24
Wed, Apr
0 New Articles

መልእኽቲ ፋሲካ

Message 3
Typography

የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ደሙ እንተ ዘየፍስስ ኔሩ ታሪኽ ዓለምና ሓንሳብን ንሓዋሩን ብኹፍእ ታሪኽ ምስ ተዛዘመ ኔሩ። ኣምላኽ እቲ ኣቦ ፍቕሪ ንወዱ በጃ ኩላትና ክሓልፍ ብምፍቃዱ ድማ ኣነ ንስኻትኩም ሰብ ተስፋ ኰይና ካብ ኣምላኽ ንንስሓ ዝዀውን ዕድል እኳ ረኺብና። መጽሓፍቁ ድስና ብዛዕባ እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክርስቶስ ካብ ቡሉይ ኪዳን ጀሚሩ ዝዛረብ። ኣብቲ ፈለማ ኣዳምን ሄዋንን ብሓጥእያት ዝወደቕሉ ብሰንኪ እዚ ድማ ጥርሖም ኣብ ዝዀንሉ እዋን እኳ ኣምላኽ ብደበሎ ጌሩ እዩሸፊንዎም። እዚ ደበሎ ክመጽእ ድማ ናይ ግድን በጊዒ ክሕረድ ደም ክፈስስ ኣለዎ። እዚ ናይ ቲዲሒሩ ዝመጽእ ተምሳል መድሓኒ እዩዝምልከት። ብዘይ ደም ክርስቶስ ዝኰነ ስርየት ወይምድሓንየሎን።


 

ቡሉይ ኪዳን ጽላሎት እት ክመጽእ ዘለዎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ስራሕ ኣምላኽ እዩ። ኣብ ቡሉይ ኪዳን ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቐርቡ ከለዉ መስዋእቲ ሒዞም እዮም ዝቐርቡ ዝነበሩ። እዚ ዝፈስስ ዝነበረ ደም ኣምላኽ ጽምኢ ደም ሃልይዎ ዘይኰነስ ብዛዕባ እቲ ሓንሳብን ንሓዋሩን ወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ቀራንዮ ክፍጽሞ ዘለዎ መልኮታዊ ስራሕ ኣምላኽ ንምርኣይ እዩ። ኣምላኽ ንኣብርሃም እቲ ትፈትዎ ወድኻ ሰውኣለይ ዝበሎ ጨካን ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ ሓደ መለኾታውን ትንቢታውን ዝኸነ መልእኽቲ ከመሓላልፈሉ ስለ ዝደለየ እዩ። ኣብርሃም ንኢሳቕ ክስውኦ ምስ ተዳለዉ ኣብ ክንዲ ኢሳቕ ዝስዋእ ሓደ ዱዑል ኣዳለወሉ። ኣብ ዘመናት ኩሉ ክሳብ የሱስ ዝመጽእ ኣምላኽ ዝዛረቦ ዝነበረ ብዘይ ደም ድሕነት ከም ዘየሎ እዩ።

የሱስ ክርስቶስ ሓንሳብን ንሓዋሩን ኣብ መስቀል ተሰዊኡ ነቲ ስራሕ ፈጺምዎ እዩ ኣብ እብራውያን ክዛረበና ከሎ “ ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ ኣተወ።” ይብል ክንዮ ደም የሱስ ክርስቶስ ንምድሓን ሰባት ዝኸውን መስዋእቲ የልቦን። የሱስ ኣብታ ናይ መጨረሻ ሰዕት ተፈጸመ ምስ በለ ኩሉ ኣኽቲሙ እዩ። ደጊም ድሕር ሕጂ ስለ ሓጥእያት ደቂ ሰባት ዝስዋእ መስዋቲ የልቦን። እቲ ናይ ምብጃው ስራሕ ብመድሓኒ ቕድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ተፈጺሙ እዩ። እቲ ዝድለ ነገር ምስቲ ዉዱእ ስራሕ ኣምላኽ ብእምነት ምሕባርን ምቕባል እዩ። ክንዮ እዚ ዝግበር ኩሉ ክሳራ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ ካልእ ምንም ጥቕሚ የብሉን።

