ነበረ። ሳኦል ኣንፈት ደቁ ንምግባር ግዜ ዝነበሮ ኣይመስልን። ካብ ክብርን መንግስትን ንልዓሊ ደቁ ዘድልዮም ሓልዮትን ፍቅርን ምሕላውን ምዃኑ ኣይፈለጠን። ንዮናታን ወዱውን ኣብ ዝኸዶ ምስኡ እናወሰዶ ሓሳቡ ብጉዳይ መንግስቲ ከም ዝተሓዝ ገይርዎ ነበረ። ደቁ ምስ ሰራሕተኛ ገዲፍዎም ኣብ ጉዳዩ ክጽመድ ምንም ኣይመሰሎን። ብኣንጻሩ ዝገብሮ ዝጽዕሮ ኩሉ ንደቀይ እዩ ኢሉ ብምሕሳብ ሓለፋ ዝገብረሎም ዘሎ ይመስሎ ነበረ። ብፍላይ እኳ ዝበልዕዎን ዝኽደንዎን ክሳብ ዘይሰኣኑ፣ ንሱ እኹል ኰይኑ ተሰምዖ። ደቁ ከም ዕድለኛታት ጌሩ ይርእዮም ነበረ። እንተዀነ ደቁ ካብኡ ዝረኽብዎ ፍልይ ዝበል ናይ ኣቦን ውልድን ግዜ ስለ ዘይነበሮም ብዙሕ ይሕጉሳት ኣይነበሩን።  ስለ ዘይተጠንቀቀሎም ድማ ኣብ ህይወት ሞፊቦሸት መስበርቲ ኰይኑ። ዕድል ወዱ ኣብ ኢድ ሰርሕተኛ ስለ ዝገደፎ ንዕድሚኡ ምሉእ ተሰኪምዎ ዝኸይድ መስበርትን ስምብራትን ገጢምዎ። ኣብቲ ዘላታ ተወሰኸታ ከም ዝብሃል ኣብ ህይወቱ ዝዀነውን እንተዀነ ኣብኡ ይፈልጥ ኣይነበረን። ከይነግሮ ድም ኣብ ህይወቱን ከባቢኡን ኣይነበረን። ንነገሩ ተረኺብሉውን ኣይፈልጥን። እንተ ዝነብርውን ቅርርብ ስለ ዘይነበሮም ክነግሮ ኣይምደፈረን

ካብ ስድርኡ ብዝወረሶ ሃብቲ ዝድነቁን ዝቀንኡን ቆልዑ ብዙሓት እዩም። ሞፊቦሸት ግና ምንም ኣይመስሎን ነበረ። መስበርቱ ስምብራቱ ዝፈልጥ ማንም ሰብ ኣይነብረን። ብውሽጡ ዘሕልፎ ዝነበረ ገድልን ቃልስን ንሱ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ። ኣብ ህይወቱ ዝገጠሞ መስበርቲ ከቢድ ጓሂ ፈጢርሉ እዩ። ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ባይታ ከም ዝዘብጥ ገይርዎ። ኣብ መንጎ ብዙሓት እንከሎ ንበይኑ እዩ። እወ! ገዛእ ርእሱ ከም ምውት ክልቢ ክርእያ ተገዲዱ። ስለዚዩ ድማ ኣብ ጽምዋ ዝወሓጦኣብ -ድባርንበይኑ ክነብር ዝመረጸ። ስቅ ብምባሉ ገለን ከም ዕቡይ፣ ሰብ ዝንዕቅ፣ ብዘለዎ ዝጀሃር ይመስሎም ነበረ። ኣብ ኣፉ ዝቋየቁዎ፣ ትሕት ክብል ዝመኽርዎ ኣይተሳእኑን። ሞፊቦሸት ግና መስበርቱ ኣብ ውሽጡ ክገብሮ ምኽሩ ስለ ዝቆረጸ፣ ሰሚዑ ከም ዘይሰምዐ፣ ርእዩ ከም አይረኣየ ንኹሉ ይሓልፎ ነበረ። ሞፊቦሸት ቀልጢፉ ዝሓርቅ እንተዝኸውን መን ምተረድኣሉ? ወይውን ኣብ ውሽጡ ዘሎ ውግእ መታን ከደንዝዝ እሞ ክርስዖ ናይ መስተ ግዙእ  እንተዝኸውን ሰባት ጸጊቡ ምበልዎ እምበር፣ ንዝገጠሞ መስበርቲ ዝርድኣሉ ኣይምተረኽበን። ወይውን ንበይኑ ክኸውን፣ ምስ ሰባት እንተዘይጽንበር፣ ዕቡይ፣ ኩሩዕ..ወዘት ዝብል ስም ምተጠቅዕሉ ይመስለኒ። እንተዝምርዖ እሞ ምስ ሰበይቱ እንተዘይሳነ፣ መስበርቲ ስለ ዘለዎ እዩ ዝብሎ ኣይምተረኽበን። ሰበይቱውን ብዙሕ ብዘይ ምዝራቡ ከም ዘየፍቅራ ዘይግደሰላ ምቆጸሮቶ። መስበርቲ ከቢድ ሳዕቤን ከም ዘለዎ መን ኰን የስተውዕሎ!!