ምብጃው ደቂ ሰባት በዚ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ደምቲ ገንሸል ተወድኢኡ እዩ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ክዛረብ ከሎ “ ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይ ወርቂ፡ ከምዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።” ብምባል ኣብ 1ጴጥሮስ 1፣18-19 ይዛረብ። ገይታና የሱስ ክርስቶስ ብደም መስቀሉ ጌሩ ሓድሽ ናይ ምትዕራቕ ኪዳን ከፊቱ እዩ። የሱስ ኣብ መስቀል ምስ ሞተ ደሙ ምስ ኣፍሰሰ። እቲ መጀመርያ ዝዀነ ነገር መጋረጃ ቤት መቕደስ እዩ ተተርቲሩ እዚ ማለት ከኣ ሓድሽ ርክብ ብዘይከልካሊ ቐጽሪ ናብ ኣቦ ዘብጽሕ መንግዲ ከፊት እዩ። እምብኣር ብዛዕባ እቲ ኩቡር ደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ዝገበሮ ግብሪ እንታይ ምኻኑ እስከ ንርኣ።

1 ካብ ኩሉ ሓጥእያትና የንጽሃና

ብዘይ ድም ስርየት ሓጥእያት ፈጺሙ የሎን። ኣስታት ኩሉ ብደም እዩ ዝነጽህ። ኣግዚኣብሄር ኣቦ ብዘይ እዚ ደም ምስ ሓጥእያትን ሓጤተኛታትን ጉዳይ የብሉን። ቀደም እኳ እስራኤላውያን ናብ ኣምላኽ ንምቕራብን ገዛእ ርእስሞ ንምትዕራቕን ብመስዋቲ ደም ብምፍጻም ናብ ኣምላኽይ ይቀርቡ ነበሩ። በዚ መንገዲ ድማ ስርየት ሓጥኣያት ይረኽቡ ነበር። ሕጂ ድማ ብደም የሱስ ክርስቶስ ሓጥእያት ኩሉ ይነጽእ። ሓይሊ ደም የሱስ ክርስቶስ ንሓጥእያት ንምድምሳስ ብቑዑ እዩ። እቲ ክርስቶስ እየሱሱ ኣብ መስቀል ዘፍሰሶ ደም ናተይን ናትኩምን ሓጥያት ንኽድምስስ ምሉእ ብቕዓት ኣለዎ። የሱስ ስለ ሓጥእያትና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቦ ዘፍሰሶ መሳዋቲ ጐደሎ ዘይብሉ ፉጹም እዩ። ደም የሱስ ክርስቶስ ዘየንጽኦ ሓጥያት ፈጺሙ የሎን። ኣብ እብራውያን 7፣ 26- 27 “ክዛረብ ከሎ “ከምዚ ዘመሰለ ኽፍኣትን ርኽሰትን ዜብሉ፡ ካብ ሓጥኣን እተፈለየ፡ ካብ ሰማያት ከኣ ልዕል ዝበለ ቅዱስ ሊቀ ኻህናት ኣድለየና። ንሱ ኸምቶም ካልኦት ሊቃውንቲ ኻህናት ቅድም ምእንቲ ሓጢኣት ርእሱ፡ ደሓር ድማ ምእንቲ ሓጢኣት ህዝቢ ኣብ ጸጽባሕ መስዋእቲ ኬቕርብ ዘየድልዮ እዩ እሞ፡ ርእሱ ንመስዋእቲ ምስወፈየ፡ ሓንሳእ ንሓዋሩገበሮ።” ስለዚ ብዛዕባ ሓጥያትካ ዝምለክት ኩሉ ኣብ ደም የሱስ ክርስቶስ ውዱኡ እዩ።

ካባይን ካባኻን ዝደለ ነገር ንስሓ ጥራይ እዩ። ሎሚ ሓጥያትና ይዕበ ይንኣስ ልዕሊ ዓቐን ኣእምሮናን ሰባትን ይኹን ኣይኩን ብዘየገድስ ብቕንዕና ናብ ኣምላኽ እንተ መጺኻ ኣምላኽ በቲ ማእከላይ ዓራቒ ወዱ ዘፍሰሶ ድም ጌሩ ከንጽሃና እዩ። ኣብ ቀዳማይ መልእኽቲ የውሃንስ ነዚ ሓቒ ብግሁድ የረጋግጽልና እዩ “እግዚኣብሄር ብርሃን ምዃኑ ንኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከምዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚ ኣእያ። ምስኡ ሕብረት ኣሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓዊ ውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃንዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። ሓጢኣት የብልናን፡ እንተበልና፡ ንርእስና ንጥብራ ኣሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረኸïብለልና፡ ካብ ኲሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙን ንጻድቕን እዩ። ካብዚ ዝዓቢ ካልእ መረጋገጺ የብልናን።

ሎሚ ካብዚ ወጻኢ ሓጥያቱ ክስረየሉ ዝጋደል ሰብ ኣብ ልዕሊ ዘለዎ ሓጥያት ተወሳኺ ሓጥያት እዩ ዝውስኽ ዘሎ። ስለዚ ንሕድገት ሓጥያት ብቕዓት ዘለዎ ደም የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። ሓጥያቱ ዝተሓድገሉ ሰብ ጥራይ እዩ ትብዓት ረኺቡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቐርብ ዝኽእል ሎሚ ሓጥያትካ ክሕደገልካ ትደሊ ዶ? ንኣምላኽ በቲ ዝፈሰሰ ደሙ ከንጽሃካ ሕተቶ። ደጊም ብድሕር ሕጂ ንሓጥእያት ተባሂሉ ዝስዋእ መስዋቲ የልቦን። ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኹሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፣ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ።

እዚ ደም እዚ ካብ ሓጥያትና ጥራይ ዘይኮን ዘንጽሃና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክንቀርብ ምሉእ ትብዓት ይህበና። ንኣምላኽ ሓደ እኳ ዝረኣኣዮ የሎቦን እቲ ኣብ ሑቑፉ ዝነበረ ወዱ ግና ኣግሃዶ። የሱስ ከኣ ናብቲ ብደሙ ዝከፈቶ መጋረጃ ክናኣቱ ክንክእል ኣዚዩ ቀረባ ኣምላኽ ክንከውን ኣኽኢሉና። ጸሓፊ ናይ ኣብራዊ ምቕራብን ንብ ኣምላኽ በዚ ደም ኣዚ ክንድምናትይ ቀረባ ምኳኑ ክዛረብ ከሎ “ ናብጉባኤ ዂሉ፡ ናብ ማሕበር እቶም ኣብ ሰማያት ተጻሒፎም ዘለዉ በዂራት ፡ ናብ ኣምላኽ ፈራድ ኲሉ፡ ናብ መናፍስቲ እቶም ፍጹማት ጻድቃንን፡ ናብ የሱስ ማእከላይ ሓድሽ ኪዳን ንናብቲ ኻብ ደም ኣቤል ዝሔሸ ዚዛረብ ምንጻግ ደምን በጺሕኩ ምኣሎኹም።” ይብለና ሎሚ ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ሰብ ዘይገብሮ ነገር የሎን። ንኣምላኽ የሕጉስ እዩ ዝተባህለ ካብ ዝዓበየ ክሳብ እቲ ዝነኣሰ ኩሉ ይፍጸም ገና ኣዚ ከንቱ ድኻም እምበር ፋይዳ የብሉን፣ ስለምንታይ እዩ ጥቕሚ ዘይብሉ? ኣምላኽ ፉጹም ኣዩ። ናብ ኣኣምላኽ ክቀርብ ዘለዎ ሰብ ድማ ፉጹም ክኸውን ኣልዎ፣ ኣብዛ ምድሪ ድም ፉጽም ሰብ የሎን፣ እግዝኣብሄር ኣቦ ንዓና ናባኡ ዘቅርብ ፍጽምን ከም ዘይብልና ስለ ዘፈልጥ ኣዩ ፉጹም ዝዀነ መስዋእቲ ወዱ ክስዋእ ዘደለየ። ስለዚ ካብዚ ዝተሰወኣ መስዋቲ ወጻኢ ኩሉ ፍጽምናን ጽድቅን ክህበና ኣይክእልን እዩ። ደም የሱስ ካብ ሓጥእያት ሓራ ይገብር ብትብዓት ኣብ ዝፋን ኣምላኽ ክንቀርብ ድማ ይገብር። ሎሚ እዚ ደም እዚ ካብ ኩሉ ዕያግን ርስሓትን ከጽርየና ፍቓደኛታት ዲና? እዚ ኩቡር ደም ካብቲ ሓርነት ከሊኡ ዓትዒቱ ሒዝና ዘሎ መርገም ከላቕቀና ፍቓደኛታት ዲና?

2 ደም የሱስ ክርስቶስ ካብ ምዉት ሕልና ነጻ ይገብረና።

ጸሓፊ ናይ እብራውያን ብዛዕባ ስራሕ ደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሕልናን ብመንፍስ ቁዱስ እንታይ ከም ዝዀነ ክነግረና ከሎ