ሞፊቦሸት ግና ገና ንኡስ ከሎ ኣብ ህይወቱ ዝገጠሞ፣ ሕጂ ዝነብሮ ዘሎ ናብራ ወሳኒ ኰይኑ ኣሎ። ከምቶም ካልኦት ቆልዑ፣ ግብረስጋዊ ዓመጽ ስለ ዝተዓመጹ፣ ወይውን ወለዶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ክፋትሑ ስለ ዝረኣዩ ስገጠሞም መስበቲ እኳ ኣይኹን እምበር፣ ኣቡኡን ኣቦ ሓግኡን ብሞት ክፍለይዎ፣ ምስኡውን መስበርቲ መልመስቲ ክገጥሞ ቀሊል ኣይኰነን። ዝርድኣሉ፣ ድሕረ ባይትኡ ፈሊጡ ዝሕግዞ እንተዘይተረኺቡ፣ ኩሉ ከለዎ ከም ዘይብሉ፣ ምስ ዓቅሙን ሓይሉን ከሎ ከም ምውት ክኸውን ይኽእል እዩ። ካብ መስበርቱ ዝተላዕለ የዕሩኽ ክገብር ክጽገም ይኽእል እዩ። ሕርቃኑ ጓሂኡ ኣብ ውሽጡ ግዜ እንተወሲዱ ንኣካላዊን ምንፈሳዊ ጥዕናኡ ጽቡቅ ኣይክኸወንን እዩ። ደም ብዝሒ፣ መርዘን፣ ሕማም ልቢ..ወዘተ ከስዕበሉ ይኽእል እዩ። ንውሽቱ ስለ ዝበልዖውን፣ እንተዓረፈ ኢሉ ንብዙሕ ኣመላትን ልምድታትን ዝተጋለጸ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ደመት ትርኢቱ ተደዊኑ፣ ብዘይ ውቃበ ክኸውን ክገብሮ እዩ። ቀልጢፉ ዝሓርቅ፣ ትዕግስቲ ዘይብሉ ክኸውን ይኽእል እዩ። ውሽጡ እንተዘይ ተፈዊሱ፣ ንኣምላኽ ንምምስጋን ኣእዳዉ ከጣምር፣ ከቦርኡ ኣብ ዕልቦ ክሰቅል፣ ካብኡ ሓሊፉውን ምስ ኣምላኽ ክማረር፣ ኣብ ፈጣሪ ክዕምጽ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ኣብ ገዛእ ርእሱ ዘለዎ ኣጠማምታውን ትሑት ስለ ዝዀነ ምስ ከባቢኡ ከይሰማማዕ ክገብሮ ይኽእል እዩ። ሞፊቦሸት ንምንታይ ስቅ ክብል ከም ዝመረጸ ዝርድኣሉ፣ ብትዕግስቲ ዝሕግዞ የድልዮ።

እምበኣር ኣብዚ ከምዚ ኩነት እንከሎ እዩ ንጉስ ዳዊት ንሞፊቦሸት ዝጸውዖ። ሞፊቦሸት ኣይትፍራህ ምሳይ ኣብ መኣደይ ንዘልኣለም ክትቅመጥ ኢኻ ድማ በሎ። እዚ ኸኣ ቀረባ ዳዊት ክኸውን፣ ምስኡ ሕብረት ንኽህልዎ እዩ። ዋላ እኳ ሞፊቦሸት ንኽርድኦን ንኽቅበሎን ግዜ ክወስደሉ ዝኽእል እንተነብረ፣ እቲ ዕድመ ግና ናይ ሓቂ እዩ ነይሩ። መንፈስካ ዝሕድስ፣ ስብራትካ ዝጽግን፣ ስምብራትካ ዝዝንን ጻውዒት። ኣብ ቅድሚኡ ተቀሚጥካ፣ ካብ ኣፉ ካብ ዝወጽእ ቃላት ተስፋ ብርታዔ ምትብባዕ ክትሰንቅ ዘብቅዕ ጻውዒት! ንሱ ከምይ ጌሩ ንነፍሲ ከም ዘሕድስ ይፈልጥ እዩ። ሽግርካ ስቃይካ ምኹብላልካ ዘረስዕ እዩ። ንንብዓት ካብ የዕንቲ ዝደርዝ፣ ንዝተሓለለ ልቢ ዝመልስ ንስብራት ዝጽግን ንስምብራት ዝዝንን ንጉስ እዩ። ካብ  ሞፊቦሸት ዝድለ ዕድሚኡ ተቀቢሉ ናብኡ ክመጽእ እሞ፣ ስብራቱን ቁስሉን ክትንክዮ ንዕኡ ክኽፈት ጥራይ እዩ። ንሱ ባዕሉውን እንተዀነ ብብዙሕ ሓሊፉ እዩ። ክሓልፍ ከሎ ድማ ብዙሕ ተሰቅዩ ስለ ዝዀን፣ ንሞፊበሸት ዘሎዎ መስበርትን ስምብራትን ክርድኣሉ ይኽእል እዩ። ብመከራ ተሓምሽሹ ስለ ዝዀነ፣ ካብቲ ካብ ላዛ ፍቅሩ ዝፈስስ ዘይቲ ንዝተሰብሩ ዝዝንን እዩ። ንወለሓደ ኣይፈርድን እዩ። ናብኡ ንዝመጹ፣ ኣብ ቅድሚኡ ንዝቆሙ የሕፊሩ ኣይፈልጥን። ከምቲ ርሕሩሕ ሳምራዊ ንናይ |ሽጢ ቁስሊ ብዘይቲ ዝዘፍፍ እዩ። ንንእስነት ከም ንስሪ ዘሕድስ፣ ንድሌትካ ድማ ብጽቡቅ ነገር ዘጽግብ እዩ።


Samson Mehreteab