“ስለዚ ደም ድቤላታትን ኣረውሕን ሓመዂስቲ ኣርሕን ኣብቶም ዝረኸሱ ተነጺጉ ንምጽራይስ ጋዚ ቕድስ ካብ ኰነስ፡ ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስኻትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ? ይብለና።ኣዚዩ ግሩም ዝኰነ ሓይሊ የሱስ ክርስቶስ፣ መጽሓፍ ቁድስ ክዛረብ ክሎ ልቢ ሰብ ሕስምን ጐራሕን ኣዩ ይብሎ። ነዚ ከምዚ ዝበለ ልብን ሕልናን ግና ኣምላኽ ብመንፈሱ ጌሩ ብደም ወዱ የሱስ ክርስቶስ ይልውጦ፣ ካልእ ሕልና ስብ ብዘሎ መሊኡ ዘሎ ርክሰትን ክፋኣትን እዩ።ሕልና ሰብ ወትሩ ብሓጢኣት ምስ ተገዝኣ እዩ፣ ኣብቲ ሓጥያት ዝገዝኦ ኣእምሮ ድማ ሰላምን ዕረፍትን የሎን። ደም የሱስ ክርስቶስ ግና ነቲ ኣብ ሕልናና ዘሎ እሞ ሰላም ዝኸልኣና ኩሉ ኣልዩ የንጽሃና። ሓሳብ ክርስቶስ ክንሓስብ የኽእለና። ብምሕዳስ ሃሳብና ተለዊጥና ነቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ሓሳብ ኣምላኽ ክንፈልጥን ክንርዳእን ይገብረና።

 

ልዕል ዝበለ ሓሳብት ኣንጻር ኣምላኽ ዝቐንዐ መደበት ኩሉ ኣብ ኣእምሮና እዩ ዝቕመጥ ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ንኣምላኽ ዝጻረር ነገራት ኣልዩ ምስኡ ክንሰማማዕ ዝገብር ደም የሱስ ክርስቶስ እዩ።

ካልእ ንሰብ ካብቲ ሓደ ዘሸግሮ ነገር ሕልናዊ ወቐሳ እዩ። ሰይጣን ኣብ ኣእምሮ ዘምጾ ናይ ገበነኛ ስምዒት ንሰባት ኣብ ጭንቀትን ወጥርን እዩ ዝሸሞም። ሕልናዊ ወቐሳ ዓቢ መዋፈሪ ኣጋንንቲ እዩ” በዚ ሕማም እዚ ተለኺፎም ኣንፈቶም ዝሰሓቱ ብዙሓት እዮም። ሰይጣን ከሳሲ እዩ። ነዚ ኣብ ኣእምሮና ሰይጣን ዘቐመጦ ክሲ ብምልኣት ጸራሪጉ ዝፍውስ ግና እቲ ኣብ ቀራንዮ መስቀል ዝፈሰሰ ደሙ እዩ። ሎሚ ብናይ ሕልናዊ ወቐሳ እንሳቐ ሰባት ተስፋን ፈውስን ኣሎ እዩ። ንሱ ድማ ድም የሱስ ክርስቶስ እዩ።

ሎሚ ልብና ወይ ሕልናን ካብ ክሲ ሰይጣን ሓራ ክኸውን መታን ደም የሱስ ክፈስስ ብግዲ ኰነ ነዚ እዩ ናይ እብራውያን ጸሓፊ ደጊሙ “ስለዚ፣ ኣሕዋተየ፣ በቲ መጋረጃ፣ ማለት ብስጋኡ ዝቐደሰልና ሓድሽን ህያውን መገዲ ብደም የሱስ ናብ መቕደስ ንምእታው ትብዓት ካብ ዚህልወና ኣብ ቤት ኣምላኽውን ዓብዪ ኻህን ካብ ዚህልወናስ፣ ልብና ኻብ ክፉእ ሕሊና ተነጺጉ፣ ስጋናውን ብጽሩይ ማይ ተሐጺቡ፣ ምሉእ ብተረዳእናያ እምነት ብቕኑዕ ልቢ ንቕረብ። እቲ ተስፋ ዝሀበና እሙን እዩ እሞ፣ ነታ እሙንቶ ተስፋና ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ።” ብምባል ዘሎና ሕልናውን ናይ ልቢ ናጽነት ክንድምንታይ ግሩም ምዃኑ ይንግረና። ሰይጣን ኣባና ክሱ ክብዝሕ ከሎ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንሓዋሩ ዝረኣየልና ሊቀካህናት ከም ዘሎ ኣይንረስዕ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ሮሜ ክዛረቦም ከሎ “ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኽሶም መን እዩ፣ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕ። እቲ ዚኹንንከ መን እዩ፣ ክርስቶስ የሱስ፣ እቲ ዝሞተ፣ ኤረ ኻብ ምውታት እኳ ዝተንስኤ፣ ኣብ የማን ኣምላኽ ኮይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ።” እምብኣር ሰይጣን ክኸሰና መሰል ከምዘይብሉ ንፍለጥ ከመይሲ ደም የሱስ ክርስቶስ ብናይ ዘልኣለም መንፍስ ንሕልናና ካብ ሙት ግብሪ ካብ ክሲ ካብ ጭንቀትን ካልእን ከንድሕኖ ስለ ዝኽእል።

3 ደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ጥፍኣትን ዓወት ይህበና።

ሓደ ግዜ ደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ንምውጻእ ብኣምላክ ተኣዘዙ። ፈርኦን ንጉስ ግብጺ ግና ኣበየ። ብኢድ ሙሴን ኣሮንን ከኣ ብዙሕ ዝዓይንቱ ትምእምርቲ ተገበረ። ግና ክለቆም ኣይከኣለን። ኣብ ወዳእታ እግዚኣብሄር ብማእከል ግብጺ ናይ ሞት መልኣኽ ከምዝሓልፍ ነገሮም። ንነፍሲ ወከፍ ቦኽሪ ግብጺ ድማ ከወቕዕ ምዃኖም ነገሮም። ደቂ እስራኤል ካብዚ ዝሓልፍ መልኣኽ ክድሕኑ ገንሸል ሓሪዶም ነቲ ደም ኣብ ኣፍ ልዳቶም ክገብርዎ ተነግሮም። እቲ መልኣክ ድማ ነቲ ደም ርእዩ ከም ዝሓልፎም ተዛረቦም። ከምቲ ዝበሎም ድማ ገበሩ። እቲ ናይ ጥፍኣት መልኣኽ ድማ መጸ። ንቦኽሪ ግብጺ ኩሉ ወቐዐ ነቶም ኣብ ልዳውቶም ደም እቲ ገንሸል ዝነበሮም ግና ኣይተንከዮምን። ደቂ እስራኤል ከኣ በዚ መንግዲ እዚ ካብቲ ንዘመናት ዝጭቁኖም ዝነበረ ኣደራዕ ነጻ ወጽዮም። እዚ ጽላሎት ስራሕ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ መስቀል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ በዚ ደም እዚ ምስ ዝሽፈን ካብቲ ዝመጽእ ቁጡዓ ኣምላኽ ነጻ ይወጽእ እቲ ናይ ጥፍኣት መርገም ድማ ኣብኡ ኣይሰርሕን። ሓደ ግዜ ኣብ መንጐ ሰባት ምፍልላይ ክኸውን እዩ። እቲ ናይ ጥፍኣት ውሕጅ ክመጽእ ከሎ ነቶም ብደም የሱስ ክርስቶስ ዝተዓደጉን ዝተሸፈኑኑ ሓሊፎም ክኸይድ እዩ። ሎሚ በዚ ደም እዚ ንምሽፋን ብእምነት ምስ ኣምላኽ ብመድሓኒ የሱስ ንተዓረቕ።

ካልእ ደም የሱስ ኣብ ልዕሊ ሰይጣንን ስርሑን ዓወትን የጓንጽፈና። ኣብ ራእይ የውሃንስ ክዛረብ ከሎ “ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፣ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። ኣምላኽ ይመስገን የሱስ ብደሙ ዝሰዓሮ ጸላኢ እዩ ዘሎና። ሰይጣን ኣብቶም ብደሙ ዝተዓደጉ ኩሉ ስልጣንን መሰልን ቦታን የብሉን። የሱስ ሓንሳብን ንሓዋርን ገፊፎ እዩ ነዚ እዩ ኣብ ቆሎሴ “ ንብዘሎ ኣበሳና ይቕረ ኢሉ፣ ብኣበሳኹምን ብዘይ ግዝረት ስጋኹምን መዊትኩም ንዝነበርኩም፣ ንኣኻትኩምውን ምስኡ ህያዋን ገበርኩም። ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበአሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደሚሲሱ ኸኣ፣ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፣ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፣ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።” ሎሚ ክርስቶስ የሱስ ዝገበሮ ናይ ዓወት ስራሕ ናትና ምዃኑ ንእምነ ድም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ኣጋንንቲ ምልኪ ከም ዘለዎ ኣይንረስዕ። ደም የሱስ ክርስቶስ ዓወትና እዩ።

ኣስታት ኩሉ ብደሙ እዩ ዝነጽህ። ብደም የሱስ ስርየት ሓጥእያት ከም ዘየለ ንፍለጥ ደም የሱስ ካብ ክሲ ኩሉ ነጻ ከም ዘውጻና ንእምነ። ደም የሱስ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ስልጣን ጸልማት ዓወትና ምኻኑ ንረዳእ።